|
By Kiros Yohannes -
Jun 07, 2007
|
ልቢ ብቝሱሉ ኣስናን ካብ ሰሓቐ ከስዔ ኣመና ሪሒቡ ልቦና ካብ ረሓቐ ስቕታን ዕሽታን ካብ ኮና መላፍነቲ ስስዔን ግብዝን ካብ ኮና ብን መሳቲቲ ትነቐዝ እታ ሕልና ጽዖታ ይመናናህ እዋና በጺሑ ኢዩ መሽጎራጕራ ይገላህ ሰብና ካብ ኮነ ሰብ ድርብ ማዕተብ ከናፍሩ ገሊሁ መልሓሱ ዝልቕብ ንምንታይ ግና ንግረም ኣእዳውና ኣጣሚርና ነዕዘምዝም ሰብ መዓስ ኣብ ዝውዓሎ ይሓደር ሰብሲ ተምሳል ሱፍ-ዕምበባ ኢዩ ደድሕሪ ጸሓይ ዘሽከርክር…. እምበርከ…. ዘብዘብ ደድሕሪ ሰብ ደድሕሪ ስጋ… ንፋስ ምግላብ ኢዩ እንታይ ኣሎዎ ዋጋ… ግና….. ንምንታይ ትቐስን እታ ሕልና ጓህሪ ቍሕማ ለሰ ትዓፍር ሲኦል ጎሲማ ገነት ተስፍር
ትፈረስ እወ ትፈዘግ ነቲሕ ሽትኣ ባዕላ ትጸይኖ ኢንትኣ ንምንታይ ኢያ ብዘውረቕርቕ ዓለባ ትኸድኖ ትነቐዝ እታ ሕልና ነብሰ-ስግኣ ይሸቓሸቕ.. ዝሕውሕው ይበላ እቲ ሓቒ ዳሕዱሑላ ብዘይ ብቒ ኪሮስ ዮውሃንስ ሰነ/01/2007 |
|
Last Updated ( Jun 07, 2007 )
|