ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብ ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት Print E-mail
By ዳንኤል ረዘነ - Feb 13, 2008   

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም፡ ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት ክላቃሕ ቀንዩ ኣሎ። እዚ ጻውዒት’ዚ፡ ኩሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ብስኹን ኣእምሮ ክሓስበሉን ከስተንትኖን ዝግብኦ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክዕመሙ ካብ ዝኽእሉ ዝዓበዩ መደባት፡ ብኣገዳስነቱ ዝዓዘዘ፡ ንኽዕወት ዘለዎ ተኽእሎ ድማ ዝረሓበ መደብ ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ናይ ኩልና ደገፍ ክፍለዮ ዘይግባእ ህጹጽ ህዝባዊ ጻውዒት ኢዩ።

እቲ ዘዛርብ ዘሎ ቀንዲ ጉዳይ፡ በቲ ጽብብ ዝበለ ሸነኹ፡ ሶፍያ ተስፋማርያም እተብሃለት ዕልልቲ ፕሮፖጋንዲስታ ናይ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሳልሕ ጆሃርን (ጋዲ) ካልኦትን ተካይዶ ዘላ መጠነ ሰፊሕ ናይ ጸለመን ጠቐነን ወፍሪ ዝምልከት ኮይኑ፡ በቲ ስፍሕ ዝበለ መዳዩ ድማ ንስርዓት-ኣልቦት ካድራት ህግደፍ ዝምልከት ኢዩ። ሶፍያ ንባዕላ ኣባል ናይቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ፡ ብሽፋን ማሕበረኮማትን ኤምባሲታትን ዝነጥፍ፡ ሓሰውቲ፣ ኣበጻጻሕቲ ወረን ሰለይትን ዘጠቓለለ ሰፊሕ መርበብ ገበኛታት ህግደፍ ክትከውን ከም እትኽእል ምጥርጣር ‘ውን ምኽኑይ ኢዩ። ኣባል ናይ ከምዚ ዝኣመሰልዎ ጉጅለ ገበኛታት ምዃን ንባዕሉ ዝኸበደ ገበን ኢዩ። እዚ ጉጅለ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ዓመታት፡ እዚ ዘይብሃል ግብረ-እከይ ፈጺሙ’ዩ። ገለ ካብቲ እዚ ጉጅለ’ዝን ተሓባበርቱን ዝፈጸምዎ ገበናት ብሕጊ ተማጻርዩ ምስ ዝረጋገጽ፡ ኣብቲ ሶፍያ እትነብረሉ ዓዲ ከይተረፈ ከም ገበን ዝቑጸር ጽዩፍ ተግባራት’ዩ። እዚ ገበናት’ዚ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ንፍትሓውያን ተቓለስቲ ምጉንዳብ ኮይኑ፡ ካብ ብዙሕ ብውሑዱ፡እዚ ዝስዕብ ገበናዊ ኣገባባት የጠቓልል፦

1ይ) ብሕሱም ጭኮና ካብ ሃገር ሃጽ ኢሎም ዝነፈጹ ሓተትቲ ዑቕባ ኤርትራውያን፡ ኣብ ጎረባባቲ ሃገራት (እንተተኻኢሉ ‘ውን ኣብ ካልእ) እንዳሰዓብካ፡ ንሓለፍቲ ብምሕባልን ብምጥባርን ናብ ኤርትራ ከም ዝጥረዙ ምግባር፤ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ድማ ብሕሱም ከም ዝግረፉን ከም ዝሳቐዩን ከም ዝርሸኑን ምግባር።

2) ኣንጻር ምልኪ ይቃለሱ ንዘለዉ ባእታት፡ ብኹሉ ዓይነት ኣገባባት፡ እንኮላይ ብናይ ሞት ታህዲድ፣ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዎ ፍትሓዊ ቃልሲ ክእለዩ ከተስገድድ ምህቃን፤ ወይ ‘ውን ፓስፖርቶም ከም ዝስረዝ ጌርካ ንዝኸፍአ ሓደጋታት ከም ዝቃልዑ ምግባር።

3) ንኻልኦት ዜጋታት፡ “ምስ ተቓወምቲ ትጽንበሩ ወይልኹም” እንዳበልካ ምፍርራህን ምርዓድን፤ ከምኡ ‘ውን ንስርድኦምን ኣዝማዶምን ጸቕጢ እንዳፈጠርካ ምስንባድ።

4) በዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣገባባትን ካልእን ንዘይርዓዱን ዘይተንበርከኹን ተቓለስቲ ድማ ብወጹእ ጠቐነን ሓሶትን ዝተሰነየ ናይ ጸመለ ወፍሪ ምክያድ።

መብዛሕቶም ነዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ በደላት ዝፍጽሙ ሰባት፡ ሓለፍቲ ማሕበረ-ኮማትን ብስም ኣባላት ኤምባሲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተወዝዑ፡ ብሽፋን ዲፕሎማስያዊ ዑቕባ ዝነጥፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ከም ሶፍያ ተስፋማርያም ዝኣመሰሉ ዕሉላት ተሓባበርቲ ‘ውን ኣለውዎም። መምርሒ ናይቲ ዝፍጽምዎ በደላት ብቐጥታ ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኢዮም ዝቕበልዎ። ወይ ድማ ብኣካል ናብ ኣስመራ እንዳተመላለሱ ይጎስምዎ። ነቲ መምርሒ ተቐቢሎም ድማ፡ ሕጋዊ ሳዕቤናቱ ብዘየገድስ ብዘይ ተጉላባነት ይትግብርዎ። ክሳብ ሕጂ ብሕጊ ዝመከቶም ሰብ ስለ ዘየለ ድማ፡ ኣብ ዓዲ ሕጊ ብቐይዲ-በተኽነት ከም ድላዮም ፍንጥሪዕ ይብሉ ኣለዉ።

ናይ ሶፍያ ተስፋማርያም መብዛሕትኡ ዕማም ኣብቲ ንጠቐነን ጸለመን ዝምልከት ምድብ ዝጽብጸብ ኢዩ። ይኹን እምበር ካልእ ተመሳሳሊ በደላት ዘጠቓለለ ‘ውን ኢዩ። ኣብቲ እልቢ ዘይብሉ ጽሑፋታ፡ ንሳ ንናይ ፖለቲካ እሱራትን ካልኦትን፡ ብመጠን ዘይብሉ፡ ዘይወዓልዎ ገበን ትጥቅንን ትኸስስን። ሰባት ብዘይ ፍርድን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ንዓመታት ተኣሲሮም እንዳተሳቐዩ፡ ንሳ ብዘይ ሕንከት፡ “ንሱ’ኳ ክውሕዶም” እንዳበለት ትውቅር። ነዚ ብደገልን ገበንን መቕረቢ ተሳኢንዎ ዘሎ በዳንን ፍንፉንን ስርዓት፡ ከም ጉጅለ ብጹኣን ተመላኽዖን ካብ ሓጥያቱን ኣብስኡን ድማ ብኢደ-ወነና ተንጽሆ። እቲ ዝርዝር ብዙሕ ኢዩ። ንሕጂ ዘገድሰና ግን እቲ ብዓዋተ.ኮም ተጀሚሩ ዘሎ ኣንጻራ ዝቐንዐ ሕጋዊ መስርሕ ኢዩ። እዚ ውጥን’ዚ እንተተዓዊቱ (ክዕወት ዘለዎ ዕድል ድማ ኣዝዩ ገፊሕ’ዩ) ንሶፍያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንብምሉኡ ጭፍራ ህግደፍ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ንጹርን ልዕሊ ንጹርን ኢዩ።

እዚ ሕቶ’ዚ፡ ቁርቁስ ኣብ ሞንጎ ሶፍያን ሳልሕ ጆሃርን ጌርካ ክርአ የብሉን። ኣዕሚቚ ንዝመርመሮ ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ፡ ግጥም ኣብ ሞንጎ ዓመጽትን ደለይቲ ፍትሕን፡ ቁርቁስ ኣብ ሞንጎ ሸሓጥትን ሰብ ሓቅን፣ ክርፍስ ኣብ ሞንጎ ምልክን ዲሞክራስን ኢዩ። እቶም ድላይካ ጌርካ ኣብ ድላይካ ምሕዳር ዝለመዱ መራሕትን ካድራትን ህግደፍ፡ ኣብ ዓዲ ሕጊ ከምኡ ከይዘይክኣል ትምህርቲ ክቐስምሉ ዝኽእሉ ወርቃዊ ኣጋጣምን ዕድልን ስለ ዝኾነ፡ እዚ ዕድል’ዚ ከምለጠና ከም ዘይብሉ ከነስተብህል ይግብኣና። እቲ ዝቐለለ ንሕተቶ ዘለና ኣበርክቶ ድማ ሰብ ፍልጠት ብፍልጠት፣ ሰብ ጉልበት ብጉልበት፣ ሰብ ገንዘብ ብገንዘብ ክንተሓባበር’ዩ። ካብዚ ዝቐለል ኣበርክቶ የለን። እቲ ዝበዝሐ ሰብ ከበርክቶ ዝኽእል ሓገዝ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ስለ ዝኾነ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ድማ ነቶም ኣብ ዓዲ ደሓን ዘለና፡ ነቶም ኣብ ዓዲ ርኹባት ዘለና፡ እቲ ዝቐለለ ክንገብሮ እንኽእል ኣበርክቶ ስለ ዝኾነ፡ ካብዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ኣጋጣሚ ዝዓቢ ኣጋጣሚ ክርከብ ከም ዘይክእል ኣስተብሂልና፡ ዓዓቕምና ዝፈቕዶ ነበርክት።

ከምቲ ተወልደ ሃብተሚካኤል ዝተባህለ ሓው ድሮ ገሊጽዎ ዘሎ፡ እዚ ኣንጻር ሶፍያ ተስፋማርያም ክግበር ተሓሊኑ ዘሎ ሕጋዊ ተጸባጻብነት ዘይርሳዕ ትምህርቲ ከቕስመና ኢዩ። ነቲ ድሮ ፈርከሽከሽ ኢሉ ዘሎ ኣዕኑድ ምልኪ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ዝድዕሙኹ ተረርቲ ጽፍዒታት ሓደ ከም ዝኾነ ብግብሪ ከርየና ኢዩ። ነቲ ኣብ መወዳእታ ክጭበጥ እንደልዮ ዝዓበየ ሸቶታት ከፋቲ ማዕጾ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ታሪኻዊ ጻውዒት ኩልና ብሓባር ኦሆይ ንበሎ። እቲ መስርሕ ዋላ እንተዘይተዓወተ፡ ሶፍያ ድማ ንምሸቱ ዋላ ናጻ እንተተብሃለት ንኸስሮ ነገር የብልናን፡ እንትፎ መኸሰብ። ንህግደፍ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብካ ክትሙጉቶምን ንሻምላ ፍትሒ ድማ ተደቢሮም ከም ዝሰግዱላ ክትገብሮምን ምኽኣል ንባዕሉ ዓቢ ዓወት’ዩ። ካብዚ ዝዓቢ ዓወት ከቶ ኣይክህሉን ኢዩ። ኣብ ኤርትራና ተሳኢኑ ዘሎ፡ ንኹልና ብማዕረ ዝዳኒ ሕጊ ኢዩ። እዚ ሕጊ’ዚ ኣብ ኣመሪካን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ስለ ዘሎ ንጠቐመሉ። ብኡ ኣቢልና ድማ መሰልናን መሰል ህዝብናን ነኽብር። እዚ ግና ናይ ኩልና ደገፍን ምትሕብባርን እንተዘይተፈልይዎ ጥራይ’ዩ ክዕወት ዝኽእል። ካብዚ ዝዓቢ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ክርከብ እንተኾይኑ ነዊሕ ትጽቢት ክሓትት ኢዩ’ሞ ሃየ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ከይተኸስረ ንጠቐመሉ።

እወ፡ ኣብ መወዳእታስ ፍትሒ ክፍረድ ኢዩ።

 
< Prev   Next >

Contribute 

Donate through Mail


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.