ናብ ኩሎም ሓርበኛታት ውድባት ኣብ ትሕቲ ጽላል ኪዳን ዘለኹምን: ካብ ኪዳን ወጻኢ እትርከቡን ኤርትራውያን ውድባት ብሓባር። እቲ ዕዙዝን ሙዉቕን ሃልሃል ዝብል ልባዊ ሰውራዊ ሰላምታይ ይብጽሕኩም። ብርግጽ ሙሉእ ወርቃዊ ግዜኹም ወፊኹም፡ አቲ ዘይሕለለ ዲሞክራስይዊ ሓርበኛዊ ቃልሲ ንምህናጽ፡ ሓዳስ ዲምክራስያዊት ኤርትራ ሚዩቕታን ፍርሕን ዘይብላ ቅስንትን ፍትሓዊትን ምዕብልትን ህድእትን ናይ ኩሎም ሓርበኛታት ሃገራውያን፡ ማዕርነትን ሙሉእ መሰልን ንምርግጋጽ ተባዕን ሓርበኛዊን ቃልሲ ተካይዱ ምህላውኩም፡ ንለባምን መስተውዓልን ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ነገር ግን ምስ ግዜን ኩነታትን ሃገርናን፡ ሃለውት ውጹዕ ሰፊሕ ተቓላስይ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራን፡ ዕዙዝን ወሳኒን መድረኻዊ ጠለብ ከምቲ ዝግብኦ ኮይኑ፡ ንቕድሚት ክስጉም ከምዘይ ተኻእለ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን። እካድኣ ንሕና እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገር ንነብር ኤርትራውያንን፡ ኩለን ናይ ተቓውሞ ውድባት ኤርትራን፡ ካብቲ ባዕሉ ዝፈረሰ ስርዓት ህግድፍ ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ ኮይኑ እናሃለወ: ኩነታት ሃገርና ኤርትራ፡ ቡቑዓት መራሕቲ ወይ መሪሕ ውድብ ክነጥሪ ብዘይምኽኣልና ናትና ሕመቅን ስንፍናን፡ ህዝብና ኣደዳ ዘስካሕክሕ ስደት ፍቐዶ ምድረ-በዳን ፈቐዶ ባሕርታትን፡ መንእሰያትና ሂወቶም ከጥፍኡን አቲ ዝተረፈ ህዝብና ካኣ፡ ኣብታ በጃ ከፊሉ ዘጥረያን ዘፍቅራን ሃገሩ ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዱን ገዝኡን እሱር ኮይኑ፡ ናይ ምዝራብ መሰሉ ሓሪሙዎን ተነፊጉዎን፡ ከም ሃላኺ ኣቓሓ ኮይኑ እናሃለወ፡ ገሊኡ ካኣ እተን ዓበይቲ ከተማታትና ዓቕለን ጸቢቡወን፡ ብእሱራት ኣጥለቕሊቐን፡ ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን፡ በረኻታትን ህዝብና ኣብ ፈቅዶ ኣፍደጊኡ ኣብ መኻዚኖ ናይ ኣቑሑት (container): ብዘይ ፍርዲ ተዳጊኑ ይሳቀን ይቕጥቀጥን ይቕንጸልን ይጭፍጨፍን እናሃለወ፡ ካብዚ ሕሱም ኣደራዕ’ዚ ከነናግፎ ኣይበቓዕናን። ከም “ጥቑብ ጛሳ ዘይብለን ኣባጊዕ ብተኻሉ ይጥፍኣ” ከም ዝባሃል፡ ከምኡ ውን “ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ከምዝበሃል፡ ክሳብ መዓስ ኢና ሕማምና ሓቢእና ብርኽሰት ክንሳቐ ክንነብር? መዕስ ኢናኸ ንሕሉፍ ኩነታትና ብግቡእን ጥንቁቕን ገምጋም ሂብና ነቶም ኣሉታዊ ተመኩሮታት፡ ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ክንመሃረሎምን ተመሊሶም ከይርምሱናን ከይሓልኩናን ብትብዓት ክንምክቶምን? ነቶም ኣወንታዊ ተመኩሮታት ካኣ ብትብዓት ጸንቂቕና ናብ ፍጹም ናይ ዓወት ማዕርፎ ከነብጽሖም እንበቅዕ? እምበኣርከስ ኩነታት ሃገርናን ውጹዕ ህዝብናን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኩነታት ብጭልፉ ኮይኑ እናሃለወ፡ ብቐዳምነት ኣትኩሮን ኣቓልቦን ክወሃቦ ይግባእ እምበር፡ መድረኽን ኩነታትን ዝፈንፈኖን ዝነጸጎን ዘይሓላፍነታዊ ኣገባብ ኣቃላልሳ ኣብ ነንሕድሕድካ ምትንኻላትን ምትሕምማያትን፡ ምንጽጻግን ምስሕሓብን፡ ስልጣን መን ባሓተ ዝሓዝካዮ ህዝብን ሃገርን ዘይብልካ፡ ምቅድዳም ብቐዳምነት ክውገድ ይግባእ። “ክንብርኩት ዘይክንብርኩትሲ ኣብ ጥቓ ማይ እሞ ንብጻሕ” ከም ዝበሃል፡ ህዝብኻ ከይጠርነፍካን ከይሓዝካን ከይሰራዕካን ከየንቅሕካን፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ንመን ኢኹም ክትመርሑ ትደልዩ? ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን ብህሪያዊ ፍልፍልይ ክህሉ ግድን እዩ። ከምኡ ውን ወድሰብ ብባህሪኡ ፍሉይ ኣረኣእያን ፍሉይ ፍጥረትን ጌሩ እግዚኣኣብሄር ፍርጢሩዎ እዩ። ሰብ ከም ሰብ ከምዝኖ ዝኽእል ከኣ ንናቱ ሓሳባትን ኣራኣእያን ምስ ናይ ካልኦት ሓሳባትን ኣራኣእያን ከምዘለዎ ተቀቢልካ፡ ዘራኽበካን ዝፈላልየካን ኣነጺርካ፡ ነቶም ዝፈላልዩኻ ኣወንዚፍካን፡ ንግዜን ኩነታትን ገዲፍካ፡ በቶም ዘራኽቡኻ ኣብ ናይ ሓባር ነጥቢ ክትላዘብን፡ ኣብ ናይ ሓባር ነጥቢ ክትዋሳእን፡ ብተግባር ክትሰርሓሎምን ጥራሕ ምስ ዝካኣል እዩ ብሩህ ተግባራዊ ውጺእት ናብ ናይ ዓወት ማዕርፎ ክጭበጥ ዝካኣል። ብምቕጻል፡ ዝኸበርኩም ሓርበኛታት ተቓለስቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ እስከ ሓድሽ ምዕራፍ ጡርኑፍን ጹፉፍን ናይ ሓባር ቀይድን ሕግን መምርሕን፡ ሓጊግካን ኣቒምካን፡ እቲ ዘውጻእካዮ ሕጊ፡ ንምእዙዝነት ክትበቅዕን ኣብ ውሽጢቲ ዝፀደቕ ሕግን፡ ኣገባብ ኣሰራርሓን ኮንካ ናይ ሓባር ፍታሕ ናይ ሓባር መኸተ ናይ ሓባር ምጽዋርን ናይ ሓባር ትብዓትን ሓቦን ናይ ሓባር ምክእኣልን ምርድዳእን፡ ብተግባር ሓቢርካ ክረጋገጽ ይግባእ። ሽሕ’ካ ረመጽ ዝኾነ ፍልልያት ይሃሉ እምበር፡ ግዜን ኩነታትን ህዝብናን ሃገርናን፡ ጠለብ ራሕሪሕካ ኣብዘይከውን ናይ ስልጣን ዕንክሊል ክውገድ ይግባእ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ርሑቕ ከይከድና፡ ግዜን ኩነታትን እዋናዊ ዕዙዝ ጠለብ፡ በቶም ዘራኽቡና ሓቢርና ርእሲ ንርእሲ፡ ሓሳብ ንሓሳብ ልቢ ንልቢ ተዋሃሂድና፡ ብግደ ሓቂን ንቕኑዕ ኣገባብ ኣቃላልሳን፡ ክንዛተየሎምን ኣብ ጭቡጥ ማዕርፎ ከነብጽሖምን ብተግባር ክንሰርሓሎምን፡ ካብ ዝሓለፈ ኩነታት ዝሓየለን ዝበርተዐን ዕዙዝ ሓርበኛዊ ተራ ከነበርክት፡ መድረኻዊ ጠለብ ደጊሙ ደጋጊሙ ይሓተና ኣሎ። ዝኸበርኩም ጉባኤኛታት ውድባት ኤርትራን ሲቪልዊ ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ንምቶም ጸላእትና ዘኽፍኡናን ዘጸለሙናን ዝሓምዩናን ጸለሎ ዝኸድኑናን ኬንና ከይንርከብ ወይ ከይንህሉ ሓደራ ሓደራ ክንጥንቀቕ የተሓሳስብ። እዚ ታሪኻዊ ጉባኤ አዚ ካኣ ግሉጽነት ዘረጋግጽ፡ ብራድዮን ብቲቪን ብኢንተርነትን ብጋዜተኛታትን ብስእላዊ መግለጺን ብዘመናዊ ሰነድ ዝዕቀብን ኣብ ሰነድ ዝሰፍር ኮይኑ፡ ንመጻኢ ወለዶ ቁኑዕ መርኣያን መምሃርን ኮይኑ ክወጽእ ይግባእ። ዝኸበርኩም ብጾት የሕዋትን/ኣሓትን፡ ጽባሕ ታሪኽ ክሓተና እዩ። ወዲ ሰብ ካኣ ኣብዛ ሓሳዊት ዓለም ኣይነብርን እዩ። ኩሉ ካኣ በብግዚኡ ክሓልፍ’ዩ እሞ ነባሪ ታሪኽ ገዲፍካ ሞት ወይ መስዋእትነት ግን ዘይሓልፍ ዘልኣለማዊ ክብርን ዓወትን አዩ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክሳብ ዘለና ካኣ፡ ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ምክእኣልን ምጽውዋርን ትዕግስትን ሕድገትን፡ ናይ ለባማትን መስተውዓልትን ሓቂ ዝመልኦ ኒሕን ስንቅን ዕጥቅን ኮይነን ከገልግላና ይግባእ እዩ’ሞ፡ እዚ ጉባኤ እዚ ሃገር ለኸ ዕዉትን ታሪኻዊን ዲሞክራስያዊ ባይቶ፡ ኣብነት ናይ ሓቀኛ ዲሞክራሲን ፍትሕን፡ ዓቲሩ፡ ብስራት ንውጹዕ ተቓላሳይ ሓርበኛ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራን፡ ንደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ዘቃልሕን ዘባራብርን ኮይኑ ብጭቡጥ ዓወት ክዛዘም የማሕጽንን ኣጽኒዐ ይላቦን። ንፍትሕን ማዕርነትን መሰልን ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን፡ ዝሰፈናን ዝነገሳን፡ ፍርሕን ምዩቅታን ዘየብላ ዉሑዳት ብብዙሓት ዝምእዘዙላ ሓዳስን ቅንዕትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና። ቃልስና ብዕቱብነትን ብተውፋይነትን ጽንዓትን ቆራጽነትን ብምርድዳእን ብምክእኣልን ብምክብባርን ክሳብ ፍጹም ዓወት ብተግባር ከነራጋግጾ ኢና። ዓወት ነቲ ደሙን ዓጽሙን ኣፍሲሱን ከስኪሱን ተበጅዩ ዘጥረያ፡ ኣዝዩ ዘፍቅራ ውጹዕ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ። ኽብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሓርበኛታት ስዉኣትና!!! ተወልደ ገብሩ - ኣባል ምትሕብባር ኤርትራውያን ንፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን- ኣትላንታ |