ፕረሳዊ ፈነወ: አብ ጉዳይ ዓዋተ ዲፈንስ ፋንድ Print E-mail
By ኣባላት ተሓኤ-ጨንፈር ቶሮንቶ - Feb 14, 2008   


ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ቶሮንቶ አብ ጉዳይ ዓዋተ ዲፈንስ ፋንድ ዘተኮረ ፍሉይ አኼባ ብምጽዋዕ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት በሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቕና፡፡

 

1. ንሕና ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ቶሮንቶ  ንሓዉ ሳልሕ ቃዲ ንምንዋር ዝተኣልመ ረሳሕ ተግባር ንምምካት ዓዋተ ዳት ኮም ኣበጊስዎ ዘሎ ፍሉይ ዕማም ናይ ሕጋዊ መኸተ ኣሞጊስና፡፡

 

2. ንሕና ኣባላት ተ. ሓ. ኤ. ዓዋተ ዳት ኮም አብ ጉዕዞ ዝጽበይዎ ዘለዉ ኩሎም ፊናንስያውን ቤት ፍርዳውን ብድሆታት ብምምዛን ሽግራት ዓዋተ አብ ምክፋልን ምቅላልን እጃምና ክንጽዕር ምዃንና እናገለጽና ከይተሓለልና አብ ጎድኒ ዓዋተ ዳት ኮም ክሳብ መወዳእታ ደው ከምንብል ነረጋግጽ አሎና፡፡  ዓዋተ ዲፈንስ ፋንድ ንምሕያሉ ድማ ብምሉእ ዓቕምና ክንውፈ ምዃንና ንገልጽ፡፡

 

3. ንሕና ኣባላት ተ. ሓ. ኤ. ንኹሎም መሰረታት፣ ሃገራውያን ውልቀ ሰባት፣ ማሕበራት፣ ውድባት፣ ዌብ ሳይታት ወዘተ ንዓዋተ ዳት ኮም ከምኡ ድማ ንዓዋተ ዲፈንስ ፋንድ በብዓቕሞም ዘበርከትዎ ሞራላውን ፊናንስያውን እጃማት ንኢድና፡፡  እዞም እጃማት ብዝያዳ ንኽሰፍሑን ንኽሕይሉን ድማ ኩሎም አብ መላእ ዓለም ዝርክቡ ሃገራውያን አኢዶም ምሕዋስ ክቕጽሉ ለበዋታት ነቕርበሎም፡፡

 

ዓወት ንዓዋተ ዳት ኮም

ስዕረት ንጠቃኒ ተግባራት

 

ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ጨንፈር ቶሮንቶ 

 
< Prev   Next >

Contribute 

Donate through Mail


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.