1) ስርዓት ህግደፍ ናይ ኵናት ኣጽዋር ከይእቱን ከየውጽን
2) ፖለቲካውን ወተሃደራውን ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ድላዮም ከይንቀሳቐሱ
3) ኣብ ወጻኢ ዝረከብ ንበረት ህግደፍ ክእገድ
.
ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኰይኑ፡ መነባብሮ ህዝቢ በቲ ስርዓት ንሓያሎ ዓመታት ተወቒዑ ኢዩ። ዝተረፎ የብሉን። ካሊእ ይትረፍ ድኻ ሓረስታይ ዓመት ጫዅሩ ዘፍረየን እቲ ስርዓት ብሓይሊ ካብ ኣፉ የሕድጎ ከምዘሎ ንኹላተና ብሩህ ኢዩ። ባርነት መንእሰያትና ንዓለም ከም ዘስካሕከሖ’ውን ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። እዚ ማዕቀብዚ ንህዝብና ይጎድኦ ኢዩ ማለት “ንስኡን ክትስእን ኢኻ” ማለት ኢዩ። ንዘይብሉ ኣለካ ክትብሎ ዘይ ስነሞጎት ኢዩ። ተቐጺዑ ዘሎ ህዝቢ መቕጻዕቲ ወሪዱኳ ኣሎ ክትብሎ አይትኽእልን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ብርግጽ እቲ ማዕቀብ አምበኣር ፈልዩ ነቲ ስርዓት ኢዩ ዝወቀዕ። እዚ ከኣ እቲ ውጹዕ ሀዝቢ ነቲ ዝፈርዐነ ጸቓጢኡ ስርዓት ክቕጻዓሉ ከሎ ሓጋዚኡ ኢዩ። መብዛሕትኡ ህዝብና ነዚ ማዕቀብዚ ቅድም ኢሉ ኣብ ግበሪ ክውዕል ነይርዎ ይብል።
.
ስርዓት ህግደፍ እንተ ኰይኑ ናይ ግድን ኢዩ ህዝቢ ከላዓዕል። ኣመሉ ጥራይ ዘይ ኮነስ ዘዋጽኦ ስትራተጂ’ውን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንዘይነጸፉ ደገፍቲ ንምሕላብ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ኣንጻር ህዝቦም ክጉድፉ ምንባሮም ኢዩ። ገሊኦም ብጠቕሚ ገሊኦም ከኣ በገርሂ። ግን እቲ ነገር የሕዝነካ ኢዩ።
.
ግደ ሓቂ ኣነ ብወገነይ ዝተጸበኹዎ፡ ድሕሪ እዚ ማዕቀብ’ዚ ህዝቢ ኣንጻር ስርዓት ንኽልዓል ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ብረት ዝዓጠቐ ወተሃደራዊ ክፍሊ። ብሰንኪ ሓደ መላኺ መራሒ ህዝቢ ተዋሪዱ፡ ዓለምውን ተናዊጹ። እዚ መራሒ’ዚ ኢዱ ዘየእተወላ ዓወደ ግጭት የላን። ሰላማዊ ሰልፊ’ኸ ኣንጻር መን? ኣንጻር ሕቡራት ሃገራት? ኣንጻር ህዝቢ ዓለም? ኣብኩሉ ኩርናዓት ዓለም መራሒ ስርዓት ህግደፍ ብሕጊ ዘይቕየድ፡ ቅዋም ዘይኣምን ሓደ ሽፍታ ምዃኑ ከምዝፍለጠ’ዶ ኣይፈልጡን ኢዮም? ንስርዓት ህግደፍ ምድጋፍኩም ሃገራውያን ከብሎኩም ኣይኽእልን። ሃገራውነት ማለት ንሓደ ዲክታቶር ምድጋፍን ምክልኻለን ማለት ኣይኮነን፡ ሃገራውነት ማለት ህዝብኻ ክእሰርን ክግፋዕን እንከሎ ምስኡ ጠጠው ምባል ማለት ኢዩ። ብሓጺሩ ሃገራውነት ማለት ምእንቲ መሰል ህዝበኻ ምቅላስ ማለት ኢዩ።
.
ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ ኣይኮነን ዘድሊ። ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ክእሰርን መሰሉ ክስእን ሽዑ ኢዩ ነይሩ ዘድሊ። ናይ ኵናት ጀጋኑ ኣከለ ስንኩላን ክረሸኑ ዓገብ ዘይበልኩም ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? ቅተለት ዓዲ ኣበይቶ ዘይተቓወምኩም ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? ኣቦታትን ኣደታትን ስዋኣት ክእሰሩ ኣቤት ዘይበልኩም ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? ቀይዲ ዝበተኸ ስርዓት ክትካላኸሉ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ? መን’ዩ ኣገዳሲ? ህዝብኹም ወይስ ስርዓት? ስርዓት ይኸይድ ስርዓት ይትካእ። ህዝቢ ግን ነባሪ ኢዩ። ቈራጸን ንቑሕን ዘይጋ ምስ ህዝቡ ኢዩ ጠጠው ዝብል። መሳርሒ ጸቓጢ ስርዓት ኣይከውንን። እኳ ድኣ እቲ ስርዓት ገበን ክፍጽም’ከሎ ኣንጻሩ ይምክት።
.
በጋጣሚ ኮይኑ፡ እዛ ጽሕፈቲ’ዚኣ ክጽሕፍ ከሎኹ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ነበር ናይ ዓባይ በሪጣንያ፡ ቶኒ ብለር “ህዘቢ ዘይደገፎ ኵናት ኣብ ዒራቕ ኣካይደካ” ብምባል ተኸሲሱ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ዝሕተተሉ ዘሎ ግዜ ኢዩ። በዓል ኣቶ ኢሳያስ ድማ ብኢደ ወነኖም ኵናት ጻሕቲሮም ዘጥፍእዎም ነብሳት ምሕታት ይትረፍስ “ቀይዲ ትበትኽ ኣሎኻ በስመኣብ በል” ኣብ ዝተባሀለሉ ግዜ፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ “ጽቡቚ ኣሎ ይፈልል” ኣብ ዝብሉሉ ግዜ ምዃኑ ብዙሕ ኣተሐሳሲቡኒ። መኣስዮም ዝልብሙ? መኣስዮም’ከ ዝነቕሑ?
.
እቲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ’ኸ እንታይ ፍታሕ ከምጽእ ኢዩ? ጽጥታ ሕቡራተ ሃገራትከ ነቲ ዘሕለፈቶ ረዞሉሸን ክትቅይሮ ድያ? እዚ ደገፍቲ ስርዓት እውን ይፈልጥዎ ኢዮም ከም ዘይቕየር። ብዓብዩ ሰርዓት ህግደፍ’ውን ዓላማኡ ነዚ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስኩዎ “ በሉ ዓለም ኣንጻርኩም ኰይና’ላሞ መክቱ፤ ከም ቀደምኩም ዘለኩም ነጊፍኩም ተወፈዩለይ፤ ኣድሕኑኒ” ኢዩ። ካሊእ ወላሓንቲ ትርጉም የብሉን። ኣብ ሰተራሰቦርኽ (ፈረንሳ) ዝተገብረ ንዶብ ምሕንጻጽ ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ሪኢናዮ ወላሓንቲ ኣየፍረየን። ኣብ ሰደት ዓለም ኣንጻር መንግሰቱ ተዘይኮይኑ ሓዲግዎ ዝመጸ መንግስቲ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ሪኢና ኣይንፈልጥን።
.
ኣብ መጨረሻ እቲ መፍትሒ ጸረ ህዝቢን ጸረ ሕግን ዝኾነ ስርዓት ዝፈጸሞ ገበን ምክልኻል ኣይኰነን። እዚ ስርዓተ’ዚ ካብ ገበን ምፍጻም ዝቑጠብ ኣይኰነን። ደድሕሪኡ እና ስዓብካ ዝገብሮ ገበናት ካብ ምክልኻል እቲ ዝበለጸ መሰረታዊ መፍተሒ ነቲ ስርዓት ምውጋድ ኢዩ። ስለዚ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻር ህዝብኹም ካብ ምቅላስ ንዑ ሓቢርና ንህዝብና ዝሓይሽ ፍታሕ ነናዲ። ኣብ ክንዲ ነዚ ኣንጻር ህዝብኹም ዝኾነ ስርዓት ደገፍ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር፡ ምሳና ኣንጻሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክትገበሩ ንዕድመኩም። መፍትሕ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ምውጋድ ጥራይ ኢዩ።
.
.
ርእይቶ፡
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it