|
ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ (ሻምናይ ክፋል) ክቡራት ኣንበብትን ተኸታተልን፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ፡ መገሻታትን ተደራራቢ በዓላትን ብዝፈጠሮ ጸቕጢ፡ እዚ ክፋል’ዚ ቁሩብ ድንጉይ ኢሉ ይቐርብ ብምህላዉ ይቕረታ እንዳሓተትኩ፡ ሰናይ በዓላት ኣሕሊፍኩም ክትኮኑ ድማ እንዳተተስፈኹ - ሎሚ ደኣ ሰናይ ዝበሃል ነገር ክንደየናይ ከይህሉ ኢሉ እምበር - ናብ ድጊ ነገረይ ክመልስኩም። እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት፡ ምቀኛ ዝኽሽሓሉ፣ ባርባራውነት ስርዓት ህግደፍ ዘኽትመሉ፣ ኣብ ክንዲ ብዕቡዳት ብጥዑያት ንምርሓሉ፣ ኣቃጠርትን ወቀርትን ድማ ብኣቃጣርነትን ወቕርን ዝሓፍርሉ፣ ዘመነ ሰላም፣ ዘመነ ራህዋ፣ ዘመነ ሰሪሕካ ብላዕ፣ ዘመነ ሓሪስካ ሕፈስ፣ ኮታ ብሓፈሻ ዘመነ ፍትሕን ርትዕን ክኾነልና ትምኒተይን ባህገይን ወሰኑ ኪኖ ደረት-ትርኢት ኢዩ። ንመዘኻኸሪ ዝኣክል ኣብ ሻውዓይ ክፋል ካብ ዘቕረክብክዎ ገለ ዛዛሚ ሓሳባት ሸፈፍ ክብሎ’ሞ ናብቲ ዝቕጽል ትነተና ክሰግር። ፖለቲካዊ ስልጣን ጨቢጦም ብዘይ ተሓታትነት ግፍዒ ዝፍጽሙ፣ ግፍዒ ክፍጸም ዝእዝዙ፣ ወይ ግፍዒ እንዳተፈጸ ትም ኢሎም ዝርእዩ ዓመጸኛታት መራሕቲ፡ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ይኹን ካብ ስልጣን ምስ ተገለፉ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ተሓተትቲ ክኾንሉ ዝኽእሉ ጭቡጥ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ኔሩ። ካብ ስልጣን እንተወሪዶም ወሪዶም ስለ ዝኾነ፡ በዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምዕብልና ናይ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ መሰረት እቲ ሕቶ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር ከም ዘይብሉ ንጹር’ዩ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን ኣብ መዝነት፣ ኣብ ሓላፍነት፣ ኣብ ስልጣን፣ ኣብ ምቾት እንከለው ከመይ ጌርካ ብሕጊ ትጸባጸቦም ዝብል ነጥቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሎሚ ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ከድህብ ኢየ። ናይ ቀረባ እዋን ጭቡጥ ኣብነታት እንዳሃብኩ ድማ ክገልጾ ኢየ። ኣቐዲመ ከም ዝጠቐስክዎ፡ ከም መራሒ ሃገር፣ ሚኒስተራትን ኣምባሳደራትን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰብ መዚ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዝፈቕዶ ኣገባባት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጽላል (diplomatic immunity) ዕቑባት ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር ክተከሶም ከጸግም ይኽእል ኢዩ። እዚ ጸገም’ዚ እቲ ዝዓበየ ብድሆ መሲሉ ክርአ ይኽእል። ብመንጽር እዋናዊ ምዕባለታት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ እንተተመርሚሩ ግን፡ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ እንዳተፈራከሸ ዝኸይድ ዘሎ መትከል ምዃኑ ጎሊሑ ክርአ ይኽእል። ከመይ ኢሉ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ምድሃብ ከድልየና ኢዩ። እቲ መልሲ ብዙሕ ዝተሓላለኸ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኣቃውማ፣ ኣመሰራርታን ታሪኽን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ደሓን ዝዀነ መንቋሕቋሕታ ንዘለዎ ሰብ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ኣብ ከመይ ዓይነት ኩነታት ይሰርሕ ኣብ ከመይ ኩነታትከ ኣይሰርሕን ዝብል ነጥቢ ፍልልዩ ጎሊሑ ዝርአ ነገር ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ዝተጠቐሰ፡ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብመሰረቱ ክቐውም እንከሎ፡ ነቶም ኣዝዮም ኣስካሕካሕቲ ዝበሃሉ ገበናት (ከም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካልእን) ክቐጽዕ ተባሂሉ ዝቖመ፡ ብዓይነቱ፣ ሸቶኡን ክሊ ስልጣኑን (jurisdiction) ፍሉይን ሓያልን ፍርዳዊ መጋባኣያ ኢዩ። በዞም ገበናት እዚኣቶም ዝጥርጠሩ ሰባት እቲ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዝብል ዑቕባ ኣይምልከቶምን ኢዩ። ኣብ ክሊ ስልጣን ናይዚ ቤት ፍርዲ’ዚ ይምደቡ ኢዮም ዝበሃሉ ገበናት ዝፈጸመ ዝኾነ ሰብ - ፕረዚደንት ድዩ፣ ሚንስተር ድዩ፣ ኣምዳሳደር ድዩ፣ ወዘተ ብዘየገድስ - ካብ ክሊ ስልጣን ናይዚ ፍርዳዊ መጋባኣያ ከምልጥ ከም ዘይክእል ኣብ 2007 ዝተጋህደ ሓቢ ዓቢ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። እዚ ፍጻመ’ዚ ንቕልውላው ዳርፉር ዝምልከት ጉዳይ ኮይኑ፡ ከመይ ኢሉ ከም ዝማዕበለ ሕጽር ዝበለ መብርሂ ስለ ዘድልዮ ጽንሕ ኢለ ክምለሶ ኢየ። በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ገበናት ዝጥርጠር ሰብ፡ መዝነቱን ምስ መዝነቱ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዲፕሎማስያዊ ጽላልን ብዘየገድስ፡ ተወጢጡ ኣብቲ ኣህጉራዊ ገበናዊ መጋባእያ ክቐርብ ከም ዝኽእል፡ ዓለም ካብ ተሞክሮ ዳርፉር ሕሪ-ሕራይ ጌራ ኣረጋጊጻቶ ኣላ። እዚ ምዕባለ’ዚ፡ ንደለይቲ ፍትሒ ልቦም ዘረስርሰ፣ ተስፍኦም ዘሐደሰ፡ መንኮርኮር ታሪኽ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ብዘገርም ፍጥነት ሕንባበኡ ከም ዝንህር ዝገበረ፡ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ ልዕሊ ኣገዳስነት ዝኸይድ ዕዙዝ ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቡ ክኽሰስ እንተኾይኑ በዞም ዝስዕቡ መገድታት ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። 1ይ) እቲ ዝተፈጸመ ገበን፡ በቲ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዘቖመ ኣህጉራዊ ውዕል (ውዕል ሮማ) ዝተኾነነ ገበን ክኸውን ኣለዎ። ውዕል ሮማ ማለት፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ዝገለጽክዎ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝተመስረተሉ ውዕል ማለት ኢዩ። 2ይ) እቲ ገበን፡ ንውዕል ሮማ ኣብ ዝኸተመት ሃገር ክፍጸም ኣለዎ፤ ወይ ከኣ እቲ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ሃገሩ ንውዕል ሮማ ዝኸተመት ክትከውን ኣለዋ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ገበን፡ ክሊ ስልጣን ናይቲ ቤት ፍርዲ ብወግዒ ኣብ ዝተቐበለት ሃገር ክፍጸም ኣለዎ፤ ወይ ከኣ እቲ ነቲ ገበን ዝፈጸመ ሰብ ሃገሩ ንክሊ ስልጣን ናይቲ ቤት ፍርዲ ብወግዒ ዝተቐበለት ክትከውን ኣለዋ። 3ይ) ኣብ ርእሲ ‘ውን ኣብታ ገበን ዝተፈጸመላ ሃገር ዘሎ ፍርዳዊ ትካላት፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ፍትሒ ከንግስ ኣይክእልን ኢዩ ተባሂሉ ክእመነሉ ኣለዎ። ናይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኣኽባር ሕጊ መስርሕ ክሲ ክጅምር እንተኾይኑ እዚ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነታት ክማላእ ኣለዎ። እቲ ዝድለ ቅድመ-ኩነት ምስ ተማልአ ነዚ መስርሕ’ዚ ዝኾነ ግዱስ ሰብ ወይ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክጅምርዎ ይኽእሉ። ከዐውት ዝኽእል ኮይኑ እንተተሰሚዕዎ ድማ እቲ ኣኽባር ሕጊ ተቐቢሉ ክቕጽሎ ይኽእል። 4ይ) ሓደ ካልእ ኣገዳሲ ተኽእሎ ግን ኣሎ። ውዕል ሮማ፡ በታ ገበን ዝተፈጸመላ ሃገር ተፈሪሙ ድዩ ኣይተፈረመን ብዘየገድስ፡ በዚ ዝስዕብ ኣገባባት እቲ ጉዳይ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል፦ ሀ) እቲ ገበን ኣስካሕካሕነቱ ምስ ዝእመነሉ፣ ለ) ኣብታ ገበን ዝተፈጸመላ ሃገር ዘሎ ፍርዳዊ ትካላት ፍትሒ ከንግስ ኣይክእልን ኢዩ ተባሂሉ ምስ ዝእመነሉ እሞ ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክፍረድ ኣለዎ ኢሉ ምስ ዝውስን፣ ሐ) እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ወይ ድማ ብመራሕቲ ናይታ ሃገር ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ንጸጥታን ርግኣትን ዓለም ዝህውኽ ምስ ዝኸውን እሞ ድማ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ጉዳይ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክፍረድ ኣለዎ ኢሉ ምስ ዝኣምንን ዝውስንን፡ እቲ ጉዳይ ናብዚ ዝተጠቐሰ ፍርዳዊ መጋባኣያ ክቐርብ ይኽእል። እዚ መትከላት’ዚ ኣብ ዓንቀጽ 13 ውዕል ሮማ ዝተደንገገ ሕጊ ኢዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ቅድመ-ኩነታት ምስ ግፍዕታት ህግደፍ ምስ እነዛምዶ፡ ገለ ኣከራኻሪ መዳያት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ። ኤርትራ ንውዕል ሮማ ኣብ 1999 ከቲማቶ ኢያ። ብኡ ክትቅየድ ተሰማሚዓ ድያ ኣይተሰማመዐትን፤ ንክሊ ስልጣን ናይቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲኸ ብወግዒ ተቐቢላቶ ድያ ኣይተቐበለቶን ዝብል ነጥቢ ግን ንኽትዕ ክፉት ኢዩ ዘሎ። ኣብ ነዊሕ ዝርዝር ከይኣተኹ ኣሕጽር ኣቢለ ከብርሆ። ብመሰረት መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ንውዕል ሮማ ምኽታም ጥራይ ነዚ ሕጂ ዝበሃል ዘሎ ተቐያድነት እኹል ቅድመ-ኩነት ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ኪንኡ ክኸይድ ዝግብኦ መብጸዓታት ኣሎ ዝብል ሙጉት ኣሎ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ያእ! ውዕል ምኽታም ጥራይ እኹል እንድዩ፤ ካብኡ ንላዕሊ ዝድለ ነገርከ እንታይ ኣሎ ዝብል ሙጉት ‘ውን ኣሎ። ነዚ ነጥቢ’ዚ ብዝምልከት ስምኦን መ. ወልደሃይማኖት ብወገኑ ዝሃቦ ሕጋዊ ትንታነ ስለዘሎ፡ እግረ መደገይ ንዕኡ ምውካስ ኣገዳሲ ምዃኑ ክጠቅስ። ዝኾነ ኮይኑ፡ ኤርትራ ብውዕል ሮማ ክትቅየድ ዝግብኣ ሃገር’ያ ዝብል ደምዳሚ መረዳእታ እንተሎ፡ ንሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ምኽሳሶም ይክኣል ይኸውን ዝብል ገምጋም ክህሉ ግድን ኢዩ። እንተኾነ ግን እዚ ኣማራጺ’ዚ ቅድሚ ሕጂ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተፈቲኑስ፡ ክሰልጥ ስለ ዘይከኣለ ንግዚኡ ሸለል ተባሂሉ ክሕለፍ ዝኽእል ጉዳይ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ሓደ ካብቲ ዘይሰለጠሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኤርትራ ንክሊ ስልጣን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብወግዒ ስለ ዘይተቐበለቶ ኣንጻር መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ መጋባኣያ’ዚ ክሲ ክቐርብ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ውሳነ ብኣኽባር ሕጊ ናይቲ ቤት ፍርዲ ስለ እተውሃቦ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ‘ውን ኤርትራ ኣብ ወግዓዊ መዝገብ ናይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ በቲ ውዕል ከም ዘይትቕየድ ሃገር’ያ ተጠቒሳ ዘላ። እቲ ውጽኢት እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን እቲ ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝተፈተነ ተበግሶ ክምጎስ ዝግብኦ፡ ሕጂ ‘ውን ብዝተመሓየሸ ስትራተጅን ቅድን፡ ኒሕን ሓቦን ተመሊእዎ ክቕጽል ዝግባእ ሰናይ ተበግሶ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ደጋጊመ ዝገልጾ ዘለኹ ሕጂ ‘ውን እቲ ተኽእሎታት ኣብ ቦትኡ ኢዩ ዘሎ። ጻዕርን ተባላሓትነትን ምርምርን ጥራይ’ዩ ዝሓትት። እቲ እንኮን ኣድማዕን መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክኸሰስሉ ዝኽእሉ ኣማራጺ፡ እቲ ብውሳነ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክብገስ ዝግብኦ መስርሕ ፍርዲ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ከጀምር ዝኽእል ገበናት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ’ዩ፤ ይፍጸም ‘ውን ኣሎ - ብኢደ-ወነንነት! እቲ ጸገም ግን በቲ ዝድለ መልክዕ ጎስጓስ ይግበረሉ ዘይምህላዉ ኢዩ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ዝድለ መርትዖታት፡ ካብ ፈቖዱኡ ኣይተኣከበን፣ ኣይተወደበን፣ ኣይተጻፈፈን፣ ንፍርዳዊ መስርሕ ብዘገልግል መገዲ ኣይተቐርመን። ብዛዕባ’ቲ ህግደፍ ብረቂቕ ሜላ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣረሜናዊ ጭፍጨፋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ተናኺፈዮ ኔረ ኢየ። ብዘይካ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ፡ ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ካብ እሙናት ምንጭታት ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ፡ ኣብቲ ህግደፍ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝብሎ ምምሕዳራዊ ከባቢ ጥራይ ኣስታት 10 ሽሕ ዝግመቱ እሱራት ከም ዘለዉ ኢዩ ዝጥርጠር። እዚ ማለት፡ ኣብ ፕሪማ ካንትሪ (ባረንቱ)፣ ተሰነይን ካልእ ቦታታትን ማለት’ዩ። እቶም እሱራት፡ ካብ ዝተፈላለየ ጽላታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ተኾብኪቦም ዝተዳጎኑ ኢዮም። ገሊኦም ኮብሊልኩም፣ ገሊኦም ከዲዕኩም፣ ገሊኦም ሃዲምኩም፣ ገሊኦም ንሱዳን ወይ ንኢትዮጵያ ክትሞልቁ ተረኺብኩም፣ ገሊኦም እምነትኩም ወይ ሃይማኖትኩም ምኽሓድ ኣቢኹም፡ ወይ ከኣ ዘምጻእናልኩም ኣባት ነብሲ ምቕባል ኣቢኹም፣ ገሊኦም ምስ ተቓወምቲ ተሓባቢርኩም ወይ ተደናጊጽኩም፣ ወዘተ … ብዝብል ምኽንያታት ንኣዋርሕን ንዓመታትን ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተዳጎኑ መሳኪን ፍጡራት ኢዮም። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ካልእ ቦታታት ኤርትራ ንዘለዉ እሱራት ዝምልከት ከም ዘይኮነ ብሩህ ኢዩ። እዚ ንባዕሉ፡ እኹል መርትዖታትን መሰኻኽርን ኣዋዲድካ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርብ ዝኽእል ሓደ ንጹር ኣብነት ኢዩ። ኩነታት ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ፡ ይትረፍ ንሰማዒ ነቶም ኣዘንተውቲ ‘ውን መመሊሱ ኢዩ ዝድንጽዎም። ብርግጽ ኣብ ኤርትራ፡ በቲ ዝድለ ዘሎ መልክዕ ድኣሉ ዘይተቓልሐን ዘይተዘርበሉን እምበር፡ ንዓለም ዘሰክሕ ገበናት ተፈጺሙ’ዩ። “እንታይ ኣዴኽን ከይተምጻ” ዝብሉ ጽጋባታት መራሕትን ጀነራላትን፡ ወናኒ ብዘይብሉ ኣካይዳ ኩሉ ዓይነት ገበናት ፈጺሞም ኢዮም ኣብ ኤርትራ። ኩሉቲ ብዓንቀጽ 7 ውዕል ሮማን ካልኦት ገዘትቲ ድንጋገታት ኣህጉራዊ ሕግን መሰረት ኣብ ትሕቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝጥርነፍ ከም ቅትለት፣ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፣ ስቅያታዊ መግረፍቲ (torture)፣ ምግሳስ፣ ዓመጽን ካልእ ጾታዊ በደላትን፡ ብሰሪ ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ እምነት ዝወርድ ጭቆና (persecution)፣ ምጥፋእ ሃለዋት ወይ ሽርበት (enforced disappearance)፣ ባርነት፣ ግዱድ ዕዮን ካልእን ዝብል ገበናት፡ ኣብ ኤርትራ ሓንሳብ ክልተ ሳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሽሓት ግዜ ተደጋጊሙ ኢዩ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዓንቀጽ 13 ውዕል ሮማ መሰረት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝተጸመ ገበናት ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክመርሖ ዘኽእሎ ቅቡል ምኽንያታት ኣብ ኤርትራ መሊኡ ኣሎ። እቲ ዝስዕብ ምኽንያታት እቲ መሰረታዊ ኢዩ፦ 1ይ) ብመሰረቱ፡ ኣስካሕካሕነት ናይቲ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ገበናት (ከምቲ ዝድለ ስለ ዘይተቓልሐ ድኣ’ምበር) ንኣዳም ገረሞ ዘብል ምዃኑ ዝዀነ ዓይኒ ዘንቁሐ ሰብ ዝርድኦ ነገር ኢዩ። ጽባሕ ንግሆ፡ መጋረጃታት ኩሉ ተቐንጢጡ፡ ምሉእ ሓቂ ምስ ተጋህደ፡ ሽታ ናይቲ ተዓብዒቡ ዘሎ ጉድን በድንን ንምሉእ ዓለም ክዕብልኽ ኢዩ። ኩሉ’ቲ ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ክማላእ ዝግብኦ ረቛሕታት ዘማልአ ገበናት ብዘይ ጥርጥር ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ኢዩ። 2ይ) ኣብ ኤትራ ዘሎ ፍርዳዊ ትካላት ፍትሒ ከነግስ ዘይክእል፤ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ድማ ክገትእ ዓቕሚ ዘይብሉ ልሙስ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ኣካል ህዝቢ ዓለም መጠን፡ በቲ ማሕበረሰብ ዓለም ፍትሒ ከንግስ ኢሉ ዘቐሞ ትካላት ፍትሒ፡ ፍትሒ ከንግሰሉ ይግባእ። 3ይ) ማዕረ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሓቅታት፡ ንኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ክገዝእ ዝግብኦ ሓደ ካልእ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። መራሕቲ ህግደፍ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ኣስካሕካሕን መጠን-ኣልቦን ገበናት፡ ንምብሉኡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ህውከትን ዕግርግርን ዝቐየሩ ዕሉላት ገበነኛታት፣ ሃወኽትን ዘረግቲ ሰላምን ምዃኖም ብዝተፈላለየ ጸብጻባት ተረጋጊጹ ኢዩ። ፍሉይነት ናይ ጭካነኦም፡ ነቲ ሓንጊሩ ናብ ስልጣን ዘደየቦም ህዝቢ ብዝፈደይዎ ኣበሳ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ በቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፈጢሮሞ ዘለዉ ሕልና ዘናውጽ ህውከትን ዕግርግርን ዝምዘን ሰይጣናዊ ጎንፊ ኢዩ። እዚ ግብሪ’ዚ ብመምዘንታት ኣህጉራዊ ሕጊ መሰረት ንጸጥታን ርግኣትን ዓለም ዝህውኽ ገበን ኢዩ። ነዚ ድሒሩ ዝተጠቕሰ ገበናት ዘረጋግጽ፡ ነግ-ፈረግ ዘይብሃለሉ እልፊ መርትዖታት ኣሎ። መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕሉላት ዘረግቲ ሰላም ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ዓመታት ብዘየማትእ መርትዖታት ተረጋጊጹ’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ክኢላታትን መርመርትን ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ዓይንኻ ዘይሕስየሉ ምስጢር ዕዳጋ’ዩ። በዚ መምዘኒ’ዚ ጥራይ ክርአ እንከሎ፡ ካብቶም ኣብ ካልእ ዞባታት ዓለም ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ሃወኽትን ዘረግቲ ሰላምን ተባሂሎም ዝተለለዩ ባእታታት ብዘይሰንፍ መገዲ፡ መራሕቲ ህግደፍ ንጸጥታን ርግኣትን ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሃወኹ ዕቡዳት መራሕቲ ምዃኖም ብተግባራቶም ኣረጋጊጾም ኢዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ፡ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ሶማልን ዝተሸነነ ናይ ኣጽዋር እገዳታት ብምጥሓስ፡ ኣብ ብምሉኡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እዚ ዘይበሃል ኩምራ ኣጽዋር ከም ብምድኳን፡ እቲ ዞባ ብምሉኡ፡ መደበር ህውከት፣ ዕግርግር፣ ጥሜት፣ ህልቂትን ሞትን ኮይኑ ከም ዝቕጽል መሪሕ ኣዕናዊ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። ዝተፈላለየ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ፡ ካብ መጀመርታ 90ታት ጀሚሮም መራሕቲ ህግደፍ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ጣልቃ ብምእታው፣ ዳርጋ ኣብ ኩሉን መዳውብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራት፡ ዕጡቓት ብምዕላም፣ ብምምዋልን ብምስልጣንን ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ናይተን ሃገራት ሕንፍሽፍሽ ኣእትዮም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋጋት ‘ውን ከም ዝሃልቁ ጌሮም። ብመለክዕታት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ፡ መራሕቲ ህግደፍ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ኢደ-ወነናዊ ዕንደራ፡ ንጸጥታ ዓለም ወይ ንዝተወሰነ ዞባ ዝህውኽ ጻሕታሪ ኣካይዳ ወይ ገበን ስለ ዝኾነ፡ በዚ ምኽንያታት እዚ ባይቶ ጸጥታ ብዓንቀጽ 13 ውዕል ሮማ መሰረት፡ ጉዳይ መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቡ ክርአ ንምውሳን ዘኽእሎ እኹል ሕጋውን ፖለቲካውን ሰረት ኣለዎ። እቲ ሕጋዊ ሰረት ዝበሃል ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተተንተነ ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር የብሉን። መርትዖታት ምእካብን ምቕራምን፡ መሰኻኽር ምንዳይን ምእማንን፡ ከምኡ ‘ውን ርጡብን ቀጻልነት ዘለዎን መጽናዕቲ፣ ምርምርን ጎስጓስን ምክያድ ከም ዝደሊ ግን ርዱእ ኢዩ። ሕመረት ናይዚ ዛዕባ’ዚ ንፖለቲካዊ ሰረት ናይቲ ጉዳይ ዝምልከት ሕቶ’ዩ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኣመሪካን ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣዛሚድካ ክርአ ዝግብኦ ውራይ’ዩ። ብመሰረቱ ባይቶ ጸጥታ ጉዳይ መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቡ ክርአ ክውስን እንተኾይኑ እቲ ሓሳብ ብቐወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ብቐንዱ ድማ ብኣመሪካ ተቐባልነት ክረክብ ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ። ኣመሪካ ንኣቃውማን ኣሰራርሓን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካብ ዘይተቐበልኦ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ ንኸም ህግደፍ ዝኣመሰለ ስድነት ዝሰርነቖ ስርዓት መቐጥቀጢ ክሳብ ዝኾነ ግን ንመስርሕ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከም ዘይትቃወሞ፡ ኣብ ተሞክሮ ሱዳን ኣገራጊጻቶ ኣላ። እታ መሓዛ ህግደፍ ተባሂላ ትጥርጥር ቻይና ግን መራሕቲ ህግደፍ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እንዳተሃድኑ ትም ኢላ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢያ ዝብል ስግኣታት ክህሉ ግድን ኢዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዘሕልፎ ውሳነ፡ ቻይና ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ክትገትኦ ትኽእል’ያ ዝብል ስግኣታት ክህሉ ይኽእል’ዩ። ይኹን እምበር፡ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዝወሰደቶ መርገጺ ምስቲ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክትወስዶ እትኽእል መርገጺ ኣዛሚድካ ምስ ዝርአ እቲ ስግኣት ብዙሕ ዘስክፍ ኣይኮንን። ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቻይና ዓንቃጺ ተራ ክትጻወት እንዳኸኣለት ኣይገበረቶን። ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ከምኡ ብምግባራ ምስ ኣመሪካ ከቀራሕና ስለ ዝኽእል’ዩ። ስነ-ሓሳባዊ ዕቃበታት ብዘየገድስ፡ ካብ ምስ ኣመሪካ ምብኣስ ምስ ሱዳን ምኩራይ ስለ ዝሓይሽ ቻይና ነቲ መደብ ኣይዓንቀፈቶን። ምኽንያቱ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣመሪካን ዝማዕበለ ንግዳዊ ርክባት ካብቲ ቻይና ምስ ሱዳን ዘለዋ ብተዓጻጻፊ ዝዓዘዘ ኢዩ። ፖለቲካዊ ረብሓታት ድማ ምስ ቁጠባዊ ረብሓታት ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ ቻይና ካብ ንኣመሪካ ምኹራይ ንሱዳን ምኹራይ’ያ መሪጻ። ስለዚ ንባይቶ ጸጥታ ክትዓናቕፍ ኣይተራእየትን። ብተመሳሳሊ መለክዒ፡ ቻይና ምስ ሱዳን ዘለዋ ቁጠባዊ ዝምድና ካብቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ብተዓጻጻፊ ዝዓዘዘ ኢዩ። ስለዚ ቻይና ነታ ካብ ኤርትራ ዝዓበየ ረብሓ ዘለዋ ሱዳን ከተድሕን ክትብል ምስ ኣመሪካ ካብ ዘይተፋጠጠት ንመራሕቲ ህግደፍ ከተድሕን ክትብል ምስ ኣመሪካ ክትፋጠጥ ትኽእል’ያ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ ይመስል። ንምዃኑ እቲ ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ሱዳንከ እንታይ’ዩ፧ ኣብ ማዕከናት ዜና ተደጋጊሙ ከም እተገልጸ፡ ካብ 2003 ክሳብ 2004 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ዳርፉር ዝተብሃለ ዞባ ሱዳን ዝተፈጸመ ኩናትን ህልቂትን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ስለ ዘቖጥዖ፡ እቶም ኣብ ህልቂት ዳርፉር ቀንዲ ተሓተትቲ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሱዳናውያን ሰብ መዝን ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቦም ክኽሰሱ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 31 መጋቢት 2005 ይውስን። ቻይና፡ ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰላ ተጠቒማ ነዚ ኣይዓንቀፈቶን። በቲ ባይቶ ጸጥታ ዝወሰኖ መሰረት፡ ኣኽባር ሕጊ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ኣብ ወርሒ ጕንበት 2007፡ ካብቲ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ረኺቡ፡ ክልተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ሱዳን ተኣሲሮም ናብቲ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትእዛዝ ሂቡ። እቶም ሰባት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ዝነበረ ኣሕመድ መሓመድ ሃሩን ከምኡ ‘ውን ናይቶም ብጃንጃዊድ ዝፍለጡ ምልሻ ኣዛዚ ዝነበረ፡ ዓሊ ኣሕመድ ዓሊ ዓብዱራሕማን (ኣቡ ኩሸይብ) ኢዮም። ኣብዚ ክስትውዓለሉ ዝግብኦ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ። በቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣምር ዲፕሎማስያዊ ጽላል መሰረት፡ ከም ቀደም እንተዝኸውን ብውሕዱ እቲ ሱዳናዊ ሚንስተር፡ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ክኽሰስ ኣይግብኦን’ዩ ክበሃል ምተኻእለ ኔሩ። ተደጋጊሙ ከም እተገልጸ ግን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብዓይነቱን ክሊ ስልጣኑን ፍሉይ ስለ ዝኾነ፡ እቶም ኣብኡ ክፍረዱ ዝግብኦም ዕሉላት ገበኛታት ስልጣኖምን ዲፕሎማስያዊ ጽላሎምን ብዘየገደስ ቀሪቦም ከም ዝቕጽዑ ዝገብር፡ ኣብ ታሪኽ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ነጥበ-መቐይሮ ተባሂሉ ተደጋጊሙ ዝተገልጸሉ ፍርዳዊ ትካል ኢዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ክልተ ዕሉላት ሱዳናያውን ተወሲዱ ዘሎ ታሪኻዊ ስጉምቲ ንባዕሉ ‘ውን በዚ ምኽንያት’ዚ ኢዩ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ተባሂሉ ዝጸሓፈሉን ዝዝረበሉን ዘሎ። መንግስቲ ሱዳን ንግዚኡ ነቶም ጥርጡራት ከስተልሞም ፍቓደኛ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ዘይተርፍ ነገር ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ሞንጎ’ዚ ዅሉ ግን እቶም ጥርጡራት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሽቑረራ ዝበሓቶ ሂወት ምስቲ ንሳቶም ዝፈጸምዎ ገበናት ዘይዳረግ’ኳ እንተዀነ፡ ድላይካ ጌርካ ደቂስካ ከም ዘይሕደር ዘረጋገጸ ዓቢ ተሞክሮ ምዃኑ ግን መን ይስሕቶ። እቲ ዘገርም ነገር፡ ኣብዚ ንዓለም ኣስካሕኪሑ ዘሎ ህልቂት ዳርፉር፡ መራሕቲ ህግደፍ ካብቶም ቀንዲ ኣሳወርቲ ኩናት ከም ዝነበሩ ሰነዳት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ኣረጋጊጽዎ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ዝበለጸ ኣብነት፡ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ክኢላታት ብ30 ጥሪ 2006 ዝተዳለወ ሓደ ጸብጻብ ኣሎ። ነቲ ጸብጻብ ዘዳለወ ጉጅለ ክኢላታት፡ ተኣማንነቱ ተመስኪርሉ ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሓርየ፡ ብመዝነት ደረጃ ድማ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተሸነነ እገዳ ኣጽዋር ዝጥሕሳ ሃገራት መነ-መን ምዃነን ክምርምር ዝተመዘዘ ኣካል ኢዩ። እዚ ኣካል’ዚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ሓቢሩ፦ መንግስቲ ሱዳን ከም ዝብሎ፡ ነቶም ኣብ ዳርፉር ዝመደበሮም ተቓወምቲ ሎጂስቲካዊ ሓገዝ ዘወሃህድ ኤርትራዊ ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ኢዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ መሓመድ ሳልሕ ሓምድ (ሓርባ) እተብሃለ፡ ብደረጃ ጽፍሒ ሓላፍነት፡ ኣብ መሪሕነት ጀም (ምንቅቓስ ንፍትሕን ማዕርነትን) ሳልሳይ መዓርግ ዝነበሮ ሰብ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። ንሱ ከም ዝበሎ፡ ጀም ናይ ኣጽዋር፣ ተተኮስትን መራኸብታትን ሓገዝ ካብ ኤርትራ ይርከብ ኔሩ። ወተሃደራት ጀም ድማ ኣብ 2004 ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ኔሮም። (para 86) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኩነታት ሶማልያ እንተርኣና ‘ውን፡ መራሕቲ ህግደፍ ብሕጊ ዓለም ዘይምእዘዙ ኢደ-ወነናውያን ምዃኖም ዝተቓልዕሉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንረክብ። ብዕለት 22 ሕዳር 2006 ዝተዘርገሐ ሓደ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ 5 ጕንበት 2006 ክሳብ 22 ሕዳር 2006 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፡ መራሕቲ ህግደፍ ንእገዳታት ባይቶ ጸጥታ ጥሒሶም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት 28 ግዜ እዚ ዘይብሃል ኣጽዋር ንሶማልያ ጓሪቶም። ኣብ ሕዳርን ታሕሳስን 2006 ጥራይ ካብ ባጽዕ ንሞቓድሾ 13 በረራታት ተጌሩ። ካብ 19 ሰነ ክሳብ 26 ነሓሰ 2006 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ፡ መራሕቲ ህግደፍ እዚ ዝስዕብ ኣጽዋር ነቶም ሸባብ ዝበሃሉ ናይ እስላማዊ መጋባኣያ ዕጡቓት ሂቦሞም፦ 24 ሓባ M72 ዝዓይቱ ጸረ ተሽከርከርቲ ባዙቃ፣ 1200 ሓባ ጸረ-ታንኪ፣ 4000 ሓባ ቡምባ (F1)፣ M-46 130mm ዝዓይነቱ ተጎታቲ መድፍዕ፣ ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ንነኣሽቱ ኣጽዋር ዘገልግል ተተኮስቲ፣ M-30 122mm ዝዓይነቱ ተጎታቲ መድፍዕ፣ D-30 152mm ዝዓይነቱ ኣጽዋር፣ ከምኡ ‘ውን Zu 57-2-57mm፣ Zu-23-2’ Shilka-4-23mm፣ Zu-23-4 እተብሃለ ኣጽዋራት፣ እተፈላለየ ሞርታራት፣ SA-6 እተብሃለ ጸነ-ነፈርቲ ሚሳይል፣ PZRK Strela 2M ወይ ከኣ SA-7 ‘Grail’ ዝተብሃለ ጸረ-ነፈርቲ ሚሳይል፣ ከምኡ ‘ውን RPG-7 ኣዕጢቖሞም። እቲ ጸብጻባት ብተወሳኺ ከም ዝሕብሮ፡ ንዕላማታት መራሕቲ ህግደፍ ከተግብሩ ንሶማል ካብ ዝተላእኩ ወተሃደራውያን መኮንናት፡ ኮሎኔል ዮሱፍ ነጋሽን ኤልያስ ሃይለን ዝበሃሉ ከም ዝርከብዎም ይሕብር። እዚ ጠገለ ዝስኣነ ምጉራት ኣጽዋር ናብ ሱዳንን ሶማልን፡ ብባይቶ ጸጥታ ዝተሸነነ እገዳታት ጥሒስካ ዝተገብረ ቀይዲ-በተኻዊ ዕንደራ ስለ ዝኾነ፡ መራሕቲ ህግደፍ ይትረፍዶ ክእመንሉስ፡ ብኮር ተገልበጥ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዝላፍን ቋንቋ ዲፕሎማሲ ዘየፍቅዶ ርእሰ-ዓንቀጻት ብምጽሓፍን ዓበድበዶም ይቕጽሉ ኣለዉ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓበሬታ ገለ ቁሩብ ኣብነታት ንምሃብ ተባሂሉ ዝቐረበ ድኣ እምበር እቲ ዝርዝር ነዊሕ ኢዩ። መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቦም ክኽሰሱ ኣለዎም ዝብል ምጉት እምበኣር፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግፍዕን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣኸቲሎሞ ዘለው ዕንወትን ኣጣሚርካ ክርአ ዝግብኦ ጽኑዕ ሰረት ዘለዎ ሕጋዊ ትንታነ ኢዩ። እቲ ኣሳሪ ሓሳብ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ክድምደም ይከኣል። መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝፈጸምዎ ህግሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ጥሕሰት ሕጊ ኹናትን ኣህጉራዊ ሕግን፣ ከምኡ ‘ውን ዘኸተልዎ ሰፍ ዘይብል ዕንወት፡ ጉዳዮም ብዓንቀጽ 13 ውዕል ሮማ መሰረት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንኽርአ ዝድርኽ እኹል መረዳእታታት ዘለዎ ኢዩ። እቲ ጉዳይ ብባይቶ ጸጥታ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እንተደኣ ተመሪሑ መራሕቲ ህግደፍ ዲፕሎማስያዊ ጽላሎም ስለ ዝቕንጠጥ፡ በዚ መሰረት ኣብ ሕጊ ከቕርቡ ይኽእሉ። እዚ ትነተና’ዚ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ እሞ ድማ ብኻልኦት ሃገራት ምስ ዝኽሰሱ ንግዚኡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጽላል ከዕቅሉ ዝኽእሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብዝምልከት ኢዩ። ዲፕሎማስያዊ ጽላል ዘይምልከቶም፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ካብ ኤርትራ ተወዝ ኢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ግዜ፡ ብዘይ ምትእትታው ናይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክኸሰሱ ዝኽእሉ ክፋል ናይ ላዕለዋይ መሪሕነት ህግደፍ ከም ዘለዉ ግን ምስትብሃል የድሊ። ብተዛማዲ፡ ነዚኣቶም ብሕጊ ከተረኻኽበሎም እቲ ዝቐለለ ኣማራጺ ኢዩ። እቲ ዝሓየለ ኣማራጺ ደፋእ ኢልካ ዝትግበር ምዃኑ ብምስትብሃል፡ ኣብቲ ብቐሊል ክጅምር ዝኽእል መስርሕ ምድሃብ ውጽኢታውን ኣድማዕን ከም ዝኾነ ብሩህ ኢዩ። ነዚ ብዝምልከትከ እንታይ ክግበር ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ከብርሆ ኢየ። (ይቕጽል)
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
|