ቀደም ዝበልዎን ናይ ሕጂ ግብሮምን! Print E-mail
By ኦሮማይ ሻዕብያ - Mar 21, 2007   


ቅድሚ ሕጂ “ኦሮማይ ሻዕብያ” በዝብል ቀጽል ስም፣ ብእንግሊዝ ኣብ ገጻት ዓዋተ፡ ጓህየይ ኣስተነንፍስ አቢለ ነረ። ከም አቦይን አደይን፡ ድሒሩ ድማ ከም ውላደይ ዝርእያ ዝነበርኩ ሻዕብያ፡ ካብቲ ዝፈለጣ ናብ ዘይፈልጣ ተቀይራትኒ፡ ከለልያ አይካኣልኩን። ፍትሓዊት ዝብላ ዝነበርኩ ዓማጺት፤ሞኸረዒት ዝብላ ዝነበርኩ መሕፈሪት፤ መስመሪት ዝብላ ዝነበርኩ ድማ መፈላለይት ኮይናትኒ “አነ ድየ ሪመይ ዝተቀየርና?” ኢለ ምስ ነብሰይ ተመራሚረ፡ ንነዊሕ እዋን’ውን ሕልናይ ፈቲሸ’የ። ሪመይ ተጨውያ። እታ ዝፈልጣ ሻዕብያስ ከይዳ፡ ኦሮማይ ዘበለኒ ድማ ንሱ’ዩ።

ገለ ተዘክሮታት ከንብብ፡ ብናይ ቀደም ሕልምታት ክድበስ ዘለኒ ወረቃቅቲ ከንብብ ጀሚራ። ለካስ ተረሲዑ ዳኣ! ንደርጊ ንኸሰሉ ዝነብርና በደላትሲ ሻዕብያይ ክትደግሞ? ኦሮማይ ሻዕብያ።

ተረሲዑ ከይከውን ብምባል ድማ ብድምጺ ሓፋሽ ቀደም ዝተነበ፡ ተሓቲሙ ይዝረጋሕ ዝነበረን፡ ካብቲ ናይ ቀደም አሪጉ ዝተቆራረጸ መጽሄታት ዝረኸብክዎ መረረታት ከካፍለኩም ወሲነ ኣለኹ’ሞ፡ ናይ ቀደምን (ደርግ) ናይ ሕጅን (ህግደፍ) ኣወዳዲረኩም ግብሮም ፍልልይ ከምዝይብሉ ተገንዘቡ። ሓደራ ድማ ኤረትራ አበይ በጺሓ ከምዘላ ኣሰተብህሉ። (ከምዘለዎ ዝተቀድሐ- ምስ ገጋታቱ)

ሀ/ ድምጺ ሓፋሽ - 8/5/1989

ግፋ መንእሰያት፡ጸላኢ ካብ 7 ወረዳታት ኣከለ-ጉዛይ ብዙሓት መንእሰያት ገፊፉ። እቶም ካብ 2 ክሳብ 5 ግንቦት ዝዕስከሩ መንእሰያት ዝተገፉ ናይቲ ወረዳታት እንጋንኣ፡ ሮብራ፡ እገለ ሓምስ፡ ደቂ ኣድመቆም፡ ደቂ ደብሪ፡ መረታ ቀይሕ፡ ሓደግቲ ክኾና እንከለዋ፡ ብጠቅላላ እቶም ወተሃደራት ካብ 36 ዓድታት እዮም ገፊፎም።

ብባሕቲ ግንቦት ንጽባሒቱ’ወን ወተሃደራት ጸላኢ፡ ካብ ወረዳታት ዓረት መጽሔ ደቂ ድግና ሓደግቲ ጸንዓ ደግለ ደቂ ዘርኢ ሰናይን ዝርከብ ዓድታት ብለይቲ ብምኽባብ ዝዕስከሩ መንእሰያት ገፊፎም’ዮም።

በዘይካ’ዚ ጸላኢ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ግንቦት ዝተገፉ ተቀማጦ እታ ከተማን ንዕዳጋ ናብታ ከተማ ዝመጹን መንእሰያት ክኾኑ እንከለዉ ኣስታት 200 ይኾኑ።

በኻልእ ወገን ጸላኢ ቅድሚ’ዚ ኣብ ጊንዳዕን ከባቢኣን ኣብ ዘካየዶ ግፋ ብቁዕ ቁጽሪ መንእሰያት ስለዘይረኸበ ካብቲ ከባቢ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንካልኣይ ግዜ ክገፍፍ መደብ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣኢዚ ሕጂ ኣምጺእዎ ዘሎ ናይ ግፋ መደብ ጸላኢ ኣብ ጊንዳዕን ከባቢኣን ከይተወሰነ ክሳብ ደማስ፡ ዓጋመዳ፡ እምባ ትንጓም፡ ብዓረዘን ክትርጉም ተዳልዩ ኣሎ።

ለ/ ድምጺ ሓፋሽ - 18/7/1989

“ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ መንግስቲ ደርግ ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ቅጥዕን ዘይብሉ ግፋ ንምፍጻም ይቀራረብ ኣሎ። እቲ ግፋ ኣብ ኩሉ እቲ ደርግ ዝቆጻጸሮን ክበጽሖ ዝኽእልን ቦታታት ክካየድ’ዩ ተመዲቡ ዘሎ። ብመሰረቱ እቲ መደብ ወተሃደራት ደርግ፡ ንኹሉ ብረት ክዓጥቅ ዝኽእል ኤረትራዊ ኮብኪቦም ክወስዱ ክፍትኑ’ዮም።”

ሐ/ ድምጺ ሓፋሽ - 10/7/1989

ገፋ፡መንግስቲ ደረግ ካብ ከረንን ታሕታይን ላዕላይን ዓንሰባ ብብዝሒ መንእሰያት ክገፍፍ ተዳልዩም ምህላዎም እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። ጸላኢ ነዚ ናይ ግፋ መደብ ኣብ ቀረባ እዋን ክትግብሮ ወሲኑ’ሎ። ደርግ ነዚ ግፋ’ዚ ዝዳሎ ዘሎ ብዛዕባ ሰላም ቀጻሊ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ። ብኣራኣእያ ደርግ እዚ ናይ ሰላም ፕሮፓጋንዳ ንመንእሰያት ከዘንግዕ ስለዝኽእል ንናይ ግፋ መደባቱ ሓጋዚ’ዩ።

ከም ዝፍለጥ ደርግ ብቀጻሊ ብዛዕባ ሰላም ይዛረብ’ኳ እንተሎ፡ ምቅርራባቱ ንኵናት ብፍላይ መንእሰያት ምዕስካር ይደፍኣሉ ኣሎ።

መ/ ካብ ግፍዕታት ጸላኢ -10/7/1989

ጸላኢ ካብ አስመራ ንደቡብ ካብ ዝርከብ ወረዳ ሰሓርቲ 19 ዜጋታት ኣሲሩ የሳቅዮም ኣሎ። ኣብ መንጎ እቶም ታኣሲሮም ዘለዉ፡ ሓደ ኣቦ መንበር ቀበሌ ሓደ ጸሓፊ ቀበሌን ሓያሎ ሚሊሽያ ስርናይ ኣለዉ። ካብ 60-75 ዓመት ዝዕድሚኦም ካህናትን ሽማግላታትን’ውን ይርከብዎም። ንሳቶም፦

1-     በረኸት ፋሲል

2-     ዮናስ ሃበተ

3-     አረጋሽ ምናሴ

4-     ተኽለ ሃብተጼን

5-     ወልዱ ሃብተጼን

6-     ዮሃንስ ገብረኪዳን

7-     ቀሺ የማነ ዑቅባገርጊስ

8-     ስምኦን ኣብራሃ

9-     ተስፋግረጊስ ዮሃንስ

10- ኣብራሃ መንግስ

11- በርሀ ገረዝጊሄር

12- በርሀ በራኺ

13- ተኽልዝጊ ቀሺ ተስፋሚካኤል

14- ቀሺ ገብረትንሳኤ ግበርመድህን

15- ይስሃቅ ርእሶም

ብዘይክኦም ባሻይ ክፍሎም ባይሩ ዓዶም ዝግብ ከምኡ’ወን ኣስማቶም ዘይተፈልጡ፡ ሓደ ወቀርቲ ሓደ ዓዲ ሓውሻ ሓደ ድማ ዓደርዓዳ ዝዓዶም እዮም።

ወተሃደራት ጸላኢ ኣብ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፍጽምዎ ግፍዕታት የኽርርዎ ኣለዉ።በዚ መሰራት ንኣብ ከባቢ ዓዲ ቀበሌት ወረዳ ቆሓይን ብጸረ-ሰብ ነቶጉቲ ስለዝሓጸርዎ ህዝቢ ናይቲ ዓድን ጥሪትን ምንቅስቓስ ተሓሪምዎ’ሎ። ሓያሎ ጥሪት’ወን በቲ ነቶጉቲ ሞይተን። ካብዚ ንምድሓን 40 ስድራ ቤታት ናይቲ ዓዲ ኣብ በረኻ ሰፊረን ኣለዋ።

ኣብ ጥቃ ናይ ዓዶ ቀበሌት ናይ እትርከብ ዓዲ ሓወያ ተቐማጦ’ወን ብተማሳሳሊ ኩነታት ይሳቐዩ ኣለዉ። ግራውቶም ምሕራስን ጥሪቶም ምውፋርን ስኢኖም ከይኣክል፡ ኣብቲ ዓዲ ዝርከብ ደብሪ መእመናን ጸሎቶም ከብጽሑ ኣይካኣሉን።

ብኻልእ ወገን ወተሃደራት ጸላኢ ምሕላብ መንሳዕ ቤት ሻሕቀን ናይ 14 አባይቲ ዚነጎታት ሰሪቆም ወሲዶም። 7 ክፍልታት ካብኡ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ ኣብቲ ቤት ትምህርቲን ኣባይትን ዝነበረ ንብረት ብምሉኡ ራስዮም።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ወሽጡ ዝነበረ ንብረት ጓሕጉሖም ድሕሪ ምውሳድ 12 አጓዱ ኣፍሪሶም።
______________________________________________________ 

ክሳብ ካልእ መስተንክራት ዝእክበልኩም፡ ደሓን ቀንዩ።

“ኦሮማይ ሻዕብያ”

This email address is being protected from spam bots, you need Javascript enabled to view it

Last Updated ( Mar 21, 2007 )
 
< Prev   Next >

 


  

English            ትግርኛ
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.