ወዘተ …እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ መትከላት ካብቶም ኤርትራ ዝፈረመትሎም ኣህጉራውያን ውዕላት ወይ ድማ ብቕቡል ኣህጉራዊ ልምድን ስርዓትን (customary international law) መሰረት ከተኸብሮም እትግደድ ፍሉጣት መትከላት ተጾሚቖም ዝወጹ ኢዮም።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣህጉራዊ ድንጋታት፡ እቲ ፍርይ ኢሉ ዝርአ መሰረታዊ መትከላት ሕጊ ሰብኣዊ መሰልን ሕጊ ዅናትን ኢዩ። ብጥቕልል ዝበለ መገዲ ‘ውን ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ (international criminal law) ተባሂሉ ይጽዋዕ ኢዩ። እዚ ሕግታት’ዚ ኣብ ዝጠሓሰሉ እዋን፡ ብዓለማዊ ወይ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተኾነነ ገበን ተፈጺሙ ኣሎ ማለት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ከምኡ ዓይነት ገበን፡ ዋላ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ይፈጸም፡ ኣህጉራዊ ገበን (international crime) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሕጋዊ ሳዕቤን ናይ ኣህጉራዊ ገበን ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝፈጸሞ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈጸምዎ ውልቀ ሰባት (ሰበ ስልጣን) ዝጸንዐ ኢዩ። ፍሉይነቱ ካብ ካልእ ኣህጉራዊ ደበላት ድማ ውልቃዊ ገበናዊ ተሓታትነት (individual criminal responsibility) ስለ ዘኸትል ኢዩ። ኣህጉራዊ ገበናት ተባሂሎም ብንጹር ዝተሓገጉ ገበናት ኣየኖት ምዃኖም ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ። ብዓንቀጽ 5 ናይ ውዕል ሮማ መሰረት እቶም ፍሉጣት ኣህጉራውያን ገበናት ተባሂሎም ዝጥቀሱ ሕመረት ገበናት፡ ገበን ምጽናት ዓሌት (the crime of genocide)፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes against humanity)፣ ገበናት ኵናት (war crimes)፣ ከምኡ ‘ውን ገበን ወራር ሃገር (the crime of aggression) ኢዮም። ብዘይካ ገበን ምጽናት ዓሌት፡ እቶም ካልኦት ገበናት ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን (ማለት ካብ 1991 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ እንተጸብጺብና) ብህግደፍ ተፈጺሞም ኢዮም። ነዚ ዝምልከት ብእተፈላለዩ ወገናት ዝቐረበ እልቢ ዘይብሉ መርትዖታት፣ ቃለ-ምስክርነት፣ ጸብጻባት፣ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋት፣ ውሳነታት ኣብያተ ፍርድን ካልእን ከም ዘሎ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ እቶም ወከልቲ ዝበሃሉ ዝበለጹ ኣብነታት ክጥቀሱ ኢዮም። ነቶም ኣብነታት ቅድሚ ምጥቃሰይ ግን ዓለም ብዛዕባ ኣህጉራዊ ገበናት በጺሓቶ ዘላ መረዳእታን ዝኣተወቶ መብጽዓን ምብራህ ከድሊ’ዩ፤ ኣህጉራዊ ሕጊ ንመራሕቲ ህግደፍ ብኸመይ ክተሓሓዞም ይኽእል ዝብል ሕቶ ካብዚ ርድኢት’ዚ ስለ ዝብገስ።
ኣህጉራዊ ገበናት ዝበሃሉ በደላት ካብ ካልኦት ገበናት (ንኣብነት ስርቂ) ፍልይ ዝብልሉ ምኽንያት፡ ብባህሪኦምን ርዝነቶምን ንዓለም ብምልእታ ስለ ዘሰንብዱን ዘስካሕክሑን ከምኡ ‘ውን ንጸጥታን ርግኣትን ዓለም ስለ ዝህውኹ’ዩ። ኣጀማምራ ናይቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን (ሕጂ ‘ውን ሎሚ ነቶገ፣ ጽባሕ ተተኮሰ ዝበሃለሉ ዘሎ ህልቂት) ከም ሓደ ኣገዳሲ ኣብነት ኣህጉራዊ ገበን ወይ ድማ ገበን ወራር ሃገር ክጥቀስ ይከኣል። ነዚ ነጥቢ’ዚ ጽንሕ ኢለ ብዝርዝር ክምለሶ ኢየ። ሓፈሻዊ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ኣህጉራዊ ገበናት ብዝምልከት ግን፡ እቲ ታሪኽ ንውሕ ዝበለ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ዘመናዊ ትርጉሙ ግን ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ኵናት ዓለም’ዩ ዝጅምር። ካብ ምዝዛም ካልኣይ ኵናት ዓለም ጀሚሩ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን፣ ዞባውያንን ሃገራውያንን ኣብያተ ፍርዲ ንኣምር ኣህጉራዊ ገበናት ብሰፊሑ ተጠቒመናሉን ብዝተፈላለየ መልክዑ ድማ ንትርጉሙ ዘደንፍዕ ዓውደ ፍልጠት ብመገዲ ውሳነታተን ኣማዕቢለናሉ። ሎሚ ኣብ ዓውደ ፍልጠት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ (international criminal law) ከም ብሉጽ መወከሲ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ሰነዳትን ጽሑፋትን መንቀሊኡ ናይዘን ዝተጠቕሳ ኣብያተ ፍርዲ ውሳነታትን ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ ናይ ሊቃውንቲ ርእይቶታትን ኢዩ። ገለ ካብዘን ኣብያተ ፍርዲ እዚኣተን ንምጥቃስ፡ ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ ኑረምበርግን ቶክዮን ካብተን ዝቐደማ ክኾና እንከለዋ፤ ካብ ዳሕረዎት ድማ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ዮጎዝላቭያ፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ርዋንዳ፣ ከምኡ ‘ውን ፍሉይ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ሰራልዮን ክጥቀሱ ዝኽእሉ። ልዕሊ እዚ ግን፡ ብታሪኻዊ ኣገዳስነቱ፣ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብማሕበረሰብ ዓለምን ብዝረኸቦ ደገፍን ተቐባልነትን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ውልቀ-መለኽቲ ፈጢርዎ ብዘሎ ስንባደን ተርባጽን ክርአ እንከሎ፡ ዝሓሸን ዝበለጸን ፍርዳዊ ኣካል ተባሂሉ ዝንገረሉ፡ ኣብ ዘ ሄግ ዝመደበሩ፡ ቀዋሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (መጋባእያ ዘ ሄግ) ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ታሪኽ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ናይ መጀመርታ ቀዋሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ከም ምዃኑ መጠን ክዓዮ ትጽቢት ተጌርሉ ዘሎ ስራሓት መጠነ ሰፊሕ ኢዩ።
ድሕር’ቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተራእየ ዘስካሕክሕ ህልቂት ደቂ ሰባት ዓለም ከምኡ ዓይነት ደገል ታሪኽ ክድገም የብሉን ኢላ ስለ ዝመሓለት ነቶም ኣህጉራዊ ገበናት ዝበሃሉ በደላት ካብ ሽዑ ጀሚራ ብትሪ ክትኩንኖም ወሲና፤ እቶም ከምኡ ዓይነት ገበን ዝፍጽሙ ሰባት ድማ ከይተቐጽዑ ከይተርፉ ብማለት መቕጽዒኦም ዝኸውን ዝተፈላለየ ሕግታትን ትካላትን ኣቚማ። ኣብ ኣተገባብራ ናይዚ መደብ’ዚ ሓላፍ ዘላፍ ከም ዝነበረን ከም ዘሎን ርዱእ’ኳ እንተኾነ ሎሚ ግን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እቲ መብጸዓን ግብርን ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ይርከብ ኣሎ። ምስ ምምስራት መጋባኣያ ዘ ሄግ ወይ ድማ ቀዋሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን እቲ ኣህጉራዊ መብጽዓ ሓደ ዝላ ንቕድሚት ነጢሩ ኣሎ። ኣብ መወዳእትኡ እቶም ዓለም ፈጺሞም ክጽወሩ የብሎምን ዝበለቶም ኣህጉራውያን ገበናት ኣብ ዓንቀጽ 5 ናይ ውዕል ሮማ ብንጹር ሰፊሮምስ ድሮ’ኳ ሓያሎይ መራሕቲ መንግስታትን ደባይ ተዋጋእትን (ንኣብነት ክልተ ዕሉላት ገበነኛታት ካብ ሱዳን)፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ በደላት ፈጺምኩም ተባሂሎም ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ቀሪቦም ክኽሰሱ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ተበጺሑ ዘሎ ዓለማዊ መረዳእታ ከም ዝሕብሮ ኣህጉራዊ ገበናት ዝፈጸሙ ሰባት፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ካብ ተሓታትነት ከምልጡ ከም ዘይግባእ ኢዩ። ይንዋሕ ይሕጸር መራሕቲ ህግደፍ ‘ውን ካብዚ ተሓታትነት’ዚ ከምልጡ ከም ዘይኮኑን ንምሸቱ ‘ውን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ወይ ኣብ ካልእ ፍርዳዊ መጋባኣያ ቀሪቦም ክኽሰስሉ ዝኽእሉ ተኽእሎታት ርሒብ ምዃኑ ምፍላጥ ኣድላዪ’ዩ። ጻዕርን ከቢድ ስራሕን ከም ዝሓትት ርዱእ’ዩ። እቲ ተኽእሎ ብጭቡጥ ከመይ’ዩ ዝብል ነጥቢ ንምምላስ ግን እዚ ዝስዕብ ትንታነ ክቕድም ይግብኦ። እዚ ማለት ኣብ ኤርትራ ተፈጻምነት ዘለዎም መትከላት ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ምምርማር የድሊ ማለት’ዩ።
ቅድም-ቀዳም ሰበ ስልጣን ህግደፍ ከም ዕሉላት ገበነኛታት መጠን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ወይ ኣብ ካልእ ፍርዳዊ መጋባኣያ ቀሪቦም ክኽሰሱ ከም ዝኽእሉ ንምብራህ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ብመራሕቲ ህግደፍ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ኣህጉራውያን ገበናት ኣየኖት ምዃኖም ብንጹር ምልላይን በየናይ መለክዒ ናይ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ከም ዝምዘኑ ምፍላጥን ኣገዳሲ ኢዩ። ካብቶም ብዓንቀጽ 5 ውዕል ሮማ ተወጊዞም ዘለዉ ገበናት፡ ማለት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes against humanity፣ ገበናት ኵናት (war crimes)፣ ከምኡ ‘ውን ገበን ወራር ሃገር (the crime of aggression) ብመራሕቲ ህግደፍ ከም ዝተፈጸሙ ዘረጋግጽ ዘየማትእ መርትዖታት መሊኡ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ እዞም ገበናት እዚኣቶም ተደጋጊሞም ከም እተፈጸሙ ዘረድኡ ገለ ጭቡጣት ኣብነታት ክጠቅስ ኢየ። ነቲ ዝርዝር ኣብነታት ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ጀሚረ ወሰን ኢለ ንኹሉ ብህግደፍ ተፈጺሙ ዝበሃል ፍሩይ ኣህጉራዊ ገበናት እንዳዘርዘርኩ ብጭቡጥ መረድእታት ኣሰንየ ከብርሆ ኢየ። ብዓንቀጽ 7 ውዕል ሮማ መሰረት ኣብ ትሕቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝጥርነፉ ከም ቅትለት፣ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ፣ ስቅያታዊ መግረፍቲ (torture)፣ ምግሳስ፣ ዓመጽን ካልእ ጾታዊ በደላትን፡ ብሰሪ ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ እምነት ዝወርድ ጭቆና፣ ምጥፋእ ሃለዋት ወይ ሽርበት (enforced disappearance)፣ ባርነትን ካልእን ዝብሉ ብዓለም እተኾነኑ ገበናት ንረክብ። እዞም ገበናት እዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ዓቐን ብዝሓለፈ መገዲ ከም እተፈጸሙ ዝሕብሩ ዝተፈላለዩ መርትዖታት ኣለዉ። ሓደ ጭቡጥ ኣብነት ጠቒስና ንርአ።
ኣብነት ቁ. 1፦ ብዕለት 4 ጥሪ 2004 መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም ንዝተፈላለዩ ምንጭታት ጠቒሱ ነዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ዘርጊሑ። ብዕለት 23 ጥሪ 1997፡ ከባቢ 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዜጋታት (ኩላቶም ኣስላም) ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት፡ ብኣፍልጦን ትእዛዝን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከምኡ ‘ውን ብሪጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፡ ብኣባላት ጸጥታ ተጨውዮም፤ ብዕለት 18 ሰነ 1997፡ ካብ ሰዓት 8፡20 ምሸት ክሳብ ሰዓት 2 ናይ ለይቲ ኸኣ ብጅምላ ተረሺኖም። (እቲ ጸብጻብ ቦታ ኣይጠቅስን)
እቶም ሰባት ዝበደሉ ይበድሉ (በዲሎም እንተኾኖም)፡ ኣገባብ ኣቀታትልኦም ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እንተኾይኑ፡ እሞ ድማ ብዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ከምኡ ምንባሩ ክረጋገጽ እንተኽኢሉ፡ እቲ ፍጻመ ብዓንቀጽ 7(1)(ሀ) ውዕል ሮማ፡ ብዓንቀጽ 6(1) ውዕል ሰብኣዊ መሰላት፣ ከምኡ ‘ውን ብዓንቀጽ 4 ኣፍሪቃዊ ቻርተር መሰረት ፈጺሙ እተወገዘ ኣስካሕካሒ ቅትለት ኢዩ። እዚ ገበን’ዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝምደቡ ገበናት ኮይኑ፡ ብኣህጉራዊ ሕጊ ከም ቅትለት (murder) ዝፍለጥ ገበን ኢዩ። ምስዚ ገበን’ዚ ዝመሳሰል ካልእ በደላት ከም ህልቂት ዒራዒሮ 2002-2007 (ብውሕዱ ኣስታት 10 ሰባት ዝሃለቕሉ)፣ ህልቂት ዊዓ 2005 (ኣስታት 161 ሰባት ዝሃለቕሉ)፣ ህልቂት ዓዲ ኣበይቶ 2004 (ኣስታት 54 ሰባት ዝሃለቕሉ)፣ ህልቂት ቃሩራ 1997 (ልዕሊ 20 ሰባት ዝሃለቕሉ)፣ ህልቂት ማይ ሓባር 1994፣ ህልቂት ደንበላስ ቆሓይን ናይ መጀመርታ ተስዓታት፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ እንኮላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እተገብረ ጭውያን ቅንጸላታትን ካልእን ምጥቃስ ይከኣል። እዚ ከም ኣብነት ዝዝረበሉ ዘሎ ገበናት ካብቲ ኤርትራ ናጻ ዝወጸትሉ ግዜን ህዝባዊ ግንባር ብማሕበረሰብ ዓለም ከም ‘መንግስቲ’ እተፈለጠሉ ግዜን ኣትሒዙ ዝተፈጸመ ኣህጉራዊ ገበናት ጥራይ’ዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነታት፡ መብዛሕትኡ እቲ ፍርይ ኢሉ ዝርአ ከም ጭፍጨፋ (massacre) ክጥቀስ ዝኽእል ኣብነታት’ዩ። ብተናጸል፡ ካብ 1991 ኣትሒዝካ ብኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሓለፍቲ ጸጥታን ካልኦትን ዝተፈጸመ፡ ብግቡእ ዘይተሰነደ ኣሽሓት ቅንጸላታት ከም ዘሎ ግን ርዱእ’ዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብእተፈላለየ ጢጥ-ቅሚጣዊ ምኽንያታት እተፈጸመ ቅንጸላታት ብኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ኩኑንን ውጉዝን ኢዩ። ገለ ደቂ ገርሂ ልባ፡ ካብ ዝንቡዕ ኣረዳድኣ ‘ወተሃደራዊ ሕጊ’ ተበጊሶም፡ ዝኾነ ወተሃደር ምስ ዝብድል፡ ብሓላፊኡ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ይኽእል’ዩ ዝብል ግጉይ ኣረዳድኣ ኣለዎም። እዚ ግን ፈጺሙ ጌጋ’ዩ። ዋላ እቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መቕጻዕቲ ብዕያር ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ተመዚኑ ክሓልፍ ዝግብኦ ምዃኑ እቶም ኤርትራ ዝኸተመትሎም ውዕላት ብንጹር ዘቐመጥዎ መትከል ኢዩ። ኣብያተ ፍርዲ ዓለም ‘ውን ነዚ ብዘየማትእ መገዲ ኣገጋጊጸንኦ ኢየን። ንኣብነት፡ ኣብ 1991 ኤሮጳዊ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት (European Court of Human Rights) ኣብቲ Koster v. The Netherlands (ሕጋዊ ክርክር ኣብ ሞንጎ ኮስተርን ነዘርላንድን) ዝተብሃለ ጉዳይ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕላት ዝተደንገገ መትከላት ሰብኣዊ መሰል ዋላ ‘ውን ብወተሃደራዊ ሕጊ ንዝቕጽዑ ሰባት (ወተሃደራት) ከም ዝምልከት ብንጹር ኣሚቱ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ውሳኔ ‘ውን ኣብ 1981፡ ኣብቲ Carballal v Uruguay ዝተብሃለ ሕጋዊ ክርክር፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚተ ሰብኣዊ መሰላት (UN Human Rights Committee)፡ ዋላ እቶም ብወተሃደራዊ ሕጊ ዝቕጽዑ ሰባት፡ ኣብ ኣተሓሕዝኦምን ኣቀጻጽዕኦምን ሰብኣዊ መሰሎም ክኽበረሎም ከም ዘለዎ ኣገንዚቡ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዝብየን መቕጻዕትን ኣተሓሕዝኦምን ‘ውን እንተኾነ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝተወገዘ ክኸውን የብሉን። ንኣብነት፡ ሓደ መራሒ ብርጌድ ንሓደ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኵናት ፈሪሕካ ኢሉ እንተረሺንዎ ወይ ክርሸን እንተኣዚዙ ብሕልና ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራ ብዝፈረመትሉ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ እንኮላይ ኩኑን ገበን ኢዩ።
እምበኣርከስ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ትንተና ተራ ዘረባ መታን ከይመስል፡ ኣብ ኤርትራ ዘስካሕክሕ ኣህጉራዊ ገበናት ከም እተፈጸመ፡ ግህሰት ሕጊ ሰብኣዊ መሰልን ሕጊ ዅናትን ብኢደ-ወነንነት (impunity) ከም እተደጋገመን ይደጋገም ከም ዘሎን ዘረድእ፡ ብዓለም ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎ ብኣሽሓት ገጻት ዝትመን ጸብጻባት፣ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፣ ቃለ-መጠይቓት፣ ቃለ-ምስክርነታትን ካልእን ከም ዘሎ ምጥቃስ ከድሊ ኢዩ። ከም በዓል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ፣ ወዘተ … ዝተብሃሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካልኦት ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ውድባትን ውልቀ ሰባትን ዝሰነድዎ፡ ዝዓቀብዎን ዝተንተንዎን ብኣማኢት ዝቑጸር ፍጻመታት ኣሎ። ኩሉ ኣብዚ ክጥቀስ ዘይክኣል’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ኣገደስቲ ሰነዳትን ውሳነታትን ኣብያተ ፍርድን መጋባኣያታትን ዓለም ምጥቃስ ግን ኣድላይ’ዩ። ኣብያተ ፍርድን መጋባኣያታትን ዓለም ዝህብኦ ውሳነታት ልዕሊ ዝኾነ ጸብጻብ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘለዎ ስለ ዝኾነ፡ ንዕኡ ከም ዝበለጸ ኣብነት ምጥቃስ ኣገዳሲ ኢዩ። እዚ ማለት ግን እቲ ብኻልኦት ኣካላት ዝቐርብ ወቕታውን ፍጻምያውን ጸብጻባት ሚዛኑ ፈኵስ’ዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ ዝስዕብ ብእተፈላለየ ኣብያተ ፍርድን መጋባኣያታትን ዓለም ተወሲኑ ዘሎ ውሳነታት ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ኣራዊታዊ ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ዘረጋገጸ ገለ ኣብነታዊ መርትዖታት ኢዩ። እቲ ውሳነታት፡ ኣብ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ፣ ሃገራት ኤሮጳ (ዓዲ እንግሊዝ፣ ስዊድን፣ ነዘርላንድስ)፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከምኡ ‘ውን ብኣካላት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ዘይሻራዊ ናይ ሽምግልና መጋባእያታትን እተወሰነ ውሳነታት ኢዩ።
- ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ክኢላታት ኣብ 2002 እተወሰነ (UN Working Group on Arbitrary Detention) è Mahmoud Sherifo et al v Eritrea, Working Group on Arbitrary Detention, UN Doc. E/CN.4/2003/8/Add.1, 54 (2002), 05 March 2002
(ይቕጽል)
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it