ብርግጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ‘ቀረባን ርሑቕን ኢልካ ክጥቀስ ዝኽእል’ ዓመታት፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና: ጉራን፡ ታህዲድን ምፍርራሕን ግብራውነት ነይሩዎም’ዩ። ገለ ኤርትራዊ (P’X’)፡ ባዕሉ ዓቂኑን፡ ቀዲዱን፡ ሰፍዩን ብዝወደዮ ካባ ወቂቡ፡ ልዕልና እናተሰመዖ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቅልውላው ዝፍንፍን ኤርትራዊ (P’Y’) ብተደጋጋሚ ኣሽካዕሊሉ ኢዩ። እዚ ኣሽካዕላላዊ ጠባይ’ዚ፡ ምስ ግዜ፡ ሓውሲ-ባህሊ እናለበሰ ስለ ዝመጸ፡ P’X’ ዝተራእዮ ክዛረብን ክእምምን ክሕግግን ክፈርድን፡ ኮታ ኩለንትናዊ ዋና ሃገርን ጉዳያታን ኮይኑ ክረአ እንከሎ፡ እቲ P’Y’ ድማ በዓል ፈረቓ ክነሱ ‘ኣሚን በሃላይ’ ወይ ንነገር ከም ዘለዎ ተቐባሊ (Passive) ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ህሞት እዚ: እቲ P’X’ ካብ P’Y’ ዝጽበዮም ነገራት እንተለዉ ምርቓን፡ ኣውሎን፡ ወደሳን ጥራይ እዮም። ካልእ፡ ብወገን P’Y’ ወላ ሓባራዊ ጠቕሚ ዘለዎ ተዋሳእነት እውን እንተተራእየ ብዓይኒ ጠርጠራ ክጥመት ዳርጋ ጸኒሑ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዘምባዕ ባዕላዊ ውደባ ከም ንቡር ኮይኑ ስለ ዝዓንበበ። ሎሚ እዚ ሓደገኛ ኣረዳድኣ እዚ፡ ካብ ብዙሕ ኢርትራዊ ኣእምሮ እናልገሰን፡ ብልቦና እናተወገደን ብዝሓሸ ኣተሓሳስባ እናተተከአን ይመጽእ ከም ዘሎ ኩልና ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ምእንቲ ንኹሉ ክሕሾ ድማ እዚ ኣወንታዊ መርኣያ ብቀጻሊ ክስዕርር ዘብህግ እዩ። ገለ ኤርትራውያን ግን ኣብቲ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰራምን ኣዕናውን ዕጽው ደንበ ተዳጒኖም ገለ ክፋሎም’ውን ኣብ ደረት ዘይብሉ ዓሻ ጎልጎል እናዓንደሩ ግዜኦም ብከንቱ የባኽኑ ከምዘለዉ ሶፍያ ተስፋማርያም ሓንቲ ኣብነት እያ። ሶፍያ ንክቡር ሓው ሳልሕ ቃዲ ብኸመይ ክትጎድእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይንሕስያ ክትቀትል አውን፡ ምሂዛን ኸጢጣን ኣስተንቲናን እያ። መጀመርያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ጥንቁቕ መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ጽሑፍ ኣምሲልካ ናይ ፈጠራ ጸለመ ምዝርጋሕ እዩ። እዚ ዘይኤርትራዊ፡ ግን ከኣ የዋህ ፈተነ እዚ፡ ክሳብ ክንደይ ኣድማዒነት ከምዝገበረ ድሕሪ ምጽንጻን ድማ ካልእ ብመስርዕ ዝተወደነ ፈጠራታት ንምቕራብ እዩ እቲ መደብ። ኣብዚ ኣጸያፊ ተጋባር’ዚ ምስ ግዜ ዝነድሙ መጣቓዕቲ ዓሳክርን ተደናገጽትን ከምዘለዉ ዘይተቀልዐ ቅሉዕ እዩ። ሎምቅነ ሶፍያ፡ ንዝስዕብ መደባ (next step) ክትመዝን፡ ንዝውሕዙ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ግብረመልሳዊ ጽሑፋት እናተጻናጸነት ናይ ዘየቕስን ውልዕ ህልም ለይተ-ቐትሪ ተሕልፍ ከምዘላ ፍሉጥ እዩ። ብዘይካ እዚ ኣብ ዓዋተ ኮም ዝቕልቀል ዘሎ ቅሉዕ ልቦናዊ ጽሑፋት፡ ካልእ፡ ሕውስዋስ ትሕዝቶ ዘለዎም፡ ገለ ናብ ጽላለ ዝደፍኡ፡ ገለ’ውን ኤርትራዊ ማዕዳ ዝልግሱ፡ ስቱር ጽሑፋት ትቕበል ከምዘላ ክግመት ይከኣል። ስለዚ ባዕላ ኣብ ዝኣለመቶ ድሩዕቶ ተደብዲባ ናይ ሕልና ቅሳነት ስኢና ትሓድር ከም ዘላ ክትግምት ዘሸግር ኣይኮነን። ይስተረና። ሶፍያ ክትርደኦ ዘለዋ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ሳልሕ ቃዲ ማለት ንነጻነት ዝጣበቕ ህዝቢ ኤርትራ ማለት እዩ: ሳልሕ ቃዲ ማለት ክብረት፡ ሳልሕ ቃዲ ማለት ፍናን፡ ሳልሕ ቃዲ ማለት ምጽውዋር ማለት እዩ "ልዕሊ ኩሉ ድማ ሳልሕ ቃዲ ማለት ዕርቅን ሰላምን ማለት እዩ" ስለዚ ነዞም ሩሕ ትንፋስ ህዝብና ዝኾኑ ቅጽላትን ንሳልሕ ቃዲን ምትንካፍ ንኽንደይ ኤርትራዊ ምትንካፍ ምዃኑ ምግማት ብዙሕ ሒሳባት ዘድልዮ ኣይኮነን። ማንም ኤርትራዊ ኣብ ርእሲ ማንም ኤርትራዊ ክፍክር መሰል ስለ ዘይብሉ ግን፡ እዚ ማለትና ፈኸራ ከም ዘይኮነ ነረጋግጽ። ይኹን እምበር ቀደም ከም ሎሚ፡ ሎሚ እውን ከም ቀደም፡ ስለዘይኮነ ፈሊጥካ ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ። ከም ብዙሕ ኤርትራዊ፡ ንሳልሕ ብቐረባ ዘይንፈልጦ እኳ እንተኾንና፡ ብጽሑፋቱን ኣተሓሳብኡን ብቕዓቱን ዝኣክል ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቕኡ ከምዘለና እዩ። ሳልሕ ኣብ ዉዕዉዕ ዘመነ ደሃይ (ኤርትራዊ መርበብ ሓበሬታ) እውን ብዙሕ ናይ ዘይምሕር ዝመስል በትራዊ ወስታታት ኣሕሊፉ እዩ። ንደሓር ተመሊስና ብዙሕ ኣብነት ንምጥቃስ ዝከኣል እኳ እንተኽነ ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ኣብ 1999 ብርሃነ ዝተባህለ ኤርትራዊ ወይጦ ካብ ናይሮቢ ንሳልሕ ንምስንባድ ‘‘ካብ ኩወት ዝተረጋገጸለይ ብኣኻ ዝተፈጸመ ብዙሕ ኣበስ ኣሎ’’ ኣናበለ ደጋጊሙ ኣብ ጽሑፋቱ ይጠቅስ ስለ ዝነበረ፡ ሳልሕ ቃዲ Burying the Hatchet (An Objection) ኣብ ትሕቲ ዝብል ናይ ክትዕ ኣርእስቲ ብኸምዚ ዝስዕብ መለሰሉ፡ “Dear Berhane: I am hoping that you will not resort to name calling and defamation when you reply to this message (if you wish to). I promise to be as civil as possible and will honour this forum and the people involved. በሎ’ሞ: you might consider taking a deep breath and probably reading a few passages from the bible to cool dawn before you start replying. I say that because, judging from the tone of your posts, you seem to me very angry man. Yet you are creating the anger yourself. ብምባል ቀድሚ ኣብ ዋና ጽሑፉ ምእታው ኣጸናነዖ። ስዒቡ፡ “……… several times you implied that your knowledge about the ‘evil’ things you accused me of is fed to you from a source in Kuwait. I will help you here. I hate to tell you that I consider your source to be a coward and a born liar. To make things easier for you, I challenge your source/s in Kuwait to face me in a public debate in the Eritrean community or any other public place of your choice. Your source can present their accusations so that I can challenge them. The other source outside Kuwait, (you know who I am talking about), I challenge him to present his accusations here in Dehai and let’s see where that will take us. My condition: no bela below… only debate of facts in a civil manner. Whoever loses the argument withdraws from this medium with HUMILLIATION (after an apology) for good. I hope you agree. Have a good day” ብምባል ሳልሕ ቃዲ ብዕለት 15.05 1999 ዝተላእከ ጽሑፉ ኣጠቓለለ። ብወገንና’ውን፡ እቶም ብናይ ሳልሕ ቃዲ ኣብ ኣመሪካ ምእታው ምኽንያት ብርቱዕ ውጽኣት ሒዙዎም ዘዕገርግሩ ዝነበሩ ናይ ብርሃነ outside Kuwait source ዝቑጸሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኣይ የዐሪና ኢና ንፈልጦም። ግብሮም ብዘየገድስ ድማ ደሓን ክህልው ንትምነየሎም። ድሕሪ’ዚ፡ ወይጦ ብርሃነ ምስ ሳልሕ ክገጥም ስለ ዘይከኣለ፡ ናብታ ዝጀመራ ናይ ፈጠራ ክሲ ከይተመልሰ ሓቐቐ። እዚ ተዘክሮ’ዚ ከምዚ ሎሚ ከይኮነ መርበብ ደሃይ ጸብለልትነት ከለዎን ካልእ ዝዝከር ኣማራጺ ኤርትራዊ መርበብ ኣብ ዘይነበረሉን ግዜ እዩ። እቲ ግዜ’ቲ ህቡባት ጸሓፍቲ ብጉዳይ ሃገር ክካትዑን ሓሳቦም ክገልጹን ዝሕልንሉ ዝነበሩ ግዜ እዩ። ካብቶም ህቡባት ምሁራት ንምጥቃስ፡ ብሓደ ወገን፡ እስማዒል ዓሊ ዑመር፡ ዳዊት መስፍን፡ ፍረወይኒ ገብረጻዲቕ፡ ብርሃን ዓሊ፡ በያን ነጋሽ ካልኦትን፡ ብኻልእ ወገን ድማ ህድኣት ኤፍረም፡ ሙሴ ምስግና፡ ናሆም ዳዊት፡ መርሃዊን፡ ካልኦት ጸሓፍትን ምጥቃስ ይኣክል። ኣብቲ ግዜ’ቲ ከም ናይ ህድኣት ዝኣመሰሉ ላዛ ዘይነበሮም ጽሑፋት ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር ምስዚ ሎሚቕነ ከዛርብ ዝቐነየ ናይ ሶፍያ መርዛምን ተንኮለኛን ጽሑፍ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ዝኾነ ኾይኑ ሶፍያ እንተኾነ ናብ ልብኺ ክትምለሲ ንምነ፡ ኣይፋልን እንተበልኪ ግን ሃየ ጉራኽን ናይ ፈጠራ ቀለምክን ኣብልሒ’ሞ መልሲ ኸኣ ተጸበዪ። እህምምም….. ኣብዚ ኩሉ ዝነቕሓሉ ሕኑን ዘመነ ስልጣነ፡ መንዩ ንመን ክህድድ? ይኣኽለና’ባ። |