ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ሳምንታት ሓደ ተኸታታሊ ጽሑፍ (“ብርሰት ልዕና ልዕሊ ሕጊ …” ዝብል) ከቕርብ ቀንየ ኔረ። ሳልሳይ ክፋል ናይቲ ጽሑፍ ሓደ መሰረታዊ ሕቶ ኣንቂደ’የ ዛዚመዮ። እቲ ዝሓተትክዎ ሕቶ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መከራን ፍትሒ ኣልቦነትን ብኸመይ ከብቅዕ ይኽእል፧ ካብ ውሽጢ ፍታሕ ካብ ተሳእነስ ካብ ደገኸ እንታይ ኣሎ፧ ዓለምከ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብፖለቲካዊ ኣማራጽታት ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጊኸ እንታይ ክግበር ይከኣል፧ ብዓይኒ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ (international criminal law) እንታይ ተኽእሎታት ኣሎ፧ ኢለ ሓቲቲ ኔረ። ብቐጥታ ናብ መልሲ ናይዚ ሕቶታት’ዚ ክኣቱ ደስ ምበለኒ። ንግዚኡ ግን ክኾልፎ ኢየ። ኣብቲ ዝስዕብ ክፋላት ክዛረበሉ ምዃነይ ግን ከነጽር እፈቱ። ንሎሚ ግን ኣመንግው ኣቢለ ገለ ነገር ክብል ስለ ዝደለኹ’የ ምንጋወ ዝብል ዘለኹ። ሓንሳብ ነዛ ሒዝናያ ዘለናያ ወርሒ ኣብ ዝምልከቱ እዋናውያን ጉዳያት ከድህብ ስለ ዝደለኹ’የ - ወርሒ መስከረም እንድያ! ብኹሉ ነገራ ፍልይቲ’ያ፡ ዋላ ካብ ወርሒ ጕንበት ኣዝያ’ያ ትፍለ። እንዶ ንዘለዎ ሰብ እቲ ምኽንያት ብሩህ’ዩ። ምስ ታሪኻውነት ናይዛ ወርሒ እዚኣ ተዛሚዱ ዝርአ ንኣቓልቦይ ዝገዝዐ ሓደ ጉዳይ ስለ እተረኸበ ኣብኡ ከተኩር ደልየ ኣለኹ። ምስ ኩሉ ሓፈሻዊ ምዕባለታት ናይዚ ወርሒ’ዚ ‘ውን ይተሓሓዝ ኢዩ። ዘሎናዮ እዋን ፍጻመታት ዝበዝሖ፡ ነገራት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ብናህሪ ዝሕንበበሉ ዘለዉ ወሳኒ መድረኽ’ዩ። ቅልጣፈ ከድሊ’ዩ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ። ኣተኵሮ ‘ውን ከድሊ’ዩ። ህድእ ምባል ከድሊ’ዩ። ዝግ ኢልካ ምሕሳብ ‘ውን ከድሊ’ዩ። ተቐላጢፍካ ሓዲኡ ክግበር ከም ዝግብኦ ዝሕብር ኣመታትን ምልክታትን ፈቖድኡ ምሊሕ-ምሊሕ ይብል ኣሎ። ሓዲኡ ክግበር እንተዘይተኻኢሉ ካብ ማንም ሰብ ዘይተሰወረ ከበድቲ ሓደጋታት ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ። እተሸበረ መንፈስን ኣእምሮን ዝውስኖ ውሳነታት ህቦብላዊ ስለ ዝኾነ፡ ካልኦት ሰባት ተረቢሾምን ርዒዶምን ዝፍጽምዎ ጉድለታት ንኹልና ከም ማይ ኣይሂ ለኻኺሙና ክኸይድ ስለ ዝኽእል ዕቱብ ኣቓልቦን ትዅረትን ዘድልዮ ጉዳያት መሊኡ’ሎ። በቲ ዝጠልቦ ዕትበት ይስርሓሉ ኣሎዶ ዝብል ሕቶ መልሲ ተሳኢንሉ ዘሎ ዝዓበየ ግድል’ዩ። ባቡር ታሪኽ፡ ናታ ሰዓት፣ ናታ ፌርማታ፣ ናታ ኣውቲስታ ኣለዋ። ጉዕዞኣ ቀጻሊ’ዩ። ዘርከበ ምስኣ ይጎዓዝ፤ ዘየርከበ ድማ ኣየርከበን ስለ ዝኾነ ዘረባ የብሉን። ትኬቱ ቆሪጹ ኣብ ሰዓቱን ኣብ ፌርማትኡን ዝተረኸበ ሰብ ብዘይ ተማልኡኒ ብዘይ ልመና ጉዕዝኡ ክቕጽል ከም ዝኾነ ርእሰ-ግሉጽ’ዩ። ዕንይንይ ክብል ትኬት ዘይዓደገ፣ ፈዘዘዝ ክብል ኣብ ሰዓቱን ኣብ ፌርማትኡን ዘይተረኸበ፣ ወይ ‘ውን ልዕሊ ሰቡ ዝጎርሐ መሲልዎ ትኬት ከየጭረመ ኣብታ ባቡር ዝደየበ ሰብ ሕንከቱን ውርድቱን ብዘይክኡ መን ክስከመሉ ይኽእል፧ “እቲ መልሲ ኣብቲ ሕቶ ኣሎ።” ዘረባን መሸላን ክሳድ-ክሳዱ ብትኽ እንተበልካዮ እንድዩ ጽቡቕ፡ እስኪ ብትኽ-ብትኽ ከብሎ ክፍትን። ኣብ ጽሑፍ ግና ከምኡ ምግባር ዝከኣል ኣይኮነን። ሓሳብ ይመጸልካ’ሞ ተ--ሾ--ሾ--ሽ ኢሉ ይፈስስ። ክትእርንብ፣ ክትቆጽር፣ ክትፈትሕ፣ ክትጠምር፣ ቃላት መሪጽካ ሓረጋት ክፍትሽ ቃልሲ ትገጥም። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ ካብ ምጽሓፍ ምዝራብ ዝቐለል። እዚ ዘለናዮ እዋን ሓሳባት ክጥርነፈሉ ዘይክእል፣ ዕግርግር ዝበዝሖ፣ ህውከተኛ እዋን ኮይኑ ኣሎ። ፍሉጥ መለለዪ ምልክት ናይዚ ዘለናዮ እዋን እዚ’ዩ - ሕንፍሽፍሽ። ፍጻመታት በዚሑ - ካብ ልክዕ ንላዕሊ በዚሑ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ክትሓስብ ትጸንሕ፤ ብዛዕብኡ ምሕሳብ ከየቋረጽካ ካልእ ይመጽእ። ካልእ ይድረብ፣ ካልእ ይምላእ፣ ካልእ ይልቀብ፣ ካልእ፣ ካልእ፣ ካልእ … ርእሲ ደቂ ሰባት ብብዝሒ ሓሳብ ዝትኮስ እንተዝኸውንሲ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ጥራይ ክንደይ ኣራእስ ምተተኮሰ ኔሩ። እዛ ወርሒ እዚኣ ገለ ኣለዋ። ሸኽ ሓሰን ጣህር ኣወይስ ኣብ ኣስመራ’ሎ ክትሰምዕ ትጸንሕ’ሞ ንግስቲ ሃይለ እተባህለት ውጽዕቲ ከረናዊት ድማ ኣብ ዊዓ ተጨፍጪፋ ተቐቲላ ትሰምዕ። በቲ ሓደ ድማ ኤሮጳዊ ሕብረት “ይበሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ” ዝብል ምስላ ትርጉም ከም ዘለዎ ከነጽሩ ዝደለዩ ክመስሉ፡ ምሉእ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ “ከም ቆሎ መሸላ እንዳተለለወ” እንከሎስ 170 ብዘይበጽሕ ቃላት ብዝተሃንጸ “ጋዜጣዊ መግለጺ” ብሃበስ-ቀደስ ወርጸጸጽ ይብሉ። ኣብ ሙጋቤ ዝገበርዎ ኣብ ኢሰያስ ክግበር ዘይክእል ስለምንታይ’ዩ፧ ጭካነ ደቂ ሰባት ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ብፍርሂ ዘይኮነስ ብዘርዕድ ግራሞት ነብስኻ ግንብንብ ይብለካ። የቋርረካ፤ ቀዝሒ ይፍንወልካ። ጭካነ ደቂ ሰባት ብፍላይ ናይ መራሕቲ ደረት እንተዘይተጌሩሉ ደረቱ እንጦርጦስ’ዩ። ሞኽሰይን ዓርከተይን ወዲ ኸተማ (ነብሱ ይምሓር ብናይ መዳ ዓርክና ኣጸዋውዓ ድማ “ሸረፈዲን”) ከም ዝኣመቶ ግን፡ ጽላለ መራሕቲ ደረት ክህልዎ ኣለዎ። ደቂ ሰባት ንኻልኦት ሰባት ናይ ምጉዳእ ክቱር ጥሙሕ እንተዓብሊልዎም ዓቢዶም ኣለዉ ማለት’ዩ። ዳንኤል ከተማ ነዚ ብልክዕ ገሊጽዎ’ሎ። እምበኣርከስ ኤርትራና ዕብዳን መሪሕነት’ዩ እቲ ዝኸበደ ኣበሳኣ። ካልእ ኩሉ ነገራት ከም ግመ ዝቕንጠጥ’ዩ። ዕብዳን መራሕቲ ዘኸትሎ ዕንወት ግን ዳግማይ ዖናን በሲግዲራን ምስ ፈጠረ ከመይ ጌርካ’ዩ ዝፍወሶ፧ ኣቱም ሰባት ደቂስና ከይንህሉ ንበራበር። ደወል ይድወል ኣሎ። ኣብ ድያስጶራ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ኩ--ኽ ኢሉ ዝሕርንኽ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ኣብ ከቢድ ድቃስ ከይንህሉ ንበራበር። ቁሩብ ሸተት ኢለ ጸኒሐ’ሞ ናብ ድጊ ነገረይ ክምለስ። ሎሚ ክዝክሮ ዝደለኹ ሓደ ሰብ ኣሎ። ነብሱ ይምሓሮ ንዳንኤል ተስፋይ’የ ክዝክር ደልየ። እዚ ‘ውን ካልእ ሞኽሰይን መማህርተይ ነበርን’ዩ። የግዳስ ኣቐዲሙ ናብ ዓዲ ኹልና ዝገሸ፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብ ሸዊት ሂወቱ ዝተቖጸየ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር-ነበር ምዑት መንእሰይ’ዩ። ከም ወትሩ፡ ወርሒ መስከረም መጸት ኣብ ዝበሃለሉ ክንገብሮ ዝጸናሕና ልሙድ ነገራት ኣሎ። ንዝኽሪ ውጹዓት፣ ብዱላት፣ እሱራት፣ ርሹናት፣ ቅንጹላት፣ ወዘተ … በብዝጥዕም መገዲ ዝኽርና ዘሐድስ መብጸዓና ዘዘኻኽር መደባት ክንሰርዕ፣ ጽሑፋት ከነዳሉ፣ ዝኽርታት ክንፍትሽ ከም ዝግበኣና ኣሚናሉስ ድሮ ሻድሻይ ዓመት ንብል ኣለና። ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ጎስጓሳትን ዝኽርታትን ኣብ ዝተወሰኑ ፍሉጣት ሰባት ኢና ነተኩር ኔርና። እቲ ጸገም፡ ሓደ ወዲ ዓይኒ መዓር ካልእ ወዲ ውሽማ ስለ ዝኾኑ ኣይኮነን። ሕጽረት ናይ ጥሉል ሓበሬታ ስለ ዘሎ ጥራይ’ዩ። ምስ ግዜን ኩነታትን ሓድሽ ሓበሬታ ክርከብ ከሎ ግን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተዘኪሮም ዘይፈልጡ ሰባት ምዝካር ከም ዘድሊ ርዱእ ኢዩ። ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም ለንቅነ ብዛዕባ ዳንኤል ተስፋይ ክዝረብን ርእይቶ ክውሕዝን ምስ ጀመረ ኣብ ሓንጎለይ ብልጭ ዝበለ ብዙሕ ነገራት ኔሩ። ንድሕሪት ተመሊሰ ካብ 1993 ጀሚረ ብዙሕ ነገራት ዘኪረ። ምስ ዳንኤል ተስፋይ ንመጀመርታ ግዜ ዝተፋለጥና ኣብ 1993’ዩ። ዕለቱ ደኣ’የ ዘይዝክሮ እምበር ንመጀመርታ ግዜ መዓስን ኣበይን ከም ዝፈለጥክዎስ ኣጸቢቐ’የ ዝዝክሮ። ንሱን ዮሴፍ ኣልዛኣርን ካብ ክፍሊ ስነ-ቑጠባ (Department of Economics)፡ ርብቃ ወልዱ ካብ ክፍሊ ስነ-ቋንቋ (Institute of Language Studies) ኣነ ድማ ካብ ክፍሊ ስነ-ምሕደራ (Department of Management Sciences) ናብ ክፍሊ ስነ-ሕጊ (Department of Law) በብወገና ዓውደ-ትምህርቲ ምስ ቀየርና’የ ንመጀመርታ ግዜ ንዳንኤል ዝረኸብክዎ። ናይ ኣርባዕቴና ኣመጻጽኣ ናብ ክፍሊ ስነ-ሕጊ ተመሳሳሊ ድሕረ-ባይታ ስለ ዝነበሮ በዚ ምኽንያት’ዚ እቲ ኹነታት ፈጺመ ክርስዖ ኣይከኣልኩን። ሽዑ (ኣብ 1993) ናይ ካልኣይ ዓመት ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኢና ኔርና። ዳንኤል ተስፋይ ፊኖ ወደ’ስመራ ምዃኑ ሻቡ’የ ቆብ ኣቢለዮ። ከም መንእሰይ መጠን ትኩር ጥራይ ዘይኮነ ውዑይ ‘ውን ኢዩ። ዋዒኡ ብኣጋ’ዩ ዝፍለጥ። ንሱ ኣብ 1996/1997 ብሃንደበታዊ ሞት ተፈልዩና። ሽዑ ግን ኣማውትኡ ብዙሕ ኣየቕለብናሉን። ኣብ 1998፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ናይ መጀመርታ ምሩቓት ሕጊ ተባሂልና ክንምረቕ ከለና ምሳና ኣይነበረን። ሓቂ ሓይሽ፡ ኣማውትኡ “ውጹእ ሓደጋ” ኮይኑ ይስመዓና ስለ ዝነበረስ፡ ድሕሪ ሓመድ-ድበ ብፍሉይ ንዝክሮ እንተኔርና ብኣሰቃቕነት ናይቲ “ሓደጋ” ጥራይ ደኣ’ምበር በቲ ሕጂ ዝዝረበሉ ዘሎ ድሕረ-መጋረጃዊ ተንኮል፡ ብኸምኡ ዝረኣዮ ሰብ ኔሩ ክብል ኣይደፍርን። ካብቶም ኣብ 1998 ዝተመረቕና ልዕሊ 20 ንኸውን ሰባት፡ ብዘይካ መድሃኔ ሃይለ፣ (ከምኡ ‘ውን ኣቐዲሞም ቅድምን ድሕርን ምረቓ ብሞት ዝተፈልዩና ዳንኤል ተስፋይ፣ ዑቕባጼን ዘካርያስ (በረቐ) ከምኡ ‘ውን ዓብደልቃድር ዓብደላ) ኩልና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ኤርትራ ወጺና ኔርና ኢና። ገሊኦም ንኤርትራ ተመሊሶም፤ ንበዝሕ ከኣ ኣብ ደገ ኣለና። እቶም ኣብ ደገ ዘለና ኣበይን እንታይን ንገብር ኣለና ነነብስና ባዕልና ንፈልጥ። ብመንጽር እዋናዊ ጠለባት ክርእዮ እንከለኹ ግን ክንደይ ካባና ብዘኽዕብ ስቕታ ተዓብዒብና ኣብ ተጉላባነት ተሸጕጥና ከም ዘለና ነብስና ከነዘኻኽር ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ እግረ መገደይ ጠቒሰዮ እንተሓለፍኩ ሓላል ይመስለኒ። እዚ ናይ ሕልና ሕቶ’ዩ። ሕልና ዘለዎ ሰብ ድማ ሕርኽርኽ ክብሎ ይግባእ። ካልእ ኣሕጽር ኣቢለ ክጠቕሶ ዝደሊ - ብዙሕ ሓበሬታ ድኣ የብለይን እምበር - ዓብደልቃድር ዓብደላ ‘ውን ኣማውትኡ ሃንደበታዊ’ዩ ዝነበረ። ካብ ኣቑርደት ነስመራ እትው ኢሉ ገዝኡ ከይበጽሐ ኣብ ከባቢ ካቴድራለ ጻሕ ኢሉ ምስ ወደቐ ኣይተመልሰን። እቲ ኹነታት ሕጂ ተመሊስካ ክትግምግሞ እንከለኻ ዘይነጸረ ነገራት ኔርዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይረኣየካ። ከምቲ ዝበልክዎ ግን ንግዚኡ እኹል ሓበሬታ ስለ ዘይብለይ ካልእ እዋን ዝምላእ መሊአ ክምለሶ ክፍትን’የ። ኣብ ጉዳይ ዳንኤል ተስፋይ ግን በቲ ዝመስለንን ዝፈልጦን ክቕጽል’የ። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይቲ ተኸታታሊ ጽሑፈይ (“ብርሰት ልዕልና ሕጊ …”) ከም ዝገለጽክዎ ብሰንኪ ምቛም ፍሉይ ቤት ፍርዲ ግዳይ ዝኾኑ ንጹሃት ሰባት ብዙሓት ኢዮም። ብዘይካ ኣቶ ጠዓመ በየነ ካልኦት ሰባት ‘ውን ማእሰርትን ካልእ በደላትን ከም ዝወረዶም ጠቒሰ ኔረ። ከምቲ ድሮ ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም ተኣሚቱ ዘሎ ጉዳይ ዳንኤል ተስፋይ ‘ውን ምስዚ ዝተሓሓዝ’ዩ። ካብቲ ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም ዝተኣመተ ዝፍለ ብወገነይ ዝረኸብክዎ ጥሉል ሓበሬታ’ኳ እንተዘየለ፡ እቲ ኹነታት ብጽሞና ንዝተኸታተሎ ሰብ ግን፡ ኣማውታ ዳንኤል ብሓቂ ከምቲ መጀመርታ ዝተነግረና “ሓደጋ” ኢዩ ኔሩ ኢልካ ዕሽሽ ኢልካ እትሓልፎ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ኣዝማሪኖ.ኮም ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶ ነዚ ጥርጠራ’ዚ ምኽኑይ ይገብሮ። ሓደ ካብቶም ወሃብቲ ርእይቶ የርህዎ ኣምላኽ (መንሽሮ) ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ዘቕረቦ ርእይቶን ግጥምን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝሰዓበ ርእይቶታትን ነቲ ጉዳይ ብገፊሕ ዓይኒ ጥርጠራ ከም ዝርአ ጌርዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ብቓልዕ’ኳ እንተዘይተዛረብኩሉ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ግን ንነገራት ብዓይኒ ጥርጠራ ክርእዮ ካብ ዝጅምር ውሑድ ኣይኮነን። ህግደፍ ዝገበርዎ’ሞ ዘይተገረ እምበር ህግደፍ ዘይገበርዎ ነገር ስለ ዘየለ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ትም ኢልካ “ሓደጋ” ጥራይ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ተኾሚሩ ዘሎ ኣበሳታት ክኸውን ከም ዝኽእል ዘጠርጥር ኣመታት ግን ይቀላቐል ኣሎ። ጽባሕ ንግሆ መሬት ምስ ቀርዓወ ዝወጽእ ማእለያ ዘይብሉ ጉድ ተኾሚሩ ከም ዘሎ ኩሉ ተገንዚብዎ ኣሎ። ህግደፍ ድማ ኣብ ድቃሶምን ውነኦምን ነናሻዕ ዘባህርሮም ዘሎ እዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ኩምራ ናይ ኣበሰኦም ጎድፍ ‘ውን ስለ ዘይጾሮ ኣበይ ከም ዘራግፍዎ ኣዝዩ ጨኒቕዎም ኣሎ። ከምቲ ገለ ክኢላታት ምስ ጉዳይ ዜምባብወ ኣተሓሒዞም ክብልዎ ዝቐነዩ፡ ኣብ መራሕቲ ህግደፍ ተፈጢሩ ዘሎ ዝለዓለ ሻቕሎት ርዱእ’ዩ። “ሕጅስ ሕራይ ኢልና ናይ ለውጢ ባብ ምኸፈትና ጽባሕ ግን ነቲ ኹሉ ኣበሳና መን’ዩ ክምሕረና” ዝብል ሻቕሎት ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንኣእምሮም ብሒትዎ ስለ ዘሎ መመሊሶም ጌጋ ኣብ ርእሲ ጌጋ እንዳደመሩ ኣብ “ኣውቲስታ ዘይብላ ባቡር” ተጻዒኖም ይጎዓዙ ኣለዉ። ጉዳይ ዳንኤል ተስፋይ እምበኣር በቲ ንዓይ ዝርዳአኒ “ውጡን ቅትለት” ኢዩ ዝመስል። ኣብ 1996 ንኢሰያስ ዝሓተቶ ሕቶ፣ ዝተውሃቦ ገራጭ መልሲ፣ ኣብ ገጽ ኢሰያስ ሽዑ ዝርአ ዝነበረ ናይ ነድርን ቁጥዐን መንፈስ፡ ምስ ቂም-በቐላዊ ታሪኽ ህግደፍን ኢሰያስን ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ ንዳንኤል ዘጋጠሞ ነገር “ሓደጋ” ጥራይ’ዩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ሽዑ ግዜስ ብመንጽር ፖለቲካዊ ብስለት “ህጻውንቲ” ኢና ዝነበርና’ሞ ኣማውታ ዳንኤል ውጹእ ሓደጋ’ዩ ዝመስለና ዝነበረ። ከምቲ ገለ ሰባት ዝእምትዎ ዘለዉ ግን “እታ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ኢዩ ዝመስል እቲ ጉዳይ። ሽዑ እዋን ቀልጢፍና’ኳ እንተረሳዕናዮ በቲ ንዳንኤል ዝተውሃበ መልሲ ኩላትና ተመሃሮ ናይ ሕጊ ተዳሂልናን ተሸዲድናን ከም ዝነበርና እዝክር። ኣብ ብምሉኡ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ እቲ ክትዕ ንዝተወሰነ ሳምንታት ውዕውዕ ምንባሩ ኣጸቢቐ እዝክር። መባጨዊ ምሉእ ዩኒቨርስቲ ኮይና ከም ዝነበርና ኩሉ ሰብ ዝዝክሮ ነገር’ዩ። እቲ ንዳንኤል ዝወረዶ ጸርፍን ዘለፋን ናብኡ ጥራይ ዝቐንዐ ኣይነበረን። ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ናይቲ ሕቶ ምፍላጥ ‘ውን ኣገዳሲ ኢዩ። ከምቲ ብዕላል ንሰምዖ ዝነበርና እቲ ሕቶ ዋላ’ኳ ብመሰረቱ ዳንኤል ተስፋይ ዘንቀዶ ሕቶ እንተነበረ፡ ብገለ ምኽንያታት ባዕላቶም ክሓቱ ዘይደሉ ሰባት ግን ንዳንኤል “ሕተት” ኢሎም ብድሕሪት ከም ዘተባብዕዎን ዝደፋፍእዎን ይዕለል’ዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብኽፍኣት’ዮም ከምኡ ጌሮም ማለተይ ዘይኮንኩስ፡ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ናይቲ ሕቶ ካብ ፈለጡ፡ ብዛዕባ ኣማውታ ዳንኤል ‘ውን ቁሩብ ክፈልጡ ስለ ዝኽእሉ ሓበሬታ ክህቡ ይኽእሉ’ዮም ዝብል እምነት ግን ኣለኒ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ስም ናይቶም ዝብሎም ዘለኹ ሰባት ምጥቃስ ንግዚኡ ኣድላይ’ኳ እንተዘይኮነ ነብሶም ሓኺኾም ገለ ነገር ክነግሩና ግን ልዑል ትጽቢት ኣለኒ። እዞም ሰባት እዚኣቶም በቲ ጉዳይ ተሓተትቲ ኢዮም ክብል ደልየ ዘይኮንኩስ ሓበሬታ ክህቡ ክንጽበዮም ግን ናይ ግድን ኢዩ። ኣነ ንባዕለይ ነቲ ጉዳይ ብወረ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ንሳቶም ዝህብዎ ሓበሬታ ዋላ ንግዚኡ ሓጋዚ ክኸውን ስለ ዝኽእል ብዝጥዕሞም መገዲ ነብሶም ሓኺኾም ክዛረቡ እንተዝኽእሉ ጽቡቑ ኢዩ። ንሳቶም ዝህብዎ ሓበሬታ ነዚ ተሸፋፊኑ ዘሎ ጣቓ ብመጠኑ ‘ውን እንተኾነ ክገልሆ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ምስ ኩሉ ስኽፍታተይ ብስም እቲ ኣማውትኡ ገና ምሉእ ብምሉእ ዘይተፈልጠ ሓውናን ብጻይናን ዳንኤል ተስፋይ ገለ ነገር ክነግሩና እምሕጸኖም። ጌጋ ደኣ ይኽልኣለይ እምበር እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ዓዲ ደሓን፡ ኣብ ዓዲ መሰል፣ ኣብ ዓዲ ሰላም ይነብሩ ከም ዝነበሩ ሓበሬታ ኣሎኒ። ሓደ ከነጽሮ ዝደሊ ነገር ግን ኣሎ። እዚ ዘልዕሎ ዘለኹ ነጥቢ ኮነ ኢልካ ሰባት ንምጥቃን ወይ ንምጉዳእ ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ዘይኮነ፡ ፍትሒ ተጓዕጺጽዎም ግዳይ ናይ ዝኾኑ ወገናትና ሓቀኛ ታሪኽ ኣብ ምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ብዝብል እምነት ጥራይ ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ’ዩ። ኣድላይ እንተኾይኑ ‘ውን እቶም ሰባት እቲኣቶም ነዚ ጉዳይ’ዚ ብውልቂ ደረጃ ክዘራረብሉ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ድሉውነተይ እገልጸሎም። ስሙ ክዝክሮ ዘይከኣልኩ ኣብቲ ሓደጋ ምስ ዳንኤል ተስፋይ ዝሞተ ሓደ ሰብ ኔሩ። ኣብ ጥቓ ቤት መግቢ ካራቨል ቤት ዕዮ ጽርበት ዕንጨይቲ ዝነበሮ ወናም ጸራቢ (ፈለኛሞ) ኢዩ ኔሩ። ከም ሰብ ረሲዐዮ ዘይኮንኩስ ብቐንዱ ብዛዕባ ዳንኤል ተስፋይ ክዛረብ ኢለ ስለ ዝተበገስኩ ኣብ ዳንኤል ኣድሂበ ጸኒሐ። ኣማውታ ክልቲኦም ውሽጡን ውሻጠኡን ተፈሊጡ ክምርመር፡ ዝተጓዕጸጸ ፍትሒ እንተኔሩ ድማ ሓቂ ተማጻርዩ ንምሸቱ ፍትሒ ተፈሪዱ ክርኢ ከም ብርቱዕ ጓህሪ ቃል-ቃል ዝብል ሃረርታ ኣለኒ። ሰብ መዋቲ ስለ ዝኾነ ዳንኤል ተስፋይን ብጻዩን ከም ሰቦም ኢዮም ሞይቶም ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ኣማውታ ግን ብዙሕ ስለ ዝኾነ ዓይነቱ እቲ ሕቶ ኣማውትኦም ከመይ ኔሩ ኢዩ። ብሓቂ ከምዚ ገለ ኣመታት ዝሕብሮ ዘሎ ዓመጽ ኔሩ እንተኾይኑ ውዒሉ ሓዲሩ ፍትሒ ክፍረድ ስለ ዝኾነ እቶም ቀንዲ ነዚ ውጥን’ዚ ዝጠጅኡ ሰባት ምኽሽሖም ኣይክተርፍን’ዩ። እቶም ክልተ ውጹዓት ግን ሞይቶም ዘይኮኑስ ብኣካል’ዮም ተፈልዮምና። ዳንኤል ተስፋይ ሞይቱ ዘይኮነ ክበሃል ዘለዎ ዘንቀዶ ነዊሕ ጉዕዞ ከየፋረቖ እንከሎ ዓለም ኮሊፋቶ ወይ ድማ ኣሞንግያቶ እንተተብሃለ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሱ ዘንቀሎ ራኢ ግን ነባሪ’ዩ። እቲ ጉዳይ ሞት ዘይኮነ ምንጋወ’ዩ። ምንጋወ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ዝቕጽል መስርሕ’ዩ።
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
|