Additional Infor on Prisoners- Elsa Chyrum Print E-mail
By ኤልሳ ጭሩም:  ለንደን፡ ዓዲ - May 22, 2006   

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕቶ “ሰብኣዊ-መሰል” ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ ከምዘሎ፡ ኣሽምባይዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንህዝቢ ዓለም እውን ክሕብኦ ኣይክኣለን። ኣብ ኤርትራ ክብሪ-ሰብ ካብ ዝዋረድ፡ ነዊሕ ኮይኑዎ ኣሎ። ናይ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ሓሳባትካ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙዎ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ፡ ዓለም ብዓለሙ ይፈልጥ’ዩ። ኣብዚ እዋናት እዚ ኤርትራ ብምግህስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ኣላ።

 

ሰብኣዊ መሰላት ብሓይሊ ጠበንጃ ተረጊጹ ስለዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ “መሰል” ክዛረብ ዝደፍር የለን። ብዛዕባ መሰል ዝዛረብ ሰብ፡ ህይወቱ ዝቐበጸ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝኽተል ሳዕቤን ቀሊል ከምዘይኮነ ኣብ ተግባር ተራእዩ እዩ። ሕቶ “መሰል” ኣልዒሉኽ ደሓን ዝረኸበ መን ኣሎ? ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፡-

 

·         ኣብቲ መጀመርታ ዓመተ ነጻነት፡ ሕቶ መሰል ዘልዓሉ ተጋደልቲ ነይሮም፡ እቲ ብመንግስቲ ህግደፍ ዝተዋህቦም መልሲ ግን፡ ማእሰርትን ስቓይን እዩ። ገለ ካብኣቶም ከኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ- ዃላ ይርከቡ ኣለው። ሞይቶም እንተኾኑ’ውን ዝፈልጥ የለን።

 

·         ብድሕሪኦም ኣካለ ስንኩላን ተጋደልቲ “ሕቶ መሰል” ኣልዒሎም። እቲ መንግስቲ ከኣ ብጥይት መሊሱሎም። ብዙሓት ካብኣቶም ክሞቱ ከለው፡ ዝተረፍ ድማ ተኣሲሮም።

 

·         ገለ ዓድታት ኣውራጃ ሓማሴን መሬትና ብዘይ ኣገባብ ተመንዚዑ ይውሰደና ኣሎ ኢሎም ተቓውሞ ኣልዒሎም። ከም እምባዶርሆን፣ ዓዲ ሶግዶን ዝኣመሰሉ። እቲ ዝተዋህቦም መልሲ ግና ናብ ናኹራ ወሲድካ ምቕያድ እዩ። ዓበይትን ነኣሽቱን ኣሰብኡትን ኣንስትን ብጸቢብ ተታሒዞም ስቓይ ከምዝተቐበሉ ይፍለጥ።

 

·         ብግዲኦም ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ኣንጻር’ቲ ጨፍላቒ ስርዓት ተቓውሞ ጌሮም። እቲ ዝረኸቡዎ መልሲ ግን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻ ዊዓን ገልዓሎን ተወሲዶም ከምዝሳቐዩን ከምዝሞቱን እዩ ተገይሩ።

 

·         እቶም ብጉጀለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ፡ ቅዋም ሃገር ክትግበርን ህዝባዊ መንግስቲ ክትከል ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም። እቲ ንዝኾነ ሕቶ ክጻወር ዘይክእል መንግስቲ ግን፡ ከም ኣመሉ ብሓይልን ጐነጽን መልሲ ሂቡሉ። እቶም ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ምእንቲ ነጻነት ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ጀጋኑ ድማ፡ ብክሕደት ተኸሲሶም ይሃልው ይሙቱ ዝፍለጥ የለን።

 

·         እተን ንህዝቢ ኤርትራ መቐረት ነጻነት ከስተማቕር ዕድል ሂበንኦ ዝነበራ ብሕታውያን ጋዜጣታት፡ ንድኽመት እቲ መንግስቲ ስለዘቓልዓ ከምዝዕጸዋ ተገይሩ። እቶም ጋዜጠኛታት ድማ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ተኣሲሮም ይርከቡ ኣለው።

 

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቁሩብ ንመዘኻኸሪ ደኣ’ዩ ቀሪቡ ዘሎ እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብኣፍ ተዛሪብካን ብኢድ ጽሒፍካን ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል መዕገቲ ስለዝተሳእኖ ከኣ፡ ካብ 1991 ከምኡ ኢሉ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ወዮ ደኣ እቲ መንግስቲ ዘይምከርን ዘይሰምዕን ኮይኑ እምበር፡ ብዙሓት መንግስታት የኽፍኣልካ ኣሎ ኢለን ከመኽራ ፈቲነን እየን። ምኽሪ ዝቕበልን ዝሰምዕን ግን ኣይተረኽበን። ብኣንጻሩ እቲ መንግስቲ ቤት ማእሰርቲ ከግፍሕን ከብዝሕን እዩ ተጓዩ። እዚ ኽኣ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ እዩ።

 

ብዙሕ ግዜ ብዛዕባተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ቤት ማእሰርቲ ክጸሓፍ ጸኒሑ እዩ። ኣሰብኡትን ኣንስትን ከምዝቕጥቀጡን ከምዝሳቐዩን ተገሊጹ እዩ። እቲ ቤት ማእሰርትታት ቈጺርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ኲሉ ኲርናዓት እታ ሃገር ኣብ ጐዳጉዲ ከይተረፈ ትሕቲ መሬት ኤርትራውይን ይእሰሩ ኣለው። ሰብ ኣፈራሪሕካን ኣሲርካን ዝፍታሕ ጸገም የለን። እቲ ዓቕሉ ዝጸበቦ መንግስቲ ግን፡ ንጥፍኣት ኣቢሉ’ዩ ዝጉዓዝ ዘሎ።

 

ኣብ ኩለን ኣብተን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ቤት ማእሰርቲ፡ ዝፍጸም ግፍዕን ስቓይን ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ይፍጸም እዩ ኢልካ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ። ብሕሱም ምቕጥቃጥን ኣብ ትሕቲ መሬት ምእሳርን ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ኣጽፋርካ ብጉጤት ምሒኻ ምውጻእ ዝበጽሕ ስቓይ ኣሎ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ንመርመራ ተባሂሎም ምስከዱ ዘይምለሱ’ውን ብዙሓት እዮም።

 

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ሕክምና ንእሱራት ዝሕተት ነገር ኣይኮነን። መግቢ ንኽይትመውት ኢልካ ዝብላዕ እምበር፡ መግቢ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። እሱራት ብስድራቤቶም ክብጽሑ ስለዘይፍቀደሎም፡ ቅያር ክዳን ስኢኖም ብቁንጭን ትዃንን ቁማልን ተበሊዖምን ተሳቕዮምን እዮም። ክዳውንቶም ኣሪጉ ብርስሓት ጠቂሮም ዘይምሱል መሲሎም እዮም። ልዕሊ ኲሉ ከኣ ቤት ፍርዲ ዘይፈልጦም እሱራት እዮም። ብሕጊ ኣይፍለጡ ፋይል እውን የብሎምን።

 

ብጀካ እቶም ቅድሚ ሕጂ ኣስማቶም ጠቒስናዮም ዝነበርና እሱራት ካርሸሊ፡ ሕጂ ከኣ ናይ ካልኦት ካብ ኣስመራ ተላኢኹልና ኣሎ። ኣስማቶም’ድማ ካብዚ ኣስዒብና ነቕርቦ ኣሎና።

 

·          ኣቶ ሓሰን ኬኪያ፡

ዕድሚኦም ልዕሊ 70 ዓመት፡ ብዘይ ዝኾነ ክሲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ካርሸሊ ተኣሲሮም ነይሮም። ኣብ መፋርቕ መስከረም 2005፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሽቓቕ እኹል ብርሃን ስለዘይብሉን እቲ ዓይኖም’ውን ደኺሙ ስለዘሎ፡ ሸተት ኢሎም ብገጾም ስለዝወደቑ፡ ገጾም ብሕማቕ ተሃስዮም ኣብ ከቢድ ቃንዛ ይርከቡ ኔሮም። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2005 ድማ ተፈቲሖም ተባሂሉ። እቲ ብስቅያት ዜጋታቱ ዝሕጐስ መንግስቲ ኤርትራ ግን ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ መሊሹ ኣሲሩዎም ኣብዚ እዋን ኣብ ካርሸሊ ይርከቡ። እቲ ቀንዲ መእሰሪኦም ዝበሃል፡ ምስ ካልኦት ግዱሳት ዓበይቲ ብጾቶም ኮይኖም፡ ኣብ 2001 ንመንግስቲ  ኤርትራን ነቶም ብጉጀለ 15 ዝፍለጡ፡ ነቐፍቱን ከቀራርቡ ስለዝፈተኑን ከምኡውን ቃለመጠየቕ ምስ ሓንቲ ካብተን ብሕቲ ጋዜጣታት ስለዝገበሩ እዩ ይበሃል።

 

ኣቶ ሓሰን ኬኪያ ኣብቲ ዝሓለፈ ጊዜ ደርጊ: ኣብ ሱዳን ከለው፡ ንኤርትራውያን የሕዋቶም ክሕግዙ ዘርኣይዎ ተገዳስነትን ዘወፈይዎ ሓገዝን ኩሉ ኤርትራዊ ክርስትያን ኮነ ኣስላማይ ይፈልጦ እዩ።

 

እቲ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ጽቡቅ ግብሮምን ለጋስ ኢዶምን ከኣ ብግፍዒ ክፍደይዎስ ግቡእ ኣይነበረን። እቲ ንዘኾለሶ ኢድ ምንካስ ዝልማዱ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ንውዕለት ኣቶ ሓሰን ክዝክሮ እኳ ኣይደለየን። ኣቶ ሓሰን ኣቦ ዓሰርተ ኣርባዕተ ቆልዑ እዮም። ብሕማም ሽኮር፣ ብደም ብዝሒ፣ ብሕማም ዓይኒን ብሕማም ሕቖን ይሳቐዩ ኣለው።

 

·         ኣስቴር ዮሃንስ፡ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ 31 ንበይና ተኣሲራ ትርከብ። ምስ ሰብ ክትዛረብ ኮነ ክትራኽብ ዝፍቀደላ ኣይኮነን። ካብ ኣሜሪካ ምስተመልሰት ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እያ ተጨውያ። ኣስቴር ብዓልቲ ቤቱ ንምኒስተር ጴጥሮስ ሰሎሙንን ኣደ ኣርባእተ ቆልዑን እያ። ብናፍቖት ደቃን ኲነታት ሰብኣያን ብዙሕ ስቓይ ኣሎዋ። በደለኛ እየ ኢልኪ ፈርሚ እሞ ክትወጺ ኢሎማ ከም ዝነበሩ ይንገር። ንሳግን ነጺጋቶ።

·         ዓንደ መሓሪ መንክር

ኣብ ካርሸሊ ካሜራ 13 ካብ ዝእሰር ሰለስተ ዓመቱ ኣሕሊፍ እዩ። ኣብ ትካል ህግደፍ ሓላፊ ናይ ሊሎ ትራንስፖርቴሽን ካምፓኒ ነይሩ። መእሰሪኡ ስጋዕ ሕጂ ኣይተነገሮን።

·         ተወልደመድህን ተስፋማርያም (ማኦ)፡

ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ኬንያ ኣብ ኤንባሲ ኤርትራ ከም ቀዳማይ ጸሓፊ ኮይኑ ተመዲቡ ይሰርሕ ኔሩ። ካብ ኬንያ እተው ተባሂሉ ምስ ኣተወ ካብ ማእርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ቆሊቦም ኣብ ካርሸሊ ደርብዮሞ ይርከብ። ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እዩ።

·         ሰሎሞን ሃብቶም፡

ተጋዳላይ እዩ። ወጻኢ ሃገር ከይዱ ከምዝተማህረ ይንገረሉ። ኣብ ቴሌኮሚኒኬሽን ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ እዩ ነይሩ። ካብ ዝእሰር ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ። ኣብ ካርሸሊ ካሜራ 5 ከኣ ይርከብ። ብብስጭት ብዝሒ ደም ገይሩ’ሎ። ኣቦ ክልተ ቆልዑ እዩ።

·         ተስፋይ ገብረማርያም፡

ኣብ ካርሸሊ ካሜራ 22 ተኣሲሩ ኣሎ። ወናኒ ብሉ ናይል ቤት-መግቢ እዩ። ብሕማም ሽኮር ብዙሕ ከምዝሳቐይን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከብ ይንገር።

·         ዮዲት ተስፋይ፡

ዕድሜኣ 21፡ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ 6 ድማ ተኣሲራ ትርከብ። ብዙህ ከምዝተቐጥቀጠትን ብስምብራት መርኣይ ከምዘይብላ እቲ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር። ንኽልተ ወርሒ ኣብ ጸልማት ሸላ ብፌሮ ተኣሲራ ንበይና’ያ ኣሕሊፋቶ። ዮዲት ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ሕሰምን መከራን ዝቕበላ ዘለዋ ደቀንስትዮ እያ።

·         ኮሎኔል ቴድሮስ ገብረእግዚኣብሄር (ትሪቫ)፡

ኣብቲ ደባይ ዝበሃል ክፋል ናይ ካርሸሊ፡ ኣብ ካሜራ 16 ተኣሲሩ ይርከብ። ብሕማም ሽኮር ብዙሕ ይሳቐ ከምዘሎ ይንገር። ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እዩ።

·         ኣባ ደሳለይ መኣዛ፡

መንእሰይ መነኩሰ እዮም። ገዳሞም ማርያም ደብረ-ሲና እያ። ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተኣሲሮም ይርከቡ። ዓዶም ቈሓይን ሰረወታይ እዮም። ኣብ ትግራይ ከኣ ዓብዮም። ኣብ ትግራይ ምዕባዮምን ወዲቈሓይን ምዃኖምን ተደሚሩ ከኣ፡ ዝዛረቡዎ ትግርኛ ናይ ትግራይ ትግርኛ ከምዝመስል ገይሩዎ።በዚ ኽኣ ሰረወታይ እየ እንተበሉ ዝኣምኖም ስኢኖም፡ ትግራዋይ ኢኻ ኢሎም ኣሲሮሞም። ኣብ ካርሸሊ ካሜራ 4 ተኣሲሮም ምስነበሩ መሊሶም ኣብ ካሜራ 19 ንሸውዓተ ወርሒ ዝኣክል ንበይኖም ተኣሲሮም። ካብኡ ንካሜራ 8 ኣምጺኦም ምስ ሰብ ሓዊሶሞም። መሊሶም ድማ ናብ ሸላ ወሲዶም ብዘሰክሕ ኣቀጣቕጣ ኲሉ ኣካላቶም ጭፍልቕልቕ ኣቢሎሞም። ንኽልተ ወርሒ መመላእታ ድማ ኣብ ካሜራ 20 ኣብ ጸልማት ኣሲሮሞም። ብድሕሪኡ ናብ ካሜራ 4 መሊሶሞም። ኣባ ደሳለይ ገርሂን ሕያዋይን ስለዝኾኑ፡ እግዚኣብሄር ኣይርስዖምን እዩ።

·         ቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ

ናይ መካነ ህይወት መድሃኔ ኣለም ካህን እዮም፡ ብዕድመ ንእሽቶ ይኹኑ እምበር፡ ብክህነታዊ ሞይኦም ግን ብኽብሪ ዝጥመቱ ካህን እዮም። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ናይ “ትምህርቲ ሰንበት” ሓላፊ ኮይኖም ንነዊህ ዓመታት ኣገልጊሎም። ካብቶም ድሕሪ ነጻነት ንግብጺ ንዝለዓለ ትምህርቲ ዝተላእኩ ካህናት ምዃኖም’ውን ይፍለጥ። ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ዝርከባ ቤተ ክርስትያናት ብምኽንያት  ኣባ ማርቆስ (ኣባ መንግስቱ ኣበበ) ህውከት ምስ ኣተወን’ውን ምስቲ ብኣቡነ ያዕቆብ ዝተመርሓ ልኡኽ ቤተ ክርስትያን ተንቀሳቒሶም፡ ኣብቲ ኣማኒ ህዝቢ ምርግጋእ ኣብ ምምጻእ ኣበርክቶ ዝገበሩ ካህን እዮም። ሓያሎ እዋን እውን ንኣገልግሎት ወንጌል ንኣሜሪካ ዝተላእኩ፡ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣፍሪያቶም ካብ ዝበሃሉ ዘመናውያንን ምዕቡላትን ካህናት ሓደ እዮም። ንከም ቀሺ ገብረመድህን ዝኣመሰሉ ስሑላት ካህናት ምእሳር ከኣ፡ ንጉዕዞ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዓጊትካ ደው ምባል ማለት እዩ። ቀሺ ገብረመድህን ኣቦ ሸውዓተ ንኣሽቱ ቆልዑ ምዃኖም ይፍለጥ። ኣባል ጊዜያዊ ሲኖዶስ ኮይኖም’ውን ካብኦም ዝድለ ኣገልግሎት ፈጺሞም’ዮም።

·         መሪጌታ ይትባረክ በርሀ

ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዋና ጸሓፍን ኣዳላዊ ጋዜጣን ኮይኖም ዝሰርሑ ወዲ ቤተ ክርስታያን እዮም። ኣብዚ መወዳእታ ከኣ ኣማኸርቲ ብፁዕ ወቅዱስ እቡነ እንጦንዮስ ኮይኖም ካብ ዝሰርሑ ሰለስተ ሰባት ሓደ እዮም። ካብቶም ንፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክርሕቁ ብመንገዲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት መጠንቀቕታ ክግበረሎም ዝጸንሑ እዩም። መወዳእታኡ’ውን እቲ ምስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ትዘራረቡዎ ጉዳይ፡ ናባና ሪፖርት ግበሩ ኢሉ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንዕኦምን ነቶም ክልተ ብጾቶምን ጸቕጢ ክገብረሎም ከምዝጸንሓ ይዝረብ እዩ። ኣብ መጠረስታ’ውን ስርሕይ ብፍቓደይ ገዲፈ’የ ኢልካ ፈርም ተባሂሎም ተገዲዶም ከምዝፈረሙን ብድሕሪኡ ከኣ ካብ ወርሒ ሓምለ  2005 ጀሚሮም ኣብ ማሕዩር ይርከቡ። መሪጌታ ይትባረክ ኣቦ ሽድሽተ ቈልዑ እዮም።

 

·         ዶክተር ቀሺ ፍጹም ገብረንጉስ

ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝዓበዩ ሰብ እዮም። ቅድሚ ዶክተር ምዃኖም ኮነ ብድሕሪኡ ካብ ቤተ ክርስትያን ኣይተፈልዮን። መንእሰያት ተዋህዶ ብኣፍልጦ መጽሓፍ ቅዱስ ተሃኒጾም ክዓብዩ ዝብል ቅዱስ ቅንኣት ስለ ዝነበሮም ድማ፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ግብራዊ ንምግባር ደኺመ ከይበሉ ክቃለሱ ምጽንሖም ይንገር። ኣብ ቤተ ክርስትያን መካነ ህይወት መድሃኔ ዓለም ከም ኣገልጋሊ ካህንን፡  ከም ጠርናፊ መንእሰያት ኮይኖም ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ካህን እዮም። ካብ ህዳር 2004 ኣብ ማሕዩር ይርከቡ። ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ እዮም።

 

·         ዶክተር ቀሺ ተኽለኣብ መንግስተኣብ፡

ካብ ጊዜ ንእስነቶም ጀሚሮም ኣብ ቤተ ክርስትያን መካነ ህይወት መድሃኔ ዓለም እዮም ዓብዮም። ኣብ ርእሲ ካህን ኮይኖም ምግልጋሎም፡ መንእሰያት ብኣፍልጦ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝዓብዩሉ ጻዕሪ ካብ ዘካየዱ ክህናት ሓደ እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣፍልጦ ዕሙቕ ዝበለ ስለዝኾነ፡ ብስነ ጽሑፍ ብዙሕ ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ይፍለጥ። ምዕብልትን ስልጥንትን ተዋህዶ ክርእዩ ካብ ዘለዎም ባህጊ፡ ናብርኦምን ሞያኦምን ብኻልኣይ ደረጃ ሰሪዖም፡ ንኣገልግሎት ወንጌል ተወፍዮም ክሰርሑ’ዮም ጸኒሖም። እቶም ናይ ሃይማኖት ተዋህዶ ምዕባሌ ክርእዩ ዘይደልዩ ግና፡ ከምዝእሰሩ ጌሮሞም። ካብ ዝእሰሩ ድማ ካልኣይ ዓመቶም ኮይኑ። ኣብቲ ሓኪምን ሕክምናን ዘይርከቦ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ከኣ፡ ብሕማም ሽኮር ይሳቐዩ ከምዘለዎ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

 

 

እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ክርስትያን ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ቁርዓን ንዝምህሩ ኣመንቲ ምስልምና እውን ኣረኻኺቡሎም እዩ። ንቈልዑት ቁርዓን ምምሃር ከም ገበን ተቘጺሩ ከኣ፡ ብዙሓት ኣብ ምምህርና ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው። ካብ ኣስመራ ዝተላእከለና ዜና ከምዝሕብሮ፡ እዞም ኣስማቶም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ሰባት፡ ኣብ ገዛ ማንዳ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ንቖልዑት ቁርዓን ይቐርዑን ነዴታት ድማ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ይህቡ ኔሮም። ኣብ ሞንጉኦምን ኣብ ሞንጐ ቤት ጽሕፈት ሙፍቲ ኤርትራ ብዘጋጠመ ምግርጫው ወይ ዘይምስምማዕ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ሞንጐ ብምእታው፡ ኮነ ኢሎም ነቲ ዝወሃብ ዝነበረ ኣስተምህሮን ንጥፈታትን ንከዳኽሙን ክዕንቅፍን ክብሉ ብዕለት 4 መስከረም 2004 ኣብ ቀይዲ ዝኣተው እዮም።

 

  • መሓመድ ኑር ኣደም

ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ፡ ኣብ ኤምባሲ ጥልያን ከም ቴሌፎን ኦፕሬተር ን 32 ዓመት ዝሰርሑ፡ ኣባል ኮሚቴ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ።

  • ኣሕመድ ስራጅ

ኣቦ ክልተ ቈልዑ፡ ስርሑ ነጋዳይ ወናኒ ድኳን። ኣባል ኮሚቴ ናይቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ብህማም ሽኮር ይሳቐ ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።

  • ሓያት ሳልሕ 

20 ዓመት ዝዕድሜኣ መምህር ቁርዓን እያ።

  • ኣዋጥፍ 

23 ዓመት ዝዕድሜኣ ስራሓ መምህር ቁርዓን።

  • ዓብደልራሕማን

ዕድመ 19 ዓመት ስርሑ መምህር።

  • ዑመር ዓሊ

ዕድመ 22 ዓመት ስርሑ መምህር

  • ጣሃ

ስርሑ መምህር ዕድመ 25 ዓመት

  • ኣንዋር

ስርሑ መምህር ዕድሚኡ 21 ዓመት

  • መሓመድ ኢብራሂም

ስርሑ መምህር ዕድሚኡ 21ዓመት

 

ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ካርሸሊ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መስከረም 2005፡ ቤት ፍርዲ ከይከዱ ክሲ ከይተመስረተሎም እቲ ፍርዶም ኣብ ጸዕዳ ወረቐት ተጻሒፍ ተዋሂብዎም። ካብ ኣርባዕተ ስጋዕ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪዶም ድማ ካብ 2005 ኣትሒዞም ካብ ካርሸሊ ወሲዶም ኣበይ ከምዘእተውዎም ኣይፍለጥን።

 

መንግስቲ ኤርትራ ዝሓመመ እንተሓመመ፡ ዝሞተ’ውን እንተሞተ ዝጠፍእ’ውን እንተጠፍእ ዝግድሶ ኣይኮነን።

ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ዝና ከምዘይብሉ ሙሉእ ህዝቢ ዓለም ይፈልጥ እዩ። ዋላ’ኳ ብዙሓት ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ማሕበራት ስክፍትእን ብዘይ ምቑራጽ እንተገለጻን ንመንግስቲ ኤርትራውን እቲ ምግሃስ መሰል ዜጋታቱ ጠጠው ንክብሎ እንተተማህጸናን፡ እቲ መንግስቲ ግን ብግምጥሊሽ ይርድኦ ግዲ ሓልዩ፡ መመሊሱ’ዩ መሰል ዜጋታቱ ኣብ ምጥሓስን ምጭፍላቕን ዝርከብ ዘሎ።

 

ኤልሳ ጭሩም

ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ

22 ግንቦት 2006

 
< Prev   Next >

 



 


 

English            α‰΅αŒαˆ­αŠ›
 

ADF: Update # 2, (3/4/2008)  


© Copyright 2000-2006 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.