ድርኺት “ዝባን-ሕጊ” ዝብል ሓረግ ዓሚቚን ሰፊሕን ባህለት (ትርጉም) ዘለዎ ኣምር’ዩ። ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ባህላዊ ውርሻታትና ጥራይ ዘይኮነስ መሰረት ናይ ኩሉ ሕግታት እንዳባ ኤርትራ (ልምዳዊ ሕግታት) ኢዩ እንተተባህለ ‘ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ነገር ኣይኮነን። በቲ ዝቐለለን ዝሓጸረን ትርጉሙ፡ ዝባን-ሕጊ ማለት “ብሕጊ ምግዛእ” ማለት ኢዩ። ብሕጊ ተገዛእ፤ ንዓ ኸም ሰብ ኩን፤ ኣደብ ግበር፣ ናብ ልብኻ ተመለስ፣ ስለ እዝግሄር ፍትሒ ፍረድ፣ ወዘተ … ዝብል ፍትሓዊ ኣምራት ሓቚፉ ዝጠርነፈ፡ ዝሰፍሐን ዝዓሞቐን ምርምር ዝዕድም ባህለት ኢዩ። እዚ ኣምር’ዚ፡ ነቲ ምዕራባውያን ከም ጀመርቱን ሃንደስቱን ዝምክሕሉ፡ በይናዊ ውነና (ownership) ድማ ዝኣወጅሉ፡ ልዕልና-ሕጊ ወይ ድማ ግዝኣተ-ሕጊ (rule of law) ዝብል ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ዘንጸባርቕ ባህለት ‘ውን ኢዩ። ካብ ፕላቶን ኣሪስቶትልን ጀሚርካ ክሳብ ሞንተስክዩ፣ ሳሙኤል ራተርፎርድ፣ ኣልበርት ቨን ዳይሲ፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ምዕራባውያንን ዘይምዕራባውያንን ሊቃውንቲ ብዛዕባ ልዕልና-ሕጊ ብዙሕ ጽሒፎም፡ ብዙሕ ድማ ምሂሮም ኢዮም። ይኹን’ምበር፡ ብዘመናውን ጥንታውን ትሕዝቶኡ፡ ውጹእ ኣበርክቶ ምዕራባዊ ዓለም ጌሮም ዝርድእዎ ብዙሓት ኢዮም። ግዝኣተ-ሕጊ ግን ምዕራባዊ መበቆል ጥራይ ዘለዎ ባህለት ኣይኮነን። እዚ ፍልስፍና’ዚ ካብ ጥንቲ-ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ’ቲ ዝባን-ሕጊ ዝብል ኤርትራዊ ባህለት ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ኣፍሪቃዊ ባህለታት (ከም ብዓል ኡቡንቱ - ubuntu) ዝርከብ ሕመረት ምዃኑ ክፍለጥ ይግብኦ። ኤርትራውያን ግን፡ እዚ ባህለት’ዚ ሓበንና ክነሱ ክሕንበሉ ኣብ ዘየፍቅድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንርከብ ኣለና። ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ነዚ ጸገም’ዚ ብዝተፈላለየ መገዲ ክብድህ ኢሉ ዝፍልም ዘሎ ተበግሶ ኢዩ። እዚ ዓምዲ’ዚ ከም’ቲ ስሙ ዝሕብሮ “ዝባን-ሕጊ!” ኢዩ ዝብል ኣሎ። ልዕልና-ሕጊ ተቧሕጕጉ፡ መሬት ብቐላጥ ግፍዒ ተሸፊና ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ካብ ዝባን-ሕጊ ንላዕሊ ዝምረጽ ሓረግ ኣይረኸብኩሉን ነዚ ዓምዲ’ዚ። ኪንኡ ኸ፧ ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ድርኺት ብምብጋስ፡ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻኢን ብዝተፈላለየ ኣገባባት ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን፡ ከምኡ ‘ውን ካልእ መባእታዊ መሰላት ተነፊግዎ፡ ተዓፊኑ ዝርከብ ዘሎ ህዝብና፡ ድምጹ ዘስምዓሉ ባይታ ተሓላቕነት (activism) ክኸውን ይትስፎ። ኣብ ርእሲ’ቲ ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣቐዲሙ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ተበግሶታት፡ ተቓጻጺ ዘይኮነስ ተመላላኢ ተራ ሒዙ ክቕጽል ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ተስፋ ይንበረሉ። ዓዋተ.ኮም ሓደ ካብቶም ኣንጊሆም ዝተበገሱ መርበባት ሓበሬታ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ድንፈዐ ሓርነት ሓሳብካ ምግላጽን ምጽሓፍን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ-መዳያዊ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዝተጻወቶን ዝጻወቶ ዘሎን ተራ ጎሊሑ ዝርአ እምባ ሓበን ኢዩ። ናይ ዓዋተ.ኮም ዝበዝሐ ጽሑፋት ግን ብቛንቋ እንግሊዝ ጥራይ’ዩ ዝዳሎ። ንጽሑፋት ቋንቋ እንግሊዝ ብዝርኢ ኣኽል-ታርፍ ቅያ ይዕመም ስለ ዘሎ ነቶም ዘይሕለሉ ኣበርከትቲ ካብ ምምጓስ ንላዕሊ ዝድለ ነገር የለን። ይኹን’ምበር፡ ከም ኣብ ኩሉ ካልእ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣብ ዓዋተ.ኮም ‘ውን ብመበቆላዊ ቋንቋታት ኤርትራ ዝጽሓፍ ጽሑፍ ከም’ቲ ዝድለ ዝውቱር ኣይኮነን። እዚ፡ ሓደ ዓቢ ሕጽረት ኢዩ። ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ነዚ ሃጓፍ’ዚ ኣብ ምምላእ ገለ ተራ ከበርክት ይሕልን። ኣነ፡ በቲ ብዓቕመይ ዝፈልጦ ቋንቋ ትግርኛ (ገና ብዙሕ ትምህርትን ተሞክሮን ከም ዘድልየኒ ግን ኣይዝንግዕን) ዝክኣለኒ ከበርክት ብዝብል ኒሕን ሓቦን ንዓምዲ ዝባን-ሕጊ ከም ቀዋሚ ዓምዲ ኣብ ዓዋተ.ኮም ከተኣታትዎ እብገስ ኣለኹ። ብኻልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ‘ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ከም ዘድሊ ክዝንጋዕ ዘይግብኦ ጉዳይ ኢዩ። ኩሉ ኣንባቢ በቲ ብቐሊሉ ዝርድኦ ቋንቋን ብምቕሉል ቅድን ኣጸሓሕፋን ሓበሬታ ከም ድላዩ ክረክብ ይግባእ። እዚ ግን ብዘይ ጻዕርን ተወፋይነትን ክዕወት ስለ ዘይክእል፡ ናይ ኩሎም ግዱሳት ወገናት ኣበርክቶን ደገፍን ከም ዘድልዮ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ፡ ኣንበብቲ ብንባብን ዓሚልነትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ወዘል-ዘል ብዘይብሉ እርኑብ መገዲ ሓበሬታ ብምስናቕን ሃናጺ ነቐፌታ ብምልጋስን ክዋስኡን ንዝበለጸ ውጽኢት ከበርክቱን ልዑል ትጽቢት ተነቢርሎም ኣሎ። እዚ ተበግሶ’ዚ ምስ ካልእ ተበግሶታት ተሓናፊጹ፡ ቀስ-ብቐስ ናብ ዝዓበየ መደብ ክዝርጋሕን ክሰፍሕን ከም ዝግብኦ ምዝካር ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ኩልና እንብህጎ ጭቡጥ ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ከብጽሕ ብዝኽእለሉ መገዲ ምድንፍዑ ከድሊ ኢዩ። እዚ ዕላማ’ዚ ካልእ ዘይኮነ ኩሉ-መዳያዊ ምዕባለ ሃገራዊ ቋንቋታት ማለት ኢዩ። ቋንቋ ትግርኛ ይኹን ካልእ ሃገራዊ ቋንቋታት ብዝግባእ ክምዕብል እንተኾይኑ ብስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ሕትመታትን ክስነ ኣለዎ። ልክዕ’ዩ ዘለናዮ ሃለዋት ንኸምዚ ዓይነት ቅዱስ ሓሳባት ዝምችእ ኣይኮነን። ኩነታት ኣይጣጥሐን ብዝብል ኪነሚናዊ ምስምስ ዓዲ-ውዒል ምዃን ግን ቅሳነት ሕልና ዝኽልእ፡ ካብ ኩሉ ተጕላባነት ዝጎበጠ ቄናን ምኽኒት ኢዩ። ብሓደ ወገን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ መከራ ርኢኻ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ እቲ ኣብ ድያስጶራ ዝርከብ ወዲ ሃገር (ብፍላይ መንእሰይ) ብዕባራ ምኽኒት ጥልዕ-ጕንብሕ ክብል ክትርኢ እንከለኻ ኣዝዩ’ዩ ዘሕዝን። ኢድካ-እግርኻን ኣጣሚርካ ኮፍ ምባል መለሳ የብሉን። በቲ ዘሎ ዓቕሚ ፋሕተር-ተር ምባል ግን ሓላል’ዩ። እቲ ኻልእ ጸገም ከም ጸርፍን ዘለፋን ድኣ ከይውሰድ እምበር፡ መብዛሕትኡ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ፡ ኣብ ኣጸሓሕፋ ትግርኛ፣ ኣጠቓቕማ ፊደላት፣ ሓረጋት፣ ስዋስው፣ ወዘተ ርኡይ ሕጽረታት ኣለዎ። እዚ ጸገም’ዚ ኣብቶም ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ዝቐሰሙ ሰባት ከይተረፈ ብብዝሒ ዝርአ ሕጽረት ብምዃኑ ኣዝዩ የሰክፍ። ምስ ብዙሓት መሳርሕቲ፣ ኣዕሩኽ፣ ጸሓፍትን ካልኦትን ኣብ ዝገብሮ ዕላላት እዚ ስክፍታ’ዚ ቀጻሊ ኢየ ዝዛረበሉ። ሓደ ሰብ ሽሕ ግዜ ይመሃር፡ ሽሕ ግዜ ድማ ይሰልጥን፡ በቲ ኣፍ ዝኸፈተሉ ቋንቋ (ቋንቋ ኣደ) ከም ድሌቱ ክጽሕፍ ዘይክእል እንተኾይኑ፡ ሓደ ዓቢ ዘይተፈትሐ ጸገም ኣሎ ማለት ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ከም ዝዝረበሉ፡ ምዕባለ ቋንቋታት ኤርትራ ብሰሪ ሕሱም መግዛእታዊ ጭቆና ንነዊሕ ዓመታት ተጎቲቱ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝንገር። ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተራእየ ለውጢ ክግምገም እንከሎ ግን እቲ ጉዕዞ ገና ብኣድማዕነት ከምዘይተጀመረ የረድእ። ዝኾነ-ኾይኑ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልምን ትምኒትን ዝብሎ ዘለኹ መደብ ኣብ መወዳእትኡ ፍረ ክረከቦ እንተኾይኑ፡ ኣብ ኩሉ መበቆላዊ ቋንቋታት ኤርትራ ምርምርን ሕትመትን ክተባባዕ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ብመበቆላዊ ቋንቋታት ዝተዳለወ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን ናይ ምርምር ውጽኢታትን (ብውሑዱ ንቋንቋ ብዝምልከት መዳይ) ዘአንግድ ፍሉጥ ጆርናል/ላት ዘይምህላዉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ’ዩ። ጆርናል ክብል እንከለኹ፡ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ፡ ብጸቢብ መንፊት ተመምዩ ዝሓለፈ ብሉጽ ጽሑፋት ሒዙ ዝወጽእ፡ ኣብ ዓመት ሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ፣ ኣርባዕተ ወይ ልዕሊኡ ግዜ ዝዳሎ፡ ብወናማትን ፍሉጣትን ክኢላታት ዝመሓደር፡ ፍሉጥን እዉጅን መምዘንታትን መለክዕታትን ዘለዎ፡ ብሃገር ደረጃ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም ‘ውን ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ክረክብ ዝግባእ፡ ናይ ምርምርን ሕትመትን ደብተር ማለተይ ኢየ። ከም’ዚ ዓይነት ጆርናላት፡ ምስ ካልኦት ሕትመታዊ ስርሓት ማለት መጽሄታት፣ ጋዜጣታትን ካልእን ክተሓናፍጽ ዘይብሉ ነብሱ ዝኽኣለ ፍሉይ ናይ ሕትመታዊ ስራሕ ኢዩ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ተሞክሮ ዘለዎም በሃራት ደቂ ሃገር ፈቖድኡ ኣለዉ። ምቹእ ኩነታት ከም ዘየለ ግን ርዱእ ኢዩ። በዝን ወዲ ኸምዝን፡ እዚ መደብ’ዚ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ፡ ደፋእ ኢልካ ድማ ዝትግበር’ኳ እንተኾነ፡ ከም ሓሳብ ኣብ ኣእምሮ ተጠጂኡ እንተጸንሐስ ዝጓዳእ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ዝማእምአ ግዜ ድማ ይጽሞቕ። ክሳብ ሽዑ ግን፡ ብዘሎ ዓቕሚ ቊርቊስ ክቕጽል ይግባእ። ዓምዲ ዝባን-ሕጊ፡ ሓደ ካብ መርኣያታት ናይ’ቲ ነዊሕ ዝጠመተ መደብ ክኽውን ባህጉ ኢዩ። ሞያውነት (professionalism) ኣብ ኣጸሓሕፋ ቋንቋ ትግርኛን ካልእ መበቆላዊ ቋንቋታትን ከይተፈ ብዕቱብ ክተኣታቶ ከም ዝግብኦ ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ብደሚቕ ክስምረሉ ይመርጽ። ሞያውነት ማለት ከም ክርቢት ውልዕ-ኢሉ-ጥፍእ ዝብል በዓል ሓጺር ዕምሪ ክኸውን ኣይግባእን። ቀጻልነት ምስ ዝህልዎ’ዩ ዝድንፍዕ። ድሌትን ተበግሶን መሰረታዊ ነገር’ዩ፤ ተውህቦን ዓቕምን ድማ ማዕርኡ። ሓደ ለይቲ ጥዑም ድቃስ ድ-ቅ-ስ ስለ ዝሓደርካ፡ እሞ ንንግሁኡ ተበሪሁካ ስለ ዝተንሳእካ ጥራይ፡ ብርዕን ብራናን ኣዋሲብካ፡ ዝመጸልካ ዘይስሩዕ ፊደላት፣ ዘይቅዱው ሓረጋት፣ ዘይተኣርነበ ሓሳብ፣ ዝሩግ ስርዓተ-ነጥቢ፣ ዘይውጉን ክትዕ እትድሕድሓሉ ትፋእን ጭሕግር-ጋር ጽሕፈትን ክኸውን የብሉን። ቁም-ነገር ዝበዝሖ ጽሑፍ እንተኾነ ‘ውን እንተድኣ ስሩዕ ሕግታት ዘይተኸቲሉ እቲ ሓፊስ ትሕዝቶ ይጅላሕን ይቃጠንን። ጽሕፈት ጥበብ’ዩ፤ ጥበብ ድማ ዓቕልን ጻዕርን’ዩ። ነዚ መሰረታዊ ርድኢት’ዚ ጎስዩ ዝብገስ ጸሓፊ፣ ነቓፊ፣ ተራኽን ካልእን ኣንጻር ስነ-ሞጎት ኵናት ከም ዝኣወጀ ክርዳእ ይግባእ። ዓምዲ ዝባን-ሕጊ ካብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ክጥንቀቕ ዝከኣሎ ክጽዕር ኢዩ። ነቲ ሓደጋ ኣብ ዝቃልዓሉ እዋን ከይተዓበየ ሓገዝ ክሓትት ኢዩ፤ ርድኡኒ! ክብል’ዩ። ንሓደጋ ዝተቓልዑ እተተረኽቡ ‘ውን ተመቕሊሉ ሓገዝ ከበርክት’ዩ። ኮታ ምኽሪ ኣብ ዝደልየሉ ክምዓድ፤ ጉንዖ ምኽሪ ኣብ ዝረኽበሉ ድማ ክምዕድ’ዩ። ክምህር ዘይኮነ ግን ብቐንዱ ክበሃሃል ዝብገስ ዘሎ ንቕሎ ኢዩ። (ይቕጽል)
This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it
|