|
ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ (ቀዳማይ ክፋል)
ኣብ ጕንበት 2001 ኢዩ። ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ኣቶ ጠዓመ በየነ ናብ ኩሎም ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ፣ ደያኑ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከልን ደያኑ ንኡሳን ዞባታት ማእከልን ሓደ ዘዋሪ መልእኽቲ (“ሰርኩላር”) ሰደደ። ህግደፍ ነዛ “ሰርኩላር” እትብል ቃል ኣዝዮም ኢዮም ዝፈትውዋ፤ ልዕሊ ሕጊ ድማ ኣዘውቲሮም ይጥቀሙላ። ንሰርኩላራት ልዕሊ ሕጊ ይምዘዝዎን የኽብርዎን፤ ብፍላይ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፣ ቤት ጽሕፈት ዞባዊ ምምሕዳራት፣ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ሚኒስትሪ ምክልኻልን እንተኾይኑ። ኣብ’ዚ ቐረባ ዓመታት ድማ ካብ ቤት ጽሕፈት “ዞባዊ ስርሒታት” እንተኾይኑ ሰርኩላር ልዕሊ ዝኾነ ሕጊ ዝጸንዐ ሓይሊ ኣለዎ። ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነ፡ መርኣያ ውጹእ ምልካዊ ስርዓት ብዝኾነ ሰርኩላርን ናይ ቃል ትእዛዛትን ኢያ ትመሓደር ዘላ። በቃ! ናይ ዳኛ ጠዓመ በየነ ግን ካብ’ቲ ልሙድ ሰርኩላራት ፍልይ ዝበለት ነበረት። ንዕለት 05ን 06ን ሰነ 2001 ኣገዳሲ ሃገራዊ ዓውደ-መጽናዕቲ ክህሉ ስለ ዝኾነ፡ ዝገደፍኩም ገዲፍኩም ኩሉኹም ደያኑ ተሳተፉ ዝብል ጻውዒት ሒዛ ነበረት። እቲ ጻውዒት ኣብ ኩሉ ዞባታት ኤርትራ ናብ ዝነበሩ ደያኑ ‘ውን ከም ዝተላእከ እዝክር። ኣብ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ሰባት ሓደ ብምንባረይ ዝኽሪ’ቲ እዋን ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣእምሮይ ደሚቕ’ዩ ዘሎ። ይዋእዩ! ዳኛ ጠዓመ በየነ፡ ነቲ ዘዋሪ መልእኽቲ ክጽሕፍ እንከሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ “ሓለንጊ ሰውራ” ከተርክቦ ምዃና ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮኡ ዝነበረ ኣይመስልን። ዝኾነ-ኾይኑ፡ በቲ ዝተመሓላለፈ ሰርኩላር መሰረት ኣብ ኣደራሽ ፖሊስ ኤርትራ (ኣጂፕ) ሓደ ሰፊሕ ዓውደ-መጽናዕቲ ተኻየደ። ብዓይነቱን ትሕዝቶኡን ኣብ ኤርትራ ብዝገደፎ ታሪኻዊ ኣገዳስነትን ናይ መጀመርታ ነበረ። ኣብዛ ሃገርሲ ፍትሒ ግዲ ክፍረድ ኢዩ ዘይበለ ሰብ ድማ ኣይነበረን። ያኢ! ሽዑስ ኤርትራ ብተዛማዲ ዓዲ ሕግን ስርዓትን እንድያ ትሕሰብ ዝነበረት፤ እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ደያኑ፣ ጠበቓታት፣ ኣኽበርቲ ሕግን ፖሊስን ዘጠቓለለ ድማ ነበረ። እቲ ኣደራሽ ብተሳፍቲ ግጥም ኢሉ መሊኡ ነበረ። ኣብ ትካላት ምምሕዳር ፍትሒ ኤርትራ ኣለዉ ዝብሃሉ ዓንተራት፡ ካብ ሚኒስተር ፍትሒ ወ/ሮ ፎዝያ ሓሽም ጀሚርካ ክሳብ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ፡ ኣቶ ጠዓመ በየነ፣ ከምኡ ‘ውን ዋና ኣሕባር-ሕጊ ኣቶ ሙሳ ናይብ፣ ኣዛዚ ፖሊስ ኤርትራ ብሪጋዴር ጀነራል ሙሳ ራብዓ፣ ክልተ ኮሎኔላት ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ (ሓደ ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ገበን፡ ሓደ ድማ ሓላፊ ክፍሊ መርመራ ገበን - ኣስማቶም ክዝከር ኣይተኻእለን)፣ ናይ ሽዱሽተአን ዞባታት ኣብያተ ፍርዲ ፕረዚደንትታት፣ ናይ ኩለን ዞቦታት ኣኽበርቲ ሕጊ፣ ናይ ኩለን ዞባታት ኣዘዝቲ ፖሊስ፣ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ደያኑ፣ ኣኽበርቲ ሕግን መርመርቲ ፖሊስን፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣስመራ ዝመደበሮም ሓያሎይ ጠበቓታት ዘጠቓለለ ነበረ። ምናልባት ‘ውን ከባቢ ሚእቲ ገጹ ክግመት ዝኽእል ተሳታፊ ነበረ። ኣብ’ቲ ዓውዲ-መጽናዕቲ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ርሱን ክትዓት ተኻየደ። እቲ ዘተን ክትዕን ንዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ተባሂሉ ብቤት ጽሕፈት ኣኽባር-ሕጊ ኣብ ዝተዳለወ ሓውሲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ (ድሕሪ ደጊም “ሓመጽ” እንዳበልኩ ክውከሶ’የ) ዘተኮረ ነበረ። ኣብ’ዚ ናተይ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ካብ ዘሎ ገለ-ገለ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ሓመጽ መሰረታዊ ለውጢ ከይተገብረሉ ከከም ኣድላይነቱ ናይ ፊደላት፣ ቃላትን ካልእን መአረምታ ተጌሩሉ ቀሪቡ ኣሎ። ኣብ’ቲ ሓመጽ ዘይተጠቕሰ ኣብ ደባትር ገበናዊ ሕግን ገበናዊ ስርዓትን (Penal and Criminal Procedure Codes) ዝርከብ መሰረታውን ሰብኣውን መሰላት ‘ውን ባዕለይ መሊአሉ ኣለኹ። ኣብ’ቲ ሓመጽ ሰፊሩ ዘሎ መትከላት ከምኡ ‘ውን ኣብ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብብዙሓት ውፉያት፣ ቅኑዓትን ፍትሓውያንን ዜጋታት ዝተኻየደ ርሱንን ሓልዮታውን ክትዓት፣ ምስ ኩለንተናዊ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ካብ ዝኽሪ ሂወተይ ፈጺሙ ኣይክሃስስን ኢዩ። ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ንዘስተብሃለ ሰብ ግን፡ እዛ ሃገር እዚኣ ዘይምሕር ጋኔን (አረ ናይ ጋኔናት ኩሎም ጋኔን ወይ ድማ “ሓለቓ ኣጋንንቲ”) ሰሪርዋ ከም ዘሎ ቁልጭ ኢሉ ክርኣዮ ይኽእል። ኢሂ፧ ብኸመይ፧ ስለምንታይ፧ ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣብዚ ተኸታታሊ ጽሑፍ’ዚ ብሰፊሑ ክዝተየሎም ኢዩ። እምበርኣከስ ከምቲ ኣብቲ ሓመጽ እተገልጸ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ብዛዕባ መሰል-ውሕስነት እሱራትን ኣተገባብርኡን (right to bail) ኣብ ሞንጎ ዝምልከቶም ትካላት ፍትሒ ዘተን ክትዕን ንምክያድ ነበረ። መሰል-ውሕስነት ማለት፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ሓደ ሰብ ብገበን ተጠርጢሩ ምስ ተኣስረ፡ ከከም ኩነታት ገበኑ፡ ካብ ቀይዲ ብዋሕስ ክልቀቕ ዘኽእሎ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ማለት’ዩ። ብቓላት ናይ’ቲ ሓመጽ፡ ዕላማ ናይ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ፦ 1. መሰል ውሕስነት ዘይምርግጋጽን ኣሉታዊ ጽልውኡን ሳዕቤኑን፣ 2. ኣብቲ ነዚ መሰል’ዚ ዘረጋግጽ ደብተር ገበናዊ ስርዓት (Criminal Procedure Code) ዘሎ ሓደ-ሓደ ሃጓፋት ናይ ሕጊ ብኸመይ ይመሓየሽ፣ 3. ኣብ ግብራዊ ስርሓትና ዘጋጥሙን ከጋጥሙ ዝኽእሉን ናይ ኣረኣእያን ኣረዳድኣን (ኣተረጓጉማ ናይ ሕጊ) ዘሎ ፍልልያት ብኸመይ ይጸብብን ይወሃሃድን ኣብ ክትዕን ዘተን ንምብሳሉን ናይ ሓባር መረዳዳኢ ቋንቋ ወይ ቅጥዒ ንምፍጣርን ኢዩ።
እቲ ሓመጽ ቀጺሉ፡ ዓውደ-መጽናዕቲ ክግበር ዝተደልየሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጽሪ ናይቶም ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ቅዩዳት ኣዝዩ ብዙሕን ዘሰክፍን ብምዃኑ፣ እቲ ቁጽሪ ድማ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳወሰኸ ይኸይድ ብምንባሩ፣ ህጹጽ ፍታሕ ድማ ስለ ዘድልዮን’ዩ ክብል ኣመተ። ቃል-ብቓሉ፡ እቲ ጸገም “ዘሰክፍን ዕቱብ ቆላሕታ ክግበረሉ ዝግብኦ”ን ምዃኑ ድማ እቲ ሓመጽ ገለጸ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ንሰጋገረሉ ዘሎና እዋን ብምዃኑ … ኣተሓሕዛና ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝያዳ ዕቱብ ክገብሮ ኢዩ” ክብል ሓበረ። (ይቕጽል)
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
|