By ተስፋልደት ኣለም መሓረና -
Apr 10, 2007
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡- ኣቐዲምና፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ፡ ንኹሉ ህዝቢ ክርስትያን ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንምነየሉ፡፡ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ፡ ዘበን ጸበባን ዓጸባን ተሳዒሩ፡ ዘበን ሽሻይን ሕዮባን ናቱ ክኸውን ንምነየሉ፡፡ ኣብዚ ቅዱስ ዕለት'ዚ፡ ኣቦታት፡ ዓመታት ስቓይን እህህን ተወዲኡ፡ መድረኽ ሓጎስን ዕልልን ክመጸሎም፡ ዝደነነ ርእሶም ክቐንዕ፡ ዝሃደመ ወጅሆም ክምለስ፡ ሃረር ንብል፡፡ ንብዓት ኣዴታት ክሕበስ፡ ሕሩር ልቢ ክድበስ፡ ጥዑም ዘበን ክምለስ ንብህግ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ክቡር ዋጋ ህይወት ዝኸፈለ፣ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ሓለፋ ዝጸዓረ ህዝቢ ከም ምዃኑ መጠን፡ እዚ ዘሎ ግናይ ዘበን ራዕድን ዓመጽን ክሓልፍ'ሞ፡ ዓዃይ ብሰላም ናብ ግራቱ፡ ነጋዳይ ዊን ኣብ ዝበሎ ሰዓትን መዓልትን ናብ ንግዱ፡ ሸቃላይ ብዘይ ስክፍታ ናብ ሽቕለቱ ክግስግስ ክንርኢ፡ ኣዚና ንብህግ፡፡ እዚ ንእስነት ከየስተማቐረ፡ ኣደዳ ስቓይን ሞትን፡ ኣደዳ ግፍዕን ስደትን ኮይኑ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ ብዘይ እቶ ውጻእ፡ ሓሪሱ ሓፊሱ፡ ሸቂሉ ቀጥቂጡ ወለዱ ክናቢ፡ ዘሚዱ ወሊዱ ደቁ ከዕቢ፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ትርጉም ህይወት ክፈልጥ፡ ምንባር ከስተማቕር፡ ንምነየሉ፡፡ ነቲ ንከይመውት ክብል፡ ንክነብር ክብል፡ ብለባሙ ናብ ዓሻ፡ ብፈላጡ ናብ ደንቆሮ ክቕየር ተገዲዱ ዘሎ ምሁር ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ፡ ብዘይ ራዕዲ ክሓስብ ከዋስብ፡ ብዘይ ጸቕጢ ክህንድስ ክሃንጽ፡ ብዘይ ፍርሒ ክሰርሕ ክመርሕ፡ ኤርትራ ሃገርና ብመስተውዓልቲ ትመሓደረሉ መድረኽ ክመጸሉ፡ ዕለታዊ ሃረርታና ኢዩ፡፡ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ቃላት፡ እምነ ኩርናዕ ህላዌ ተስፋ ደሊና ኢዩ፡፡ ንመርበብ ሓበሬታን ዜናን ኣዝማሪኖ ዝሃነጸ መሰረት ንሱ ኢዩ፡፡ ናትና ናይ በይንና መትከል ግን ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ፡ ኣሕዋትካ ክምዕብሉ፡ ህዝብኻ ክሓልፈሉ ምድላይ፡ ኩሉ ጥዑይ ቀልቢ ዘለዎ ሰብ ዝምነዮ ቅዱስ ባህጊ ኢዩ፡፡ ግፍዒ ብርትዒ ክሰዓር ሃረር ምባል፣ ካብ ሃረርታ ሓሊፍካ ድማ፡ ንዓማጺ ብመትከል ምቅዋም፡ ኩሉ ደላይ ጽቡቕ ነብሱን ሰናይ ጎሮቤቱን ዝኽተሎ፡ ባህርያዊ መርገጺ ደቂ ኣዳም ኢዩ፡፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ እንኽተሎ መስመር፡ ኣብ ህዝባዊ መትከል ዝተሰረተ፡ እንጽዕረሉ ዕላማ ድማ፡ ብተፈጥሮን ፈጣርን ዝተባረኸ፡ ቅኑዕነቱ ወላ ንሓንቲ ህሞት ዘይንጠራጠረሉ ቅዱስ ከም ዝኾነ ኣትሪርና ንኣምን፡፡ ኣጀማምራኣ ከመይ ኔሩ ኣብ ምትንታን ከይከድና፡ ንሕና ኣባላት ኣዝማሪኖ ዳት ኮም፡ ኣብዚ መትከል'ዚ ብዝተሰረተ መበገሲ፡ ሰብኣዊ ሃረርታ ሓርነትን፡ ህዝባዊ ሃንቀውታ ቅሳነትን ብግብሪ ዝሰምረሉ መድረኽ፡ ወላ ብሓንቲ መዓልቲ ንምቅልጣፍ፡ ኩሉ ዝከኣለና ዘበለ ክንገብር ጸኒሕና፡፡ ቅዱስ ዕላማ፡ ቅዱስ ህልኽ ፈጢሩ፡ ኣብ ልቢ ደቂ ሰብ፡ ክሳብ ዓወት ዘይመውት ፈልሲ ስለዝተክል ድማ፡ ሃንቀውታ ኤርትራውያን ሰሚሩ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ፡ ዳግማይ፡ "ኣሰይ ኣሰይ ልበይ ተሓጎሰ፣ ደስ ኢሉንስ፡ ቀሲነ ደቂሰ!" ክሳብ ዝዝመር፡ ክንቅጽሎ ኢና፡፡ ከም ዝወግሕ ድማ፡ ኣይንጠራጠርን፡፡ እንተኾነ ግን፡ ዕማምካ ኣብ እተሰላስለሉ ግዜ፡ ናብ ስሉጥ ዓወት ዘብጽሓካ ጽጹይ ጎደና ክትሕንጽጽ ኣድላዪ ብምዃኑ፡ ሕሉፍን ትሩፍን ገምጊምካ፡ ኣድማዒ ዝበልካዮ ኣገባብ ክትክተል ግድነት ኢዩ፡፡ በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ድሮ ኩሉ ኤርትራዊ ተገንዚቡዎ ከም ዘሎ፡ (1) ኣብዛ ንሓጺር ዓመታት ጥራይ ብህይወት ዝንበረላ ምስጢራዊት ዓለም፡ እንኮ ውሕስነት ቀጻልነትን ጥበብ ምዕባሌን፡ ምትኽኻእ ከም ዝኾነ ኣትሪርና ብምእማንን፣ (2) እቲ ብ"ኤምዲሰመ" ዝብል ሓጺር መጸውዒ ዝፍለጥ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ፡ ዝበዝሑ ኣባላቱ መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ነቲ ብኣባላት ኣዝማሪኖ ክካየድ ዝጸንሐ ዕማም፡ ብዝበለጸ ኣድማዕነት ከሰላስሎ ብቕዓትን ቅሩብነትን ስለዘለዎ፣ ብቀንዱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ሓርነተëን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ፡ ኤምዲሰመ መሪሕ ኮይኑ ከገልግል ድሉውነት ከም ዘለዎ ብምትእምማንን፣ እቲ ብኣባላት ኣዝማሪኖ ክሰላሰል ዝጸንሐ ዕማም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምድላውን ምክያድን ድምጺ መሰልና ደሊና ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ናብ ኣባላት ኤምዲሰመ ተሰጋጊሩ ከም ዘሎ፡ ንሕብር፡፡ መጸውዒ ኣዝማሪኖ'ውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ለመዶ፡ ነዚ ለውጢ'ዚ ብዘብንጸባርቕ መጸውዒ፡ ናብ ድምጺ መሰልና ደሊና፡ ክቕየር ኢዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ ድማ፡ ኣዝማሪኖ ክሳብ ሎሚ ንዘሰላሰለቶ ዕማም፡ ኣሕጽር ኣቢልና ክንግምግሞ፡ ግቡእ ኢዩ፡፡ ንምዃኑ፡ ኣዝማሪኖ ዘሰላሰለቶ ዕማም እንታይ ኢዩ? ንሕና ከም እንኣምኖ፡ ሰብ ሰርሖ ሽግር፡ ብሰንኪ ኣተሓሳስባ ሰብ ዝመጽእ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ግፍዒ ድማ፡ ግናይ ልቢ ውሑዳት ኣፍሊሱ ዘጠጥዖ ወላ እንተኾነ፡ ኣብ ብሃገሩ ንከጉላዕልዕ፡ ውልቀሰባት ንምሉእ ህዝቢ ሸሸይ ክብልሉ ዕድል ዝህብ፡ ኣተሓስስባ ደቂ ሰብ ኢዩ፡፡ መደናገሪ፡ መልኣኽ ተመሲሉ፡ ጥዑም ቃላት እናደራበየ ክምድር ዕድል እንተረኺቡ፡ ወላ ኣብ ዓዲ መስተውዓልቲ፡ ወላ ኣብ ሃገር ለባማት፡ ወላ ኣብ ዓዲ ሚእቲ ሽሕ ተጋደልቲ፡ ብቀሊሉ ንህዝቢ ከደናግር ከም ዝኽእል፣ እንድሕሪ ተዓዊቱ ድማ፡ ግፍዒ ዘይተርፍ ዕድሎት ህዝቢ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ርኢና፡፡ እዚ ድማ፡ ኣብ መስርሕ ምዕባሌ ሃገር፡ ኣድላይነት ስልጣን መንግስቲ ቀይዱ፡ መሰል ህዝቢ ዘውሕስ ቅዋምን፡ ኣከያይዳ መሳርዕ መንግስቲ ዝቕይስ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነታት ከም ዝኾነ፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ፡ ኣሚንና፡፡ ብሰንኪ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ፡ ካብ ሕጊ ገዲፉ፡ ንመሰሉ ካብ ልግሲ ሰበ ስልጣን ዝጽበያ ህዝቢ፡ ንውርደቱ ጎደና ከም ዝጸርግ ብግብሪ መስኪርና፡፡ ተንኮለኛ፡ ንግርህነት ህዝቢ ከም ኮረሻ ሰሪሩ ስልጣን እንድሕሪ ዓቲሩ፡ ድኽነት ንግስቲ ኮይና፡ ሽግር ድማ፡ ኣኽሊል ደፊኣ ማለት ከም ዝኾነ፡ ብመነባብሮን ብህይወትን ህዝብና፡ ብኩነታት ሃገርና፡ መስኪርናዮ፡፡ ጉድለት ምትእምማንን ተንኮለኛ ዝጠምዘዞ ኣተሓሳስባ ደቂ ሃገርን ኣብ ምፍታሕ ናይ ሓባር ሽግር ዘለዎ ግደ፡ ብስደት መንእሰያት ተዓዚብናዮ፡፡ ንኩሉ ምስ ገምግምና ድማ፡ ከምቲ ዝተጠቕሰ፡ እዚ ኩሉ ሽግርን ስቓይን፡ መሰረቱ፡ ተንኮለኛ ኣብ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸሎ ፈልሲ ከም ዝኾነ፡ ኣስተውዒልናሉ፡፡ ነዚ ሓቂ'ዚ ምጥጥ ኣቢልና፡ "መፍትሒ ሽግር ከ፡ እንታይ ኢዩ ምስ እንብል?" ፍታሕ'ውን፡ ከም ሽግር ብተመሳሳሊ፡ ቅድሚ ግብራዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ክውለድ ከም ዘድሊ ንግንዘብ፡፡ ነባሪ መድሃኒት መከራን ሽግርን ህዝቢ ኤርትራ ክርከብ እንተኾይኑ ድማ፡ ፈለማ፡ ሓቀኛ ኩነታትን ጠንቁን ንኩሉ ሰብ ክበርሃሉ፣ ህዝቢ ርእይቶ ምሃብ ክለምድ፣ ንዝኣመነሉ ብድፍረት ክድግፍ፡ ንዘይኣመነሉ ብትብዓት ክነጽግ፡ መሰሉን ግቡኡን ከም ዝኾነ ክኣምን፡ ብዘየማትእ ኣረጋጊጹ ክኣምን፡ ብቅድመ ኩነት ክረጋገጽ ዘለዎ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተገንዚብናዮ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ፡ እቲ ዝዓበየ ቃልሲ፡ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ንምቕያር ዝካየድ ቃልሲ ከም ዝኾነ ኣሚንና፡ ነቲ ጀጋኑ ህይወቶም ዝወፈዩሉ ክብሪ ኤርትራውያን ንምዕቃብ፡ ገንዘብናን ጉልበትናን ከይበቐቕና፡ ዕረፍቲ ሕልና ዝህበና ዕማም ኣብ ምስልሳል ተዋፊርና፡፡ ኣብዚ ሸነኽ'ዚ ድማ፡ ኣዝማሪኖ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት እንታይ ዕማም ከም ዘሰላሰለት፡ ብዙሕ መደረ ዘድልዮ፡ ምስክርን ነጋርን ዝሓትት ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ኣዝማሪኖ፡ ሳላ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለም ዝርከቡ ውፉያት ኣባላታን፡ ሳላ ዘይስልኪ ተሳትፎ ተኸታተልታን፡ ሰለስተ ዓበይቲ ዕማማት በድማዕነት ኣሰላሲላ፡፡ ቀዳማይ ካብዞም ዕማማት እዚኣቶም፡ ተገራጨውቲ ርእይቶታትን መርገጺታትን ገምጋማትን ኣብ ሓደ መኣዲ ከም ዝቐርብ ብምግባር፡ ኤርትራውያን፡ ፈጣሪ ንዝሃቦም ሓንጎል ተጠቒሞም፡ ኣየናይ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ ዝምቡዕ መምዮም፡ ኣብ ናቶም መደምደምታ ክብጽሑ ዕድል ብምሃብን፣ ሰብ ዝበሎ ዘይኮነ፡ ንሶም ዝኣምኑሉ፡ ንሶም ዝመስሎም ርእይቶ ከፍስሱ ብምትብባዕን፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን መሰረታዊ ለውጢ ንክመጽእ፡ ኣበርኪታ፡፡ እዚ ለውጢ'ዚ፡ መሰረት ውሕስነት ዘለዋ መጻኢት ኤርትራ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ፡ ሰብ ሰርሖ ሽግር፡ ብሰንኪ ኣተሓሳስባ ሰብ ዝመጽእ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ፍታሕ ድማ፡ ቅድሚ ግብራዊ ስጉምቲ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ክውለድ የድሊ፡፡ ናይ ለውጢ ሓሳብ ኤርትራውያን ድማ፡ ተወሊዱስ፡ በብቁሩብ፡ ከም እግሪ ተክሊ፡ እናተዓንቀፈ፡ እናተንስአ፡ ንቕድሚት ይውንጨፍ ኣሎ፡፡ በዚ ኣብርክቶ'ዚ፡ ኣዚና ንሕበን፡፡ ኣዚና ንኮርዕ፡፡ ካልኣይ ዕማም ድማ፡ ኣብ ጎድኒ መሓዙታ ደለይቲ ሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ኢላ፡ መተካእታ ናይተን ሓቂ ዘይፈቱ ስርዓት ህግደፍ ዝረገጠን ጋዜጣታት ብሕቲ ብምዃን፡ እቲ ኣብ ጸልማት ተሓቢኡ ከክፉኡ ተግባራት ምፍጻም ስርሐይ ኢሉ ዝተተሓሓዞ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዝፍጽሞ ኩሉ እከይ ተግባራት፡ ኣብ እዋኑ ብምቅላዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ሓርነቱን ከድምጽ፡ ብቀጻሊ፡ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣጎሳጒሳ፡፡ ኣብ ዓዲ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኣብ ዓዲ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኣብ ዓዲ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ኣብ ዓዲ ቁጽሪ ዘይብሎም መስተውዓልቲ ኤርትራውያን፡ ዓበይቲ ዘየኽብሩ፡ መንእሰይ ዘየፍቅሩ፡ ኣዴታት ዝደፍሩ፡ ኣቦታት ዝዝንጥሉ፡ ሽማግለ ዝኣስሩ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዘደስክሉ፡ ጸሎተኛ ዝጸልኡ፡ ንቅኑዕ ጸሎሎ ዝቐብኡ ዘይሰብ ኣደብ፡ ሃገር ክመርሑ ጽያፍ ከም ዝኾነ ኣቃሊሓ፡፡ ኣብ ዓዲ ራእሲ ተሰማ፡ ገፋዕቲ ፍትሒ ከስተምህሩ፡ ዓመጽቲ ገበርትን ሓደግትን ክሽየሙ ውርደት ከም ዝኾነ፣ ኣብ ዓዲ ዓዋተ፡ ድሕሪ ተጋድሎ ሰላሳ ዓመታት፡ ሓዎም ድከቱ ክሰቲ ዝዕንድሩ ዘይሰብ ሕልና፡ ወላ ሽሞም ተጋደልቲ እንተኾነ፡ ሕድሪ ተጋዳላይ ስለዝጠለሙ፡ ዓገብ ክብሃሉ፡ ክምከሩ፡ እንተኣቕቢጾም ግና፡ ህዝቢ ብድምጹ ከልግሶም ቅኑዕን ፈረቓን ከም ዝኾነ ብዓውታ ኣቃሊሓ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ንህግደፍ ዝኣመነ፡ ማይ ከም ዝሓቖነ፡ ብዘይካ ድኻም፡ ፋይዳ ከም ዘይረክብ ክበርሃሉ ጀሚሩ፡፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ፡ ህግደፍ፡ ከም ዓለቕቲ፡ ኣብ ጎሮሮ ህዝቢ ተሰሪጉ ደም ንጹሓት ኤርትራውያን ዝሰቲ፡ ቀንጢባክ ክድርበ ዝግባእ ቁርዲድ ከም ዝኾነ ኩሉ ስለዝፈለጠ፡ ብዘይካ ስሑው ልብን ጎደሎ ቀልብን፡ ኣብ ደብሪ ህግደፍ ዝምህለል ኤርትራዊ የልቦን፡፡ ሳልሳይ ድማ፡ ናጻ ናይ ጽሑፍን ዘተን ክትዕን መኣዲ ብምፍጣር፡ በንጻር'ቲ ኢሳያስን ንሱ ዝባረኾም ውሑዳትን ኣብ ህዝቢ ከስርጹዎ ፈቲኖም ዝፈሸሎም ናይ ዓያሹ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ካብ እንርከብ ኤርትራውያን፡ ብቃላት ዘይትንተን ብስለት ዘለዎም፡ ብፊደል ዘይግለጽ ዕምቆትን ኣተሓሳስባን ዝዓደሎም፡ ንሓቂ ብትሪ ዝምጉቱ ብዙሓት፡ ብዙሓት፡ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ብግሁድ ኣመስኪራ፡፡ በዚ ድማ፡ ኣዚና ንሕበን፡፡ ከምዚ እንክንብል ግን፡ ንጹር ክኸውን እንደልዮ መሰረታዊ ሓቂ ኣሎ፡፡ ንሱ ድማ፡ ኣዝማሪኖ፡ ብዘይ ተሳትፎ ግዱሳትን፡ ብዘይ ንያት ተደናገጽትን ዋሕዚ ተኸታተልትን፡ ገጽ ኮምፕዩተር፡ ጸፋሕ ጥርሙዝ ኢያ ኔራ፡፡ ገለ ዘይብላ፡ ምድረ በዳ ኢያ ኔራ፡፡ ሳላ ኤርትራውያን ግን፡ ኣብ ሓጺር ዓመታት፡ ኣብ ዝኾነት ትኹን ሰከንድ፡ ኣማኢት በጻሕቲ ዘይፍለዩዋ፡ ዕምርቲ ኣዳራሽ ብምዃን፡ ብየማን ርእይቶ፡ ብጸጋም መኣረምታ፡ ሎሚ ሓበሬታ፡ ጽባሕ ነቐፌታ እናቃልሐት፡ ነዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ዕማማት ከተሰላስል፡ በቒዓ፡፡ በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ውሑዳት ህግደፋውያን፡ ኣብ ዘበን ውቤ ከም ዝጸመመ ዓዋን፡ ንዝበለየ ከሕድሱ ሓኾት ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን፡ እቲ ዝበለጸን ዘይቅየርን ሓቀኛ ጥበብ ምዕባሌን መሰረት ግስጋሰን፡ ዝዓበየ ብዝነኣሰ፡ ዝኣረገ ብዝሓደሰ፡ ኣቦ ብወዱ፡ ኣደ ብጓላ ምስ ዝተኻኻኡ ጥራይ ከም ዝኾነ ብምስትውዓል፣ ሓላፍነት ጎስጓስን ሓበሬታን ኣዝማሪኖ፡ ናብቶም ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ርትዕን ክነግሳ'ሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንቡር ህይወት ደቂ ሰብ ከስተማቕር ዕድል መታን ክረክብ፡ ብኣዝዩ ዝድነቕ ቅዱስ ህልኽን ተወፋይነትን ኩሉ ዝከኣሎም ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣባላት ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ እነረክበሉ ግዜ፣ ንኩሎም እቶም ነዝማሪኖ ዳት ኮም፡ ካብ ምድረበዳ ናብ ዕምርቲ ኣደራሽ ዘተን ሓበሬታን ክትከውን ዘብቅዑዋ ደቂ ሃገር፡ ካብ መዓሙቕ ልብና ዝፈልፈለ ምስጋናና ነቕርበሎም፡፡ ደድሕሪ ምስጋና ድማ፡ እዛ ንህዝባዊ ዕላማ እተገልግል ኣዝማሪኖ፡ ሽማን ኣካየድታን ወላ እንተቐየረት፡ መትከላ፡ እምነታ፡ መሰረታ፡ ኣብ ቦታኡ ስለዘሎ፣ ኩሉ ዝገለገስኩምልና ምድግጋፍኩምን፡ ጽሑፋትኩምን፡ ኣበርክቶኹምን፡ ብዝለዓለን ብዝዓዘዘን መጠንን ዓቐንን፡ ንኤምዲሰመ ክትልግሱዎ፡ ሓደራ ንብል፡፡ ኣስዒብና ድማ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሰዓት ምርኽኻብ፡ ንሕሉፍ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ተመኩሮ ብምውሳድ፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብር ወገን ድማ ብፍላይ ዘተኮረ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ፡ ኣድላዪ ከም ዝኾነ ስለ ዝኣመንናሉ፡ ካብዚ ቀጺሉ፡ ሕጽር ዝበለ መልእኽትና ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን፡ ንዓናን ንዓኹምን ዘራኸበ፡ ማለት ነዝማሪኖ ኣዝማሪኖ ዝገበረ ጉዳይ፡ ናይ ሓባር ሽግር ኢዩ፡፡ ናይ ሓባር ሽግር ኣጋጢሙና ክንሱ፡ ርጉም ስርዓት ኣፍና ለጒሙ ስለዝሓዘና፡ ብጉዳይና እንዛተየሉ፡ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉ መድረኽ ከነናዲ፡ ግድነትን፡ ኣድላይን ኮይኑ፡፡ ነዚ ኣድላይነት'ዚ ብምርዳእ፡ ኣፍ ደገ ኣዝማሪኖ ንኩሉ ኤርትራዊ ክፉት ምስ ኮነ፡ ኣዝማሪኖ፡ ህብብቲ መራኸቢት ኤርትራውያን ኮይና፡፡ ኣብ ልቢ ኩልና ዘሎ ሃንቀውታ፡ ኣብ ገጻት ኣዝማሪኖ፡ ተቓሊሑ፡፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም እንነብር ኤርትራውያን፡ ከምቲ በብወገንና ኣብቲ እንነብረሉ ቦታን ሃገርን እንገብሮ፡ ኣብ ገጻት ኣዝማሪኖ፡ ንናይ ሓባር መሰልናን ክብሪ ህዝብናን ክንጣበቕ፡ ክንማጎት፡ ክንዛተ፡ ክንነቓቐፍ፡ ክንተኣራረም፡ ተራኺብና፡፡ ኣብዚ መስርሕ'ዚ፡ ገለ ኣሕዋት፡ ብስለትን ምስትውዓልን ብዘለዎ መሃርን ሓባርን ጽሑፋቶም፡ ኣብቲ ዝተደልየ ዕላማ ኣዝዩ ኣዎንታዊ እጃም ብምብርካት፡ ተፈላጥነት ኣጥርዮም፡፡ ገለ፡ ሳላ ኣዝማሪኖ ተላሊናስ፡ መልእኽቲ ብምልውዋጥ፡ ሰብ ርሑቕ ተቐራሪብና፡፡ ብዙሓት ካባና፡ ድልዱል ምሕዝነትን ዕርክነትን ኣጥሪና፡፡ እቶም ብስም ውሕስነት ሃገርን ዓወት ንሓፋሽን ሸቐጥ ዝለመዱ ውሑዳት ድማ፡ በቲ ሓደ መዳይ፡ ኣብ ገጻት ኣዝማሪኖ ዘቃልሑዎ ዝነበሩ ሓሶታት፡ ብምጉት ቅኑዓት ብተደጋጋሚ እናፈሸለ፡ ንዓቐብ ዝሸኑዎ ሓሶታቶም ተመሊሱ ኣጠልቅዩዎም፡፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ሽሕ እንተጸዓርካ፡ ብሓሶት ዝቐንዕ ጎባጥ ስለዘየለ፡ ነቲ ከጸባብቑዎ ሓኾት ዝብሉ ዝነበሩ እኩይ ስርዓት መሊሶም ግዕዙይ ምኻኑ ብተደጋጋሚ ምስ ኣመስከሩ፡ በቲ ዕሱባት ጌሩ ዘዋፈሮም ስርዓት፡ ኣብ ኣዝማሪኖ ዝቃላሕ ጽሑፋት ካብ ምልኣኽ ክቁጠቡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉሎም፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ መድረኽ፡ "ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ!" ከም ዝብሃል፡ ሕብሮም መፈጠሮም ምስ ተጋህደ፡ ከይዶም ናብ ገረቦም፡፡ ብህዝባዊ ማዕበል ተጎኒጾም፡ ኣብተን ብሓሶት ዝወቀባ መርበባት ስርዓት ህግደፍ ክዕቆቡ ተገዲዶም፡፡ ንሕና ኣባላት ኣዝማሪኖ ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ልብኻ፡ እንተዝመኽሩኻ፣ ኣብ ልዕሊ ዘለካ፡ እንተዝውስኹካ!" ከም ዝብሃል፡ ኣብዚ መስርሕ'ዚ፡ ካብቲ በብወገኑ ዝለኣኸልና መልእኽትታትን ጽሑፋትን፡ ብዙሕ ተማሂርና፡፡ እወ ርግጽ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ገዳይም ተጋደልቲ ካብ ዝመጸና፡ እህህታን ጣዕሳን ዘሰነዮ ዝምጉሰና ጽሑፋትን፡ ካብ ካልእ ብድዐ ዝመልኦ ምፍርራሓትን፡ ብዙሕ ተማሂርና፡፡ ካብ ዓበይትን፡ ካብ ውርዙያት ወለድን ካብ ዝተለገሰልና ምኽሪ ብዙሕ ከሲብና፡፡ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍን ኣብ ስደትን ካብ ዝኽርትቱ ዘለዉ መንእሰያት ብዝተላእከልና ኣውያት፡ ኣዚና ጉሂና፡፡ ሕርር ኩምትር ኢልና፡፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም ሓፊርና፡፡ በሕዋትና ስለዝተረገጽና፡ ትርጉም ተጋድሎ ሰላሳ ዓመታት እንታይ ከም ዝነበረ ኣዕሚቑና ክንሓስብ ተገዲድና፡፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ተስዓን ትሽዓተን ነጥቢ ትሽዓተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ተስዓን ትሽዓተን ካብ ሚእቲ ቅኑዓት ተጋደልቲ፡ ንውልቃዊ ጠቕሞም ዝጋደሉ ውሑዳት ከም ዝነበሩ፡ ግብሮም ነጊሩና፡፡ ካብ ምሁራት ብየማንን ብጸጋምን ዝወሓዘ ጽሑፋት፡ ኩሉ ዲግሪ ዝጸዓነ ብማዕረ ከም ዘይሓስብ፡ ብማዕረ ንሓቂ ከምዘየቃልሕ፡ ኣብ ኢድና ዘሎ ሰነዳት ሓቢሩና፡፡ ኮታ ብሓፈሻ፡ ካብ ኩሉ ተኸታታሊ ኣዝማሪኖ ዝመጸና ደጋፍን ነቓፍን ጽሑፋት፡ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክልተ ገጽ ዘለዎ ሕማም ከም ዝኾነ ኣብ መደምደምታ በጺሕና፡፡ መደምደምታና፡ ናትና ኢዩ፡፡ ጌጋ ክኸውን ይኽእል፡፡ ጉድለት ክህልዎ ይኽእል፡፡ ከይንንቀፍ ፈሪሕና ግን፡ ዓብዒብናዮ ስቕ ክንብል ኣይንደልን፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብ መስርሕ እዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣረጋጊጽና ካብ ዝተገንዘብናዮም ሓቅታት ሓደ፡ ቀንዲ ካብቶም ነዚ ዘሎ ውርደት ጠንቂ ዝኾኑ ጉዳያት፡ ስቕታ ከም ዝኾነ ኢዩ፡፡ ካልኣይ ድማ፡ ጌጋ ምርጫ ኢዩ፡፡ ስቕታና ድማ፡ ጌጋ ምርጫ ኢዩ ኢልና ስለእንኣምን፡ ብድርብ ካብ ምግጋይ፡ እምነትና ምድርጓሕ ንመርጽ፡፡ እቲ ካልእ ጠንቂ መከራ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ እቲ ኩሉ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጦ ግናይ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ፡፡ ጉዳይ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ በቲ ሓደ መዳይ፡ ዝኣኽሎ ስለዝተዘርበሉ፣በቲ ሓደ ድማ፡ ነብሰ ግሉጽ፡ ተወሳኺ መብርሂ ዘየድልዮ ግሁድ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ሹመኛታት ህግደፍ፡ ንነብሶም ክብሉ፡ ንምቾቶም ክብሉ፡ ኩሉ ዝኽእልዎ ዘበለ ክገብሩ፡ ወላ ሰብ ክቐትሉ፡ መንእሰያት ክሓርዱ፡ ብደም ንጹሓት ክንግዱ እንኮ ምርጮኦም ስለዝኾነ፣ ንህግደፍ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ናብቲ በዓል ክልተ ምርጫ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከነተኩር ግድነት ኢዩ፡፡ ናብ ህዝቢ ኤርትራን ምርጫታቱን ኣተኲርና ምስ እንዕዘብ ድማ፡ ንሕና ኣብ ዘርከብናሉ ዓመታት ጥራይ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ጌጋ ምርጫታት ወሲዱ፡፡ እንታይ ኢዩ ግን እቲ ናብ ከምዚ ዝበለ መዳርግቲ ዘይብሉ ሕሰምን ውርደትን ባርነትን ዘውድቐ ጌጋ ምርጫታት? እቲ ጌጋ ምርጫታት፡ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ግን፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ (1) ፈጣሪ ዝሃበና፡ ዝሓስብ ዘዋስብ በሊሕ ሓንጎል እናሃለወና፣ (2) ብሰላም ክንወፍር ክንኣቱ፡ ከይንዕመጽ ከይንጉዕጸጽ፡ ፈጣሪ ዝሃበና መሰልና እናኾነ፣ (3) ብቀንዱ ድማ፡ ብሓርነት ክንነብር ክቡራት ኣሕዋትናን ደቅናን ሞባእ ከፊልና ክንስና፡ ብዝተፈላለየ ኣገባብ፡ ኣብ ባርነት ክንነብር መሪጽና፡፡ ርግጽ ኢዩ፡ "እንታይ ዝዓብስ ፍትሒ፡ ግፍዒ ይሕሸና! እንታይ ዝዓብስ መሰል፡ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣስገዳድ ይሕሸና! እንታይ ዝዓብስ ሓርነት፡ ባርነት ይሕሸና! እንታይ ዝዓብስ ቅሳነት፡ ውርደት ይሕሸና" ዝብል ሰብ የለን፡፡ ንፍትሒ፡ ኩሉ ይደልያ፣ ንሓርነት ኩሉ ይምነያ፡፡ እንተኾነ ግን፡ ነቲ ፈጣሪ ዝሃበካ ሓንጎል ድፍን ኣቢልካ፡ ርእሶም ዝዘወሮም ዝተዛረቡዎ ከም ቃል ፈጣሪ እንድሕር ተቐቢልካዮ፣ ብፍታውካ፡ ብዓያሹ ክትምራሕ ብዝወሰድካዮ ምርጫ፡ "እንታይ ዝዓብስ ራህዋ፡ ንዒ ድኽነተይ፡ ንዒ ሸሸይ በልለይ" ካብ ምባል ዝፈሊ ነገር የብሉን፡፡ ሰናይ ዘይዓደሎም ውሑዳት ግናያት፡ ንውልቃዊ ረብሓኦም ዝተኸሉዎ ሕግታት፡ ከም ዘይቅየር ሕጊ ተፈጥሮ፡ ኣሜን ኢልካ እንተተቐቢልካዮ፡ "እንታይ ዝዓብስ ክብሪ፡ ንዒ ውርደት፡ ንዒ ክጉምጎመኪ" ካብ ምባል ዝፈሊ ነገር የብሉን፡፡ ኣደብ ዘይዓደሎም ውሑዳት እኩያት፡ ወላ ነቶም ብኩሉ ጸጽቡቑ ኣብነት ዝኾኑ ቅዱስ ጳጳስና፡ ብመጋበርያታቶም፡ ብካድረታቶም እንዳተክኡዎም፡ ድላዮም ክገብሩ ምግዳፍ፡ "እንታይ ዝዓብስ ሓቂ፡ ሓሶት ኢዩ ዘጽድቕ" ካብ ምባል ወላ ሓንቲ ዝፈሊ ነገር የብሉን፡፡ ተወሳኺ ኣብነታት ምጥቃስ'ውን ዘጸግም ኣይኮነን፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ብፍሉይነት ምስ እንግምግም፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሓሓሊፉ ንንጹሓት ከም ሳዕሪ መገዲ እንዳረገጸ እንዳቖረጸ፡ ንቅኑዓት እንዳሸምጠጠ፡ ንስንኩላን እንዳቐተለ፡ ንተጋደልቲ እንዳኣሰረ፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሎም እቶም ዝግፍዑ፡ ኩሎም እቶም ዝእሰሩ ዝቕተሉ ዝነበሩ ደቁ - ግጉያት፡ እንኮ ኣቶ ኢሳያስ ግን፡ ኩሉ ግዜ ቅነêዕ፡ ኩሉ ግዜ ሓቀኛ ክመስል፡ ዕድል ሂቡዎ፡፡ እዚ ከይኣክል፡ ብዘይካ ተኹስን ነውጽን ሰላም ዘይመባልዕቱ ሰብ፡ ብሰበብ እታ ንወያኔ ሞቕሽሽ ክትከውን ቀደም ዝዓደላ ባድመ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ዝቐዘፈ ኩናት ኣብ ዝወልዓሉ ግዜ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ትንፋስ ደቁ ከም ዝቕዘፍ ዘንጊዑ፡ መጋበርያ ኣቶ ኢሳያስ ክኸውን መሪጹ፡፡ ዝገደደ ድማ፡ ኣብ 2001፡ ዝሓለፈ ጉድለቶም ዘጣዓሶም፡ ንሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ብምብጋስ፡ ንመሰልን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ንዝተጣበቑ ተጋደልትን መንእሰያት ጋዜጠኛታትን ዓበይቲ ዓድን፡ "ዓጋመ፡ ወያኔ፡ ተምበርከኽቲ፡ ተሰዓርቲ" ዝብል ጸለመታት ምሂዙ ኣብ ቤት ማሕቡስ እንክዳጉኖም፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቕ መሪጹ፡፡ ከም እኩብ ድምር ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ጌጋ ምርጫታት ድማ፡ እንሆ ሎሚ፡ ውርደት፡ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ፣ ድኽነት፡ ሕላገት ህዝቢ ኤርትራ፣ ስደት፡ ዕጫ ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ህይወት ሰብ ኣመና ሓሲሩ፡ ብህይወት ምንባር ማለት፡ ምኽፋሉ ዝኸብድ ሓያል ዕዳ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ እዋን፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ፡ "ንውርደቱ መደምደምታ ዘይገበረሉ" ምባል፡ ጌጋ ወላ እንተዘይኮነ፣ ካብ ብዛዕብኡ ምዝራብ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ዓዲ መሰልን ቅሳነትን ዝነበር ዘሎ ኤርትራዊ ምዝራብ ዝያዳ ስለዘምሕር፡ መልእኽትና፡ እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጥ ወገን እንታይ ዓይነት ምርጫታት ይወስድ ከም ዘሎ ተናኺፍና፡ ክንዛዝሞ ቅኑዕ ኮይኑ ይስመዓና፡፡ ዘሎናዮ እዋን፡ ድሕሪ ናጽነት ግፍዒ ዘሰምበዶም ብሚእቲ ሽሕ ዝግምገሙ ኤርትራውያን ኣብ ጎደና ስደት ዝኽርትተሉ ዘሎ ግናይ እዋን ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓለንጊ ግፍዕን ጥሜትን ዝልብለበሉ ዘሎ ሕሱም ዘበን ኢዩ፡፡ ወጣም ኢድ ኣቶ ኢሳያስ፡ ኣብ ዘይመንጠቢታ ጦብሎቅሎቕ እንዳበለት ንህዝቢ ኤርትራ መዓት ከተዝንበሉ ትመጣጠረሉ ዘላ ኣተሓሳሳቢ እዋን ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከም ድላዩ ኮሪዑ ኣብ ዝመላለሰሉ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ ዝኽተሎ ዘሎ ምርጫ ግን፡ ካብ ኤርትራውያን እትጽበዮ ኣይኮነን፡፡ ብዘይካቶም ኣብ ጎዳጉዲ ሰምሃርን ደንካልያን፡ ኣብ ኣጻምእ ባርካን ሳሕልን፡ ኣብ ኣሰመራን ከባቢኣን ከይተረፈ ድከቶም ዝሰትዩ ዘለዉ ኣሽሓት መንእስያት፣ ወርሒ መጸ፡ ናብ ስደት ከምርሑ፡ ገለ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን፡ ገለ ኣብ ዶብ ኢትዮያን ኤርትራን፡ ብጥይት ስርዓት ህግደፍ ይምንከሉ ኣለዉ፡፡ ገለ ኣብ ኣጻምእ ሰሃራ ከም ቆጽሊ ይሓርሩ ኣለዉ፡፡ ገለ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኤውሮጳ ብላሽ ይቕዘፉ ኣለዉ፡፡ ስለምንታይ? ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ? እወ ብርግጽ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ፡ ንህዝቢ ምድሃኽ፡ ስርሑ እንድዩ! ስለዚሲ፡ ንመጋድልቱ፡ ንመተዓብይቱ፡ ንመማህርቱ ሰስሒቡ ኣብ ጎዳጉዲ ዝቐትል ጨካን መራሒ፡ ንመንእሰያት ኣሕዋትና ዝጠቅም ኣገባብ ክኽተል ኣይንጽበዮን፡፡ ንሕና እዞም ኣብ ወጻኢ እንነብር ህዝቢ ግን፡ ንሕማምና ባዕልና ፍታሕ ከይንረኽበሉ ዝኽልክለና እንታይ ኢዩ? ብዘይካ ምርጫና፡ ወላ ሓደ ከልካሊ የብልናን፡፡ ነዚ ሓቂ'ዚ ዘብርህ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኬንያን ሊብያን ኤውሮጳን ዝሳቐዩ ዘለዉ መንእሰያት ስደተኛታት ዘለና መርገጺ ምጥቃስ ኣኻሊ ኣብነት ኢዩ፡፡ ብቁጽሪ ምስ እንጽብጽቦ፡ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ጥራይ፡ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ሰሪሕና ደሞዝ እነእቱ ኤርትራውያን ኣለና፡፡ እዚ ማለት፡ ካብዚ ቁጽሪ'ዚ፡ ዓሰርተ ካብ ሚእቲ፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ እክብ ኢሉ፡ ምእንቲ እቶም ኣብ ስደት ዝኽርትቱ ዘለዉ መንእሰያትና ዓገብ እንተዝብል፡ ህይወት መንእሰያት ካብ ሞት ክድሕን ምኽኣለ፡፡ ከምዚ እንተንገብር፡ ንዓለም ብድምጽና ኣናውጽ እንተነብላ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብር ግፉዕ ህዝብና፡ ተስፋ ምረኸበ፡፡ ህግደፍ ድማ፡ እንተኾነ፡ ብድምጺ ህዝቢ ርዒዱ፡ ብንያት ህዝቢ ሰምቢዱ፡ መንእሰያት ምስቓይ ምነከዮ፡፡ ኣብ ዘይገዛኻ ሓዊ ኣሳዊርካ ትንፋስ ኤርትራውያን ካብ ምቕዛፍ፡ ምተቖጠበ፡፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣገባቡ ምቐየረ'ሞ፡ ስደት ምነከየ፡፡ ከም ኣመሉ፡ ብቅቡጽ ዝምራሕ ጉጅለ ቅቡጻት ምዃን ይሕሸነð ዝብል መርገጺ እንተወሲዱ ድማ፡ ስደት ብስደቱስ፡ ነቶም መንእሰያት ደቅናን ኣሕዋትናን፡ ሞት ዘይብሉ ስደት መታን ክኾነሎም፡ እክብ ኢልና፡ ናብቲ ንዓና ኣብ ግዜ ደርጊ ዐêቕባ ዝሃበና፡ ናብቲ ፍታሕ ከምጽእ ሓይልን ገንዘብን ዘለዎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንተንኸይድ፡ ኣሕዋትና፡ ከካብ ዘዘሉዎ ከርተት፡ ብነፋሪት ኣብ ዓዲ ሰላም ምኣተዉ፡፡ ኣብ ባሕሪ ኣይምጣሓሉን፡፡ ካብ ማልታ ተመሊሶም፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳህላክን ሓድሽ መዓስከርን ኣይምተሳቐዩን፡፡ ካብ ሊብያ ተመሊሶም ኣደዳ ግፍዒ ህግደፍ ኣይምኾኑን፡፡ ርግጽ ኢዩ፡ ነሕዋትና ዝኸውን ቀለብን ገንዘብን ምልኣኽ ሰናይ ኢዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ ነባሪ ፍታሕ ከነናዲ ኸ፡ ግቡእ ዶ ኣይኮነን? ከይሞቱ ፈውሲ ከነናድስ፡ ቅኑዕ ዶ ኣይኮነን? ግቡእ'ባ! ቅኑዕን ፈረቓን'ባ! ምርጫ ናይዞም ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣውስትራልያን ኤስያን ዘለና ኤርትራውያን ግን፡ ኣብ ክንዲ እክብ ኢልካ ምድማጽ፡ በብኩርናዕካ ሕርር ኢልካ፡ ንህግደፍ ኤህ ኢልካ ተራጊምካ ትም ስለዝኾነ፡ ነሕዋትና ስደት ከይኣክሎም፡ ውርደቶም ከርተቶም ከይኣክል፡ ኣብ ዝኸዱዎ ይግፍዑ፡ ኣብ ዝኸዱዎ ብላሽ ይቕዘፉ ኣለዉ፡፡ ኣዴታትና ድማ፡ ንሕና ኮይንና ደቀን፡ ዋልታ ከም ዝተሰብሮ ሓርበኛ፡ ጓሂ ከም ኩናት ኮላሊተን ይበስዐን ኣሎ፡፡ ነቦታትና፡ ንሕና ኮይንና ደቆም፡ ርእሶም ደኒኑ፡ ክብረቶም ተቐንጢጡ፡ ይዋረዱ ኣለዉ፡፡ እዚ ኩሉ ብሰንኪ ስቕታና! ብሰንኪ ምስ ዓሻ ዘቑጽረካ ስቕ! ብሰንኪ ከም ከልቢ ዘዋርደካ ትም! እዝስ የምሕረልና ዶ? ኣየምሕረልናን! በንጻሩ እኳ ድኣ፡ የኽፍኣልና፡ ኣመና የኽፍኣልና፡፡ ካብ ምኽፋእ ሓሊፉ፡ ኣሕዋትና የጥፍኣልና፡፡ ካብዚ ሓቂ'ዚ ብምብጋስ፡ ነዚ ከም ሕማም ተላገብ ረሚሱና ዘሎ ስቕታ'ዚ ንምፍዋስ፡ ብተደጋጋሚ መጸዋዕታ ካብ ምትሕልላፍ፡ ስቕ ኣይበልናን፡፡ "ከምዚ ይኸውን ኣሎሞ፡ ሃየንዶ ገለ ንግበር" ምባል፡ ኣየቋረጽናን፡፡ ከምዚ ዘብለና ዘሎ ግን፡ ልዕሊ ሰብና ዝሞቱ ኣሕዋት ስለዘለዉና ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ ሰብና ስለእንሓምም'ውን ኣይኮነን፡፡ እንታይ ድኣ፡ ነቲ "ምእንቲ ውጹዕ ህዝብኻ ብዓውታ ዓገብ ምባል፡ ኣድላይን ቅኑዕን ኢዩ! ምእንቲ ግፉዓት ዓገብ ምባል፡ ቅዱስ ኢዩ!" ዝብል መርገጺ ሓንሳብ ምስ ጀመርናዮ፡ ኣብ ቅንዕንኡ ተኣማሚንና፡ ከይሰልከና ስለእነቃልሖ ጥራይ ኢዩ፡፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት፡ "ከምዚ ኣጋጢሙ ኣሎ" ክብሃል ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ኣብ ወርሒ ሓሓንቲ ቅርሺ ብምውጻእ፡ ንኩነታት ስደተኛታት ብጽጹይ ኣለልያ፡ ኣጽኒዓ፡ ፍታሕ እተምጽእ ብውርዙያት ዝቖመት ሽማግለ ክንምዝዝ ምኸኣልና፡፡ ኣይገበርናዮን ግን፡፡ ምስ ኮነ ግን፡ ሰብ ኣብ ባሕሪ ምስ ጠሓለ፡ መጽዓኒ ሬሳ፡ ኣማኢት ዶላራት ነዋጽእ፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ጌጋ ምርጫ የልቦን፡፡ ብሰንኪ ስቕታናን ስንፍናን ኣሕዋትና ይቕዘፉ ስለዘለዉ ድማ፡ ብዝነኣሰ መጠን ወላ እንተኾነ፡ ኣብ መስርዕ ስርዓት ህግደፍ ዘጸብጽበ ገበን ንፍጽም ከም ዘለና ምዝኽኻር፡ መድረኹ ዝሓለፎ ጉዳይ ኢዩ ንብል፡፡ ኣብዚ በዝማሪኖ ዝካየድ ዝነበረ ዕማም ናብ ኤምዲሰመ ዝሰጋገረሉ ዘሎ መድረኽ ድማ፡ ኣሕዋትና፡ ኣደ ከም ዘይብሉ ዕሸል፡ ኣብ ፈቐዶኡ ክዋረዱ ክሞቱ ገዲዱ'ምበር ስለዘይተመሓሸ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንቕመጥ ኤርትራውያን፡ ከይወዓልና ከይሓደርና፡ ፍታሕ ክንረክብ ኣማራጺ ዘይብሉ ግድነት ከም ዝኾነ ንጠቅስ፡፡ ሓደን ቀንድን ካብቲ ብቀሊሉ ክግበር ዝከኣል ጉዳያት፡ ከምቲ ዝተጠቕሰ፡ ምቛም ሽማግለታት ኢዩ፡፡ ኩልና በብዘሎናዮ፡ ብውርዙያትን መስተውዓልትን ዝቖመት ሽማግለ ከባቢ ንመስርት፡፡ እተን ሽማግለታት ድማ፡ ብተሌፎንን ብኢንተርነóትን ተራኺበን ተላልየን፡ ወይ ድማ፡ ካብቶም ዝፋለጡ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ብመን ሕራይ፡ ሓሓደ ናብ ጠርናፊት ሽማግለ ብምምዛዝ፣ እታ ጠርናፊት ሽማግለ፡ ናብቲ ስደተኛትት መንእሰያትና ዘለዉዎ ቦታታት ከም እትጎዓዝ ንግበር፡፡ ኣብ ጉዕዞኣ ድማ፡ ብቪደዮ ስኢላ፡ ናብ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ኩለን እንነብረለን ሃገራትን ጭቡጥ ጸብጻብ ዘሰነዮ ረዚን ጥርዓን ከም እተቕርብ ንግበር፡፡ እታ ሽማግለ ከምዚ ንክትገብር ግን፡ ንመጎዓዓዝን መዕረፍን ገንዘብ ስለዘድሊ፡ ቀቅርሺ ከክልተ ቅርሺ ብምውጻእ፡ ተሓሳሰብቲ ዝቆጻጸሩዎ ማዕከን ስደተኛትት ንጀምር፡፡ ነዚ ጉዳይ ወላ ፍርቂ ርብዕና እንተተበጊስናሉ፡ ኣብ ወርሒ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከነዋጽእ ኢና፡፡ ሰልዲ እንተሎ ድማ፡ ፍታሕ ንምርካቡ ዝቐለለ ክኸውን ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ሃየ ኣሕዋት፡ ስራሕ ኤርትራውያን ንስራሕ፡፡ ኣብነት ቀዳሞት ንከተል፡፡ ኣብነት ናይቶም ኣብ ጉዳይ ጎሮቤተን ተዓጠቕቲ ኣዴታትናን፡ ኣብነት ናይቶም ብዘይጸዓድ ኒሕን ንያትን ምስ ክብረቶም ዝጸንሑና ወለድናን፡ ንሓርነትና ዝተጋደሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንከተል፡፡ እዚ ምስ እንገብር፡ ህይወት ኣሕዋት ይድሕን፡፡ ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ድሕሪ ተኣማሚንካ ሓደ ዕማም ምውጋን፡ ንምጥርናፍና፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ከም ዝደፍኦ ዝተረጋገጸ ጉዳይ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ምጥርናፍና ድማ፡ ዝዓበየ ፍታሕ'ውን ቀረባ ስለዝኾነ፡ ሃየ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና፡ ከይኮነ ንጸግን፡ ከይተሰብረ ንወግን፡፡ እዚ ምስ ዘይንገብር ግን፡ ይሓዱ ይብዝሑ፡ ኤርትራውያን ኣብ ጎደና ስደት፡ ክቕዘፉ ኢዮም፡፡ ብዓቢኡ ድማ፡ እዚ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን መዳርግቲ ዘይርከቦ ገፋዒ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝብና ክልክሞ ኢዩ፡፡ ጌና ነቶም ብሕጂ ዝጉብዙ ዘለዉ ሕጻናት ከይተረፈ፡ ኣደዳ ዝገደደ ውርደትን፡ ዝገደደ ስቓይን፡ ዝገደደ ስደትን፡ ዝገደደ ሞትን ክገብሮም ኢዩ፡፡ ንሕና ድማ፡ ናይ ሕልና ዕዳ ተሰኪምና ክንነብር ኢና፡፡ መድሃኒት ኩሉ ሕማምና ግን፡ ብምርጫና ንወስዶ ንገድፎ፡ ቀረባና ኢዩ፡፡ ፈውሲ ኩሉ ሽግርና፡ ኣብ ኢድና ኢዩ፡፡ መቃለሊ ኩሉ ጾር ኤርትራውያን፡ ኣብ ኢድና ኢዩ፡፡ ኣብ ኢድና ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ በዓል ትንሳኤ ዝዝከረሉ ዕለት፡ ክስታናይና ኣስላማይና፡ ዓቢና ንኡስና፡ ወድና ጓልና፡ ንህሉዋትና ትንሳኤ ኣረጋጊጹ፡ ንሰማእታትና ክብሪ ዘለብስ መብጽዓ ብምእታው፣ ንዓመታ እዛ እዋን፡ ካብዚ ዘሎናዮ ግናይ ዘበን ዓመጽ ተገላጊልና፡ በዓል ሮመዳንን፡ ፋሲካ ክርስትናን፡ ፋሲካ ሃገርን ኣከታቲልና ከነብዕሎ ንበገስ፡፡ ተስፋልደት ኣለም መሓረና ኣዝማሪኖ ዳት ኮም ካሊፎር ኒያ፡ ኣመሪካ ሚያዝያ 7፡ 2007