(ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል)
ባህለት ዝባን-ሕጊ እንደገና
ናብቲ ዝባን-ሕጊ ዝብል ባህለት ምልስ ኢልካ ቀውታ ዘድልዮ ሓደ መሰረታዊ ነጥቢ ኣሎ። ባህለት ናይ ሓደ ቃል ንምፍላጥ ተፍተሽ ዘካይድ ሰብ መጀመርታ ብመዝገበ-ቓላት ኢዩ ዝጅምር። ኣነ ‘ውን መጀመርታ ዝተወከስክዎ፡ እቲ ኣብ 1999 ብተክአ ተስፋይ እተሰናደወ፡ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ድማ እተሓትመ ዘመናዊ መዝገበ-ቓላት ትግርኛ ኢዩ። ከም ትምኒተይ ግን ዝባን-ሕጊ ዝብል ኣምር ከም እታው (entry) ኣብቲ መዝገበ-ቓላት ኣይረኸብኩዎን። ብዝኾነ ይኹን መልክዕ፡ እንተስ ከም መሰረታዊ-ቓል፣ እንተስ ከም ጫለዳ-ቓል፣ እንተስ ከም ድርብ-ቃል፣ እንተስ ከም ሓረግ ፈጺሙ ኣይተጠቕሰን። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ እቲ መዝገበ-ቓላት ኣብ ድሕረ-ናጽነታዊት ኤርትራ ብውልቀ-ሰባት ካብ ዝተዓመሙ ዓበይቲ ዕዮታት ሓደ ምዃኑ ዓይንኻ ዝሕስየሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ብዛዕባ ብልጫታትን ሕጽረታትን ናይቲ መዝገበ-ቓላት ብመልክዕ ሓፈሻዊ ገምጋም ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ዝብሎ ብዙሕ ነገራት ክህልወኒ ኢዩ። ንግዚኡ ግን ብዛዕባ ባህለት ዝባን-ሕጊ ዘለኒ ነቐፌታ ምስ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ብምዃኑ ገለ ትዕዝብታት ኣስፊረ ክሓልፍ።
ባህለት ዝባን-ሕጊ ኣብቲ መዝገበ-ቓላት ዘይምጥርናፉ ኣቓልቦ ዝስሕብ ነገር ኢዩ። እቲ ጉዳይ፡ ብኽልተ ገጽ ክጥመት ይክኣል። በቲ ሓደ ወገን፡ ኣቶ ተክአ ተስፋይ ብዘይ ምስትውዓል ዝረስዖ ነገር ክኸውን ይኽእል። በቲ ኻልእ ድማ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ተፈልጠ ጉዳይ ኮነ-ኢልካ ከም ዝግለፍ ተጌሩ ክኸውን ይኽእል። እዚ ዳሕረዋይ ሓሳብ እቲ ዝተሓተ ተኽእሎ ዘለዎ ክኸውን ‘ውን ይኽእል። ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ፍጹም መደምደምታ ክብጻሕ ዝክኣል ኣይኮነን። እቲ ቀዳማይ ግምት ቅኑዕ እንተዝኸውን ግን ዝበለጸ ምኾነ። እንተ በዚ እንተ በቲ፡ እቲ ግድፈት ዓቢ ሃጓፍ ዝኸፈተ ይመስል። ምስ ከርሰ-ነገር ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ጸገም ብምግጥጣሙ የስደምም። ቀውታ ክስሕብ ድማ ግድን ኢዩ። ኣብቲ መዝገበ-ቓላት ዝባን-መንግስቲ ዝብል ሓረግ ምስ ዝባን-ሕጊ ዝመሳሰል ባህለት ተዋሂብዎ ኣሎ። ዝባን-መንግስቲ ዝብል ሓረግ፡ ከም’ቲ ኣቶ ተክአ ኣብ ገጽ 782 ገሊጽዎ ዘሎ፡ ትርጉሙ፦ “ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ወይ ልዕሊ ገዛእ ርእሲ በደል ከይፍጽም፡ ከየጥቅዕ ወይ በደል እንተ ፈጸመ ድማ ብሕጊ ተሓታታይ ምዃኑ ንምዝኽኻር ዚብሃል ናይ ክሲ ቓል” ኢዩ።
በዚ መለክዒ’ዚ ክርአ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ዝባን-መንግስቲ ተጢሚሩ ዘሎ ባህለት ኣብ ዝባን-ሕጊ ‘ውን ክጥመር ዝኽእል ትርጉም ኢዩ። ብልምዲ ‘ውን እዚ ክልተ ሓረጋት’ዚ ብተለዋዋጥነት (interchangeably) ይዝውተር ኢዩ። ገሊኡ ሰብ ብሃውሪ ዝባን-መንግስቲ ዝብል ሓረግ ክመርጽ እንከሎ፡ ገሊኡ ‘ውን ብተመሳሳሊ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ንሓደ ዓይነት ዕላማ ዝባን-ሕጊ ዝብል ሓረግ ክመርጽ ይኽእል። ብዛዕባ’ዚ ክትዕ’ዚ ዝቕጽል ዝርዝራዊ ትንተና ንኽኢላታት ልሳንያት (linguistics) ከምኡ ‘ውን ንኽኢላታት ምድላው መዝገበ-ቓላት (lexicography) ዝግደፍ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ግዚያዊ መደምደምታ ግን ክብጻሕ ይክኣል ኢዩ። ዝባን-ሕግን ዝባን-መንግስትን ብኣቃውማ ፊደላትን ፎነቲካን በበይኑ ክነሱ፡ ብትርጉም ግን ተመሳሳሊ ወይ ሕደ ኢዩ። ከምዚኦም ዝበሉ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎም ቃላት፣ ሓረጋት፣ ወይ ኣምራት (synonyms) ኣብቲ መዝገበ-ቓላት ኣዝዮም ብዙሓት ኣለዉ። ኣብ ከምኡ ዓይነት ኩነታት፡ ኣቶ ተክአ ኣዘውቲሩ ዝተጠቕመሉ ሓደ ኣገባብ ኣሎ። በዚ ዝስዕብ ኣብነት ክበርህ ይክኣል።
“ትሊ” ንዝብል ቃል ክትርጉሞ እንከሎ፡ ባህለቱ ምስ “ኣንትሊ” ተመሳሳሊ ምዃኑ ንምሕባር፡ “ኣንትሊ ርአ” ይብል ኣቶ ተክአ (ኣብ ገጽ 460)። ብተመሳሳሊ፡ “ሜለ” ምስ “ቱፋሕ”፣ “ሞደሻ” ምስ “መዶሻ”፣ “ቅሳር” ምስ “ቅርፍቲ”፣ “ባህለት” ምስ “ትርጉም” ወይ “ማለት”፣ “ትሕዳር” ምስ “ሓዳር”፣ “ትያትሮ” ምስ “ትያትር”፣ “ዝንግባባ” ምስ “ስየ”፣ “ዝዖታ” ምስ “ዘራፍ”፣ ወዘተ… ተመሳሳሊ ትርጉም ከም ዘለዎም ኣብ ዝተፈላለየ ገጻት ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ኣብ’ቲ መዝገበ-ቓላት ዝሰፈረ፡ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዎ ቃላት ወይ ሓረጋት፡ ግን ክኣ ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኣገባብ ብተነጻጻሪ መልክዕ ዘይተቐመጠ ብዙሕ ኣሎ። ንኣብነት “እንቢ”ን “ዕጭ”ን ዝብል ክልተ ቓላት ምጥቃስ ይክኣል። እዚ፡ ከምቲ ኣቶ ተክአ ኣብ “መእተዊ” ሓቢርዎ ዘሎ፡ እቲ መዝገበ-ቓላት ብዙሕ ነገር ከም ዝጎድሎ ይእምት።
ኣብ ትሕቲ “ሓገገ” ዝብል መሰረታዊ-ቓል፡ ብኣጠቓላሊ 28 ጫሌዳ-ቓላትን ሓረጋትን ጨሊዱን ተተርጕሙን ይርከብ። ኣብ’ቲ “ዝባን” ዝብል መሰረታዊ-ቓል ‘ውን 5 ጫሌዳ-ቓላት ወይ ሓረጋት ጨሊዱን ተተርጕሙን ኣሎ። “ዝባን-ሕጊ” ዝብል ኣምር ከም ነብሱ ዝኽኣለ እታው’ኳ እንተዘይተብሃለ፡ ከም ናይ ሓዲኡ ጫለዳ-ቓል (ወይ ናይ “ሓገገ” ወይ ናይ “ዝባን”) ክኣቱ ነበሮ መሰረታዊ ኣምር ኢዩ። እዚ ካብ ዘይኮነ፡ ኣብ’ቲ ንዝባን-መንግስቲ ዝተዋህበ ባህለት፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ካልእ ኣምራት ዝተገብረ “ዝባን-ሕጊ ርአ” ክብሃል ነበሮ። እዚ ኣብነታት’ዚ ከም ዘብርሆ፡ ተወራራሲ ወይ ተመሳሳሊ ባህለት ዘለዎም ብዙሓት ኣምራት ኣብቲ መዝገበ-ቓላት ብብዝሒ ከም ዝጥቀሱ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ እምበኣር ትርጉም ዝባን-ሕጊ ‘ውን ምስ ዝባን-መንግስቲ ዝዛመድ ወይ ዝመሳሰል ትርጉም ከም ዘለዎ ወይ ድማ ብኣንጻሩ ክግለጽ ዝነበሮ መሰረታዊ ባህለት ኢዩ። እዚ ኣይተገብረን። ብሰር’ዚ ድማ ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ኣምራት ቋንቋ ትግርኛ ካብቲ መዝገበ-ቓላት ተሸርበ። ተስፋ እገብር ኣቶ ተክአ ተስፋይ ነዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ግድፈታት ኣብቲ ዝስዕብ ሕታም ናይቲ መዝገበ-ቓላት ክእርሞ። ሓደ እዋን ሳልሕ የኑስ ከም ዝሓበሮ፡ ምስንዳእ መዝገበ-ቓላት ብሓደ ሰብ ጥራይ ክዕየ ዝኽእል ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ግናኸ ኣቶ ተክአ ተስፋይ ዘንቀዶ ተበግሶን ዛጊድ ዓሚምዎ ዘሎ ዕዮን መዳግርቲ ዘይርከቦ ምዃኑስ ብዓል ስሑው ቀልቢ’ኳ ኣይስሕቶን።
እንተዀነ ግን፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ዓንቀጽ’ዚ ዝተዘርበሉ ዝሰፍሐ ትርጉም ዝባን-ሕጊ (እቲ ልዕልና-ሕጊ ዝብል ኣተረጓጉማ) ኣብ’ቲ “ዝባን-መንግስቲ” ዝብል ኣምር ዘይኮነስ ኣብ’ቲ “ዝባን-ሕጊ” ዝብል ክጥርነፍ እንከሎ’ዩ ዝንተ-ሞጎታዊ ተቐባልነት ዝህልዎ። ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ዝተባህለ ግድፈት ዋላ’ኳ ብዘይ ምስትውዓል ዝተገብረ ነገር ክኸውን ዝኽእል እንተኾነ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ ነጊሱ ዘሎ ስርዓት-ኣልቦነት ምግጥጣሙስ ኣይተረፎን። እዚ ማለት፡ ምግጥጣም ሕልናን ግብርን ናይ ኣሰናዳኢ ዝፈጠሮ ጸገም’ዩ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ድቦላዊ ናይ ግዜን ታሪኽን ምግጥጣም ዝፈጠሮ ተረኽቦ’ዩ እንተተብሃለ ይቐልል። ኣብዚ ነጺሩ ዝረአ ሓደ ነገር ኣሎ -- ብኵራት ናይዚ ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ኣምር (ዝባን-ሕጊ) ካብቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝዓበየ ዘቤታዊ መዝገበ-ቓላት። እዚ ብኵራት’ዚ፡ ብናይ ግዜን ታሪኽን ኣጋጣሚ ምስ’ቲ ኣብ ኤርትራ “ነጊሱ” ዘሎ ገስረጥ መንግስትን ብዕልግንኡን ተነጻጻሪ ኰይኑ ማዕቢሉ ኣሎ። ኤርትራ፡ ብግብሪ ጥራይ ዘይኮነ ብባህለት ደረጃ ‘ውን ኣብቲ ዝዓበየ መዝገበ-ቓላታ ልዕልና-ሕጊ ከም ዘይትልጥ ኣመስኪራ። ናብ ከምዚ ዓይነት ሃገር ምቕያራ ኣዝያ ከብድኻ ትበልዕ።
ትሕዝቶ፣ ኣድህቦን ቀጻልነትን ዓምዲ ዝባን-ሕጊ
ከም’ቲ ስሙ ዝሕብሮ ኣብ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ዘቕርብ ጽሑፋት ናብ ሕጊ-ጠቀስ ኣርእስታት ዝሰፈለ ክኸውን ልዑል ተኽእሎ’ኳ እንተሎ፡ ብዘተኻእለ መጠን ግን ንኹሉ-መዳያዊ ኣበሳታት ሃገር ክትንክፍ ክፍትን ኢዩ። ካብ ፖለቲካዊ ክሳብ ማሕበራዊ፡ እንተተኻእለ ‘ውን ክሳብ ካልእ መዳያት ሂወት፣ ሕብተሰብን ሃገርን ብምምጥጣር ንመሽጎራጉር ዓመጽ ጎርጕሩን በታቢቱን ክትዕ ከተባብዕን እሂን-ምሂን ከበሃህልን ክህቅን ኢዩ። እዚ ዓምዲ’ዚ፡ ሰሙናዊ ወይ ክኣ ከከም ኩነታቱ ክልተ-ሰሙናዊ ክኸውን መደብ ኣለዎ። ዝቐርበሉ መዓልታት ዓርቢ-ዓርቢ ኢዩ። ዘአንግዶ ጽሑፋት ድማ ብዝተኻለ መጠን ንኹሉ ጽፍሕታት ኣንባቢ ብዘዕግብ ኣቀራርባ፡ ኩሉ ሰብ ድማ ክርደኦ ብዝኽእል ቅልል፣ ምምቕልን ምጥንን ብዝበለ ዋሕዚ ክቐርብ ክፍተን ኢዩ። ግዜን ኩነታትን ኣብ ዘፍቅደሉ ግጥምታት ‘ውን ክሕውስ ኢዩ። እዋናዊ ዛዕባታትና ንኹነታት ሃገር ዝምልከት ምዃኑ ዘይከሓድ ነገር ኢዩ። ካብኡ ናብኡ ድማ ኣብ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ዕምበረ ኢና ዘለና። ሳናቡእና ቅያር ንፋስ ምእንቲ ክረክብሲ፡ ሓድ-ሓደ ግዜ ካብ ፖለቲካ ውጽእ ዝበለ ኣርእስታት ክድሰስ ኢዩ፤ ይክኣል ድዩ ኣይክኣልን ግን ምስ ግዜ ክርአ’ዩ።
ለቕሓ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ
ዓምዲ ዝባን-ሕጊ፡ ሕጂ ዝተማህዘ ስም ወይ ዓምዲ ኣይኮነን። ከምኡ ጌርካ ከተቕርቦ ምፍታን ሸፈጥ ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ከምኡ ክመስል የብሉን። ኣብ መፈለምታ ናይዚ ኣቲናዮ ዘለና መዋእል ካብ ዝተቖጽያ ጋዜጣ ብሕቲ ሃገርና ሓንቲ ቀስተ-ደበና ነበረት። ሓደ ካብ መስረትትን ምክትል ኣሰናድእን ናይታ ጋዜጣ፡ መማህርተይ፣ መሳርሕተይን ዓርከይን መድሃኔ ሃይለ ሂወት ዝኸፈለላ ጋዜጣ ኢያ። እታ ጋዜጣ ተቕርቦም ካብ ዝነበረት ተፈተውቲ ዓምድታት ሓደ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ነበረ። እዚ ዓምዲ’ዚ እምበኣር ናይ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና እምበር ናተይ ኣይኮነን። እንኮ ዕላምኡ ድማ ዝኽሪ ኢዩ፤ ዘይሃስስ ዝኽሪ!
እቲ ወትሩ ዘሕነቕንቐኒ ዝኽሪ ሕጂ ‘ውን ን“ስብእነተይ” ተፈታቲኑ ንቕርኒብ ኣዒንተይ ብቑጽር-ጻር ንብዓት ከጨቁ ህርዲግ ይብል ኣሎ። ዘይሃስስ ዝኽርስ ከምዚዶዀን ይኸውን፧ እቲ ዝኽሪ መሊሱ መታን ክደምቕ፡ ኣብ 1 ታሕሳስ 1999፡ ኣብ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ተሓቲሙ ካብ ዝወጸ ጽሑፈይ ቁንጭል ኣቢለ ክጠቅስ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብቲ ብመድሃኔ ሃይለ ዝተጻሕፈ ብሉጽ ጽሑፋት ኣብ ኢደይ ዝሓዝከዎ ቅዳሕ የብለይን። እዚ ንሕልናይ ሕርኽ-ርኽ ይብሎ ኣሎ። ካብ ትም ግን ገለ ምባል ስለ ዝሓይሽ፡ እዚ ዝስዕብ እጠቀስ፦
ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ካብቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኣብ ናይ መጀመርያ ሕታማ ዝወጸ ርእሰ-ዓንቀጽ ኣስፊራቶ ዘላ ጽሑፍ ቁንጥር ኣቢለ ብምጥቃስ ጽሑፈይ ክዛዝም። “ከምቲ ቀስተ-ደበና ብዝተፈላዩ ሕብርታት ወቂቡ ዝወጽእ፡ እዛ ጋዜጣ እዚኣ ’ውን ዝተፈላለየ ሓበሬታታት (ርእይቶታት፣ ሓሳባት … ) ብማዕረ ኣሰንያ ክትወጽእ ብምእማን ቀስተ-ደበና ዝብል ስም ተጠሚቓ ትብገስ ኣላ” ዝብል ጽሑፍ ኣስፊራ ኔራ።
እዚ ቓላት’ዚ፡ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ቀዳማይ ዓመታ ኣብ ዝጸንበለትሉ እዋን፡ ናይታ ጋዜጣ ናይ ባዕላ ቓላት ጠቒሰ፡ ንኣሰናዳእታን ነታ ጋዜጣን ደገፈይ ክገልጽ ዝጸሓፍክዎ መልእኽቲ ነበረ። እቲ ሽዑ ብኢድ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ክሳብ ሕጂ ምሳይ ምጽንሑ ዘይኮነ ዘገርመኒ ዘሎስ ስለምንታይ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀስተ-ደበና ከይደ ከም ዝኣርነብክዎ ኢዩ ዘስደምመኒ። እቲ ሕቶን መልስን ንግዜ ገዲፈዮ ኣለኹ። እቲ ጋዜጣ ቀስተ-ደበናን ካልኦትን ዝተመነየኦ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ሓርነትን ምስኡ ተዛሚዱ ዝኸይድ መሰረታዊ መሰላትን ግን ንምሸቱ ኣብ ኤርትራ ክረጋገጽ ምዃኑ ክንዲ ፍረ-ኣድሪ ዝኸውን ጥርጥር የብለይን።
ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝኽሪ መብጽዓ ኣሎ፤ ንዝተኸንበለ ጽዋእ ፍትሒ ከቕንዕ ዝቃለስ መብጽዓ! ካልኦት ብዙሓት ‘ውን ምስ ወጽዓ መድሃኔ ፍጹም ተመሳሳልነት ብዘለዎን ብዘይብሉን ናይ ታሪኽ ድቦላ ኣስካሕካሒ በደልን ግፍዕን ወሪድዎም’ዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ዓዋተ.ኮም ዝቕጽል ዘሎ ዓምዲ እምበኣር ንዝኽሪ ኩሎም ኢዩ። ነቲ ንሳቶም ዝጀመርዎ ንቕሎ ኣብ ፍጻመ ከብጽሕ ይሕልን። እዚ ዘይጥለም መብጽዓ’ዩ። ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ነዚ ቅዱስ መብጽዓ’ዚ ከተግብር ድቃስ ክስእን ኢዩ። ደገፍ ኩሉ ፈታው-ፍትሒ ከም ዘይፍለዮ ድማ ይተኣማመን።
እምበኣርከስ እዚ ናይ ሕጂ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ንዝተጀመረ ነገር’ዩ ዝምልእ ዘሎ እምበር ሓድሽ ንቕሎ ኣይኮነን። እዚ ዓምዲ’ዚ እድያት ጅሙር ማእለማ ኢዩ። ንዝዞረት መፍተል መሊስካ ምፍታላ፣ ምንሃራ፣ ምሕናናን፣ ምሕናባባን ድኣ’ዩ’ምበር ንዘይዞረት መፍተል ካብ ባዶ ምፍታል ከም ዘይኮነ ብንጹር እንተተፈልጠ ሰናይን ሓላልን ኢዩ። እታ መፍተል’ያ ዙረታን ዑደታን ትቕጽል ዘላ። ካብቲ ፈኵስ ጡጥ፡ ቅጥንን ፋእምን ምድላዋ ክትቅጽል’ያ። ክራማት ሓሊፉ ቀውዒ ኣብ ዝኣትወሉ ድማ፡ ካብቲ ፋእሚ ቅጭን፣ ካብ’ቲ ቕጥኒ ጋብን ኩታን ክእለም ኢዩ። “ዓዀኻይ-ዓዀኻይ! ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ! ገዓት ጠስሚ እቶ!” ኣብ ዝብሃለሉ እዋን፡ ክልተ ደንበታት ክህሉ ኢዩ። ኣብቲ ሓደ ደንበ፡ እቡሻትን ሰብ-ልሙስ ሕልናን ብሕንከት ኣብራኾም ዝርዕደሉ፡ ኣንጉዖም ዝመከሉ ጓህሪ-ስዕረት ኣጕዶም ብቐዝሒ ከንቀጥቅጡ ኢዮም፤ እቲ ዘየምውቕ ጓህሪ ድማ በይኖም’ዮም ክስሕንዎ። ኣብቲ ሓደ ደምበ ግን፡ ሰብ-ጽኑዕ መትከል ደናድስ ልባቶም ባህታ ክከዓዎ ኢዩ። ኣብቲ ኣደራሾም ድማ ዘይትቕህም ሽግ ሓርነት ንዘልኣለም ክትኩላዕ ኢያ። እዚ’ዩ እቲ እንኮ ምንጪ ተስፋ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ!
ኣብ ዝመጽእ ቅንያት ዝቐርብ ተኸታታሊ ጽሑፍ፡ “ብርሰት ልዕልና-ሕጊ፡ ጠንቂ ኹሉ ኣበሳ ኣብ ኤርትራ” ዝብል ክኸውን ኢዩ።
ክሳብ ሽዑ ሰላም ቅነ።
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it