ዝዛረየ ደም ዓስቡ ክትመልስ ህያውነቱ ስጋ ክለብስ ኒሕካ ኣስርሓዮ መሰልካ ምለስ ድምጻዊ ተስፋይ መሓሪ (ፊሒራ) ድምጻዊ ተስፋይ መሓሪ (ፊሒራ) ነዛ ዜማ እዚኣ ከዝይም ከሎ፡ እንታይ ኮን ኣብ ልቡ ይመላለስ ነይሩ ይኸውን? ብርግጽ እቲ ዜማ ንመንእሰያት ስለ ዝተዘየመ፡ ኣብ ኣእሙሩኡ መንእሰያት ይመላለሱ ከም ዝነበሩ ርግጽ ነገር ኢዩ፡፡ ኣብቲ ህሞት እቲ ገድልዊ ቃልሲ ንናጽነት ይጓሃሃረሉ ኣብ ዝነብረ እዋን፡ ንመንእሰያት ዓስቢ እቲ ዝዛረየ ደም ኣሕዋቶም ከመልሱ ምእንቲ ናጽነት መሬት ክቓለሱ ይጽውዕ ነይሩ። ኮይኑ ግና ዜሙኡ ኣብ ምምላስ ብጸላኢ ዝተጎብጠ መሬት ጥራይ ዘተኮረ ኣይነበረን፡፡ እንታይ ድኣ “ኒሕካ ኣስርሓዮ መሰልካ ምለስ” ዝብል ሓረግ ኣብ ትማልን ሎምን ዝዓይ ስነ-ጥበባዊ ቃል ኢዩ፡፡ እምበኣር ሎሚ መንእሰያት፡ ዝያዳ ኵሉ እዋናት ንመሰሎምን ንሓርነቶምን ክቓለሱ፡ ኒሖም ከስርሑዎ ከም ዘለዎም፡ እታ ኣብ ኣፋፊት ሞት ኮይና ትጣራዕ ዘላ ሃገር ትደሃዮም ኣላ፡፡ እቲ ልዕሊ 800 ዝኣኽሉ ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ሰለማዊ ሰልፊ ዲሲ ዝምስክሮ ሓደ ሓቒ እንተነብረ፡ መንእሰያት ኤርትራ ገና ኒሖም ኣለሽ ከም ዘይበለ ዝምስከረሉ መድረኽ ብምንባሩ ኢዩ፡፡ እዚ ሰለማዊ ሰልፍን ዋዕላን ዝያዳ ኵሉ መዓልታት ብዝሒ መንእሰያት ዝተረኣየሉን ዝተኣከበሉን ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ዋዕላን ሰለማዊ ሰልፍን ክሳተፍ ካበየ ማእዝኑ ናብ ዲሲ ዝወሓዘ ኤርትራዊ ዜጋ ጸባ ሰትዩ፡ ሩፍታ ረኺቡ፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ እቲ ፈጺሙ ኣለሽ ዘይብል መንፈስ ኤርትራዊያን ኣብ ልዓቱ ከም ዘሎ ዘበስር ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ፡፡ ንርዱእ ምኽንያት መንእሰይ ሓንቲ ሃገር፡ መቶር ምዕባልን፡ ነታጕ ሰውራን ብሙዃኑ፡ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ድማ ብዝሒ ተሰታፍነት ስለ ዝነበሮ፡ ተስፋ መጻኢ ሃገርና ገና ኵሉዕ ሙዃኑን፡ ሰረት ሃገራውነቱ ገና ከም ዘይነሃለን ዝተረጋገጸሉ ባይታ’ዩ ነይሩ፡፡ ሕብረት ኤርትራዊያን ኣንጻር ምልኪ ከም እውን ኤርትራዊ ዲሞክራሲን ኪዳን ከምዚ ዝበለ ዕውት ሰለማዊ ሰልፍን ዋዕላን ኣዋዲዶም ብዓወት ስለ ዝዛዘምዎ ብሓቒ ሞጎስ ዝግብኦም ኢዩ፡፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ኣካል ሕ/ተሰብ ኣደራዕ ሕሱም መግዛእቲ ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ዝባኑ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ እቲ ንልዕሊ ዓስርተ ኣርባዕተ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ዓስቢ ረሃጹ፡ ኣብ ባርነት ተቖሪኑ ዘሕልፎ ዘስካክሕ ህይወት ብቓላት ክትገልጾ ኣዝዩ ኢዩ ዘጸግም፡፡ ምረት ባርነት ምስ ኣስካሕክሖ፡ ኵነታት ቝጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ሃገሩ ተስፋ ምስ ሰኣነሉ “ ተኾሪምኻ ሞት ኣሳፊሕካ ሞት ኵሉ ሓደ’ዩ” ብዝብል ቀቢጸ-ተሰፋ ዝማዓገ ሓረግ ተጊዚኡ፡ ኣእጋሩ ዝዓልባሉ ቦታ ከየማረጸ፡ ንስደት ይፈስስ ኣሎ፡፡ እቲ ንህይወቱ ክባልሃ ዕድል ዘይገበረ፡ ብተመልከተለይ ብዓርር ገዛእ ኣሕዋቱ ክወድቕ ከሎ፡ ወቒዒ ሰሃራ በርሃ ዘርገፎን፡ ባሕሪ መዴተሪያናን ዝወሓጦ መንእሰይ ነጋሪ ሲኢኑ እምበር ማእለያ የብሉን፡፡ ካቡኡ ሓሊፉ ኣብ መዕቖብ ስደተኛታት ሽመልባ ዝርከብ ኣስታት 30,000 ዝኸውን መንእሰይ መጻኢ ዕድሉ እንታይ ከም ዝኸውን ከይፈለጠ ወርቓዊ ናይ ንእስነት ዕድሚኡ ብኸንቱ የሕልፎ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ብሃገረይን ሕዝበይን ይግደስ ኢየ ንዝብል ዜጋ ሰፍ ዘይብል ሃገራዊ ክሳራን ብርሰትን ኢዩ፡፡ ሕሰምን ኣደራዕን ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብዚ ሓጺር ጹሑፍ ተጸሙቝ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ሎሚ ክፉታት ኣእዛን ንዝውንን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝፍጸም ዘሎ ኢዱድ በደል፡ ዘይተዘንተወሉ የሎን፡፡ እንታይ ድኣ ዝተፈላለየ ምኽንያት እንዳምጽኤ፡ ኣብ ክንዲ ኢዱ ኣብ ቓልሲ ዝሕውስ ወሰን ኢሉ ከም መንገደኛ ከማዕዱ ኢዩ ጸኒሑ፡፡ እምበኣር ዋዕላ ዲሲ ዝቐየሮ ነገር እንተሎ፡ መንእሰያት ኣያታት ጕዳዮም ኮይኖም፡ ኣብ ሃገር ምድሓን ክዋፈሩ፡ ባይታ ዘንጽፈ ኣጋጣሚ ምንባሩ ኢዩ፡፡ እዞም ካብ ዝተፈላለየ ናይ ኣመሪካ ክፍለ-ሃገራት ይዅን ካብ ካናዳ ኣብዚ ዋዕላ እዚ ንምስታፍ ዝመጹ መንእሰያት፡ ኣብ ኣእሙሩኦም ሓደ ነገር ነይሩ፡፡ ንሱ ድማ “ ደጊምሲ ይኣክል ስቕታ! ሎሚ ግዜና ኢዩ! ሕጂ እንተዘይኮኑ ኸ መዓስ? “ ዝብሉ እዋናዊያን ጭርሖታት፡፡ መንእሰይ ሓንሳብ እንተ ነቒሉ ድማ ከም ውሑጅ መላሲ የብሉን፡፡ እወ ድሲ መልሓስ እቲ ውሕጅ ኢያ መስኪራ፡፡ እቲ ዝስዕብ ድማ ዝጋማዳሕ ውሑጅ ሙዃኑ ምትንባይ ኣየድልዮን፡፡ እቲ ግዜ መጺኡ ኣሎ፡፡ እቶም ደቒ ግዜ ድማ ተቐልቒሎም ኣለው። መንእሰይ ኤርትራ ዝያዳ ኵሉ ግዜ ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ሃገሩ ካብ ጥፍኣት ዘድሕነሉ እዋን መዓልቱ ኣኺሉ ኢዩ፡፡ እወ ብሓባር ኒሕና ነስርሓዮ፡ መሰልና ንምለስ።
ኪሮስ ዮውሃንስ
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
ካብ ተሳታፊ ዋዕላ ዲሲ |