ሓድሽ ምልክት "ምዕባለ" ኤርትራ (ካብ እንግሊዘኛ ዝተተርጎመ) Print E-mail
By ብፕሮፈሶር ሃብቱ ገብረ-ኣብ - Jul 03, 2007   
ፈራህ - "ሓደጋ ዶ ኣለዎ ?” ኢሉ ይሓትት
ተበላጺ - "ቅቡል ፖለቲካ ድዩ ?" ኢሉ ይሓትት
ተጀሃሪ - "ህቡብ ነገር ድዩ ?" ኢሉ ይሓትት
ሕልና ዘለዎ ግና- “ቅኑዕ ነገር ድዩ ?" ኢሉ ይሓትት

ሓደ ሰብ መትከሉ ከነጽር ኣብ ዝግደደሉ እዋን ድማ እቲ ነገር ሓደገኛነት ሰለዘለዎ ወይ ቅቡልነት ናይ ፖለቲካ ሰለዘለዎ  ወይ’ውን ህቡብነት ሰለዘለዎ ዘይኮነስ: ቅኑዕ ነገር ምዃኑ ተረዲኡ መትከሉ ከነጽር ይግባእ።" ማርቲን ሉተር ኪንግ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ደብዳበ ካብ ኤርትራ በጺሓትኒ። ብዙሕ ግዜ ደብዳበ ቅድሚ ምኽፋተይ ነቲ ቴምብር ይርእዮ እየ። እቲ ኣብዛ ደብዳበ ዝነበረ ቴምብር ድማ ንኣቓልቦይ ኣዝዩ ሰሓቦ። ቴምብር ናይ ሓንቲ ሃገር ህሉው ኩነታት ዝገልጽ፣ እታ ሃገር እትኸዶ ዘላ ኣንፈት ዝእምት፣ ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኻን ቅርሳን ዝዛረብ፣ ዝጨበጠቶም ዓበይቲ ዓወታት ወይ ድማ ክትበጽሖም እትደሊ ባህግን ሕልምን ናይ ሓንቲ ሃገር ጽሙቕ ኣቢሉ ዝሕብር፣ ምልክት ሓበን ዝኾነ ሓያል ናይ ስነ ጥበብ መሳርሒ እዩ። ረክላም ንመሸጣ ዝተዳለወ ፍርያት ከምዘላሊ: ከምኡ ድማ ቴምብር ናይ ሓንቲ ሃገር ጠመተ-ምዕባለ ዝእምት መስትያት እዩ። እዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ ገለ ሰባት ቴምብር ዝእክቡ።  

ኣብቲ ቴምብር ኣዝዩ ንኣእምሮይ ዝሰሓበ ነገር እንተነይሩ ድማ: ገና ብዙሕ ዘይደልደለ መንእሰይ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣብ ዝባኑ ከቢድ እምኒ ተሰኪሙ ክጎዓዝ ምርእየይ እዩ። ንምንታይ እዚ ዓይነት ቴምብር ከምዝተመረጸ ክርዳእ ኢለ ኣብ ጥቓ'ቲ ናይ ቡስጣ ሳጹን ነቲ ቴምብር ብምግራም እናተዓዘብኩ ንኻልኢታት ደው በልኩ'ሞ ሓደ ነገር ኣዘኻኸረኒ። ቅድሚ ሕጂ እምኒ ዝተሰከመ መንእሰይ እተርኢ ምስሊ ኣብ ከባቢ ገላዕሎ (ኣብ መንጎ ምጽዋዕን ዓሰብን ዘሎ ኣጻምእ ምድረ ቦታ ) ዝርከብ ኣብ ሓደ ሆተል ዝመስል ቦታ ዘላ ሓወልቲ ትዝ በለትኒ። እዛ ቴምብር እምበኣር ምስሊ ናይዛ ሓወልቲ'ዚኣ ዝሓዘት እያ።

ትዝታ እቲ ኣብታ ቴምብር እምኒ ተሰኪሙ ዘሎ መንእሰይ ገና ካብ ኣእምሮይ ከይሃሰሰ ከሎ፣ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ናብ እንዳ ዓርከይ ክበጽሕ ኢለ ምስ ከድኩ ኣብቲ ዝኣተኽዎ ገዛ ቲቪ-ኤረ (Eri-TV) ተወሊዓ ጸንሓትኒ። ሻሂ-ቡን እናሰተና ኮለና: ኣብቲ መግለጺ ናይቲ መደብ: ብተንቀሳቓሲ ስእሊ ዝተደገፈ ናይ ሱሳታት ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ቻይና ዝመስል ንምዕባለ ሃገር ክሕብር ተባሂሉ ዝተዳለወ ሓጺር መእተዊ መደብ ረኣኹ'ሞ ብኣተኹሮ ክከታተሎ ጀመርኩ። ስዒቡ ድማ እምኒ ዝተሰከመ መንእሰይ መጸ። ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ቴምብር ዝረኣኽዎ ስእሊ ሕጂ ከኣ ደጊመ ስለ ዝረኣኽዎ ተገረምኩ'ሞ እንታይ ከምዝብል ሓርበተኒ። እዚ ኣብ ቲቪ-ኤረ ዝረኣኽዎ ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድነ መንእሰይ ግና፣ ካብቲ ቀዳማይ ኣብ ቴምብር ዝረኣኽዎ ስእሊ ዝፈልዮ ነገር ኣሎ። እወ፣ ስእሊ ጥራይ ኣይኮነን - ዘተንፍስ፣ ሂወት ዘለዎ ፍጡር ወዲ ኣዳም እዩ። እቲ መንእሰይ ዘለዎ ቦታ’ውን ብዕንባባ ዝማዕረገ: ሆተል ዝመሰል: ዘብህግ ቦታ ዘይኮነስ: ኣጻምእ ምድረ በዳ እዩ። እዚ መንእሰይ'ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ናብራ: ነቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራ ዝገልጽ እዩ። እቲ መንእሰይ ንምንታይ ነቲ እምኒ ተሰኪምዎ ከምዘሎ ወይ ድማ ናበይ እዩ ከብጽሖ ዝደሊ ዘሎ ርዱእ ኣይኮነን። ጸኒሑ ግና ክርድኣኒ ክኢሉ። እቲ እምኒ ተሰኪሙ ዘሎ መንእሰይ ሓድሽ ምልክት "ምዕባለ" ኤርትራ: ድሑር ጉዕዞ ናብ መዋእል-እምኒ ምኑ ተረዳእኩ።       

እቲ ኣብ ቴምብር ዘሎ ስእሊ-መንእሰይ፣ ጻዕዳ ክዳን ተኸዲኑ ናይ ሕክምና መሳርሒ ዝሓዘ መንእሰይ እንተዝኸውን ክንደይ ምጸበቐ ነይሩ። ወይ ድማ ናይ ስነ-ፍልጠት ተመሃራይ ኣብ ላብራቶረ ብዛዕባ ስነ ፍልጠት እናተመራመረ እንከሎ እንተዝኸውን ክንደይ ደስ ዘብል ምኾነ። እቲ ኣብቲ ቴምብር ዘሎ ስእሊ መንእሰይ ግና ነቲ ኤርትራ ክትበጽሖ እትደሊ ምዕባለ ዝእምት ኣይኮነን። እኳ ድኣ ንድሑር ኣተሓሳስባ ዝእምት፣ ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ትርጉም ዘይህብ፣ ዝንቡዕ ምዕባለ የመልክት።

እቲ ኣብቲ ቴምብር ዘሎ ስእሊ መንእሰይ ከምዝሕብሮን ድሒረ ከምዝተረዳእክዎን ግና ነቲ ህሉው ሂወት "ዋርሳይ" ዝሕብር ምልክት ናብራ መንእሰይ ኤርትራ እዩ። እወ፣ ኣብቲ ትሕቲ'ቲ ሓወልቲ ዘሎ ጽሑፍ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህልው ናብራ መንእሰይ እዩ ዝሕብር። ንልብኻ ዝስንጥቕ፣ ናብራ-"ዋርሳይ" - ናብራ ባርነትን ናብራ ውርደትን። እዚ ዘሕዝን ሂወት'ዚ ነቲ መነሊኽ ገዚፍ እምኒ ኣብ ሕቖኡ ተሰኪሙ ንሃጸይ ዮሃንስ ይቕረ በለለይ ዝበሎ ናይ ባርነትን ውርደትን ሂወት ዘዘኻኽር'ዩ። ከምኡ’ውን እዚ ሕማቕ ልምዲ እዚ  ኣብቲ ድሒሩ ዝመጸ መንገሻ ወራሲ ሃጸይ ዮሃንስ: ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ሃጸይ መነሊኽ መጺኡ ገዚፍ እምኒ ተሰኪሙ ብነብሰ ምትሓት ምሕረት ከም ዝለመነ ታሪክ ይገልጽ።

መምዘኒ ምዕባለ ናይ ሓንቲ ሃገር ክግምገም ከሎ ብናይ ሓደ-ክልተ እዋን እተመዝግቦ ዝተነጻጸለ ንጥፈታት ዘይኮነ: ንውሕ ኣብ ዝበለ እዋን ብእትኸዶ ኣከያይዳን ብእትውጥኖ ውጥንን እያ እትምዘን። ንኣብነት፣ ኣብተን ፈንጠዝያን ዳንኬራን ዝዓብለለን ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ዝነበራ ካብ 5 ክሳብ 7 ዓመታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ንመንግስቲ ድላዩ ክገብር ናጻ ሓዲግዎ እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘንቅፍ ስለ ዘይነበረ። ብዘይካ ኣንዊሖም ክርእዩ ዝኽእሉ ውሑዳት ሰባት: እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ብሰላም ምንባር ካልእ ዝተራእዮ ነገር ኣይነበረን። ስለዝኾነ ከኣ እቲ ኣካይዳ ብሓፈሽኡ ክረአ እንከሎ ሕማቕ ኣይነበረን እንተተባህለ’ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይከውንን። ብዛዕባ ቅዋም ዝዝረበሉ፣ ናጻ ዝኾና መራኸቢ-ብዙሓን ዝዓምበባሉ፣ ናጻ ዕዳጋ ዝተኣታተወሉ፣ ዕድላት ትምህርትን ሕክምናን ንኹሉ ህዝቢ ክባጻሕ ተስፋ ዝተራእየሉ፣ ልዑል ትምህርቲ ኣብ ንቡር ንኽምለስ ምሽብሻብ ዝተገብረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ብሓፈሽኡ ሓዳስ ናጻ ኤርትራ ተስፋ እትህብ ሃገር እያ ነይራ ምባል ይከኣል። ይኹን እምበር: ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ክረአ እንከሎ ዝተበታተኸ ዝመስል ዘይምዕሩይ ስርዓት ከምዝነበረ ዝከሓድ ኣይኮነን።

እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ (1998 - 2000 ዓ.ም.) እንተኾነ’ውን: እቲ ሓፈሻዊ ኩነታትሲ ከምዚ ሕጂ ሕማቕ ኹነታት ዘሎ ኣይነበረን። ሃገር ኣብ ኲናት እያ ዘላ ዝብል ምስምሳት እናሃበ: ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ኤርትራዊ እንተኾነ’ውን: ንጉድለታትን ጌጋታትን መንግስቲ ክሽፍን እዩ ተጓይዩ። ብዝያዳ ኣብቲ ምእንቲ ምክልኻል ሃገር ዝተገብረ ምርብራባት: ብድሕሪ መንግስቲ ደው ብምባል'ውን መኪቱ።

ኲናት ደው ምስ በለ ግና: ህዝቢ ተሓታትነት ክህሉ፣ እቲ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ መብጽዓታት ክትግበር ጠለቡ ኣቕሪቡ። እዚ ድማ ህዝቢ ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ከምዝወሰኸ ዝሕብር ነገር እዩ። ይኹን እምበር፣ ህዝቢ: ደሞክራሲ ክትግበር ኣብ ዝጠልበሉ ዝነበረ እዋን እቲ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዘሎ ጭፍራ ግና ኣንጻራዊ ዝኾነ ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲዱ። ንኹሉ ጽላታት መንግስቲ ገቢቱ ብምሓዝ ድማ ሓደ ሰብ ዝውንና ሃገር: ባዕሉ ሓጋጊ: ባዕሉ ፈጻሚ: ባዕሉ ድማ ፈራዲ ኮነ። ብሓፈሻ መስከረም 2001 ዓ.ም. መንግስቲ ኤርትራ ኣተሓሳስብኡን ኣንፈቱን ዘጥፍኣላ ዓመት ኩነኔ ኮነት።

እቶም ብጂ-13 ዝፍለጡ ምሁራትን ለባማትን ኤርትራውያን ግና: መንግስቲ ሓደገኛ ኣካይዳ ይኸይድ ከምዘሎ ስለ ዝረኣዩ ልኡም ብዝኾነ መገዲ መንግስቲ ኣካይዱኡ ክእርም ሓሳባቶም ብዘየማትእ ገሊጾም። እዚ ፈላሚን ተባዕን ኣቀራርባ'ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰሪጹ ዝነበረ "ንሰበ-ስልጣን ተኣዚዝካ ምኻድ” ዝብል ኣተሓሳስባ ንኽልወጥ ዓቢ እጃም ኣበርኪቱ። እዞም ዜጋታት እዚኦም ታሪኽ ዘሰከሞም ሓላፍነቶም ፈጺሞም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሕልና ኤርትራዊ’ውን ኣበራቢሮሞ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን፣ እቲ ኣብ  1998-2000 ዝተኻየደ ኲናት ናብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፣ ኣቶ ሳልሕ ዮኑስ ኣብ ታሪኻዊ ጽሑፉ ንኣካይዳን ጉደለታትን መንግስቲ ዳግመ-ራእይ ክግበረሉ ጽሒፉ። እቲ ህቡብ ሊቅ ዶር. በረኸት ሃ/ስላሴን ካልኦት ፍሉጣት ኤርትራውያን’ውን እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ክትግበር ጸዊዖም። ቅዋም ዘይምትግባሩ ሓደገኛ ሳዕቤናቱ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ኣረዲኦም።ይኹን እምበር ጻዊዒቶም ሰማዒ ስኢኑ: እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዶሮና ውሒጥዎ ተደርብዩ ይርከብ። ፕረሲደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ዝነበረ ክቡር ኣቶ ጠዓመ በየነ ነቲ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ዝግበር ዝነበረ ጣልቃ ምእታው ብቕሉዕ መገዲ ተቓዊምዎ። ይኹን እምበር ሕጂውን፣ ሕጊ ብውልቀ-ምልኪ ተተኪኡ፣ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንቤት ፍርዲ ኤርትራ ገቢቱ ብምሓዝ፣ ንሱ ይምሕር፣ ንሱ ይቐትል፣ ንሱ ይኣስር: ንሱ ድማ ዝፈትሕ ኮይኑ ይርከብ። ቤት ፍርዲ ኤርትራ ማለት ፕረሲደንት ኢሳያስ ማለት ኮነ። ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ነቲ ብሓይሊ ዝግበር ዝነበረ ናጻ ናይ ጉልበት ስራሕ ከብቅዕ ተቓውሞኦም ገሊጾም። እቲ ዝዓበየ ህዝባዊ መጸዋዕታ ግና በቶም ጂ-15 ዝፍለጡ ዕድመኦም ምሉእ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፉ ላዕለዎት ሰብሰልጣን፣ መንግስቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክብ ዝጠለብሉ ህሞት እዩ ነይሩ።

ኣብዚ ሓጺር ዕድመ-ኤርትራ: ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ መገዲ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ዝዓብለሎ እዩ። ሃገራዊ ረብሓ ብውልቃዊ ረብሓ ተተኪኡ። ኤርትራ ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ ግዳይ ናይቲ ዘይዓግብ ሸውሃትን ድሌት ውልቀ-መላኺ ኣቶ ኢሳያስ እተርዊ ሃገር ኮይና ትርከብ። ኣይተዓደልናን! ኣቶ ኢሳያስ ሕጊ ረጊጹ: ባዕሉ ሕጊ ኮይኑ። እዚ ድማ ነቲ "ዝኾነ ሰውራ ክብገስ ከሎ ብዓበይቲ ሓያል ሓሳባት ተሰንዩ ይብገስ፣ እታ እትስዕብ እንኮ ሓሳብ ግን ስልጣንካ ምንዋሕ ጥራይ ዝብል ምስ ዝኽውን እቲ ሰውራ የብቕዕ” ዝብል ብሂል መለለዪ ባህርያት ናይዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኮይኑ። ኣብዚ እዋን'ዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ናይታ ኣብ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ እትልለ: ማንታ ፖለቲካ ሰሜን ኮርያ ኮይና'ላ። ጭርሖ ስርዓት ኢሳያስ ድማ ዝኾነ ይኹን "ካብ ምሉእ ቁጽጽር መንግስቲ ዝወጽእ የለን፣ ኣንጻር መንግስቲ ዝኸይድ የለን፣ ዝኾነ ልዕሊ መንግስቲ ድማ የለን" ዝብል ጭርሖ ሙሰሊኒ ዝኽተል ዘሎ ስርዓት እዩ። ክሳብ'ዛ መዓልቲ እዚ'ኣ ዝኾነ ምስ ኣተሓሳስባ ፕረሲደንት ዘይቃዶ ኩሉ ሰብ ደስኪሉ፣ ተሓይሩ ወይ ከኣ ኣሰሩ ጠፊኡ ይርከብ። ተቓውሞ ምስማዕ እሞ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ: ኤርትራ ጨካን ኣገዛዝኣ ዝሰፈና፣ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ትርከብ።

ደሴት ሮበን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ: ኣብ እዋን ዓሌታዊ ግዝኣት ናይታ ሃገር: ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት ኮይና፣ እቲ ህቡብ ማንዴላ ከይተረፈ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ን27 ዓመታት ዝተኣስረላ: ቁጽሮም ዘይፍለጥ ብዙሓት ደቂ-ባት ዝወሓጠት ዓባይ ደሴት እያ። እዛ ስም ናጽነት ጥራይ ዝሓዘት ኤርትራ፣ ኤርትራውያን ብናጻን ብሓይልን ጉልበታዊ ሸቕሊ ዝሳቐዩላ፣ ናብ ተሰከምቲ እምኒ ዝተቐየሩላ፣ ናይ ባርነትን ውርደትን ናይ ዘበንና ደሴት-ሮበን ኮይና ተሪፋ።

እዚ ምስሊ እምኒ ዝተሰከመ መንእሰይ: ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ የንጸባርቕ። መንእሰይ ኤርትራ እምኒ ንኽስከም ከምዝተፈጥረ ፍጡር ጥራይ ገይሩ፣ መንግስቲ ህግደፍ ከም ተንቀሳቓሲ ንብረት ናብ ድላዩ የከላብቶ። ስለምንታይ ሓደ ወለዶ ብምልኡ ካብ ትምህርቲ ተሓሪሙ ከምዘሎውን የነጽር። ተራ "ዋርሳይ" ኣብ ሓዳስ ኤርትራ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ መንግስቲ ህግደፍ እንታይ ምዃኑ ኣጕሊሑ ዘነጽር ኣርማ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰርዓት ድማ ንጹር ራእይ ስለዘይብሉ ስነ ፍልጠት ኮነ ተክኖሎጂ ኣብ ኣተሓሳስብኡ ቦታ የብሉን። ትምህርቲ ዝመሰረቱ ስነ ቁጠባ ድማ ብናይ እምኒ ምስካም ስነ ቁጠባ ተተኪኡ ይርከብ።

እዚ ኣተሓሳስባ'ዚ ነቲ ጣልያን ኤርትራዊ ካብ 4ይ ክፍሊ ንላዕሊ ክመሃር የብሉን ኢሉ ዝሓንጸጾ መደብ ዝተኸተለ ይመስል። ምኽንያቱ መንእሰይ-ኢርትራ ናይ መንግስቲ ህግደፍ ተለኣኣኺ እምበር ኣፍራዪ ዜጋ ከይከውን ዝዓግት፣ ኮነ ኢልካ ዝተማህዘ ነገር ስለዝኾነ። መወዳእታ ዘይብሉ ንሓድሕዱ ዝጋራጮ: እናሻዕ ኣዋጃት ምውጻእ ድማ ብዛዕባ'ቲ ስርዓት ውሽጣዊ ሽግር ዘነጽሮ ነገር ኣለዎ። ንሱ ድማ ብሓደ ሰብ ዝወጽእ ሃንደበታዊ፣ ዘይትጽበዮ፣ ዕላማ ዘይብሉን ተጋራጫውን ህውቱት ውሳኔታት ይውሰድ ምህላዉ የነጽር። እምበኣርከሰ: እዚ ዓይነት ኣካይዳ'ዚ: መንእሰይ ኤርትራ ንባርነት ዝተፈርደ ፍጡር ገይርዎ ይርከብ።  እቲ ኣብ ቴምብር ዘሎ ስእሊ ዘግህዶ ሓደ ሓቂ እንተሎ፣ ኣረሜን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ መንእሰይ ኤርትራ ንኸንቱ ዘባኸነ ስርዓት ምዃኑ ይምስክር። እዚ ኣንፈቱ ዘጥፍአ ኣካይዳ እዚ፣ ምልክት ራእይ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፣ ንኤርትራ ድማ ምሁር ኣካል ዘይፈርየላ መኻን ሃገር ገይርዋ ይርከብ። ብሓፈሽኡ ኩሉ እቲ ኣካይዳ መንግስቲ ህግደፍ ከምዝሕብሮ: ኤርትራ ምሁራት ዘይተፍሪ፣ ንድሕሪት ዝጠመተ ተክኖሎጂ እትኽተል፣ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ፣ ሞራሉ ዝጠፈሸ ወለዶ እተዕቢ ሃገር ክፈጥር ይጽዕር ኣሎ።

መጻኢ ወለዶ "ዋርሳይ"ብሓቂ ሕማቕ ምዃኑ እንሆ ኣብ ቅድሜና ብሓወልቲ ከይተረፈ ተገሊጹ ኣብ ዝርከበሉ ግዜ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ትዕዝብተይ ዘስፍሕ ሓደ ካልእ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ: መመረቕታ 12 ክፍሊ ናይ ዝወድኡ መንእሰያት ተዓዲመ ከይደ። መብዛሕትኦም እቶም ዝምረቑ ዝነበሩ ኣብዚ ሃገር (ሕ.መ. ኣሜርካ) ተወሊዶም ዝዓበዩ እዮም። ቤተሰብን ፈታውን ተኣኪቡ ነዞም ተመረቕቲ ጽቡቕ ትምኒቱ ክገልጽ ከሎ ኣብ ኣእምሮይ ሓደ ነገር ቅጅል ኢሉኒ፣ ብዛዕባ እቶም ኣሽሓት ኣብ ኤርትራ ዘለዉ "ዋርሳይ" ክሓስብ ጀመርኩ። እዞም ኣብዚ ሃገር (ኣሜርካ) ዘለዉ መንእሰያት ብሩህ መጻኢ ዕድል ኣለዎም። መጻኢ ዕድሎም ንምውሳን ዘለዎም ዕድል ድማ ሰማይ'ዩ ደረቱ። እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ "ዋርሳይ" ግና መጻኢ ዕድሎም ዝውስኑላ ቅንጣብ ዕድል’ውን ዘይብሎም ተሪፎም።

ሓጎስ ናይ ወለዲ ኣብ ገጾም ይንበብ ነይሩ። ኣነ’ውን ንመብዛሕትኦም እዞም ምሩቓት ካብ ቁልዕነቶም ኣትሒዘ ስለ ዝፈልጦም፣ ጎቢዞም፣ ኣብዚ ደረጃ'ዚ ምብጽሖም፣ ምስኡ ድማ መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ክውስኑ ምኽኣሎም ደስ እናበለኒ ተኻፋሊ ናይ ሓጎሶም ኮይነ ምስኦም ኣምስየ። እዞም መንእሰያት'ዚኣቶም ተስፋ ዘለዎ ብሩህ መጻኢ ሂወት ከምዝህልዎም ድማ ኣይጠራጠርን’የ።

እቲ መመረቕታ በዓል ግና ዘሻቕል ካልእ ገጽታ ነይርዎ። ገለ ካብዞም ደቆም ዝተመረቑ ወለዲ: ኣባላት ስርዓት ህግደፍ እዮም። ደቆም ጎቢዞም ሕጂ ድማ ናብ ዝዓበየ ደረጃ ክበጽሑሎም ዘለዎም ተስፋን ድሌትን መዘና የብሉን። ደቆም ንኽዕወቱ ዘካየድዎ ጻዕሪውን ቀሊል ኣይነበረን። ገለ ካብዞም ወለዲ ነቲ ንኤርትራ ናብ ጥፍኣት ዝሸምማ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ብዘይ ዕቃበ ደድሕሪኡ ዝጎዩ ኣባላት ክኾኑ ከለዉ፣ ገለ ካልኦት ድማ ስማውያን ኣባላት ጥራይ እዮም። ካብዞም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ መጻኢ ዕድል ውላዱ ሰዊኡ ኣብ ኤርትራ እምኒ ንኽሰከም ክልእኽ ዝደፍር ግና ዋላ ሓደ ወላዲ ኣሎ ኣይብልን። እኳ ድኣ ደቆም ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሑሎም ዘለዎም ትጽቢት መዓቀኒ የብሉን። ኣነውን ኣብዛ ሓሳብ'ዚ ምስኦም እሰማማዕ። ምኽንያቱ ኣነ’ውን ንደቀይ ጽቡቕ ስለዝምነየሎም። ልዕሊ ዝኾነ ዘሕዝነኒ ነገር ግን እዞም ሰባት'ዚኣቶም ዓይኖም ዓሚቶም: ነቲ ንሃገር ከጽንት፣ ንወለዶ "ዋርሳይ" ተሰካሚ እምኒ ገይርዎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ክድግፉ ምርኣየይ እዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ውሒጥዎ ዝርከብ ጸልማት ምስ ተቐንጠጠ ግን: ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዋርሳይ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ቀዳሞት ተሓባበርቲ ብምኖም ታሪኽ ክምቶም'ዩ። ገለ ካብዞም ሰባት'ዚኣቶም: ነቲ ስርዓት ብኣፎም እናደገፉ፣ ደቂ ድኻታትውን ተሰከምቲ እምኒ ኮይኖም ክነብሩ እናጨርሑ ከብቅዑ፣ ንቤተሰቦምን ደቆምን ግና ኣሽሓት ዶላራት ከፊሎም ካብ ኣፍ'ቲ ዝድግፍዎ ስርዓት ናብ ወጻኢ ሃገራት ከህድምዎም ይረኣዩ። እዝስ ፍትሒ-ኣልቦ ኣተሓሳስባዶ ኣይኮነን! ንደቅኻ ዘይትብህጎ ደቂ-እንዳማትካ ግና ተሰከምቲ እምኒ ክኾኑ ምትምናይ! 

 
< Prev   Next >


 


 
 THE ACCUSED         
ARABIC   TIGRIGNA  ENGLISH  

  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Contribute 


Donate through Mail


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.