ስርዓት ህግደፍ ስሚ መንእሰይ ኤርትራ Print E-mail
By ኣድሓኖም ፍትዊ - Jul 23, 2008   

ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሓደ ሕብረተሰብ ክነግስ እንከሎ ነቲ መላእ ሕብረተሰብ ከም ዝትንክፎ ዘይከሓድ ኢዩ። ይኹን’ምበር ሓደ ኣካል ሕብረተሰብ ካብቲ ካሊእ ብዝያዳ ከም ዝጥቃዕ ድማ ካብ ታሪኽ ሃገርና ክነመሃር ኪኢልና።

ቅድም ቅድም መንእሰይ ኤርትራ ብፍተቱ ይኹን ብግዲ ንሳላሳ ዓመታት ዝኣክል ተቓሊሱ ናጽነት ከምዘምጽአ ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ድማ ዝተሰወኤ ተሰዊኡ፡ ዝሰንከለ ሰንኪሉ ዝተረፈ ሂወት ናብርኡ ከይገብር፤ ስርዓት ህግደፍ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኵናት ብምጽሕታር፤ ሓዱሽ ወለዶ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ትምህርትን ናብራን፤ መዓንጣ ዘይቈጸሩ ለግለግ ቈላዑ፤ ካብ ሕቚፊ ወለዶም መመንጢሉ ኣብ ፈቖዶ በረኻታት ደርቢዎም ይርከብ። እወ! ልክዕ ኢዩ። ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ወይ ክኹዕት ወይ ክስዕስዕ ኢዩ ዝረኤ። ናይዚ ምስክር ቲቪ-ኤረ ንመልከት።

እዚ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኢልና እንጽውዖ፤ ኣብ ግዜ ደርግ ተወሊዱ ኣብ ግዜ ስርዓት ህግደፍ ዝዓቢ ዘሎ ወለዶ ኢዩ። ብዘይካ እዚ ክልተ ዲክታተራዊ ስርዓታት ካሊእ ስርዓት ዘይረኣየ ወለዶ ኢዩ። ካብ ታሪኽ ናይ ዓለም ከይመሃር ትምህርቲ ዝተነፍጎ ኢዩ። ኰይኑ ግን ካብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ጽንኩር ውድዓዊ ኩነታት ብምብጋስ ሃገርካ ገዲፍካ ካብ ንስደት ምምራሕ ካሊእ ምርጫ የብሉን።

ክቡራት ኣንበብቲ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ፤ ዝሓለፈ ሰሙን ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኣቶ ኢሳያስ ብዛዕባ መንእሰያት ኤርትራ፤ ብዙሕ ዝኾነን ዘይኮነን ኣልዒሉ ይዛረብ ስለ ዝቐነየ ኣስደሚሙኒ ኢዩ። ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣርእስቲ ዝሳሓተ ቃለ-መሕትት ንወሰን ገዲፍና፤ እዚ ናይ ሎሚ ምንእሰይ ወልዶ ብቛንቋ ስርዓት ህግደፍ “ዋርሳይ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ መንእሰይ ወልዶ እንታይ ኣውሪስዎ?

ሀ) ትምህርቲ

ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝጠቐስከዎ ቲምህርቲ ከይቐስም፤ እታ ዝነበረት ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ዓጽዩ፤ መንእሰይ ብሙሉኡ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር (ሳዋ) ከይዱ ከገልግል ኣገደዶ። እተን ዝተረፋ ሓደ ክልተ ኮለጃት ድማ ሓለፍተን ኮረነላት ኮኑ። ኣብዚ ወተሃደራዊ ሃዋህው’ዚ ሓደ ተመሃራይ ከመይጌሩ ትምህረቲ ክቐስም ይኽእል? መንእሰይ ዕድሜ ንትምህርቲ እናኣኸለ ኣብዝኸደሉ ገዜ ኣብ ክንዲ ናብ ትምህርቱ ዝህንጠ፤ ናብ ሳዋ ከይውሰድ ኢዩ ዝስቀቕ። ነዚ ኩነታት’ዚ መዐቀኒ ሓንቲ ዋዛ ምስ ቁምነገር ክነግረኩም። ኣብ ኣስመራ፤ ሓንቲ ናይ ምውላድ መዓልታ ዝሓለፈ ኤርትራዊት ነብሰጹር፤ ናብ ሓኪም ቀሪባ ከምዚ በለቶ፤ “ክቡር ሓኪም፤ ኣነ ናይ ምውላድ ግዜይ ሓሊፉ ዓስራይ ወርሔ ኮይኑ” ።

ሓኪም ድማ ሰንቢዱ “ኣይፋልኪ ናይ ጥንሲ መዓልትኺ ተጋጊኺ ኣሎኺ” በላ።

ንሳ ድማ መሊሳ “ ኣይፋለይ ልክዕ ዓስራይ ወርሐ ሓሊፉ” በለቶ’ሞ።

ሓኪም ብስንባዴ “እሞ እዚ ሕጻን ይንቀሳቐስ’ዶ’ኸ” ኢሉ ሓታ።

ንሳ ድማ “ኣረ! ይዛረብ’እኳ’ድኣ” በለቶ።

“እንታይ ይብል” ምስ ብላ።

“’አለው’ዶ’ ይብለኒ? መን’ዮም? እንተ በልክዎ። ‘መንዶሎ ኢዩ ንሶም’መበር ህግደፍ’ ይብለኒ’ሞ፤ ዋእ! ንሶምስ እወ ኣለው። እንተ በልክዎ፤ ተመሊሱ ይድቅስ” በለቶ። ይበሃል።

እዚ ዋዛ ምስ ቁምነገር’ዚ ዘረድኣና ሳዋ ብመንእሰይ ኤርትራ ስጋዕ ክንደይ ከም እተጸልኤን መቓብር ትምህርቲ ምዃኑን ኢዩ።

ለ) ታሪኽ

ስርዓት ህግደፍ ንመንእሰያትና እቲ ቅኑዕ ታሪኽ ኣይምህሮምን። ብናይ ወረ ማዕከናት (መዲያ) ይኹን ስነጽሑፋት ዝዝርጋሕ ታሪኽ ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ቄናን ታሪኽ ኢዩ። እቲ ናይ ቀደም ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ገዲፍና፤ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ምስ እንወስድ፤

መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ውልቃዊ ዝናኦሞ ኣብ ህዝቢ ንኸሕድሩ፤እቲ ቀንዲ ታረኽ ገድሊ ኤርትራ  ካብ ሰብዓታት ኢዮም ዝጅምርዎ። ህዝባዊ ግንባር በይኑ ናጽነት ከም ዘምጸአ፤ ካልኦት ውድባት ከም ዘይተቃለሱን ከም ዘየለውን ገሮም ኢዮም ነቲ መንእሰይ ዝሓጽብዎ።

ሐ) ባህሊ

ዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ዓለም መለለይ ፍሉይ ባህሊ ኣለዎ። ባህሊ ናይ ሓደ ህዝቢ ብዊንታ ወይ ድሌት ናይ ሓደ መንግስቲ ዝስራሕ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ካብ ጥንቲ  ንውሉድ ወለዶ ሒዝዎ ዝጓዓዝ ፍሉይ ሃብቲ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ካብ ኣቦታትና ዝወረስናዮ እንሕበነሉን እንኾርዓሉን ባህሊ ኣሎና። ሓደ ካብቲ እንኾርዓሉ ፍሉይ ባህልና ብዕድመ ካባኻ ንዝዓቢ ምኽባር፡ ንቐሽን ሸኽን ዘይምዝንጣል፡ ትምክሕትን ትዕቢትን ናይ ውድቀት ምልክት ሰለ ዝኾነ ትሑት ምዃን ወ.ዘ.ተ. ኢዮም። ስርዓት ህግደፍ ምስ ነገሰ ግን ትምክሕቲ፡ ትዕቢት፡ ብደዐ ነጊሱ። መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ትሕትና ድርቅና ወሪሶም። ንቐሺ “ ኣታ ቀሺ”፡ ንሸኽ “ኣታ ሽኽ” ክብሉ ጀሚሮም።ንኣብነት ካሊእ ገዲፍና፤ ሓደ መራሒ ናይ ሓደ ሃገር ክቡር ኢዩ። ወዮ’ድኣ ኣቶ ኢሳያስ ብህዝቢ ስለ ዘይተመርጸ “መራሒ ናይ ሓደ ሃገር” ክትብሎ ኣሸጋሪ ኮይኑ’ምበር፤ ኣታ ክትብሎ ኣይግባእን ነይሩ። ህግደፋውያን ኩሎም ግን ኣታ ይብሉዎ። ተመሳሳሊ ባህሊ ዘሎና፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንቀዳማይ ሚኒሰትር መለስ ዘናዊ ኣቱም ክብልዎ ንሰምዕ። እዚ ዘረድኣና ስርዓት ህግደፍ ባህልና ከም ዝቐየሮን ንመንእሰያትና ሕማቕ ባህሊ የውርሶም ከምዘሎን ኢዩ።

መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ብትምርቲ ተኾስኵሶም ኣፍረይትን መቐጸልታን ሕብረተሰብና ዝኾኑ፤ ኣብ ምልኪ ወተሃደርነት ኣትዮም ኣብክንዲ ንመሰሎምን መሰል ህዘቦምን ዝሓስቡ ተኣዘዝቲ ኮይኖም ኢዮም ዝዓብዩ ዘለው። ብዘይ ገለ ዓስቢ (ደመዎዝ) ኣባይቲ ናይ (ኮረነላት) ሓለፍቶም ክሰርሑ፤ ሓለፍቶም ልዕሊ ሕጊ ብምዃን  ኣሓቶም ደቀነስቲዮ ክዕምጹ ምርኣዮም ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝግበር ባህርያዊ ኮይኑ ኢዩ ዝመስሎም። ኣብዚ ኣገዳሲት ነጥቢ ክንርዳኣ ዘሎና፤ ስርዓት ህግደፍ ነታ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ዓጽዩ ተምሃሮ ንዊዓን ሳዋን ምስዳዱ ስልጣኑ ንምጥጣሕ ኣታሓሳስባ መንእሰያት ንምልዋጥ ባህላዊ ሰውራ ምክያዱ ኢዩ። ንቤተ-ሰቡን ህዝቡን ከይሓስብ ለይትን መዓልትን ጓይላ፤ እዚ ሰተራተጂ’ዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ንወሉድ ወለዶ ሳዕቤን ዘለዎ ብኣግኡ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ዘገርም ኢዩ። ኣይንዕዘብን ዲና? ኣብዚ እዋን’ዚ ማለት ግዜ ዕረፍቲ(ሓጋይ ኣብዕራባዊ ዓለም)፤ ላዕለዎት ሓለፈቲ ስርዓት ህግደፍ፤ ኣብ ፍቖዶ ዓድታት ተዋፊሮም፤ ጓይላ የካይዱ ኣለው። ንሶም’ውን ምሰቲ ህዝቢ ኣትዮም ኢዮም ዘጉርዑ። መብዛሕትና “ገንዘብ ምእካብ ኢዩ” ንብል። ኣነ ግን ካብ ገንዘብ ምእካብ ንላዕሊ ኢዩ ኢየ ዝብሎ። ባህሊ ህግደፍ ንምቕጻል፤ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ኣብ ለውጢ ንኸየድህብ ዝዓለመ ኢዩ።

ስርዓት ህግደፍ ብፍላይ ድማ ኣቶ ኢሳያስ ንነብሱ ልዕሊ ሕጊ ብምስራዕ፤ ስርዓተ-ሕጊ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ክጽወር ዘይካኣል ኢዩ። ካሊእ ገዲፍና ቅትለት ዓዲ-ኣበይቶን፡ ዓቕሉ ጸቡብዎ ክሃድም ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርሸን ዘሎ መንእሰይን ናይ ገበን ገበን ኢዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ናይ ሱዳን መራሒ ዑመር ኣል በሽር ናብ ዓለም ለኻዊ ገበን ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከም ዘለዎ ኣንቢበ። ከምኡ’ውን ቻርለስ ተይለር ናይ ሰራልዮን ኣብ ዘሄግ ዝርከብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ብ 2006 ዓ-ም. ከም ዝቐረበ እዝክር። ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ ሕለና ዝቐርብ ሕቶ ግን፡ ኣቶ ኢሳያስ’ከ ክንደኡ ዝኣክል ገበን’ዶ ኣይፈጸመን ኢዩ? ዓለም ለኻዊ ሕበረተሰብ፤ ኣብ ዝምባወ፡ ሱዳን፡ ብርማ ብምኽንያት ግህሰት ህዝባዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ እተን መንግስታት ጽቕጠት ክግበር እንከሎ፤ ኣብ ኤርትራ ዘይግበረሉ ምኽያት እንታይ ኣሎ?

ሓድ ሓደ ግዜ ዘረባ ኣቶ ኢሳያስ የስሕቐኒ ኢዩ። ኣቶ ኢሳያስ ዓሻ ግዲ ኢዩ ኢለውን ንነብሰይ ይሓትት? ኣብ ዝሓለፈ ቃለ-መሕትት፡ “ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሃገራት ስልጣን ከም ሕዛእቲ ጌሮመዎ” ይብል። ስልጣን ገቢቶመዎ ማለቱ ኢዩ። ዋእ! ኣቶ ኢሳያሰ ካብ ጉባአ ዓዶብሓ (1969) ኣትሒዙ ስጋብ ለይቲ ሎሚ ን40 ዓመታት ዝኣክል ስልጣን ዝገበተ ሰብ ኢዩ። ካሊእ ይትረፍ ድሕሪ ናጽነት ካማን ብዘይገለ ምርጫ፡ ብዘይገለ ቅዋም ን 17 ዝገዝአ መራሒ ኢዩ። ነየናይ ሰማዒ ከእምን ኢዩ ከምዚሉ ዝዛረብ?

ምስዚ ኣተሓሒዘ ሓደ ዋዛ ምስ ቁመነገር ክነግረኩም። ሓደ ግዜ ኣቶ ኢሳያስ ንሊብያ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ፤ ኮለነል ጋዳፊ ምስ ሚኒሰተራቱ ከፋልጦ እንከሎ፤ “እዚ ሚኒሰተር ናይ ሕርሻ ክስቶ ከኣ ይበሃል” ኢሉ ምስ ኣፋለጦ፤ ኣቶ ኢሳያስ ክርትም ኢሉ ሳሓቐ’ሞ፤

ጋዳፊ “እንታይ ኮንካ ትስሕ” ኢሉ ምስ ሓተቶ፤

“ዋእ! እንታይ ናይ ሕርሻ መሬት ኣለካ’ድ ኣ ናይ ሕርሻ ሚኒሰትር ትገብር” ምስ በሎ፤

“ንስኻ’ኸ እንታይ ፍትሒ ኣለካ’ድዩ ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ሰሪዕካ?” በሎ ይበሃል።

እሞ ከድና ከድና ከነልዕሎ ዘሎና ሕቶ ነዚ ሽግር’ዚ ምፍትሒኡ እንታይ ኢዩ? ኢዩ። ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሽግር ምልላይ ቀሊል ኢዩ። መፍቲሒኡ ግን ከቢድ ኢዩ።

ፍቲና ጸሊእና እቲ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል እቲ ካብ 35 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሜኡ መንእሰይ ኢዩ። እቶም ካብ 35 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሜና ነዚ ሓድሽ ወለዶ ካብቲ ሕማቕ ባህሊ ዋርሳይ ናይ ይካኣሎ ከነድሕኖ(ከነላቕቖ) ኣሎና። ካብ ስርዓት ህግደፍ ሃሃዲሙ ዝመጽእ መንእሰይ ኣብ ዘለዎ እናኸድና ክንጥርንፎን ክንወድቦን ከነንቅሖን ክንክእል ኣሎና። ቅድም ቀድም ሽግሩ ክንፈልጠሉ ኣሎና። ስርዓት ህግደፍ ብኣካልን ስነ ኣእምሮን ጎዲእዎ ኢዩ። ከምዘይቃለስ፡ ንህዝቡ ከምዘይሓስብ ገይርዎ ኢዩ። መንእሰያትና ብብዝሒ ዝርከብሉ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኢዩ። እቶም “ኣብ ኢትዮጵያ ኰንኩም ኣይትቃለሱ” ዝብሉና፤ነቲ ዳርጋ ናብ ፍረቂ ሚልዮን ዝጋማገም ህዝብና ቀሪበና ከይንውደቦን ከይነንቀሖን፤ ብዓብዩ ድማ ስርዓት ህግደፍ ዝጻሕተሮ ጽልኢ ተኸቲልና ንኽነጓዓዝ ኢዮም ዝመኽሩና። ርግጸኛ ኢየ ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ እንተዝተዓረቕ ኣቐዲሞ ንሶም ንኣዲስ ኣበባ ምኣተው። ሰለዚ ነዚ ፖለቲካዊ ዘይኮነ ሕቶታት ንወሰን ገዲፍና ተቓወምቲ ውድባት ምስ በርገሳዊ ማሕበራትና ብመትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘው መንእሰያትና ኣብ ዘጋጥሞም ሽግራት ክንተሓባበሮም ኣሎና። ቀስብቐስ ናብ ኩነታት ህዝቦም ከም ዘዘምበሉ ክነገብር አሎና።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ውድቀት ንዲክታተርነት

ርእይቶ፡ This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

 
< Prev   Next >

Contribute 

Donate through Mail


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.