|
ስእሊ መልኣኽን ሰይጣንን ኣብ ክልተ ቅብኢ ብሓደ ሰኣላይ። ሓቀኛ ዛንታ። ንውሕ ዝበለ ጽሑፍ ንከተንብቦ ድኻም ይስማዓካ። ዝተቖራረጸ ጽሑፍ ድማ የሀንጥየካ። ኣየናይ ይሓይሽ ዝብል ሕቶ ንነፍስ ወከፍ ኣንባቢ ዝሕደግ ኢዩ። ብወገነይ ግን መሳጥን መልእኽቲ ትሕዝቶ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ናይ ንባብ ሸውሃት ይኸፍት። ኩቡራት ኣንበብቲ ,,ኣሰዓዕማ ዘይፈልጥስ፣ ንፋጥ ይጽይቅ“ ከይትኾነኒ እንዳ ፈራሕኩ ብወገነይ ,,ጭሩ ብብርዒ ስገም ትሑጎም“ ከም ዝበሃል፣ ዓቕመይ ኣበርኪተ ኣለኹ እብል። ተጸምምኩም ከተንብብዋ ድማ እላቦ። እዛ ከም መዘከርታ ዘቕርባ ጽሕፍቲ ምቕራባይ ወይ ምሕተመይ፣ እዚኣ ቅድሚ ኣብ ካልእ ናይ ጉዕዞ ህይወት ታሪኸይን ናይ ኣብ ሰውራ ተዝክሮታተይን ዘቕርባ ዕርቡን ሎቖታይ ተባሂላ ክትዝከር ኢዩ ትምኒተይ። ከም ዝኾነ ሰብ ዝቐነሉ ኣነ እውን ዘማዕበልክዎ መጠነኛ ተዋህቦ ከህልወኒ ይኽእል ይኸውን። እግረ መንገድና ተዋህቦ መበገሲ ጦብላሕታ ይህልዎ። እንበር ተሰሪዕካ ትዕደሎስ ዝብል እምነት የብለይን። ኣነ ነስብሰይ ዝመዝነሉ ይህሉ፣ ካልእ እውን ዝመዝነኒ ይህሉ። ግን ኣብቲ ዘይክእሎ ገለ ነገር ክገብር ዝደፋፋኣኒ ጉዳይ ስለ ዘጋጠመኒ እስኪ ክፍትን ዝብል ሓሳባት ሓደረኒ። ዘለካ ተወከፍ ኮይኑ ድማ ትሕዝቶይ ትንኣስ ትዕበ ወስ ከብል ስምዒተይ ደረኸኒ። ንገለን ይምስጦ ይኸውን፣ ንገለን ድማ ዘይተኣደነ ዝብል መግለጺ ይህበሉ። ዝኾነ ኩይኑ ንኹሉ ከዕግብ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ስለ ዘየል ኣነ እውን ክእመን ኣለነ ዝብል እምነት የብለይን። በሉ ፍቑራትን ፍትዋትን ደቂ ሃገረይ ዘላትኒ ርእይቶ ከካፍለኩም። እታ ኣነ ዘይክእላ ወይ ዘይመልካ። እታ ስዉር ኮነ ግሁድ ስእሊ ምስኣል ኢያ። ብሓጺሩ ናይ ስእሊ ስነ-ጥበባዊ ኣይኮንኩን። ስእሊ ካብ ሽሕ ቃላት ዝበልጽ መልእኽቲ ትህብ። ኣብ ናይ ሎሚ ድልየተይ ግን ግርምቢጥ ወይ ኣብ ክንዲ ብርእሲ ብጭራ ድማ ንስእሊ ብቓላት ክገልጽ ተበጊሰ። ነፍስ-ወከፍ ተትሕዝትኡ ኢዩ ዝልግስ። እሞ ብዛዕባ ሓንቲ ስእሊ ከዘንቱ ክፍቀደኒ እልምን። ሰብ ካብቲ ዝዓበየሉ ከባቢን ዝወረሶን ባህሊ ኮነ እምነት ኢዩ ርእይትኡ ዝሃንጽ። ኣነ ወለደይ ክርስትያን ስለ ዝኾኑ ነዚ ሕጂ ዝገልጾ ስእሊ ካብዚ እምነት ዘቕርቦ መግለጺታት ኣንፈት ዝብገስን ዝድህስስን። ኣብ ከባቢ ብመለክዒ ነበርቲ ማለት እስልምና ዘለዎ ህዝቢ ስለ ዝተወለድኩ ብዙሕ ዝወረስክዎ ጽቡቕ ማሕበራዊ ትምህርቲ ኢየ ቀሲመ። ብሓጺሩ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ስለ ዝተወለድኩን እቲ ናይ ንእስነተይ ዕድመ ድማ እዚ ዝተጠቀስ ከባቢ ዝቐረጾ ባህሪ ኢዩ ምሳይ ክሳብ እቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዕድመይ ዝጎዓዝ። ስድራይ ክርስትያን ብምንባሮም ድማ ክርስትያናዊ እምነት ክኽተልን በዚ እምነት’ዚ ክጽሎ ናይ ግድን ነበረ። ግን ምስ ክልቲኡ እምነታት ምዕባይ ድማ ሓደ ሓያል ዝኾነ ፍቕሪ ህዝብን እምነትን ስለ ቀሲመን በዚ መለክዒ እዚ ምዕባየይ ክልቲአን እምነታት ነናተን ጽቡቕ ጎድንታት ክወርስ ክኢለ። ወለድና ክልተ ጥራይ ኢዮም ወሊዶም። ግን ክልተ ኣቦታትን ከልተ ኣደታትን ድማ ነይሮሙና። ዘዕበያና ኣደታት ፋናን ፋጥና ይበሃላ። ፋና ወላዲትና ክትከውን ከላ ፋጥና ድማ ማዕረ ፋና ኮይና ኣብ ምዕባይና ዓቢ ተራ ተጻዊታ። ኣብ ኣመጋግባ ኣብ ኣተኣላልያ ተፈላልየን ኣይፈልጣን። ኢላ ኢላ እውን እታ ምንኣሰይ ሓብተይ እምነት ምስልምን ዘለዎ ሓው ብምምርዓዋ ኣብቲ ናይ ክልተ ኣሓት ክልቲኡ እምነታት ሓባራዊ መግለጽን ቅርጺ ገዛናን ኮይኑ። እዚ መላለይ ህንጻ ገዛና ኢዩ። ግን እቲ ሕጂ ዘቕርቦ ናይ ቃልት ቅርጺ ካብ ናይ ክርስትያን እምነት ዝቐርብ ኢዩ። ትሕዝቶ መጽሓፍየይ ድማ ናይ እምነት ትርጉም ወይ መልእኽቲ ፈጺሙ የብሉን። ብሓጺሩ ኣብቲ ትሕዝቶ ድማ ክበርህ ይኽእል። እንሆ ድማ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሃገሩ ምስልን ስእልን ብትርጉም ናጻነትን ሓርነትን ክቐርጽ’ዩ ተላዒሉ። ነታ ዝብህጋን፣ ክውንናን ዝወሰነን ሃገር ድማ ክስልማን ክውቅባን ሕብሪ ወይ ቅብኣ-ቅብኢ ኣድለዮ። ውዕውዕ ናይ ደም ቅብኢ። ሰላማዊ ፍትሕ ስለ ዝተሓረሞ ነታ ዝነድቃ መንደቕ በዕጽምቱ ክሃንጻ ወሰነ፣ ካልእ ኣማራጺ ኣንፈት ፍታሕ ምስ ሰኣነ ነታ ናይ መጨረሽታ እንኮ ዕጥቃዊትን ደማዊትን ጎነጽ ኣተዋ። ናይ ወለዶታት ተወፋይነት፣ ናይ ህላዌ ዋጋ፣ መንነቱን ባህሉን ኣመጻጽኡን ታሪኹን ዝኾነ ሓበኑ ፍናኑ ዘረጋግጸላ፡ ከይቅህም ህላዊኡ ዘረጋግጸላ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰላምን ቅሳነት ዝዓሰላ ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ እቲ ነቕ ዘይብልን ጽኑዕ እምነቱን ደሪኽዎ ክኸፍል ወፈረ። ካብ መግዛእቲ ዝኸፍእ ስለ ዘየለ ድማ ምእንቲ ውቅብቲ ኤርትራ ክብጆ ንነብሱ ኣሕሊፉ ሃባ። እቲ ኣብ መንጎ 40ታትን ሓምሳታትን ዝተወልደ ወለዶ ተረፍ ኣቦታቱ ዝበልዕን ተረፍ ድቁ ክበልዕ ዝተመደበ ኢዩ ነቲ መግዛእቲ ካብ ሕንግሮ ኣሽቀንጢሩ ክድርብዮ ዝዓጠቐን ዝተዓጥቀን። እቶም ናይ 20ታትን 30ታት ወለዶ ጽፉፍ ፖለቲካዊን ሰላማውን ፍታሕ ከም ጥምጥም ተታሓዝዎ። ተቐተሉን ተረሸኑን። ሸርሑ እንግሊዝ፣ ተንኮል ሕቡራት ሃገራትን ንኤርትራ ንሙጉዛይ ከም መደብ ወጸ። እቲ ንኹለን ብሄራት ኣሕቢሩ ዝተበገሰ ድማ ንብረታዊ ገድሊ ገጹ ብቐጻሊ ነደቐን ሃነጸን። እዚ ስእሊ ክውን ክገብር ኢዩ እቲ መንእሰይ 60ታትን 70ታትን ዝተበጀወ። እቲ ናይ 80ታትን 90ታትን ቀጸለ። ኣደ ሓደ ኮነ ኣደ 10 ደቀን ሰኣና። ግን ወለዲ ደቆም እንተዘይ ረኸቡ ነጻነት ቦኽሪ ውላዶም ኮነት። እዛ ቦኽሪ ናጽነት እዚኣ እያ ዓውል ከይትኸውን ብስነ-ጥበባዊ ክትሰኣል ዝነበራ። ኣየነይቲ ሰነ-ጥበባዊት ስእሊ። ናጽነትን ደሞክራስን ደሊና ኢና ኣብ መድለይአን ከነናድየን ጣሻን በረኻን ዝተዋፈርና። ካልእ ምርጫ ኣይነበረናን ክነብረና ድማ ኣይክእልን። ደሞክራሲ ከናዲ ከለና ቅዱስ ዕላማ ነይሩና። እንዳ ተረደኣን ኢና ንኹሉ ጾር ክንጻወር ዝመጽና። ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ምስ ምሉእ ናጽነት ነውሕሰላ፣ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓናን ንካባበረላ፤ ደረትን ወሰንን ንልከዓላ። ህዝብና መኽበር ጎረባብቱን፣ ብጎረባብቱ ድማ ጽቡቕ ዝምድና ሰሪቱ ጽቡቕ ጉርብትና ክምስርት ዝኣመተ ህሞት፣ ኢዩ ከናዲ ነቲ ቃልሱ ብስእሊ ክቐርጽ ዝተላዕለ። እቲ መቕረጺ ድማ ብኣሃዝ ሰፍ ዘይብል ኮነ። ለይትን ቀትርን ክስእልን ክቐርጽን ንመዋእላት ድማ ከይረብረበ ዝኽፈል ከፊሉ ክጓዓዝ፣ ድኻምን ተስፋ ሙቕራጽ ኣየርኣየን። እቲ ሓደ ይወድቕ፣ እቲ ካልእ ይቕበል ይቕጽል። ጸላእቲ ተበራረዩ፣ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሱሩ ክቡርቁቑ መረሹ። ነታ ክተኽላ ዝደለየ ስእሊ ከም ሽግ ከም ፈልሲ ተኺሉ፣ ደሙ ኣስተያ። መኣዛ ኣዕጽምቱ መገባ። መስዋእቱ ዱኽዒ ናጽነት ኮነ፣ ነታ ስእሊ ካብ ግዜ ንግዜ ቀባእባእባ ኣበላ። ንሶም ከፍርሱ ንሱ ክሃንጽ ተረባረቡ። ኣይሰልከዮን፣ ኣይሓሰሞን፣ ንኹሉ ጾር ኣብ እንግድዕኡ ተሰከሞ። ንዓጸቦ ናብ ጽጋብ ፣ ንጽምኡ ናብ ምርዋይ ቀየሮ። ጸላእቱ ዘይጻወርዎ ሓቦን ንሒን መለለይኡ ኮነ። ንሓጹራቶም በብሓደ ሃደሽደስ ኣበሎ። ሰጎመ እወ ንሱ ግን በይኑ ሰጎመ። እቶም ሓያላት ኢና በሃልቲ፣ ህዝብን መሬትን ስለ ዝመከቶም በብእብረ እንዳ ሃጠሙን እንድሰጠሙን ከዱ። ናይ ግዳም ንግዳሙ በዓል ቤት ናብ ቤት ክኣቱ ክውንነት ኢዩ እሞ ብጽንዓት ተረጋገጸ። ውላድ በዓል ቤት ኣብ ቤቱ ዝብል ዕላማ ስለ ዝተደኮነ ሃገር ናጻ ኮነት። ፍስሓ ወሰላም ከም ዝወረደ ዘበስረት ወጋሕታ ናጽነት ቀደድ በለት። እቲ ርኡይ መስዋእቲ ዝተወልዱን ዝቦቖሉን ዕድመ ዘሕጽር ኢዩ። ንሱ ድማ ከም ቅቡልን ብዘይብኡ ዘይሕለፍን ከም ዝኾነ ርዱእ ነበረ። እቲ ዝኸፍአ ግን እቲ ንወለዶታት ዝመሓላለፍ ስዉር መስዋእቲ ኢዩ። እስኪ ነቲ ስውር ስእሊ ንዳህስሶ። ኣብዚ ናይ ዕጥቃዊ መዋእል ክንደይ ቀጻሊ መፍረ ወለዶ ኢዩ ተጎናዲቡ። ክንደይ ክፈርን ክህነጽን ዝነበሮ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተሃኒጹን ተዋፊሩን ዝነበረ ሃገራዊ ትካል በሪሱ። ሃገር ንድሕሪት ተመሊሳ ኣንቆልቂላ። ሎሚኸ? እቲ ብርሃን ድሙቕ በርሃን ግን ነዒንቱ ከይደጉሖ፣ ነቲ ዝሓለፈ ከማዕዱ ንድሕሪት ጠመተ። ውሽጣዊ ዕማም ዘረስዕ ኩነታት ከይፍጠር ግን ዝሰግአ ኣካል፣ ድማ ዙርያና ነማዕዱ በለ። ናይ ናጽነት ዓውዲ ክትሕፈስ ከላ ግን ገለ ገለ ክርዳድ ምስታ ሓዳስ ተኽሊ ከይተረኣእየ ዝቦቖለ ኣበኖ ተሓዊሱ ክሳብ ቀውዒ ጸኒሑ ምህርቲ ጸየቀ። ኣብቲ ዋልኻ ግራውትና እሾኽ ቶኾርባ፣ ኣብቲ ልሙዕ ሻኻና ተሓግ በቖለ። እንሆ ንውጋእ እንሆ ንሕንኮል። ቀጻሊ ዕማም እታ ስእሊ ሃገር በይና ኣኻሊት ስለ ዘይኮነት ናይታ ትቐውም ስርዓት ስእሊ ክትሰኣል ወይ ክትቅረጽ ኣድላይት ክትከውን ነይርዋ። እዛ ስእሊ እዚኣ ከመይ ገርና ክንስእላ ይግበኣና ዝብል ግን ,,ህርፋን ጸባስ ጓጉድ ማይ ኣወደአ፡ ኮይኑና እንሆ ዝገደደ ማይና ተዘሪጉ። ሃገር ዕሸል ኢያ ዘላ፣ ደለይታን ሓነቕታን ኣብቲ ምትካል እግራ ፈልያ፣ ኣብቲ ታተ ትብለሉ ካልእ ዘይተጸበናዮ ሸምበባዕታ ለብለባ። ሃገር ክትሑጎስ፣ ኩሉ ክቐስን፣ ስምረትን ጥምረትን ክድልድል፣ ኩሉ ናብ ቤቱ ክኣቱ ነይርዎ። ምህርቲ ምኻዕበተ፣ ዕዳጋ ፉሕ ምበለ፣ ናይ መስዋእትና መደዓዓሲ ናጽነትናን ምትሕውዋስ ይግባእ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ብታሕጓስ ዓዊርካ ዘይተለልየሉ ዋግ ተበቲኑ፣ እቲ ሓደ ክስእል እቲ እኩይ ሓናቂ ክድውን ኣብዛ ህሞት እዚኣ እዮም ተፋጢጦም። ጠለብና ፈሊና ኣብ መስኣሊ ስርዓትና ከነድህብ ኣለና ዝብል ሕቶ ኢዩ ኣብ ርእሰይ ደይቡ በለ እቲ ስነ-ጥበባዊ ሰኣላይ። እታ ኣብ ታሕቲ ትቐርብ መሳጢት ስእሊ ትመጽእ ኣላ እሞ ኣቓልቦኹም ይዕኮኽ። ተሃንጥየ ከይህሉ፣ ቁሩብ ነቲ ልግዐ ናጽነት ቁሩብ ከይተሃወኽና ንዓቅቦ። ኣነ ብወገነይ ደቂሰ ጸኒሐ ሰኣሊ ምስ ተበራበአ ወነይ ስሒተ ዝነበርኩ ነቓሕኩ። ሰኣላይ ነቲ ስርዓት ምስኣል ዝቐረቦ ብቓላት ከቕርቦ ሃቀንኩ። ህዝብና ኣብ ፍርቒ ስእሊ ዝኸፈሎ ዶቑሲዎ፣ በታ ዝሰኣላ ተተስፍዩ ንኹሉ ከም ዝተፈጸመ ገይሩ ተቐቢሉ ስለ ዝቐሰነ፣ እቲ ካልኣይቲ ዘይተጸብያ ስእሊ እንሆ ካብቲ ቀዳማይ ዘይትሓምቕ ኮይና ረኸባ። በምንታይ ኢያ ዘይትሓምቕ? ብኹሉ ክሳራ እስኪ ብገምጋም ነመዛዝና እስኪ ምስዛ ትስዕብ ናይ ፊደላት ስእሊ ኩላህና ነናህና ቀላማትና ገርና ንቕበኣያ። ናተይ ግን እንሃለ!!1111 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስእሊ ዝነግር ቅርጺ ወይ ድማ ቃላት የለን። እታ ድሕሪ ኢየሱስ ትንስኤን ትምህርቱን ዝቖመት፣ ናይ ክርስትያን እምነት፣ ከም መግለጺ እምነታ ስእሊ ኢየሱስ ኣይነበራን። እቶም ንእምነት ክርስትና ዝመርሑ ዝነበሩ፤ ናይ ኢየሱስ ስእሊ ክህሉ፣ ኣድላይ ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ ገለ ነገር ክበላሓቱ ናይ ግድን ኮነ። ገለ ተረኽቲ ነናቶም መግለጺ ጽሒፎም። ኣብ ገለ ጽሑፋት ዘቕርብዎ፣ ኢየሱስ መስቀሉ ተሰኪሙ ናብ መስቀሊኡ ቦታ ንጎልጎታ ክጓዓዝ ከሎ፣ ስቓዩን ጻዕሩን ርእያ ዝሓዘነት ማርያም መግደላዊት ገጹ ጨርቂ ገይራ ረሃጹ ሓበሰት፤ እቲ ናይ ገጹ ወዝ ኣብታ ዓለባ ስለ ዝተቐርጸት፣ ካብታ ዓለባ ዝተረኽበ ቅርጺ ኢያ እታ ናይ ሎሚ ስእሊ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንርኣ ዘለና ይብሉ። ኣነ ግን ካልእ ታሪኽ ብፍላይ ምስ ናይ ኤርትራ ኩነታት ዝመሳሰልን ዝሰማማዕን ታሪኽ ከቕርብ እመርጽ። እዚ እውን ዘንበብክዎ ጽሑፍ እንሆ አቕርቦ። እቶም ንቤተ-ክርስትያን ዝመርሑ ንሓደ ዓቢ ስነ-ጥበባዊ ሰኣላይ ባዕሉ ሃንዲሱ፤ ስእሊ የሱስ ምስ ተግባሩን ጽቡቕ ስርሑን ለውሃቱን ዘንጸባርቕን ዝወሃሃድ ስኢሉ ከቕርብ ሓተትዎ። ኣብ ማእከላይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ ገንዘብ 300 ዱካት ክኸልዎ ተዋዓዓሉ። ኣብ ሓደ ዓቢ ዕዳጋ ከይዱ ንሓደ ምስቲ ዝተዋህቦ መግለጺ ዝሰማማዕ ሰብ ክረክብን ከናዲን ተዋፈረ። ሓደ ፍሉይ መልከዐኛ ንኹሉ ዝምስጥን ምርኡይ ጎበዝ ብማዕዶ ረኣየ፣ ነቲ ዝተጠልበ ጠለብ ዘማልእ፣ ቅርጹን ግርምኡን ጉድለት ዘይብሉ በጽሒ ረኸበ። እቲ መልክዑን ፍሉይ ዝኾነ ሰብ ንግዳማዊ ቅርጹ ክድነቕን፣ ኩሎም ኣብቲ ዕዳጋ ዝርከቡ ብልዑል ኣድናቖት ክጥምትዎ ስለ ዘስተህል፣ ኣካላዊ ትምክሕቱ ልዕሊ ከዋኽብቲ ዝዓረገ ገይሩ ወስዶ፣ ርእሰ-ተኣማንነቱ ሰማይ ዝዕረገ፣ መልክዑ ኣብ ደንደስ ማይ ዘውትር ክጥም ዝውዕል ብምንባሩ ድማ ብነፍብ-ኣምልኾት ዝተወጠረ ፍጡር ኮነ። እቲ ሰኣላይ ግን ብቕርጹ ጥራይ ኢዩ ዝተመሰጠ። ናይቲ ዕሉል ትምክሕተኛ ባህሪ ክፈልጦ ከም ዘይክል ብሩህ ኢዩ። ባህሪ መልክዕን ጽባቐ ዝሃቦ ተውህቦ ላዕላወይ ሽፋን ጥራይ ነበረ። ብትሕትና ኮፍ ኢሉ እንተ ደኣ ተሳኢሉ ዓስቡ ከም ዝኽፈሎ ኣመተሉ። በቲ ዝተለገሶ ኩንትራት ተሳማሚዑ ድማ ኮፍ በለ። እቲ ንድልየት መራሕቲ እምነት ከዕግብ ዝተበገሰ ሰኣላይ፣ ንስእሉ ዘድልይዎ ረቛሒታት ሰሪዑ ክስእል ተዋደደ፣ ሓሳቡን ነገራዊ ትሕዝቶን ኣዋሃሂዱ ክስእል ሓሳብ ሰርዐ። እቲ መልከዐኛ ሰብ ምስቲ ቅርጹ ዘይኮነስ ምስ መለኮታዊ መለክዕታት ዘንጸባርቕ መሓሪ፣ ለዋህ፣ ጸዋር ተጸማሚ፣ ምእንቲ ክምህር መስዋእቲ ክኸፍል ከም ዝተቐረበ ገይሩ ከቕርቦ መደበ። ፍሽኽታ ፍሽሕውነት፣ መጸናንዒ ንድኽነትን ስቅያትን እዛ ዓለም ኪኖ ሓጹር ደርብዩ ሰላምን ቅሳናትን ዘለዋ ዘልኣለማዊት ገነት መውረሲት መንግስተ ሰማያት ዝልግስ፣ ከም ዓስቢ ብጸጋ እንበር ብተግባር ሰብ ከም ሚዛን ዘልክዕን ድኽመት ፍጡራት ተገንዚቡ ንሕድገት መሰረተ እምነት ዝገበረ ህያው ኣምላኽ ገይሩ ብቕብእን ስን-ጥበብን ከሰንዮ መደበ። ነቲ ዝሰኣል ዘሎ ሰብ ከምቲ ዝደልዮ ባህርያዊ መለክዒ ክኾነሉ ምተተምነዮዶ ወይስ ኣይምግድሶን ካልእ ኣርእስቲ ስለ ዝኾነ ምትንታኑ ኣብዚ ኣድላይነቱ ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። እቲ ቀንዲ ክፍጸም ዘለዎ ግን ዝመሳሰልን ንእምነት ዘደልድል ስእሊ ጥራይ ብምንባሩ እቲ ዝድለ ድማ ተፈጸመ። ተሳኣሊ ገንዘቡ ተቐበለ። እቲ ተኸፊሉ ዝተሳእለ መጀመርያ ኩሉ ነገር ግርምቢጥ ኮኖ። ስለምንታይ ከም ዝሰኣል ክበርሃሉ ሓተተ። ምኽንያት ክህልዎ ኣለዎ በለ። እቲ ሰኣላይ ድማ ንህዝቢ ክርስትያን ናይ መድሓኒና የሱስ ስእሊ ንእምነትን ተኣማንነትን ዘደልድል፣ ንረብሓ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ዝውዕል ስለ ዝኾነ ንቅዱስት ጽሑፋት መሰነይ ኢዩ ተባህለ። ስለዚ እቲ ስእሊ ብዘይ ቃል መንፈሳዊ መልእኽቲ ዘመሓልፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ፈለጠ። ኣብ ሰብነቱ ድማ ግለ ዘይተኣደነ ስምዒት ፈጠረ። እሞ ስእሊ እቲ ሰብ ከም የሱስ ዝገልጽ ካብ ኮነ ንሱ ምስሊ የሱስ ገይሩ ዝነብር ዘሎ መሎኮታዊ ኮይኑ ተሰመዖ። እቶም መራሕትን ኣመንትን ካብ ኣምለኹኒ ኣነስ መልኣኽ ክኸውን ኣለኒ ክብል ሓሰበ። ብናይቶም መራሕቲ ጥበብ ተገሪሙ ድማ ነቲ ሰኣላይ ,,ሰብ ከፊሉ ይሰኣል፣ ኣነ ግን ተኸፊለ እሰኣል፣ ዓለም ከመይ ዝበልዋ ናይ ረብሓ ገመድ ትፍሕስ“ ክብል ርእይትኡ ክህቦ ተወከሶ። ስጋ ናታ ብረብሓ ኣነነት ስለ ዝተነድቀት ድማ ኣነ የሱስ ክኸውን ኣለኒ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎሉ ተገረ። ባህሪ ስቕ ኢላ እዚ ኩሉ መልክዕ ኣይዓደለትንን ዝብል ፍሕሶን ገመድን ደየቦ። ከደ ተወጠረ። ነታ ሽዑ ዝነበረት ሮማዊት ጥራይ ዘይኮነት ንከባቢኣ ጨፍላቂትን ረጋጺት ኢምፐርዩም (ሃጸያዊት ስርዓት) ነዓቓ። (ኣየወ ከምዚ ሎሚ ጽንጽያ ንሓርማዝ ዝንዕቃ ዘሎ ዝምስል ትምክሕቲ /ናተይ ርእይቶ/)።ኣነ ገለ ሰማያዊ ዘያማዕደኽዎ ሓይሊ ብመልከዐይ ገይሩ ዝገልጾ ነገር ክህሉ ኣለዎ ድማ በለ። ባህሪ ክጥቀመሉ ዝዓደለኒ ብዘየገድስ ኣነ ክጥምቶ ዝግበኣኒ ዘየስተብሃልኩሉ ንላዕሊ ክጥምት ዘበገሰ መልእኽቲ ኢዩ ሕጂ ተነግረኒ ክብል ሓድሽ ሜላ ክኽተል ተበገስ። ተወካሊ ሕቡእ መንፈሳዊ ሓይሊ ክኸውን ከም ዝተፈጠርኩ ክኣምነ ኣለኒ፣ ኣብዚ እምነት እዚ ድማ ክሳራ የለን፣ ብዘይካ ረብሓ፣ ክብል ነቲ ሓዲሽ ናይ ኣቕስቲ ሽጣራ ክጥቀመሉ ተዋፈረ። ኣየ ተንኮል ብገለ ትበርቕ፣ ክሳብ ተባሕጊጋ ትሃጥም ድማ ትምርሽ። እንታይ ኣለዎ ኣነ ምስሊ ምድራዊ ኣምላኽ ዘይከውን ዝብል ሓዲሽ ቫይሩስ ደየቦ። ቤተ-ክርስትያን ኣመንታን ከምሉኹኒ ካብ ተበገሱ፣ ኣነ ንምንታይ ነቲ ዝተህቡኒ ወፈያ ተጠቒመ ከንበርክኾም ዘይክእል። (ስዋን ሳዋን ክልቲኤን ንስኽራን ኢየን ኮቶ ተመሳሲለን ዝበለዶ ኣይመስለኩምን? ነቲ ስኽራን ማይ ደንደስ፣ ስኽራን ቀላይ ህዝቢ ዘይገብሮ ዝዓይነቱ ትምክሕቲ ናይ ዲፋዕ ረስኒ (trench fever)። ስእሊ ሰኣላይ ነቶም መራሕቲ እምነት ክርስትና ዝደልይዎ ምስ ኣበርከተሎም 300 ዱካት ተቐበለ። እቲ ታሪኽ ግን ኣይብቀዐን። ድሕሪ ውሱን ዓመታት እቶም መራሕቲ እምነት ክርስትና ነቲ ሰኣላይ መታን ህዝቢ ከነጻጽርስ፣ ሕጂ ድማ ናይ ሰይጣን ስእሊ ከም ዝፍንፈንን፣ ከም ርኹስ ሰብን ገርካ ሰኣለልና ንሕና ድማ ንእምነትና ዘራጉድ መነጻጸሪ ስእሊ ስለ ንደሊ 600 ሚእቲ ዱካት ክንከፍለካ ክብሉ ተወከስዎ። ንሱ ናይ ሰይጣን ዋጋ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ዋጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ ክብል ብ1000 ዱካት ክኸፍልዎ ሓበሮም። ደሓን ግን ፈጺሙ ቅርጹ ናይ ሳጥናኤል ይምሰል እንበር ንኸፍለካ በልዎ። ዘገርም ዛንታ። ነቲ ክፉእን ተንኮለኛን ዝገልጽ ስእሊ ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፉ ክኸፍሉ ምስምሞዖም ኢዩ። እቲ ሰኣላይ ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ዕዳጋ ከይዱ ንሓደ ዓቢ ነጋዳይ ብኹሉ መለክዒ ዝኸሰረ፣ ዝጠፈሸ፣ ግን ገና ዘይጽንቀቕን ዘይነጽፍን ሃብትን ስልጣን ዘለዎ ክመስል ዝጉባዕብዕ ሰብ ኣብቲ ከባቢ ኮነ ኣብ ዙርይኡ ብስስዐን ጥልመትን ዝፍለጥ፣ ምሽሓጥን ምትላልን ዝኣመሉ፣ ተበላጽን መሰሓሓትን ቃላት ዝውርውር፣ ናይ ፍትወተ ስጋን ወሲብን መስተን ወልፊ ዘለዎ፣ ሰኽራንን ዝሩግን፣ ሳዕስዒትን ዳንከራን ዘብዝሕ፣ ለይቲ ድቃስ ስኢኑ ንሰብ ድቃስ ዝኸልእ፣ ንስድራ-ቤታት ደቆም መንጢሉ ናቱ ግዙኣት ገይሩ ዘዐስክር፣ ንከባቢኡ ከርዕድ ውግእን ወረ ውግእን ሕንፍሽፍሽን ዘሰራጩ፣ ግዳማዊ ቅርጹ ድማ ሓያልን ገባትን ግን ድማ ዘይቅርጹን ዘይተግባሩን ዘበርክት ኮስመቲካዊ ቅብኢ ቅብኢ ተለኽዩ ዘደናግር ሓበርዎ ረኸቦ ድማ። ብላዕሊ ቅዱስ መሲሉ ክረአ ህዝብን ሰዓብቱን ከይተረፉ ብእኩይ ተግባሩ ኣፈራሪሑን ኣርዕዱን ክሳብ ኣምልኾት ዘድሃበ መግለጺ እንዳ ኣራበሐ ዘደናግር ሓዲሽ ስራሕ ረኸበ። ኩሎም ዝፈርሕዎ ኣብ ምልኣተሥንዋይ ምስ ዓርመሽሽ ስስዐ ኮነ ጸይቀ ግኑን ሰብ ከም ዝኾነ እቲ ሰኣላይ ርእይ ከብሎን ቆብ ከብልን ሓደ ኮኑ።ምስቲ ቅድም ንየሱስ ዝሰኣሎ ዘይመሳሰል ግን ገለ ጦብላሕታ ዘለዎ ኮይኑ ተሰመዖ። ጽባሕ ክስእለካስ እቲ ሓቀኛ ገጽካ ብቅብኢ ከይቀባእካ ትመጽእ ግን 450 ዱካት ክኸፍለካ ኢየ ክብል ሓበሮ።። ንጽባሕቱ እታ ሓቀኛ ገጹ ሒዙ ይምጻእ እንበር ኣብ ሕቡእ ቦታ ክሰኣል ከም ዝደሊ ገለጸሉ። ናይ ገንዘብ ስሱዕ ብውሽጡ ድማ ዝጠፈሸ ስለ ዝኾነ መታን ብሓንቲ ስእሊ ነቲ ዝተባህለ ማእቶት ክሓፍስ፣ እቲ ሓቀኛ ገጹ ሒዙ ቀረበ። ካብቲ ትማሊ ዝረኣዮ ድማ ዝኸፍአ ነበረ። ቅድሚ ምስኣሉ ድማ ስለምንታይ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከም ዝኽፈሎ ድማ ሓተተ። እቲ ሰኣላይ ድማ ምስልኻ ምስሊ ሰይጣን ክመስል ተባሂሉ ስለ ዝቐርብ ክብል መለሰሉ። ክሰኣል ከሎ ድማ ይነብዕ ነበረ። እቲ ሰኣላይ ድማ ስለምንታይ ትነብዕ ኣለኻ ክብል ሓተቶ። እቲ ምስሊ ሳጥናኤል ዝሰኣል ዘሎ ,,እቲ ቅድም ንየሱስ ዝሰኣልካኒ ግዜ ዘኪረስ፣ ሎሚ ብግብረይን ክፍኣተይን ከመንዝር ፣ ክሰክር፣ ሕድሪ ክጠልም፣ ክዘምት ንስብ ክፉእ ክገብር ክብል ውቃበይን መልከዐይን ርሒቑ ሎሚ ብሰይጣን ክሰኣል በቒዕ“ ክብል መለሰሉ። ህዝቢ ኤርትራ ንስእሊ ኤርትራ ባዕሉ ስኢልዋ። ስእሊ ስርዓቱ ግን ክስእል ኣይበቕዐን። እሞ እቲ ዳሕረዋይ ስእሊ ናይ መን ይመስለኩም። ባዕልና ስእሊ ስርዓትና ንገምት። ኣብ ዝኸድክሞ በዚ ስርዓት እዚ ፍትሕን ሰላምን ቅሳነትን ረኺብኩም ትፈልጡዶ? ምስ ከባቢኹም፣ ምስ ዓለም፣ ኣብ ንሓድሕድኩም ፍቕርን ምቅርራብ ኣለኩምዶ? ባህልናን ልምድና እንዳ ዓነወ፣ ኣንገራና ጸጋና እንዳ ረሓቐ፣ ሰላም ኣብ ንሓድሕድና ስኢና፣ ፍትሕን ሕግን ርሒቑና፣ ኣብ ሓደ ግማዕ ህዝብና ስሰዕን ምፍልላይን ሰፊኑ፣ ወላዲ ውሉዱ ዘየዕብየሉ፣ ቤተ-ሰብ ተራሓሒቑ ክልተ መርዓ፣ ክልተ ተዝካር፣ ክልተ ዳስ ሓዘን ዝግበረሉ፣ ብህይወት ዝተሰደ ረሳ ብሳንዱቕ ዝምለሰሉ፤ ዘፍረናዮ እኽሊ ቀሲና ዘይንበልዓሉ፣ ዓለም ዝነዓቀትናን ዝኸዓበትናን፣ ዝኸፈልናዮ መስዋእትን፡ ዘርኣናዮ ጅግንነትን ዝተረሰዓሉ ሕማቕ ኣዝዩ ሕማቕ ደበና ኣብ ልዕለና ከንሳፍፍ ንርኢ ኣለና። ነብስና ከነተዓሻሹ ኣይግባእን። ፈቲና ጸሊእና መንኮርኮር ሃገርና ንድሕሪት ገጻ ትውንጨፍ ስለ ዘላ ንጠንቀቕ። እንተ ፍቕሪ ኢሰያስ ብርግጽ ፍቕሪ ሽጋራ ከም ትኸውን ኣይጠራጠርን። ፍቕሪ ሽጋራ ብኣፍ ትጅምር ብእግሪ ድማ ተረጊጻ ትጠፍእ። እዚኣ ወደሓንኩም። |