Print E-mail
Awate - Featured Articles
By ኣድሓኖም ፍትዊ - May 13, 2008   

ህዝባዊ መኸተ ወይስ ህዝባዊ ዘመተ?

ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ዝምድና ኣብ መሰላት ዘጋ ምኽባርን ግቡኣት ምፍጻምን ዝተመርኮሰ ኢዩ። እቶም ቀንዲ መሰረታዊ መሰላት ዝበሃሉ ከም ናይ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ምእካብ፡ ሃይማኖት፡ ፓርቲ ምቛም ናጽነት ወ.ዘ.ተ. ክኾኑ ከለው እቲ ናይ ዘጋ ግቡእ ምፍጻም ድማ ከም ቀረጽ ምኽፋል ብሄኢራዊ ወይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝኣመሰሉ ይዀኑ። እዞም መሰላትን ግቡኣትን እዚኣቶም ኣብቲ ቅዋም ናይቲ ሃገር ብነጹር ሰፊሮም፡ እቲ መንግስቲ መሰላት ዘጋ ከይግህስ ብሕጊ ዝቕይዱ፡ ነቲ ዘጋ’ውን ግቡኡ ንኸማልእ ዝግበሩ ኢዮም።

ኰይኑ ግን ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ብሕጊ ከይቕየድ ብዘይ ሕጊ ስለዝገዝእ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብህዝቢ ዝተመርጸ ዘይኰነስ ብሓይሉ ዝነገሰ ስለ ዝኾነ መሰል ዘጋታት ጊሂሱ ግቡኦም ከገድድ ጥራይ ይርከብ። ንመሰል ዘይብሉ ዘይጋ ግቡእ ኣይሕተትን። ኣብ ሓደ ዲሞክራስያዊ ስርዓት መሰልን ግቡእን ማዕረ ንማዕረ ኢዮም ዝጓዓዙ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ነዛ ሓጻር ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዚ ዝነብረሉ ከተማ ኣካባቢ፡ ኣባላትን ደገፍትን ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ልሙድ ሓሊፉ በርከት ዝበለ ቁጽሮም ክንቀሳቐሱ ተዓዘብኩ’ሞ “ ሎሚ ግዲ እንታይ ኣሎ ኢዩ? ብብዝሒ ኣባላት ህግደፍ ይንቀሳቐሱ ኣለው? ሎሚ’ኸ ሳዕሳዒት (ጓይላ) ዶ ኣሎ ኢዩ?” ኢለ ምሳይ ንዝነበሩ ብጾት ሓተትኩ።

“ ሎምስ ጓይላ ኣይኮነን! እቲ ህዝባዊ መኸተ ዝብልዎ ኢዩ። ጓይላ ድኣ ዝሓለፈ ሰሙን ኢዩ ነይሩ።” በለኒ። ሓደ ካብቶም ብጾተይ።

“ጓይላ ኰነ ህዝባዊ መኸተ ዓላማኡ ሓደ ኢዩ። ገንዘብ ካብ ህዝቢ ምምዝማዝ። እቲ ዘገርም ግን ህዝባዊ ዘመተ ከይብልዎስ ህዝባዊ መኸተ”  እናበልኩ ብልበይ፡ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ጸገማት ብዙሕ ክሓሳብ ጀመርኩ።

ስርዓት ህግደፍ ዓላማኡ ከይዱ ከይዱ ምዝመዛ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ከፍርን ክመሃርን ዝኽል ፎቖዶ በረኻ ሰፊሩ ነቲ ስርዓት ብነጻ ከገልግል ይርከብ። ገለ ዝቃወም ምስ ዝርከብ ይእሰር። ገለ ዕድል ዝረኸበ ድማ ሃዲሙ ይስደድ። መብዛትኡ ጠዋሪ ዘይብሉ ህዝባና ኣብ ኣዝዩ መሪር ሽግር ወዲቑ ይርከብ። ኣብ ርእሲ እቲ ጨካን ቁጠባዊ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓለም ለኻዊ ክበሪ እኽሊ ተወሲኽዎ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሎ ህዝብና ብርግጽ ብድኽነትን ጥሜትን ይጥቃዕ ኣሎ። እዚ ሓሶት እንተ ኰይኑ፡ እስከ ሰማ ዘሃገርኩም ኣቱም ኣብ ቀረባ ገዜ ዓዲ በጺሕኩም ዝመጻኹም መስክሩ።

እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብውን፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይሓይሽ’ምበር ኣይጣዓሞን። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቡ እናተሳቐየ እወን ክጥዕሞ ኣይኽእልን። በቲ ወሪዱ ዘሎ ዓለምለኻዊ ክብሪ ናብራ እናተሽገረ፡ ኣብ ዓዲ ንዘለው ስድራቤቱ ቁልሕ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። ብጋህዲ ክንዛረብ እንተ ኰይኑ ድማ ብርግጽ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ከፊእዎም ይርከብ። ኣቐድም ኣቢለ ከም ዝገለጽክዎ፡ ዓላማ ስርዓት ህግደፍ ገንዘብ ኢዩ። ህገደፋውያን ንዝኾነ ኤርትራዊ ዝቐርብዎ ገንዘቡ ንምምዝማዝ ኢዩ። ስርዓት ህገደፍ ዘተፈላለዩ ጭርሖታትን ሜላታትን እናፈጠረ፡ ሓንሳብ ክልተ ካብ ሚኢይቲ፡ ሓንሳብ ናይ (ቀዳማይ፡ካለኣይ፡ሳልሳይ) ወራር፡ ሓንሳብ ናይ ስድራቤት ስውኣት፡ ሓንሳብ ናይ ኣካለ ስንኩላን፡ ሓንሳብ ናይ ህዝባዊ መኸተ! ገንዘብ መእተዊ እንታይ’ከ ዘይበሃል! ምስኪናይ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጣ ብሓገዝ መንግስቲ ዝነብራ ኣዴታት ተሽጊረን ይርከባ። እዚ ገንዘብ’ዚ ንምርካብ ዝጥቀምሉ መፋራርሒ ሜላታት ንኽትሰምዖ ዘሕፍር ኢዩ። “ ሎሚ ዘይመከተ ወያኔ ወይ ድማ ኢትዮጵያዊ ኢዩ።” ይብሉ። እቲ ህዝቢ ድማ ንቕሓቱ ትሑት ስለ ዝዀነ ንኸይሕመ ከይፈተወ ይኸፍል። ያኢ እቶም መብዛሕትኦም መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ’ከ ጽሩያት ኤርትራውያን ኮይኖም? ንሕና’ኳ ክንከሶምን ክንወቕሶም እንተ ኾይና በቲ ጨካን ፖለቲካኦም እንተዘይኰይኑ ብትውልዶም ኣይኰነን። ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተዋሲቡን ተዋሊዱን ኢዩ።

እሞ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ ዓላማ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ንኽምዝምዝ ብዝካኣል መጠን ንዝነውሐ ግዜ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ኢዩ። ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ ድማ ስልጣኑ ንምሕላው ባጅት (ገንዘብ) ክረክብ ኣለዎ። ብኸመይ ብዘየገድስ። ስለዚ ስርዓት ህገድፍ መሰል ዘጋታት ከይሓለወ ግቡእ እንተ ኣገደደ ኣይገርመናን። ባህሪ ናይ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ከምኡ ስለ ዝዀነ። ክገርመና እንተ ኰይኑ፡ እቶም ተገዲዶም በቢግዜኡ ገንዘብ ዝኸፍሉ ዘለው፡ እቲ ስርዓት መሰሎም ከኽብረሎም ዘይምሕታቶም ኢዩ። ዘሔዝን ኢዩ፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ክመያየጡ ከለው ዝስማዕ ብዛዕባ ግቡኦም ማለት ናይ ምኽፋል እንተዘይኰይኑ ብዛዕባ መሰላቶም ክዛራረቡ ኣይትሰምዕን። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ከኣ እዞም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣባላቶም ብዛዕባ መሰል ደቂ ሰባት ከካብቲ ዝነብሩሉ ሃገራት’ዶ ኣይመሃሩን ኢዮም?

ሕራይ ፈሪሖም ኰይኑ ተታሊሎም ምኽፋልስ ይኽፈሉ ንበል፡ እቲ ዝኸፍልዎ ዘለው ገንዘብ’ከ ኣብ ምንታይ ይውዕል ኣሎ? ኢልካ ምሕታት ግቡእ ይመስለኒ። ብኻል ኣዛራርባ ኣብ ጠቕሚ ህዝቢ’ዶ ይውዕል ኣሎ? ህዝቢ ካብቲ ዝዋጻእ ገንዘብ እንተዝጥቀም ጽቡቚ ነይሩ። ስድራ ስዋኣትን ኣካለ ስንኩላትን እንተ ዝርዱኡ እውን ሰናይ ነይሩ። ንሕና ግን ብግበሪ ከም ዘረአናዮን ዘሰማዕናዮን፡ ኣካለ ስንኩላት “ናበራ ሓሲሙና” ኢሎም ጥርዓን ኣብዘቕረብሉ ገዜ ብጭካኔ ከም ዝተረሸኑ፡ ህዝቢ’ውን ካብቲ ዝዋጻእ ገንዘብ ይጥቀም እንተሊዩ፡ ናብርኡ ክመሓየሽ ነይርዎ። ህዝቢ ግን ናብራን መጽቀጥትን መሪርዎ ሓሊፍዎስ “ ኣምላኽ ነዚ ስርዓት’ዚ ኣልግሰልና” እናበለ ፎቖዶ ኣብያተ ክርስቲያናትን መስጊዳትን ክምህለል ይውእል አሎ። ካበዚ ሓሊፉ ካሊእ ጭቡጥ መለክዒ ክህልወና ኣይኽእልን። በንጻሩ ስርዓት ህግደፍ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምግጫው፡ ያኢ ኣቶ ኢሳያስ ኣቦ ሰውራ ናይ ቀርኒ አፈሪቃ ንኽመስል፡ ህዝብና ብጥምዩ፡ ተቓወምቲ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፧ ሱዳን፧ ሶማልያ ወ.ዘ.ተ. ኣኪቡ ክቕልብ ይርከብ። እዚ ሓሶት እንተ ኰይኑ ቲቪ-ኤረ ትመስክር። እቲ ዝዋጻእ ገንዘብ እምበኣር ኣብዚን ከምዚን ኢዩ ዝውዕል። እታ ኩሉ ገዜ ከም ምኽንያት እትጥቀስ ህንጻታት መንገድን ኣባይትን እውን ብመሳኪን ነጻ ጉልበት መንእሰያት ኢዩ ተሰሪሑን ዝስራሕ ዘሎን። እቲ ዝተረፈ ካብ  ወጸኢ ሃገራት ዝረከብ ሓገዛት፡ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኰይኑ ኣብ ጠቕሚ እቶም ንስርዓት ህገደፍ ዝከላኸሉ ዘለው ሰብ ጽሩራ ይውዕል ማለት ኢዩ። እዛ ዘይማዕበለት ንእሽቶ ሃገርና  ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ጀነራላትን ኰረነላትን አለውዋ። ቀጺሉ “ ኣብ ኤርትራ ብልሽውና የለን” ይበሃል። ኣቶ ኢሳያስ  ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ስዑዲ ሓገዝ ክልምን ምስ ከደ፡ ነቶም ነጋዶ ኣብ ዘዛራረበሉ ገዜ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ “ኤርትራ ብለሽውና ዘይተንከፋ ሃገር ኢያ” በለ። እዚ ሓቂ እንተ ዝኸውን ነይሩ ንሕናውን ምተሓጎሰና’ምበር ኣይምጓሃናን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን። ካሊእ ገዲፈና፡ ዝሓለፈ እዋን ዝላዓለ መዓርግ ዘለዎም መኮነናት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጥይት ዝትቓተሉ ብብልሽውና’ዶ ኣይኮኑን? ከምቲ ኣብ ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት ዝርከቡ ብወጽዑን ጥቕምን ህዝቦም ዝጋራጨው ንቑሓት መኮነናት ዘይኮኑስ ህዝቦም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናተሳቐየ ንጥቕሞም ዝተሸጡ ዘይነቕሑ፡ ዳርጋ መብዛሕትኦም ትምህረቲ ዘይብሎም መኮነናት’ዶ ኣይኮኑን ንስርዓት ህገደፍ ዘገልግልዎ ዘለው። ቅድሚኡ’ኸ እቲ ቀንዲ ትካል ስረዓት ህገደፍ 09 ቀይሕ-ባሐሪ ታባሂሉ ዝጽዋዕ ዳርጋ ኩሉም ላዕለዎት ኣመሓደርቱ ዝተኣስሩ ብብልሽውና’ዶ ኣይኮነን? ብመሰረቱ ድማ ብልሽውና ካብ ዲክታተርነት ዝላቐቕ ኣይኮነን። እዚ ስነመጎታዊ ሓቂ ኢዩ።

ካሊእ ምናለባሽ ኣገዳሲ ሕቶ ክቐርብ ዝኽእል፡ እዞም በቢግዜኡ ንስርዓት ህግደፍ ገንዘብ ዝጉዱፉ ዘልው መን ኢዮም? ዝብል ኢዩ። እንታይ ጥቕሚ’ኸ ኣለዎም? መብዛሕትኦም ኣብ ኤርትራ ከም ኣባይቲ ዝኣመሰሉ ገለ ትካላተ ዝገበሩ ኢዮም። እንታይነት ስርዓት ህገደፍ እውን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ኢዮም። ዘይፈልጡ ኣይኮኑን። ኮይኑ ግን ሓደ ገዜ እዛ ዘይትጠቅም ንበረት ስለ ዝወነኑ፡ ኩሉ ገዜ ኣገለገልቲ ስርዓት ህገደፍ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣቐዲሞም ኣይፈለጡን። ወይ ካብቶም ቅደሚኦም ዝነበሩውን ክመሃሩ ኣይከኣሉን። ሓቂ ክንዛርብ እንተ ኮይና ግን እቲ በቢግዜኡ ዝኸፍልዎ ዘለው ገንዘብ ካበቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንብረት ይዛድ ምዃኑ ኢዩ። ደሓር ከኣ እቲ ገዚኦምዎ ዘለው ኣባይቲ ስርዓት ህገደፍ ካብ ዋናታቱ ብዘይ ኣምሳያ ኣሕዲጉ ስለ ዝሸጠሎም ንሓዋሩ ማለት መሬት ምስ ወግሐ እቲ ዝትከል ህዝባዊ መንግስቲ ንዋናታቱ ክመልሰሎም ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተራኢዩ ኢዩ። ብዓቢዩ ድማ ንብረት’ዶ ካብ ህዝብኻ ይበልጽ ኢዩ? ህዝቢ ኤርትራ ሂወቱን ንብረቱን ከፊሉ’ዶ ኣይኮነን ነቲ ሽም ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ነጻነት ኣምጺእዎ?

ኣብ መጨረሻ ክበሎ ዘደሊ፡ ስርዓት ህገደፍ ብባህረያቱ ዲክታተር ስለ ዝኾነ ከመዚ ዘለዎ ክቐጽል ኢዩ። ደገፍቱውን ስጋብ ዝደኽሙ ይውሓዱ’ምበር ክቕጽሉ ኢዮም። እቲ መፍትሕ ግን ፈቲና ጸሊእና ኣብ ኢድ ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሓይልታት ኢዩ። ኤርትራዊ ተቓዋሚ ሓይልታት ውድበይ ውድብካ፧ ፓርተይ ፓርትኻ ከይበለ ተጠርኒፉ ንስርዓት ህገደፍ ብትብዓት ክቃለሶ ኣለዎ። ከም ውጽኢት ድማ ኣይኮነን ተቓዋምቲ ኣካላት፡ ሕጂ ኣብ ጎድኒ ስርዓት ህገደፍ ዘለው’ውን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ተሰሊፎም “ ኣብ ጠቕሚ ህዝባና ዘይውዕል ገንዘብ ኣይንህብን” ክበሉ ክኽእሉ ኢዮም። እሞ ብርግጽ ኤርትራዊ ዲሞከራስያዊ ኪዳን ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ተስፋ ኣቑሪጹናን ኣሕዚኑናን ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ግን ቃልሲ ስለዝኾነ ዝሓለፈ ገዲፍና ንቐደሚት ብምጥማት፡ ግንቦት 5 ዝጅመር ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዓወት ክፈጸም ናተይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ትምኒትን ትጽቢትን ኢዩ።

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንዲክታተርነት

ኣድሓኖም ፍትዊ

ርእይቶ፡ This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it  

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Last Updated ( May 14, 2008 )
 
< Prev   Next >

Contribute 

Donate through Mail


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.