ወርሒ | መደብ ሀ | መደብ ለ | ድምር |
ጥሪ | 79 | 597 | 676 |
ለካቲት | 94 | 578 | 672 |
መጋቢት | 107 | 607 | 714 |
ሚያዝያ | 78 | 525 | 603 |
ጕንበት | 66 | 745 | 811 |
ሰነ | 85 | 697 | 782 |
ሓምለ | 76 | 655 | 731 |
ነሓሰ | 108 | 653 | 761 |
መስከረም | 102 | 663 | 765 |
ጥቅምቲ | 107 | 652 | 759 |
ሕዳር | 80 | 705 | 785 |
ታሕሳስ | 111 | 788 | 899 |
ድምር | 1093 | 7865 | 8958 |
ምንጪ፡ ብቤት ጽሕፈት ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣብ 2001 ዝተዳለወ ሓውሲ መጽናታዊ ጽሑፍ (ሓመጽ)
እዚ ሰሌዳ’ዚ ኣብ 1999 ኣብ ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝነበሩ እሱራት ዝገልጽ ጸብጻብ ኢዩ። ንኣጸሓሕፋ መታን ክጥዕም፡ ትርጉም ብዘይቅይር መገዲ ኣብቲ መበቆላዊ ምንጪ ናይዚ ሰሌዳ’ቲ ዘሎ ንኡስ ኣርእስታት መጠናዊ ለውጢ ተጌሩሉ ኣሎ። እቲ መበቆላዊ ምንጪ ነቶም ኣብ ‘መደብ ሀ’ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት፡ “ዋሕስ ዝሰኣኑ” ኢሉ ይገልጾም። ኣብ ‘መደብ ለ’ ንዘለዉ ድማ “ብዋሕስ ክልቀቑ ዘይተደልዩ” ይብሎም። ክልቲኡ መግለጽታት ስንግጢር’ዩ። እንተ በዚ እንተ በቲ እቶም ሰባት ብዋሕስ ክልቀቑ እንዳተገበኦም ኣይተለቁን። ሰብሲ ብዋሕስ ክወጽእ እንዳኸኣለ ዋሕስ ስኢኑ ወይ ብዋሕስ ክልቀቕ ስለ ዘይተደልየ ተባሂሉ ፍርዱ ከይተነግሮ ኣብ እንዳ ድጓና ይሕበስድ’ዩ - እሞ ድማ ቀሊል ቁጽሪ ከይከውንሲ 8958 ዝኣክል ሰብ፧ እቲ ሰሌዳ ዘረድኦ ሓደ ነገር እንተሎ፡ ብዋሕስ ምውጻእ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ክነሱ፡ ኣሽሓት ሰባት ግን እቲ መሰል’ቲ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ተነፊግዎም፡ ዋላ ኣብቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብተዛማዲ “ደሓን” ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዘይ ንስሕያን ብዘይ ፍርድን ተዳጕኖም ከም ዝነበሩ’ዩ ዘረድእ። ፍትሒ ንዝፈልጥ ሰብ እቲ ጉዳይ ገበን ምዃኑ ብሩህ’ዩ። እዚ ጸገም’ዚ ብሰንኪ ምምስራት ፍሉይ ፍርዲ ዝተጋህደ መከራ ምዃኑ ኣብቲ ደጋጊመ ዝጠቐሰክዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ ብምረት ገሊጾም ከም ዝነበሩ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ሓቢረ ኔረ። እቲ ዘገርም ነገር ግን እቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዘቖመ ኣዋጅ (ቁጽሪ 85/1996) ንባዕሉ ምስ ኩሉ ግዕዙይ ድሕረ-ባይትኡን ስንግጢራዊ መትከላቱን ንመሰል ውሕስነት ፈጺሙ ኣይከልከለን። ኣብ ዝኾነ ዓንቀጽ ናይቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ብዝርአ ጉዳያት ዝተጠርጠሩ ሰባት መሰል ውሕሰነት የብሎምን ዝብል ድንጋገ የለን። እንተኾነ ግን እቲ መሰል ውሕስነት ዝኽልክል ኣሰራርሓ ድሒሩ ብመልክዕ “ሰርኩላር” ናብ ኩለን ትካላት ምምሕዳር ፍትሒ ዝተላእከ መምርሒ ደኣ’ምበር፡ ንመሰል ውሕሰነት ዝቐየረ ሕግስ ኣይነበረን። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ዝጠቐስክዎ እዚ ዘመልክቶ ነገር እንተሎ “መንግስቲ” ህግደፍ ብሕጊ ዘይኮነ “ብሰርኩላራት” ዝመሓደር ጉዳመኛ “መንግስቲ” ምዃኑ’ዩ።
ናብቲ ቀንዲ ሕቶ ምስ እንምለስ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኣዋዲ ዘይብሉ ገበናት (crimes committed with impunity) ንምሸቱ ከመይ’ዩ ክኸውን፧ ነዚ ሕቶ’ዚ ዕሙቚ ብዝበለ ትንተና ኣብቲ ዝስዕብ ክፋላት’የ ክምልሶ ክፍትን። ቅድሚኡ ግን፡ ብወገን መራሕቲ ህግደፍን ኣጫፈርቶምን ዝቐርብ ቀጻሊ ምስምሳት ስለ ዘሎ እዚ ምስምሳት’ዚ ብሕጊ ብኸመይ ይርአ ንዝብል ነጥቢ ከብርህ ክፍትን ኢየ። ውሑድ ንዘይበሃል ህዝቢ በዚ ሜላ’ዚ የደናግርዎ ስለ ዘለዉ እዚ ጉዳይ’ዚ ቅድሚ ዝኣገረ ሕጋዊ ትንተናን መብርህን ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር ኢዩ። ህግደፍ ገበኑ ሸፊኑላ ዘሎ ናይ መወዳእታ ብጣስ ዓለባ እዚኣ ስለ ዝኾነት እዛ ጉልባብ እዚኣ ተበጣጢሳ ብዘይ ንሕስያ ክትቅላዕ ኣለዋ።
መራሕቲ ህግደፍን ኣጫፈርቶምን ነቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዕሉል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከመላኽዑ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ሓደ ምርኡይ መመሳመሲ ነጥቢ ኣሎ። ንሳቶም ይብሉ፡- ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዶብ ጸገም ኣብ ዘይተፈትሓሉ እዋን ንኹሉ ካልእ ውሽጣዊ ጸገማትና ኣድህቦ ክንገብረሉ ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ግዴታ የብልናን። እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝፍታሕ ድማ ኩሉ ውሽጣዊ ጉዳያት ተወንዚፉ ክጸንሕ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ሃገር ኣብ “እዋን ህጹጽ ኩነታት” (state of emergency) ስለ ዘላ ዝብል ዘይቅርዕው መጎተ የቕርቡ። ንደቂ ገርሂ ልባ እዚ ዘረባ’ዚ ካብ “ካልኩላስ” ዝብርትዕ ቀመርን ስላሕን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሰባት ዋላ ብዘይ ፍርዲ እንተተኣሰሩ፣ እንተተቐንጸሉ፣ ወዘተ “ሕማም ደሓር” ኵናት ዝፈጠሮ ጸገማት’ዩ ብምባል፡ ህግደፍ ንሕሉፍ ጭካነኦም ምኽኑይ ክገብርዎ ይፍትኑ። በዚ ድማ ውሑድ ዘይበሃል ሰብ የደናግሩ። ንኣብነት’ኳ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሓንቲ ካብ ዕሉላትን ዕሙታትን ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ኣብዚ ግልቡጥ ስነ-ሞጎት’ዚ ርዒማን ተሞኽልያን ነቲ ጉዳይ ከም ስቡሕ መማጎቲ ነጥቢ ከተቕርቦ ፈቲና ኔራ። ዘረባኣ ኹሉ ኮር ተገልበጥ ምዃኑ ኣብቲ ብፍላይ ንዓኣ ኢለ ዝጸሓፍክዎ ምላሽ ጠቒሰዮ ኣለዅ። እቲ ኣብኡ ዘልዓልክዎ መሰረታዊ ነጥብታት ምስዚ ሕጂ ዝዛረበሉ ዘለኹ ኣጀንዳ ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለ ዘለዎ፡ ካብቲ ንሶፍያ ተባሂሉ ዝተዳደለወ ጽሑፈይ ኣገዳሲ ክፋላት ቆንጪለ ከቕርብ ኢየ።
ህግደፍ፡ ብሰሪ ዘይምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ኤርትራ እዋን ህጹጽ ኩነታት ከም ዘሎ’ዮም ከምስሉ ዝደልዩ። ስለዚ ድማ ሃገር ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ኣብ ዘላትሉ ግዜ ኩሉ’ቲ ብሕጊ እተዋሕሰ መሰረታዊ መሰላት ተወንዚፉ ክጸንሕ ኣለዎ፡ ከምኡ እንተተገብረ ድማ ሓለል ኢዩ ኢሎም ይምጉቱ። እቲ ዘረባ’ዚ ተራን ናይ ዓዋሉን ዘረባ ኢዩ። ስግንጢርነት ናይቲ መጎተ ንጎኒ ገዲፍካ ሕጋዊ ሰረቱ ግን ብዓይኒ ንስሪ ክጥመት ይግብኦ። በቲ ቅኑዕ ሕጋዊ መለክዕታት ኣብ ኤርትራ እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝበሃል የለን። ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ከም ዝገለጽክዎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 18 ሰነ 2000 ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታት ምስ ከተማ፤ ብድሕሪኡ ‘ውን ኣብ 20 ታሕሳስ 2000 ሓፈሻዊ ውዕል ሰላም ምስ ተፈራረማ፡ ብሕጋዊ መለክዕታት እቲ “እዋን ህጹጽ ኩነታት” ዝብል ኣዘራርባ ኣኽቲሙ ኢዩ። እምበኣርከስ ብመንጽር’ዚ ሕጂ ዘከራኽር ዘሎ ክትዕ ክርአ እንከሎ፡ ንእዋን ህጹጽ ኩነታት ዘመኽኒ ሓደ መሰረታዊ ነገር ጥራይ’ዩ ብሕጊ ከም ቅቡል ረቛሒ ዝውሰድ። እቲ ነገር እቲ ድማ ኵናት ጥራይ’ዩ። ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምትፍናን ደኣ’ዩ ዘሎ እምበር ብሕጋዊ ባህለት (legal definition) ከም ኵናት ዝልለ ኩነታት የለን። ፈጺሙ የለን። ካብ ሰነ 2000 ጀሚሩ ኵናት ዝበሃል ነገር ኣይነበረን፤ ሕጂ ‘ውን የለን። እቲ ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ምውጻእ ኣብያትና ስለ ዘላ፣ እንታይዶ ኣበይዶ … ወዘተ ዝብል ዘርባዕባዕ፡ ፖለቲካዊ ቁዘማ ጥራይ’ዩ። ሕጋዊ ተቐባልነት ዘይብሉ ኣብ ህዋ እተንጠልጠለ መጎተ’ዩ። ብሕጋዊ ኣዘዛርባ እምበኣር ኣብ ኤርትራ እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝበሃል ነገር የለን። ኣብ’ዚ ሓረግ’ዚ ተሞኽልዩ ዝቐርብ ዝኾነ ምኽኒት ድማ ኣጉል ምስምስን ቀምሽ ኣደይ ሓንኵልን ጥራይ ኢዩ።
እዋን ህጹጽ ኩነታት ኣሎ ክበሃል እንተኾይኑ ‘ውን ኣተገባብርኡን ምስኡ ተዛሚዱ ክርአ ዝግብኦ ሕጋዊ ግቡኣት ናይ መንግስቲ ኤርትራን ብጥብቃቐ ክምዘን ዝግብኦ ነገር’ዩ። ነዚ ነጥቢ’ዚ ኤርትራ ምስ ዝፈረመቶ ኣህጉራዊ ውዕላትን እተሰከመቶ ኣህጉራዊ ሓላፍነትን ኣዛሚድካ ዓንቀጻት እንዳጠቐስካ ምብራህ ከድሊ’ዩ። ኤርትራ ካብ ዝፈረመቶ ኣህጉራዊ ውዕላት ሓደ International Covenant on Civil and Political Rights (ICCPR) ወይ ድማ ኣህጉራዊ ውዕል ንፖለቲካውን ሲቪላውን መሰላት (ኣውፖሲመ) ሓደ ካብቶም ቀንዲ ውዕላት’ዩ። ኣብ ዓንቀጽ 4 ናይዚ ውዕል’ዚ ዘሎ መትከል፡ ኤርትራ ፈትያ-ረድያ ከተኽብሮ ዝተሰማማዓትሉ መሰረታዊ መትከል ኮይኑ፡ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ብኸመይ ክትግበር ከም ዘለዎ ዝሕብር መሰረታዊ መትከል ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሓቖፈ ኢዩ። ዓለም ብምልእታ በዚ መትከል’ዚ’ያ ትመሓድ። ካልእ ሃበስ-ቀደስ ትርጉም የብሉን። ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰላት ብምስምስ እዋን ህጹጽ ኩነታት ደረት ክትገብረሉ እንተደኣ ደልያ፡ ክትክተሎ ዝግባኣ መስርሕ ኣብቲ ዓንቀጽ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ቀዳማይ ነገር፡ እዋን ህጹጽ ኩነታት ተፈጻምነቱ ንሓጺር እዋን ጥራይ’ዩ። ተሞክሮ ሃገራት ዓለም ከም ዘረጋግጾ ድማ እዋን ህጹጽ ኩነታት ኣባዝሕቱ ግዜ ነዊሑ እንተተብሃለ ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ክቕጽል ወይ ክእወጅ ዝግብኦ፡ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ኩነታት ጥራይ ዝስርሓሉ ኣገባብ ደኣ’ምበር፡ ከምዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ንኸባቢ 10 ዓመት ከየቋረጸ ዝቕጽል “ሓለፋ” ወይ “ጉንዖ” ኣይኮነን። ብኣህጉራዊ ሕጊ (ማለት ብዓንቀጽ 4 ኣውፖሲመ መሰረት) ከምዚ ዝበለ ስድነታዊ ኣካይዳ ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ግዕዙይ፣ ነውራምን ጉዳመኛን ገበን ኢዩ።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዋን ህጹጽ ኩነታት ክእወጅ እንከሎ ‘ውን፡ ነቲ ኣዋጅ ንምእዋጅ ስልጣን ብዘለዎ ሕጋዊ ኣካል ጥራይ’ዩ ክእወጅ ዘለዎ ደኣ እምበር ብዝኾነ ኣካል ኣይኮነን ዝእወጅ። ኣብዚ ‘ውን ተሞክሮ ሃገራት ዓለም ከም ዘረጋግጾ፡ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝእውጅ ኣካል እቲ ብህዝቢ ተመሪጹ ከም ወኪል ህዝቢ ዘገልግል ፓርላማ ወይ ሓጋጊ ኣካል’ዩ። ብህዝቢ ተመሪጹ ድዩ ኣይተመረጸን ዝብል ክትዕ ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ 1998 ኩናት ኤትራትን ኢትዮጵያን ክጅምር እንከሎ ብሃገራዊ ባይቶ ዝፍለጥ (ህግደፍ ወኪል ህዝቢ እንዳበለ ዝንየተሉን ዝዋጥየሉን) ሓደ ልሙስ ሓጋጊ ኣካል ኣብ ኤርትራ ኔሩ’ዩ። እንተኾነ ግን ክሳብ’ዛ እዋን እዚኣ ኣብ ኤርትራ ብሃገራዊ ባይቶ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝበሃል የለን። ኣብ ግንቦት 1998 እቲ ኩናት ምስ ተባርዐ ‘ውን መጀመርታ ነቲ ጉዳይ ተኣኪቡ ዝዘተየሉ ሃገራዊ ባይቶ ዘይኮነ ካቢነ ሚንስተራት ኢዩ። ብ13 ግንቦት 1998፡ ኢህወደግ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣኪቡ፡ ብኤርትራ ተወሪርና ኢሉ ኵናት ክእውጅ እንከሎ፡ ህግደፍ ንጽባሒቱ፡ ማለት ብዕለት 14 ጕንበት 1998፡ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ክንዲ ዝውጽዕ ኣኼባ ካቢነ ሚንስተራት ጥራይ’ዩ ጸዊዑ። ካቢነ ሚንስተራት ‘ውን እንተኾነ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ኣይኣወጀን። ክገብሮ እንተደለየ ‘ውን ብሕጊ ስልጣን ኣይነበሮን፤ ሕጂ ‘ውን ስልጣን የብሉን። ስለዚ እምበኣር፡ ብዓይኒ ሕጊ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ኣብ ኤርትራ ብወግዒ ተኣዊጁ ኔሩ’ዩ ኢሉ ዝምጉት ሰብ እንተሎ ሃየ ጭብጡን መርትዖኡን ኣቕሪቡ ይሞጉት።
ኣብ ኤርትራ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ክእወጅ እንተኔርዎ ‘ውን ብሃገራዊ ባይቶ ጥራይ’ዩ ክእወጅ ዝግብኦ። ብዓንቀጽ 4(4) ከምኡ ውን ዓንቀጽ 4(5)(ሀ)-(ለ)-(ሰ) መሰጋገሪ ቅዋም ኤርትራ (ኣዋጅ ቁጽሪ 37/1993) መሰረት፡ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ልኡላውነትን ዝምልከቱ ጉዳያት፣ ንፖሊሲ ወጻኢ ዝምልከቱ ጉዳያት፣ ንምክልኻልን ካልእን ዝምልከቱ ተኣፈፍቲ ጉዳያት ኩላቶም ንሃገራዊ ባይቶ ጥራይ ዝምልከቱ ጉዳያት ምዃኖም ብንጹር ተሓጊጉ ኣሎ። ዓንቀጽ 32(6) ናይቲ ህግደፍ ዝንየተሉ፡ ኣይ ንዓዲ ኣይ ንዓውዲ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ቅዋም ‘ውን እንተኾነ፡ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ናይ ምእዋጅ ስልጣን፡ ናይ ሃገራዊ ባይቶ በይናዊ ሕዛእቲ ምዃኑ ብንጹር ኣስፊርዎ ኣሎ። ህግደፍን ኣጫፈርቱን ዓንገረር ስለ ዝብልሉ ዘለዉ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ሕጂ ካብ ሰማይ ወሪዱ ዱብ ኣይብልን ኢዩ። እቲ ዘገድስ ነገር ግን ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ብፍላይ ካብቲ ብዙሕ ኣከራኻሪ ዘይኮነ ግዜ፡ ማለት ካብ ሰነ 2000 ጀሚሩ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብውጹእ ሕጋዊ ኣዘራርባ፡ ብወግዒ (ብሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ) ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝብሃል ተኣዊጁ ኣይፈልጥን’ዩ። ንኸምኡ ምኽኑይ ዝገብር ኩነታት ድማ የለን። እምበኣርከስ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ሰነ 2000 እዋን ህጹጽ ኩነታት ዝበሃል ነገር የለን። ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምስምስ ዘቕርብ ሰብ ካብ ውጹእ ሕጋዊ ኣዘራርባን መለክዕታትን ሓሊፉ ካልእ ክብል እንተፈተነ ሃጠውቀጠው ጥራይ’ዩ።
እዋን ህጹጽ ኩነታት ኣሎ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ‘ውን እንተኾነ፡ ፈጺሞም ክገሃሱ ዘይግብኦም መሰረታውያን ሓርነታት ከም ዘለዉ ዓንቀጽ 4 ኣውፖሲመ ብንጹር ኣስፊርዎ ኣሎ። እዞም መሰላት እዚኣቶም ኣብ’ቲ ብተደጋጋሚ ዝተወከስክዎ ሓመጽ ‘ውን ዝተጠቕሱ ኮይኖም፡ ነዞም ዝስዕቡን ካልኦትን የጠቓልሉ፦ መሰል ብሂወት ምንባር፣ መሰል ብሕትውና፣ መሰል ካብ ቀይዲ ናጻ ምዃን፣ ካብ መግረፍትን ኣሰቃቒ መቕጻዕትን ናጻ ናይ ምዃን መሰል፣ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰልን መሰል እምነትን የጠቓልሉ። እዞም መሰላት እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ዋላ ‘ውን መሬት ከም ዓይኒ-ዑንቊ ልኩት እንተበለት፡ ዋላ ‘ውን ባርዕ ዝኾነ ኵናት እንተንቀልቀለ፡ ዝኾነ መንግስቲ ፈጺሙ ክትንክፎም ዘይግብኦም ክቡራትን ቅዱሳትን መሰላት ኢዮም። (ነዚ ብዝምልከት ኣብ ገጽ 10 ናይ’ቲ ሓመጽ ሰፊሩ ዘሎ ተመሳሳሊ ትዕዝብቲ ምውካስ ይክኣል።) ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ብምስምስ እዋን ህጹጽ ኩነታት ንዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጥቢቑ’ዩ ዝኹንኖ። እዚ ዓንቀጽ’ዚ ንሓፋሽ ተባሂሉ ዝተዳለወ ጽሑፍ ስለ ዝኾነ ኩሉ ዘድሊ መርትዖታት ኣብ’ዚ ክጥቀስ ኣይምችእን ይኸውን። ነዚ ዘቕርቦ ዘለኹ መጎተ ዝድግፍ ግን ዝተፈላለየ ውሳነታት ናይ ኣህጉራውን ዞባውን ኣብያተ ፍርዲ ከምኡ ‘ውን ናይ ምሁራትን ክኢላታትን እልቢ ዘይብሉ ትንተናታት ከም ዘሎ ምሕባር ኣኻሊ ኢዩ። ብተወሳኺ ‘ውን እቲ ናይ ሰነ 2001 ዓውደ መጽናዕቲ ክኢላታት ሕጊ ዝሕብሮ ነገር እንተሎ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ኣተሓሕዛ እሱራት፣ ኣተገባብራ መሰል-ውሕሰነትን ካልእ መሰረታዊ መሰላትን ብዝምልከት ብጋህዲ ሽዑ ክዝተየሉ ምጅማሩ፡ ነቲ ብድሆታት ንምእራም ህጹጽ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ኣብቲ ዓውድ መጽናዕቲ ምሕባሩ፡ እቲ ህግደፍ ድሒሩ ከም መመሳመሲ ዘቕርቦ ዘሎ “እዋን ህጹጽ ኩነታት” ዝበሃል ነገር ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዘይነበረ ኢዩ ዘረድእ። ኣጫፈርቲ ህግደፍ ቀልቢ እንተለዎም ካብዚ ዝዓቢ ጭብጢ የለን። ኣብ ዝኾነን ዘይኮነን ክኢልናዮ ኢሎም “ጭብጢ” እንዳበሉ ካብ ዝህልውሱ ግን መጀመርታ ነቲ ሕግን ጭብጥን ዘይፈልጥ ስርዓት ብዛዕባ እልቢ-ኣልቦ ጠቐነታቱ “ጭብጢ” ከቕርብ ይሕተትዎ።
ስለዚ እምበኣር ድሕሪ ሰነ 2000፡ ኤርትራ ብተዛማዲ ካብ ኣዕናዊ ኵናት ወጺኣ ኣብ ጎደና ርግኣትን ሰላምን ክትምርሽ ጀሚራ ኔራ ኢያ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ዕግርግርን ህውከትን ብህግደፍ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ፡ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ተባሂሉ ዝተኣልመ ርኹስ ውጥን ኢዩ። ነቲ ኹሉ ዝሰዓበ ነገራት ድማ ህግደፍ ብእዋን ህጹጽ ኩነታት ከመኻንየሉ ዝኽእል ጉዳይ ኣይኮነን። ሕጋዊ ሰረት ‘ውን የብሉን። ነዚ ብዝምልከት መራሕቲ ህግደፍ ዝበቅዕ ዓንቀጻት ናይ ሕጊ ጥቐሱ እንተዝብሃሉ ሓንቲ’ኳ ክጠቕሱ ኣይክእሉን ኢዮም። ዓንቀጽ ሕጊ ምጥቃስ ግን ብመሰረቱ መንጸሮር ዘትሕዞም ጉዳይ ስለ ዝዀነ ንኻልእ ዕላማ እንተኾነ ‘ውን ኣይገብርዎን ኢዮም። ርግጽ’ዩ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወሰዶ ኣብያዊ መርገጺ (ብሰንኪ ዘይምሕንጻጽ ዶብ) ነዊሕ ዝቐጸለ ህልኽን ምትፍናንን ከም ዘሎ ብሩህ ኢዩ። ህግደፍ ነዚ ከም ምኽኒት ጥራይ’ዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ እምበር ብቕኑዕ ሕጋዊ መለክዕታት ክርአ እንከሎ እዚ ጉዳይ’ዚ ፈጺሙ ናብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ገጹ ዝቐርብ ‘ውን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ሕጊ-ኣልቦት ዝኾነ ብቑዕ ምኽንያት ክቐርበሉ ዘይክእል ውጹእ ምልኪ ኢዩ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ግዕዙይ ፖለቲካዊ ባህሊ ዘንጸባርቕ ብዙሕ ኣብነታትን ጭብጥታትን ኣሎ። እቲ ፈቖድኡ ዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ዘይፍሉጥ መዳጎኒ ቦታታት፣ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ዝተወስደ ኣረሜናዊ ስጉምታት (ክሳብ ቅትለትን ካልእን) ኣብ በበይኑ ኣጋጣምታት ተገሊጹ ስለ ዝኾነ ንብዙሕ ሰብ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣነ ‘ውን ኣብ ዝርዘር ክኣቱ ኣይኮንኩን። ቀጺለ ግን ቀይዲ-በተኽነትን ሕጊ-ኣልቦነትን ህግደፍ ንምግታእ ብዓይኒ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ ዘሎ ተኽእሎታት ናብ ዝፍትሽ ክፋላት ክሰግር ኢየ።
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it