ብርሰት ልዕልና-ሕጊ (ካልኣይ ክፋል) Print E-mail
By ዳንኤል ረዘነ - Aug 17, 2007   


ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ
(ካልኣይ ክፋል)

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ዝተገልጸ፡ እቲ ሓውሲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ሓመጽ)፡ ኣብ ኤርትራዊ ሕግታት ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ብዛዕባ መሰል-ውሕስነት ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ ናብ ኣህጉራዊ መትከላት ሰገረ። ብደረጃ ዓለም ቅቡላት ዝኾኑ መትከላት ፍትሕን ሓርነትን ኣብ ኤርትራ ‘ውን ከም ዝእመነሎም እቲ ሓመጽ ብንጹር ሓበረ። ገለ ካብቶም ቀንዲ መትከላት ዝበሎም፡ መሰል ብሂወት ምንባርን ምንቅስቓስን መሰል ብሕትውናን ከም ዝኾኑ እቲ ሓመጽ ኣነጸረ። እዞም መሰላት እዚኣቶም ብውሑዱ ኣብቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመታት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላትን (Universal Declaration of Human Rights) ካልኦት ኣህጉራውያን ውዕላትን ዝሰፈሩ መሰረታውያን መሰላት ኢዮም። ምንጋስ ግዝኣተ-ሕግን (መስመር ናተይ’ዩ) ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕግን ዝብሉ ኣምራት ‘ውን ንትግባረ መሰል-ውሕስነት ኣገደስቲ ረቛሒታት ምዃኖም እቲ ሓመጽ ከይተማትአ ገለጸ። ምልእ ኣቢሉ ድማ፡ “ኩሉ መሰላት ወዲ ሰብ … ብኣዋጅ ኣብ ዝወጹ ሕግታት ብጽሑፍ ዝሰፈረ ክኸውን” ከም ዘለዎ ኣነጸረ። ብርግጽ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዙ ዝስርሓሉ ዝነበረ፡ መሰረታዊ መሰል ዜጋታት ዘኽብር ዝርዝራዊ ሕግታት ብኸፈር’ዩ። ንሱ ጥራይ እንተዝኽበርሲ ቅዋም’ኳ ከም መሰረታዊ ሕጊ ጥራይ ድኣ’ምበር ብዙሕ ኣይመድለየን! ንኣከባብራ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት  ጥራይ ማለተይ’የ።

ኣብ’ቲ ሓመጽ ብንጹር ከም ዝተጠቕሰ፡ ዝኾነ ሰብ ብዝፍጽሞ በደል ክቕጻዕ እንተኾይኑ፡ ነቲ ዝፈጸሞ ገበን ዝገልጽ ዝተደብተረ ሕጊ ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ። ንኣብነት፡ መራሕቲ ህግደፍ ንኹሉ ኣካይድኦም ባህ ዘይበሎ ሰብ፡ ዝመረጽዎ ጸርፍን ጠቐነን እንተዝነብሉ ‘ውን ከምኡ ብምግባሮም ጥራይ ንጹሃት ሰባት እቲ ዝብሃል ጠቐነን ጸለመን ክለግቦም ኣይክእልን። ንጹህ ኩሉ ግዜ ንጹህ ኢዩ። እቲ ሓመጽ እምበኣር፡ ብዘየማትእ መገዲ ከምኡ’ዩ ዝበለ። ፍሉይነቱ ኣብ ሰነ 2001፡ ማለት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ቅድሚ ወግዓዊ ኣዋጅ ውልቀ-ምልኪ ዝተጻሕፈ ምዃኑ ጥራይ ኢዩ።

ካብቲ ኣብ ደብተር ገበናዊ ስርዓት ኤርትራ ዝተደንገገደ ጽኑዕ መትከላት ብምብጋስ፡ እቲ ሓመጽ ነዚ ዝስዕብ መሰረታዊ ኣዕኑድ ሰብኣዊ መሰላት ብደሙቕ ኣስመረሉ፦

·  ሓደ ጥርጡር (ክሱስ ወይ ቅዩድ) ገበን ምፍጻሙ መረጋገጺ መርትዖ ድኣ ክቐርበሉ ኣለዎ እምበር፡ ንነብሱ ካብ ገበን ነጻ ምዃኑ መረጋገጺ መርትዖ ናይ ምቕራብ ግዴታ የብሉን።

·  ኣንጻር ሓደ ብገበን ዝተጠርጠረ ሰብ መርትዖ ናይ ምቕራብ ግዴታ (burden of proof) ናይ ፖሊስን ናይ ኣኽባር ሕግን (ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ መንግስቲ) ኢዩ።

·  ሓደ ሰብ ንገዛእ-ነብሱ ከወንጅል ዝኽእል ሓበሬታ ከየምሉቚ መሰል ኣለዎ (the right not to self-incriminate)።

·  ንሓደ ጥርጡር ኣብ ምቕያድ፡ መሰል ካልኦት ከይትንከፍ ኣዝዩ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር የድሊ (ሓደ ንጹህ ሰብ ብጌጋ ካብ ዝእሰር ትሽዓተ ገበነኛታት ብጌጋ ነጻ ክልቀቑ ይሓይሽ ዝብል ብሂል ክኢላታት ኣሎ)።

·  ሓደ ሰብ ክሳብ ብቤት-ፍርዲ ገበነኛ ተባሂሉ ዝፍረድ ንጹህ ሰብ ኢዩ (presumption of innocence)።

·  ፖሊስ ገበን ከም ዝተፈጸመ ዘረጋግጽ (ዘጠርጥር) እኹል መርትዖ ከይረኸበ ጥርጡራት ሰባት ክኣስር መሰል የብሉን።

·  ንዝተጸፈመ ገበን ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ናይ ፖሊስ ጥራይ’ዩ።

·  ኣኽባር-ሕጊ ገበን ከም ዝተፈጸመን ፈጻሚኡ ድማ እቲ ተጠርጢሩ ዘሎ ሰብ ከም ዝኾነን ዘተኣማምን መርትዖ ከይረኸበ ክሲ ክምስርት ኣይግባእን።

·  ቤት-ፍርዲ ብዘየጠራጥር መገዲ (beyond reasonable doubt) ዘተኣማምን መርትዖ ከይረኸበ ንዝኾነ ጥርጡር ገበነኛ ኢሉ ክፈርዶ ኣይግባእን።

·  ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ጥርጡር ዝግበር መርመራን ውሳኔን ኩሉ ብግቡእ መስርሕ ሕጊ (due process of law) ክሓልፍ ይግባእ።

·  ምድንጓይ ፍትሒ ማለት ምንፋግ ፍትሒ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ዝኾነ ጥርጡር ስሉጥን ፍትሓውን ፍርዲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክወሃቦ ይግባእ።

·  ዝኾነ ክሱስ፡ ንዝቐረበሉ ገበናዊ ክሲ መከላኸሊ መርትዖ ከቕርብ እኹል ግዜን ዕድልን ክወሃቦ ይግባእ። ናይ ሕጊ ኣማኻሪ (ጠበቓ) ክረክብ ድማ ዘይግሃስ መሰል ኣለዎ (ምስ ተኣስረ ‘ውን ብስድርኡ፣ ፈተውቱ፣ ኣዝማዱን ኣዕሩኽቱን ክብጻሕ፤ መልእኽቲ ክለዋወጥ፣ ክዘራረብ፣ ወዘተ መሰል ኣለዎ)።

·  ዝኾነ ጥርጡር ባዕሉ ወይ ብመገዲ መቕርቡ ወይ ብጠበቕኡ ናብ ቤት ፍርዲ ብኣካል ክቐርብ ናይ ምሕታት ዘይግሃስ መሰል (hebeas corpus) ኣለዎ።

ስለዚ እምበኣር ዝኾነ ሰብ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መሰረታዊ መሰላት ከይተሓለወሉ እንተድኣ ተኣሲሩ፡ ብዘይ ሕጊ ተኣሲሩ ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ዝኣሰሮ ወይ ድማ ክእሰር ዝኣዘዘ ሰብ ድማ፡ ዝደለየ ዓይነት ሰብ ይኹን ቀይዲ በቲኹ ኣሎ ማለት ኢዩ። እቲ ሓመጽ ብንጹር ዝተዛረበሉ ካልእ ጉዳይ ኣተገባብራ ናይ’ቲ ብዝርዝር ዝተገልጸ መትከላትን ምስ መሰል-ውሕስነት ዘለዎ ዘይነጻጸል ርክብን ኢዩ። እቲ መትከላት “ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝሸራረፍ እንተኾይኑ፡ መሰል ዜጋታት ይሕሎ ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን ኢዩ” ብምባል ድማ ንኣገዳስነት መሰል-ውሕሰነት ከም ሓደ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ደጊሙ ብደሚቕ ሕንጻጽ ኣስመረሉ። ቀጺሉ እቲ ሓመጽ ከም’ዚ ዝስዕብ በለ፦

ሓደ ሰብ ሕጊ ክሳብ ዘፍቅደሉ መሰል-ውሕስነት እንተድኣ ተኸልኪሉ፡ ነዚ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዘሎ ዓበይቲ መትከላት ናይ ሕጊ ብምጽራር ወይ ብምግሃስ ብርኡይ መሰሉ ንኽልክሎ ኣለና ማለት ኢዩ … ብጭቡጥ ድማ ኣብ ደብተር ገበናዊ ስርዓት ዘሎ ሕግታት ንጥሕስ ኣለና። ገና ቤት ፍርዲ ገበነኛ ከይበሎ እንከሎ ኣብ ቀይዲ ሒዝናዮ ኣለና። መከላኸሊ መርትዖታት ከይክእብ፣ ናይ ሕጊ ኣማኸርቲ ከይውከስ ግዜን ዕድልን ንኸልኦ ኣለና፣ ወዘተ። ስለ ዝኾነ ኽኣ መሰል-ውሕስነት ምርግጋጽ መሰረታዊ ክስገር ዘይብሉ መሰል ኢዩ።

ኣብዚ ከይተሓጽረ እቲ ሓመጽ ከም’ዚ ዝስዕብ ክብል ቀጸለ፦

መጀመርያ ነገር፡ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኣካላቱ ክትንከፍን ክቕየድን ክፍተሽን ከጉርጎርን ፍቓድ ቤት-ፍርዲ የድሊ። ብዘይ ፍቓድ ቤት ፍርዲ ዝኾነ ይኹን ሰብ ክቕየድ ኣይኮነን ክፍተሽ ይኹን ክትንከፍ ‘ውን የብሉን።

ኣብ ስርዓተ-ሕግና ድማ እቲ ናይ ምቕያድ ስልጣን ንፖሊስ ጥራሕ ዝተዋህበ ስልጣን ኢዩ። ብኻልእ ዝኾነ ኣካል ዝግበር ቀይዲ ብሕጊ ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ተሓታትነት ‘ውን ዘስዕብ ኢዩ።

ዝኾነ ሰብ ብፖሊስ ክቕየድ ዝኽእል ፖሊስ ካብ ቤት ፍርዲ መቐየዲ ፍቓድ ምስ ረኸበ ወይ ፍቓድ ምስ ሓተተ፤ ወይ ድማ እቲ ጥርጡር ውዑይን ሓውሲ ውዑይን ገበን (flagrant offences) ክፍጸም ኢድ ብኢድ ምስ ተሓዝ ጥራይ ኢዩ።

ብድሕር’ዚኸ እቲ ሓመጽ እንታይ በለ፧ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ክግለጽ ኢዩ።

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.