|
ኣንታ ምልላይካ’ምበር ስኢነ መን ኢኻ ?
ካን ጋጊኻኒ ከም ዘይ ትፈልጠኒ ኾንካ
ወይ ጉድ ከመይ ዳኣ ዘይጋግየካ ጸምሊኻ ….. ሃሲሱ ግርማኻ ጠቐር ተኸዲንካ ተቐንጢጡ ክብርኻ ተቐዪርካ እወ ዘይምሱል መሲልካ እስከ በጃኻ … እንታዩ ወሪዱካ ? ኣንታ ናባይ ዝወረደስ ንኣባይካ ናባይ ዝወረደስ ንኣባይካ ደቀይ ዝበልክዎም እንዲዮም ከዲዖምኒ ዝተዋህቦም ሕድሪ ሰሪቖም ጠሊሞምኒ ሰላም ከሊኦም … ቅሳነት ሓሪሞምኒ ክብረይ ቀንጢጦም ምንባር ሓሲሙኒ
ነውራማት ብፍጹም ዘይሓፍሩ ርሑቕ ቀረባ ምስ ኩሉ ዝናግሩ ሞራል-ኣልቦ …ነገር ዝጽሕትሩ ፎቖዱኡ … ሓዊ … ዘሳዉሩ
ብኣጉኡ ኣትሒዞም ኢድ ምስ ወጥወጡ እንትርፎ … ሃባ … እንካ ዘይ ፈልጡ ዓበይቲ ዓዲ ዝደፍሩ ብጩግራፍ ዝቐልጡ ጋሃስቲ … ክብሪ-ሰብ ግርማ ዝቕንጥጡ
ኩኑናት…. ሩጉማት ዘርኢ … ኩሉ ዝግብቱ ብጥሜት… ስቓይ … ቃንዛ ግዳያቶም ዝድሰቱ ብሓንቲ ኢድ ቀቲሎም በታ ኻልእ ጋር-ነፍሲ ዝሓቱ ጸሓይ … ክትበርቕ ኢያ … ብታሪኽ ክሕተቱ
እሞ እዚ እንዳ ፈለጥካ ኣዒንትኻ ተዕውር ከመይ ኢልካ ዳኣ … ረጋጺኻ ተፍቅር እንታይ ወሪዱካ ዳኣ … ዓማጺኻ ተህጥር ክብረትካ ተሕስር ዘይ ልሙድ ትገብር ኣይፋል ኣይፋልካን ዘይ ኣመልካ ኣይልማድኻን
ክብሪ … ክትመልስ … ክቡር ከፊልካ ልዑላውነት ክተናዲ … ሞሮር ስፊርካ ኒሕ ታዓጢቕካ … ሓያላት በዲህካ ሎሚ ዳኣ እንታይ ተረኽበ ኒያት ኣዕሪብካ ? ኣይፋል ኣይፋልካን ዘይ ንቡር ኣይግብርኻን
ሃገር ካብ… ህዝባ ክትባድም ሓለውታን ሃነጽታን ክተህድም ዓመጽታን ወረርታን ክትዕድም ስቓይካ ንውሽጢ ዓቕዊርካስ ትም ኣይፋል ኣይፋልካን ዘየምሕረልካ ኣይጠባይካን
ደቕኻ ካብ ሑቕፍኻ ክምንጠሉ ዓጽሞም ከይተረረ ኣብ ጎዳጉዲ ክሽከሉ ክንዲ ብርዕን መጽሓፍን ባሩድ ክኳሓሉ ዝፈጠሮም ረሲዖም ን ጣኦት ክምህለሉ ኣይፋል ኣይፋልካን ሕስረት ኣይክዳንካን
ውዮ እቶም ብሰሪ ፈርዖን ሃገር ዝፈንፈኑ ካብ ኣራዊት ምድረ-በዳ ኣምሊጦም ተዳሓኑ ድራር ዓሳ ኮይኖም ተሪፎም ረሳኦም ተሳኢኑ ድራር ዓሳ ኮይኖም ተሪፎም ረሳኦም ተሳኢኑ ኣይፋል ኣይፋልካን ምንብርካኽ ኣይባህርኻን
ከምዚ ኣይኮንኩን ነረ … ዝፈልጠካ ኒሕ ዝዕጥቅኻ … ሓቦ … ዝቕናትካ ዘበት ኢልካ ትምክት ርእስኻ ከየድነንካ መፍረ ጀጋኑ ኣቦ ዓዋተን ብጾቱን እንዲኻ
በል … እዚ … ካብ ኮነ እቲ ነገር ተንስእ … ተናገፍ … ተበራበር እታ … ትብህጋ ኤርትራ … ክትዓትር እምብለይ … ኢልካ … ሞቑሕ ስበር ጎቦ ክሓኩር ዘይደፍር ኣብ ጉድጛድ ይነብር
እታ ትንየታ ፍትሒ ዝነግሰላ ምሰል ደቂ-ሰባት ዝሕለወላ ደቅኻ ተኸባቢሮም ዝናበሩላ ዓመጽ ጸቅጢ ግህሰት ዝውገደላ
እምባኣር ንጎድ ንጎድ ኣንጎድጉዲ ባዕልኻ ወንኖ ናትካ እዩ’ቲ ዓውዲ
ተቶኮስ … ተቶኮስ … ከም እሳተ-ጎሞራ ሓዊ ትፋእ ጸርግፎም ሰብ እከይ ብሓበራ
ዳግማይ…ዳግማይ ዘርኢ ከምዘይ ኮኑ እንተ ተዘሪኦም እውን ከምዘይ ቦቕሉ |