ቃለ-መሕትት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ምስ ዓዋተ Print E-mail
By ብጋንታ ዓዋተ (26 ጉንበት 2008) - Jul 18, 2008   

እዚ ቃለ-መሕትት ብኣባላት ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ) ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብኣዳለውቲ መጽሔት መሰለይ ካብ እንግሊዝኛ ዝተተርጎመ’ዩ።

መእተዊ ቀለ-መሕትት


ዓዋተ.ዶት ኮም ብተደጋጋሚ ዘተኮረሉ ኣገዳስነት ዘተ- ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያውያን ነዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ኩነተ- ኩናት፡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማን ኣወጊዶም ከም ምሓዙት ጎረባብቲ ክነብሩ ኮይኖም፡ ጻዕርታት ናይ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፡ መራሕቲ ማሕበረ-ኮማትን  ህዝቢ ንህዝቢ ዘተ ከካይዱ ይግባእ ይብል። እቲ ንክልቲኡ ህዝብታት ፈልላዩ ዘሎ ብገለ ስርዓታት ንነብሶም ከርብሑ ክብሉ ዝተነድቀ መንደቅ ክፈርስ ይግባእ። እዞም መን-ምስ-መን-ይኸይድን፡ መን-ናበይ-ይኸይድን ዝውስኑ ነውርታት ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሱሮም እንተዘይተማሕዮም፡ ከም ህዝቢ ግዳያት ናይቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ዘይምርድዳእን ምድንጋራትን ሃዋህው ዝረብሔን፤ ንነብሶም ከም ሸምገልቲ ስለዝሸሙስ፡ ምስ ጎረባብትና ንምዝርራብ ክንተኮነውን ብመንገዶም ክኸውን ዝደልዩን። በዚ ርድኢት እዚ፡ ዓዋተ ዶት ኮም ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ከምዚ ዓይነት ተበግሶታት ክወስድን ምብጻሓት ብምግባር ነዚ ናይ ስነ-ኣእምሮ ማሕለኻታት ክበታትኽ ጸኒሑ እዩ። እዚ ቃለ-መሕትት ድማ መቀጸልታ ናይቶም ክግበሩ ዝጸንሑ ጻዕርታት እዩ፡፡

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማኢ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ብሳልሕ ጆሃረ ኣባል ዓወተ ዶት.ኮም ቃለ-መሕትት ተካይድሉ። እዚ ቃለ-መሕትት ብቋንቋ አንግሊዝ ኣብ ቤት/ጽሕፈት ቀዳማይ ሚስተር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ12 ጉንበት 2008 ተኻይዱ፡ ብጽሑፍ መልክዕ ብ23 ጉንበት 2008 ተዘርጊሑ። ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መሕትት ኣርባዕተ ኣርእስታት ዘካተተ እዩ፡ 1) ኢትዮጵያ 2) ርክብ ኢትዮ-ዓረብ 3) ሱዳን-ኤርትራ-ኢትዮጵያ 4) ኤርትራ



ኢትዮጵያ


ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ተሞክሮ ናይ ዓሌታዊ ፈደራላዊ ስርዓት አብ 2005 ድሕሪ ምርጫ ቅልውላው ኣጋጢሙኩም ኔሩ፡ ሕጂ ብረታዊ ተቃውሞ ውን ኣለኩም ። ናብ ስልጣን ብብረታዊ ቃልሲ ኢካ መጺካ፡ ነዚ መንግስትኩም ዘጋጥሞ ዘሎ ብረታዊ ቃልሲ ብኸመይ ትገልጾ? 

ከም ናተይ ስምዒት፡ ፈደረላዊ ስርዓት ኣብ ግዜ ንጉስን መንግስቱን ዝነበረ ሃጸያዊ ስርዓት ክትክኦ  ምግባርና፡ ብናተይ ርድኢት፡ እቲ ዝሓሸን መፍትሕን ኣዝዩ ደፋር ተሞክሮን እዩ ይብል። ንሃጸያዊ ስርዓት ነቂልካ፡ ክሰርሕ ዝክእል ፈደራላዊ ስርዓት ኣብ ክንድኡ ምትካል ርእሱ ዝኸኣለ መስርሕ እዩ። ከም ክሉ መስርሕ ድማ ኣብ ጉዕዞ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ናይ ግድን እዩ።

2005 ነቲ መስርሕ ፈደራላዊ ስርዓት ዝትከለሉ እዩ ኔሩ…ብድልዱል ፈዴራላዊ ትካላትን ነቲ ትካላት ክድግፍ ዝኽእል ጽቡቅ መርገጺ ክድገፍን ኔርዎ። ክሰርሕ ዝኽእል ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ቁጠባ ክድገፍ ኔርዎ። ቀስ ኢሉ ዝዓቢ ናይ ምጽውዋርን ምርድዳእን ባህሊ ክድገፍ ኔርዎ። እዚ ኣብ ምምዕባል ዝርከብ ስራሕ ስለዝኮነ ብዘይግባእ ክጭነቕ ኣይደልን። እቲ ኣገዳሲ ነገር ንዓይ ንቅድሚት ንግስግስ ብምህላውና እዩ። ለውጢ ነምጽእ ኣሎና ኢለ ኢየ ዝኣምን።

ሓቂ እዩ ብረት ዝዓጠቁ ተቓወምቲ ውድባት ኣለዉና። ኣዝዩ ዘሕዝን ኣጋጣሚ እዩ: ክሳብ ሒጂ ተቓውሞ ከስምዑ ዝኸእልሉ መሰረት ምህላዉ። ብእምነተይ ኣብዚ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውሞኻ ናይ ምስማዕ ባይታ ፈጢርና ኢና ይብል። መበዝሕቶኦም ካብቶም ኣብ 2005 ዝተራእዩ ተቓወምቲ ምትእኽኻብ ተረፍ መረፍ መንግስቱ ኮይኖም፡ ዕላምኦም ነቲ ኣብ ውሽጢ 17 ዓመታት ዝተካየደ መስርሕ ምልዋጥ መንግስታዊ ትካላት ንምፍራስ እዩ። ክሳብ ሓሳባቶም ብሰላማዊን ሕጋውን መንገዲ ክገልጹ ዝኻኣሉ፡ ሕጋዊ ተቐባልነት ኣለዎ። ስለዚ፡ እኩል ዝኮነ ህዝቢ ናይ ምርድዳእ ዕድል ዝህብ ከፋታ ባይታ ኣሎና ኢለ ይኣምን፡ እንተኾነ ግን ናይ ዞባና ሃዋህው፡ ዘይምምዕባል፡ ድሕረትን፡ ድኽነትን ኣብቲ ሃገር ስለዘሎ ገለ ክፍተት ንብረታዊ ተቓውሞ ክፈጠር ኣኽኢሉ እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር እቲ ተቓውሞ ናይ ህዝቢ ደገፍ ስለዘይብሉ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ሲቪካዊ ቅልውላው ኣብቲ ካብ ምዃን ክሓልፍ ኣይካኣለን።

ገለ ኣዝዩ ደስ ዘየብል ጸብጻባት ብዛዕባ ዞባ ኢጋዴን ይወጽእ ኣሎ።  እቲ ዞባ፡ ከምዝብሃል፡ ከምቲ ኣብ ቅዋምኩም ሰፊሩ ዝርከብ ክሳብ ናይ ምግንጻል መሰል ኣለዎ። ዓለታዊ ፈደራሊዝም ኣብ ቲ ዞባ ስለዝፈሸለድዩ ወይሲ፡ እቲ ምክንያት  ብደገ ዝግበር ጎስጋሳት ዘበጋገሶ ጸብጻብ እዩ….እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

ጹቡቅ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ መስርሕ ዕንቅፋታት ኣሎ።ህዝቢ ናይቲ ዞባ ገለ ካብቶም ቐንዲ ብዓውታ ንናይ ኢትዮጵያ ሃገራውነትን፡ ናይ ምግንጻል መሰል ወሲኽካ ዝከላከሉ እዮም። ናይ ኢትዮጵያ ቅዋም ኣብ ዝጸድቐሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣዝዩ ርሱን ክትዓት እዩ ተካይዱ ኣብቲ ዞባ.. ህዝቢ ዞባ ሶማልያ ኣዝዮም ካብቶም ነዚ መሰል ብንጥፈት ዝተሳተፉሉ እዮም። ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ቅድም ናይ ዓባይ ሶማልያ ዝብል ኣጀንዳ ኣብዚ እዋን ዘራኽብ ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን።

እንተኾነ ግን እዚ ዞባ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘይማዕበሉ ቦታታት ሓደ እዩ። እዚ ዞባ ካብቲ ከነረጋግጾ ዝኸኣልና ቁጠባዊ ምዕባለ ብጉብእ ክቋደስ ዕድል ዘይረኸበ እዩ። እዚ ድማ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ነዚ ዞባ ካብቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ምዕባለ ተጠቃሚ ንክኸውን ስለዘይደልዮ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ውጽኢት ናይ ፈደራሊዝም፡ ዝበዝሐ ስርሓት በቲ ናይቲ መንግስቲ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ እዩ ዝዕመም። እቲ ኣብ ሶማል እንርእየ ዘሎና ዘይሰርሕ ጎድኒ ኣብ ዞባ ሶማል ዝንጸባረቕ ዘሎ እዩ። እዚ እንዳአዊ ኪዳን፡ ብእንዳን ካልእን ሃብቲ ምብኻን። ንምዕባላ እቲ ዞባ ብመንጽር ግቡእ ምሕደራን ቁጠባዊ ምዕባለን ሓኒቁ ዝሓዘ ጉዳይ እዩ። ስለዚ፡ ብፍላይ ኣብቲ ዞባ ንቅሬታታት ዝኸውን ሃጓፍ ክፈጥር ክኢሉ እዩ። እዚ ድማ ክፋል ናይቲ ሽግር እዩ።

እቲ ካልኣይ ሽግር ድማ ምስ ሶማል ምድዋቡን ምስ ሶማል ዘለዎ ባህላዊ ምትእስሳርን እዩ። ስለዚ በቲ ኣብ ሶማል ዘሎ ምዕባለ ክጽሎ ሙዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንናይ ኢትዮጵያ ዞባ ሶማል  ካብቲ ኣብ ሶማል ዘጋጥም ዘሎ ኹነታት ኳራንቲን ክንገብሮ ኣይተኻእለናን።

ብተወሳኺ፡ ገለ ክፋል ገሮባብትና ነዚ ጉዳይ ናብ ረብሓአን ዝጠወያኦ ኣለዋ፡ ብፍላይ ፕረሲደንት ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምብትታን ክፍትን ከሎ። እዚ እምብኣር ውጽኢት ናይ ዞናውን ውሽጣውን ረቛሒታት እዩ። ኣብ ገለ ደረጃ፡ ጠንቂ ኣገዳሲ ጸጥታዊ ስግኣት ኮይኑ እዩ። ብዝተኻእለና ነዚ ናይ ጸጥታ ስግኣት ንምውጋዱ ሃቂንና እና። ናብ ካልእ ቦታት ከምዘይልሕም ንምግባሩ፡ ጌርና ኢለ ይሓስብ፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ታዓዊትናሉ ኢና። 

ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ፡ ዘስካሕኽ ጸብጻባት፡ ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገጠራት ምቅጻሉን ካልእን ዝብል ከምዘሎ ይርድኣኒ’ዩ። ኣነ ከብርሆ ዝደሊ ኣብ ግርጭት ዘለዎ ከባቢ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣይነበረን፡ ሳዕቤናዊ ዕንወት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነገር የብሉን ኣይነበረን ኢለ ክዛረብ ኣይክእልን። ብልሓታዊ ዝኾነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይነበረ ግን ብትሪ ክገልጸልካ ይፈቱ።

ንሕና፡ ምንቅስቃስና፡ ከመይ ከምዝስምዓካ ንፈልጥ ኢና። ምንቅስቃስና ከመይ ጌረን ደባይ መንቅስቃሳት ይዕወታ ይፈልጥ እዩ። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ከባቢ ጸረ-ደባይ መጥቃዕቲ ኣብ እተካይደሉ እዋን ዓወት ነቲ ኣንጻርካ ወገን ኣሕሊፍካ እትህበሉ ርግጸኛ መንገዲ እዩ። ንፈልጥ ኢና። ዕሽነት ጥራይ እዩ ንነብስና ኣብ ንስዕረት ዘረጋግጹ ንጥፈታት ምውፋር። ስለዚስ፡ ብልሓታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣይገበርናን። እንተኮነ ግን ኣብ ግጭት ዝካየደሉ ከባቢ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ታኣማሚነ ዝኮነ ሲቪላዊ ሰብ ኣይተቐትለን ክብል ኣይክእልን። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተኣማሚነ ግን ዝዓነወት ገጠር ከምዘየላ ክገልጽ ይኽእል፡ ምናልባት  ግን ሓንቲ ኣግዶ ኣብዚ ሓንቲ ኣጉዶ ኣብቲ ኣይዓነዋን፡ ከምኡ ዝብሃል ነገር ኣይነበረን ኢለ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ኣይክእልን። ስለዚ፡ ኣነ ክብሎ ዝኸእል ብልሓታዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣይነበረን እንተኮነ ግን፡ ገለ ሳዕቤናዊ ዕንወት ክነብር ይክእል እዩ።

ርእይቶኻ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ጉዳይ ክሰምዕ ምደለኹ። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ድሞክራሲ፡ እዚ ኣብ ኣብ መወዳእታ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ኬንያ ብዙሕ ቅልውላው ፈጢሩስ ብዙሕ ሂወትን ንብረትን ጠፊኡ። ከምዚ ዓይነት ነገር ኣብ ኢትዮጵያ ከይክሰት ትፈርሕ ዲካ፡ ወይ ስለምንታይ  እዩ ኢልካ  ካብ ዘይነበረ ነገር ሓደ ነገር ክረ አ ዝካኣለ ኣብ ኬንያ፧ ኢልካ ትሓስብ?

ኣብ ኬንያ ካብ ባዶ ተላዒሉ ሓደ ነገር መጺኡ ኢለ ኣይሓስብን። ገለ ሰባት ንዲሞክራሲ ከም መስርሕ እዮም ዝትርጉምዎ። ብድሕሪ መስርሕ ሕርያ መራሕቲ ብህዝቢን ነጻ ውድድር ሰልፍታትን ካልእን፤ ገለ ኣገደስቲ ኣዕኑድ ክቅመጡ ይግባእ፡ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝኾኑ ትካላት፡ ከም ፍርዳዊ ኣካል፤ ግቡእ ሲቪካዊ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል፤ ናይ ምጽውዋር ባህሊን ብግቡእ ዝሰርሕ ቁጠባ የድሊ። ኣብ መብዛሕትአን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት እንተሪኢና፡ መንግስቲ እቲ ዝዓበየ ናይ ንግዲ ትካል እዩ።  ሓደ ሰብ ሃብቲ ከካዕብት እንተደልዩ፡ እቲ ዝሓጸረ መንገዲ ሚኒስተር ምዃን እዩ። ስለዚ ድማ’ዩ ፖለቲካ ናይ ባዶሽ ጸወታ ዝኸውን።

ዲሞክራስያውዊ ፖለቲካ ብናይ ባዶሽ ጸወታ ከመሓድር ዝተሓንጸጸ ኣይኮነን። ኣብ ገለ አጋጣሚታት፡ ንናይ ባዶሽ ጸወታ ከመሓድር ይድለ፡ እዚ ድማ ምጽራር ናይ ትርጉም እዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ንክንገብሮ እንትስፎን--ንገብሮ ዘሎናን-- ምድላብ ሃብቲ ካብ ምምሕዳር ፖለቲካዊ መስርሕ ንምፍላዩን ዝንቀሳቀስ ብሕታዊ ትካልን ንግዳዊ ምዕባለ ዕድል ንምክፋት ንጽዕር ኣሎና። እቶም ሃብቲ ከካዕብቱ ዝደልዩ፡ ብተዘዋዋሪ ፖለቲካዊ ስልጣን ንክድልቡ ንኸይከዱ ንምግባር እዩ። ክሳብ እዚ ዘይገበርና፡ ኣብ ዝኾነ ክፋል ናይ ኣህጉርና ርጉእ ዲሞክራሲ ክህልወና ኣይካእልን ዘይኮነ ንዓሰርተ ይኹን ዕስራ ዓመታት ርጉእ ዲሞክራሲ እንርእየሉ ዕድል ጸቢብ እዩ። ብዙሓት ኣብ ምዕራብ ዝርከባ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዘመናት እዩ ወሲዱለን፡ ንዓና ግን ዘመናት ክወስደልና ኣለዎ  ማለት ኣይኮነን። እቲ ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጺ ክንቅርብ ኣሎና። ትካላት ክንሃንጽ ኣሎና፡ ንቁጠባና ካብ ፖለቲካ ክፍለየሉ ዝክእል መንገዲ ክንሕንጽጾ ይግባእ፡ ፖለቲካ ካብ ናይ ባዶሽ ጸወታ ዝተፈለየ ጉዳይ መታን ክኸውን።  

ገለ ውሑዳት መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ከም ኣብነት ሙጋበን ኢሰያስን እንተወሲድና፡ እዚ ናይ ምዕራባውያን ዓይነት ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ኣይሰርሕን እዩ ይብሉ። ምስ ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ኩነታት ብምዝማድ ከመይ ትርእዮ፧ ገለ ሰባት እዞም መራሕቲ ልክዕ ኣለዉ፡ ዲሞክራሲ ድማ ኣብ ዞባና ኣህጉርና ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ ክብሉ ሰሚዐ ኣለኹ። ብዛዕባዚ ዘሎካ ርእይቶ እንታይ እዩ?

ርግጸኛ ኣይኮንኩን ሙጋበ ብስነሓሳብ ደረጃ ናይ “ምዕራባውያን ዲሞክራሲ” ኣብ ኣፍሪቃ ኣይሰርሕን እዩ ኢሉ ከም ዝማጎት። ነቲ ጉዳይ ብከመይ ኣብ ተግባር የውዕሎ ነቐፌታታት ይህሉ ይኸውን። ግን ርግጸኛ ኣይኮንኩን ሙጋበ ብስነሓሳብ ደረጃ ዲሞክራሲ ክሰርሕ ኣይክእልን ወይ ኣይሰርሕን እዩ ኢሉ ከም ዝምጉት። ኢሰያስ ከምዝብል ግን ይፈልጥ።

ሕጂ እቲ ሕቶ ብዛዕባ ናይ ደገ ስነሓሳብ ምምጻእ ኣይኮነን ከምቲ ቅድምሕጂ ዝነበሮ። ኢትዮጵያ ብዝምለከት፡ ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ ንምምሕዳር ዝምልከት እንታይ ዓይነት ካልእ ኣማራጺ መንገድታት ኣለውና ኢለ እየ ዝፍትሽ። ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝተፈላለያ ሕብረተሰብ ኣለዋ ካብ ዝብል ጭብጢ ይብገስ። ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ንሕቶ ብዙሕነት ብሓድነት፡ ናብ ሓደ ህዝቢ ንምቅያሩ ንምውህሃድን ክፈትሕዎ ይፍትኑ ምንባሮም  ብምዕዛብ ይብገስ። እዚ ድማ ምሉእ ብምሉእ ፍሹል ምንባሩ ብምስትብሃል። እቲ ዝበለጸ ንብዙሕነት ምቹእ ዝኾነ መንገዲ ዲሞክራሲ ሙዃኑ ብምርዳእ። ብፍላይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት፡ ዲሞክራሲ ናይ ምርጫ ሕቶ ዘይኮነስ፡ ሕቶ ህላውነት እዩ። ወይ ንብዙሕነት ብሰለማዊ መንገዲ ምቅባሉ እዩ ወይ ድማ ምፍራስ እዩ።

ስለዚ እቲ ሕቶ ብዛዕባ ዲሞክራሲ ንዓና የዋጽኣና ዶ ኣየዋጽኣናን ኣይኮነን። ንዓይ እዚ ቀደም ዝተሓልፈ ጉዳይ  ይመስለኒ፡ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። ካብ ክሰርሕ ዝኽእል ንብዙሕነት ምቅባል ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የብልናን። እቲ ሕቶ ክኸውን ዝግብኦ፡ ከመይ ጌርና ነዚ ንዕወተሉ እዩ። እዚ መስርሕ ምዃኑ ተቐቢለ፡ ብሓደ መዳይ፡ ከመይ ጌርና ናብ ዕጽው-ማዕጾ ክወስዱና ዝፈተኑ ኣቋራጭ-መንገዲታት ነወግድን፡ ዲሞክራሲ መስርሕ እዩ ዝብል ምስምስ ብምፍጣር ዲሞክራስያዊ ልምምድ ንዘይተወሰነ ግዜ ንከይምሓላለፍ ብኸመይ ንገብሮ። ክልቲኡ ጫፋት ክንኣልዮ ኣሎና።

ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ ንዲሞክራሲ ዕሽሽ ክንብሎ እንተኾይና ንነብስና ናብ ዝፈሽለት ሃገር ንቅይር ኣሎና ኢለ ይሓስብ። ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ’ውን፡ ኤርትራ ዋላኳ ከም ኢትዮጵያ ብዙሕነት ኣይሃልዋ እምበር፡ እኩል ብዙሕነት ኣለዋ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዘሎ ምትፍናን ’ውን ካብ ብዲክሞክራስያዊ መንገዲ ምፍትሑ ሓሊፉ ብካልእ መንገዲ ክፍታሕ ይክእል እዩ ኢለ ኣይሓስብን። ስለዚ፡ ኤርትራውያን ካብ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ምርዓም ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። ብኸመይ ይትግበር፡ ክንደይ ግዜ ይወስድን እዚ ኩሉ ንኤርትራውያን ክምልስው ዝግደፍ እዩ፡፡ እቲ መንገዲ ግን ክስገር ዘይክእልን ንጹርን እዩ።

ርከብ ኢትዮጵያን-ዓረብ ሃገራት

ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል  ጣልቃ ኣትያ ኣላ፡ ብዙሓት ንኢትዮጵያ ንምርካብ እያ ይብሉ። ገለ ናይ ዞባና ሃገራት ባርኾት ኣለዋ። እዚ ሓድሽ ጠለብ ንናይ ኤርትራ ስርዓት ሓድሽ ትንፋስ ሰዂዕሉ ኣሎ፡ እንተዋሓደ ዲፕሎማስአዊ። ምትትእታው ኣብ ኤርትራ ዞሎ ስርዓት ከም ኣንጻር ምትእትታው ኢትዮጵአ እዩ ዝርአ።  ብሓቂ፡ እቲ ስርዓት ከም ናይ እስላምን ናይ ኣዕራብ መሰላት ኣብቲ ዞባ ዝከላኸል ኣምሲሉ ክቀርብ ይፍትን እዩ፡ ገለ ናይ ዞባና ምሁራትን  ዲፕሎማሰኛታትን ነዚ መርገጺ ክድግፉ ይርኣዩ። እዚ ከመይ ይሰርሕ ከምዘሎ ትርእዮ፧ ስለምንታይ ካብ ሶማልያ ዘይትወጹ?

ብቀዳማይ ደረጃ፡ የዕራብ ከም ኣብ ሓደ ጥርናፈ ብምውሳድ ከም ጸረ-ኢትዮጵያ ኣጀንዳ ዘለወንን፡ ክቱር ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለወን ጌረ ክሓስበን ኣይክእልን። ከምኡ ምሕሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ምስ ብዙሓት ናይ ሃገራት ዓረብ  ጽቡቅ ዝምድና ኣሎና። ምስ ገሊኣን ፍሉይ ዝምድና ኣሎና፡ ንኣብነት ኣልጀርያ። ምስ የመን ፍሉይ ዝምድና ኣሎና። እዚ ድማ ምስ ዓረባውነት ዘራኽብ ምክንያት ይብሉን። ዋላ ሓደ ምስ እስላማውነት ዘራኽብ ጉዳይ የብሉን። 

እንተኮነ ግን ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ክዝንጋዕ የብሉን። ንሕና ምስ ኣዕራብ ናይ ነጸላ መንቅ ግርቡትና ዘሎና ኢና። ግድን፡ ገለ ካብ ሃገራት የዕራብ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ዝገራጮ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ከምዘለዋ ዝሓስባ ኣለዋ። ንፍሉይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓ ሃገሮም ከም ናይ የዕራብ ኣጀንዳ ኣምሲሎም ክሸጥዎ ይፍትኑ እዮም እንተኾነ ግን ክዕወቱ እዮም ኢለ ኣይሓስብን። 

ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዝገራጮ ናይ መጀመርታ ማዓልቲ ኣትሒዙ፡ ነዚ ነገር ስለዝተረድአ ንምምዝማዙ ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይዱ እዩ። ገለ ሃገራት ጆኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታተን ምስ ናህና ዝጸረር ዝሓስባኦ…ኣብ ሃገራት ዓረብ ጽልዋ ዘለወን፡ ኣንጻርና ዝኾነ ኣታሓሳስባ ክህልወን ይኽእል። እዚ ሕማቅ ዕድል’ዩ፡ ንናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ድማ ሃሳዪ እዩ፡ ኢሰያስ ድማ ነዚ ክምዝምዞ ፈቲኑ እዩ።

እቲ ቐዳማይ ነጥቢ ኣብዚ ከስምረሉ ዝደሊ፡ እምባኣር፡  የዕራብ ንሶማል፡ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓደ ዓይነት መርገጺ ከምዘይብለን እዩ።  ዝበዝሓ ሃገራት የዕራብ ክሳብ ሕጂ ጽቡቅ ዝምድና ኣለወን ምሳና፡ ንሕና ድማ ነዚ ክንዕቅቦ ኢና እንደሊ።

ኣብ ናይ ሶማልያ ጉዳይ ጣልቃ ዝኣተናሉ ቀዳማይ ምኽንያት ንናይ ሃገርና ጸጥታ እዩ። ኣብ ሶማል ዝርከቡ ናይ ጅሃድ ኣባላት ኣብ ልዕሌና ኩናት አዊጆም እዮም። ንናይ ሃገርና ናይ ቀረባ ጸጥታዊ ረብሓ ተፈታቲኖሞ እዮም። ብናህና ኣጸዋውዓ ንጹርን ህልውን ኩነታት ሓደጋ ኣብ ርእሰና ኣልዒሎም እዮም። ነዚ ዶው ንምባል ጣልቃ ኣቲና። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሶሙን ድማ ደው ኣቢልናዮ። ሽዑ ንሽዑ ብዘይገለ ሓደጋ ንጸጥታና ከየጋጠመና ከነዝልቅ ንክእል ኔርና። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ከምኡ ክንገብር ኣይካኣልናን። ከምኡ ክንገብር ኣይካአልናን፡ ነቶም ጃሃዳውያን ኣብ ምቅላስ ምሳና ዝተሓባበሩ ሶማላውያን ነብሶም ዳግመ-ምጥርናፍን፡ ዳግመ-ምውህሃድ ንክገብሩ ትንፋስ ንምሃቦምን ክንሕግዞም ከምሓላፍነት ስለዝወሰድናዮን፡ ኣብ ሶማል ንሰላም ዕድል  ንምሃብን እዩ። ነዚ ድማ ገለ ደም እንተፍሰስናስ፡ ቅዱስ እዩ ኢልና ስለዝሓሰብና እዩ። እዚ ድማ ብልጫ ኣብ መጻኢ ምስ ሶማል ንዝህልወና ዝምድና ይኸውን።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነዚ ኣጀንዳና ደጊፍዎ እዩ፡ ንኣፍሪቃዊ ሕብረት ክሳብ ካልእ ኣማራጺ ሓይሊ ዘምጽኡ ትንፋስ ክንህቦም ከም ሓላፍነትና ወሲድናዮ። እዚ ስለዝኾነ ድማዩ ኣብ ሶማል ጸኒሕና፡ ካልእ ኣጀንዳ የብልናን። ብተክኒካዊ ጉዳይ እንተሪእናዮ፡ ንናይ ሃገርና ጸጥታ ኣብ ሓደጋ ከየውደቕና ጽባሕ ክንወጽእ ንክእል ኢና። ንሕና ጸረ-እስላም ዝኾነ ኣጀንዳ የብልናን። ብዙሓት ሰባት ዘይርድእዎ፡ ንኣብነት፡ ናይ ሸሪዓ መጋባእያታት ኣብ ኢትዮጵያ ቅቡላት ምዃነን መንግስቲ ደገፍ ከምዘገብረለንን እዩ። ንሕና ዕልመናዊ መንግስቲ እዩ ዘሎና፡ ኣብ ቅዋምና ግን፡ ገለ ዓንቀጻት ንናይ ስድራቤት ጉዳያት ዝምልከት ከም ንኣብነት እንተወሲድናዮም፡ እንታይ ዓይነት ውሳኔ ተዋሂቡ ብዘየገድስ ፖሊስ ነቲ ናይ ሸሪዓ መጋብያ ብይን ከፈጽም ሓላፍነት ኣለዎ። ሕጂ፡ ኩሉ ኣስላማይ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምምራጽ መሰሉ ሕልው እዩ፡ ንጉዳይ ቤተሰብ ዝምልከት እንተደልዩ ናብ ሲቪላውያን መጋባእያ ወይ ድማ ናይ ሸሪዓ መጋባእያ ክኸይድ ይኽእል። ንቤተ-ሰባዊ ጉዳያት ብዝምልከት ናብ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ እንተኸይዱ፡ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ዝሃቦ ውሳኔ ከምዚ ይኹን ከምቲ መንግስቲ ከፈጽሞ ሓላፍነት ኣለዎ። ሕጂ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ዲያ ሕጂ ኣብ ጸረ-እስልምና ዝኾነ ጉዳይ ጣልቃ ከምዝኣተወት ትሕሰብ ዘላ። ኢትዮጵያ መሳርሒ ናይ ጸረ-እስላም ኣጀንዳታት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ፡ እስላም ኣካል ናይቲ ተኺላቶ ዘላ ስርዓት ስለዝኾነ።  ዳሓር ድማ ሳላሳ ሚእታዊት ናይ ህዝቢ አትዮጵያ ተኸታሊ ምስልምና እዩ። ጸረ-እስላም ዝኾነ ኣጀንዳ ክህሉ ኣይክእልን እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ቅልውላው ከይፈጠርና።

ነቶም ከምዚ ዓይነት ክሲ ዘቅሩብልካ ሰባት መብርሂ ኣብ ምሃብ ጽቡቅ ስራሕ ሰሪሐ’የ ኢልካ ዶ ትኣምን?

እወ፡ ንኢትዮጵያውያን ብዝምልከት ነዚ ጉደይ ኣብ ምብራህ ጽቡቅ ስራሕ ሰሪሕና ኢና ይብል፡ እቲ ምንታያሲ ኢትዮጵያውያን ተኸተልቲ ምስልምና ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ምንግስቲ ይኹን ፖሊሲታቱ ዝኾነ ዓይነት መረረ ኣይረኣኹን። ብኣንጻሩ፡ እስላም ካብቶም ናይ ቀደም ደገፍቲ ኢሂወደግ (ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ወያናይ ደሞክራስያዊ ግንባር) ኣብ ኢትዮጵያ ኢዮም።  ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምርዳእ ግን ጽቡቅ ስራሕ ኣይሰራሕናን። ኣብ ሶማል ዘሎ ኩነታት ድማ ነዚ ከም ሕማቕ ስራሕ ከምዝረአን ከምዝጋደድን ጌሩ፡ ከመይሲ ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ነቲ ጉዳይ ከም ናይ መስቀላዊ ዘመተ ከቅርብዎ ስለዝፈተኑ።

ናብ ናይ መስቀውነት ዘመተ እንተመጺእና፡ መቐናቕንትኻ ናይ ኣመሪካ ኣጀንዳ ኣብቲ ዞባ ብምትግባርካ ይኸሱኻ እዮም። ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጸረ-ኣመሪካ ሰምዒታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንነብስኻ ኣብ ተጻራሪ ቦታ ኣይቀርቀርካያን ዶ፧ ነቲ ዞባ ዝምልከት ዘሎካ ፖሊሲ ከም ናይ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ፖሊሲ ከይትርጎም ዶ ኣይትሰግእን ወይ ከምኡ ከይሕሰብከ?

ኣብዚ ገለ ነጥብታት ጸቒጥካ ክርአ ዝግበኦ ጉዳያት ኣሎ። ብመጀመርታ፡ ንዝመጸ ነገር ትም ኢልካ ናይ ምቅባል ኣመል ወይ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ናይ ኣመሪካ ኣጀንዳ የብልናን። ኣብ ዞባና ዝትግበር ዘሎ ፖሊሲታት ንግምግም ኢና። ምስ ናትና ረብሓን ፖሊሲን ዝቓዶ ተኾይኑ ምስ ኣመሪካ መደብ ተወሃሂድና ንሰርሕ ከምቲ ምስ ካልኦት እንሰርሖ። እንተድኣ ምስቲ ናህና መርገጺ ዘይቓዶ ኮይኑ ግን፡ ንሶም ብናቶም ይኸዱ ንሕና ብናትና መንገዲ ንኸይድ። ስለዚ ንስለ ጸረ-ኣመሪካ ንምዃን ክንብል ጸረ-ኣመሪካ ክንከውን ኣይንደልን።  

ካአልኣይ፡ ኣብ ናይ ሶማልያ ጉዳይ፡ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ኮማንደር ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ኣብ ናይሮቢ ከይዱ ንጋዜጣታት ቅድሚ ምእታውና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ይጠቅስ እየ ዘለኹ “ንሕና አብዚ ኢድና ኣይናኢትውን ኢና” ኢሉ። ማለት፡ መንግሲቲ ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ጣልቓ ኣይክኣትውን እዩ ኔሩ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንእስላማዊ መጋባእያታት ካብ መቃድሾ ነውጽኦም ኢና ኢሎም ኣይሓሰቡን፡፤ ኣዝዩ ኣሽጋሪ ኩነታት ክኸውን እዩ እሎም እዮም ሓሲቦም። ኣብ መፈለምታ ኣይደገፍዎን። ድሕሪቲ ናይ ፈለማ ዓወት ግን፡ ኣመሪካውያን ናይ ዲፕሎማሲ ደገፍ ክገብሩልና ጀሚሮም። እዚ ንኣመሪካውያን ዝምልከት እዩ እምበር ሓድነት ኣፍሪቃ ግን ምሉእ ደገፉ ጌሩልና እዩ።

ንሕና ክሳብ እንፈልጦ ጸረ-እስላም ኣጀንዳ ናይ መንግሲ ኣመሪካ የለን። ምናልባት ገለ ዞባታት ናይ ኣመሪካ ጸረ-እስላም ኣጀንዳ የእንግዳ ይኾና፡ ወግዓዊ ጸረ-እስላም ዝኮነ ፖሊሲ መንግስቲ ኣመሪካ ከምዘሎ ዝበጻሕናዮ የለን። ንሕና፡ ብርግጽ፡ ኣካል ናይ ከምዚ ዓይነት ፖሊሲታት ኣይኮናን። ክንከውን ኣይንክእልን፡ ኣይኮናን ድማ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ብግቡእ ከነብርሆ ከምዘይጸናሕና ይርድኣኒ እዩ። ንሕና… ንሕናስ መስቀላዊ ዘመተ ክንጽዋዕ! ንሕና መስቀለኛታት ኣይኮናን። ሃይማኖታዊ ኵናት፡ መስቀለኛ ይኹን ጂሃድ፡ ንማእከላይ ዘመን ዝምልከት እምበር ናይ ዘመና ኣይኮነን ዝብል ርድኢት ኣሎና።

ሱዳን-ኤርትራ-ኢትዮጵያ

እስከ ብዛዕባ ዝምድናኩም ምስ ሱዳን ክሓተካ። አብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድና፡ ክልቲአን ሃገራት ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝመድና ተገላብጦሽ መሲሉ ይርኣየካ። ከመይ ጌሩ ከምኡ ይኸውን? እቲ ርክብ ከመይ ከምዝመስል ዶ መብራህካለይ?

እወ ከምኡ እዩ ዝመስል። ናይ ብሓቂ ኮምኡ ድዩ ግን ይጠራጠር እየ። ፈለማ፡ ምስ ሱዳን ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ ዝምድና እዩ ኔሩና። ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘለኹ ውሑዳት ባእታታት ኣብ ትካላት ሱዳን፤ ከም ምንቅስቃስን መንግስትን ምስ ሱዳን ዝነበረና ሰናይ ድልየት ናብ ዘየድሊ ማዓላ አውዒለሞ። ብዘይ ግቡእ ተጠቂመሙሉ። ኣብ ልዕሊ ናይ ግብጺ ፕረሲደንት ሑስኒ ሙባረክ ናይ ቅትለት ፈተነ ኢድ የእትዮም። እዚ ድማ ንዝምድናና ንቅሩብ ግዜ ከምዝሽሕክር ጌርዎ። እቲ ዝምድና ክምሓየሽ ጀሚሩ፡ ከመይሲ ብዙሓት ካብቶም ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ዝነበሩ ባእታታት ካብ መንግስቲ ሱዳን ስለዝታአልዩ።

ኣልቱራቢ ምስ ኣኽተመ፡ እዚ ድማ ምስ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራ ስለ ዝተገጣጠመ፤ ስለዚ ኣብ መወዳእታ ተስዓታትን መጀመርታ 2000 ብሰንኪ ግጭት ኢትዮጵያን ኤርትራ ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ብሓድሽ ክዕንብብ ጀሚሩ ተባሂሉ ክትርጎም ይካአል። ካብቲ ግዜቲ ጀሚርና ግን ምስ ሱዳን ኣዝዩ ጽቡቐ ዝኾነ ዝምድና ኣሎና። ንኤርትራ ብዝምልከት ናይ ሱዳን መርገጺ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክቀያር እዩ ጸኒሑ። ፈለማ፡ ተጻራሪ ከም ናትና ዝመሳሰል እዩ ኔሩ። ኣብዚ ናይ መዳእታ መድረካት ግን፡ ናብ ምውህሃድ ገጹ እዩ ኮይኑ። እዚ ዓይነት ኪነታት እንዳኾነ ግን ኣዝዩ ጽቡቅ ዝምድና ኣሎና ምስ ሱዳን።

ናይ ሱዳንን ኤርትራን ርክብ ካብ ናይ ዲፕሎማሲ ክእለት እዩ ተማሓይሹ ኢለ ኣይኣምንን። ብታህዲድ ዝኾነ እዩ ኢለ ይኣምን። መንግስቲ ኤርትራ መንግስቲ ሱዳን ርክባቱ ምስ ኤርትራ ከምዘማሓይሽ ኣብ ምግባር ዕውት ውጥንን ታህዲድን ኣካይዱ እዩ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን መንግስቲ ኤርትራን ዝኾነ ዓይነት ፍቕሪ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። ብእምነተይ መንግስቲ ሱዳን ብናይ መንግስቲ ኤርትራ ታህዲድ ተመዝሚዙ ኣሎ። እዚ ድማ ይርድኣኒ እዩ። ብእምነተይ ሓገዝ መንግስቲ ሱዳን ንእስላማውያን ተቓወምቲ ረብሐኦም ንምዕቃብን ምዃኑ ንርድኦ ኢና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እዩ ዝምድና ዓቂብና ክንከይድ ዝኸኣልናን ዘለናን።

ሓደ ኩሉ ግዜ ዝልዓል ስግኣት ኣሎ ናይ ኢትዮጵያ ፖሊሲ ናብ ኤርትራ ብዝምልከት፡ ብዙሓት ኤርትራዊያን ኢትዮጵያ ኣፍደገ-ባሕሪ ስለዘይብላ ሕጉስቲ ኣይኮነትን ይብሉ። ታኣማሚንና እዚ ሽግር የለን ክንብል ንኽእልዶ ምናልባት ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ብዙሕ ኣማራጺ መንገድታት ናብ ወደብ ስለዘለዋ?

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ምስዚ ናተይ ርእይቶ ይሰማማዕ እዩ ክብለካ ኣይክእልን፡ እንተኾነ ግን እዚ ናተይ ርእይቶ ብዘይገለ ሕርኽርኽ ናይ ብዙሓት መርገጺ እዩ ክብል ግን ይኽእል። ብናተይ ርድኢት፡ ሃጸያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፈሪሱ በዚ ሕጂ ዘሎና ፈደራላዊ ስርዓት ተተኪኡ እዩ።  ንኢትዮጵያውያን፡ ንናይ ህዝቢ ናይ ብሓቂ ድልየት ዘንጸባርቕ መሰል-ርእሰውሳነ ዝተመስረተ ቅዋማዊት ሃገር ብምትካልና ቀንዲ-ዋሕስ ሃገር ደው ንክትብል ምኽንያት ኮይንዋ እዩ። እቶም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ዘይደልዩ ኢትዮጵአውያን ናይዘይምዃን መሰል ኣለዎም እንተዘይኮይኑ ግን ክንመውት ኢና…..

ኤርትራዊያን ናጻ ሃገር ናይ ምዃን ድልየቶም ብተዓዛብነት ዓለምለኻዊ ተዓዘብቲ  ብረፈረንደም ብምግላጽ ነቲ ሳላሳ ዓመት ዝወሰደ ኩናት ከምዝዛዘም ኮይኑ እዩ።

ስለዚ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንሕባር ዝግበር ፈተነ፡ ንኤርትራ ኣብ ምሕባር ኣይክዕወትን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብቀሊሉ ንኢትየጵያ ኣብ ምፍራስ እዩ ክዕወት፡ እቲ ምንታይ ነቲ ኢትዮጵያ ተመስሪታትሉ ዘላ ቀንዲ መትክል መሰል-ርእሰውሳኔ ስለዘፍርስ። እዚ ድማ’ዩ እቲ ዓብላሊ መርገጺ። እዚ እቲ ናይ መንግስቲ መርገጺ ብምዃኑ ቅሱን እየ። ሓንሳብ ኣብዚ መሰረታዊ መትከል እንተተሳማሚዕካ፡ ሕቶ ወደብ፡ ሕቶ ፖለቲካ ምዃኑ ይተርፍ። ኣገልግሎት ወደብ ከም ናይ ሆቴል ኣገልግሎትን ናይ ቱሪዝም ኣገልግሎትን ከም ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት፡ ኣብ ዕዳጋ ክግዛእ ዝካኣል እዩ። ገንዘብ እንተዝህልወና፡ ንሕና ኢትዮጵያውያን ሃብታማት ኔርና እንተንኸ’ውን፡ ካብ ኩሉ ኣገልግሎት ዝቀረበ ክንገዝኦ ንኽእል ኢና። ብጅኦግራፋያዊን ባህላውን ምኽንያታት ኤርትራ እታ ዝበለጸት ቀራቢት እያ፡ ኤርትራ ጥራይ ግን ኣይኮነትን እታ እንኮ ቀራቢት። ጉዳይ ወደብ ኣገልግሎት ምሻጥን ምዕዳግን እዩ። 

ናተይ፡ ናይ መንግስተይ፡ ናይ ሰልፈይን ናይ ዝበዝሐ ኢትዮጵያዊ ርእይቶ ንሱ እዩ። እንተኾነ ግን፡ ናይ ወደብ ሕማም ዘለዎም ኢትዮጵያውያን የለዉን ክብለካ ኣይክእልን፡ ዓብላሊ ርእይቶ ኣይኮነን፡ ኣብ ሙማት ዘሎ ርእይቶ እዩ።

ኤርትራ

ኣብ ናይ መወዳእታ ክፋል፡ ሓፈሻዊ ዝኮነ ኣራኣእያን ብዙሓት ኣብ ኤርትራ፡ ገለ ውሑዳት ዝብህርሩ ወሲኽካ፡ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሶማል ኩነታት ኣብ ኤርትራ ክድገም እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ገለ ውሒዳት ከምኡ ዝሓስቡ ካብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ውጥን ዘለዎም ፍርሒ ዝብገስ እዩ። ከመይ ጌርካ ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ነገር ኣብ ኤርትራ ከምዘይድገም ከተረጋግጸሎም ትክእል?

እዚ ብክልተ መንገዲ ክግበር ይካኣል፡ እቲ ናይ መጀመርታ ተክእሎ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ጽልኢ የብለይን፡ ኮምኡ ዓይነት ጽልእውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሃልዩኒ ኣይፈልጥን። ሕሉፍ ታሪኸይውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጽልኢ ከምዝነበረ ዘርእይ ኣይኮነን ወዘተ..ተረፈ። ብካልእ ኣባሃህላ፡ ናይ ካልእ ስምዒት ብምዃኑ፡  ስምዒቶምን ስግኣቶምን ይርድኣኒ እዩ። እዚኦም ግን ከም በረድ ክሕቁ ዘይክእሉ ስሚዕታዊያን ክርክራት እዮም።

ስለዚ ኣብዚ ክንዛረበሉ ዝግባኣና ረብሓ እዩ። ረብሓታት ካብ ስሚዐታት ንላዕሊ ሰረት ኣለዎም። እስከ ካልኣይቲ ሶማል ኣብ ኤርትራ ምፍጣርሲ ንረብሓ ኢትዮጵያ ምዃኑ ከረድኣኒ ዝኽእል ሰብ ይምጻእ። እንድሕር ንኢትዮጵያ ከምኡ ብምግባራ ዘርብሕ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ኤርትራውያን ይጭነቁ ከምዘለዉ ክርድኣኒ ምኸኣለ። እቲ ምንታይ፡ ረብሓታት ካብ ስምዒታት ንላዕሊ ዝጭበጥ ነገር ስለዝኾነ። እንተኾነ ግን፡ ካልእ ሳማል ኣብ ኤርትራ ምፍጣር ንረብሓ ኢትዮጵያ እዩ እልካ ምእማን ብዝኾነ መንገዲ ምኽኑይ ኣይኮነን፡ ብፍጹም’ውን ክኸውን ኣይክእልን። ንኢትዮጵያ እቲ ዝበለጸ ተርእዮ እንተኾይኑ፡ ርግኣት ዝሰፈና ኤርትራ ምርኣይ እምበር፡ ኣብ ሑቆና ዘላ ኳኺቶ ኣይኮነን። 

እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ኣይኮናን ክትህልወና ምተገበአ፡ ህዝቢ ኤርትራውን እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ እያ እትግብኦም ኢለ ኣይሓስብን። ኤርትራዊያን ሶማል  ኣብ ኤርትራ ትግብኦም እያ ኢለ ኣይሓስብን፡ ንሕና ውን ሶማል ኣብ ኤርትራ ትግባኣና እየ ኢለ ኣይሓስብን። ስለዚ እዚ ንናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ኣይኮነን፡ እኳ ድኣስ ናይ ኢትዮጵያ ውልቃዊ-ረብሓ ዝሕሎ ኤርትራ ካልኣይቲ ሶማል ንኸይትኸውን ኣብ ምርግጋጽ እዩ።  እታ ሓንቲ ሶማል ከማን ነዚ ዞባ ኣኺላ ተሪፋቶ ኣላ። እዚ ናይ ስነሓሳብ ሕቶ ዘይኮነስ ናይ ውድዓውነት ሕቶ እዩ። መንግስቲ ዘይብላ ሶማል ንኢትዮጵያ እንታይ ማለት ሙኳኑ ንፈልጥ ኢና። ምትሃት ማለት እዩ። ንምንታይ ካልኣይ ምትሃት ኣብ ሰሜን ክህልወና ንደሊ።

ኣብ መወዳእታ ተስዓታት ኤርትራዊያን ካብ ኢትዮጵያ ተጠሪዞም ገለ ካብኣቶም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ይድግፉ ዋላ ምስ ፖሊስታቱ ዘይሳማምዑ ይኹኑ እምበር፡ እቲ ምንታይ፡ ብመንግስትኹም ከምዝተበደሉ ስለዝሓስቡ እዮም። እንታይ ምበልካዮም?

ክነግረካ ኣይክእልን እየ ካብኡ ርሒቅና ብጽቡቅ እንሓስበሉ ሳዓት ምህላውና፡ ኣዝዩ ዘጣዕስ መስርሕ እዩ ኔሩ። ንህዝቢ ክብሎ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ፡ እንታይ ከምዘጋጠመ ክርድኡልና እየ። እቲ ወራር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንኢሂወደግ’ውን ከይተረፈ ሃንደበት እዩ ገጢምዎ። በቲ ዘጋጠመ ጥልመት ብዙሓት ኣባላት ኢሂወደግ ደንጺይዎም እዩ። ናይ መጥቃዕትን ግብረመልስን ክስተታት ይርኣዩ ኔሮም እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ገዚፍ ህላውነት ስለዘለዎም፡ እንድሕር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስቲ ምግልባጥ ተደልዩ ኣብ ዝደለይዎ ግዜ ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ይዛረቡ ኔሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ናይ ኤርትራዊያን ማሕበረ-ኮማት መንግስቲ ኤርትራ ብጋህዲ ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ባእታት ሓምሻይ መስርዐኛታት ይዛረበለን ኔሩ።

ሕጂ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘተጠቅሰ ምስቲ ዝነበረ ስግኣትን ኣብ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ዝነበሩ ሕርቃንን እንተደማሚርካዮ፡ እዚ ድማ እቶም ዝተቖጥዑ ሰባት ናይ ጸጥታ ስግኣት ኣሎና ኢሎም ክማጎትን ቀዳምነት ናይ ዜጋታትና ውሕሰነት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ክብሉን፤ ንናይ ጸጥታ ስግኣትና ክንኒኪ ኣሎና ዝብል መደምደምታ ንኽገብሩ ቀሊል ጌርዎ። እዚ ዓይነት ኩነት ድማዩ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከምዝኽሰት ዝገበሮ፡ ናይ ሓደጋ ኩነታት፡ ናይ ሕርቃን ኩነታት፡ ናይ ጽልኢ ኩነታት።

እቶም ዝተሰጎጉ ዜጋታት ክግንዘብዎ ዝደልዮ ነገር እንተሃልዩ፡ እዚ መንግስቲ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኸይውሰድ ካብ 1991-1998 ከምዝተኸላኸለ እዩ። ከምኡ ዓይነት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ፈተናታት ስለዘይነበረ ከይመስለኩም። ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ ኣገጣሚታት ተሓቢርዎም እዩ። ምስ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ነገር ብዙሕ ግዜ ተመያዪጥናሉ ኢና፡ ኣብ መንጎ ዜጋታትና ተጻብኦታትን ሕርቃን ብዘይፈጥር መንገዲ ከምኡ ዓይነት ተርእዮታት ከጋጥም ከሎ ንኽዋስኡ ንገብሮም ኔርና። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተመሳሳሊ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ንክንወስድ ይደልዩና ኔሮም፡ ንናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ነዊሕ ረብሓታት ክሕሉ ኣይክእልን እዩ ኢልና ሰለ ዝሓሰብና ነቲ ጉዳይ ተኽላኪልናዮ። መንግስቲ ኤርትራ ድላዩ ዓይነት ስጉምቲ ይውሰድ፡ ንሕና ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዘውስድ ምክንያት ኣይነበረናን። ስለዚ ኣብ 1998 ዝተፈጥረ ኩነታት ግን ነቲ ጉዳይ ክንከላኸሎ ዘኽእል ኣይነበረን። ከምኡ ስለዝነበረ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን ክስተት ኣጋጢሙ።

ሕጂ ንሓደ ኣብቲ መዋጥር ዘይነበረ ሰብ፡ ብስነ-ሓሳባዊ ደረጃ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ጌጋ እዩ ኔሩ ኢሉ ክምግት ቀሊል እዩ። ናይ ብሓቂ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኔሩ፡ ሕጂ ግን ንቐጽል። እቶም ናይቲ ነገር ግዳያት ዝነበሩ እቲ ቃንዛ ከምዝስምዖምን ክርድኣና ይግባእ። ነቶም ሰባት ክብሎም ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ግን፡ በጃኩም ነቲ ዝነበረ ኩነታት ተረድእዎ እዩ። ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ነቲ ነገር ቅቡል ንምግባሩ ኣይክፍትንን እየ፡ እቲ ዝነበረ ኪነታት ግን ከብርህ ክፍትን እየ።

ኣብዛ ነጥቢ ብዛዕባ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ክሓተካ ይደሊ። ንናይ ኤርትራ ተቃወምቲ ከመይ ትመዝኖም፡ ንጥፈታቶም ከ ከመይ ትግምግሞ?

ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ውድባት ብብዙሕ ዓይነትን ዓቀንን እየን ዘለዋ። ስለዚ፡ ኣብ ዓይነትን ኣድማዕነተንን ፍልልይ ክህሉ ግድን እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ናይ ኤርትራ ተቓውሞ  ዝተራእየ ምዕባለን ኣብቲ ደንበ  ቅድም ሕጂ ዘይነበረ ብስለት ኣዝየ ተተባብዔ። እዚ ድማ፡ መጻኢ ዕድል ኤርትራ በተን ዓሰርተ ሰለስተ ውድባት ዝውሰን ዘይምዃኑ ምፍላጦምን፤ ድሕሪ ምእላይ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ተግባር ክውዕል ዘለዎ ናይ ኤርትራ ራኢ እቶም ዓሰርተ ሰለስተ ውድባት ምቕባሎምን እዩ።

ተልእኾ ተቓወምቲ ክኸውን ዘለዎ ነዚ ዘሎ ስርዓት ብምእላይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደስ ዝበሎ ንኽመርጽ ክግደፍ ኣለዎ፤ ዝኾነ ተወንዚፉ ዘሎ ንዓይነትን ቅርጽን መንግስቲ ዝምልከት ሕቶታት ናይ መጨረሽታ ውሳኔ ናይ ምሃብ ስልጣን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እምብዛ ኣካዳምያውያን (ምሒር ኣብ ክልሰ ሓሳባዊያን) ብምኻኖም ድማ ይመስለኒ፡ ንመጻኢ ዕድል ኤርትራን፡ ንመጻኢት ኤርትራ ብከመይ ትምሓደር ኣብ ምውሳን ምርድዳእ ዝስእኑ ዘለዉ። ኣብዚ ክግንዘብዎን ክቅበልዎን ዘለዎም ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናይ ምውሳን ድምጺ ከምዘለዎ እዩ። እዚ ምርግጋጽ ድማ እዩ ናይ ተቃወምቲ ውድባት ስራሕ። ብርድኢተይ ናብኡ ገጾም የምርሑ ኣለዉ ይብል፡ ከምኡ ስለዝኮነ ድማ’ዩ ኣብ ኣታኣላልያ ነገራት ምምሕያሻት ዝርአ ዘሎ።

ብካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ኤርትራ ብኸመይ ናይ መንግስቲ ለውጢ ተምጽእ ምርዳእ ዝኣበዮም ይመስል። እዚ ርዱእ እዩ። እቲ ንገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብጅግንነት ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዘሎ መንግስቲ በጺሖም ግን ጀጋኑ ምዃን ገዲፎም፡ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ብብዝሒ ናብ ስደት ምምራሕን ይርከቡ። እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ባህሊ ኤርትራ ሓድሽ ተሞክሮ እዩ። ብዙሓት በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኩነታት እንተደንጸዎም ኣየገርምን እዩ። ስለምንታይ እዮም ዘይቃለሱ ዘለዉ፧ ስለምንታይ እዮም ሃገሮም ራሕሪሖም ዝሃድሙ ዘለዉ፧ ወ.ዘ.ተ. ነዚ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ሓድሽ ኣረዳድኣ የድሊ ኣሎ። ነዚ ኣብ ምርዳእ ምድንጋር ከምዘሎ ርዱእ እዩ። እቶም ተቓወምቲ ኣብ መጻኢን፡ ምስ ግዜ፡ ነዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ብጉብእ ዘገልጽን፡ ብኸመይ ጌርና ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ብዝላዓለ ተበጊስና ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከነምጽእ ንኽእል መልሲ ክረኽቡ እትስፎ።

ህዝቢ ዓቕምን ክእለትን ከምዘለካ ያኣምን እዩ፡ እንተኾነ ግን ንናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ውድባት እትገብረሎም ሓገዝ ብመንጽር ናይ ኤርትራ ስርዓት ንተቓወምትኻ ዝገብረሎም ሓገዝ ክርእይዎ ከለዉ ግን ሓገዝ ናይ ምግባር ድልየትካ ይጠራጠርሉ እዮም። ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል ፓስፖርት ዝምልከት ከም ኣብነት እንተወሰድና ናይ ኢትዮጵያ ሓገዝ ብቐሉሉ ዝርከብ ኣይኮነን?

ብመጀመርታ ናእሽቱ ነገራት ከብርህ። ብመጀመርታ፡ ንሕና እንህቦ ሓገዝ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ፈላሊና ክንርእዮ ይግባእ። ንሕና እንህቦ ሓገዝ ኣብ ንኑጽር መትከል ዝተመስረተ እዩ። ምሕደራ ኣብ ኤርትራ፡ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዝምልከት እዩ። እቶም ኤርትራዊያን ዘይኮና፡ ሰናይ ድልየት ብዛዕባ ኤርትራ ዘሎና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ኢና አንምነየሉ። እዚ ናይ ምርግጋጽ ግን ናህና ስራሕ ክንገብሮ ኣይግባእን። እዚ ድማ ናይ መትከል ሕቶ እዩ፡ እንድሕሪ ጥሒስናዮ ከም ኢትዮጵያዊያን ንዝመጽእ ሓደጋ ሓላፍነት ወሲድናን ንኤርትራዊያንውን ክልክሞም ዝኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ንገብሮ ሓገዝ ኣብ ንጹርን ጽንዑን መትከላት ዝተመስረተ ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝከኣል ጥንቃቐ ንገብር ኢና። እሞ ንኤርትራዊያን ተቓወምቲ ዝምልከት እንታይ ንገብር ኣሎና፧ ሰለምንታይ ኢና፡ ዋላኳ ደገፍና ድሩት ይኹን እምበር፡ ንሕግዞም ዘሎና፧ 

ኣብ ኤርትራ፡ ከም ሃገር፡ ዘለና ረብሓ፡ ብሰላም ሓቢርካ ምንባር እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሰላም ክህበና ፍቓደኛ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ይደሊ ዝብል እምንቶ ኣሎና። እዞም ተቃወምቲ ውዱባት ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምውሳን ዕድል እንተኸፊቶምሉ፡ ምስ ኤርትራ ነባሪ ሰላም ክህልወና እዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ስለዚ ንናይ ኢትይጵያ ናይ ሰላም ረብሓ ኢልና ድማ ኢና ነዞም ተቓወምቲ ንሕግዞም። ትሕዝቶ ፕሮግራሞም ንዓና ኣየገድሰናን እዩ። ኣብቲ ፕሮግራም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምውሳን ዕድል ክውሃቦ ድዩ ኣይውሃቦን ጥራይ እዩ ዘገድሰና። እንድሕር ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምውሳን ዕድል ተዋሂብዎ፡ ውሕሕስነት ከምዘሎና ንፈልጥ ኢና፡ እቲ ምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ከምዝደሊ ንፈልጥ ኢና። 

ዝኾነ ውሕስነት ናይ ሰላም ካብ ዝኾነ ጉጅለ ኣይንጽበን ኢና። ካብ ናይ ቀደም ናይ ህዝባዊ ግንባር ብጾትና  ብሓንሳብ ዝተቃለስናን ዝሞትናን ክንረኽቦ ዘይካኣልና፡ ብዘይካ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ ኣካል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ንተቓወምቲ ንሕግዞም ንሓደን ፍሉጥን ምኽንያት እዩ፡ ንሱ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ናይ ምውሳን ናይ መወዳእታ መሰል ክህብዎ ምዃኖም ትጽቢት ስለዘለና እዩ።  ስለዚ’ዩ ድማ   ኣብ ምርጭታት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ናይ ዝኾነት ሰልፊ ኢድና ንከይነእቱ ኣዚና ዝተጠንቀቕና። ንገለ ፖለቲካዊ ፐሮግራም ክንፈትዎ ንኽእል ንገለ ድማ ከይንፈትዎ ንኽእል፡ እንተኾነ ግን ካብዞም ፖለቲካውያን ፕሮግራማት ናይ ምምራጽ ጉዳይና ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣሎና። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ስለ ዝኾነ።

ኣብዞም ተቓወምቲ ዘይምርድዳእ ከጋጥም እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ንክንዛረብን ክንዓርቆም የተባብዑና፡ ብካልእ ወገን፤ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድና ከነእቱ ኣይደልዩናን። እዚ ድማ ርዱእ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ኣዚና ቀሪብና ከይንሰርሕ፡ ብወገና’ውን ቅቡል ዝኮነ ምጥርጣራት ኔሩና እዩ። እዚ ድማ ገለ ካብቶ ዓገትቲ ሮቓሒታት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።  

እቲ ካልኣይ ርቓሒ ድማ፡ ግዜናን ሃብትናን ከነፍስሰሉ ዝግባእ ኣገዳሲ ጉዳይ ድዩ ዝብሉ፡ ተጠራጣርነት  ገለ ኣባላት መንግስትና ኔሮም እዮም። እዚ ድማ ድኽመት ናይቲ ተቓውሞ ብምርኣይ ቅቡል ነገር እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መንግስትና ነዚ ምጥርጣራት ዝሰገርናዮ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ሕጂ ሓገዝና ኣብ ዝሓትሉ ግዜ፡ ዝካኣለና ሓገዝ ክገብርሎም ኣብእንኽእለሉ ኣብ ምቹእ ኩነታት ንርከብ።

ትፈልጥ ኣሎኻ ንሕና ኣዚና ድኻ ሃገር ኢና፤ ክንገብሮ እንኽእል ነገር ደረት ኣሎና። ከምዘይ ኢሰያስ፡ ኣጀንዳና ንኢሰያስ ንምእላይ ጥራይ ኣይኮነን። ብቀዳምነት ንሰርዖ ኣብ ሃገርና ምዕባለ ምርግጋጽ እዩ። ከም ኢሰያስ ዝያዳ ገንዘብ የብልናን። እቲ ምንታይ፡ ንኢሰያስ መንግስቲ ምቅያር ጥራይ እዩ ኣብ ኣጀንድኡ ሰፊሩ ዘሎ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዚያት ኣብ ናይ ውሸጢ ጉዳያቶም ጣልቃ ከይኣተና፡ ክንሕግዞም ምኸኣልና ኔርና። እዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሕጂ ክንትሓጋገዝ ንኽእል ኢና።

ኣብ ደገ ዘሎዉ ኤርትራውያን ዘለዎም ግጉያ ኣረዳድኣ ክእርም ይፈቱ። ገለ ተቓወምቲ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት ተሓባቢሮም ናብ ኣስመራ ታንክ ሒዞም ንመንግስቲ ኤርትራ ክኣልይዎ እዮም ዝብል ክርክር የቅርቡ። ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ካብ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ሰሚዐ ኣይፈልጥን፡ ካብ ናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ከምኡ ዓይነት ዘረባ ዘይምስምዐይ ሕጉስ እየ፡ እቲ ምንታይ፡ ክግበር ስለዘይኮነ። ደጋጊመ ነዚ ነገር ገሊጸዮ እየ፡ ኢሰያስ ዝገበረ ይግበር፡ ክሳብ መጠነ ሰፊሕ ወራር ኣብ ልዕሌና ዘይተፈጸመ፡ ሓንቲ ታንኪ’ውን ትኹን ኣብ ናይ ኤርትራ መሬት ኣይክትራኣይን እያ።

ኣብ ዕድመይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ተባሂልካስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ክትምህርን፡ መጻሕፍቲ ክትጽሕፍን ገለ ትካላት ክትመርሕን ይርእየካ ዶ ይኸውን፧

ብዘይጥርጥር፡ ዝጽበዮ ዘለኹ ነገር እዩ፡ ብዙሕውን ርሑቕ ኮይኑ ኣይስምዓንን።

እዚ ኣብነት ከትፍጽም ደሊኻ ኣሎኻ፧

ብዘይጥርጥር፡ ክነግረካ ይኽእል እየ፡ ተስፋ ይገብር…ኣብዚ እዋን ዳኣ ጽባሕ ክትህሉ ዲካ የለኻን ዘታኣማምን ኣይኮነን እምበር፡ ንቡር ዕድመይ ክበጽሕ እንተኽኢለ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢልካ ክትጽውዓኒ ኢካ።

የቀንየለይ ቀዳማይ ሚኒስተር

የቀንየለይ
.

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

 
< Prev   Next >


 
 THE ACCUSED         
ARABIC   TIGRIGNA  ENGLISH  

  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  



The authors of all articles that appear on awate.com are solely responsible for the views expressed in the articles. Awate.com does not necessarily endorse the views and cannot be held responsible; but it is responsible for all documents, editorials and news items that clearly carry the Awate Team and the Gedab News bylines.

Copyright 2000-2010 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.