እንካዕ ኣሐጎሰኪ ዶክቶራ ነጃት ስዒድ ሳልሕ
ደስ ኢሉና ደስ ይበልኪ ኣኽሪዕክና ብዓወትኪ ተሓቢና
ዝኸበርኪ ገዲም ተጋዳሊት ስትና ሰዓድ እንካዕ ኣሐጎሰኪ ዮሃና ክንብለኪ
ነጃት ስዒድ ሳልሕ ብመዲሲን ዶክቶራ ተመርቓ ዮሃና: ደስ ኢሉና ደስ ይበልኪ።
ለበዋ ክቡር ጀግና ስዉእ በዓል ቤትኪ ኣጽኒዕክዮ
ንኹሉ ጸጋማትኪ በዲህክዮ ብትብዓት ሰጊርክዮ
ስደት ዘምጸኦ ሕስም ነቲ መሪር ናብራ ተጸሚምክዮ
ነቲ ብርቱዕ ቁርን በረድን ኤውሮጳ ብምጽማም ክኢልክዮ
ንናይ ለይቲ ጽምዋኺ ብሕቕፎ ምልኩዓት ደቅኺ ተኪእክዮ
እቲ ናይ ነዊሕ ሕልምኽን ትምኒትክን ብጽንዓትኪ ኣረጋጊጽክዮ
ፍረ ናይቲ ኩሉ ጻዕርኺ እነሆ ብኹሎም ህዋሳይኪ ተስተማቕርዮ
እንካዕ ደስ በልኪ ደስ ኢሉና ነጃት ልና ብዶክቶራ ተመሪቓትልና:
መዘከርታ ሽምዓ ኣብ ልቢ ደቀይ ንዘልኣለም ኣብርህለይ
ሃየ ሓደራኺ ክንደቦን ክንደደን ኩንለይ ንደቀይ ሓብሕብለይ
እቲ ቁዱስ ዓላማ ሃገር ናብ ደቀይ ሃየ ኣማሓላልፍለይ
መታን ክገሃድ ክረጋገጽ እቲ ናይ ዓመታት ሕልመይ
መታን ክሕጎስ ክቐስን ኣብ ዘሎኹዎ ናይ መወዳእታ መዓርፎይ
ኣኽሊል ዓወተን ክሰምዕ ክብሰር ኮይነ ኣብታ መቓብረይ:
ንኹሉ ዝወረደኪ ጸገማት ኣብ ሰፍሕ ልብኺ ዓቂብክዮ
በቲ መዘና ዘይርከቦ ፍሽኽታኺ ንኹሉ ሓቦ ኣልቢስክዮ
ኣብነት ናይ ጽንዓት ኮንኪ ንኹሉ ባዕልኺ ትሓልፍዮ
ጎይታ ጠባይ ኣካቢት ዓንጋሊት ንኹሎም ዝጸገሞም
በቲ ለዋህ ልቦና ዝታሓወሶ ልግስኺ መርሓባ ትብልዮም
ኣብነት ናይ ደቂ ሃዋን ኣኺ ንኹለን ትበልጽየን:
ኩሉ ሓላፋይ ኢልኪ ንሩሑቕ ጠሚትኪ
ይሕሰም ይጥዓም ኩሉ ጸርኪ ፍሽ ዝኣመልኪ
ኣይተሓለልክን ኣይዘንጋዕክዮን ክሳብ ኩሉ ዝሰምረልኪ
ድቃስ የለን ወየከ ዓይኒ ሰለም ቅድሚተን ዕንባባ ደቅኺ
ንኹሉ መደምደምታ ኣሎዎ ሕጂ ታዓዊትኪ ኩሉ ሰሚሩልኪ
እንካዕ ኣሐጎሰኪ ደስ በለኪ ነጃት ቦኽሪ ጋልኪ ደክቶራ ኮይናትልኪ
ጽንዕቲ ደጀን ኮንክለን ዘስፋሕፋሓሉ
ዓቢ እምባ ኮንክለን እወ ዝጽጋዓሉ
ዓቢ ቀላይ ኮንክለን ቀሲነን ዝሕምብሳሉ
ዓቢ ኣደራሽ ኮንክለን ኮረዐን ዘጽልላሉ
ዝኽሪ ሽምዓ ኣብሪህክለን ንወላዲአን ዝዝክራሉ
ብኣኽሊል ዓወት ዛዚምክዮ ስውእ ለበውኡ ተማሊኡሉ
ደጊም ተሓጎሲ ስዒድስ ቀሲኑ’ዩ ኣብ መዓርፋኡ ኮይኑ:
ሰናይ ዘመን ክመጽእ ቀሪቡ እዩ ግዜኡ ኣኺሉ
ጸገም ሃገርና ተዛዚሙ ናይ ዓወት ብስራት ንሰምዓሉ
ኣዴታት ሃገርና ናይ ሓጎሰን ምልክት ዕልልታ ዘስምዓሉ
ኩሎም ኣቦታት ሃገርና ኣብቲ ዓቢ ኣደራሽ ሰቲ ዝንስንስሉ
ኣብ ሃገር ዘሎን ኣብ ስደት ተመሊሱ ዕንባባ ዝዝርገሓሉ
ኣኺሉ እዩ ግዜኡ ህዝቢ ብሓባር ብሓበን ዝጽንብለሉ:
ጸሓይ ክትበርቕ እያ ኣብ ኩሉ ግዜኡ ኣኺሉ
ስናይ ቀውዒ ኮይኑ ሓረስታይ ምህርቱ ዝሓፍሰሉ
ቆፎ ገዛ እኽሊ መሊኡ: ቆፎ በራኻ መዓር ዝብርበረሉ
ኣዕዋፍ ሰማይ ናይ ሰላም ምልክት ድምጸን ዘስመዓሉ
ሓረስታይ ክሓርስ ነጋዳይ ክነግድ መንእሰይ ዘልምዓሉ
ኩሉ ዝተማህረ ኤርትራዊ ንድሕነትን ዕብየት ሃገር ዝሰርሓሉ
ሓድነትና ይደልድል ተቓውሞና ነሐይል መታን ጽባሕ ክንኮርዓሉ:
ኣብ ሃግርና ብቅዋም ዝተሰነየ ሕግን ፍትሕን ዝሰፍነሉ
ብውልቃዊ ውሳኔ እቲ ዝኣስርን ቤት ማእሰርቱን ዝድምሰሰሉ
ህዝባዊ ስልጣን ተተኹሉ ንኩሉ ዜጋ ማዕርነቱ ዝሕለወሉ
ክብሪ ወዲሰብ ሃልዩ ኩሉ ናብ ልምዓት ሃገር ዝወፍረሉ
ጸሓይ በሪቓ ማይ ውን ክዛሪ ሰላም ክሰፍን ኩሉ ዜጋ ዝኾርዓሉ:
ዶክቶራ ነጃት ብርሃን ገጽኪ ግርማ ዝዓሰሎ
ተፈጥሮኺ እወ ፍቕሪ ሃገር ዘማእክሎ
መስረትኪ ናይ ብሓቂ ጽሩይ ማይ ዝፋልፈሎ
ደጊም ጸገም የለን ሰጊርክዮ ኢኺ ንኹሉ ብተኽእሎ
ኣጆኺ ንቕድሚት ሰጉሚ ጽሩይ ዕድል ይጽበየኪ’ሎ
ሓሳበይ ክገልጽ ከመስግን ውን ንዓኺ ዓቕመይ ብዝኽእሎ።
.
ናይ ቀረባ ናይ ቃልሲ ብጻይ ስውእ ወላዲኺ
ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ምስ ምሉኣት ስድራቤት።