ቤት ማእሰርቲ ሻድሻይ ብርጌድ ሳዋ
(ካብ እሱር ነበር ዝተላእከት)
ኣብዚ 15 ዓመት ዘመነ ነጻነት ዝበሃል፡ ኣብ ኤርትራ ዘይተፈጸመ ግፍዒ የለን። እቲ ህዝቢ ግን ብዛዕባዚ ኣፍልጦ ኣይጸንሖን። መራኸቢ ብዙሃን ከም ጋዜጣን ሬድዮን ቴለቪጀንን ተዓፊኑ ኣብ ዝተተሓዘሉ ሃገር፡ ህዝቢ ኣብ ማእከል ዓዱ እንታይ ይግበር ኣሎ እንተዘይፈለጠ ዘገርም ኣይኮነን። ስለዚ ክኣ እዩ ሰኣን ኣፍልጦኡ ነቲ ክረግሞ ዝግብኦ መንግስቲ ክምርቖ ዝጸንሓ። ሕጂ ግን ዕድመ ንኢንተርኔት ኩሉ እቲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ፡ ንህዝቢ ብግልጺ ይንገሮ ኣሎ።
ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እየ ኣነ፡ ተመኩረይ ኣብ ሻድሻይ ብርጌድ ሳዋ ብዛዕባ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ክጽሕፍ ዝተተባባዕኩ። እዚ ቤት ማእሰርቲዚ ካብ መዓስክር ሳዋ ንሸነኽ የማን ኣብ ዝርከብ ብርኽ ዝበለ ቦታዩ ዝርከብ። ኣብ 1994 ድሒሮም ንዝመጹ ተዓላሞ ከም መጻንሒ እዩ ተሰሪሑ። እቲ ብጀካ ቤት ማእሰርቲ፣ ፋብሪካን ቤት ማእሰርትን ምስራሕ ዘይኮነሉ መንግስቲ ግን ናብ ቤት ማእሰርቲ ቀይርዎ።
ቤት ማእሰርቲ ሳዋ ብሙሉኡ ብዚንጎ ዝተሰርሓ ስለዝኾነ፡ እቶም እሱራት መዓልቲ ብሃሩር ክቕለው ይውዕሉ፡ ለይቲ ድማ ብዝቐዝሕ ቁሪ ክሕለቡ ይሓድሩ። እቲ መንግስቲ ኣብ ሳዋ ቤት ማእስርቲ ክሰርሕ ከሎ ብኣጋጣሚ ኣይኮነን። ንሒን ሓቦን መንእሰያት ኤርትራ ከዳኽም ኰነ ኢሉ ብመጽናዕቲ ዝገበሮ እዩ። እቲ በብጊዚኡ ክዕለም ንሳዋ ዝወርድ መንእሰይ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ዝወርድ ስቓይ ርእዩ፡ ክርዕድን ክምብርከኽን ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ። ኣብዚ ማእሰርቲ ዘሎ ስቓይ ተዛሪብካን ጽሒፍካን ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲቲ ዝኣተወ ካብ ብዝሒ ስቓይ ዝተላዕለ፡ ክመውት እምበር ብህይወት ክነብር ዝምነ እሱር የለን።
መብዛሕቶኦም እሱራት ብስግረ-ዶብ ዝተኽሱ ኮይኖም፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን እዮም። ተጋደልቲ እውን ካብ ክልቲኡ ጾታ ይርከቡ። ብምኽንያት ሃይማኖቶም ዝተኣስሩ ከኣ ሰዓብቲ ጅሆባ ኣለው። እዚኦም ልዕሊ 10 ዓመት ዝተኣስሩ እዮም። ካብቶም ኣስማቶም ዝዝክሮም፡ ይስሃቅ ሞገስ፣ንጉሰ ተኽለማርያም፣ ኣሮን ኣብረሃ፣ ሙሴ ኣስፍሃ፣ ነገደ ተኽለማርያም፣ ጳውሎስ ዝበሃሉ እዮም።ንሳቶም ዝቕበሉዎ ዘለው ስቓይ ዝወለደት ኣደ ኣይትርእ ዘብል እዩ። ብሓፈሻ እሱራት ብዓቃቤ ሕጊ ክሲ ዝተመስረተሎም ስለዘይኮኑ፡ እቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ መንግስቲ፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ሕጊ ንዕቀት ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ። ስጋዕ ምዓስከዮም ኣብ ማሕዩር ክነብሩ?
እቲ ኩሉ እሱር ብጀካ ዘይጠቅም ዓደስን ባንን ካልእ ዝረኽቦ መግቢ ስለዘይብሉ፡ ኣካላቱ ማህሚኑ ማሲኑን እዩ። ዋላ ከምኡ ኮይኑ ከሎ ግና ዝድንግጸሉ የለን። ምስ ሕማሙን ጥሜቱን ፈቐዶ ጎቦን ስንጭሮን እምኒ ከፈንቅሉዎን ከሸክሚዎን እዮም ዝውዕሉ። እምኒ ክስከም ዘኽእሎ ዓቕሚ ግና የብሉን። ካብቶም እሱራት ብጥሜት ተጠቒዖም፡ ብሕማም ማህሚኖም ዝወደቑ ብዙሓት እዮም። ኣሽምባይዶ እምኒ ክሽከሙ እግሮም ከልዕሉ ዘይክእሉ ውሑዳት ኣይኰኑን።
እቶም ተጋደልቲ ሓለፍቲ እሱራት ርሕራሔን ድንጋጸን ስለዘይብሎም፡ ንእሱራት ከም ጸላእቲ እዮም ዝርእዩዎም። በቲ ኣረኣእይኦም እሱራት ዝድርበዩ ኣቕሓ እምበር ሰብ ኣይኮኑን። በቲ ዋጋ ዘይክፈሎ ሕሱር ጉልበት እሱራት ከኣ፡ ዝፈርስ ከፍርሱ ዝህነጽ ክሃንጹ ይውዕሉ። እሱራት ዝሰርሑዎ ከኣ ብወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ከምዝተሰርሓ ጌሮም ይገልጽዎ።
ኣብዚ ቤት ማእሰርቲዚ ህይወት እሱራት ከምዚ ዝስዕብዩ ዝመስል። ንግሆ ሰዓት 6 ጀሚርና ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ፡ ብዘይ ቁርሲ ገለ ከይጠዓምና ኢና ክንሰርሕ ንግደድ። ፋዱስ ባንን ዓደስን በሊዕና፡ ምሸት ድማ ከምኡ ብባንን ዓደስን ኢና ንሓድር። ለውጢ መግቢ ኣይሕሰብን እዩ። ብዙሓት እሱራት ብዋሕዲ መግቢ እዮም ኣብ ሕማም ዝበጽሑ። ሓኪምን ፈውስን ድማ ንእሱራት ዝፍቀደሎም ኣይኮነን። እቲ ንድቅሰሉ ቦታታት ከኣ ምስ ብዝሒ እሱራት ዘይኣክል ጸቢብ ስለዝዀነ፡ ምስቲ ዘይምሕጻብና ዝፍጠር ርስሓትን ጨናን ኣብ ሕማም እዩ ዘብጽሕ።
ዝበዝሕ እሱር እኹል መግቢ ብዘይምርካቡን ዝሕጸበሉ ማይን ዝወሃቦ ናይ ሕክምና ረድኤትን ስለዘይብሉ፡ ኩሉ ጊዜ ንሕማም ምስተቓልዕ እዩ። ኣብኡ ብብዝሒ ደም፣ ሽኮርያ፣ ዓሶ፣ ውጽኣት፣ሰዓል፣ ኣዝማ፣ዓበቕ፡ ዘይሳቐ እሱር የለን። ትዃንን ቁማልን ቁንጭን መናብርቲ እሱራት እዮም። እሱራት ብጥሜት ዝኣክል ዝማሰኑዎ ከይኣኽሎም፡ ነታ ዝተረፈት ምስ ዓጽሚ ዝጠበቐት ቈርበቶም ድማ፡ በዞም ዝተባህሉ ሓሳኹ ተበሊዐ ተወዲኣ እያ። ኣብ ባህልና ንዝሞተ ይብከዮ እዩ። ኣነ ግን ዝብከዮምሲ እዞም ኣብ ዓለም ከለው ዝሞቱ እሱራት እዩ ክብከዮም ዘለዎ ምበልኩ።
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዓበይቲ ወለዲውን ዝተኣስሩ ኣለው። መምህር ክብሮም፣ ኣቦይ በዅረ፣ ኣቦይ እምባየ፣ ኣቦይ ሓይላይ፣ ኣቦይ መሓሪ ዝበሃሉ እዝክር። እዚኣቶም ዅሎም ሓዳርን ቈልዑትን ዘለውዎም ስለዝዀኑ፡ ንዕረፍቲ ኢሎም ምስከዱ ኣንስቶምን ደቆም ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቖም ስለዝጸንሑዎም፡ ገለ ቁሩብ መዓልቲ ሰሪሖም ንስድርኦም ክሕግዙ ፈቲኖም። እቲ ርሕራሔን ድንጋጽን ዘይብሉ ጨካን መንግስቲ ግና፡ ካብ ዝተዋህበኩም ፍቓድ ኣሕሊፍኩም ኢሉ ኣሲሩዎም ኣሎ።
ኣብ 2005 ጥራይ ኣብ ሓደ ፍሉይ እዋን ልዕሊ 750 ዝኾኑ ተማሃሮ፡ ማእቶት ኢሎም ንዓሊ ግድር ምስ ወሰዱዎም፡ ብኡ ኣቢሎም ንሱዳን ኣትዮም። ካብዚኣቶም ዕድሎም ከፊኡ 60 ተታሒዞም። ኣብዚ ናይ ሳዋ ቤት ማእሰርቲ ስለዘምጽኡዎም ከኣ ምሳና ተሓዊሶም። እዞም ተመሃሮ እዚኦም ዝተቐጥቀጡዎ ምቕጥቃቕ፡ ስጋ ዝለበሰ ፍጡር ይኽእሎ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ከምኡ እንተገበረ ኣይገርምን እዩ። እታ ስልጣን በብቑሩብ ካብ ኢዱ ትመሉቕ ከምዘላ ይፍለጦ ስለዘሎ፡ ካልእ ምርጫ የብሉን። እቶም ንህዝቦም ክሒዶም መጋበርያ ኮይኖም ዘለዎ ተጋደልቲ ዝበሃሉ ግና፡ እቲ ዘይተርፍ ውድቀት እቲ መንግስቲ ምስመጸ ግና፡ ኣበይ እዩም ክኣትው?
ቤት ማእሰርቲ ሳዋ ኣብ 12 ብዚንጎ ዝተሰርሓ ገዛውቲዩ ዝምቀል። እንዳ ወዲሸቃ፣ እንዳ ባህታ፣ እንዳ ህንጻ፣ እንዳ ፓሊስ፣ ወዘተ. ዝብል ኣስማት ከኣ ኣለዎ። ኲሉ መንእሰይ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ሻዕብያ ዝዀነ ተስፋ ከምዘይርከብ ስለዝተረድኦ፡ ዝረኽበ ይርከበኒ ኢሉ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክግዕዝ እዩ ዝውዕል ዘሎ። ንሳቶም ነቲ መንእሰይ ከፈራርሑዎ ዝኽእሉ መሲሉዎም፡ ንክኹብልል ወይ ዶብ ክሰግር ዝተታሕዘ ክርሽኑ ጀሚሮም ነይሮም እዮም። ሕጂውን እቲ ምርሻን ገዲፎሞ እዮም ዝበሃል ኣይኰነን። ነቲ መንእሰይ ከፍርሕዎ ከምዘይክእሉ ግን ኣጸቢቑ ተረዲኡዎም እዩ።
ኣነውን ብኽምዚ ክሓልፍ ከምዘይክእል ስለዝተረዳእኩ፡ ብኸመይ ካብ ኢድ እዞም ጨካናት ሰይጣውንቲ ከምዝወጽእ ክሓስብ ጀሚረ። ምስ ዝኣምኖም እሱራት ድማ ተመኻኺረሉ። መወዳእትኡ 10 ሰባት ተሰማሚዕና ኣብ ሓደ ከውታ ለይቲ ሃዲምና። ብዙሓት ጠያይት እናተተኰሰና ከኣ እግርና ናብ ዝመርሓና ጐይና። ፋሕብትን ስለዝበልና ግና፡ መን ሞይቱ መን ተሪፉ ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ኣነን ሓደ ካልኣየይን ግና ብረድኤት እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ሱዳን ኣቲና። ንሕና ዋላኳ ብኣካል ኣብኡ እንተዘየለና፡ ብመንፈስ ግን ምዓልታዊ ምስቶም ኣብ ትሕቲቲ ጨካን መንግስቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝብና ኢና ዘለና። ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሪፎም ዘለው ኣምላኽ መዋጽእቲ ይፍጠረሎም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ፍትሕን ሰላምን ይሃቦ።
ኤልሳ ጭሩም - ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ