ዮሃና ንዕዉት ሓድነታዊ ጉባኤ ኪዳን Print E-mail
By ኤርትራውያን፤ አባላት፡ ፓለቶክ (Paltalk) - May 23, 2008   

ናይ ዮሃና መልእቲ ንዕዉት ሓድነታዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ደምክራስያዊ ኪዳን 5-11 ግንቦት 2008


ዝኸበርኩም መራሕቲ ውድባት ኤርትራዊ ዴሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ቀጺለና ነዚ አጋጣሚ ተጠቂምና፡ እቲ ዕዉት መደምደምታ ጉባኤኹም፡ ነቲ ብሰንኪ ምፍንጫልኩም ጸልሚትዎ ዝነበረ ህዝብና ተስፋ ከምዝሃብክምዎን ንብዓትው'ን ከምዝደረዝክምሉ እዩ ተሰሚዑና። ጉባኤኹም ብዓወት ምዝዛሙ ዘሕጉስ እዩ፡ ተብሂሉ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ምቅላስ ሽውሃትና ከፊቱ፣ አብ ጎደንኹም ኮይና ክንቃለስ ከምዘተባብዓና ክነረጋግጸልኩም ንፈቱ። ብተወሳኪ ነቲ ኣብ'ዚ ጉባኤ ነተን ኻብ ኣብ ምትእኽኻብኩም ወጻኢ ዝነበ፡ ፖሊቲካዉያን ውድባት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወሙ ሃገራውያን ዜጋታትን ብተዓዛብነት ከተሳተፉ ኣለኩም ዝብል ጠለብ ህዝቢ ሰሚዕኩም ከምዝሳተፉ ምግባርኩም መጎስና ወሰን የብሉን።

ክቡራት መራሕቲ ውድባት አባላት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ጉባኤኹም ብዓወት ምዝዛሙ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት እዩ። ይኩን እምበር በዚ ዝተገበረ ዓወት፡ ነዚ አብቲ ጉባኤ ዝተበጽሔ ነጥቢ ሒዝካ ምድቃስ ዘይኮነስ፡ እንታይ ዳአ፡ ብቐጻሊ እውን ብዝማዕበለን፣ ብዝተጻፈፈን፡ ንዕድመ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ፡ ሕጋዊ መንግስቲ ምዃን ፈንፊኑ፡ ዓመጽ ዝመረጸ ስርዓት ሕጊ-ኣልቦ ህግደፍ ንምሕጻርን፣ ህዝብና ካብ ከምዚ ዓይነት ዉልቀ-መላኪ ስርዓት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምግልጋልን፡ ሕጂዉን ቅድሚ ፖለቲካ ሞራል ክሰርዑ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ድምጺ ህዝቢ ጥራይ ዝርከብ ምኻኑ ኣሚንኩም፤ ነዚ ብደረጃ ኪዳን እንጠልቦ ዘሎና ዝተወሃሃደ ቃልሲ ክዕወት ዓቢ ዕማም፣ ብትብዓትን ተወፋይነትን ተቃሊስኩም ከተቃለሱና አብ ጎድንኹም ከም ዘሎና ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

ክቡራት መራሕቲ፡- አብ አሳራራሓኹም፡ ማለት አብ አግባብ አቐላልሳኹም ግልጹነት ናይ ግድን እዩ፡ ዝብል ዕግበት ስለ ዘሎና፡ ንበርገሳውያን ማሕበራት ከም ታዓዘብቲ ጥራይ አብ እትገብርዎ አኼባ ምዕዳም ዘይኮነስ፡ ተራ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ አብ ቃልሲ አንጻር ውልቀ-መላኺን ጭፍራታቱን፡ ክዝዓዝዝን፣ ክድንፍዕን፤ ኣብተን ክቆማ ተሓሲበን ዘለዋ ኮሚተታት፡ መንገድታት ተጸኒዑ ከም ዝካፈላ ምገባር፣ አገዳሲ እዩ በሃልቲ ኢና። ብተወሳኪ እቲ ኪዳን አብ አኼብኡ ዘመዝገቦ ዓወት ብሞራል ዝድገፍ ነገር ዳአ ይኹን እምበር፡ ካብዚ ዝዓበየ ዝተረፈ ነገር አሎና። ስለዚ ኪዳን ካብዚ ቀጺሉ፡ ድሕሪ ኪዳን ዘሎ ባይታ ክጥምትን ናብኡ ክበጽሕን፡ አብ ናይ ሃገራዊ ልዝብ (National Dialogue) ከተእትዉና ትጽቢትና ስለ ዝኮነ፡ እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንኹሉ ኤሪትራዊ ናይ ምውሳእ ዕድል ስለ ዝኸፍት፡ ናብዚ ምዕራፍ እዚ ክተብጽሑና እዩ ሃንቐውታና

ኣብ መወዳእታ ነተቶም ኣብ ጉባኤኹም ብተዓዛብነት ዝተሳተፉ ፖሊቲካዉያን ውድባትን፣ ተወከልቲ ዝተፈላለያ በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወሙ ሃገራውያን ዜጋታትን ዘበርከትዎ ሃገራዊ ግደ ነሞግስ።

ዓወት ንህዝባዊ ቃልሲ ንዴሞከራሲያዊ ለውጢ!!
ዘላአለማዊ ዝኽርን መጐስን ንሰማአታትና
ውድቀት ንስርዓት ሕጊ-ኣልቦ ኢሳያስ ኣፈወረቅን ጭፍራታቱን

ካብ ኤርትራውያን፤ አባላት፡ ናይ ዝተፈላለያ ውድባት፤ በርገሳውያን ማሕበራት፤ ብውለቀ ተቓወምቲ፤ አብ መራኸቢ ብዙሃን ፓለቶክ (Paltalk)፡ ኣብ ኣዳራሽ " Eritrean room for strong and united opposition" ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን፤ ከምኡ እውን ብዛዕባ አግባብ አቃላልሳና አብ ተቓውሞና፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር። This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

ዕለት 22 ግንቦት 2008

 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.