|
ክቡር ፕሮፈሶር ዳን ኮኔል (ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርኪ ሰውራን ህዝቢን ኤርትራ) ክቡር ኣቶ ሳልሕ ጆሃር (ቃዲ) (መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም) ክብርቲ ዶክተር ትሪሻ (Amnesty international for Eritrean desk)
ክቡር ዶክተር ዮናስ ማሓሪ (ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ህዝባዊ ርክባትን ESDJHR ሰሜን ኣሜሪካ) ክብርቲ ወ/ሮ ፎዚያ ማሓመድ ሓሰን (ዋና ጻሓፊት ESDJHR ስሜን ኣሜሪካ) ክቡር ኣቶ ፍሳሃየ ደስታ ወኪል (MDHR) ኣቦመንበር ትንሳኤ መንእሰያት ንድሕነት ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝኸበርኩም ኩሉኹም ንዝተፈላለያ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወኪልኩም ዝመጻኹም ኣጋይሽና፡ ዝኸበርኩም ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩም ዕዱማትናን፡ ዝኸበርኩም ንሓቀኛ ዲሞክራሲን ንፍትሕን ጠጠው ዝበልኩም ነበርቲ ኣትላንታን ከባቢኣን ዝኾንኩም ኣኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን፡ ብመጀመርታ ብሽመይን ብሽም (ምኤፍሰመ) ኣትላንታ ኣብዚ ፈላሚን፡ ኣቃሊልካ ዘይረኤን፡ ሰሚናርና እንቓዕ ብደሓን መጻእኩም።
· ምኤፍሰመ ዋላካ ሓጺር ዕድመ እንተሃለዎ፡ እቲ ቀንዲ ስሩሑን ዕማሙን ንመሰል ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ዝጣበቕ ማሕበር ስለ ዝኾነ፡ ካብ ህዝቢ ህቡብነት እናወነነን ምስ ካሎኦት በርጌሳውያን ማሕበራት እናተሓባበረን ናይ ቀረባን ናይ ነዊሕን መደብ ሓንጺጹ፡ ድሮ ናብዚ ሃናጺ ሰሚናር ክንበጽሕ ምኽኣልና፡ ንህዝብናን ሃገርናን፡ ተሪር ናይ ዲግዲጊት ሞራል፡ ነዚ ብሕጊ-ኣልቦነት ንህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ካኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ተፈንፊኑ ኣብ ኣዝዩ ቀልባዕባዕ ዘብልን፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ካልእ ኣጋጣምን ተጠቒሙ ንህዝቢን ንመራሕቲ ህይማኖትን ዘየድሊ ጸርፍን ቀቢጸ-ተስፋዊ ምልክታት ዘርእየሉን ኩነታት በጺሕና ኣለና። · እዚ ምልክት እዚ ካኣ ናይ ዝኾነ ሂወት ዘለዎ ፍጡር፡ ናይ መጨረስታ ሂወት ክትሓልፍ ምስደለየት ዘርእዮ ምልክት ፈንጠርጠር እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ሃገራዊ፡ ሎሚ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሰበኣዊ ግህሰትን፡ ኣብ ልዕሊ ሃገር ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋን ገሚቱ፡ ንነብሰይ ይጥዓመኒ ከይበለ ኣብ ከምዚ ናትና ዓይነት ማሕበራት ምስራሕን፡ ኣካሉ ምኻንን ካብኡ ንላዕሊ ሕልናዊ ቅሳነት ዝህብ የለን። ኣብክንድቲ ድምጹ ከየስሞዕን ከይ ጽሕፍን በኢዱን ብጎሮሩኡን ተታሒዙ ዒቕዒቕ ዝብል ዘሎ ህዝብና፡ ድምጹ ከነስምዕን ዓገብ ክንብልን ዜጋዊን ሞራላዊን ግዴታና አዩ። · መን ይመርሕ ብዘየገድስ፡ ንሕና ሕልናና ወኒንና፡ ኣብ ሃገርና ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዝኸብረሉን ከይፈርሐ ነጻ ኮይኑ ናጽነቱ ዘስተማቕረሉን ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር፡ ዝበኩር ስራሕ የሎን። ነዞም ኣብቲ ሓደ ኩርናዕ ኮይኖም፡ እንተስ ብፍላጥ እንተስ ብጥቕሚ፡ ነዚ ጉጉይ መስመር ሒዙ ዘሎ ስርዓት ዝግብሩ ዜጋታትን፡ ናይቲ ሰብኣዊ ግህሰት ጠያይት ዝኾኑ ዘለዉን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ናይቲ ስርዓት ግዳያት(victims) ምኻኖም ተገንዚብና፡ ኣዚና ከየግለልናዮም፡ ፍትሒን ቅዋማዊ መንግስቲን፡ ንኩሉ ዜጋ ብማዕረ ዘገልግል ምኻኑ ኣረዲእናን፡ እቲ ንሳቶም ዝገብሩዎ ጌጋታት ከይደገምናን፡ ካብ ጊላነት ውልቀ-መላኺ ምኻን ክላቐቑን፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ከድልየና እዩ። ንምንታሲ ኤርትራ ናይ ኩላትና እያ። ዕላማናን ጻዕርናን ካኣ ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ብሕግን ብፍትሕን ምክብባርን ማዕርነትን ተፋቒርና ክንነብር ዳኣምበር መሳርሒ ናይዝኾነ ሓይሊ ኣይኮንናን። እንተ ንሳቶም ናይቲ ስርዓት ግዳያት ከብሎም ዝኻኣለ ካኣ ካብዚ ዝስዕብ ንጥብታት ክንግንዘብ ንኽእል። · ንእብነት ሰባት ደቅኹም ሃዲሞም $50.ሽሕ ክፈሉ ይባሃሉ ኣለዉ። · ብዙሓት ዜጋታት ብዘይተፈልጠ ገበን ናይ ሓደራ አሱራት ይኾኑ ኣለዉ። · ናይ ውርሻ ገዛ ንኽምለሰሎም ወይ ካብ መንግስቲ ዝኾነ ኣገልግሎት ክረኽቡ 2% ሕጋዊ ዘይኮነን ከይመኑሉን፡ ክኸፍሉ ይግደዱ ኣለዉ። · እዚን ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ነገራትን እናተገብረ ነዚ ስርዓት’ዚ ዝኾነ ይኹን ኢልካ ምግባር ገለ ካብቲ ብዙሕ ዝጥቀስ ኣብነታት እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሰብእዊ ግህሰትን ምፍርራሕን ካብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ኣብ ስደት ንዘሎ ህዝብና ውን ስነ-ኣእሙራዊ ግብረ-ሽበራ ኣብ ልዕሊኡ ብግልጺ ጀሚሩ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክታት ኩዉን ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። አዚ ካኣ ሓላፍነት ናይ ኩልና ስለ ዝኾነ ነንመሰልናን ንሰባዊ ክብርናን ከም ሰባት ጠጠው ክንብል ግድን’ዩ። ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ (tornado) ክሓልፍ ከሎ ዝጸንሓሉ ግዜ ኣዚዩ ሓጺር ክኸውን ይኽእል አዩ። ኣብታ ሓጻር ግዜ ዝበርስ ንብረትን ዝጠፍእ ሂወትን፡ ናብ ንቡር ንኽምለስ ዝሕተት መስዋእትን ቀሊል ከምዘይኮነ ኩልና ንጠራጠረሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ካብዚ በዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ስርዓት ዘኸተሎ፡ ኣጋጢሙና ዘሎ ዘይተጸበናዮ ሓደጋ፡ ቀልጢፍና ክንድሕን ተዘይ ኪኢልናን፡ ብሕጊ ዝኸይድን ሓላፍነት ዝስመዖ መንግስቲ ተዘይ ሃልዩናን፡ ክመጸና ዝክእል ጸገም፡ ግህሰት ጥራይ ዘይኮነስ ከም ህገርን ህዝብን ህላውነትና ዝፈታትን መድርኽ ከጋጥመና ይኽእል’ዩ። እዚ ኻኣ ኩላትና ሐሕልናና ንኩሕኩሓሉ ጉዳይ ዳኣምበር ገሌና ንዋራዘየሉ ገሌና ኻኣ ብማዕዶ ንዕዘበሉ መድረኽ ስለ ዘይኮነን ጽባሕ ድልየት ህዝቢ ተማሊኣኡ ሰላም ምስኮነ ኣብ ሓደ መኣዲ ከቢብና ንበልዓሉን ኣብ ሓደ መድረኽ ንስዕሳዓሉን ክመጽእ ስለዝኾነ ብደዐ ዘረባን ዘየድሊ ጸርፍን ኣድላይነት የብሉን። ኣብ 60ታት ሰውራ ኤርትራ ክጅምር ከሎ፡ ብገዛእቲ ኢትዮጽያ ዉሑዳት ሸፋቱ፡ መሳርሒ ናይ ዓረብ፡ ጸበብቲ፡ ወዘተ…..ብዝብል ምስምስ ብዙሓት ወለድና ኣያታትናን ኣሓትናን የሕዋትናን ተጨውዮም ተሓይሮም ገሊኦም ውን ኣብ ዕዳጋታት ተሰቒሎም እዮም። ኣብዚ ግዜ እዚ ኻኣ እቶም ንዑኡ ዝበድሁን፡ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት ዝተጋደሉን፡ ኣብቲ ገድሊ ዝሰንከሉን፡ ኣብ ዝላዓለ ጽፍሒ ናይ መንግስቲ ዝነበሩን፡ ንጉጉይ ፖሊሲ መንግስቲ ዕቃቤ ዘርኣዩን፡ ንክዉንነት ሃገር ዘቃልሑን፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ እምነት ዘለዎምን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ዝተረኽቡን፡ 5ይ መስርዕ ከዳዓት ወያነ CIA ጠራሮ ወገናውያን ብዝብል ምስምስ፡ ብዙሓት ይጭወዩ፡ ይእሰሩን ተኣሲሮም ሃለዋቶም ዘፍለጡን ኣብ ፍርዲ ዘይቀርቡን ዝቕተሉን ቁጽሮም ውሑዳት ከም ዘይኮኑ ንኹልና ስዉር ኣይኮነን። መንእሰይ ኣብ ገዝኡን ሃገሩን ብሰላም ክነብር ስለ ዘይካኣለ፡ ካብ ሕሰም ክላቐቕ ዝወሓጠ ይውሓጠኒ’ሉ፡ ግደ ዓሳታት ባሕርን ኣራዊተ ዘገዳምን ኮይኑ ብኽንደይ መከራን ሕሰምን ሂወቱ ዝጠፍእ ዘሎ ውሑድ ኣይኮነን። ነቶም ዉሑዳት ዕድል ጌሮም ኣብ ክዕቆቡሉ ዝኽእሉ ሃገራት ምስ በጽሑ ካኣ፡ ህሱሳት ወይጦታት ሃደምቲ እናተባህሉ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ምድሃልን ምፍርራሕን፡ እቶም ነዚ ኣሰካፊ ቃላት ዘተንብሁ ዘለዉ ባእታታት፡ ኣብ ዓዲ ሰላም፡ ብሰላም ደቆም እናዕበዩን ድላዮም እናተዛረቡን፡ ጉቦ ከፊሎም የሕዋቶምን ቤተሰቦምን እናህደሙን፡ ክሓፍሩ ምተገቦኦም። ንዓቢ እጃም ዘበርክቱ ሃገራውያንን፡ ንመራሕቲ ህይማኖት ምቁንጻብን፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘይተኣደነ ጸለመ ምክያድን፡ ዋላካ ልቢ የዕቢኻ ናይ ዓጽረ-ሞት ተባሂሉ ሸለል ክባሃል ከም ምርጫ ተወሲዱ እተጸንሐ፡ መዕለቢ ክግበረሉን ወጊድ ክባሃሉን፡ ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስል። ስለዚ ንመሰልና ባዕልና ቅድም ኣኣብ ንነብረሉ ቦታ፡ ነቶም ከድምዑ ይኽእሉ ኢሎም ዝግምቱዎም ሰባት ዝገብሩዎ ምድሃልን፡ ካብቲ ሕብረተሰብ ንምንጻል ዘካይድዎ ዘመተን፡ ክንምክቶ ተኺኢልናን፡ ሓድነትና ተደልዲልናን፡ ሰባዊ መሰልና ዝኸብረሉን፡ ልዕልና ሕጊ ዘልዋ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንውንነሉን ግዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን’ዩ። ስልዚ ነዚ ሰሚናር እዚ ኣዳሊና ክንዕድመኩም ከለና፡ ገሌኹም ካብ ኢውሮጳ ገሌኹም ካብ ካናዳ ገሌኹም ካኣ ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ክትመጹ ምኽእልኩም፡ ነዚ ሰሚናርና ዓቢ ድምቀት፡ ንህዝብና ኻኣ ኣብ ወጽዕኡን ሕሰሙን ኣብ ጎኑ ከምዘለናን ዓቢ ተስፋን ፍናን ዝህብ መልእኽቲ ስለ ዝኾነ፡ ንኹላትና እንቃዕ ሓጎሰና እናበልኩን፡ ጽቡቕ ሰሚናር ክኾነልና እናተመነኹን፡ ነዚ ዕላማ’ዚ ዕዉት ንምግባር ብዘይ ናታትኩም ሓገዝን ምኽርን ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ካኣ ሃናጺ ነቐፌታ ክይተወሰኾ ንቅርሚት ክንስጉም ስለዘይንኽእል ብኹሉ ሸነኽ ክትታሓባበሩና ብትሕትና ትሓትት። ንሃገርናን ንህዝብናን ፍትሕን ሰላምን የውርድ ዓወት ንኩሎን ደለይቲ ፍትሕን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!!
ምትሕብባር ኤርትራውያንን ፍትሕን ሰባዊ መሰላትን ኣትላንታ 04-12-2008 |