ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ
(ሻውዓይ ክፋል)
.
ኣህጉራዊ ገበናት ዝፈጸሙ ሰባት ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ክሕተትሉ ዝኽእሉ ክልተ ኣማራጽታት ከም ዘሎ ኣብ 6ይ ክፋል ሓቢረ ኔረ። እቲ ሓደ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ስልጣን ምስ ተገለፉ ክግበር ዝኽእል ኣማራጺ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ካብ ስልጣን ከይተገለፉ እንከለዉ ‘ውን ክግበር ዝከኣል ነገር ኢዩ። ክልቲኡ ኣማራጽታት ካብቲ ኣህጉራዊ ክሊ-ስልጣን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ገበናት ዝብል መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ (the principle of universal jurisdiction) ዝምንጩ ኢዩ። እቲ ካብ ስልጣን ምስ ተገለፉ ክግበር ዝኽእል ሕጋዊ ተጸባጻብነት (accountability) እቲ ዝቐለለ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ዝርዝራዊ መብርሂ ምሃብ ብዙሕ ኣድላይ ኣይኮነን። ብፍላይ ብወተሃደራዊ ስዕረት ወይ ድማ ብኻልእ ዘሕፍር ኣገባብ ካብ ስልጣን ዝተገለፉ ሓረድቲ ሰብ፡ ዕጭኦም ከም ናይ በዓል ቻርለስ ተይለርን (መራሒ ላይበርያ ነበር) ወዱን ስለ ዝኾነ፡ እቲ ጉዳይ ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕጊ ‘ውን ርእሰ-ግሉጽ ኢዩ። ንገለ-ገለ ኣገደስቲ ትዕዝብታት ብዝምልከት ግን ጽንሕ ኢለ ክምለሶ ኢየ። እቲ ካልኣይ ኣማራጺ፡ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ከመይ ኣቢልካ ብኣህጉራዊ ሕጊ ክትጸባጸቦም ትኽእል ዝብል ነጥቢ ኢዩ። እዚ ነጥቢ’ዚ ኢዩ ድማ ዕሙቕ ዝበለ መብርሂ ዝደሊ።
ኣህጉራዊ ገበናዊ ተሓታትነት (international criminal responsibility) ካብቲ ኣህጉራዊ ክሊ-ስልጣን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ገበናት ዝብል መትከል (the principle of universal jurisdiction) ዝምንጩ ኢዩ። እዚ መትከል’ዚ ብሕጽር ዝበለ ኣቀራርባ፡ ኣህጉራዊ ገበናት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ብዝፈጸምዎ ገበን ኣብ ዝኾነት ሃገር ክፍረዱ ዘኽእል ኣዝዩ ህቡብ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲሙ እተገልጸ፡ እዚ መትከል’ዚ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኢዩ ህቡብነቱን ተተግባርነቱን እንዳሰፍሐ ዝመጸ። ኣህጉራዊ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ደቂ ኣየነይቲ ሃገር ኢዮም፤ እቶም ግዳያት ‘ውን ከምኡ ዜጋታት ናይ መን’ዮም ብዘየገድስ፡ እቶም ጥርጡራት (ገበኛታት) ኣብ ዝኾነት ብሰብኣዊ መሰላት እግደስ ኢየ፡ ንዕኡ ዝበቅዕ ሕጊ ‘ውን ኣለኒ እትብል ሃገር ክኽሰሱን ክፍረዱን ይኽእሉ። እዚ መትከል እዚ ካብ እተፈላለየ ኣህጉራዊ ውዕላት ዝምንጩ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ኮይኑ፡ ዝኾነት ሃገር ኣህጉራዊ ገበን ፈጺሞም ንዝተብሃሉ ሰባት፡ ወይ ባዕላ ክትቀጽዖም (prosecute ክተገብሮም) ኣለዋ ወይ ድማ ክቐጽዕኦም ድልዋት ናብ ዝኾና ሃገራት ከተስተልሞም (extradite ክትገብሮም) ኣለዋ ካብ ዝብል መትከል ዝብገስ ኢዩ - the principle of aut dedere aut judicare)። ነዚ መትከል’ዚ ሰረት ዘንጸፉ ተባሂሎም ዝጥቀሱ ኣህጉራውያን ውዕላት ብዙሓት’ኳ እንተኾኑ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ ናይ ቀረባ እዋን ውዕል ግን እቲ ብ1984 ዝጸደቐ ንስቅያታዊ መግረፍትን ካልእን ከም ውጉዝ ኣህጉራዊ ገበን ዝገዘተ ውዕል ኢዩ - ብቋንቋ እንግሊዝ Convention against Torture and Other Cruel, Inhuman or Degrading Treatment or Punishment (ውዕል ቶርቸር) ይበሃል። እዚ ውዕል’ዚ ብዝኾነት ሃገር ይከተም ኣይከተም ብዘየገድስ ዝለዓለ ኣህጉራዊ ተቐባልነትን ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ሃገር ድማ ተፈጻምነት ዝህቦ ኣህጉራዊ ዝና ከም ዝረኸበ ክኢላታት ኣህጉራዊ ሕግን ፍርዳዊ መጋባኣያታት ዓለምን ይሕብሩ። እቶም ኣብዚ ውዕል’ዚ ሰፊሮም ዘለዉ መትከላት ገዘትቲ ኣህጉራውያን መትከላት ኣብ ክበሃልሉ ዝኽእሉ ደረጃ በጺሖም ከም ዘለው ድማ ይእመን። በዚ መሰረት፡ ነቶም መትከላት እቲኣቶም ብዝኾነ ምኽንያት ዝጠሓሰ ሰብ ብኣህጉራዊ ሕጊ ኩኑን’ዩ ማለት ኢዩ። ብሰብኣዊ መሰላት እግደስ ኢየ እትብል ዝዀነት ዲሞክራስያዊት ሃገር፡ ብፍላይ ድማ ንኣተገባብራ ውዕል ቶርቸር ዝምልከት ሕጊ ዝኣወጀት ሃገር፡ ዝኾነ ቶርቸር ፈጺሙ ንዝተብሃለ ሰብ ክትከሶን ክትፈርዶን ትኽእል። እቲ ውዕል ‘ውን ኩለን ሃገራት ዓለም ከምኡ ክገብራ ኢዩ ዝእዝዘን።
እዚ ኣህጉራዊ ክሊ-ስልጣን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ገበናት ዝብል መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ብኣብያተ ፍርዲ ሓንቲ ሃገር ተፈጻምነት ክህልዎ እንተኾይኑ፡ እታ ሃገር ንዕኡ ዝምልከት ሃገራዊ ሕግታት ክትነድፍን ከተጽድቕን ከም ዘለዋ ተሞክሮ ዘረጋገጾ ሓቂ ኢዩ። ንኸምዚ ተባሂሉ ዝእወጅ ሕጊ መተግበሪ ውዕል ቶርቸር (torture convention implementation act) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዙሓት ዲሞክራስያውያን ሃገራት ነዚ ዝምልከት ሕጊ ኣዊጀን ኣብ ግብሪ ኣውዒለንኦ ኢየን። እተን ብተደጋጋሚ ከም ኣብነት ዝጥቀሳ ሃገራት ቤልጅዩም፣ ካናዳ፣ ጀመርን፣ ኣመሪካ፣ ስፐይን፣ ነዘርላንድስ፣ ኣውስትራልያን ካልኦትን ኢየን። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ክሳብ ሕጂ ውሑዳት ዘይብሃሉ ሰባት ተፈሪዶም ኢዮም። ብድሕሪ ሕጂ ‘ውን ብዙሓት ሰባት ክኽሰሱ ምዃኖም ኢዩ ዝእመን። እቲ ኣተገባብራ ናይዚ ጉዳይ’ዚ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ብመልክዕ ገበናዊ ክሲ ዝፍጸም ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ብመልክዕ ሲቪላዊ ክሲ (ብመልክዕ ካሕሳ) ዝፍጸም ኢዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ድማ ብኽልቲኡ ኣገባባት ይፍጸም። ካልእ ዝተፈላለየ ሕጋዊ ኣመታት ‘ውን ኣለዎ።
ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረን ካልእ ኣህጉራዊ ውዕላትን ብዝተገበሰ ኣሰራርሓ፡ ክሳብ ሕጂ ዘጋጠመ ተሞክሮታት ከም ዝሕብሮ፡ ገሃስቲ መሰል ኣብ ስልጣን እንከለዉን ካብ ስልጣን ምስ ተገለፉን ኣብ ዝተፈላለያ ዲሞክራስያውን ሃገራት ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ክስታት ቀሪቡሎም ከምዝነበረ’ሞ በዚ ከም እተፈርዱ ይፍለጥ። ኣብዚ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ዝበለጸ ኣብነት፡ ኣብ 1998 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ መራሒ ቺለ-ነበር ጀነራል ኣጉስቶ ፒኖቸ ዝቐረበ፡ ኣብ ዓውዲ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ድማ ነጥበ-መቐይሮ ተባሂሉ ዝተጻሕፈሉን ዝተዘርበሉን ተሞክሮ ኢዩ። ፒኖቸ ኣብ 1973 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝደየበ ዕሉል ውልቀ-መላኽን ሓራዲ ንጹሃት ዜጋታትን ኢዩ ኔሩ። ኣብ ሰብዓታትን ኣብ ሰማንያታትን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣስካሕካሕቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ካብ ዝፈጸሙ ዕሉላት ውልቀ-መለኽቲ ሓደ ኢዩ ኔሩ። ኣብ 1990 ፒኖቸ ካብ መሪሕነት ክእለ እንከሎ፡ ምስቲ ስልጣን ዝተረከበ ሓድሽ መንግስቲ ምስጢራዊ ውዕል ጌሩ። እቲ ምርድዳእ ድማ ድሕሪ ካብ ፕረዚደንትነት ምእላዩ ዝኾነ ይኹን ክሲ ከይቀርበሉ ውሕስነት ዝብህ ስምምዕ ነበረ። በዚ መሰረት ክሳብ 1998 ከም ኣዛዚ ሰራዊት ኮይኑ ክቕጽል፡ ብድሕሪኡ ድማ ክሳብ ግዜ ሞቱ ከም ኣባል ባይቶ ኰይቱ ክቕጽል መገዲ ጸሪጉ ኢዩ ካብ ፕረዚደንትነት ዝተኣልየ።
ኣብ ጥቅምቲ 1998፡ ፒኖቸ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብር ንሎንዶን ከደ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንከሎ፡ ብዕለት 16 ጥቅምቲ 1998፡ ባልታሳር ጋርዞን ዝተብሃለ ስጳኛዊ ዳኛ ዝጸሓፎ ናይ ቤት ፍርዲ መቐየዲ ትእዛዝ ካብ ገበናዊ መጋባኣያ ማድሪድ ንፒኖቸ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ይስደደሉ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ስጳኛውያን ከም ዝቐተለን በዚ ድማ ብሕጊ ይድለ ከም ዘሎን ዝሕብር መቐየዲ ትእዛዝ ነበረ። በዚ መሰረት፡ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ብዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ፒኖቸ ናብ ቤት ፍርዲ መታን ክቐርብ ይቕይድዎ። እንደገና ብዕለት 22 ጥቅምቲ 1998፡ ካልኣይ ናይ ቤት ፍርዲ መቐየዲ ትእዛዝ ካብ ስጳኛ ናብ ፒኖቸ ይለኣኽ። ብዕለት 3 ሕዳር 1998፡ መንግስቲ ስጳኛ፡ ፒኖቸ (ብመገዲ መጋበርያታቱ) ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ክሳብ 3178 ዝበጸሑ ሰባት ከም ዝቐንጸለ፣ ከም ዝሰወረ፣ ብሕሱም ከም ዝገረፈን ከም ዝጨወየን ብምግላጽ፡ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ስጳኛ ከስተልሞ ብወግዒ ይሓትት። እቲ ሕጋዊ ክርክር ዳርጋ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ቀጸለ። ፒኖቸ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክቕጻዕ ወይ ድማ ናብ ስጳኛ ክስትለም ይኽእል’ኳ እንተነበረ፡ ብዕድመ ደፊኡ ብሕማም ድማ ማሲኑ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መጋባኣያ ክቐርብ ኣይበቅዕን’ዩ ተባሂሉ፡ ብሚኒስትሪ ውሸጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ምሕረት ተሓቲትሉ፡ ኣብ መጋቢት 2002 ንዓዱ ክኸይድ ተሓዲጉ። እቲ ፒኖቸ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተኸሰሰሉ ሕጊ፡ ኣዋጅ ገበናዊ ፍትሒ ናይ 1988 (Criminal Justice Act of 1988) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሕጊ ኢዩ። ፒኖቸ ንቺለ ምስ ተመልሰ ክብረት ቀደሙ ኣይረኸበን። ኣብ ዝስዓበ ዓመታት፡ እቲ ባዕሉ ንባዕሉ ዝገለሶ ምሕረትን ክብረትን ተቐንጢጡ፡ ዝተፈላለየ ክስታት ቀሪቡሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት እቲ ክስታት ኣይቀጸለን። ብዕለት 10 ታሕሳስ 2006 ድማ ምስ ሕስረቱ ሞይቱ።
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ጉዳይ ፒኖቸ ኣብ ምዕብልና ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ነጥበ-መቐይሮ ኢዩ ኔሩ። ካብዚ ተሞክሮ’ዚ ዝተላዕለ፡ ብኣፍሪቃ ደረጃ ከም ዓቢ ኣብነት ዝጥቀስ ተሞክሮ፡ ንሒሰን ሃብረ ዝተብሃለ መራሒ ቻድ-ነበር ዝምልከት ኣብነት ‘ውን ኣሎ። እዚ ዕሉል ውልቀ-መላኺ’ዚ ካብ 1982 ክሳብ 1990 ንቻድ ዝመርሐ ምኩር ቀታልን ሓራድን ሰብ ኢዩ ኔሩ። ኣብ 1990 ካብ ስልጣን ካብ ዝተገለፈሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ሰኔጋል ተዓቚቡ ይቕመጥ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ለካቲት 2000 ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተበገሰ ክሲ ኣብ ቤልጅዩም ይጅምር’ሞ፡ በዚ መሰረት ሴኔጋል ንሃብረ ከተረክቦ ብቤልጅዩም ትሕተት። እቲ ኣንጻር ሃብረ ዝቐንዐ ሕጊ ናይ ቤልጅዩም፡ ካልኦት ዝተፈላለዩ ዕሉላት ገበኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተቐጽዕሉ፡ ድሒሩ ኣብ 2003 ዝተመሓየሸ፡ ንኣህጉራዊ ገበናት መቕጽዒ ተባሂሉ ዝተኣወጀ ፍሉይን ህቡብን ሕጊ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ሰኔጋል ንሃብረ ባዕለይ ክፈርዶ ኢየ፡ ንኻልእ ሃገር ኣሕሊፈ ኣይህቦን’የ ስለ ዝበለት፡ እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሰኔጋል ይዳየድ ኣሎ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር እንተሎ፡ ድሕሪ እቲ ብቤልጅዩም እተወሰደ ተበግሶ፡ ሒሰን ሃብረ ከም መንግስቱ ሃይለማርምያም ኣብ ዑቕባ ዘይኮነ ዘሎ ኣብ ትሕቲ መስርሕ ፍርዲ ኢዩ ዘሎ። መዓልቱ ሓልዩ ብዝፈጸሞ ገበናት ክቕጻዕ ከም ዝኾነ ድማ ልዑል ትጽቢት ኣሎ። ናይ ሒሰን ሃብረ ኣብነት ዘነጽሮ ካልእ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ። መንግስቱ ሃይለማርያም ‘ውን ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣን ኣብ ዝተኣልየሉ ግዜ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዚምባብወ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ኣብ ዝተተኸለሉ ግዜ፡ ከም ናይ ሃብረ ዕጫ ክገጥሞ ከም ዝኽእል ኢዩ ዝግመት።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብነታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኮይኑ፡ ካልእ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ፍርዲ ዓለም ዝተጋብአ፡ ኣቕዲሞም ህዝቢ ናይ ዘጋፍዑን ዝጨፍጨፉን ገሃስቲ መሰል ፍርዳዊ ተጸባጻብነት ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝተራእየ ርዱእ ኢዩ። ብታሪኻዊ ኣገዳስነቱን ንጭቁናት ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝገደፎ ትምህርትን፡ ናይ ኢትዮጵያዊ ከትካቲ (torturer) ቀልቤሳ ነገዎ ዕጫ ከም ኣገዳሲ ኣብነት ጠቒስካዮ ምሕላፉ ሓጋዚ ኢዩ። ቀልቤሳ ነገዎ፡ ኣብ ግዜ ደርጊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብቲ “ብከፍተኛ ዘጠኝ” ዝፍለጥ ዝነበረ ከባቢ፡ ብኣቦ መንበርነት ዘገልገለ ዕሉል ከትካቲ ኢዩ ኔሩ። ኣብ ግዜ “ቀይ ሽብር” ድማ ብዙሓት ሰባት ከም ዝኸትከተን ከም ዘኽትከተን ከምኡ ‘ውን ከም ዝቐተለን ዘቕተለን ዝተዘርበሉን ዝተፈርደሉን ዕሉል ገበነኛ ኢዩ። ኣብ 1987 ናብ ኣመሪካ ኣትዩ፡ ተራ ሰብ ተመሲሉ ይነብር’ኳ እንተነበረ፡ ሓንቲ ካብ ግዳያቱ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ተቖጺሩ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ሆቴል ብጎፈ-ጎፍ ምስ ረኸበቶ ስለ ዘለለየቶ፡ ንፖሊስ ሓቢራ ድሕሪ ነዊሕ መስርሕ ኣእሲራቶ። ቀልቤሳ ነገዎ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ፡ ብዝተወሃቦ ፍርዲ መሰረት፡ ብዝፈጸሞ ገበን ተሓታቲ ኮይኑ ስለ ዝተረኸበ 1.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተወሲንሉ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ (ኣብ ዝሓለፈ ዓመት) ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝጥረዝ ተጌሩ፤ ናይ ዕድመ ምሉእ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ፡ ምስ ካልኦት ገበነኛታት ስርዓት ደርግ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።
ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኣብነታት፡ ዕሉላት ሰበ-ስልጣን ካብ መዝነቶም ምስ ተኣልዩ ብዛዕባ ክውሰደሎም ዝኽእል ሕጋዊ ስጉምታት ዘውክእ ኣብነታት ኢዩ። ስለዚ ብሕጽር ዝበለ መገዲ፡ ዕሉላት ገበነኛታት ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውጋዶም እንተድኣ ኣብተን ዲሞክራስያውያን ዝበሃላ ሃገራት ገጾም ተወዝ ኢሎም ተንቀሳቒሶም ከምቲ ኣብ ልዕሊ ፒኖቸን ቀልቤሳ ነገዎን ዝተገብረ፡ እኹል ምድላዋት ጌርካ ብሕጊ ምትሕሓዞም ከም ዝከኣል ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ተኽእሎ’ዚ ዋላ ኣብ ስልጣን እንከለው ‘ውን ክግበር ዝከኣል ነገር ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ማለት እቶም ኣህጉራዊ ገበናት ከም ዝፈጸሙ ጭቡጥ መርትዖ ክቐርበሎም ዝኽእል ዕሉላት ገበኛታት፡ ብዝዀነ ምኽንያት ናብተን መቕጽዒ ኣህጉራዊ ገበናት ዘለወን ሃገራት ተወዝ ኢሎም ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ግዜ፡ እቲ ዝድለ ምድላዋት ጌርካ ጸኒሕካ ምኽሳሶምን ናብ ፍርዲ ምቕራቦን ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያታት ዓለም ከም እተራእየ፡ እዚ መደብ’ዚ ክትግበር እንተድኣኾይኑ ክስትብሃለሉ ዝግብኦ ሓደ መሰረታዊ ግን ከኣ ግዚያዊ ዕንቅፋት ኣሎ። እዚ ግዚያዊ ዕንቅፋት’ዚ ካብ ሓደ ፍሉጥ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝነቅል ነጥቢ ኮይኑ፡ ንዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ወይ ጽላል (diplomatic immunity) ዝምልከት ኢዩ። ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ወይ ዘይተደፋርነት ማለት፡ ንኸም መራሒ ሃገር (ፕረዚደንት)፣ ሚኒስትራትን ኣምባሳደራትን ዝምልከት፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝልገስ ዘይተደፋርነት ማለት ኢዩ። እዚ ውሕስነት’ዚ እቶም ሰባት ኣብ ወግዓዊ መዝነት መንግስቲ ክሳብ ዝሃለዉ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝዕደሎም ዲፕሎማስያዊ ጽላል ኢዩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለዉ፡ ብዝኾነት ትኹን ሃገር ከይክሰሱን ከይንከላበቱን ጎር ዝኾኖም፡ ሓደ ካብ ብሉያት መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን (ብፍላይ ኣብ ኣካዳምያዊ ዓንኬላት) ኣከራኻራሪ እንዳኾነ ዝመጽእ ዘሎ መትከል ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብ 2003፡ እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ መጋባኣያ ፍትሒ (International Court of Justice - ምስ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ፍልልይ ከም ዘለዎ ምግንዛብ የድሊ) ብዝሃቦ ብይን መሰረት፡ ከም ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ዝኣመሰሉ ሰብ መዚ፡ ኣብ ዕላዊ ጽፍሒ መንግስቲ ክሳብ ዝሃለዉ ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ክንፈጎም ከም ዘይክእል ተረጋጊጹ ኣሎ። በዚ መሰረት ድማ፡ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለዉ ኣንጻሮም ኣብ ካልእ ሃገር ክሲ ክምስረት ከም ዘይከኣል እቲ ፍርዳዊ መጋባኣያ ፈሪዱ። እዚ ፍርዲ’ዚ ዝተውሃበ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኮንጎ ኣብ ቤልጅዩም ክኽሰስ ድንዕታ ምስ ቀረበሉ፡ ኮንጎን ቤልጅዩምን ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያ ፍትሒ ቀሪበን ድሕሪ ዝገበርኦ ሕጋዊ ክርክር፡ እቲ መጋባኣያ እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍርዲ ሂቡ። እንተዀነ ግን፡ ነዚ ጸገም’ዚ ፍታሕ ዝኸውን ካልእ ዘመናውን ዘተኣማምንን ኣማራጺ ከም ዘሎ ድሒረ ክጠቕሶ ኢየ። ቅድሚ ናብኡ ምስጋረይ ግን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ወይ ዘይተደፋርነት ካብ መራሕ ሃገር፣ ሚኒስተራትን ዲፕሎማሰኛታት ሓሊፉ ንኻልኦት ሰበ ስልጣን ከም ዘይምልከቶም፡ እቶም ዘይምልከቶም ሰበ ስልጣን ድማ ኣብ ዝኾነ ግዜን ኣብ ዝኾነት መተግበሪ ሕጊ ዘለዋ ሃገርን ክኽሰሱ ከም ዝኽእሉን ክኢላታት ኣህጉራዊ ሕጊ ብርእሰ-ተረኣማንነት ከም ዝገልጹ ከነጽር እደሊ።
ኣህጉራዊ ሕጊ ንኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ጀነራላት፣ ላዕለዎት ኣባላት ገዛኢ ሰልፍን ካልኦትን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ወይ ጽላል ከም ዘለዎም ጌሩ ኣየለልዮምን። ብሓጺሩ እዚ መሰል’ዚ ነዞም ዝተጠቕሱ ሰበ ስልጣን ዝምልከት ኣይኮነን ዝብል ሰፊሕ መረዳእታ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ጀነራላት ህግደፍ ወይ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ሰልፊ (ግንባር) ኣብ በልጅዩም፣ ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሆላንድ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ካልእ ዲሞክራስያዊት ሃገር’ሞ ድማ መቕጽዒ ኣህጉራዊ ገበናት ዘለዋ፡ ክሕከም ኢሉ ወይ ብኻልእ ምኽንያታት እንተዝመጽእ’ሞ፡ እኹል ምድላው ተጌሩ ጸኒሑ ክሲ እንተዝቐርበሉ፡ “ያእ! ኣነ ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ኣለኒ፤ ኣብዚ ዓዲ ድማ ክኽሰስ ኣይግባኣንን’ዩ” ኢሉ ክምጉት ብሕጊ ኣይክእልን ኢዩ። ኣህጉራዊ ሕጊ ‘ውን ኣይፈቕደሉን ማለት’ዩ። ስለዚ ብመንጽር ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ዝፈጥሮ ግዚያዊ ዕንቅፋታት ክርእ እንከሎ፡ ንግዚኡ ኣብቶም ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ዘይምልከቶም ባእታታት ጥራይ ኣተኵርካ ምስራሕ ከድሊ’ዩ ማለት’ዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ከምቲ ዝድለ ይስራሕ ኣሎዶ የለን ዝብል ሕቶ መሰረታዊ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ንግዚኡ ወንዚፈ ትንተናይ ክቕጽል ኢየ። እቲ ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ግን ንዘልኣለም ዘይነብር ጽላል ብምዃኑ ብዙሕ ዘሻቕል ነገር ኣይኮነን፤ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ነዚ ሕጽረት’ዚ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእል ዘመናዊ ኣመራጺ ከም ዘሎ ምዝካር ‘ውን ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ኣማራጺ’ዚ ብመገዲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዝፍጸም ኮይኑ ንኸመይነቱ ዝምልከት ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክትንተን ኢዩ።