ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ Print E-mail
By ዳንኤል ረዘነ - Feb 03, 2008   

ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ
(ታሽዓይን መወዳእታን ክፋል)

ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ መሰረት፡ ኣስካሕካሒ ገበናት ፈጺሞም ዝበሃሉ ዕሉላት መራሕቲ ክኸሰስሉ ዝኽእሉ ክልተ መሰረታዊ ኣማራጽታት ከም ዘሎ ብሰፍሐ መልክዑ ኣብ ሻምናይ ክፋል ተገሊጹ ኔሩ። እቲ ኣማራጽታት፡ እቲ ሓደ ቅልል ዝበለ ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሕ ሕልኽልኽ ዝበለ ከም ዘይኮነ፡ እቲ ካልኣይ ኣማራጺ ግን ክብድ ዝበለን ቁሩብ ዝተሓላለኸ መስርሕ ዝጠልብን ግን ከኣ ዝከኣል ምዃኑን ተገሊጹ። ፍልልይ ናይቲ ኣማራጽታት ኣብ መትከል ዲፕሎማስያዊ ጽላል (diplomatic immunity) ዝምርኮስ ኢዩ። በዚ መሰረት፡ እቶም ንግዚኡ ኣብ ዑቕባ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ከዕቅሉ ዝኽእሉ መራሕቲ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽላሎም ክሳብ ዝቕንጠጥ ብመገዲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ጥራይ ኢዮም ክኽሰሱ ዝኽእሉ። ዑቕባ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዝምልከቶም መራሕቲ ኣብ መጋባኣያታት ናይ ካልእ ሃገር ክኽሰሱ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ኢዩ። ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክኽሰስሉ ዝኽእሉ ኣገባባት ከመይ ምዃኑ ግን ኣብ ሻምናይ ክፋል ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ከም ሓደ ኣማራጺ ክርአ ይከኣል። ዑቕባ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዘይምልከቶም መራሕቲ ግን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነት ንውዕል ቶርቸር መተግበሪ ዝኸውን ሕጊ ዝኣወጀት ሃገር ‘ውን ከይተረፈ ክኽሰሱ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ እቲ ዝቐለለ ኣማራጺ ኢዩ። እቲ ፍልልይ እዚ ኮይኑ፡ ከምቲ ኣብ ሻምናይ ክፋል ዝተገልጸ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዝቕንጠጠሉ ክልተ መሰረታዊ ተኽእሎታት ኣሎ፦

1ይ) እቶም መራሕቲ ካብ ስልጣን ምስ ተወገዱ ብኡ ንብኡ እቲ ጽላል ይቕንጠጥ።

2ይ) ኣብ ስልጣን እንከለዉ ብውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት መሰረት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቦም ክኽሰሱ እንተተወሲኑ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ኣብኡ የብቅዕ።

ብኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዝምልከቶም መራሕቲ ከም ፕረሲደንት ሃገር፣ ሚኒስተራትን ኣምዳሳደራትን ዝበሉ ምዃኖም ‘ውን ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኢዩ። ነዚኦም ዝምልከት ትንታነ ንግዚኡ ኣብዚ ከቋርጾ’ሞ፡ ናብቶም ብኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዘይምልከቶም መራሕቲ ከተኩር። እዚኣቶም ኣዘዘቲ ሰራዊት፣ ናይ ገዛኢ ሰልፊ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ኣዘዝቲ ትላላት ፖሊስን ጸጥታን፡ ኣመሓደርትን ካልኦትን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ዲፕሎማስያዊ ጽላል ፈጺሙ ኣይምለከቶምን ኢዩ። እዚኣቶም ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝኾነ ንውዕል ቶርቸር መተግበሪ ዝኸውን ኣዋጅ ዝኣወጀት ሃገር ‘ውን ከይተረፈ ክኽሰሱ ይኽእሉ። በዚ ምኽንያት’ዚ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰበ-ስልጣን ብሕጊ ከተረኻኽበሎም ዘሎ ተኽእሎ ዝሰፍሐ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ኣማራጺ’ዚ ምድሃብ እቲ ዝሓሸ ኢዩ። ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ኣዋጅ (መተግበሪ ውዕል ቶርቸር) ዝኣወጃ ሃገራት እዘን ዝስዕባ ውሑዳት ብኣብነት ክጥቀሳ ይክእላ፦ ዓዲ እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ነዘርላነድስ፣ ስፐይን፣ በልጅዩም፣ ካናዳ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦትን ኢየን።

ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዘይልከቶም መራሕቲ ህግደፍ፡ እሞ ድማ ኣብቲ ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ቀጥታዊ ተሳታፍነት ዘለዎም መራሕቲ፡ ናብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ሃገራት ብቐጻሊ ኢዮም ዝመላለሱ። ኣስማትን መዝነትን እንዳጠቐስካ ምትንታን ንግዚኡ ኣድላይ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብድብድቡ ግን እዞም ዝስዕቡ መራሕቲ ዲፕማስያዊ ጽላል ዘይምልከቶም ተባሂሎም ክጥቀሱ ይኽእሉ።

1) ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝርከቡ ኩላቶም ሓለፍቲ ክፍልታት ህግደፍ፣

2) ኣብ ሰራዊት ዝርከቡ ኣዘዝቲ፡ ማለት ኩላቶም ጀነራላትን ኮሎኔላትን ካልኦት ላዕለዎት ናይ ሰራዊት ኣዘዝትን፣

3ይ) ኩሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ህግደፍ፣

4) ኩሎም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስ ኤርትራን ኣብያተ ማእሰርትን ኤርትራ፣

5) ኩሎም ኣማሓደርቲ ዞባታት፣

6) ካልኦት ላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ትካላት ወይ ቤት ጽሕፈታት ህግደፍ (መንግስቲ ህግደፍ)፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ተሳታፍነት ዘለዎም ሓለፍትን ካድራትን።

እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ዘይከም ፕረዚደንት፣ ሚኒስተራትን ኣምባሳደራትን ብኣህጉራዊ ሕጊ ተፈላጥነት ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ኣይምልከቶምን ኢዩ። ስለዚ ካብ ስልጣን ወረዱ ኣይወረዱ ብዘየገድስ፡ ብጽጹይ መጽናዕቲ ዝተሰነየ ሕጋዊ መስርሕ ኣቢልካ ምትሕሓዞም ይከኣል ኢዩ። ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዘይምልከቶም ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ ሓለፍቲ፡ እንተ ብስራሕ፡ እንተ ብትምህርቲ፣ እንተ ብዙረት፣ እንተ ብሕክምና ናብተን መተግበሪ ውዕል ቶርቸር ዘለወን ሃገራት ተወዝ ኢሎም ምስ ዝንቀሳቐሱ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኣጉስቶ ፒኖቸን ካልኦት ዕሉላት ጨፍጨፍትን ዝተወስደ ሕጋዊ ስጉምቲ ምውሳድ ይከኣል ኢዩ።

ኩሉ ሰብ ከም ዝፈልጦ፡ ብዙሓት ካብተን መተግበሪ ውዕል ቶርቸር ዘለወን ተባሂለን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት ንመራሕቲ ህግደፍ መገዲ ማዮም ኢየን። እሞ ከምኡ ካብ ኮነስ እንታይ ድኣ ክሳብ ሕጂ ኣንጻሮም ዝተወስደ ሕጋዊ ስጉምቲ ዘየለ ዝብል ሓታቲ ክህሉ ግድን ኢዩ። እቲ መልሲ ሓጺርን ብሩህን ኢዩ። ተኽእሎ ስለ ዘየለ ዘይኮነስ፡ ዝግባእ ምዳላዋት ጌርካ ዝተበገሰ ኣድማዒ ሕጋዊ መስርሕ ክሳብ ሕጂ ስለ ዘይተኻየደ ኢዩ። እዚ ድማ ስንፍና ናይ ምሁራትናን ደምበ ተቓውሞን ድማ ብሓፈሻ ዘንጸባርቕ ተርእዮ ምዃኑ ክእመነሉ ይግባእ። እቲ መስርሕ ኣብ ዝኾነ እዋንን ካብተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብ ዝኾነት ሃገርን ክግበር ዝኽእል ነገር ምዃኑ ኩሉ ግዜ ክዝንጋዕ ዘይብሉ መሰረታዊ ነጥቢ ኢዩ። ንተራ ሰብ እቲ መደብ ክኸውን ዘይክእል ሕልማዊ ሓሳብ ተመሲሉ ክርኣዮ ይኽእል። እቲ ሕጋዊ ኣማራጽታት ግን ስኽን ኢሉ ንዝመርመሮ፡ ምስ ኩሉ ብድሆታቱ  ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ። ነዚ ብጭቡጥ ንምትግባር ግን እንታይ የድሊ፧

1) ብቐዳምነት ሓደ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ፡ ብጭቡጥ ብገበን ቅትለት፣ መግረፍቲ፣ ወይ ካልእ ኣስካሕካሒ ኣህጉራዊ ገበናት ዝጥርጠር ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ከረጋግጽ ዝኽእል ጭቡጥ መርትዖታት፡ ናይ ሰብ ይኹን ናይ ሰነድ ድማ ክህሉ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ’ዚ፡ ንግዚኡ ኣስማት ከይጠቐስካ፡ ብድፍኑ ክዝረበሉ ዝኽእል ብዙሕ ጭቡጥ ኣብነታት ከም ዘሎ ምግንዛብ የድሊ።

2) እቲ ገበነኛ፡ ክሲ ኣብ ዝምስረተሉ ግዜ ብኣካል ኣብ ሓንቲ ካብተን ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት (መተግበሪ ውዕል ቶርቸር ዘለወን) ክርከብ ኣለዎ።

2) እቲ ሰብ ኣብተን ተባሂለን ዘለዋ ሃገራት ብኣካል ክርከብ ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ንሱ ፈጺምዎ ዝበሃል ገበናት ዘረጋግጽ ብሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ መርትዖታት ‘ውን ክህሉ ኣለዎ።

ኣብ ገበናዊ ጉዳያት፡ ዝበዝሕ ግዜ እቲ ዝበለጸ መርትዖ ክርከብ ዝኽእል ቀጥታዊ ኣፍልጦ ካብ ዘለዎም መሰኻኽር ወይ ድማ ካብ ግዳያት ብዝርከብ ቃለ-ምስክነት ኢዩ። መሰኻኽር ወይ ግዳያት ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ክምስክሩ ትብዓትን ድሌትን ክህልዎም ይግባእ። እዚ ምስ ዝኸውን እቲ ዝበለጸን ተኣማንነት ዘለዎን ቃለ-ምስክርነት ክርከብ ይኽእል። ሓደ ግዳይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ግፍዒ (ንኣብነት፣ መግረፍቲ፣ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፣ ወዘተ) ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ክምስክር ምስ ዝኽእል ዝበለጸ መርትዖ ይኸውን።

እምበኣርከስ እዚ ኣብ ላዕሊ ተሓቢሩ ዘሎ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዝተማልኣሉ ግዜ፡ ገለ ካብ መራሕቲ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ክኸሰሱ ከም ዝኽእሉ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ነብሱ ዝኸኣለ ጻዕሪ፣ ምርምር፣ መጽናዕቲ፣ ምእማንን ምትብባዕን መሰኻኽር፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ባጀትን ቅሩብነት ንኸቢድ ስራሕን ዘድልዮ ትርኑዕ መደብ ኢዩ። ክዕወት እንተኾይኑ ግን ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ደግፍን ምትሕግጋዝን ክፍለዮ ዘይግብኦ ከይሰልከኻ ድማ ክተሓዝ ዘለዎ ዓቢ መደብ ኢዩ።

ክስትውዓለሉ ዝግብኦ ሓደ መሰረታዊ ነገር ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ኣብ ልዕሊ ገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክውሰድ ዝኽእል ሕጋዊ ስጉምታት ከከም ኩነታቱ ክኸብድን ክፈኩስን ከም ዝኽእል ተገንዚብና፡ ንግዚኡ ኣብቲ ብቐሊሉ ክጅመር ዝኽእል መስርሓት ብምትኳር ቀዳምነታት ምልላይ ከድሊ ኢዩ። እቶም ፍሩያት ገበኛታት ገና ኣብ በሪኽ ዝባን ስለ ዘለዉ፡ ነዚኣቶም ንግዚኡ ዕሽሽ ኢልና፡ ኣብቶም ኣብ ጠርቋሽ ኳና ኮይኖም መሰል ሰብ ዝግህሱ ዘለዉ ዕሉላት ቀይዲ-በተኻውያን ምትኳር ከድልየና ኢዩ። ነዚኦም ቁሩብ ገንዘብ፡ ሒደት ግዜን እኹል ምድላውን ጥራይ ኢዩ ዘድልየና። ብውሑድ ጻዕርን ተበላሓትነትን ኣብ ሓጺር ግዜ ብሕጊ ክንተሓሓዞም እንኽእል ቀይዲ-በተኻውያን ከምዘለዉን ንግዚኡ ኣብቶም ምድሃብ ከም ዘድልን ቀዳምነታዊ ዕማም ምዃኑ ምግንዛብ ኣድላዪ ኢዩ። እዞም ዝጠቕሶም ዘለዉ ገሃስቲ መሰል፡ ሕጋዊ ሳዕቤን ናይ ተግባራቶም ዘይፈልጡ፡ ብልዕልና-ሕጊ ኣብ ዝናበራ ሃገራት እንዳጠተቐመጡ ልዕልና-ሕጊ ትርጉሙ ዘይፈልጥዎ ፋሉላት ኢዮም።

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዕሉላት ውልቀ-ሰባት ዝፈጸምዎ ናይ ቀረባ እዋንን ብሉጽን ኣብነት ክልተ ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ሓደ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2007፡ ኣብ ሎንዶን ኣብ ልዕሊ ጴጥሮስ ተስፋግዮርጊስን ኣማኑኤል ኢያሱን ዝተፈጸመ ግፍዒ ክኽውን እንከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ልዕሊ ሳልሕ ቃዲ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2008 ዝተፈጸመ ገበን ኢዩ። እዚ ክልተ ነብሱ ዝኽኣለ ገበናት’ዚ በብመገዱ ብዕቱብ እንተታሒዙ፡ ኣብ ዕውት መደምደምታ ክበጽሕ ዝኽእል ሕጋዊ መስርሕ ኢዩ። ነቶም ፈቐዶ ኣመሪካን ኤሮጳን ፊንጥራዕ ዝብሉ ዕሉላት ደገፍቲ ህግደፍ መስመር ኣብ ምትሓዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ክጭበጥ እንደልዮ ዝዓበየ ሸቶታት ከፋቲ ማዕጾ ስለ ዝኾነ ብንቕሓት ክምርመር ዝግብኦ ጉዳያት ኢዩ። ነዊሕ ዝጠመተ መደብ ኩሉ ግዜ ብናይ ሓጺር እዋን መደባት ስለ ዝጅምር፡ እዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ኣብነታት ከም ጥጡሕ መንጠሪ ባይታ ተወሲዱ፡ ነቲ ድሮ ብዝምልከቶም ወገናት ቀሪቡ ዘሎ ምሕጽንታታትን ናይ ሓገዝ ጻውዒትን ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክጽንበሮን ንምዕዋቱ በብዝከኣሎ ከበርክተሉን ዘሎናዮ መድረኽ ዝጠልቦ ይጽንሓለይ ዘይብሃል ቀዳምነት ኢዩ።

እምበኣርከስ ንዕላማ ናይዚ ተኸታታሊ ጽሑፍ’ዚ ብዝምልከት፡ ክሳብ ሕጂ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ሓፈሻዊ ትንተና እኹል ኮይኑ፡ ንኣተገባብራ ፍሉይን ጭቡጥን መደባት ብዝምልከት ግን እቲ ኣተሓሕዛ ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ ክህልዎ ግድን ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ዋላ’ኳ ኣብዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ ኣሎ ክበሃል ዝኽእል ፍሉይ መደባት ዛጊድ እንተዘየሎ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ተሓጋጊዝካ ክጅመር ዝኽእል ብዙሕ ተበግሶታት ከም ዘሎ ግን ምትንባህ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኸመይነቱ ብዝምልከት ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እንዳተላዘብካ ምብሳሉን ምምርማሩን ከም ዘድሊ ብሩህ ኢዩ። እዚ ንተኸታታሊ ትሽዓት ክፋላት ዝቐጸለ ጽሑፍ ብዘዕግብ መገዲ’ኳ እንተዘይብሃለ ብመጠኑ ግን ሓባሪ ኣንፈት ሂቡ ክኸውን ተስፋይ ወሰን የብሉን።

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ክዛዝም እንከለኹ ክዝንግዖ ዘይደሊ ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ኣሎ። እዚ ጽሑፍ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት፡ ማለት ካብ ሓምለ 2007 ጀሚሩ፡ ክሳብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ክፋል፡ ብዕቱብ እንዳተኸታተልኩም፡ ብኢመይል፣ ብስልኪ፣ ከምኡ ‘ውን ብኣካል ረኺብኩም ዘተባባዕኩምኒ፡ ሃናጽን ነቐፌታውን ርእይቶ ብምልጋስ ንኣተሓሳስባይ ዘደንፋዕኩም፣ ንውጥነይን ናይ ነዊሕ እዋን መደባተይን ብሞራልን ፍናን ዝደራዕኹም፣ ኩሉኹም ደለይቲ ለውጥን ናፈቕቲ ፍትሕን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ዝዓዘዘ ምስጋናይ ተቐበሉ። እቶም ነዚ ጽሑፍ’ዚ ካብ መጀመርታ ክከታልዎ ዘይከኣሉ ኣንበብቲ ድማ፡ ግዜ ኣብ ዝተረኸበሉ ነቲ ዝቐደመ ክፋላት ከንብብዎ ብምባል፡ ዝርከበሉ መላግቦታት (links) ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ እሕብር፦

1ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4568/8/ 27 ሓምለ 2007
2ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4585/8/ 17 ነሓሰ 2007
3ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4602/8/ 31 ነሓሰ 2007
4ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4637/8/ 05 ጥቅምቲ 2007
5ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4652/8/ 31 ጥቅምቲ 2007
6ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4665/8/ 23 ሕዳር 2007
7ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4687/8/ 14 ታሕሳስ 2007
8ይ ክፋል http://www.awate.com/portal/content/view/4721/8/ 11 ጥሪ 2008

ነዚ ኣብ ተኸታታሊ 9 ክፋላት ዘቕረብከዎ ሓሳብ ብዝበለጸ ንምድንፍዑን ንምቕጻሉን፡ ተወሳኺ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ከካፍሉ ዝደልዩ ግዱሳት ወገናት፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣድራሻ ክረኽቡኒ ከም ዝኽእሉ እንዳገለጽኩ፡ ጽሑፈይ ኣብዚ እዛዝም።

የቐንየለይ!

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

 
< Prev   Next >


 
 THE ACCUSED         
ARABIC   TIGRIGNA  ENGLISH  

  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  



The authors of all articles that appear on awate.com are solely responsible for the views expressed in the articles. Awate.com does not necessarily endorse the views and cannot be held responsible; but it is responsible for all documents, editorials and news items that clearly carry the Awate Team and the Gedab News bylines.

Copyright 2000-2010 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.