ብርሰት ልዕልና-ሕጊ (ሳልሳይ ክፋል) Print E-mail
By ዳንኤል ረዘነ - Aug 31, 2007   
..

ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ
(ሳልሳይ ክፋል)

ብዘይካ’ቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ዝተገልጸ ጽኑዕ መትከላት፡ እቲ ሓውሲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ሓመጽ) ትዕብዝታቱ ብምቕጻል ከም’ዚ ዝስዕብ ክብል ቀጸለ። ብዘይካ’ቲ ብሕጊ ዝተፈቕደ ኣገባባት ብኻልእ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ፖሊስ ሰብ ክኣስር ብሕጊ ኣይፍቀደሉን። ሕጊ ብዝፈቕዶ ኩነታት ዝተኣስረ ጥርጡር ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ዘይግሃስ መሰል-ውሕስነት ኣለዎ። ብዘይካ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ኩነታት፡ ዝኾነ ጥርጡር ኣብ ዝኾነ ግዜ ብዋሕስ ካብ ቀይዲ ነጻ ክልቀቕ መሰል ኣለዎ። ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝእሰር  ሰብ ግን ገበኑ ብዘየገድስ እንተድኣ “መንግስቲ” ዘይፈትዩ ዋላ ብዘይ ፍርዲ ‘ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ዩ ዝበሊ። ብግብሪ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ኣብያተ-ማሕቡስ ህግደፍ ይበልዩ ከም ዘለዉ’ዩ ዝፍለጥ። ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዘሎ ሰብ ብፍላይ ድማ እቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ዝተኣስሩ፡ ዘስእስር ምኽንያት ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ንጹሃት ዜጋታት ኢዮም። ንመንግስቲ ስለ ዝነቐፉ፣ ጉድ መንግስቲ ስለ ዘቃልዑን ብኻልእ ቆሎ-ጥጥቖ ክስታታትን ጥራይ ዝተኣስሩ ማእለያ የብሎምን። መንግስቲ ኣብ ፍትሓውን ናጻን ኣብያተ-ፍርዲ እንተኣቕሪብዎም ነጻ ክብሃሉ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ እዚ ድማ ነቶም ገበታ ሓሶት ዝነዝሑ መራሕቲ ህግደፍ ውርደትን ሕስረትን ስለ ዝኾነ ፈጺሞም ኣይክትግብርዎን ኢዮም። ነቶም እሱራትሲ ካልእ መፍትሒ ድኣ ይፍጠረሎም እምበር መራሕቲ ህግደፍ ናብ ልቦም ክምለስሉ ኣይ ዘይክእሉሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሑ፡ ካብኦም ፍትሒ ምጽባይ ማለት ካብ ዝብኢ ስጋ ምጽባይ ማለት ኢዩ። ካልእ ፍታሓት’ሞ እንታይ ኣሎ ንዝብል ጽንሕ ኢለ ክምለሶ ኢየ።

ብዘይካ’ቲ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ዝተገልጸ ጽኑዕ መትከላት፡ እቲ ሓውሲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ሓመጽ) ትዕብዝታቱ ብምቕጻል ከም’ዚ ዝስዕብ ክብል ቀጸለ። ብዘይካ’ቲ ብሕጊ ዝተፈቕደ ኣገባባት ብኻልእ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ፖሊስ ሰብ ክኣስር ብሕጊ ኣይፍቀደሉን። ሕጊ ብዝፈቕዶ ኩነታት ዝተኣስረ ጥርጡር ድማ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ዘይግሃስ መሰል-ውሕስነት ኣለዎ። ብዘይካ ኣብ ኣዝዩ ውሑድ ኩነታት፡ ዝኾነ ጥርጡር ኣብ ዝኾነ ግዜ ብዋሕስ ካብ ቀይዲ ነጻ ክልቀቕ መሰል ኣለዎ። ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝእሰር  ሰብ ግን ገበኑ ብዘየገድስ እንተድኣ “መንግስቲ” ዘይፈትዩ ዋላ ብዘይ ፍርዲ ‘ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ዩ ዝበሊ። ብግብሪ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ኣብያተ-ማሕቡስ ህግደፍ ይበልዩ ከም ዘለዉ’ዩ ዝፍለጥ። ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዘሎ ሰብ ብፍላይ ድማ እቶም ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ዝተኣስሩ፡ ዘስእስር ምኽንያት ዋላ ሓንቲ ዘይብሎም ንጹሃት ዜጋታት ኢዮም። ንመንግስቲ ስለ ዝነቐፉ፣ ጉድ መንግስቲ ስለ ዘቃልዑን ብኻልእ ቆሎ-ጥጥቖ ክስታታትን ጥራይ ዝተኣስሩ ማእለያ የብሎምን። መንግስቲ ኣብ ፍትሓውን ናጻን ኣብያተ-ፍርዲ እንተኣቕሪብዎም ነጻ ክብሃሉ ምዃኖም ስለ ዝፈልጥ እዚ ድማ ነቶም ገበታ ሓሶት ዝነዝሑ መራሕቲ ህግደፍ ውርደትን ሕስረትን ስለ ዝኾነ ፈጺሞም ኣይክትግብርዎን ኢዮም። ነቶም እሱራትሲ ካልእ መፍትሒ ድኣ ይፍጠረሎም እምበር መራሕቲ ህግደፍ ናብ ልቦም ክምለስሉ ኣይ ዘይክእሉሉ ደረጃ ስለ ዝበጽሑ፡ ካብኦም ፍትሒ ምጽባይ ማለት ካብ ዝብኢ ስጋ ምጽባይ ማለት ኢዩ። ካልእ ፍታሓት’ሞ እንታይ ኣሎ ንዝብል ጽንሕ ኢለ ክምለሶ ኢየ።

ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሰ መትከላት እንተመዚንናዮ ተገሪምና ቅዝዝ ንብል። ኣብቲ ሓመጽ ብንጹር ዘይተገልጸ ግን ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ሓደ መሰረታዊ መሰል ኣሎ። ዝኾነ ጥርጡር ካብ ዝተኣሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ብሕጊ ዝተሓለወ መሰል ኣለዎ። እዚ መሰል’ዚ ኣብ ዓንቀጽ 19 ደብተር ገበናዊ ስርዓት (Criminal Procedure Code) ብንጹር ዝተደንገገ ሕጊ ኢዩ። በዚ መሰረት ሓደ ሰብ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ብድሕሪኡ’ዩ እቲ ብዋሕስ ናይ ምውጻእን ዘይምውጻእን ሕቶ ኣከራኻርነቱ ብቤት ፍርዲ ተራእዩ ዝውሰን። ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ኣብያተ ፍርዲ ንጥጡራት ብዋሕስ ክወጹ የፍቅዳሎም። ጉዳዮም ድማ ኣብ ደገ ኾይኖም ብቖጸራ ናብ ቤት ፍርዲ እንዳተመላለሱ ይከታተልዎ። እቲ ሕጊ ከምኡ’ኳ እንተኾነ ብግብሪ ግን ኣንጻሩ ኢዩ ዝስራሕ ዘሎ፤ ብፍላይ ድሕሪ መስከረም 2001።

እቲ ኣብ ደባትር ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ መትከላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ (መንግስቲ ክብሃል ዝኽእል ድኣ ኣይኮነን እምበር)፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ትካላት ፍትሒ ዓንገረር ዝበለሉን ዝተጃሃረሉን መትከላት ኢዩ። ሕንኽ ከይበለ ኽኣ ነቲ ሕጊ ባዕሉ ይሓማትሎን ይጥሕሶን ኣሎ። በዚ ድማ ኣሽሓት ዜጋታት ግዳያት ኮይኖም ኣለዉ። ንቑጽሪ ግዳያት ብዝምልከት እቲ ሓመጽ ዘስፈሮ ኣዝዩ ዘባህርር ኣሃዛት ኣሎ።

እቲ ሓመጽ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ 1999 ጥራይ፡ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ (ብቤት ፍርዲ ከይተፈረዱ)፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት መሰል-ውሕስነት ከይተሓለወሎም፡ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ኣብ ፍሉጥ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝተዳጎኑ 8958 እሱራት ነበሩ። ሸሞንተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሸሞንተን ዝብሃል ቁጽሪ፡ ጥዕና ንዘለዎ ሰብ፡ ኣእምሮ ዘስሕት፣ መሰንበድን መባህረርን ኣሃዝ ኢዩ። ክንድ’ዚ ዝኣክል ህዝቢ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ሸላታታት ተዳጕኑ ኔሩ ኢልካ ክትኣምን ኣዝዩ ዘጸግም ኢዩ። እሞ ድማ ኣብቲ ብተዛማዲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት “ደሓን” ዝነበረሉ ግዜ። እቲ ቑጽሪ ግን ዝተሰነዐ ወይ ዝተማህዘ ዘይኮነስ ወግዓዊ ጸብጻብ ትካላት ፍትሒ፡ ብፍላይ ድማ ወግዓዊ ጸብጻብ ናይ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣኽባር ሕጊ ዝሕብሮ ኢዩ። (ንዝርዝር ሓበሬታ ገጽ 16 ናይቲ ሓመጽ ተመልከት።) እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ መንግስቲ ነዞም ብዘይ ሕጊ ዝተቐየዱ ኣሽሓት እሱራት፡ ኣብ 1999 ብዝነበረ ግምት መሰረት ንመግቢ፣ ጥዕናን ካልእን ኣብ ዓመት ልዕሊ 22.6 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ይገብር። እዚ ገንዘብ’ዚ ኣብ ህንጸትን ምዕባለን ሃገር ውዒሉ እንተዝኸውንሲ ክንደይ ቡኮ ምዓበሰ፧

ልዕሊ ኹሉ ዘተሓሳስብ ነገር ግን እቲ ግስሩጥን ዘይሕጋውን ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዘውርዶ ዘሎ በደል ኢዩ። ነቲ ዝገሃስ መሰል ከብርህ እንከሎ እቲ ሓመጽ ከምዚ ዝስዕብ ይብል። መሰል-ውሕስነት ዘይምኽባር ከቢድ ሕጋዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ቀዳማይ ነገር፡ እቲ ጥርጡር ገበነኛ ተባሂሉ ከይተፈርደ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ይግደድ ስለ ዘሎ፡ ነቲ፡ ዝኾነ ሰብ ብፍርዲ ገበኛ ተባሂሉ ቅድሚ ምፍራዱ ንጹህ’ዩ ዝብል ሕጋዊ ግምት ዝጻረር ተግባር ኢዩ። ውዒሉ-ሓዲሩ እቲ ሰብ ብቤት ፍርዲ ነጻ ምስ ዝብሃል’ሞ እቲ ሳዕቤን ዝገደደ ከም ዝኸውን እቲ ሓመጽ ብዘይሕብእብእ ኣነጺርዎ ኣሎ። ብሰር’ዚ ኩሎም እቶም ነቲ ንጹህ ሰብ ብጌጋ ዝኣሰርዎ ሰባት ክኸስሉ ዝኽእሉሉ ኣገባባት ከም ዘሎ ‘ውን ሓበረ። ስለዚ፡ ፖሊስ ንዝኾነ ሰብ ክኣስር እንከሎ፡ ገበን ከም ዝተፈጸመ ክጠርጥር ዝኽእል ብቑዕ መርትዖታት ኣሎ ኢሉ ምስ ኣመነ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ በለ። እቲ ሰብ ምስ ተኣሰረ ‘ውን መሰል ውሕስነትን ካልእን ክኽበረሉ ከም ዝግባእ ኣነጸረ።

እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ቁጽሪ እሱራት ነቶም ብቤት ጽሕፈት ኣኽባር-ሕጊ ብወግዒ ዝፍለጡ፡ ምዝጉባት እሱራት ጥራይ ዝምልከት ድኣ’ምበር፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት (ንኣብነት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ካልእን) ብዘይ ኣፍልጦ ፖሊስ፣ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር-ሕግን ኣብያተ-ፍርድን ተቐይዶም ዝነበሩ ንጹሃት ዜጋታት ዘጠቓልል ኣይኮነን። ድሕሪ መስከረም 2001 እቲ ኣሃዝ ናብ ክንደይ ደይቡ ከም ዘሎ ንጹር ጸብጻብ ክቐርበሉ’ኳ እንተዘይተኻእለ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ድጓናታት ህግደፍ ከም ሳርዲንን ሓሰርን ተሰጊዱ ከም ዘሎ ግን ተወሳኺ መርትዖ ኣየድልዮን። ብርግጽ፡ ኣብ 1999 ክንድ’ዚ ዝኣክል ህዝቢ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ-ማሕቡስ ተዳጕኑ እንተኔሩ፡ ድሕሪ መስከረም 2001 ክንደይ ህዝቢ ተመሊእዎ ይኸውን ኢሉ ኣብ ስላሕ ዝተጸምደ ኣእምሮ መልሱ ጭንቀት ጥራይ’ዩ።

ኣብ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተሳተፉ መርመርቲ ገበን (ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ) ጸቒጦም ዝተዛረብሉ ሓደ መሰረታዊ ጉዳይ ነበረ። ንሳቶም ብምረት ከም ዝሓበርዎ እቲ ቐንዲ ጠንቂ ምብዛሕ ዘይተፈርዱ እሱራት ምስ ምምስራት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተገብረ ዝጋዕዘየ ነገራት ሓደ ምምስራት ናይቲ መሰል-ውሕስነት ይኹን መሰል ጥብቅናን ይግባይን ዘየፍቅድ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኢዩ። ክቱር ናይ ስልጣን ሕሙሕ ዝነበሮም ገለ ጉዳማት ጠበቓታት (“ክኢላታት ሕጊ” ኢና በሃልቲ) ነዚ እከይ ውጥን’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ከመላኽዕዎ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ፡ እቲ ሓቂ ግን ካልእ ኢዩ። ምምስራት ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዘይድምሰስ ጸሎሎ ምዕራፍ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኢዩ። ጉዳዩ በዚ ቤት ፍርዲ’ዚ ዝርአ ዝኾነ ጥርጡር ንውሓት ቆጸርኡ ብዘየገድስ መሰል-ውሕስነት ከይተሓለወሉ ኣብ ቤት ማሕቡስ ኮይኑ ኢዩ ዝጸበ። ኣቶ ጠዓመ በየነ ነዝን ወዲ ኸምዝን ብቕሉዕ ስለ እተቓወመ ኢዩ ብዘይ ሕጊ ካብ መዝነቱ ዝተገለፈ። ካልኦት ድማ ተኣሲሮምን ካልእ በደላት ወሪድዎምን። ኣብ ካልእ ጽሑፍ፡ ጭቡጥ ኣብነት እንዳሃብኩ፡ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጉዳያት እንዳጠቐስኩ፡ ምስ ገለ ካብኣቶም ዝተሓሓዙ ኣነ ባዕለይ ኣብ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ዳኛ ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ዝፈርድዎም ጉዳያት፣ ቁጽሪ መዝገብን ዝርዝር ሓበሬታን እንዳጠቐስኩ ብሰፊሑ ከብርሆ ኢየ። ንሕጂ ግን እዚ ጀሚረዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ቅድም ክውድእ’የ።

እቶም መርመርቲ ፖሊስ ካብ ተሞክሮኦም ከም ዝሓበርዎ መብዛሕትኦም እቶም መሰል-ውሕስነት ተነፊግዎም ኣብ ኣብያተ ማሕቡስ ዝበልዩ ዝነበሩ እሱራት፡ ጉዳዮም ናብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ጥርጡራት ኢዮም። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣነ ‘ውን ብውልቃዊ ተሞክሮይ ዓው ኢለ ዝምስክረሉ ዘሕንኽ ታሪኽ ኢዩ። ኣብ መንደፈራ፣ ሰንዓፈ፣ ደቀምሓረ፣ ባረንቱን ኣስመራን ዘሕለፍክዎ ናይ ስራሕ ተሞክሮ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብማዕዶ ዘይኮነስ ብኣካል ውልቃዊ ትዕዝብታተይ ከሕድር ኣኽኢሉኒ ኢዩ። ንኣተሓሓዛ እሱራትን መሰሎምን ብዝምልከት ብውልቅን ሓላፍነታውን ደረጃ ምስ መርመርትን ኣዘዝትን ፖሊስ ዝተሰሓሓብኩሉ ኣጋጣምታት ኔሩ’ዩ። እዚ፡ ንግዚኡ ንመራጎዲ ኢለ ዘቕርቦ ዘለኹ ደኣ እምበር፡ ንውልቃዊ ተሞክሮይ ብዝምልከትሲ ፍሉይ ኣርእስትን ግዜን ከድልዮ ኢዩ።

ከም’ቲ እቶም መርመርቲ ዝበልዎ ብጉዳይ  ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝቕየዱ ጥርጡራት፡ ክሳብ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡ ከይተውጽዎም ስለ ዝብሃሉ፡ ዋላ ግዜ ይንዋሕ እቶም እሱራት ከይተፈርዱ ኣብዩ ይበልዩ። ገሊኦም መርመርቲ፡ ሓልዮት ብዝመልኦ ኣዘራርባ ክገልጹ እንከለዉ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ትእዛዝ ኮይንዎም ዝፍጽምዎ ዘለዉ ድኣ’ምበር ብዓይኒ ሰብኣውነት ክርአ እንከሎ ዘይተፈርዱ ሰባት ንኣዋርሕ (ሓደ-ሓደ ግዜ ‘ውን ዓመታት) ፍርዶም ከይፈለጡ ኣብ ቀይዲ ክሕዝዎም ኣዝዩ ከም ዘሰክፎም ገለጹ። ወዮ ድኣ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ሰብ ነጻ ክበሃል ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ እምበር፡ ሓደ ሰብ ከም ገለ ነጻ እንተተባሂሉ ናይቲ ብዘይ ፍርዲ ዝተኣሰሮ እዋን ክከሓስ ዝግብኦ ክነሱ ከበር ዝገብረሉ ግን ኣይረክብን። ድሕሪ መስከረም 2001 እቲ ኩነታት ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ኢዩ ከይዱ።

ብሓጺሩ እምበርኣር፡ ኤርትራ ማለት እታ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ቤት ማእሰርቲ ኮይና’ላ ማለት ኢዩ። ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን፡ ዓሊ ዓብዱ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ንላርስ ኣዳክትሶን ዝተብሃለ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ኣብ ዝሃበሮ ቃለ-መጠይቕ ነዝን ካልእ ዘሕዝን ምዕባለታትን ብኣሉ-ቐጣን ሽምጥጥ ኣቢሉ ክሒድዎ። ንዓሊ ግና ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ዝተብሃለ “ትውጋሕ’ሞ …” ጥራይ ኢለዮ ክሓልፍ’የ ንሎሚ።

ብዛዕባ ቁጽሪ እሱራት እዚ ካብ ተባህለ፡ ብዛዕባ ካልእ ከ እቲ ሓመጽ እንታይ በለ፧ ሰብ ካብ’ቲ ብሕጊ ዝፍቀድ ኣገባባት ወጻኢ እንተድኣ ተኣሲሩ፣ ወይ ‘ውን ሕጋዊ መሰል-ውሕስነት እንተተኸልኪሉ፡ መሰሉ ከረጋግጸሉ ዝኽእል ውሑስን ሕጋውን ኣገባብ ከምዘሎ እቲ ሓመጽ ሓበረ። እዚ ማለት ድማ፡ ብዓንቀጽ 416 ደብተር ገበናዊ ሕጊ (Penal Code) መሰረት ነቲ ብዘይ ሕጊ ሰብ ክእሰር ዝኣዘዘ ወይ ‘ውን መሰል-ውሕስነት ዝኸልከለ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትከሶ ከም ዝክኣል ኣመልከተ። እቲ ዝበደለ ሰብ ገበነኛ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ድማ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክበጽሕ ብዝኽእል ማእሰርቲ ይቕጻዕ በለ። ብደብተር ሲቪላዊ ሕጊ (Civil Code) መሰረት ‘ውን ካሕሳ ክኽሕስ ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ።

እምበርኣከስ እዚ ኹሉ ዝተዘርዘረ መሰላት ብሕጊ ካብ ተረጋገጸ፡ ትካላት ፍትሒ ኤርትራ ድማ ዓው ኢለን ካብ መስከራሉስ፡ እንታይ ተረኽበ ድኣ መንግስቲ ነቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ሕጊ ዘየተግብሮ፧ ወይ ድማ ህዝቢ መሰሉ ክሕኽበረሉ ዘይሓትት እንታይ ኮይኑ ኢዩ፧ እቲ ዝሓጸረ መልሲ፡ ስርዓት ህግደፍ ሕግን ልዕልና-ሕግን ዘይፈልጥ፡ ብዊንታ ውልቀ-ሰባት ዝምራሕ ግዕዙይ ስርዓት ስለ ዝኾነ ጥራይ’ዩ። ህዝቢ ድማ ከም’ዚ ዓይነት መንግስቲ ከሲስካ ኣይተስምዖ፣ ጠሪዕካ ኣይትረትዖ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ዋላ ሕጊ ከም ዘሎ እንተለፈጠ ‘ውን ነቲ ሕጊ ይተግበረለይ ኢሉ ክሓትት እምነትን ድፍረትን ስኢኑ። ብሓጺሩ ኣብ ኤርትራ ሕጊ ዘይኮነ ተሳኢኑ ግዝኣተ-ሕጊ ኢዩ ዓዲ ኣርሒቚ።

ኤርትራ ብግዝኣተ-ሕጊ ዘይኮነ ብግዝኣተ-ሰብ ኢያ ትመሓደር። ስለዚሲ እንታዋይ ደፋር ኢዩ’ሞ ንሰበ-ስልጣን ህግደፍ ወይ ጀነራላት ኣብ ቤት ፍርዲ ከሲሱ ክምጉቶም ዝሕልን፧ ንኣብነት ነቲ ዕሉል ጀነራል ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ብመገዲ ፖሊስን ኣኽባር ሕግን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ፡ ብዘይ ሕጊ ክንድዚ መዓልቲ ወይ ክንድዚ ወርሒ ስለ ዝኣሰረኒ ተገፍዑለይ ኢሉ ክኸስስ ዝኽእል በዓል ጥዑይ ኣእምሮ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ከም ዘይክእል ንኹሉ ሰብ ርዱእ ኢዩ። መን ይገብራ ነዚኣ፧ ይትረፍዶ ሎሚ እቲ ቀደም ብተዛማዲ ኩነታት ነገራት ደሓን ኣብ ዝነበረሉ ‘ውን እንተኾነ እዚ ዝክኣል ኣይነኮነን። ከም ገለ ኢሉ ሓደ ደፋር ተረኺቡ እንተገበራ ‘ውን ኣየናይ ፖሊስ፣ ኣየናይ ኣኽባር-ሕጊ፣ ኣየናይ ዳኛ ኢዩ ደፊሩ ነቲ ጉዳይ ክቐርቦ፧ ስለዚ እምበኣር ኣብ ኤርትራ ሕጊ ዘይኮነ ዘየለ ብሕጊ ዝቕየድ መንግስቲ ኢዩ ዘየለ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ህዝቢ ደፊሩ ነቲ እውጅ ሕጊ ክጥቀመሉን ኣብ ግብሪ ከውዕሎን ምስ መንግስቲ ድማ ክጸባጸብን እምነትን ድፍረትን ስኢኑ። ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እምነት ዘየሕደረሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እምነት ስለ ዘይብሉ ኢዩ። ብስነ-ሕጊ (jurisprudence) ከም’ዚ ዓይነት  ተርእዮ ብርሰት ግዝኣተ-ሕጊ ይብሃል። ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዘይብሉ መሬት፡ ሃገርን ህዝብን ብሕጊ ዘይኮነ ብዊንታ ውሑዳት ደቂ ሰባት ወይ ድማ ብዊንታ ሓደ ገበተ፣ ወናኔ-ኩሉን ዕሉልን ውልቀ-መላኺ ኢዮም ዝመሓደሩ። ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ “ዝበለጸት” ኣብነት ናይ ውልቀ-ምልኪ፣ ስርዓት-ኣልቦነትን ብርሰት ግዝኣተ-ሕግን ኢያ። ዝባን-ሕጊ ኢልካ ዝረድኣካ ዘይብልካ፣ ብንጹህካ ንዓመታት ኣብ ድጓና እትሕየረላ፣ ወይ ‘ውን ደሃይ ዘይብልካ እተሓቀላ፣ እትርሸነላ፣ እትቕንጸላን እትቕተለላን ጉዳም ሃገር ኢያ።

እዚ መከራ’ዚ ብኸመይ ከብቅዕ ይኽእል፧ ብዓይኒ ኣህጉራዊ ገበናዊ ሕጊ (international criminal law) እንታይ ተኽእሎታት ኣሎ፧ እዚ ሕቶታት’ዚ ኣብ ዝመጽእ ክፋል ክድሀሰስ ኢዩ።

(ይቕጽል)
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

Last Updated ( Sep 01, 2007 )
 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.