ምስ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዙሪክ (ስዊዘርላንድ) ብ18 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር ዝቐረበ መዛተዪ ወረቐት
ሀ. መእተዊ
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዘተ ኣብ ክልተ ኣርእስታት ከተኩር ኢየ። ከም ሓደ ካብ መስረትቲ ኣባላት ኤምዲሰመ መጠን ኣቐዲመ ብዛዕባ ታሪኽን ኣመሰራርታን ኤምዲሰመ ሓጺር መብርሂ ክህብ ኢየ። ምስዚ ኣተሓሒዘ ድማ ህሉው ኩነታት ሃገርን ህዝብን ዝብል ነጥቢ ከልዕል ኢየ።
ለ. ታሪኽን ኣመሰራርታን ኤምዲሰመ
ኤምዲሰመ እንታይ ኢዩ፧
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሳለትን (ኤምዲሰመ) ኣብ መወዳእታ 2003 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝተበጋገሰ፡ ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ 2004 ድማ ብወግዒ ዝተመስረተ በርጌሳዊ ወይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ ናይ ዜጋታት ኢዩ። ኣመሰራርትኡ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ዝነበረን ዘሎን ውሑድ ዘይብሃል ቁጽሪ ኤርትራውያን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ስደተኛታትን ተዛሚዱ ዝርአ ነገር ኢዩ። ድሕሪ ቅልውላው 2001 መንግስቲ ኤርትራ ብመገዲ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ንተመሃሮን ስደተኛታትን ከበሳብስ ይህቅን ብምንባሩን ብዝያዳ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዝነበረን ዘሎን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንዳገደደ ብምኻዱ፡ እዚ ድማ ኣብ ግዱሳት ዜጋታት ከቢድ ሻቕሎት ስለ ዘሕደረ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ ኢዩ ኤምዲሰመ ክምስረት ክኢሉ።
ቀንዲ ዕላምኡ፡ መሰል ዜጋታታ እተኽብር፡ ፍትሓዊት፣ ሰላማዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ። ነዚ ዕላማ’ዚ ኣብ ምትግባር ዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥቀም -- ብፍላይ ድማ ከም ቀንዲ ስትራተጂ ጌሩ ዝወስዶ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ወይ ድማ ሓደሓደ ግዜ “ሰላማዊ” ኣገባብ ቃልሲ ተባሂሉ ዝግለጽ ስትራተጂ ኢዩ።
ነቲ ዝዓበየ ዕላማታት ንምትግባር ድማ በዞም ዝስዕቡ መትከላት ይግዛእ፦
ብመገዲ ህዝባዊ ምንቕቓሕ፣ ጥብቅናን ትምህርታዊ ጎስጓሳትን ኣቢልካ ህዝቢ ከም ዝነቅሕ ምግባር -- ህዝቢ ብዛዕባ መሰሉ ዝሰፍሐ ኣፍልጦ ከም ዝህልዎ ምግባር፤
እቶም ኣብ ኣገደስቲ ኣህጉራዊ ሰነዳት ዝጸደቑ ኣምራት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን ብዜጋታት ከም ዝፍለጡን ከም ዝልመዱን ምግባር፤
ኣብ መጨረሽታ ከኣ ኩሎም ኤርትራውያን መሰረታዊ መሰላቶም ብብቕዓት ንኽጥቀምሎም ዘኽእል ስርዓተ-ምሕደራ ምህናጽን ኤርትራውያን ብሰላም፣ ብኽብርን ብብልጽግናን ንኽነብሩ ዘኽእሎም ሃዋሁ ኣብ ኤርትራ ንኽፍጠር ኤምዲሰመ ይቃለስ።
ስለዚ ኤምዲሰመ ማለት ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዕላማታት ከተግብር ዝቃለስ ሲቪካዊ ወይ በርጌሳዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ዕላማታት ኤምዲሰመ ብባህሪኡ ፖለቲካ-ጠቀስ እኳ እነተኾነ ኤምዲሰመ ግን ብታሪኹ፣ ኣቃውምኡን ዕማምኡን ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ስልጣን ክጭብጥ ኢሉ ዝቃለስ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣይኮነን።
ኤምዲሰመ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ብዙሕ ዕማማት ኣሰላሲሉ ኢዩ። ገለ ካብቲ ዘሰላሰሎ ዓበይቲ ዕማማት ብውሑዱ እዚ ክስዕብ ክጥቅስ ይከኣል፦
· ንመሰል ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ብዝምልከት ብዘይ ምስልካይ ተጣቢቑን መሰላቶም ከም ዝወሓስ ጌሩን። ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናይ ኤምዲሰመ ናይ ኣባልነት ወረቐት ወይ ድማ ብኤምዲሰመ ዝተጻሕፈ ናይ ድጋፍ ደብዳበ እንተኣርእዮም ጉዳዮም ቀልጢፉ ከም ዝሰልጦም ኣብ ብዙሕ ተሞክሮታት ተረጋጊጹ ኢዩ፤
· ካብ መወዳእታ 2005 ጀሚሩ (ብምትሕብባር ግዱሳት ዜጋታት) ኤምዲሰመ ብትግርኛ ናብ ኤርትራ ዝፍኖ መደብ ረድዮ ጀሚሩ ሕጂ ‘ውን ይቕጽሎ ኣሎ። እታ “መሰልና ደሊና” ተባሂላ ትፍለጥ ሬድዮ ተፈላጥነት ኤምዲሰመ ክዓቢ ካብ ዝገበሩ ኣበርክቶታት ምናልባት እታ ዝዓበየት ስራሕ ኢያ ክትበሃል ትከኣል፤
· ኤምዲሰመ ወርሓዊ እትሕትም መሰለይ ትብሃል መጽሄት ጀሚሩ ኔሩ እንተኾነ ምስ ባጀት ብዝተተሓሓዘ ተክኒካዊ ጸገማት ሕትመት ናይዛ መጽሄት ከምቲ ዝድለ ኣይቀጸለን፤
· ኤምዲሰመ ዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሓቲሙን ይሓትም ኣሎን -- ንኣብነት ኣብ 2006 ዘዳለዎ “ብድሆ ኣንጻር ኣተሓሳስባና” ዝብል ናይ ጎስጓስ መጽሓፍ ክጥቀስ ይከኣል። ከምኡ ‘ውን ብኣባላት ኤምዲሰመ ዝተተርጎመን ዝተደርሰን ዝተፈላለየ ኣካዳምያውን ናይ ምርምር ስርሓትን ይርከቦ፤
· ኤምዲሰመ ኣብ ዝተፈላለየ ዋዕላታትን ኮንፈረንሳትን ተሳቲፉ፣ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ መጋባኣያታት ቀሪቡ ኣቤቱታ ኣስሚዑ፣ ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ተመያይጡ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ‘ውን ዑደት ኣካይዱ፤
· መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ይፍጽሞ ንዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ብዘይ ምስልካይ ኣቃሊዑን የቃልዕ ኣሎን፤
· ወዘተ
ኤምዲሰመ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ መደባት ስራሕ ሓንጺጹ ክነጥፍ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ስደት ካብ ዘሎ ህዝብና ዝተረኸበ ግብረ-መልሲ ግን ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን። በዝን ብኻልእ ምኽንያታትን ኤምዲሰመ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ብዙሕ ክዓቢ ኣይከኣለን። ከቢድ ናይ ባጀትን መሳለጥያን ሕጽረት ስለ ዘለዎ፡ ብኡ መጠን ዓቕምታቱ ኣዝዩ ድሩት ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ሕጂ ‘ውን እቲ ኩነታት ከምኡ ኢዩ ዘሎ። ደገፍን ተሳታፍነትን ናይ ህዝቢ ክሳብ ዘይዓዘዘ ድማ እቲ ብድሆ ቀጻሊ ምዃኑ ይእመን። ምስ ብደሆታት ኤምዲሰመ ኣተኣሳሲረ እምኣበር ህሉው ኩነታት ሃገርን ህዝብንከ ከመይ ኣሎ ናብ ዝብል ነጥቢ ክሰግር።
ሐ. ህሉው ኩነታት ሃገርን ህዝብን
ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ ኣሎ፧
ኣብዚ እዋንዚ ዝህብናን ሃገርናን ዝርከበሉ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ንኹልና ንጹር ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ነቲ ኩነታት ክኽሕድ ዝደሊ ሰብ እንተዘይኮይኑ ኩልና ንፈልጦን ንርድኦን ኢና። ንኣብነት ብመሰል ደረጃ እንተርኢና፡ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ዘይክበረላ ገነሃም ኢያ ተቐይራ። ቁጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዘስካሕክሕ ደረጃ ወሪዱ፡ ሎሚ ኣብ ገለ ገጠራት ህዝቢ ቆጽልን ሓምለመምልን ጠጢቑ ክበልዕ ጀሚሩ ኣሎ። ማሕበራውን ባህላውን ጸጋታት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምሒር ስለ ዝተባሕጐገ ስድራቤታት ተበታቲነን ዓድታት ‘ውን ናብ ምብዳም ገጸን ይኸዳ ኣለዋ። ከምዚ ናይ ሎሚ ስደት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዓጸቦን መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን። ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለምን ኣፍሪቃን ክትውዳደር እንከላ ኤርትራ ቅዋም፣ ፓርላማ፣ ነጻ ኣብያት ፍርድን ነጻ ፕረስን ዘይብላ መስደመም ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለም ዝዀነት ሃገር ብዘይ ቅዋምን ብዘይ ፓርላማን ክትምራሕ ኣዝዩ ኣነዋሪ ኢዩ። ህግደፍ ግን ነውሪ ስለ ዘይፈልጡ ብድርቅና ይቕጽሉ ኣለዉ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ብዝተፈላለየ ምንጭታትን በብግዚኡን ይግለጽ ኣሎ። ንኹሉ ብዝርዝር ከተቕርቦ ኣጸጋሚ’ኳ እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ዝተፈጸመን ዝተነግረን ገለገለ ዓበይቲ ግፍዕታት እንዳጠቐስኩ ከብርህ ክትፍን ኢየ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ህግደፍ ደቅኹም ኣህዲምኩም እንዳበለ ንወለዲ ይኣስርን ይቐጽዕን ኣሎ - እዚ ፍትሓዊ ድዩ፧ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ተስፋ ቆሪጾም፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ዕድመኦም ብኸንቱ ይሓልፍ ከም ዘሎ ዝተገንዘቡ መንእሰያት እግሮም ናብ ዝመርሖም ኣብ ዝነፍጽሉ ግዜ፡ ኣብ ዶብ ተተታሒዞም ብኡ ንብኡ ይረሸኑ፤ ዕደለኛታት ተኾይኖም ድማ ንዓመታት ይእሰሩ - እዚኸ ፍትሓዊ ድዩ፧ እዚ ዝስዕብ ኣብነታት ‘ውን ክጥቀስ ይከኣል፡-
· ኣብ ዝሓፈለ ወርሒ ጥሪ ኣብ ከባቢ ዓዲዃላ ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ተርእዮ (ምርሻን ናይ ኣርባዕተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ)፤
· ኣቐድም ኣቢሉ ዝተገልጸ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄረ ኩናማ ዝተወስደ ኣሰቃቒ ህልቂት (ባርባራውነት ህግደፍ ካብ ዘቃልዑን ካብቶም ዝዓበዩ ህልቂታትን ሓደ)፤
· ብኣባላት ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ከም በዓል ግርማጽዮን ባይራይን መንግስተኣብ ግርማይን ካልኦትን ዝተገልጸ ግፍዕታት (ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት፣ ህቡባት ስነጥበኛታትን ካልኦት ተወሲዱ ዝበሃል ቅንጸላታት -- ንኣብነት ናይ በዓል መሓመድ ስዒድ ባርህ፣ መሓመድ ስዒድ ሓጎስ (ዋና ፋብሪካ እንዳ ኦሞ)፣ ዓሊ ስዒድ ዓብደላ፣ ዓንደሚካኤል ካሕሳይ፣ ዓብደላ ዳውድን ሓው መሓመድ ዳውድን፣ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም፣ የማነ ባርያ፣ ኣብራሃም ኣፍወርቂ፣ ወዘተ)፤
· ኣቐድም ኣቢሉ ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ቅንጸላታት ኣንጻር ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤን ካልኦት ሻዕብያ “ጸላእተይ” እትብሎም ንጹሃት ዜጋታትን ካልኦትን፤
· መራሕቲ ህግደፍ በብግዚኡን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን ዝፍጽምዎ ዘለዉን ዝፈጸምዎን ብልሽውናታት (እንኮላይ ስኽራንን ኣመንዝራነትን ብገንዘብ ህዝቢ)፤
· እቲ ግፍዕታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። በብሓደ ክንዝርዝሮ እዚ ናይ ሎሚ መድረኽ ኣይክኣኽለናን ኢዩ። ብዙሕ ሰብ ግን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ይፈልጦ ኢዩ።
እሞ እንታይ ኮይኑ ደኣሉ ክሳብ ሕጂ እቲ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ምስቲ ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ዝዳረግ ግብረ-መልሲ ዘይህብ፧ ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና እዚ ኹሉ ግፍዒታት እንዳተፈጸመ ትም ኢሉ ዝርኢ ዘሎ፧ ስለምንታይ ኢዩ ኣስቂጡ፧ ስለምንታይ ኢልና ምሕታት ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ኣነ ብወገነይ እቲ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢለ ዝግምቶ ከምዚ ዝስዕብ ከቕርቦ ኢየ።
ብወሑዱ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከም ምኽንያት ክጥቀስ ይከኣል፡-
ኣብ ሞንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣዕሚቚካ ካብ ዘይምፍላጥ እንታይ ገደሰንን ጸቢብ ውልቃዊ ረብሓታትን
ፍርሕን ራዕድን -- ህግደፍ ኣብ ዝኣተኻዮ ኣትዩ ከረኻኽበልካ ይኽእል ኢዩ ዝብል ኣጉል ፍርሒ ዝዓብለሎ እምነት
ካብ ተቓወምቲ ውድባት ተስፋ ምስኣን
ካልእ ኣብዚ ዘይተጠቕሰ ምኽንያታት1. ኣብ ሞንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ዘይምግንዛብ
ብዙሓት ሰባት ኣብ ሞንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣዕሚቖም ስለ ዘይርድእዎ፡ እቲ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ በደላት ብስም ሃገር ዝግበር ዘሎ ግድነታዊ ነገራት ጌሮም ይርድእዎ እሞ ነቲ መንግስቲ ምኹናኑ ይጨንቆም። ብሓቂ ግን እቲ ዝግበር ዘሎ በደላት ነታ ሃገርን ነቲ ህዝብን ዘርብሕ ድዩ ወይስ ነቲ መንግስቲ (ወይ ከኣ ንህግደፍ ጥራይ ዘርብሕ ኢዩ)፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ክንሓትት ከለና መጀመርታ ክንሓቶ ዝግብኣና ነገር ንምዃኑ ሃገር እንታይ ማለት ኢዩ፤ መንግስቲኸ እንታይ ማለት ኢዩ ዝብል ነጥቢ ክኸውን ኣለዎ።
ሃገር ማለት እምበር፡ እቲ ኣብ ሓደ ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ተጠርኒፉ ዝነብር ህዝቢ፣ ከምኡ ‘ውን ነታ “ሃገር” እንብላ ባእታ ዘቖመ እንባታት፣ ሩባታት፣ ጎላጉል ባሕርን ካልእ ኩሉ ባህርያዊ ጸጋታትን (እንኮላይ ልኡላውነትን ካልእን) ዘጠቓለለ ሰፊሕ ኣምር ኢዩ። መንግስቲ ማለት ግን ብኣንጻሩ፡ ብዝተወሰኑ ውልቀ ሰባት፣ ብሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ወይ ሰልፊ ዝቐውም ንሃገርን ህዝብን ወኪሉ ናብ ጎደና ምዕባለን ራህዋን ክመርሕ ዝግብኦ ፖለቲካዊ ባእታ ማለት ኢዩ ። ሓደሓደ ግዜ ሃገርን ህዝብን ተሓናፊጹ ዝቐርብ ትሕዝቶ ኣለዎ። መንግስቲ ግን ምስ ሃገርን ህዝብን ዘተሓናፍጽ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሉን። እቲ ፍልልይ ሃገርን ዝህብን ንዘልኣለም ዝነብሩ ዘይልወጡ ነገራት ክኾኑ እንከለው መግንስቲ ግን ግዚያዊ፡ በብግዚኡ ከኣ ዝቀያየር ፖለቲካዊ ትካል ማለት ኢዩ። መንግስቲ ንህዝቢ ከገልግል ተባሂሉ ብስም ህዝቢ ስልጣን ዝጭብጥ ፖለቲካዊ ጉጅለ ኢዩ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ከም ዝርአ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ብቕንዕና ክሳብ ዘገልገለን ህዝቢ ከኣ ክሳብ ዝፈቐደሉን ጥራይ ኢዩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ። ምኽንያቱ መንግስቲ ናብ ሰልጣን ክድይብ እንከሎ ‘ውን ብፍቓድ ህዝቢ ጥራይ ክኸውን ስለ ዘለዎ። ህዝቢ ብኣካይዳ ናይ ሓደ መግንስቲ ዕጉብ እንተዘይኮኑ ኣብ ዝዀነ ግዜ ነቲ ዘሎ መንግስቲ ብኻልእ ተኪኡ ዝሕሾን ዘዋጾን ሓድሽ መንግስቲ ክተክል ይኽእል -- መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ከኣ ኢዩ። እዚ መሰል እዚ በብእዋኑ ብዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ናይ መራሕቲ ይትግበር። ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ከምዚ ዓይነት ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ይካየድ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ስለ ዘይተዓደለ ካብ መግዛእቲ ጥልያን ጀሚርካ ክሳብ ባርነት ዘመነ ህግደፍ ነዚ ክገብር ኣይከኣለን።
መብዛሕትኦም ኤርትራውያን መንግስቲ ማለት ሃገር ማለት ስለ ዝመስሎም እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ጎሊሑ ኣይርኣዮምን። በዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ድንግርግር ስለ ዘለዉ ኣንጻር እቲ መንግስቲ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ድምጾም ከስምዑ ኣይክእሉን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክቕየር እንተኾይኑ ብርቱዕ ጎስጓስን ጻዕርን ከም ዘድሊ ብሩህ ኢዩ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን መንግስቲ ማለት ሃገር ማለት ከም ዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ‘ውን ህግደፍ ማለት መንግስቲ ማለት ኢዩ፤ ህግደፍ ከኣ ስልጣን መንግስትነት ብዓመጽ ዝጨበጠ ውድብ እምበር ሃገር ኣይኮነን።
2. እንታይ ገደሰንን ጸቢብ ረብሓታትን
ብኣንጻር ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ገለገለ ሰባት እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን ዘሎ ፍልልይ ነጺሩ ዋላ እንዳተራእዮም እንከሎ ትም ዝመርጹ ኣለዉ። እንታይ ኮይኖም ኢዮም፧ መብዛሕትኦም “እንታይ ገደሰኒ” ዝብል ስምዒት ስለ ዘሕደሩ ኢዩ። ኣነ ክሳብ ዘይተተንከፍኩ እንታይ ኣእተወኒ ኣብ ክንዲ ዓዲ ሃገር ዓንገርረ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዝበሓቶም ኢዩ። ገሊኦም ድማ፡ ጸብቢ ረብሓታት ኣፎም ስለ ዝሎገሞ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዓዲ ገዛ ወይ ንብረት ስለ ዘሎዎም፡ ክረምቲ መጸ ድማ ኣስመራ ከይዶም ክናፈሱን ክዛወሩን ስለ ዝደልዩ፣ ወዘተ … ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንዳነከየ ይመጽእ እኳ እንተሎ ንብዙሕ ሰብ ኣልሚስዎ ካብ ዝነበረ ምኽንያታት ምዃኑ ግን ኣይከሓድን።
3. ፍርሕን ራዕድን
ብዙሓት ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ህግደፍ ኣብ ዝኣተውዎ ኣትዩ ከረኻኽበሎም ዝኽእል ኮይኑ ይስምዖም። እዚ ዝተጋነነ ፍርሕን ምጅጃውን ኢዩ። ኣብ ከም በዓል ሱዳን ዝኣመሰላ ሕጊ ዘይፈልጣ ሃገራት ህግደፍ ድማ ከም ድላዩ ዝዕንድረለን ሃገራት እቲ ፍርሒ እንተገገነ ምኽኑይ ኢዩ። ኣብ ኤሮጳን ኣመሪካን ኮንካ ክንድኡ ዝኣክል ስግኣት ከተሕድር ግን ምኹኑይ ኣይኮነን። ህግደፍ ጨካን ኣራዊት ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እነተኾነ፡ ፍርህን ስግኣትን ዘለዎም ሰባት ኣብ ቃልዕ ከይወጹ ብስዉር ብዙሕ ነገራት ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ክፍለጥ ይግብኦ።
4. ካብ ተቓወምቲ ውድባት ተስፋ ምስኣን
ንደምበ ተቓውሞ ብዝምልከት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝደጋግምዋ ሓንቲ ዘረባ ኣላ። ኣበይ ኰይና ኢና እሞ ክንቃለስ፤ ኣበይ ዘለዉ ተቓወምቲ፤ ነንሕድሕዶም ክበኣሱ ዝውዕሉስ ከመይ ጌርና ነዚኦም ንጽንበሮም፧ ወዘተ ዝብል ሕቶታት የቕርቡ። ልክዕ ኢዩ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ርኡይ ድኽመታት ከም ዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ብማዕዶ ኰይንካ ብነቐፌታን ብኣፍን ጸፍ ምባል ጥራይ ንባዕሉ መፍትሒ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ኣቲኻ ብዓቕምኻ ምብርካትን ነቲ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ገለ ነገር ምብርካትን ኣገዳሲ ኢዩ። ብፍላይ መንአሰያት ኣብ ማዕዶ ኮፍ ኢሎም ንዑ ክበሃሉ ክጽበዩ የብሎም። መሪሕ ተራ ክጻወት ዝደልን ዝግብኦን ኣካል (ብፍላይ መንእሰይ) ኣብቲ መስርሕ ተዋሲኡ ነቲ ዝድለ ለውጢ ብግብሪ ክበቕዖ ኣለዎ እምበር ተዓዲሙ፡ እንካ ጉንዖ ክብልዎ ክጽበ የብሉን። እዚ ለበዋ እዚ ብፍላይ ንመንእሰያት ዘተኮረ ኢዩ።
ካልእ ኣብዚ ዘይተጠቐሰ ምኽንያታት ክህሉ ከም ዝኽእል ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ዝጠቐስክዎ ኣብነታት ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ኣልሚስዎ ካብ ዘሎ ገለገለ ሓቅታት ምዃኑ እኣምን።
መ. መደምደምታ
ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ኤምዲሰመ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ዝወለዶ ፍጻመ ኢዩ። ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ኣትሒዙ ኤምዲሰመ ብዓቕሙ ዝከኣሎ ከበርክት’ኳ እንተጸንሐ፡ ተሳትፎ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ከምቲ ዝግባእ ስለ ዘይዓዘዘ ገና ብዙሕ ብድሆታት ከም ዘሎ ኣይከሓድን። ኣብ ህዝብና ገና ከቢድ ናይ ምድንጋር ስምዒት ይርአ ኣሎ። ካብቶም ብዙሓት ምኽንያታት ሓደ ኣብ ሞንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ዘይምርዳእ ኢዩ። ሃገርን ህዝብን ነበርትን ቀወምትን ክኾኑ እንከለዉ መንግስቲ ግን ተለዋጥን ተቐያያርን ኢዩ። ወዮ ደኣ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ እምበር መንግስቲ ህዝቢ ክሳብ ዝፈተወሉ ጥራይ ኢዩ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ክመርሕን ዝግባእ። ህዝቢ ይኣኽለካ ኣብ ዝበሎ ግዜ ድማ በቲ ህዝቢ ዝደለዮ ኣማራጺ ዝትካእ ባእታ ስለ ዝኾነ ምስ ኣምር ሃገር ይኹን ምስ ህዝቢ ዘይዳረግ ግዝያውን ሓላፍን ፖለቲካዊ ትካል ኢዩ።
ከም መጠቓለሊ እምበር እዚ ዝስዕብ ክበሃል ይከኣል። ስኽን ኢሉ ንዘስተብሃለሉ ዜጋ ኤርትራ ኣብ ገምገም ገደል ኢያ ዘላ። ኣብ መንደልሃጺ ጸድፊ ብሉሕሉሕ ፈትሊ ተንጠልጢላ ትርከብ ኣላ። እታ ፈትሊ ከይተበትከት ብሜላ ክንስሕባ እንተኽኢልና ከነድሕና ኢና። ግዜን ዓለምን ብኣንጻራዊ ኣንፈት ገዲፎምና ይሕንበቡ ስለ ዘለዉ ግን ኣበርክቶና ካብ ንፋስ ዝቐልጠፈ ክኸውን ይግባእ። እዚ እንተዘይተጌሩ እታ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝጠጠዐት ኣውሊዕ ናጽነት ክትቅምርር ትኽእል ኢያ። ዳግም ንኽትጥጥዕ ግን ማያት ዓለም ተጓሪቱ ኣይክኣኽላን ኢዩ። እቲ ምርጫ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ። ወይ ሳቮያ ምባል ኢዩ ወይ ድማ ብደውካ ምዝማት’ዩ -- ካብቲ ካልኣይ ኣማራጺ ይሰውረና።