ውልቀ መራሒ ህግደፍን እታ ሰልፊን - 2ይ ክፋል Print E-mail
Awate - Featured Articles
By ብተስፉ ዘውደ - Aug 25, 2008   

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽክዎ ተመክሮ መራሒ ህግደፍ ምስ ኩሉ መዳያት ማሕበራውን ኩንነታውን ሓቅታት ኣብ ባይታ ተዓዚቡ ዝኸይድን ነቲ ዝርዝራትን ገምጊሙ ዝንቀሳቐስ ሰብ ኣይነበረን። ልክዕ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ናብ ናይ ብረታዊ ኮነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምድያብ ብቐሊሉ ክትሰጋገር ዘየኽእሉ ብዙሓት ረቛሒታት ምኽሳቶም ከም ቅቡል ገርካ ክውሰድ ዝግበኦ ሓቅታት ኢዩ። ብመጀመርያ ኣብቲ ድሕሪ ምውዳእ ካልኣይ ኩናት ዓለም እቲ ምጥርናፍ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ጽላልን፣ ብዝያዳ ድማ እተን ርእሰ-ሓያላን ኣመሪካን ሶቭየትን ነናተን ደንበታት ወኒነን ንዓለም ኣብ ክልተ ናይ ሻራ መቒለን ዝጻወታሉ መድረኽ ስለ ዘተኣታተዋ፣ ትኽተሎ ሜላ ምስዚ ህሞት እዚ ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ኣዝዩ ኣገራሚ ዝገብሮ ድማ እዚ ውልቀ-መላኺ ንጭቡጥን ህልው መድረኽን ከይመዘነን ከይገምገመን ዝንቀሳቐስ ህላላ ኮይኑ ምብቋሉን፣ ብዕንደራን ብፍንው፣ ስዲ መስመር ተመሪሑ በቲ ዝተለሞ ብሕታዊ ቅዱ እንዳ ተመርሐ ካበይ እንታይ ይመሃር፣ ካብ መን እንታይ ይቐድሕ ከየስተብሃለ ዝኸይድ ቀይደ-ኣልቦ ክይኑ ምዕባዩ ኢዩ። ብመጀመርያ በቲ መግዛእቲ ዝሓናኸሮ ኣብተን ብሄራትን እምነትን ፍልልያት ዘስዓቦ ጸገማትን ኣለልዩ ኣንተ ዝብገስ እሞ በቲ ተበግሶ እቲ እንተ ዝዓቢ ነይሩ፣ ናይ ኣፈታትሓ ስነ-ጥበብ መዐንበበ ነይሩ። ኣብቲ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንግዳምን ንውሽጥን ዝኣንፈተ ናይ ምጥርናፍ ከም ኣወንታዊ መደብ፣ በቲ ካልእይ ድማ ነቲ ምረትን ወጥርታትን ናይቶም መቓልስቲ ክህልዉዎ ከም ዝኽእሉ ገሚቱ ኣይፈልጥን። ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኮይኑ ዝገመቶ፣ ቅድሚኡ እውን ኣብ ኣስመራ ዝነበሮ ሕልምታት ተሓንጊሩ ኢዩ ናብ ገድሊ ወጺኡ። በቲ ዝነብሮ ዕድመን ንእስነትን ድማ እኹል ተመክሮ ክህልዎ እውን ትጽቢት ክግበረሉ ዝጽበ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን። ግን ኣብቲ ናይ ሰውራ ጎነጽ ካብ ኣተወ፣ ነቲ ጎነጽ ክፈትሓሉ ዝኽእል ዘገምታዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ብልጫታት ዘለዎም ተመክሮታት መጥረየ ነይሩ። ሓደ ናይ ፖለቲካዊ ፍታሓት ንምንዳይ ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ስነ-ጥበባዊ ኣብ ወጥርታት ዘለዎም ህሞታት ኢዩ ብውሕሉል ትዕዝብቲ ዝዓብን ዝዕንብብን። ፓለቲካ ከም ዓውዲ ፍልጠት ናይ ወጥርታት ምፍታሕ ስነ-ጥበብ ኢያ። ኣብቲ ቀጺልና ንርኦ ድማ ሓደ ናይ ሓላፍነት ሕልምታት ዘሕደረ ሰብ፣ ንኩሉ መዳያት ዘጋጥሞ ዕንቅፋታትን ጸገማትን ዘርዚሩ ዘማዕዱን ምስ ኩሎም ናይ ፍታሕ መትንታት ዘላግብ መስመር ሒዙ ዝጎዓዝ ክኸውን ይግበኦ ነይሩ ዝብል ጠመተ ኢና ከነኻዕብት ዘለና። ብፍላይ ኣብ ናይ መሪሕ ቦታ ዝድይብ ህውኽን ተቐያምን ሕነ ፈዳይን ክኸውን የብሉን። ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ዝተፈላለያ ብሄራት፣ እምነታት፣ ቋንቋታት፣ ባህልታትን ልምድን  ዝሓቖፋ ሃገራት ንኹሉ ሽግራት ንምፍታሕ ብሓባር ዘስርሕ ባይታ ክትፈጥር ናይ ግድን ኢዩ። ነፍስ-ወከፍ ብሄር ናታ ድልየትን ጠመተን ቆላሕታን ረብሓን ኣለዋ። ንኹሉ እቲ ዝተፈላለየ ድልየታት ድማ ኣወሃሂድካ፣ ሰሪዕካ መፍትሒ ክትረኽበሉ ሓንቲ ሓያል ናይ ፖለቲካ ጉጅለ ካብ ኩሉ ዝተዋጽአትን ስጥምትን ንናይ ሓባር ረብሓ ትሰርሕ ኣሃዱ ብመጀመርያ ምህላው ሓደ ክዝለል ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ። ነዛ ጉጅለ እዚኣ ምህናጽን ከም ኣካል ምፍጣርን ማሕበራዊ ውጽኢት ኢዩ። ሓደ ሰብ ዝሃንጻን ንበይኑ ዝድኩና እውን ክትከውን ኣይትኽእልን። ብናይ ሓባር ማሕበራዊ ዝተፈላለየ መለክዒታት ኢያ ትቦቅል። እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ናይ ሃገር መለለይታት ድልየትን ጠለባትን ድማ በተን ወከልቲ ናይተን መቓልስቲ ዝኾና ምሕዝነትታት ኢየን ብሓባር ጉዕዞ ተቐይደን ዝምርሓ። ሓደ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ንኹሉ ክጥምትን ከስተብልን ስለ ዘይክእል ድማ ኢዩ፣ እዛ ሎሚ ዓለምና ፈደራላዊ ምምሕዳር ዝበሃል ክተቐውም ዝተበገሰት። ዲክታቶር ነዛ ብልሕን ጽፍፍትን መንገዲ ፈጺሙ ክመልካ ኣይክእልን። ውልቀ ጠመተ፣ ውልቐ ዕንደራ ሒዝካ ናይ ሓባር ረብሓ ከተበርክት ምፍታን፣ ኢልካ ኢልካ ብዕራይ ክወልድ ይኽእል ኢዩ ዝብል መርገጺ ምውሳድ ኢዩ ዘኸትል። ውልቀ-ሰብ፣ ወልቀ-ጠመተ ኣለዎ። ናይ ሓባር ኣይሓስብን ማለት ኣይኮነን። ይሓስብ እንበር። እቲ ሽግር ግን ሓሳብ ኣይኮነን። እቲ ክውንነት ኢዩ። ሽግር ሓንቲ ብሄር፣ ካብታ ብሄር ንላዕሊ ክጥምቶን ክፈትሖን ዝኽእል ካልእ ባዕዲ ኣካል ክህሉ ኣይክእል። ምስቶም ናይታ ብሄር ዝፈትሑ ኮይኑ ግን ሽግር ከቃልል ይኽእል። ዋል እውን ኣብ ናይ ሓባር ውዕል ክትኣቱ ምስ ትፍትን ብናይ ሓባር ረብሓን ስራሕን እንበር ብድልየትን፣ ውርጹጽ ቃላትን ሽሕጣንን ሜድያን ሓቀኛ ፍታሕ ከተበርክት ኣይትኽእልን። ኣብ ነፍስ ወከፍ ብሄር፣ ኣብ ሰነ-ኣእምራዊ ኮነ ኣብ ስነ-ሓሳባዊ ባህሪ ብዘገምታ ዝቦቐለን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን መለለይ ዘለዎን፣ ዝተሃንጸ ማሕበራዊ ቅርጽታትን፣ ኣገላልጻን፣ ምህላዉ ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሓቅታት’ዚ ብዓሚቕን ብኹሉ መምዘንን ዝጥምት ማሕበራዊ ስራሓት ዘማዕበለ ፍሉይ ኣካል ክህሉን ክፈትሕን ይኽእል። ውልቀ-ሰብ ገለ ገለ ቆንጪሉ ክፈልጥ ይኽእል። ቁንጭል ኣቢልካ ትቐድሖ ድማ ከም ፈላጥን ወሳንን ኮንካ ምስ ዝሰመዓካ፣ ናብ ትምክሕቲ ገጹ ዘሰጋግር ሓደገኛ ኣንፈት ኢዩ ዘእትወካ። ከድካ ከድካ ድማ መሰረት ፋሽስትነትን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ድማ ትኽተል።

ኩሉ ናይ ኣመራርሓ መሰረት ብፍትሕን ሕግን ክስነ ኣለዎ። መበቆል ኣሰራርሓ ብሕግን ፍትሕን ዝተቐየድ ክኸውን ይኽእል። ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ እዚ ናይ ሎሚ መራሕ-ሃገር ኣብ ሰውራ ምስ ኣተወ፣ በቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሒቲ ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ምፍልላይ ኣንፈት ብቐረባ ተዓዚብዎ። ካብቲ ሽዑ ዝረኣዮ እንታይ ተማሂሩ፣ ከመይ ዝበለ ናይ ኣመራርሓ ባህሪ ኣጥርዩ ዝብል ሕቶ ምስ ዝለዓል፣ እዚ ዘሎ ናይ ሎሚ ትምክሕቱ ኣንቢብካ ዘይመሃር ጸቓጥን ረጋጽን ከም ዝኾነ ትዕዘብ። ኣብቲ እዋን እቲ ንዝግምግም ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ናይ ኣመራርሓ ጽፈት ክህልዎም ኣይክእልን ክብል ጥራይ ኢዩ ዝኽእል ዝነበረ። ሃገር ብባዕዳውያን ትምራሕ ስለ ዝነበረት ነቲ ንሶም ዝውክልዎ ኣካል ዝመስል ሕንጻጽን ሜላን ስለ ዝኽተሉ፣ ወዲ ሃገር ኣብ ምምሕዳር ስለ ዘየቕርብዎ ተላኣኺ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ቤተ-ሰብ እዚ ሰብ እዚ እውን ኣብቲ ናይ ምልኣኽ ቦታ ኢዮም ዘገልግሉ ነይሮም። ስለዚ እቶም ቅድሚኡ ዝወጹ ኣብቲ ሓዲሽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ፍሉይ ክእለት ክህልዎም ኣይትጽበን። ናይ ግድን ድማ ክህልዎም ኣይክእልን። ክህልዎም ነይርዎ ካልእ ኢዩ። ንምንታይ ኣይነበሮምን ድማ ካልእ መጽናዕቲ ኢዩ። እቶም መራሕቲ ካብቲ ሽዑ ዝነበረ ማሕበራዊ ልምድን ባህልን መነባብሮን ዝበቖሉ ኣንበር ኣብ ፍሉይ ማሕበራዊ ቤት-ትምህርቲ ዝቦቖሉ ኣይኮኑን ነይሮም። ዝፈጸምዎ ልክዕ ነይሩ ዝብል ሰብ እውን ክህሉ ኣይክእልን። ግን ነቲ ሽዑ ዝነበረ ከም ኣብ ትሕቲ ገዛእቲ ዘብቆልዎ ባህሊ ተጸልዮምን ተቐይሞምን ዝወጹ ስለ ዝኾኑ ኩሉ ዝፍጽምዎ ካብ ምረት ዝተበገሰ ምሕንሓን ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓደ ሰብ ንዓይ ምጽልኡ ክዕዘብ እኽእል። ግን ንምንታይ ይጸልኣኒ ድማ ነቲ ብወገነይ ዘለኒ ባህርን ኣተሓሳስባን ክምርምር ኣለኒ። ንምንታይ ይጸልኣኒ ዝብል ምረት ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ነቲ ዝፈላልየና ጉዳይ ብወገነይ ፍታሕ ከናዲ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ እውን ፍተሐይ ናበይ ገጹ ዝኣንፈተ ዝብል ትርጉም ድማ ወሳኒ ተራ ይጻወት። ብመጀመርያ ናይ ሓባር መነባብሮ ዘይተርፍ እንተደኣ ኮይኑ ኩሉ ብሓባር ኮፍ ኢሉ ኢዩ ነቲ ሽግር ዝፈትሖ። ነቲ ኮፍ ዘብል ህሞት ቅድም ክፍጠር ኣለዎ። ናይ ሓባር ረብሓ ስለ ዘሎ ኢዩ ድማ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዝድለ ዝምረጽ። ክልተ ፈታሕቲ ድልየቶም ሓደ ክኸውን ይኽእል፣ ግን ከም ክልተ ናይ ባልዶንጋ ዝተጠምራ ምቃላት ግን ነንበይነን ዝኾና ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኮበርታ ምህላወን ከም ቅቡል ክውሰድ ይግባእ። ሓንቲ ነታ ሓንቲ ዓፊና ወይ ሸፊና ከተጸልምታ ኣይግባእን። ኣብ ዘገምታዊን ሰላማውን ባይታ ክብጻሕ ዝከኣል ፍታሕ ከተምጽእ ምብጋስ ጥራይ ውጽኢታዊ ይኸውን።

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝጀመርክዎ ሃይለ ድሩዕ ምስ ኢሰያስ ኣብ ከሰላ ምስ ተዛተዩ፣ ድሩዕ ሕማቕ ጽልዋታት ኢዩ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ከሕድር ጀሚሩ። በቲ ዝተነግሮን ብዝነበሮ ዕድመን ድማ ካልእ ከሕድር ኣይክእልን። ይኹን እንበር ብኣታሓሳስባ ካብ ኢሰያስ ዕሙቕ ዝበለ ጠመተ ስለ ዝነበሮ፣ ከምኡውን ኩሉ ባዕሉ ክግምግጾሞ ዝኽእል ከዋህልል ስለ ዝደለየ፣ ,,ኣጣማምታኻ ቁሩብ ዝሰንበድካ ትመስል“ ዝብል መግለጺ ሂቡ ኣብ ሰውራ ክቕጽል መደበ። ኢሰያስ ግን ንኣዲስ ኣበባ ከም ዝምለስ ገይሩ ነቶም ካልኦት ከጠንቅቖም ኢዩ መደቡ ነይሩ። እታ ኢሰያስ ዝጸሓፋ ደብዳበ ኮነ ትሕዝቶኣ ክሳብ ሎሚ ዝፈልጣ ፍጡር የለን። ብመን ልኢኽዋ እውን ኣይፍለጥን። ዝኾነ ይኹን እዛ ኣባሃህላ እዚኣ ድማ ገለ እቲ ናይ ጸዓት ምኒስተር ዘሎ ተስፋይ ቺና ሓቃ ከውጽእ ይኽእል ይኸውን። በቲ ካልእ ድማ ኣብቲ ዘለዎ ከመይ ገይሩ ከውጽኣ። ኪዳነ ክፍሉ ድማ ኣብ ከሰላ ተሰዊኡ። ስለዚ ኣድላይ ሓበሬታ ጠፊኡ ኣሎ ማለት የስምዕ። እዚ እውን ኢሰያስ ከመይ ዝዓይነቱ ህዉኽ ክኸውን ኣለዎ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ መጠንቀቕታ ደብዳበ ክጽሕፍ ምኽእሉ። ንኹሉ ትካላት ውድብ ኣብ ሓጺር እዋን ከመይ ገይሩ ገምጊምዎ ክበርህ ዘለዎ ሓቂ ክኸውን ይግባእ። በቲ ናይ ሽዑ ናይ 20 ዓመት መንእሰይ ክትግምቶ የጸግም። ግን ብናይ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ጠባይ ኢሰያስ ክትመዝን ከለኻ፣ ማለት በድሕሪ 6 ዓመታት ድሕሩ ዝመጸ ኣሰራርሕኡ፣ ዝኾነት ደብዳበ ንሓደ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ተጋዳላይ ካብ ወለዱ ካብ መቕርቡ ወይ ካብ ዝፈልጥዎ ምስ ዝመጾ ኢሰያስ ከየንበቦን ከይፈረመሉን ኣይወሃቦን ዝነበር። እዚ እውን ንዝኾነ ካልእ መራሒ ዝግደፍ ኣይነበረን። ብመጀመርያ ናብ ማእከልነት ውድብ ኣትዩ ኢዩ ናብ እቲ ዝብጽሖ ተጋዳላይ ብመሰረት ናይቲ ዘለዎ ማእከልነት ዝወሃቦ። ኣነ ብወገነይ ኣደይ ዝላእኸቶ ጽሑፍ ብኢድ ኢሰያስ ተነቢቡን ተፈሪሙን ኢዩ ተዋሂቡኒ። እቶም ሒዘሞ ዝመጹ ተጋደልቲ ኣብ ካርቱም ብቤተ-ሰብ ዝተዋህቦም ጽሑፍ ዘየንበብዎን ዘይፈልጥዎን እውን ኣይኮነን። ኣብ ናይ ወጻኢ ልኡኻት ውድባት ኢዮም ተቐቢሎም ንሜዳ ዘመሓላልፍዎ። ኢሰያስ ካብታ ተግባሩ ደኾን ተማሂሩ ይኸውን ትብሉ? ግን ዝኾነ ይኹን ጽሑፍ ብኢድ ኢሰያስ ኢዩ ናብቲ ዝብጽሖ ተጋዳላይ ዝመሓላለፍ። እቲ ዝለዓለ ሕቶ ኢሰያስ ካብ ተሓኤ ደብዳቤ ክጽሕፍ ከሎ እሞ ክጥንቀቑን ናብ ሜዳ ከይወጹን ዝጠቅስ ,,ብናቱ ኣገላልጻ“ ከይተራእየ ክጽሕፍ ዝኸኣለስ እንታይ ማለት ኢዩ? ዝኾነ ድብዳበ ካብ ተጋዳላይ ናብ ወለዱ ክጽሕፍ ኣይፍቀድን። እንተ ጸሓፈ እውን በዛ ዝብላ ዘለኹ መስመር ኢያ ትሓልፍ። ልክዕ ኢዩ ጸላኢ ነጻ ደብዳቤታት ክጸሓፍ ምስ ዝፍቀድ፤ ኣብ ሜዳ ናቱ ርክባት ፈጢሩ ብዙሕ መልእኽትታት ከመሓላልፍ ይኽእል። ከዕኑ እውን ይኽእል። ግን ቀጺሉ ድማ ሓለዋ ውድብን መላእ ቃልስን ግን ንኢሰያስ ጥራይ ዝምልከት ክኸውን ግን የብሉን። እሱ ግን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ፍሉይ ንቃልሲ ዘገድስ ኣገዳሲ ጽሑፍ ንዝኾነ ማእከልነት ናይቲ ንሱ ዘለዎ ክፍሊ ወይ ኣሃዱ ከይሓበረ ክጽሕ ምኽኣሉ ብጣዕሚ ዘገርም ኢዩ። ካልእ እውን እቲ ብድሕሪኡ ኣብ እተን ክፍልታት ዝነበረ ሽግራት ክባላሕ ዝኸኣለ ኢሰያስ ከመይ ዝበለ ተራ ተጻዊቱ ዝብል ሕቶታት የልዕል። ርክብ ኢሰያስ ክሳብ ክንደይ ብናይ መሪሕነት ውድብ ዝተደረተ ወይ ዘይተደረተ ርክብ ነይርዎ እውን ብጣዕሚ ዘጠራጥር ሕቶታት ይፈጥር። ምስ መን ርክባት ነይርዎ ድማ ክለዓል ዝግብኦ ሕቶታት ነይሩ። ነዛ ሕጂ ንመንግስትን ሃገርን ትመርሕ ዘላ ሰልፊ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ብጠነግን መርበብን ዝሓላለኻ መጻወድያ ኢዩ ጠርኒፉ ዝመርሓ ዘሎ። እቲ ዘጉህስ ንሱ ምስ ተኣልየ፣ እንተ ብሞት እንተ ብዕልዋ ካልእ ግዳ ከንደየናይ፣ ነቲ ኩሉ ሕልኽላኽ ፈጢርዎ ዘሎ መን ኢዩ ኩሉ በርቢሩ ናብ ብርሃን ከውጽኦ።

ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝስዕብ ናይ ሓምሻይ ክፍሊ ፍልልያት፣ እሞ ምስ ኣብ ሳልስይ ክፍሊ ዝነበረ ጸጋይ ገብረመድህን ሽግር ብዙሕ ዘይበርሀ ጉዳይ ኣሎ። ጸጋይ ገብረመድህን ኣብ ኣስመራ ብነፋሪት ካብ ሱዳን ምስ ኣተወ ብዙሕ ሓበሬታታት ሒዙ ኢዩ መጺኡ። እቲ ኣብ እተን ሓሙሽተ ክፍልታት ዝነበረ ጸገማት ብዝርዝር ንኢትዮጵያ ከም ዘሃበ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብዚ ናቱ ጸገማት እውን ኢሰያስ ዕሸል ሰውራ ይኹን እንበር፣ ነቲ ናቱ ዝመስል ጸገማት ዓይነት ኢዩ ንኣዲስ ኣበባ ጽሒፉ። ንሱ ኣብ እቶም ናይ ቆላ መሪሕነት ዝበሓትዎ ሓደ ወዲ ከበሳ ተራ ከም ዘይነበሮ ኢዩ ጽሒፉ። ኢሰያስ እውን ብቃሉ ንሃይለ ድሩዕ ከምኡ ከእምኖ ኢዩ ፈቲኑ። ኣይነበረን ዝብል ሕቶ ኣይኮነን ኣብዚ ክልዓል ዘለዎ። ሽግር ሜዳ በቲ እዋን ምስ ዝነበረ ሃጸያዊ መንግስቲ ግን ዝፍታሕ ኣይነበረን። ጸጋይ ገብረመድህን ኣብ ኣስመራ ኣትዩ ምውቕ ኣቀባብላ ተገይሩልን ኣብ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ መሪሕነት ተሓኤ ብዙሕ ተጻሒፉ። ኢሰያስ ድማ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ንኣዲስ ኣበባ ልኢኹ። እዝስ ኣይገርምንዶ? እቲ ሕቶ ነቲ ዝነበረ ወጥርታት ምስ መን ኮንካ ትፈትሖ ንዝብል ክምለስ ከሎ፣ ልክዕ ክልተ ብቐዳማይ ዝስራዕ ናይ ናጽነት ሕቶ ተሓንጺጹን ተመዲቡን ብብረታዊ ወይ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ክኸውን ተመዲቡ። ካልእ ኣማራጺ መንገዲ እውን ኣይነበረን። እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊትን መሪሕነትን ዝፍጠር ድማ ብኻልኣይ መዲብካ ክፍታሕ ዝግበኦ ኢዩ ነይሩ። ግን ካብዚ ሓሊፉ ኣይትሰለፉ ክትብልን ብድሕሪኡ ድማ ንቑጽሪ ዓብላሊ ዝገብሮ ከበሳዊ ሰራዊት ከተዕቢ ኢልካ ትወስዶ ካልእ ውሽጣዊ ስርርዕ ከተካይድ ኣብ ,,ውድብ ውሽጣዊ ውድብ“ ምምስራት ቅኑዕዶ ነይሩ? እዚ ክግበር ኣይነበሮን ክንብል እንተኾና ግን ብዙሕ ማሕለኻታት ኢና ክንሓልፍ። ልክዕ ኢዩ እቲ ጸገም ንሱ ጥራይ እውን ኣይነበረን። ንበል እቲ ኣብ መንጎ ናይ ምዕራብ ኤርትራን ምብራቕ ኤርትራን ዘለዋ ብሄራት ሓንቲ ቋንቋ ዝዛረባ ክንሰን ኣብ ጸገማት ኣትየን ነይረን። እዚ ድማ ናይ መሪሕነት ጸገም እንበር ናይ ህዝቢ ጸገም ከም ዘይነበረ ሎሚ ተጋሂዱ ኣሎ። ኣፈታትሓ እንተ ዝነብሮ ነይሩ ድማ ገልጠምጠም ኣይመጋጠመን። ግን ካልእ ከም ዝርዝር ከለዓል ዘለዎ ሕቶ ድማ ኣሎ። እቲ ውድብ ብመጀመርያ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ክሰጋገር ከሎ በየናይ ክልሰ-ሓሳብ ክምራሕ’ዩ ዝሕብር ፕሮግራም ኣይነበሮን። እዚ መደብ ብመጠኑ ብመጅመርያ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባ ዝተጠራነፉ ከምኡውን ኣብ ካይሮን ካልእ ሃገራት ኣዕራብ ዝተማህሩ መንእሰያት ብመጠኑ ዝሓሸ ኣጠማምታ ነይሩ። ብውሑዱ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባብን ባህልን ጽልዋታትን ዝመጹ ተጋደሊቲ ብዘይካ እቲ ለቢሰሞን ዘበገሶምን ሃገራዊ ናጽነት እንተዘይኮይኑ ፣ ካልእ ከምይ ገይሮም ዝወሃሃድሉ ናይ ሓባር ስራሕን ህይወትን መለክዕን ሚዛንን ዝህበ ማእከላይ መራኸቢ  ቀይድን መስትከልን  ብካድራት ዝምህር ፕሮግራም ኣቐዲምካ ክሰፍር ነይርዎ። እቲ መሪሕነት እውን ዝንቀሳቐሰሉ ሰውራዊ ሕግታት ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦ ሕንጻጽ ክንጸፍ ነይርዎ። ስጡም ተሳትፎ ህዝቢ ዘይተሓወሶ ምንቅስቓ እውን ንዓወት ዘብጽሕ ክኸውን ኣይክእልን። እኳ ድአ መጡን ዓቐንን ምስጢራውን ህዝባዊ ባይቶ ካብ ከርሲ ሃገር ክምስተት ይግባእ ነይሩ። ኩሉ ጌጋታት ናይ ሜዳ ኤርትራ ብሰራዊትን ላዕለዋይ መርሕነትን እሞ ኣብ ግዳም ዝነብር  እንበር ብህዝቢ ክምራሕ ስለ ዘይተበገሰ ንህዝብን ንተጋደልትን ጓና ኢዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብሃታ ሃታ ስለ ዝተበገሰ ኣየተኣታትዎ እንበር ዘገም ኢሉ ንኹሉ ተቖጻጺሩ ከደይቦ ይኽእል ነይሩ። እቲ ዘገርም ካብዚ ጌታታት እዚ ተነጺላ ዝወጸት ህዝባዊ ሓይልታት እውን ተማሂራ ስለ ዘይተመኮረት ብዘይካ ኣብቲ ብረታዊ ረጽሚ ካልእ ምምሕያሽ ኣይገበረትን። ጽፈት ኣብ ሰራዊታ ብዓቐን ድስፕሊን ልዑል ከም ዝኾነ ዘማት ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ግነ ጥንቁቕን ውሕሉልን ኣገባብ ኣየማዕበለትን። እዚ ባሀኢ እዚ እውን ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ተመሃራይ ስርዓትን ምእዙዝን ምግባር ክሳብ ሕጂ ኣይተኣልየን። ነዚ እውን ቀስ ኢልና ኣብቲ ቀጻሊ ክፋል ክንሪኦ ኢና።

ኣብ ስልሳይ ክፋል የራኽበና። ይቕጽል

 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.