ዑደት ሰላም ንህዝብና ዘርብሖ Print E-mail
Awate - Featured Articles
By ክፍሊ ዜናን ባህልን- ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ - Aug 20, 2008   

ዑደት ሰላም ድዩንህዝብና ዘርብሖ

ወይስ ዑደት … ኲናትን ውግእን

 መስከረም ዳት ነት ነቲ አብ ዝሐለፈ ሰሙን ብአባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ አብ ትግራይ ዝተገብረ ዑደት አመልኪታ፣ ንሐቀኛ መልእኽቱን ትሕዝቶኡን ዘየጸንባርቕ፣ “ህዝብና ዝጉህየሉ ዘሎ ዑደት ሓዲሽ ሰልፊ” ዝብል ታቤላ አብ መንደቓ ዝጠቃዓቶ ብአንክሮ ተመልኪተዮ። ።  ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ምጭባጣ፣ መስርሕ ሃገራዊ ስኒትን ዕርቅን ብምክያድ፣ ህዝባ ተጠርኒፉ ናብ ጎደና ልምዓትን ምዕባሌን ጉያ ጉያ እንዳበለ ዝምርሸሉ ተስፋን ባህግን አዝዩ ልዑል ነበረ። 30 ዓመታት ብውግእ ዝማሰነት ሃገር፣ ተመሊሳ ናብ ውግእን ህልቀትን ትአቱ ኢያ ኢሉ ዝሐስብን ዝግምትን ሰብ’ውን አይነበረን። ምስ’ዚ ኩሉ ግን ንባህርን አመልን፣ አመጻጽአን አሰራርሐን፣ ናይቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ህ/ግንባር ናይ ሎሚ ህግደፍ ብግቡእ ዝመዘኑ፣ ሐደገኝነት ናይቲ ስርዓትን፣ ሒዝዎ ዝተበገሰ አንፈትን ብምስትብሃል ፍርሂታቶም እንዳገለጹ፣ ንህዝቢ ከአ እንዳ አጠንቀቑ ዝመጹ ተቓወምቲ ውድባት ምንባሮም፣ ናይ ትማል ትዝታ ኢዩ። ሐደ ካብቶም ብትሪ እንዳጠንቀቐ ዝመጸ ናይ ተቓውሞ ውድብ ከአ ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶ ነበረ። ነቲ መጠንቀቕታ’ቲ ካብ ጽልኢን ቅርሒንትን ዝተበገሰ’ዩ ዝብል ትርጉም ብምሃብ፣ ዋጋ ከይሃቡ ዕሽሽ ዝበልዎ’ውን ውሑዳት አይኮኑን። እቲ ፍርሒ ግን ውዒሉ ሐዲሩ’ስ ሐቂን ጋህዲን ድአ ኮነ።  ዓፋኒ ስርዓት ህግደፍ ዝያዳ ዘጨንቖን ዘተሐሳስቦን ጉዳይ እንተኔሩ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘይኮነስ፣  ንበይኑ አብ ስልጣን ከም ድላዩ ብዘይ ተወዳዳሪ እንዳባዕለገ ዝብሕተሉ፣ ናይ ባርያን ጎይታን መልክዕ ዝሐዘ ስርዓተ ምምሕዳር ዝተኽለሉ፣ ባይታ ምጥጣሕ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ዝሰርዖ አጀንዳ ነበረ።

ነዚ ስትራተጂ’ዚ ተግባራዊ ንምግባር ከአ “ውግእ ብዙርያ ክቢ እንዳባራዕካ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሻቕሎ ኩነታት እንዳፈጠርካ፣ አእምሮኡ ደገ ደገ ጥራሕ ከም ዘተኩርን ምግባር ” ዝብል ሜላን ምህዞን ሃንደሰ። ጌና ብንግሆኡ ከሎ’ውን ብሱዳን ጀሚሩ ንዞና ቀርኒ አፍሪቃ ክሕምሳን አምዔ ክዘርአላን ተበገሰ። ፈለማ ምስ ሱዳን ብስም “ጅሃድ’ዶ ሙጃሂዲን” ስርዓት ክቕይር’የ ኢልካ ወጠጥ፣ ድሕሪኡ ምስ የመን ብስም “ዓሳታት’ዶ ደሴታት” ምፍጣጥ፣ ቀጺሉ ምስታ ቀንዲ መሐዝኡ ዝነበረት ኢትዮጵያ ብስም “ዶብ’ዶ ባድመ” ምኽኒት እንዳልዓለ ሰብ እንዳሃለቐ ከም ቆጽሊ ከም ዝሽምጠጥ፣ አብ መወዳእታ ከአ ምስታ ንእሽቶ ጁቡቲ ከይተረፈ ናይ “ኩርባ’ዶ እምባ” ብዝብል እንዳቶኻቶኸ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ብቐሊሉ አብ ክወጻሉ ዘይኽእል ታኼላ ኲናት አጥሐሎ። ዘገርም!! ንኤርትራን ህዝባን ዘጋጠመ ዕጫ፣ ንዓለም ዘጨነቐ ብሐቂ ዘተሐሳስብ መስደመም ድአ ኮነ።

እወ ኢሳያስ ካብቲ ሒዝዎ ዝተባህለ ናይ ርእሲ ሕማም ዓሶ፣ ናይ ዶበ ዶብ ዘብል ሕማም ጽላለ ጎንፊ ተነድፈ። ብጉልባብ “ዶብ” አመሳሚስካ  ብዙርያ ባርዕ ሐዊ እንዳወላዕካ፣ ምስ ኩሉ ከባቢኻ  ምንኻስን ምድማይን ከአ፣  ቀንዲ ውራይን ህግደፋዊ አጀንዳን ኮነ። መንእሰይ ኤርትራ ሃሙን ቀልቡን ፍልጠት ደሊቡ ምዕብልቲ ሃገር ክሃንጽ፣ መጻሕፍቲ ዝመልኤ ቦርሳ ተሐንጊጡ ናብ ዓውደ ትምህርቲ ክዋፈር ዝሐለሞን ዝሐሰቦን እንዳረአዮ ካብ ቅድሚ ዓይኑ በነነ። ሳንጣ ዝመልኤ ረዚን ጠያይትን፣ ሕቑኡ ዘጎብጥ መሳርያ ሐጻውንን አሐንጊጦም ከአ፣ ውፈር ተበገስ ዝብል ደወል ኲናት ደዊሎም፣ ነያታቱን አቦታቱን ዘረብረበ ናብ ትርጉም አልቦ ዝኾነ ዳግማይ ዓውዲ ውግእ ክጥሕል ድአ ፈረድዎ።

እሞ ድአ ኢሳያስ ደወል ኲናት ደደዊሉ፣ ንመንእሰይ ኤርትራ ድቃስ ሰለም ከሊኡ፣ ንሃገር ክብጽብጽ፣ ንዞናና ከአ ክህውጽ ከሎ፤ ተቓወምቱ ደቂ ሃገር ከአ ደወል ሰላም ደዊሎም፣ ህዝብናን ሃገርናን ደለይቲ ሰላምን ቅሳነትን ኢዮም ዝብል መልእኽቲ ሒዞም፣  ናብ ጎረባብትና ብምብጻሕ፣ ናይ ሰላምን ልዝብን ዑደት እንተካየደዱ’ስ እንታይ የነውረሎም?

ኢሳያስ ብጉልባብ “ዶብ ከይተሐንጸጸ” ዝብል መደናገሪን መወዳእታ ከአ ዘይብሉ ምኽኒት ተሐቢኡ፣ ባዕሉ ዝባረኾ ቅዋም ካብ ምትግባር ሐንጊዱ፣ ብዘይ ሕግን ፍትሕን ዝኸይድ ናይ ሸፋቱ ንግስነት አዋዲዱ፣ አፍራዪ ሐይሊ መንእሰይ ኤርትራ አብ ጎቦታት ከዚኑ ከምክኖ ከሎ፣ ተቓወምቲ ደቂ ሃገር ድምጺ ናይዚ ተካኢ ወለዶ’ዚ ኮይኖም ክውንነት ዝቕየረሉ ሃዋሁው ንምፍጣር ምስ ጎረባብቶም ናይ ልዝብን ዓውደ ሰላም መአዲ ዑደትን እንተገበሩ’ስ እንታይ’ዩ ዘኽፍአሎም? እንታይ’ከ የሰክፎም?

ብዶብ ፍልልያት መጀመርያ ብኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ አይኮነን። እምበርከ አየነይቲ ሃገር’ያ ብሐይሊ ብረትን ውግእን ጉዳያ አብ ናይ መዓርፎ ፍታሕ ዘብጽሔት? ግደፍ ሃገር ንሃገር ሐረስታይ ንሐረስታይ’ውን እንተኾነ፣ ብግራት ደረት ምድፋእ እጄታ እንተተሰሐሒቦም፣ ነገሮም ብዳኛን ፍርዲን ድአ ይውድእዎ’ምበር ብፋስን ጎዞሞን ክፈትሕዎ ፍጹም አይህቅኑን ኢዮም። ጉዳይ ዶብ’ውን ብዝለዓለ መልክዑ ናቱ መንጸብረቕታ ኢዩ ዘለዎ። ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ አብ ማዕርነታዊ ረብሐታት ናይ ክሊቲኡ አህዛብ ዘተኮረ፣ ንኽብሪን ልዑላውንትን ሃገረ ኤርትራ ከአ ዝሐለወ፣ ምስ ጎረባብቱ ናይ ሰላምን ልዝብን ዑደት አፍ ደገ ምርሐዉ፣ የሐብኖን የኹርዖን ብህዝቡ’ውን የመስግኖ’ምበር፣ ከምቲ ማሕበረ ሐማዮ ህግደፍ ዝብልዎ፣ ከመይ ጌሩ’ዩ ዝጸልኦ? እወ ዝጸልእዎ’ስ ንሳቶም ማሕበረ ጻይቃን ንበይኖም ድአ። ንህግደፍ ጸላኢ ፈጢሩ ሃገር ከዳምን፣ ፊን አብ ዘበሎ ከአ ፈታዊና’ዩ ኢሉ ምስ ዝሐረዮ ጓይላ አጒዱ ከሳዕምን ፍቓድ ዝሃቦ’ኸ መን’ዩ? እዛ ሃገር’ስ ክላ ድአ ይአኽለካ ዝብል ለባም ኤርትራዊ ካን’ዶ አይፈረየትን’ያ? እምብአር’ከስ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ሐደ ካብቶም ብትሪ ንአሽካዕላል ኢሳያስ ዝቃወም፣ ይአኽለካ ኢሉ ብትሪ ዝምክት፣ ህዝቢ ኤርትራ ብቓልስታቱ ዝፈረዮ ሰልፊ ኢዩ። ስለዝኾነ ክሳብ ህዝቢ ኤርትራ አብቲ ዝምነዮ ጎደና ሐርነት ረጊጹ ብጉዳዩ ባዕሉ ወሳኒ ዝኸውን፣ እቲ ንህዝብና ናብኡ ገጹ ዘምርሖ አቕጣጫን መስመርን ጨቢጡ፣ ብዘይ ነግ ፈረግ ክኸዶን ክቕጽሎን ምዃኑ ንፈታዊን ጸላኢን ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ነቲ አብ መንጎ ጎረባብትና ብሰንኪ ህግደፍ ዝተዘርገ ኩነታት ናብ ባህርያዊ ቦትኡ ተመሊሱ ብምርግጋእ ሰላም ክሳብ ዝፍጠር ከአ፣ ናይ ሰላም ዑደትን ልዝብን ክቕጽሎ ኢዩ።   ካብ ናይ ህግደፍ ማሕበረ ሐማዮን ዓጀብቶምን ከይብሉና ፈሪሁ’ውን፣ ካብ ዝወጠኖ መደባት ፈልከት ይብል ማለት ዘበት’ዩ። ንናይ ሐባር ረብሐታት አህዛብና ዝአንፈተ፣ ንስኒትን ሰላምን ዝአመተ፣ ቅዱስ አጀንዳ መዓርፎኡ ክሳብ ዝበጽሕ ክጽዕተሉን ክጽዕረሉን ምዃኑ ክገልጽ ከሎ ከአ፣ ንህግደፍ መሪር ሐዘንን መርድእን፣ ንህዝብና ኮነ ጎረባብቲ ሐው ዝኾነ አህዝብ ከአ ዓቢ ሐጎስን ብስራትን ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር አይኮነን።

ብሕጽር ዝበለ ሕውነታዊ ጉርብትና ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሐፈሻ፣ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ከአ ብፍላይ፣ ብኹሉ ሸነኽ ዓሚቝ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ብናይ መንግስታት ኮነ ውድባት ባእሲን ቂምታን ፈጺሙ ዘይሕከኽን ዘይንቕነቕን ነባሪ መሰረት ዘለዎ ኢዩ። መንግስታትን ሐለፍቲ ኢዮም።  ናይ አህዛብ ምትእስሳርን ሕውነታዊ ዝምድናን ግን ንዘለአለም ነባሪ ኢዩ። ናይቲ ልኡኽ መግለጺ ከአ ብትኽክል  ነዚ ዘንጸባርቕ’ዩ ኔሩ። እቲ ሎሚ ፍልልይ ፈጢሩ ናብ ምድማይ ዘብጽሐና አሕዛኒ ክውንነትና፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ክልቲኡ ህዝብታትና ብሐቂ አዝዩ መሪር ኢዩ። ነቶም ዳሕረዎት ወለዶታትና ግን በቲ ጽቡቕ እንገብሮ እንዳአድነቑ፣ በቲ ዝፈጸምናዮ ጌጋታት ከአ እንዳተገረሙ፣ ነበረ ኢሎም ብምንባብ ሽው ኢሎም ገንጺሎም ዝሐልፍዎ ናይ ታሪኽ ገጻት እወ ክኸውን’ዩ።

አብ መንጎ’ቶም ብዝያዳ ዝዳወቡና ጎረባብቲ ዝኾኑ ሃገራት፣ ብፍላይ ከአ አሕዋት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ናይ ህዝቢታት ሕውነትን፣ ታሪኻውን ባህላውን ምትእስሳራትን ማንም ሐይሊ ክበትኮ እወ አይኽእልን’ዩ። ክልቲኦም ጐረባብቲ አህዛብ አብቲ ናይ ጸላም እዋንን፣ አብቲ መሪር ሃዋሁውን ተኻፈልቲ ሽግርናን ጸገምናን ኢዮም። ነጻነትና ንምርግጋጽ መዕቆብትናን ሐገዝትናን ብምዃን ተኻፈልቲ ሐዘንናን ሐጎስናን ዝኾኑ አህዛብ ኢዮም። እቲ ህዝቢ ሱዳን ተቐባል ጋሻ ኮይኑ ዝገበሮ ዘይርሳዕ ውዕለታን፣ እቲ ህዝቢ ትግራይ ደቁ ክሳብ ሳሕል መጺኦም አብ ጐኒ ተጋዳላይ ኤርትራዊ ሓዎም ኮይኖም ዝኸፈልዎ ጅግንነታዊ መስዋእትን ከቶ አይርሳዕን ኢዩ። እቲ ተጋደልቲ ኤርትራውን ክሳብ መሬት ኢትዮጵያ ብምኻድ ዝኸፈልዎ ሰፍ ዘይብል ጅግንነታዊ መስዋእቲ ፈጺሙ ዘይርሳዕ ኮይኑ፣ ዘይንቕነቕ ነባሪ ምልክት ሓድነት አህዛብና ብምዃን አብ ምዕራፋት ታሪኽ ቀርኒ አፍሪቃ እንዳተዘከረ ክነብር’ዩ። ንሕሉፍ አሉታዊ ሸነኻትና ጥራሕ ብምዝካር፣ ነቲ ዕዙዝ ናይ መጻኢ ተስፋታት አህዛብና ዝኾነ ድሙቕ ብርሃን ከነደብዝዞን ክነጸልምቶን ከአ አይግባእን። ዑደት ተወከልቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ አብ’ዚ መንፈስ’ዚ ዝተሞርኮሰ ኢዩ። ዘፈላልዩኻ ጕዳያት ብስልጡንን ሰላማዊ ዝኾነ ልዙብ መንገዲ ኣሊኻ፣ ነቲ ነባር ታሪኻዊ ዝምድናታት ናብ ባህርያዊ ቦትኡ ብምምላስ፣ አህዛብና ተሐቛቝፎም ዝቐስንሉ ሃዋሁው ንምስፋን ከአ’ዩ። አማስያኡ ከአ አህዛብና ንዘለዎም ናይ ሐባር ጸጋታቶም አወሃሂዶም መቐረቱ ዘስተማቕርሉ፣ ብርኮም ክሳብ ዝደክም ናብ ዝደለይዎ ዝጎዩሉ፣ አቲኻ ወጺእካ ዘይብሉ አብ ባህ ዝበሎም ዝሐድርሉ ቅሱን ዞና ቀርኒ አፍሪቃ ክውንን ጋህዲን ንምግባር’ውን ዝዓለመ’ዩ። እወ ነቲ ብሰንኪ ብአጻብዕ ዘይቁጸሩ ዝኣጎድዎ ሓዊ ዝቐሓረ ልቢ ክልቲኡ አህዛብ አረስሪስካ፣ አብ ረብሓታት አህዛብ ዝተሞርኮሰ ታሪኻዊ ዝምድናን ሰናይ ጉርብትናን ዳግማይ ምሕዳሱ ዝዓለመ ኢዩ። ንሓዲሽ ወለዶታትና’ውን እንተኾነ ጥጡሕ ናይ ቅሳነት ባይታ አንጺፍካ፣ ንድኽነትን ድንቁርናን ዝሰዓረ፣ ንዓለምና ከአ አብነት ዝኾነ፣  ዞናና ዞና ሰላምን ምርግጋእን፣ ዞባና ዞባ ግስጋሴን ምዕብልናን ንምቕያሩ ዝዓለመ ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ህዝባዊ ዕላማን ካብዚ ዝኸብር ቅዱስ መልእኽቲን ከአ ከቶ የልቦን።

ባህጊን ሕልምን አህዛብና፡ ታንክታት ናብ ትራክተራት ተቐዪረን፣ ጎላጉልና ብሕርሻ ለሚዑ ንኽሕረስ፣ ውግእን ወረ ውግእን ፈጺሙ ካብ ሐንጎሉ ክድምሰስ፣ እቲ ደም ዝነብዔ አዒንቲ እንቋዕ እዚ ረአና ኢሉ ብርሃን ርእዩ ክድበስ፣ አፍራዪ ሐይሊ መንእሰይ’ውን ካብ ድፋዓትን ጎዳጉድን ሓራ ወጺኡ አብ ጎደና ልምዓት ተዋፊሩ ናብራኡ ብነጻ እንዳመርሔ ሽሻይ ጻዕሩ እንዳሐፈሰ ክሕጎስ፣ እዚ ኢዩ ሕልሚን ራእይን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ። ህግደፍ ናይ ባርያን ጎይታን ስርዓተ ምምሕዳሩ ስለዝበታተኖ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ክድግፍ ማለት ዘይሕለም ኢዩ። እኳ ድአ ብአንጻሩ ገበታ ልዛይ እንዳለዘዩ ዝልፍልፉ ናይ ጽርግያ ዋጦትን፣ “ህዝብና ጽቡቕ አሎ” ትብል ናስትሮ ዘውሐጦም መዳኸርትን፣ ናይ ህግደፍ ባርነት ሽልማት ውጹዓት’ዩ እንዳበሉ ከረድኡና ዝፍትኑ ጽሓፍትን፣ አብ ፈቐዶ ከጋጥሙና ምዃኖም ውሁብ ጉዳይ ኢዩ። ጉዕዞ ለውጢ ክቕጽል ኢዩ፣ ምልካዊ ዕርዲ ክፈርስ’ዩ፣ ሰፊሕ ህዝቢ ከአ ክዕወት’ዩ።

 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.