ውልቀ- መራሒ ህግደፍን መበቆል እታ ሰልፍን (ክፋል 1) Print E-mail
ትግርኛ - ርእይቶታት
By ተስፉ ዘውደ - Aug 20, 2008   

እዚ ናይ ህግደፍ ድሕረ ባይታ እዚ ሕጂ እውን ኣብ ሃገርና ምስቲ ምጥርናፍ ፖለቲካውያን ኣሃዱታት ከም ሰልፊ ክተኣኻኸቡን ከለዉ፣ ኣብ ህዝቢ ክመጽእን ክወርድን ዝኽእል ረብሓን ጉድኣት ክመዛዘን ከም መበገሲ ክኸውን ዝሕብር መዘኻኸሪ ኣድላይ ስለ ዝኾነ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብዛ ንነብረላ ዓለም ታሪኽ ዘስዕቦ ምድግጋምን ምቕዳሕን ሰኣን ኣቓልቦ ምሃብ ክድገስ ስለ ንርኢ፣ ንኹሎም ራእይን መጻኢ ፍታሕን ዝሃንጹ ፈላሞ ጉዕዞና፣ ካብቲ ዝሓለፈ ከም ተመክሮ ርኢና ክንስጉም ኣለና፣ ዝብል ርእይቶይ ኢዩ ነዛ ጽሕፍቲ ክሕንጥጥ ዝደረኸኒ።

ንገለ ኣባላት ሰልፊ ኮይኖም ኣባልነቶም ዘረጋገጹ፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ኣብ ምይይጥ ርእይቶ ክንለዋወጥ ከለና፣ ሰልፍን ወድብን ፍልልዩ እንታይ ኢዩ ክብል ምስ ተወከስክዎም፣ ፍልልዩ ፈጺሞም ኣመተ ዘይብሎም ኮይኖም ጸኒሖም። ገለ ናይ ውድብ ጌጋ ንምእራም ዝብል መግለጺ ስለ ዝተሓወሶ፣ ጽፈት ዘለዎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንበይኑ ክትምስርት ኣኻሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ሰልፊ ቅድሚ ምስግጋር፣ ነቶም ኣባላት ውድብ ብመጠኑ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ካድራት ክብ ዝበለ ናይ መደብ ኮነ ፕሮግራም ኣሰራርሓ ክትምህር ኮነ ከተንቅሕ፣ ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ግድን ኢዩ። ሰልፊ ካብ ውድብ ዝፍለየሉ ናይ ፖለቲካ መለክዒ ብብሩህ ክግለጽ ይግባእ። እዚ እውን ቅድሚ ካብ ውድብ ናብ ሰልፊ ምስግጋር ርእሱ ዝኸኣለ መሰጋገሪ መድረኽ፣ እሞ ምስቲ ትኽተሎ ናይ ክለሰ-ሓሳብ ናበይ ገጹ ዝቐነነ ከም ዝኸውን ክዝርዘር ይግባእ ኣብል። ኩሉ ኣጠማምታይ ንረብሓ ሃገርን ህዝብ ዝሓለነ ስለ ዝኾነ፣ መግለጽየይ ክወቅስን ክነቅፍን ደልየ ዘይኮንኩስ፣ ኣብቲ ዝግበር በየናይ መድረኽ ብዘየገድስ ናተይ ተገዳስነትን ረብሓን ከም ዘሎ ክሕብር እፈቱ። ምምስራት ስለ ምምስራት ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ኣብተን ምዕቡላት ሃገራት እውን እንተኾነ ኣባላት ሰልፊ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም። ብመጠን ሚእታዊት ክረአ ኮሎ፣ ዳርጋ ትሕቲ 2^ (ክልተ ካብ ሚእቲ) ኣይኮኑን፣ እቶም ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ እውን ኣብ ክልቲአን ውድባት ናይ ሰልፊ ምጥርናፍ ብሕቡእ ይካየድ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። እቶም ክጋደሉ ዝመጹ ተጋደልቲ ብመጀመርያ ዝጥምትዎን ጥራይ፣ ዘይኮነስ እቲ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ኣብ ኤርትራ ክልተ ዕላማታት ዝሓዘለ ኢዩ ነይሩ። ቀዳምይ ናጽነት ሃገር፤ ካልኣይ ድማ ነብሶም ወፍዮም ክስውኡ ወይ ክስንክሉ ከም ዝኾኑ ተረዲኦም ኢዮም ክጋደሉ ንሜዳ ዝወፈሩ። ኣብ ዝባኖም ድማ ብሕቡእ ከይተረድኦም ሰልፍታት ንቦታን ፖለቲካዊ ስልጣን ይዋደድ ነይሩ። ህግደፍ ነቲ ዝነበራ ቀዳማይ ቅርጺ ጥሒሳ ብጻዕቂ ክትዋፈር፤ ብ1994 ድሕሪ ውድባዊ ጉባኤ ናቕፋ ብሓጺር እዋን ናብ 600.000 ሽሕ ኢያ ሰጊራ። ሽኮርን ሓርጭን ክትዕደላ፣ ዘድሊ ሓገዝ ክግበረልክን ተሰለፋ ተባሂሉስ፣ ኣሰላልፋ ሰልፊ ህግደፍ ተኣንጎት ተሸብሸብ ኢዩ ነይሩ። ምስቲ ሰልፊ ቺና ዝዋዳደር ዓይነት ዲዩ ነይሩ ወይስ ካብ ክልሰ-ሓሳብ ሳሕል ዝቦቖለ ቀስ ኢሉ ይጻረ። ካብቶም ኣባላት ሰልፊ ካብ ሙዃን ዝተሓሰሙ ልዕሊ 90% (ተስዓ ካብ ሚእቲ) ተጋደልቲ ኢዮም ኣብዮም። ኣዚ ፍሉጥ ክኸውን ኣለዎ። ብሓርጭን ሽኮርን ዘይተዓሸዉ ንሶም ኢዮም ነይሮም። ነታ ሕብእቲ ህግደፍ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጥዋ። ካብቶም ዝተሰለፉ ድማ ገለ ምቅይያር ዘጽኡ መሲልዎም ኣብ ዝገደደ ደልሃመት ከም ዝኣተዉ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።

ብዛዕባ ህልው ኩነታትና ክንገልጽ ምስ እንደሊ ብመጀመርያ እቲ ርእሰ-ምምሕዳር ሃገርና ዘሎ ሃገራዊ ቅርጺ ኢና ክንገልጽ ወይ ድማ ከነብርህ ዘለና። ናይ ሓንቲ ሃገር ሚዛንን መለክዕን ድማ ህይወትን ናብራን ናይቲ ውሁብ ህዝብን ማሕበራዊ ኣቃውማን ምስ ዘሎ ህልው ኩነታት ኢና ነቕርብ። ማሕበርዊ ምንቅስቓሳት ካብ ደረጃን ቁጠባውን ባህላውን ምስ ካልእ ረቛሕታት ኣጣሚርና ኢና ንጥምት። እተን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ መለክዒታት ሓንቲ ካብታ ሓንቲ ነጺልካ ከተቕርብ እውን ኣይካኣልን። ኩለን ተጠናኒገን ስለ ዝጻላለዋ ድማ በበይነን ገርካ ምስ ትፍትሽ እንዳ በርሃ ክኸዳ ከለዋ ኣብ ሓንቲ ጥቕላል ጣቓ ኢየን ዝጥምጠማ።

እዚ ኣብ ስልጣን ሃገርን ህዝብን ትሕቲ መዳስ ጫምኡ ረጊጹ ዝኸይድ ዘሎ ውልቀ-መላኺ፣ ከመይ ኢሉ መጺኡ? ስለምንታይከ ክሳብ ሎሚ በይኑ ብሒቱ ብተናጻል ኣብ ጸፍሒ ምምሕዳር ኣሎ ዝብል ሕቶታት፣ ምስቲ ንሱ ካብ መስከረም 1966 ዝተሰለፈሉ ዕለት፣ ንድሕሪት ጥራይ ኣይኮነን ክልካዕ ወይ ክምዘን ዘለዎ። ነቲ ናይ መሰለፊኡ መበገሲ ብዘየማትእ ድሕረ ባይታ ክህልዎ ናይ ግድን ኢዩ። ንሱ ብወገኑ ዝብሎ ይህልዎ፣ ተመራመርቲ ታሪኽ ድማ ኩዒቶም ዝረኽብዎ እውን ይህሉ። ገለ ድማ ፈልፈልቲ ፊሒሮም ዘውጽእዎ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ኣይሰኣንን። እዚ ሰብ እዚ ክሳብ ዕለት ሞቱ ብዙሕ ከጥፍእን ክድምስስን ኢዩ። ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ንሱ ዝግምግሞን ዝፈልጦን ስለ ዘለዎ፣ እሞ ኩሉ ተግባሩ ድማ ርእሰ-ምትእምማኑ እንዳ ኣንቆልቆለ ይኸይድ ስለ ዘሎን፣ ዘረጋግጽን’ውን፣ ተግባር ክበርህ ድማ ስለ ዘባህረሮ ንኩሎም እቶም ምስኡ ዝተቓለሱን ጥራይ ዘይኮነ፣ በብወገኖም ገለ ንጭርምራም ዝፈልጡ ከይተርፈ ከሕቅቖም ምርኣይን ምዕዛብን ዘገርም ኣይኮነን። ሓደ ኣብ ካልእ ግዜ ስሙ ዝጥቀስ ተራኺ ሰብ፣ ዝሃቦ ሓቀኛ ጥቕሲ ንምግላጽ ወይ  ሓበሬታ ምሃብ ጣቓሚ ይኸውን። ኣብ 1966 ቀዳምይ ዓመት ተማሃሪ (ፍረሽ-,ማን) ጀማሪ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተረፈ እሞ ኣብተን ቀጸልቲ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ሕማቕ ተራ ምስ ተጻወተ፣ እቲ ጠቓሲ ከምዚ በለ፤ ,,ናይ ኤርትራ ዘላቶ ውድቀትን ድቀትን ምስቲ ምውዳቕ ኢሰያስ ኣብ ቀዳምይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኢዩ ዝጅምር“ ክብል ተረኸ። እንተዘይ ወድቕ ምቐጸለ ነይሩ በሃላይ ኢዩ (ግምቱ ንኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ፣ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሃንደበታዊ ኢይኮነን)። ዝኾነ ኾይኑ ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ምውዳቕን ምሕላፍን ንብዙሓት ተመሃሮ ስለ ዘጋጥም፣ በቲ ውጽኢት ጥራይ ከም መለክዒ ምውሳድ ንበይና እኽልቲ ክትከውን  ወይ ቅንዕቲ ገርካ ክትወስዳ ርትዓዊ ኣይኮነን። ግን ኣብ ታሪኽ ድማ ነፍስ-ወከፍ ፍጻሜ ናታ መግለጽን መዐቀንን ኣለዋ። ናይ ሂትለር ታሪኽ ምስ እንዕዘብ ድማ ተማሳሳሊ ጠባይ ንርኢ። ክብረትን መንነትን ሰብ ክኽበር ኣለዎ ዝብል ኣጠማምታን ኣረኣእያን ምስቲ ባህሊ ህዝቢ ሓዊስካ ስለ ዝግለጽ፣ ንምንታይ ምትንታን ኣድለየ ይብሃል ይኸውን። ግን ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ ኣሎ። ናይ ክንደይ ወልቀ-ሰባት ብድሕሪኡ ድማ ስድራ-ቤቶም በቲ ናቱ ፍጻሜ ተደምሲሶምን በሪሶምን ዝብል ሕቶ ክምለሽ እንተድኣ ኮይኑ ኩሉ እቲ መስመር ኮነ እቲ ጉዕዞ ክድህሰስ ይግባእ። ነቲ ሰፍ ዘይብል ጉድኣት ከይተገልጸን ከይበርሀን ክሕለፍ ካብ ክውንነት ምህዳም ኢዩ። ሃገራዊ ሓላፍነት ብዘይ ናይ ህዝባዊ ውክልና ካብ ገበተ እሞ እንታይ ኢና ደኣ ክንብል። ምስኡ ደኣ ክንተሓባበር ማለት’ዶ ኣየስምዕን። ገለ ገለ ሽርበ ዝተቖነኑ በቲ ናቱ ተግባር ዝዓግቡ ኣይሰኣኑን። ምስ ኩለን ኣጻብዕ ከነማዛዝኖም ከለና። ሕንጥል-ሕንጢሊተይ ስለ ዝኾኑ፣ ንሶም ከምቲ ሚዛኖም ይጽሓፉ ፣ ንሕና ድማ ከም ሚዛና ንጽሕፍ።

እዚ ርእሰ-ብሄር ንነብሱ ባዕሉ ዘጠመቐ ስሙ ብደረጃ ፖለቲካዊ መግለጺ ግን ውልቀ መላኺ ኣብ መስከረም 1966 ኢዩ ተሰሊፉ። ድሕሪ 3 ወርሒ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 1966 ሃይለ ድሩዕ ንከሰላ ክስለፍ ምስ መጸ ዝተፈጸመ ንተዓዘብ። ኢሰያስ ዛጊድ ኣቀድም ኣቢሉ ሓንቲ ጽሕፍቲ ንኣዲስ-ኣበባ ጽሒፉ ነይሩ። እታ ጽሕፍቲ ቅድሚ ምቕባሉ ግን ሃይለ ንሱዳን ተበጊሱ ስለ ዝነበረ ኣይረኸባን። ግን ኣብ ከሰላ ኣብ ናይ ጀብሃ ቀጽሪ ምስ ተራኸቡ፣ ኢሰያስ ሰንቢዱ፣ ,,ደብዳቤ ጽሒፈልኩም ነይረ፣ ስለምንታይ ደኣ መጺእካ“ ክብል ተወከሶ። ቀጺሉ ድማ ,,ገለ ነገር ከይበልካ ኣብ ደገ ዝነግረካ ኣሎ እሞ ንውጻእ“ ዝብል መግለጺ ሃቦ። ድሩዕ ንማዕጾ ቀጽሪ ጀብሃ ምስ ኳሕኮሐ ዝኸፈቶ ባዕሉ ኢሰያስ ነበረ። ተታሓሒዞም ድማ ናብ ሓንቲ ቤት-ሻሂ ከዱ። ናይ ኢሰያስ መግለጺ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ።

ጸብጻብ ኢሰያስ ኣንሆ፣ ,,ቅድሚ እዚ ግዜ’ዚ ገለ በጻብዕ ዝቑጸሩ ደቂ ከበሳ እንተ ዘይኮይኖም እቶም ዝበዝሑ ተጋደሊቲ ደቂ ቆላ ኢዮም። እቶም መራሕቲ እውን ካብኦም ከም ዝኾኑ፣ ግን ገለ ሃገራዊ መደብ ወይ ፕሮግራም ዘይብሎም ኢዮም። ንሕና ከም ተመሃሮ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብልዕል ዝበለ ኣገማግማ ኢና ክንጥምታ ጸኒሕና። ተሓኤ ግን ሃገራዊ ፕሮግራም ዘይብሉ መሪሕነት ኢዩ ዘለዋ። ኢትዮጵያ ንህዝቢ ክትጎጃጅል ሃይማኖታዊ መግለጺታትን መፈላለይ ነጥብትትን ክትህብ ምጽናሓ ዝዝከር ኢዩ። ካብ መብዛሕትኡ ከበሳታት ዘይተማህሩ እሞ ኣብ ጉስነት ዝነበሩ ደቂ ከበሳ ኢዮም። እስራኤል ዝሓየለትን ኣብ ወተሃደራዊ ብቕዓት ዝበለጸትን ስለ ዝኾነት ነቶም ኮማንድስ ክሰልጥንዎም ከለዉ ንገለ ናይ ጀብሃ መሪሕነት ሕማቕ ትርጉም ክህቦም ክኢሉ። ነዚ ፍጻሜታት እዚ ክምዝምዝዎ ስለ ዝጀመሩ ድማ እቲ ፍልልያት ግሉጽ ኮይኑ፡“ በሎ። ካብዚ እዋን እዚ እውን ሓደ ሕቡእ ምንቅስቓስ ጀመሩ። እቲ ዝበሃል ዘሎ ኣቐዲማ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ምጉጅጃል ዝፈጸመቶ ረቂቕ ተግባር ናቱ ጽልዋ ኣይነብሮን ክንብል ኣይንኽእልን። ግን በቲ ናይ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ተመሃሮ ኣተሓሳስባ ክግምገም ከሎ ክሳብ ክንደይ ኢዩ፣ ዝብል ሕቶ ክምለስን ከኮዓትን ዘለዎ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ሚዛን ብቕቱ ድማ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ኣይኮነንዶ ሽዑስ ሎሚ እውን እዚ ኩሉ ናይ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ተዋሲኡ ከብቅዕ፣ ብዓይኒ ህልው ተመክሮኡ፣ ንባዕሉ ርእሱ ዝኸኣለ መግለጺ ኢዩ። ምስ ኩለን ትካላት ዓለም ዘይቃዶ ጥራይ ዘይኮነስ ሃገርን ህዝብን ነጺሉ ኣብ ዓዘቕትን ፖለቲካዊ ተነጽሎ መን ዲዩ ኣእትዩና። ኣይኮነንዶ ናይ ወልቀ-ሰብ ከም ጀማሪ ሓደ ስጡምን ምዕሩይን ፖለቲካዊ ጉጅለ ከይተረፈ ጌጋ ይፍጽም ኢዩ። ኣብ መዋእል ብረታዊ ቃልሲ 5 ዓመታት ማለት ጀማሪ እንበር ካልእ መምዘኒ ክወሃቦ ኣይክእልን። እቲ ቀጻሊ ትረኻ ምስ ጭብጥታቱ ይቕጽል።  

ኣብ ካልእይ ኮነ ዘጻሊ ጸብጻብን ትንተናን ክሳብ ንራኸብ ጽቡቕ ንባብ።

 
< Prev   Next >


 
 THE ACCUSED         
ARABIC   TIGRIGNA  ENGLISH  

  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  



The authors of all articles that appear on awate.com are solely responsible for the views expressed in the articles. Awate.com does not necessarily endorse the views and cannot be held responsible; but it is responsible for all documents, editorials and news items that clearly carry the Awate Team and the Gedab News bylines.

Copyright 2000-2010 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.