ዘ መ ተ Print E-mail
By ብቡርሃን ዓሊ ተቶርጎም - Apr 30, 2008   


ሓጺር ዛንታ ብኣንቶን ጨኾፍ እተጻሕፈ
ብቡርሃን ዓሊ ተቶርጎም

ሃብታም ጎይታ በዓል ንብረት ነታ ደቁ ክትኣልን ከተስተምህረን ዝቆጸራ ሰበይቲ ናብቲ ኣብ ማእከል ንብረቱ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ደሞዝ ከረክባ ጸወዓ።

“ንበሪ ዩልያ” እናበለ ድማ ቀጸለ “ገንዘብ ከም ዘድልየኪ ይርደኣኒ ኢዩ ግን ሕፍረት ስለ ዝስዐረኪ ደፊርኪ ከምዘይትጠልቢ ድማ ይርደኣኒ ኣዩ፡ ስላሳ ቅርሺ ኣብ ወርሒ ክኽፍለኪ ተሰማሚኦኣዐና ኔርና

“ኣርበዓ ጎይታይ” ኣናበለት ዩልያ ከተቋርጾ ፈተነት ግን ጎይታና ድምብርጽ ከይበለ ቀጸለ “ጎይታይ ኣርበዓ” ጎይታ ግና ከምዘይሰመዔ ዘረብኡ ቀጸለ “ኣይፋሉን ሰላሳ ቅርሺ’ዩ ዝብል ዘሎ መዝገበይ፡ ክልተ ወርሒ ድማ ሰሪሕኪ”።

ደጊማ ዩልያ ክትኣርሞ ፈተነት፡ “ወርሕን ሓሙሽተ ማዓልትን”

“ልክዕ ክልተ ወርሒ ከም መዝገበይ ዝብሎ፡ ስለ’ዚ ሱሳ ቅርሺ ኢዩ ዝግባኣኪ፡ ካባኡ ናይ ትሽዓተ ስንበት ይቁረጸኪ ከምኡ ድማ ናይ ስልስት መዓልቲ በዓላት’ውን ኣብ ልዐሊኡ ይቁረጸኪ”

ገጽ ዩልያ ኣዝዩ ቀይሑ ደም ኣንተመሰለ’ኮ ኣፋ ከፊታ ሓንቲ ቃል ከተሙልቅ ኣይተረኽበትን፤ ጎይታኣ ድማ ሃለዋት ‘ዛምስኪን ሰብ ከይ ከበዶ ሒሳቡ ቀጸለ።

“አምበኣርከስ ድምር ዓሰርተኽልተ ቅርሺ ይኸውን፡ ግን ኮልያ ወደይ ነርባዐተ መዓቲ ሓሚሙ ነይሩ፡ ንስኺ ድማ ንሰለስተ መዓልቲ ስንኺ ተቕንዝኺ ካብ ቆልዑ ምምሃር ኣዕርፊ ኢልናኪ ስለዚ ዓሰርተችዓተ ይቁረጸኪ፡ ሰለዚ ኣርበዓን ሓደን ቅርሺ ይተርፈኪ”

ኣዒንታ በርበረ ኣናመሰላ ንብዓት ቆጺረን ግን ብጭቕ ኢላ ኣፋ ክትከፍት ኣይከኣለትን፡ ግና ክቡር ጎይታ ምቁርራጽ ደሞዛ ቀጸለ።  

“ቅድሚ ዝሓለፈ በዓል ልደት ድማ ሓደ ናይ ቡን ፍንጃል ሴርኪ ኔርኪ፡ ከምኡ ድማ ብዘይምጥንቃቕኪ ሰንኪ ኮልያ ወደይ ክዳኑ ተቐዲዱ፡ ኣታ ሸቃሊት ድማ ብዘይምግዳስኪ ጫማ ናይ ፋሪያ ጛለይ ሰሪቓቶ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ዓሰርተ ቅርሺ ሂበኪ ነይረ”፤ ከም’ዝን ወዲ ከም’ዝን እናበለ ጎይታ በዓል ንብረት ምቁርራጽ ደሞዝ’ዛ ድኻ ሰብ ቀጸለ።

ዩልያ ሱቅ ኢላ በብቅሩብ እና ተማረኸት ከደት፡ ኣብ መወደእትኡ እውን እና ተሓገገዞቶ ከደት፡ “በዓልቲ ቤትኩም ውን ዝሓለፈ እዋን ስለተ ቅርሺ ሂበናኒ ነይረን፡ ካልእ ኣይወሰድኩን”

.

“ሓቅኺ ድኺ?” እናተገረሞ ሓተተ፡ ቀጺሉ ድማ “እዚኣስ ኣይመዝገብክዋን ጸኒሐ፡ እምበኣርከስ ሰለስተ ቅርሺ ካብ ዓሰርተርባዐተ ክቆርጽ እየ”።

“እንኪ ገንዘብኪ  ሰለስተ…ሰለስተ…ሰለስት…ሓደ…ሓደ” ኢዱ በተን ዓሰርተ ቅርሺ ወጥ ብዘበለላ ጎይታኣ ድማ ዘንቀጣቕጣ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ተቐቢላ ድማ ዓስርተ ቅርሺ አብ ጁበኣ መለሰተን ብኣኽብሮትን ብጣዕሚ ዝተሓተ ድምጽን ገይራ “የቐንየለይ ጎይታይ” በለቶ”፡

እቲ ነገራት ኣብዚ ምስ በጽሐ ጎይታ በዓል ንብረት ተቖጢዑን ኣዝዩ ተናዲዱን ኣትሪሩ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኣጸቢቑ ዓው ኢሉ ኣስመዓ፡ “ስምዒ‘ስከ! ዘሚተኪ፡ ስሪቐኪ ከመይ ገርኪ ተመሊስኪ ተምስግንኒ?”

“ኣብ ገሊኡ ቦታታት ጨሪሶም ገለ ኣይሃቡንን” ኢላ ዩልያ ብግርህነት መለሰትሉ፡

ግልብጥ ኢሉ ድማ እዚ ዝስዕብ በላ


“የጻውተኪ እየ ኔረ ግን ሓደ ጨካን ዝኾነ ኣስተምህሮ ሂበኪ፡ እንኪ ገንዘብኪ ብምሉኡ እነሆ፡ ሰማንያ ቅርሺ ብምልኡ፡ ግን እዚ ኩሉ ስንፍናን ዘይክእለትን ኣእምሮ ይቕበሎ ዶ፡ ወላ’ኳ ሓንቲ ተቓውሞ ኣይትርእይን፡ ዓው ኢልኪ ሓቀይ ኢልኪ ኣይተእውይን? ስጋብ ክንድዚ ዝኣክል ዕሽነት ኣለኪ?”

ዩልያ ክምስ በለት ትርኢታ ግን “ምናልባት” ዝብል ዝነበረ እዩ ይመስል ነይሩ፡

ገንዘባ ኣብ ጁባኣ ሒዛ እናወጸት ጎይታኣ ንነብሱ ከዛርባ ጀመረ “ኣብዛ ዓለም ‘ዚኣ ለካ ሓያልን ዓማጽን ክትከውን ቀሊል እዩ” እናበለ ሓሳቡ ዘሚሙ።

Last Updated ( Apr 30, 2008 )
 
< Prev   Next >

Contribute 

Donate through Mail


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.