Elsa Chyrum - Testimony from a prosioner on Gedem prison Print E-mail
By ኤልሳ ጭሩም - ለንደን፡ ዓዲ  - Jun 14, 2006   

ህዝቢ ኤርትራ ፍርሒ ውሒጡዎ ጽላሎቱ ከኣ ድሂሉዎ ስለዘሎ፡ ኣሽምባይዶ ባዕሉ ክዛረብ ካልኦት ዝዛረቡዎ ክሰምዕ’ውን ትብዓት ኣይረኸበን። ሓቁ ከኣ’ዩ 15 ዓመት ምሉእ ብመግረፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝሰክሓ ህዝቢ፡ ሓሞት ምስፈሰሰን ኒሕ ምስ ዓረበንዶ ምዝራብ ይከኣል ኮይኑ። ሓድሓደ ተባዓት ግና ኣይተስኣኑን። ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቀንስትዮ ብዘየገድስ ተባዓት ዝጸሓፍዎ ነንብብ ኣሎና። ሳላ’ዞም ተባዓት እዚኣቶም ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ዝፍጸም ዘሎ ስቓይን መግረፍትን ክፈልጥ ክኢሉ።

ኣነ’ውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገደም ዘሕለፍኩዎ ተሞክሮ ስለዘሎኒ፡ ከምቲ ካልእ ኲሉ ነዚ’ውን ህዝቢ ክፈልጦ ኢለ’የ ክጽህፍ ዝደለኹ። እምበኣር ኣነ’ውን ሓደ ካብቶም ኣብ መወዳእታ 2002 ካብ ማልታ ተሰጉጎም ንኤርትራ ዝተመልሱ እየ። ቅድም ኣብ ዓዲ-ኣቤቶ ደሓር ኣብ ዳህላክ ተዘሪቡን ተጻሒፍን ዘይውዳእ መከራን ስቓይን ክቕበል ምስ ጸናሕኩ፡ ኣብ 2004 ምስ ካልኦት 100 እሱራት ንቤት ማእሰርቲ ገደም ተቐይረ። ምስቶም ኣብኡ ዝጸንሑ እሱራት ምስተሓወስና ድማ፡ ኲልና 400 ክንከውን ክኢልና።

እቲ ዝበዝሕ እሱር ኰብሊልካ ተባሂሉ ዝተኣሰረ እዩ። እቲ ኩሉ መንእሰይ ነቲ መንግስቲ ስለዝጸልኦ ንኢትዮጵያ፣ሱዳን፣የመን፣ሊቢያ፣

ስዑድ-ዓረብ፣ጅቡቲን ማልታን ክስደድ ተገዲዱ። ነዚ እዮም ምኹብላል ዝብሉዎ። ብዝኾነ ከምዚ ኢልና ምስነበርና ነቶም 200 እሱራት ካባና ፈልዮም ወሲዶሞም።ናበይ ክምዘእተውዎም ከኣ ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ የለን።

ገደም ብሸነኽ ደቡብ ካብ ባጽዕ 40 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ። ኣብኡ ንሓይሊ ባሕሪ ዝኽውን ሓድሽ መዓስክር ይስራሕ ስለዝነበረ፡ ነቲ ዋጋ ዘይክፈሎ ሕሱር ጉልበት እሱራት ንምምዝማዝ ከኣ’ዩ ንሕና ናብ ገደም ክንእሰር ዝተገብረ። ኣብኡ ማሽነሪ ዝበሃል ስለዘይነበረ፡ ኲሉ እቲ ስራሕ ብጉልበት እሱራት እዩ ተዓሚሙ። ናብራ እሱራት ገደም ብቃል ክትዛረቦ ቀሊል እዩ። እቲ ኣጻምእ በረኻ‘ቲ ግን፡ እንዳሰራሕካ ዘይኮነስ ኣብ ጽላል ኰፍ ኢልካ‘ውን፡ እቲ ሓዊ ዝተፍእ ሙቐቱ ሰብ ክጻወሮ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ኣይኰነን። ኣብ ቅድሚ መንግስቲ ኤርትራ ግና እሱራት ከም ኣቕሓ እምበር፡ ከም ሰብ ዝቑጸሩ ኣይኮኑን። ነዚ መንግስቲ’ዚ ዝመስል ሕሱምን ጨካንን መንግስቲ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ገደም ብዙሓት እሱራት እናሰርሑ ድንገት ዘጋጠሞም ነይሮም’ዮም ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ንእሱራት ዝድንግጽ ሕልና የብሉን። ካብ ሓንቲ ማሽነሪ ትበላሸዎ 100 እሱራት ክሞቱ ዝመርጽ መንግስቲ እዩ። ነዚ ከም ኣብነት ዝጥቀስ ሓደ እዋን ኣማኑኤል ብርሃነ ዝተባህለ ካብ ማልታ ዝተሰጐ እሱር፡ ካብ 20 ሜትሮ ቁመት ዝነበሮ መንደቕ ወዲቑ። ኣብ ፍረ ነፍሱ ድማ ዓቢ ማህሰይቲ ኣጋጢምዎ። ንሕክምና ዝተገደሰሉ ግና ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ኣብቲ መንግስቲ እቲ ዝሓሰረ ሰብ እዩ።

ኣብ ካልእ ግዜ ከኣ ካብ ሰብ ማልታ ኢሳያስ መስፍን ዝተባህለ ኣብ ስራሕ መንደቕ ከሎ ጸዲፍ፡ ከቢድ ማህሰይቲ በጺሑዎ። ብሳዕቤን’ዚ ከኣ ለሚሱ ወይ ፓራላይዝድ ኰይኑ። ንሕምክና ኢሉ ዝተገደሰሉ ከኣ ኣይተረኽበን። ከምቲ ዝበልኩዎ ንሓጺን እምበር ንሰብ ዝግደስ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ስለዘየሎ። ካልእ’ውን ሃብቶም ዝተባህለ መንእሰይ ካብቶም ንኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝተታሕዘ፡ ኣብቲ ባህሪ ሓይሊ ሓጻውን ኣተዓራሪ ኢሎሞ ላዕሊ ወጺኡ ክሰርሕ ከሎ፡ እቲ ሓጻውን ፈሪሱዎ ስለዝወደቐ ሕቑኡ ተሴሩ። ብርቱዕ ቃንዛ ስለዝገበረሉ’ውን ሃለዋቱ ስሒቱ። ብሕክምና ዝሕግዞ ግና ኣይረኸበን። ከምቲ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ሰብ ሕሱር እዩ።

ካልእ ግዜ ኽኣ ሓደ ንስዑድያ ክሰግር ከሎ ዝተታሕዘ መንእሰይ፡ እቲ ጸገም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮፍ ኢልካ ኣይፍታሕን’ዩ ኢሉ ስለዝኣመነ፡ ሃዲሙ ከምልጥ ፈቲኑ። ናይ ዓቕሊ ጽበት’ዩ እምበር ኪድ ኢሎም እንተፈነውኻ’ውን፡ ነቲ ኣጻምእ በረኻ ሓሊፍካ ክኽየድ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ወተሃደራት ግና ኣብ ማእከል ጐልጐል ተኲሶም ቀቲሎሞ። ሰብዓን ሓሙሽተን ዝዕድሚኦም ኣቦይ ተስፋዝጊ ዝተባህሉ ኣቦ፡ ወድኹም ኣዀብሊልኩም ተባሂሎም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ቅድሚ’ቶም ወተሃደራት "እዚ ሰብኣይ’ዩ። ይሃድም እምበር ኣብዚ ደኣ ኮፍ ኢሉ ሞት ባዕላ ክሳብ ትመጾ ክጽበ" ስለዝበሉ፡ ብመቑሕ ኣሲሮም ኣብ ኮንተይነር ዓጽዮሞም። ኣብ ገደም ዝፍጸም ግፍዒ እንተዝግለጽ ተጻሒፍ ወረቐት ኣይምኣኸሎን።

ቤት ማእሰርቲ ገደም ብዚንጎ ዝተሰርሓ ብምዃኑ፡ እሱራት ለይቲ ብቑሪ መዓልቲ ብሃሩር ክሳቐዩ ናብራና ኢሎም ሒዞም እዮም። ጸሓዩን ቁሩን እንተዘይከኣሉዎ’ውን እቲ መንግስቲ ዝድንግጽ ኣይኮነን። ናይ ለይቲ ቁሪ ኣብ ኣዕጽምትኻ‘ዩ ዝኣቱ። ናይ ቀትሪ ሙቐት ከኣ ብረሃጽ ክሳብ ትሕጸብ ኢኻ ትጥልቂ። ብፍላይ ቀትሪ ኮምፕላስዮኒ ክትክደን ስለ ዘገዱዱኻ፡ ነብስኻ ክትሕጸብ ድማ ስለዘየፍቅዱልካ፡ እቲ ዝፍጠር ጨና ኣብ ሕማም እዩ ዘብጽሕ። ሰለፍና ኰነ መቐመጫና ብብዝሒ ሃሩር ዝኣክል ስለዝተመላለጠ፡ ኰፍ ክንብል ኰነ ክንድቅስ ንኽእል ኣይነበርናን። ኣብ ገደም ዝዀነ ሕማም ኣንተሓሚምካ ሞትካ ክትጽበ እንተዘይኰይኑ፡ ሓኪምን ሕክምናን ክትረክብ ዘይሕተት ነገር እዩ።

እሱራት ስለዝበዛሕና መደቀሲ ኰነ ኮፍ መበሊ ብዙሕ ጸገም ነይሩና። እቲ ዝወሃበና መደቀሲ ብዓቐን ሓደ ኮበርታ ንኣርባዕተ ሰባት እዩ። እዚ ኸኣ ኣሽምባይዶ መሳፍሒ መዀርመዩ’ውን ዝኣክል ኣይኮነን። ኣእጋር መሳፍሒ ስኢኑ ምስተጨበጠ ከኣ እቲ ብሳዕቤኑ ዝመጽእ ቃንዛ ከተእዊ እዩ ዝገብረካ። ምስቲ ኣቑሳልና እቲ ተጨቓጭቕና ምድቃስና ምስቲ ሙቐት ተሓዊሱ ዝፈጥሮ ጨና ሰብ ምዃንካ ዘጽልእ እዩ። እዚ ኹሉ ግፍዒ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን። እቲ ዓዲ ዘሎ ክገብሮ ዝኽእል የብሉን። ሓሞቱ ከምዝፈስስን ሞራሉ ባይታ ከምዝዘብጥን ገይሮሞ እዮም። ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ግን፡ እተን ብዶላር ዝገዝእን ቤቱን መሬቱን ከይስእን ፈሪሑ፡ ህዝቢ ክጠፍእ ከሎ ስቕ ኢሉ ምርኣዩ ብታሪኽ ክሕተት እዩ።

ንስራሕ ሰዓት 4፡30 ናይ ወጋሕታ እዩ ዝትሳእ። ክሳብ ፋዱስ ከኣ ብዘይ ቁርሲ ክንሰርሕ ንውዕል። እቲ ምሳሕ ተባሂሉ ዝወሃበና መግቢ ክልተ ባንን፡ በርበረን ዘይትን ዘይብሉ ዓደስን እዩ። ቁርስናን ምሳሕናን ምዃኑ ስለዝዀነ ካልእ ዝወሃበና ተወሳኺ የለን። መሊስና ኸኣ ሰዓት 1፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚርና ክሳብ ምሸት ሰዓት 6፡00 ንሰርሕ። ድራርና ከኣ ኰይኑወን እተን ክልተ ባኒ ምስ ዓደስ እየን።

ቤት ማእሰርቲ ገደም ከም ኲሉ ኣብ ኤርትራ ተስፋሕፊሑ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ እዩ። ኣብኡ ዘይፍጸም ግፍዒ ከኣ የለን። ሰብ ኣብኣቶም ሕሱር ስለዝዀነ፡ ነብሱን ክዳኑን ዘይሕጸብ፡ እኹል መግቢ ዘይረክብ፡ ሓሚሙ ዘይሕከም፡ ዝኾነ መሰል ዘይብሉ ከም ዝተደርበየ ኣረጊት ኣቕሓ እዩ። ሓሚምካ ክትስርሕ እንተዘይኪኢልካ ዝድንግጸልካ የለን። ብበትሪ እንዳተቐጥቀጥካ ኢኻ ትሰርሕ። ሞት እንተዘይገላጊሉካ ድማ ትንፋስካ ክሳብ ትወጽእ ምሕረት ዝበሃል የለን።

 
< Prev   Next >

© Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.