|
ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ክፍጸመሉ ሓቲትዎ ዘሎ ናይ መቐየዲ ትእዛዝ፡ ብኽልተ ገጽ ዝርአ ነጥበ-መቐይሮ ኮይኑ ተጋሂዱ ኣሎ። ብሓደ ወገን፡ ንዓመጽትን መለኽትን ስንባደን ተርባጽን ክፍንወሎም እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ከም ዓቢ ዝላ ንድቕሚት ዝገለጽዎ፡ ልቢ ዘረስረሰ ታሪኻዊ ክስተት ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት ሚኒስትሪ ጉዳያት “ቆይቊ” ህግደፍ ኣውጺእዎ ዘሎ ጋዜጣዊ መግለጺ ስለ ዘስደመመኒ’የ ኸኣ “ኣይክኢሎሞ ኣይስኢኖሞ” ብዝብል ኣርእስቲ ክጽሕፍ ዝመረጽኩ።
ኣልበሽርን ዓማጺ ስርዓቱን እቶም ቀንዲ በዚ ጉዳይ’ዚ ዝትንከፉ ኣካላት ከም ምዃኖም መጠን በዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕብልና ክሰናበዱ ባህርያዊ’ኳ እንተኾነ፡ እታ ተመዚዛ ዘላ ሻምላ ፍትሒ ውዒላ-ሓዲራ ኣንፈታ ናብኦም ከተቕንዕ ምዃና ዝተገንዘቡ መራሕቲ ህግደፍ ‘ውን ብዘይካ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ካልእ ዓፍራን ዶሮናን ዝሓወሰ ዓጀውጀው ከስምዑ ጀሚሮም ኣለው። እዚ ዓጀውጀው’ዚ ከም ካልእ ኩሉ ዓጀውጀዋት ብላሽ ዕንደራ ኮይኑ ዝተርፍ ምዃኑ ዘይሰሓት’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኣህጉራዊ ምዕባለ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍ እንታይ ዓይነት ሕጋዊ ኣመታት ክህልዎ’ዩ ዝብል ነጥቢ ግን ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ምትንታን ከድሊ ኢዩ። ነዚ ንምግንዛብ መጀመርታ እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ኣልበሽር ዘለዎ ሕጋዊ ሳዕቤን ምግምጋም የድሊ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዓንቀጽ 16 ናይቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝቖመሉ ውዕል መሰረት፡ ነቲ ብኣኽባር ሕጊ ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶ ንሓደ ዓመት ኣቢሉ ከወንዝፎ ስልጣን’ኳ እንተለዎ ከምኡ ክገብር ድዩ ኣይክገብርን ቀስ ኢልካ ኣብ መስርሕ ዝርአ ነገር ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግን ኣልበሽር ከም ፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር መጠን፡ ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ከለላ ብዘየገድስ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝኽሰስ ናይ ፈለማ መራሒ ሃገር ክኸውን ኢዩ። ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘለዉ ከም መራሕቲ ህግደፍ ዝኣመሰሉ ዓንደርቲ ውልቀ-መለኽቲ ከምኡ ‘ውን ኣብ ቅልውላው ዳርፉር ቀጥታዊ ተሳታፍነትን ተሓታትነትን ንዘለዎም መራሕቲ እዚ ምዕባለ’ዚ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ምኽንያት እዚ’ዩ ህግደፍ እቲ ጉዳይ ሸራእራእ ከብሎም ጀሚሩ ዘሎ። ገለ “ስኩፋት” ተንተንቲ፡ እዚ ሱር-በኸታዊ ክበሃል ዝከኣል ሕጋዊ መስርሕ ነቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ዝካየድ ዘሎ ናይ ሰላም ምንጋስ ጻዕሪ ክዓናቕፎ’ዩ ዝብል ስግኣታት ከም ዘለዎም ይገልጹ’ኳ እንተለዉ፡ ናይ መሰጋገሪ ፍትሒ (transitional justice) ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ ግን እዚ ጉዳይ እዚ ንዕላማታት ሰላምን ፍትሕትን ዘደንፍዕ ድኣ’ምበር ዝዓናቕፍ ነገር ኣይኮነን። ብርግጽ፡ ንዓመጽትን ኢደ-ወነናውያን መራሕትን ድሕሪ ደጊም ዓለም ትም ኢላ ከም ዘይትርእዮም ብግብሪ ከተርኢ ዝጀመረት ትመስል ኣላ። ይመልኣዮ ዘብል’ዩ። ኣብቲ ጽሟቕ ክሲ ናይ ኣኽባር ሕጊ ተገሊጹ ከም ዘሎ፡ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብኢዱ ተኵሱ ሰብ ስለ ዝቐተለ ወይ ‘ውን ብኣካል ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ህልቂት ምጽናት ዘርኢ ፉር፣ ማሳሊትን ዛጋዋን ብኣካል ስለ እተሳተፈ ኣይኮነን ዝኽሰስ ዘሎ። እቲ ክሲ ከም ዘነጽሮ ኣልበሽር ብዘተዘዋዋሪ መገዲ’ዩ ኣብቲ ገበናት ተሳቲፉ። እዚ ክኸውን ዝኽኣለ ድማ፡ ኣብቲ ገበናት ዝተፈጸመሉ እዋን ብምሉኡ፡ ኣልበሽር ፕረዚደንት ሃገረ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ላዕለዋይ ኣዛዚ ኔሩ፤ ሕጂ ‘ውን ብከምኡ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣልበሽር ናይቲ ብሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤ ዝፍልጥ ገዛኢ ሰልፊ ሱዳን ኣቦ መንበር ኔሩን ኣሎን። ኣልበሽር ናይቶም ብጃንዳዊድ ዝፍለጡ፡ ኣብ ዳርፉር ዝበዝሐ ገበናት ዝፈጸሙ ዕሉላት ምልሻ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስርሒታቶም ቀጥታዊ ትእዛዝ ዝህብን ብቐረባ ዝከታተልን ዝለዓለ መዝነት ዘለዎ መራሒ ናይታ ሃገር ኢዩ። ኮታ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ወተሃደራውን ሲቪላውን ትካላት ናይታ ሃገር ምሉእ ስልጣንን ቁጽጽርን ዘለዎ፡ ዊን ዝበሎ ትእዛዝ ድማ ዝህብ ዕሉል ውልቀ-መላኺ ስለ ዝኾነ፡ ኣብቲ ዝተፈጸመ ገበናት ዋላ ብኣካል ኣይሳተፍ፡ እቲ ገበናት ብዘይ ኣፍልጥኡ’ዩ ተፈጺሙ ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። እኳ ድኣ ብሕጋዊ ኣዘራርባስ ከም ዝለዓለ መራሒ ሃገር መጠን ንሱ ቀንዲ ሃንዳስን ተላምን ናይቲ ዝተፈጸመ ገበናት ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ብዓንቀጽ 25(3)(ሀ) ናይቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ሕጊ መሰረት ገበነኛ ከም ዘቑጽሮ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ኣልበሽር ዝጥርጠረሉ ዘሎ ዓይነት ኣፈጻጽማ ገበን፡ ብሕጋዊ ኣዘራርባ “ፍጻመ ገበን ብኢድ ኣዙር” (ብተዘዋዋሪ ዝፍጸም ገበን) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዝዩ ህቡብ ሕጋዊ ኣምር’ዩ። ብኸምዚ ዓይነት ገበን ዝጥርጠር ሰብ ካብቲ ብቐጥታ ገበን ዝፍጽም (ጥይት ብምትኳስ ወይ ሰበይቲ ብምግሳስ ገበን ዝፍጽም ሰብ) ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ዘይብሉ ብምዃኑ ብመንጽር ሕጊ ኩሎም ብሓደ ዓይኒ ኢዮም ዝርኣዩ። እኳ ድኣ እቲ ሃንዳስን ተላምንሲ ኣብቲ ንመቕጻዕቲ ዝምልከት ፍርዲ ዝብየነሉ ግዜ ከም ቀንዲ ተሓታቲ ስለ ዝርአ ካብ ካልኦት ክብድ ዝበለ መቕጻዕቲ’ዩ ዝብየነሉ። ኣብ ሞንጎ ኢሰያሰን ኣልበሽርን ዘሎ ተመሳሳልነት ብዓይኒ ሕጊ ከመይ ይመስል፧ ነዚ ንምውድዳር እቲ ኣልበሽር ተኸሲስሉ ዘሎ ገበናት ምስቲ ኢሰያስ ክኽሰሰሉ ዝኽእል ገበናት ምንጽጻር የድሊ። ኣልበሽር ተኸሲስሉ ዘሎ ገበናት ሰለስተ ሕመረት ገበናት ኮይኑ፡ ገበን ምጽናት ዓሌት (genocide)፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes against humanity)፣ ከምኡ ‘ውን ገበናት ኵናት (war crimes) ዝብል ይርከቦ። ኣብ ኤርትራ ገበን ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ’ዩ ከብል ዝኽእል፡ ብሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ መርትዖታት ኣሎ ክበሃል የጸግም ኢዩ። ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምኡ ‘ውን ገበናት ኵናት ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ መርትዖታት ግን፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ዝተገለጸ ብኸፈር ኣሎ። ብርግጽ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝተፈጸመ ግህሰታት ገለ ናይ ዓቐን ፍልልይ ክህሉ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ ኣብ ሕጋዊ ተሓታትነት መጺኻ ግን እቲ ፍልልይ ብዙሕ ለውጢ ኣይምጽን ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ንኣልበሽርን ኢሰያስን ዘመሳስል መዳይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ንኽልቲኦም ዕሉላት መራሕቲ ዘመሳስሎም ድማ እቲ ኣብ ኣምር “ፍጻመ ገበን ብኢድ ኣዙር” ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ ኢዩ። ክልዕ ከም ኣልበሽር ኢሰያስ ብኢዱ ተኵሱ ሰብ ኣይቀተለን ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግን ኢሰያስ ብኽልሰ-ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ካብ ናይ ኣልበሽር ዝጸንዐን ዝሓለየን ስልጣን፣ ቁጽጽርን ምልክን ኣለዎ። ንሱ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣቦ መንበር ናይቲ ሓደ እዋን “ሃገራዊ ባይቶ” ዝበሃል ዝነበረ ልሙስ ትካል፡ ኣቦ መንበር ናይ ማእከላይን ፈጻምን ሽማግለታት ህግደፍ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ (እንኮላይ ቻንስለር ኣስመራ ዩኒቨርስቲ)፣ ወዘተ … ኢዩ። ኮታ ኣብቲ ሃገር ኣሎ ዝብሃል ትካላት ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኢዩ። ልዕሉ ኹሉ ድማ ንወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ናይታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ዝተቖጻጸረ፡ ብዘይ ናቱ ትእዛዝን ኣፍልጦን ኣብታ ሃገር ሃመማ ‘ውን እንተኾነ ምዕይ ኢሉ ክንቀሳቐስ ዘየኽእል ጽኑዕ “ወተሃደራዊ ንግስነት” ዝተኸለ ዕሉል መላኽን ጨፍላቕን ኢዩ። ብመንጽር ዞባዊ ቅልውላውን ህውከትን ክርአ እንከሎ ‘ውን ካብ ኢትዮጵያ ጀሚርካ፡ ክሳብ ሱዳን፣ ሶማልያ፣ ጅቡቲ፣ የመን፣ ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ስሪላንካን ከይተረፈ፡ ዓለም-ለኸ ሕግን ውሳነታት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምጥሓስ፡ “ጸላእቲ ጸላእተይ” ንዝበሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ምዕጣቕ፡ ምዕላምን ምምዋልን፡ እንሓንሳብ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ዕሉል ወተሃደራዊ ወራራት ብምንቃድ፡ ንብምሉኡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሃወኸ ዓንዳሪ ምዃኑ ዘረጋግጽ ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። ኣብ ኤርትራን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን (እንኮላይ ኣብ ዳርፉር) ብልኡኻት ህግደፍ ወይ “መንግስቲ ኤርትራ” ዝፍጸም ዘሎ ኣህጉራዊ ገበናት ብዘይ ኣፍልጦ ኢሰያስ ዝፍጸም ኢዩ ኢልካ ክትግምት ስለ ዘይከኣል፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኣልበሽር ተመስሪቱ ዘሎ ኣህጉራዊ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ‘ውን ኣብ ዝኾነ እዋን ክምስረት ከም ዝኽእል ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ሓቂ ኢዩ። ልክዕ’ዩ እዚ ንኽግበር ኣቐዲሙ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ክፍጸም ዝግብኦ ቅድመ-ኩነታዊ ስጉምታት ኣሎ። ብወገን ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ‘ውን ተመሳሳሊ ተበግሶታት ከም ዘድሊ ርዱእ ኢዩ። ነዚ ንምትግባር ዛጊት ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝካየድ ዘሎ መጽናዕታትን ተበግሶታትን ክምጎስ ዝግብኦ ኮይኑ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝዓዘዘ ተራ ክጻወቱ ዝግብኦም ግን ግዳያት ናይዚ ስርዓት ዝነበሩ ዜጋታት (ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ) ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ ርእሲ’ዚ ክህሉ ዝግብኦ ነገር እንተሎ ድማ ብወገን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ ‘ውን ብወገን ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክውሰድ ዝግብኦ ተበግሶን ድፍኢትን ጥራይ ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ሱዳን ብዝምልከት እቲ ኣኽባር ሕጊ ገሊጽዎ ከም ዘሎ እዚ ብኣልበሽር ጀሚሩ ዘሎ ቃርማ ናብ መራሕቲ ደባይ ኵናት ዳርፉርን “ካልኦትን” ‘ውን ክቕጽል ከም ዝኾነ ብሩህ ኢዩ። ብመንጸር እዚ ሓቂ’ዚ ክርእ እንከሎ እቲ መስርሕ ኢሉ-ኡሉ ኣበይ ከም ዝውድእ ርዱእ ኢዩ። ናይ ቀረባ እዋን ምዕባለታት ከም ዘረጋግጾ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ዘለዎ ዓቕልን ተጻዋርነት እንዳተጸንቀቐ ከም ዝኸደ ብጋህዲ ተራእዩ’ዩ። ዓንዳርነት ህግደፍ ‘ውን ብኡ መጠን ጠገለ እንዳሰኣነ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣልበሽር ክውሰድ ተደልዩ ዘሎ ስጉምቲ ንመራሕቲ ህግደፍ ከሰንብዶም ግድነታዊ ኢዩ። ብርግጽ ድማ ከምቲ ኣማኑኤል ኢያሱ ገሊጽዎ ዘሎ መራሕቲ ህግደፍ ጭሕሚ ጎረቤቶም ኣብ ዝላጸየሉ ጭሕሞም ማይ ክለኽዩ እንተተመዓዱ ዘስደምም ነገር የብሉን። ድሕሪ ደጊም ንዝስዕብ ምዕባለታት ብጽሞና ምክትታል ጥራይ ኢዩ። ምስ ጉዳይ ኣልበሽር ብቐጥታ ዝተኣሳሰር’ኳ እንተዘይኮነ፡ መራሕቲ ህግደፍን ካልኦት ዕሉላት መለኽትን ትምህርቲ ክቐስምሉ ዝግብኦም ካልእ ናይ ቀረባ እዋን ተሞክሮ ከም ዘሎ ‘ውን ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ጉዳይ ጅን-ፕየረ ቤምባ ጎምቦ ኮይኑ፡ ምስ ኣልበሽር ዘለዎ ተመሳሳልነት፡ እዚ ውልቀ-ሰብ እዚ ‘ውን ክሳብ’ቲ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝተረከበሉ ግዜ ኣብ ሃገሩ (DRC) ከም ኣባል ፓርላማ ወይ ድማ በዓል ስልጣን መንግስቲ ይፍለጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ - ዋላ’ኳ ኣብቲ ዝተቐየደሉ ግዜ ኣብ ሃገሩ እንተዘይነበረ። “ምቕናይ፣ ምቕናይ ብዙሕ ንምርኣይ” ዝበሎ ደራፋይ ንኸምዝን ወዲ ኸምዝን ከይኮነ ኣይተርፍን። |