ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ Print E-mail
By ዳንኤል ረዘነ - Nov 23, 2007   

ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ
(ሻድሻይ ክፋል)



ኣብ ኤርትራ ዓቐን ብዝሓለፈ መገዲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes against humanity) ከምኡ ‘ውን ካልእ ኣህጉራዊ ገበናት ከም እተፈጸመ ዘረድእ ኣኽል ታርፍ መርትዖታት፣ ሰነዳትን ካልእን ከም ዘሎ ተደጋጊሙ ክግለጽ ዝግብኦን ጭቡጥን ሓቂ ኢዩ። እሞኸ ደኣ፤ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብዓለም ፈጺሙ እተወገዘ ኣስካሕካሒ ገበናት ፈጺሞም ካብ ተብሃለ፡ ነዚ ዘረጋግጽ ኣኽል ታርፍ ናይ ሰነድን ካልእን መርትዖታት ድማ ኣሎ እንተኾነይኑስ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ እንታይ ክግበር ይከኣል ዝብል ነጥቢ እቲ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ‘ውን ናብኡ ገጸይ ኣብ ምምራሽ’የ ዘለኹ። እዚ ነጥቢ’ዚ ገና ምላእ ብምላእ ኣይበጻሕክዎን ዘለኹ፤ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ክንጸር ዝግብኦ ሓያለይ መሰረታዊ ነገራት ስለ ዘሎ። ብዛዕባ ተኽእሎ እንተኾይኑ ግን ብርግጽ ጭቡጥ ተኽእሎታት ኣሎ። ከምቲ ዝግባእ ቀዳምነት ሂብና ንሰርሓሉ ኣሎናዶ የለናን፤ እቲ ዝግባእ ናይ ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ኣድህቦ ተዋሂብዎዶ ኣይተዋህቦን’ዩ እቲ ሕቶ እምበር ይከኣልዶ ኣይከኣልን ኣይኮነን። ድሌትን ተበግሶን እንተሎ ዘይከኣል ነገር ስለ ዘየለ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ‘ውን ይከኣል ኢዩ። ብኸመይ ዝብል ሕቶ ክለዓል ባህርያዊ ስለ ዝዀነ፡ ነዚ ከብርህ እንተኾይነ ስፍሕ ዝብለ መብርሂ ክህብ ግድን ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ዛዕባ ብኹሉ ኩርንዓት ክምርመር ዘለዎ ነገር’ዩ። ንተኸታተልቲ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ መታን ከየሰልቹ፡ ናብቲ ንመርትዖ ዝምልከት ሕጋዊ ትንታነ ተመሊሰ ብዕምቆት ኣይክኣቱን ኢየ። ንሕጋዊ ትንታነ ናይቶም መርትዖታት፣ ንውልቃዊ ገበናዊ ተሓታትነት ሰበ ስልጣን ህግደፍ፣ ንእተፈጸመ ዓይነታት ገበን፡ በብመሳርዑ ዘነጽር መትከላት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕግን ነዚ ብዝምልከት ብፍርዳዊ መጋባኣያታት ዓለም ዝተውሃበ ፍርድታትን ካልእን ቀስ ብቐስ ብሰፊሑ ክዝርዝሮ ኢየ። እቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ነጥቢ ግን፡ ከምቲ ተደጋጊሙ እተገልጸ ካልእ ዘይኮነ፡ ንዕሉላት ገበነኛታት ህግደፍ ከመይ ኣቢልካ ብኣህጉራዊ ሕጊ ክትተሓሓዞም ትኽእል ዝብል ኢዩ።

ከምቲ ፕሮፌሰር ኪንግስበሪ ናይ ኒዮርክ ዩኒቨርስቲ ዝበሎ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ገና ኣብ ንድቀት ዝርከብ ናይ ህንጻ ስራሕ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ግን ብዙሕን ቅልጡፍን ምዕብልና ተራእዩ’ዩ፤ ብፍላይ ኣብ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ። ንረብሓ ውጹዓት ዝኸውን ምዕብልናታት ብዙሕ ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ጽሑፍ እዚ ዜሩ-ዜሩ ናብኡ ኢዩ ክኸይድ። ኤርትራ ናጻ ካብ ዝወጸትሉ እዋንን ህዝባዊ ግንባር ከም ‘መንግስቲ’ ክጽብጸብ ካብ ዝጀመረሉ ግዜን፡ ማለት ካብ 1991 ኣትሒዙ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ኣህጉራዊ ገበናት ዓይነቶም ብዙሕ ኢዩ ኢለ ኔረ። ሰበ ስልጣን ህግደፍ ከም ዕሉላት ገበነኛታት መጠን ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ክሕተትሉ ዝኽእሉ ጭቡጥ መገድታት ንምቕያስ መታን ክሕግዝ ብዝብል ርድኢት፡ ኣብ 5ይ ክፋል ናይዚ ጸሑፍ’ዚ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ብመራሕቲ ህግደፍ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ኣህጉራውያን ገበናት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ንምልላይን በየናይ መለክዒ ናይ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ከም ዝምዘኑ ንምፍላጥን ዝሕግዙ ኣብነታት ‘ውን ጠቒሰ ኔረ። ነዚ ንምብራህ፡ ከም ህልቂት ከበሳ ናይ 1997፣ ህልቂት ዒራዒሮ ናይ 2003ን ክሳብ ሕጅን፣ ህልቂት ዊዓ ናይ 2005፣ ህልቂት ዓዲ ኣበይቶ ናይ 2004፣ ህልቂት ማይ ሓባር ናይ 1994፣ ህልቂት ደንበላስ ቆሓይን ናይ መጀመርታ ናጽነት፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ እንኮላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እተገብረ ጭውያን ቅንጸላታትን ካልእን ብምጥቃስ፡ ገለ ካብቶም ንገበናዊ ተሓታትነት ሰበ ስልጣን ህግደፍ መበገሲ ክኾኑ ዝኽእሉ ኣብነታት ሓቢረ ኔረ።

ብዓንቀጽ 7 ውዕል ሮማን ካልኦት ገዘትቲ ድንጋገታት ኣህጉራዊ ሕግን መሰረት ኣብ ትሕቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝጥርነፉ ከም ቅትለት፣ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፣ ስቅያታዊ መግረፍቲ (torture)፣ ምግሳስ፣ ዓመጽን ካልእ ጾታዊ በደላትን፡ ብሰሪ ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ እምነት ዝወርድ ጭቆና (persecution)፣ ምጥፋእ ሃለዋት ወይ ሽርበት (enforced disappearance)፣ ባርነት፣ ግዱድ ዕዮን ካልእን ዝብሉ፡ ብዓለም እተኾነኑ ገበናት፡ ኣብ ኤርትራ ብኢደ-ወነንነት (in impunity)፡ ንኽትኣምኖ ብዝገርም ዓቐንን ጭካነን ተፈጺሞም ኢዮም። ኣፈጻጽምኦም ድማ ኮነ ኢልካ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ብእተወጠነ መደብ፡ ብፍላይ ብፖለቲካውን ሃይማኖታውን ምኽንያታት መንግስቲ ከም “ተጸባእቲ” ንዝርእዮም ንጹሃት ዜጋታት ንምህዳን፡ ብደይመደይ እተገብረ ጽጹይ፣ ጽኑዕን ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎን መስርሕ ኢዩ። እዚ መምዘኒ’ዚ ብቋንቋ እንግሊዝ systematic and widespread ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙዶ ኣይተፈጸመን ኣብ ዝብል ሕቶ እቲ ቐንድን መሰረታውን መምዘኒ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ገበናት ነዚ መምዘኒ’ዚ ዘማልእ ምዃኑ ዝኾነ መንቋሕቋሕታ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ዘለዎ ሰብ ኣፉ መሊኡ ክዛረበሉ ዝኽእል ሓቂ ኢዩ። ግዳያት ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ብዓሰርታት ኣሽሓት (ብኣማኢት ዘይኮነስ ብዓሰርታት ኣሽሓት) ዝቑጸሩ  ንጹሃት ዜጋታት ኢዮም። ካልእ ኩሉ ንጎኒ ገዲፍካ፡ እቲ ቑጽሪ ናይ ግዳያት ጥራይ ንባዕሉ (ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝግመት ብምዃኑ)፡ ነቲ ብሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዝተፈጸመ ገበናት መሰረታዊ ጠባይ ናይ ኣስካሕካሕቲ ገበናት (ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት) ከም ዝህልዎ ይገብሮ። ነዚ ሕጋዊ ትንተና’ዚ ከራጉድ ዝኽእል ፍሉጥን መሪሕን ኣህጉራዊ ፍርድታት ብኸፈር ከም ዘሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ከም ዝበለጸ ኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ግን፡ ኣብቲ ብኩናራክን ካልኦትን ዝፍለጥ ጉዳይ፡ እቲ ብፍርዳዊ መጋባእያ ዮጎዝላቭያ ነበር ብዕለት 12 ሰነ 2002 እተወሃበ፡ እምነ-ኹርናዓዊ ፍርዲ ኢዩ - ብፍላይ ድማ ኣብ ነግሒ/ሕጡበ-ጽሑፍ/paragraph 94-95 ሰፊሩ ዘሎ ፍርዳዊ ርእይቶ ነዚ ሒዘዮ ዘለኹ ዛዕባ ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ። እዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ህዝቢ ዝወረደ ኣስካሕካሒ በደላት ብዝርኢ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት (ወተሃደራት) እተፈጸመ ገበናት እንተተወሲኽዎ ንሓንጎል ወዲ ሰብ ዘናውጽ ጸብጻብ ይህበና - ብሃኣዝ ጥራይ እንተተሚኑ ማለት’ዩ።

ካልእ ከይጸብጸብካ፡ ድሕሪ 1998 ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ በደላት ጥራይ፡ ወሰን ኢልካ ምስ ዝስነድ፡ ብጢጥ-ቅሚጣዊ ምኽንያታት ናይ እተረሸኑ፣ ብሰንኪ “ኦቶን ሄሊኮፕተርን” ምናታውቶም እተመልዓሱ፣ ብሓለፍተን እተዓመጻን እተደፍራን ደቀንስትዮና፣ ካልእ ኣስካሕካሒ በደላት ዝወረዶምን ዝተደበደሉን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ቁጽሮም ብኣማኢት ዘይኮነ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝግመቱ ግዳያት ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ፡ ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ድማ ብፍላይ ኣለዉ። ኣሽሓት ግዳያት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣለዉ ክበሃል እንከሎ ትም ኢልካ ክበሃል ስለ ዘለዎ ዝበሃል ነገር ኣይኮነን። እዚ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ኣይኮነን። ብቑዕ መረዳእታታትን መርትዖታትን ኣሎ። ነቲ መርትዖታትን መደዳእታታትን ንሕጋዊ መዓላ ብዝጥዕም መገዲ ወሰን ኢልካ ምእካቡ፣ ምስናዱን ምድብታሩን ብዙሕ ግዜ፣ ጻዕርን ንዋትን ዘድልዮ’ኳ እንተዀነ ክግበር ዘይክኣል ነገር ግን ኣይኮነን - ድሮ ‘ውን ብዝምልከቶም ኣካላት ክትግበር ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ኣብ 5ይ ክፋል ዝተጠቕሰ ብኤምዲሰመ ተበጊሱ፡ ናብ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ቀሪቡ ዘሎ ኣማኢት ገጻት ዝሓቖፈ ክሲ፡ ከም ሰናይ ጅማር ዝርአ ነገር ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ሓላፍነት ‘መንግስቲ ኤርትራ’ ናብ ገበናዊ ውልቀ-ተሓታትነት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ንዝግበር ፍጡን ምረሻ፡ ጸራጊ መገድን ከፋቲ ብሩህ መጻእን ክኸውን ብዙሕ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ። ብኻልኦት ወገናት ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ‘ውን ክሙገስን ክተባባዕን ዝግብኦ ሰናይ ስራሕ ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ክርስትያን ኣሕዋት (minority Christians) ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ንባዕሉ፡ ብእተፈላለዩ ነጻ ምንጭታት ከም እተረጋገጸ፡ እቲ ቑጽሪ ግዳያት ልዕሊ 2000 በጺሑ ከም ዘሎ ኢዩ ዝፍለጥ። እዚ ንኸም በዓል ሄለን ብርሃነን ካልኦት ኣሽሓት ከምኣ ዝኣመሰሉ ግዳያትን ዝምልከት ጸብጻብ ኢዩ። ብዘይ ሕጊ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይማስኑ ናይ ዘለዉ ካልኦት ግዳያት ቁጽሪ፣ ኣብ ፍሉጥን ዘይፍሉጥን ኣብያተ ማእሰርቲ ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ህግደፍ ካብ 1991 ጀሚሩ ሂወቶም ዝሓለፈት፤ ወይ ድማ ብትእዛዝ ሓለፍቲ ዝተረሸኑ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማሕዩር ዝማስኑ ዘለዉ፣ ወዘተ … ኣሽሓት ኢዮም። ኮታስ ብሓፈሻ፡ ብምርሻን፣ ብዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፣ ዘይፍትሓዊ ኣገባብ መቕጻዕቲ፣ ከምኡ ‘ውን ካልእ ብዙሕ ብዝዓይነቱ ኣስካሕካሒ በደላት ዝተሳቐዩን ዝሳቐዩ ዘለውን ዜጋታት ኣሽሓት ኢዮም። እዚ ኣሽሓት ዝብል ቁጽሪ ንባዕሉ መሰንበድ ኢዩ። ከምቲ ኣብ 4ይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ዝኣመትክዎ፡ ኣብ 1999 መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ዝተኣመነሉ፡ ኣብቲ ዓመት’ቲ ጥራይ ኣስታት 9000 ግዳያት ናይ ዘይምኽኑይ ማእሰርቲ ኔሮም ኢዮም። እዚ ቑጽሪ’ዚ ንባዕሉ፡ ብመለክዕታት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ክርአ እንከሎ፡ ምስቲ ካልእ ኣሃዛት ከይተደመረ፡ ንበይኑ መባህረር ኢዩ። ድሕሪ 2001 ድማ እታ ዓዲ ብዝኸፍአ መልክዑ ናብ ምድራዊት ሲኦል ተቐይራ፡ ደቃ ትበልዕ ኣላ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቶም ነታ ሃገር ከም ድሌቶም ዝቆጻጸርዋ ዘለዉ ሓሙሽተ ጀነራላት፡ ኣብ ቤት መስተ ኣፍጢጥካ ጠሚትካኒ ኢሉ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ስጉምቲ ክወስደልካ ዝኽልክሎ ዋላ ሓንቲ ሓይሊ የለን። ኢሰያስ ኣፍወርቂ ‘ውን ከም ‘ፕረዚደንት’ መጠን ንጀነራላቱ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸረሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ኣሎ፤ ወይ ድማ ብደይ-መደይ ናብቲ ንሱ ዘጻወዶ ናይ ክፍኣት መጻውድያ ክጥሕሉ መታን፡ ድላዮም እንዳገበሩ ትም ኢሉ ይርእዮም ኣሎ።

ኤርትራ፡ ሎሚ ህይወት ሰብ ኣዝዩ ካብ ዝሓሰረለን ሃገራት፡ ምናልባት እታ ብቐዳምነት ክትጥቀስ እትኽእል ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዝህሉ ዓመጽ፣ ጭቆና፣ ግፍዒ፣ ቀይዲ-በተኽነትን ግህሰት መባእታዊ መሰላትን ንኣሽሓት ሰባት ግዳይ ዝገብር ከም ዝኾነ መስካሪ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ሎሚ መዓልቲ እግረ-መገደይ፡ ኣብ ጉግል ገለ ሓበሬታ እንዳደለዅ እንከለኹ ዝረኸብክዎ ሓደ መሳጢ መጽናዕናታዊ ጽሑፍ ተረኺቡ ኣሎ። እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2007 ኣብ International Journal of Refugee Law ተሓቲሙ ዝወጸ፡ ብኖርወጃዊት ፕሮፎሰር ኣህጉራዊ ሕጊ (Cecilia Bailliet) እተጻሕፈ፡ ወሃ ዘበለ ስራሕ ኢዩ። ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብወተሃደራውያን ሹመኛታት ህግደፍ ዝፍጸም ዓመጽን ጾታዊ በደላትን ብመንጽር ኣህጉራዊ ሕግን መሰል ስደተኛታትን ብሰፊሑ ዝተንተነ፡ ምናልባት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብወጻእተኛታት ብዛዕባ ኤርትራ ካብ እተኻየደ መጽናዕታት እቲ ዝበለጸ ክበሃል ዝኽእል ስራሕ ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ Examining Sexual Violence in the Military Within the Context of Eritrean Asylum Claims Presented in Norway ዝብል ኢዩ። ኩሉ ግዱስ ዜጋ ከንብቦ ዝግብኦ ብሉጽ ስራሕ ኢዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ጸብጻባትን ኣሃዛትን ምስቲ ኣብ ኩናት ባድመ ዝኸሰርናዮ ሂወት ክድመር እንከሎ ርእስኻ ዘናውጽ ጸብጻብ’ዩ። ኣብ 1998፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብኢደ ወነኑ (ብዘይ ኣፍልጦ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ) ኣብ ዝወልዖ ኵናት ባድመ፡ በቲ መንግስቲ ዝተኣመነሉ ቁጽሪ ጥራይ ኣስታት 19 000 መንእሰያት ሃሊቖም ኢዮም - ካልኦት ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ ግን እቲ ቑጽሪ ልዕሊ 40 000 ኢዩ ዝግመት። ከምቲ ኮምሽን ካሕሳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈረዶ፡ ኤርትራ ነቲ ግጭት ባዕላ’ያ ናብ ኣህጉራዊ ዅናት ኣዕሪጋቶ - ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዋላ ሓንቲ ሰጋእ-መጋእ ዘብል ነገር የለን። ኵናት ባድመ ሕጊ ዅናት ጥሒስካ ዝተገብረ ወራር ስለ ዝነበረ ሕጋዊ ተሓታትነትን ከቢድ መዘዝን ዘለዎ፡ ብቐሊል ድማ ክርአ ዘይግብኦ ጉዳይ ኢዩ። ኤርትራ፡ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልእ ገዛቲ ድንጋገታት ኣህጉራዊ ሕግን ከም ዝጠሓሰት እቲ ኮምሽን ካሕሳ፡ ብፍላይ ኣብ ነግሒ 14-16 ናይቲ ፍርዲ፡ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ትሕዝቶ ናይቲ ነግሕታት ኣንባቢ መታን ብንጹር ክበርሃሉ ብትግርኛ ክትርጎም እንከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፦

ናብዚ መጋባኣያ ዝቐረበ መርትዖ ከም ዘነጽሮ፡ ብዕለት 12 ጕንበት 1998፡ ብውሑዱ ብኽልተ በራጊድ ዝቖመ፡ ብታንክታትን ከቢድ ብረትን ድማ እተሰነየ ምዱብ ሰራዊት ኤርትራ፡ ንባድመን ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ገለ ቦታታት ናይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦን ኣጥቂዑ። ሽዑን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ መዓልታትን፡ ሰራዊት ኤርትራ ንጎላጉል ባድመ ተቖጻጺሩ፡ ብወገን ምብራቕ ኣብ ዝነበረ በረኽቲ ቦታታት ዓሪዱ … ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ብምልሻን ገለ ውሑዳት ፖሊስን ዝቖመ ስለ ዝነበረ፡ ብኡ ንብኡ በቲ ወራሪ ሓይሊ ናይ ኤርትራ ተበታቲኑ ሃዲሙ። ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ፡ እቲ ብዕለት 12 ጕንበት ብኤርትራ ዝተጀመረ መጥቃዕቲ፡ ብቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝፍቀድ ናይ ነብሰ-ምክልኻል ስጉምቲ’ዩ ተባሂሉ ከም ምኽኑይ ዝርአ መጥቃዕቲ ኣይኮነን።

እቲ ሽዑ መዓልቲ (ማለት ብዕለት 12 ጕንበት) ሰራዊት ኤርትራ ጎቢጡ ዝሓዞ መሬት፡ ኣብ ትሕቲ ሰላማዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ወይ ድማ ኣከራኻራሪ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ መሬት ኢዩ። ድሒሩ ኣብ 18 ሰነ 2000 ብዝተገብረ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት መሰረት ‘ውን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከዝልቕ ምስ ተሓተተ፡ እቲ ቦታ’ቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክጸንሕ ካብ ዝተወሰነ ቦታታት ሓደ ኮነ። 

በዚ መሰረት እምበኣር፡ እዚ ኮምሽን’ዚ፡ ኤርትራ ንዓንቀጽ 2 ነግሒ 4 ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጥሒሳ፡ ብዕለት 12 ጕንበት 1998 ብዝጀመረ ወራር፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ሰላማዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ዝነበረት ባድመ፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦን ዝነበረ ገለ ቦታታት፡ ሓይሊ ተጠቒማ ስለ ዘጥቀዐትን ዝወረረትን፡ በዚ ጉዳይ’ዚ ብዝተፈጸመ ህግሰት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዘውረደቶ ጉድኣት ክትክሕስ ይግባእ ኢሉ ወሲኑ።

እቲ ዘገርም ነገር፡ ካብ ጕንበት 1998 ጀሚሩ፡ ብዅናት ባድመ ዝሰንበዱ ፈተውቲ ክልቲአን ሃገራት ብድንጋጸን ሓልዮትን ክሽምግሉ ተቐሪቦም ኔሮም። እቶም ዓረቕቲ (ርዋንዳን ኣመሪካን ድሓር ድማ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ) ንሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ንኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ እግሩ ወዲቖም ካብ ባድመ ሰራዊቱ ከውጽእ ለሚኖሞ ከብቅዑ፡ እቲ ዕቡይ ልኡኽ ሳጥናኤል፡ ኣቐዲሙ ሕራይ ኢሉ’ኳ እንተነበረ ድሒሩ ግን ቃሉ ኣዕቢሩ (ጣልማይ ስለ ዝዀነ)፡ ዕጭ ሓንፈፍኩ፡ ዕደ ወጻእኩ ኢልዎም። እቲ ልመናን ምሕጽንታን ማሕበረሰብ ዓለም ግን ክሳብ 2000 ኣየቋረጸን - ክሳብ’ቲ ኢትዮጵያ ንባረንቱን፣ ሰንዓፈን ካልእ ቦታታትን ዝተቖጻጸረትሉ እዋን ማለት’ዩ።። ምስ ሳጥናኤል ዝመክር ‘ሰብ’ ጽቡቕ ምኽሪ ስለ ዘይቅበል እቲ ዕቡይ ሓለቓ ኣጋንንቲ ነቲ ልመናን ምሕጽንታን ማሕበረሰብ ዓለም ጸማም እዝኒ ሂብዎ። ልቡ ብትዕቢት ተወጢሩ፡ ሓንጎሉ ብንዕቀት ሰኺሩ ስለ ዝነበረ ክሰምዕ ኣይከኣለን። ያኢ! ግራት እንዳዓለብኡ ይሓርስ ከም ዝነበረስ፡ ኣብ ዲዕ ዝበለ ከቢድ ጉዳይ ሃገር፡ ምስ መዛንኡ ከይዘተየ፡ ብቐንዱ ድማ ምስቲ ሽዑ እዋን ከም ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ዝጽብጸብ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ከይተማኸረን ፍቓድ ከይረኸበን ነቲ ወራርን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ዓበድበድን ብኢደ-ወነንነት ንበይኑ መሪሕዎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ልጓም ዘይብላ በቕሊ ተወጢሑ ንነብሱን ሃገርን ናብ ገደል ሒዝዎም ሸለው ይብል ከም ዝነበረ ዘስተውዓሉ ብጾቱ፡ ካብ መጀመርትኡ ዓገብ ብዘይ ምባሎም ምስ ነብሶም ተናሲሖም፡ ሃየ ሕጂ ብሓባር ተናሲሕና ነዚ ህዝቢ ንኽሓሶ እንተበልዎ፡ ተጋግየ ዘይትፈልጥ ልቡ መሊሳ ብትዕቢት ሓቢጣ። ካብ 2001 ጀሚሩ ድማ ብዝገደደ መልክዕኡ “ንህልኽኩም ዓፍራ …” ብዝዓይነቱ ኣካይዳ፡ ሃገር ብምልእታ ጅሆ ሒዙ፡ ሕጂ ‘ውን ጉዕዙኡ ንእንጦርጦስ ብዘገርም ሕንባበ ይቕጽሎ ኣሎ። ኣብቲ ናይ 1998-2000 ኵናት ዝተኸስረ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ብእዱብን ልዙብን ኣካይዳ ክውገድ ይኽእል ከም ዝነበረ፡ ምኩራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ጴጥሮን ሰለሙንን ሃይለ ድሩዕን ኣብቲ ብ2005 እተሓትመ ናይ ዳን ኮኔል መጽሓፍ ብንጹር ገሊጾሞ ኣለዉ (ገጽ 120-122፣ ከምኡ ‘ውን 134-135 ናይቲ መጽሓፍ ተወከስ)። ስሓንዋ ክብለና ግን እዚ ኣይተገብረን። እዚ ናይዞም ክልተ መራሕቲ ቃለ-ምስክርነት ከም ኣብነት ዝመጸ ደኣ እምበር ብዙሕ ካልእ መረዳእታታት ‘ውን ኣሎ።

መንግስቲ ህግደፍ ንውሳኔ ኮምሽን ካሕሳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽዑ-ንሽዑ፡ ማለት ኣብ ታሕሳስ 2005 እቲ ፍርዲ ምስ ተፈርደ፡ ኣብ ጥሪ 2006 ድማ ብጋዜጣዊ መግለጺ ነቲ ውሳነ ከም ዝተቐበሎን ከም ዝረዓሞን  ብዕሊ ሓቢሩ ኢዩ። ኣብቲ መግለጺ ከም ዝተሓበረ፡ “ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብ ውሳነ ኮምሽን ካሕሳ ዕቃበታት እንተለዋ፡ ኣህጉራዊ ግዝኣተ-ሕጊ ክኽበር ስለ ዘለዎ ግን ነቲ ውሳነ ክትቅበሎ ወሲና” ተባሂሉ ተገሊጹ። ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ ምስቲ ኹሉ ስግንጢርነቶም ከምኡ ዝበለ ‘ዘይብሱል’ ጋዜጣዊ መግለጺ ሞሊቕዎም ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል። ወይ ድማ ‘ክኢልናዮ፡ ብዲፕሊማሲ ወርጺጽና’ ክብሉ ዝገበርዎ ነገር ምዃኑ ርእሰ-ግሉጽ ኢዩ። እቶም ናይ ሕጊ ኣማኸርቶም ሽዑ ኣበይ ኔሮም ዝብል ሕቶ ንግዚኡ ንጎኒ ገዲፈ፡ ኣብ ሕጋዊ ሳዕቤናት ናይቲ ፍርድን ኤርትራ ንኽትቅበሎ ዝኣተወቶ መብጽዓን ከተኩር’የ። ምኽንያቱ ኤርትራ ከም ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጠን ሓላፍነት ናይቲ ወራር ክትስከም ከም ዝግባኣ እቲ ኮምሽን ካሕሳ ካብ ወሰነ፡ ነቲ ውሳኔ ‘ውን ኤርትራ እቕበሎ’የ ካብ በለት፡ ምስኡ ስዒቡ ዝመጽእ ዘይተርፍ ውልቃዊ ገበናዊ ተሓታትነት (individual criminal responsibility) ‘ውን ኣሎ። ንህግደፍ ብቓሎም ኢኻ ትሕዞም - ካልእ ሰነዳት ወይ ቃላት ምጥቃስ ‘ውን ሓደ-ሓደ ግዜ ኣድላይ ኣይኮነን። ቀይዲ-በተኽነት ህግደፍ መግትኢ ክግበረሉ ክሳብ እተደልየ ድማ፡ እቲ ቐንዲ ዘገድስና ነገር እዚ ኢዩ። ብስነ-ሞጎት ሕጊ ኤርትራ ወራሪት ተባሂላ ብኮምሽን ካሕሳ ሓላፍነት ካብ ተሰከመት፡ እሞ ድማ ነቲ ውሳኔ ካብ ተቐበለቶ፡ እቲ ወራር ዘንቀደ መራሕ ሃገርን ንውሳነኡ ብእሺነት ዝተግበሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ‘ውን ብውልቆም ገበናዊ ተሓታትነት ክስከሙ ብሕጊ ግድን ኢዩ፤ ምኽንያቱ፡ ወራር ሃገርን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝፍጸም ኣስካሕካሒ ገበናትን ካብቶም ቀንዲ ኣህጉራዊ ገበናት ስለ ዝኾኑ። ንገበናዊ ተሓታትት መራሕቲ ኣብ ኣህጉራዊ ገበናት ብዝምልከት፡ እቲ ድሕሪ 2ይ ኵናት ዓለም ዝቖመ ፍሉጥ ናይ ዘመንና ኣህጉራዊ ፍርዳዊ መጋባኣያ፡ ቤት ፍርዲ ኑረምበርግ፡ ኣብ መፋርቕ 40ታት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኔሩ፦

ኣህጉራዊ ገበናትሲ ብደቂ ሰባት ደኣ እምበር ብዘይጭበጡ ረቀቕቲ ፍጡራት ዝፍጸሙ ገበናት ኣይኮኑን። ስለዚ እምበኣር፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽበር ዝኽእልሲ ከምዚኦም ዝበሉ ገበናት (ኣህጉራዊ ገበናት) ዝፈጸሙ ውልቀ ሰባት ምስ ዝቕጽዑ ጥራይ’ዩ።

ቀልብን ኣእምሮን ንዘለዎ ሰብ እቲ ኮምሽን ካሕሳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ታሕሳስ 2005 ዝሃቦ ውሳነ፡ ብመንጽር እቲ ቤት ፍርዲ ኑረምበርግ ቅድሚ 50 ዓመታት ዝፈረዶ ፍርዲ ምርኣዩ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ኮምሽን ካሕሳ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረቱ ንኣህጉራዊ ሓላፍነት ‘መንግስቲ ህግደፍ’ ድኣ እምበር ንገበናዊ ተሓታትነት ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ብዝምልከት ፍርዲ ኣይሃበን፤ ክሊ-ስልጣኑ (jurisdiction) ከምኡ ክገብር ዝፈቕደሉ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ንውልቃዊ ገበናዊ ተሓታትነት መራሕቲ ህግደፍ ብዝምልከት ኣንጺፍዎ ዘሎ ጥጡሕ ሕጋዊ ሰረት ወይ ባይታ በርሃዉ ኢሉ ዝርአ ነገር ኢዩ። በዚ መሰረት ድማ ከም ወራር ዝኣመሰለ ኣህጉራዊ ገበን ዝፈጸሙ ዕሉላትን ዕቡዳትን መራሕቲ ብሕጊ እቲ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ክረኽቡ ከም ዝግባእ ርዱእ ኮይኑ፡ ነዚ ከተግብር ዝኽእል እቲ ዝበለጸ ናይ ፍርዲ መጋባኣያ እቲ ኣብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኢዩ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መጠረሽታ ክወቕዖ ደልዩ ዘሎ ሸቶ ድማ እዚ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ንዓለም ዘሰከሐ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጥሕሰት ሕጊ ዅናትን ተፈጺሙ ኢዩ። ነዚ ዝፈጸሙ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ብሕጊ ክሕተቱ ግድን ኢዩ። ብሂወት ኣሕዋትናን ዕድል ሃገርናን ከም ድላይካ ተጣሊዕካ መሰስ ኢልካ ምውጻእ የለን! ኣይክህሉን ከኣ’ዩ! ዓለም ምእንቲ ውጹዓት ክትብል ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዘቖመቶ ፍርዳዊ መጋባኣያ ስርሑ ብኤርትራ ክጅምር ከም ታሪኽ ዘሕንኽ’ኳ እንተኾነ (ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ ውሑድ ጉዳያት’ዩ ቀሪብሉ ዘሎ)፡ ከም ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝኣመሰለ ሽሕ ኣጋንንቲ ዝሰረርዎ፡ ኣራዊታዊ ምኩር ቀታሊ እንተረኺብካ ግን እንታይ ትገብር፧

ገበኛታት ህግደፍ ካብ ሕጊ ፈጺሞም ኣይከምልጡን ኢዮም። እዚ ተኽእሎ’ዚ ብጭቡጥ ክትግበር ከም ዝኽእል ኣንዳዕዲዕና ስለ እንፈልጥ ናይ ቃልሲ መንፈስናን ኒሕናን መመሊሱ ይንህር፤ ታሪኻዊ፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ሓላፍነትና ድማ መሊሱ ይዓዝዝ። ነዚ ብዝምልከት ዘሎ ጭቡጥ ተኽእሎታት ምምዛንን ምግምጋምን እምበኣር እቲ ቐንዲ ስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ዜርካ-ዜርካ ነዚ ሕቶ’ዚ ብዘዕግብ መገዲ ንምምላስ ኢዩ ዝፍተን ዘሎ። ዓቕልን ትዕግስትን፡ ሜላን ብልሓትን፣ ንዋትን ጸጋታትን ኣዋዲድካ ዘይብጻሕ ዕላማ ስለ ዘየለ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ እንተተሓባቢሩ ኣይኮነን እዚ ቕዱስ ዕላማ’ዚ ካልእ ‘ውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። ድሕሪ’ዚ ዝመጽእ፡ ሕመረት ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ዝኾነ ሕቶ’ዩ። ኣንታ ኸመይ ጌርካ’ዩ’ሞ ዝግበር፧ ዝብል ሕቶ ኣብ ሓንጎል ኩሉ ኣንባቢ ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ደፋእ ኢልና እንበጽሖ መልሲ ስለ ዘሎ ዓቕሊ ጥራይ፤ ብርግጽ ጭቡጥ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኣህጉራዊ ገበናት ዝፈጸሙ ሰባት ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ክሕተትሉ ዝኽእሉ ክልተ ኣማራጽታት ኣሎ። እቲ ሓደ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ስልጣን ምስ ተገለፉ ክግበር ዝኽእል ኣማራጺ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ካብ ስልጣን ከይተገለፉ እንከለዉ ‘ውን ክግበር ዝከኣል ነገር ኢዩ። ምስዚ ዘለና መከራ፡ እቲ ንዓና ቀንዲ ዘገደስና እቲ ኻልኣይ ኣማራጺ’ዩ - ማለት ኣብ ስልጣን እንከለዉ ከመይ ጌርካ ትተሓሓዞም ዝብል። ክልቲኡ ኣማራጽታት ካብቲ ኣህጉራዊ ክሊ-ስልጣን ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ገበናት ዝብል መትከል (the principle of universal jurisdiction) ዝምንጩ ተኽእሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ብፍላይ፡ ነዚ ፍሉጥ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተፈላለያ ሃገራት በብዝጥዕመን መገዲ ተጠቒመናሉን ኣብ ግብሪ ኣውዒለንኦን ኢየን። እቲ እንኮ ምንጪ ተስፋ ውጹዓት እዚ ኢዩ። እዚ መትከል’ዚ ኣንጻር መራሕቲ ህግደፍ ብኣድማዕነት ክቐንዕ ዝኽእልን ዝግብኦን እንኮ ውሕስነት ንቐይዲ-በተኽነት ኢዩ። ብዝግባእ ስለ ዘይተበርበረን ስለ ዘይመዝመዝናዮን ክሳብ ሕጂ ግብራውነቱ ከምቲ ዝድለ ኣይበርሃልናን ጸኒሑ። ዝኾነ ብሕጂ ዝውጠን ተበግሶታት ተመሳሳሊ ኣንፈት ሒዝካ ክኸይድ ዝኽእል መደብ ኢዩ፤ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ መትከል ድማ ይብገስ። ክጅምር እንከሎ ካብዚ መሰረታዊ ኣምር ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ኢዩ ዝጅምር። ንኸመይነቱ ዝምልከት ሕቶታት ኣብ ዝስዕብ ክፋላት ብዕምቆት ክምርመር ኢዩ። እቲ ዕድልን ተኽእሎን ግን ጸቢብ ከም ዘይኮነ ኩሉ ሰብ ክፈልጦን ብንቕሓት ክርድኦን ዝግብኦ መሰረታዊ ጉዳይ ኢዩ። ብርግጽ ኣብ መወዳእታስ ፍትሒ ክፍረድ ኢዩ።

ከምቲ ኣብ 5ይ ክፋል ዝኣመትክዎ፡ ኣብ ግዜ ኩናት ባድመ (1998-2000) ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተፈጸመ ኣህጉራዊ ገበናት፡ ኣብ ፍሉይ ዓንቀጽ ነብሱ ዝኽኣለ ትንተና ዘድልዮ ስለ ዝኾነ፡ ግዜ ፈሊኻ “ርእስኻ ኣብ በረድ ኣሊኽካ” ክጸሓፈሉ ዝግብኦ ዛዕባ ኢዩ። ሕጂ ጨኒቑና ዘሎ ግን ካብቲ ወያነ ኣብ ልዕሌና ፈጺምዎ ዝበሃል በደላት ብዘይሰንፍ፡ እኳ ደኣ ካብኡ ብዝገደደ፡ ግን ብረቂቕ ሜላን ብልሓትን ኢሰያስ ኣፍወርቅን ውሑዳት ኣጫፈርቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጽምዎ ዘለዉ በደል፡ ንኤርትራ ነበረያ-ነበረ ክገብራ ስድርን እመትን ጥራይ ተሪፍዎ ስለ ዘሎ፡ ቀዳምነት ኣለሊኻ ኣብ ቀዳምነታት ምድሃብ ስነ-ሞጎታዊ ኮይኑ ስለ እተረኽበ ኢዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ንደቂ ገርሂ ልባ ብዙሕ ስለ ዘይርድኦም ብዙሕ ኣይንጨነቐሎም - እዚ ንዓኣቶም መባእታ ሃገራውነት ዘይኮነ እተሓላለኸ ኣምር ስነ-ጠፈር ኢዩ። እቶም ዝርድኣና ጥራይ ብሓባር ንመርሽ! ኣንድያሞ!

(ይቕጽል)

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.