ብሹምባሽ ቡሉቕባሽ፡ ብርስቲ ብኣባይቲ፡ ብግራውቲ ብቦንዲ ዜ Print E-mail
By ሃይለ መንገሻ ዑቕበ - ግንባር ቶሮንቶ - Feb 01, 2008   

ብሹምባሽ ቡሉቕባሽ፡ ብርስቲ ብኣባይቲ፡ ብግራውቲ ብቦንዲ ዜይብገር



ከመይ ትኸውነ ጸጋ ጥዕናኻ። ኣነ ኣልሓምዱሊላህ ረቢ ኣልዓለሚን።

ክቡር ተቓላሳይ ሳልሕ፡ መቸም ከም ትፈልጦ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ትሕቲ ባይታዊ እከይ ተግባራት ተዋፊሩ ወትሩ ቢዚ ካብ ምዃን ሓንቲ መዓልቲ ዓዲ ውዒሉ ኣይተርፍን።

እዚ ስርዓት እዚ ብላዓት ነጋዜጠኛታት ወይ ነጽልዋውያን ጉጅለታት ምዕራብ ኣብ ምኽፋል፡ ካዕበት ገንዘብ ዝሓትት ናይ ግበረለይ ክገብረልካ ብድሕሪ መጋርጃታት ሎቢታት ኣብ ምቑጻር፡ ጨሪሱ ዘይምልከቶ ስግር ዶባት ክሳብ ጫድ፡ ዳርፉር ወይ ሶማል ነጢሩ ብስውር ውዲታት ኣብ ምእላምን ካልኦት ሱዉራን ተግባራት ኣብ ምፍጻምን ዝልለ ፍሉጥ ስርዓት ኢዩ። ክልተ ፍጻሜታት ክጠቅሰልካ ፍቀደለይ። ነዓኻ ምኩር እኳ ስዉራን ነገራት ኣይኮኑን።

  1. ጋዜጠኛ ፒተር ወርዚነግተን ናይ ጋዜጣ Toronto Sun፡ ኣብ ግዜ ውግእ ኢትዮ-ኤርትራ ብዛዕባ መሪሕነት ኢሳያስ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ለመጭመጫዊ ሪፖርት፡ “መንግስቲ ካናዳ ካብ መሪሕነት ኢሳያስ ክትመሃር ኣለዋ” ቢሉ ከይሓፈረ ንካናዳውያንን ነግሩሃት ኤረ ቶሮንቶናውያን ኣተሓሳሰበ። ዘገርምዩ ጋዜጠኛ ወርዚንግተን፡ ዘይሓፍር ድሙስ ገብረማርያም ስሙ።

  2. International Crisis Group - Ethiopia/Eritrea ብኣሕጽሮት ICG ኣብ ኖቨምበር 2007 ካብ ናይሮቢ ዘመሓላለፎ መሰረት ኣልቦ ሪፖረት ከምዚ ይብል።

The risk that Ethiopia and Eritrea will resume their war in the next several weeks is very real. A military build-up along the common border over the past few months has reached alarming proportions. There will be no easy military solution if hostilities restart; more likely is a protracted conflict on Eritrean soil, progressive destabilisation of Ethiopia and a dramatic humanitarian crisis. To prevent this, the international community – in particular, the UN Security Council and the U.S., which is the single most influential outsider – must act immediately to give both sides the clearest possible message that no destabilising unilateral action will be tolerated.

እዞም ፍጻሜታት፡ ስርዓት ኢሳአስ ኣፈወርቂ ብላዓት ከፊሉ፡ ዓለም ብኣፋ ክትዛረብ ዝገበረሉ ርኡያት ኣብነታት ኢዮም። ምዕራባውያን ጸሓፍቱ፡ ቅንጣብ ሓቅነት ኣብ ኢዶመ ስለዝጨበጡ ኣይኮኑን ከምዚሎም ተጠሊዖም ነቶም ሪፖረታት ብ ዕሊ ዝገለጹ። ምስ ኢሳያስ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ብተግባር ይዓዩ ከምዘለዉ ብዘየወላውል ክንዕዘብ ንኽእል።

ሕጂ ድማ ስርዓት ኢሳያስ ከምቲ ኣመለ መግነዙ፡ ልሳን ኪነምን ሶፍያ ተስፋማርያም ተጠቂሙ፡ ነቲ ቀልሲ ቃልሲ ዝሽትት ክቡር ስምካ ከመራስሕ ተዋፊሩ ከምዘሎ ንዕዘቦ ዘሎና ጉዳ ኢዩ። እታ ሕጻብ እግርኻ ዘይትበቕዕ ሶፊያ መዘርብትና ስለዘይኮነት፡ ኣብ ግምት ነእትዋ ሰብ ኣይኮነትን። ዘረባውትና ኣብቶም አጉናድ ጥራይ ኢዩ።

ክቡር ሳልሕ ቃዲ፡ ንስኻ ብወገንካ ብመንገዲ ዓዋተ ዳት ኮም፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘወርትግ ዘካይዶም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትሕቲ ባይታዊ እከይ ተግባራት ከምኡ ድማ ብዙሓት ሚስጢራትን ሚስተርዮታትን ህግደፍ ካብ ትሕቲ ኣፍንጭኡ ነጢቕካ፡ ካብ ጸላም ቦትኦም ናብ ብርሃን ከም ዝቃልዑ ዝገበርካ ተቓላሳይ ኢኻ።

ነዚ ስለዝተገንዘበ ኢዩ ስርዓት ኢሳያስ፡ ሕሱም ሕነግዴታ ዝምልስ ከረኻኽበልካ ፈርገጥገጥ ዝብለልካ ዘሎ። ከምቶም ምጽዋታቱ ዝሎቕመጹ ምዕራባውያን ጸሓፍቱ ቅንጣብ ዝኾነ ሓቅነት ብዛዕባኻ ኣብ ኢዱ ስለዝጨበጠ ኣይኮነን። እቲ ICG ሽዑ እዋን ብዛዕባ ምውላዕ ኲናት፡ ከም ብርቱዕ ሓዊ ቃልቃል ዘበሎ ድራማ ውግእ ሎሚ አበይ ከደ?

ክቡር ሳልሕ፡ አበቲ ICG ዘቅረቦ ናይ ፈጠራ ጸብጸብ ዝተመርኮሰት ዓለም፡ ማእዝና ስሒታ ብኣፍ ኢሳያስ ጨቑ ጫቕ ኣብ ትብለሉ ዝነበረት እዋን፡ ንስኻ ኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ቀሪብካ፡ እዚ ናይ ICG ጸብጸብ መንዪ ምንጩ? ወድዓዊ ምንጪነቱ ድንግልነቱ ዘውሕስ ድዩ? ኢልካ፡ ካልኦት ፕሮፈሽናላውያን ጋዜጠኛታት ምዕራብ ዘይደፈርዎ ብድሆታት ከተስምር ዝደፈርካ፡ ንስኻ ጥራይ ነበርካ። መትከላት ናይ ቁኑዕ ጋዜጠኛነት ፍጹም ከምዝተጋህሰ ንካልኦት ብምምልካትካ ድማ ዝምጎስ ስራሕ ፈጺምካ ኢኻ። ሞጎስካ ሞጎስና፡ ሓበንና ድማ ሓበንካ ኢዩ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ እቶም ነቲ ሪፖረት ዝሰምዑ ፈሻፋሻት ጋዜጠኛታት ምዕራብ ምንም ዝኾነ ዓይነት “ቨሪፊከሸን” ዘውሕስ ጠለባት ንICG  ከየቅረቡ ከምዘለዎ ቃላኢሳያስ ከቃልሑ ተጓየዩ። ወዲ ሃገር ኣብ ዝኸድካዮ ኣይሳኣን። ውድያቱ ግን ደበኽ ኢኻ ዝበልካ። ንICG ዝጸልእዎ ናጠባ።

Reasons To Doubt Reliability of ICG’s Report (Awate/Gedab News Analysis) Nov 08, 2007 ICG lists Andeberhan Wolde Giorgis as a senior advisor who is based out of the Nairobi, Kenya office. What his role was in writing the report is highly relevant because (a) he had, until recently, ……

ክቡራን ኣንባቦ ምሉእ ሓበሬታ ካብ ዓዋተ ዳት ኮም ንምንባብ፡ ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ጽሒፍኩም ክሊክ ህረሙ።

ክቡር ተቓላሳይ ሳልሕ ቃዲ፡ እዚ ሓደ ከም ኣብነት ካብቶም ጉልሓት አበርክቶትካ ኢዩ። ነተዋስኦታት ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ ሱሮም በንቊርካ ብምውጻእ፡ ትሕተ ባይታ ተዘርጊሖም ዘለዉ ሱራት ናይ ምድንጋራትን ከይጂቢታትን ኣበይ ከምዘለዉ ብግልጺ ዘቃላዕካ ንስኻ ኢኻ። ዕዮታትካ፡ ንተዋስኦታት ህግደፍ ፍጹም ኣብ ምብልሻውን ለቖታታት ምስጢራውቱ ኣብ ምብሳዕን ሕሱማን ኣበሳታት ስለዝኾንዎ አኣ ኢዩ፡ ህግደፍ ንዓኻ ጸለሎ ቀቢኡ ፖለቲካዊ ኮነ ሞራላዊ ኣብሖ ክሰርሓካ፡ ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ንሕና ሃገራውያን ከኣ ከም ወትሩ ብኣኻ ሕቡናት ምዃንና እናገለጽና ኣብ ጎድንኻ ከምዘሎና ብዕዘት ክገልጸልካ እፈቱ። ንሕና ምሳኻን ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ሃገራውያንን ሰሚርና፡ ንህግደፍ እግረ እግሩ ክሳብ ግብኣተ መሬቱ ከይተሓለልና ክንገጥሞ ምዃንና ቃል ኣቲና ኢና።

ንኢሳያስ ብዕዘት ክገልጸሉ ዝደሊ ነገር ድማ እነተቲቐደም ዝነገሰት ባንዴራኻ ሰማይ ሰማይ ፈልፈል ትብለሉ ዝነበራት እዋን፡ ምናልባት ንኤርትራውያን በበይኖም ፈላልየ ክወቕዖም እየ ዝብል ግምት እንተጸኒሑካ ኣይተሓዘካን ኢዩ። እንተሎሚ ግን ንሕና ሃገራውያን ንኢሳያስ ምስ ህግደፎም ፈሊና ከምንወቕዖም ኣጸቢቑ ክስቆሮም ይግባእ። ቀድሚ ሕጂ ፈፈሊኻ ዘጥቃዕካዮም ተቃለስቲ ሃገራውያንን ውድባትን ይኣኽለካ።

ኢድ መሰራታት ካብ ኢድ “ሰውራ” ይነውሕ።
.

Haile  M.  Okbe
200 WELLESLEY ST. EAST, APT. 2507

TORONTO, ONTARIO

M4X 1G3
CANADA
.

Contact: 416 - 858 9305

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

http://www.awate.com/portal/content/view/4658/19/

Last Updated ( Feb 01, 2008 )
 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.