|
ኣገዳሲ ምሕጽንታ ንውድብ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ፡ |
|
|
|
By መሰረታትን ውድባት ተቓውሞ ኪዳንን-ሳንድየጎ -
Mar 14, 2008
|
ክቡራት መራሕቲ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ፡
ብመጀመርያ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሰላምታና ክበጽሐኩም እናተመናና አብ ኩሉ እተካይድዎ ሃገራዊ ጉዳያት ምሉእ አሳልጦን ዓወትን ንምነየልኩም። ኩሉኹም ብተመኩሩ ቃልሲ ዝላደኹም፣ ንሃገርኩምን ህዝብኹምን ንእስነትኩም ዘወፈኹም ብምዃንኩም ዘለና ክብሪ እናገለጽና፡ ኣብ ጉዕዞኹም ንዘይተጋህደ ድሌት ህዝብና ዘብስር ታሪኽ ንምምዝጋብ፡ ኣብ መወዳእታ መጋቢት 2008 ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ኪዳን ድሌትናን ድሌት ህዝብናን እንታይ ምዃኑን ዘብርህ ለበዋታት እነሆ፡ ክቡራት መራሕቲ ውድባት ኪዳን ብርግጽ መሪር ጉዕዞን ከቢድ መስዋእትን ስንክልናን ዝዘቕበበ ተጋድሎ ህዝብናን፣ ከርተት ናይ ተቓለስቱን፣ ዝግብኦ ፍረ ጻማን ዓስቢን አይረኸበን። ጸበባን ስቓይን ህዝቢ ኤርትራ ገደደ ድአ’ምበር አይተወድኤን። ነዚ መዛዘምታን መወዳእታን መታን ክኸውን ኢዩ ከአ ህዝብኹምን ሃገርኩምን መሰረታትኩምን ውጽኢትን ውሳኔታትን ናይ’ዚ ጉባኤኹም’ዚ ብሃንቀውታን ሃረርታን ዝጽበዮ። እዚ ጉባኤ’ዚ ናይ ዝሐለፈ መሪር ቃልስታትን ተመኩሮታትን ብግቡእ መዚኑ፣ ንሕጽረታቱን ድኽመታቱን ከአ ወጊኑ፣ ብቑዕ መሪሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ተቓውሞ መስሪቱ ብዓወት ክወጽእ ሃንቀውታን ትጽቢትን ኤርትራ ምዃኑ ተገንዘቡ። አብ ውሽጢ ጉባኤኹም እተካይድዎ ንጥፈታት ከአ ነዚ ሃንቀውታ ህዝቢን ሃገርን እንዳዘከርኩም ከተሳላስልዎ ነማሕጽነኩም። ኩሉ ሃገራዊ ብቕዓትናን ዓቕሚናን፣ ክእለትናን ትሕዝቶናን፣ ብሐደ ተወሃሂዱ፣ ኤርትራዊ ዝሰመረ ሐድነታዊ አሰራርሐ ክዉንን ጋህዲን ዝቐየረ መስርሕ አጨቢጥኩም ንኽትወጹ ከአ እምነትን ሐደራን ነቐምጠልኩም። ነዚ እምንቶ’ዚ መሰረት ንምግባር እዚ ዝስዕብ ለበዋን ምሕጽንታን ነቕርብ፡- ጉባኤ ሐደ ተግባራዊ፣ ናይ ምሕጋግን ምፍጻምን ምሉእ ሐላፍነት ዝተሸከመ፣ ግዝያዊ መንግስቲ አብ ወጻኢ ክምስርት። ንጹር ዘየሻሙን ዘየሳሐሕብን ኩሉ ዝምእዘዘሉ ዓንዲ ሕግታትን ትካላትን ክቐውም። ነቲ ዝቖመ ናይ ኪዳን ቅዋምን ሕግታትን ዝምእዘዝ ሐደ ስሙር ሃገራዊ ሰራዊት ክቐውም። ንጥፈታትን ውሳኒታን ጉባኤ ንህዝብናን መሰረታትን ንጹር መወከሲ መታን ክኸውን ብቪድዮን ኦውድዮን ብግቡእ ክቕረጽ። ተሳታፍነት ናይ ሲቪካውያን ማሕበራትን ወጻኢ ካብ ኪዳን ዝኾኑ ናይ ፖለቲካ ምንቅስቓሳትን ሱታፌ አብ ግምት አእትዩ ክዓዝዝ።ኣብ መደምደምታ ጉዳይኩም ወዲእኩም ብዘይካ ንህዝብናን፡ ንኣብ ባርነት ዘሎ መንእሰያትናን ኣብ ጎድንና ዘሰልፍ ውሳኔታት ሒዝኩም ካብ ምውጻእ ካልእ ናይ ትጽቢትና መተካእታ ከምዘየሎ ብምፍላጥ ዓወት ንምነየልኩም።
ምስ ሰናይ ትምኒት መሰረታትን ውድባት ተቓውሞ ኪዳንን ሳንድየጎ ካሊፎርንያ ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ 12 መጋቢት 2008 ዓ.ም.
|