|
ታሪኽ መንእሰያት ኤርትራ ካብ መጀመርታ ክርኣ ከሎ፡ ታሪኽ ሕሰምን ውርደትን፣ ስደትን ሞትን፣ መቑሕን ማእሰርትን ኰይኑ’ዩ ዝርከብ። ስለዚ ንመንእሰያት ብዝምልከት ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ክትሰምዕ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ኣብዛ ሰብኣዊ መሰል ብምርጋጽ ኖቤል ዝሰዓረት፡ ማራቶን ዝቕደመት፡ ኦስካር ዝተሸለመት ኤርትራ፡ ዕድል መንእሰያት ጸልሚቱ ወለዲ ብዛዕባ ደቆም ክበኽዩ ካብ ዝጅምሩ ዝያዳ 10 ዓመት ኮይኑ እዩ። ሳላ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ደኣ’ዩ ዘይተረኽበ እምበር፡ ብኽያትን ሓዘንን ጥሜትን ዕርቃንንሲ መሊኡ እዩ። መንእስያት ኤርትራ ደሞም ከም ደም ከልቢ ፈቖዱኡ ክፈስስ ከምዝጸንሔ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይፈልጥ እዩ። ክሳብ ሕጂ ኽኣ እቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝፍጸም ሞትን ማእሰርትን መዕገቲ ተሳኢንዎ፡ መንእሰያት ዓዶምን ቤተ-ሰቦምን ገዲፎም ንስደት ክውሕዙ ይርከቡ ኣለው። ታርኽ ሞገስ’ውን ኣካል እዚ ታሪኽ‘ዚ እዩ። ኣነ ንሞገስ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1998 ኣብ ከባቢ ሻምበቆ “ዕላላ” ኣብ ዝተባህለት ቁሸት እየ ንመጀመርያ ግዜ ርእየዮ። ክልቴና ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ተጸሚድና፡ ኣብ ዘዝተመደብናዮ ኣሃዱ ክንነጥፍ ከሎና፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ምዃኑ ገሊጹለይ። ንሱ ብዝነበሮ ሃገራዊ ስምዒት ተጋዳላይ ናይ 1990ን ኮይኑ ግቡኡ ዝፈጸመ እዩ። በሊሕን መስተውዓልን ስለዝነበረ፡ ንዝኾነ ሓሳብ እወ ሕራይ ኢሉ ዝቕበል ኣይነበረን። እዚ ባህርያቱ እዚ ክኣ ምስቶም ዝበልናኩም ስምዑ ዝብሉ ኣዘዝቲ እቲ ሰራዊት ዘጽልኦ ኰነ። ሞገስ ገብረስላሴ ሰሪሑ ዘይደክም፡ ከዕርፍ ዘይብል ሕግን ትእዛዝን ወተሃደር ዘኽብር ስሩዕ ሰብ እዩ ነይሩ። እቲ ሕማቕ ዘይፈቱ ባህርያቱ ግና ምስቶም ሓለፍቲ ከሳንዮ ኣይክኣለን። ከም ሞገስ ዝኣመሰለ በሊሕን መስተውዓልን ሰብ ከኣ፡ ነቲ ኹሉ ኣብቶም ሓለፍቲ ዝርኣ ግዕዘ ተጻዊሩዎ ክኽይድ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ኣብ 2001 ገለ መንነቶም ዘይተፈለጠ ኣባላት እቲ ሰራዊት፡ ብዛዕባ’ቲ ብሓለፍቲ ዝግበር ዝነበረ ብልሽውና ዘቃልዕ ደብዳበ፡ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል (በለዛ) ይጽሕፉ። እንተኾነ ሚኒስትሪ ምክልኻል እቲ ዝቐረበሉ ጽሑፍ ሓቂ ድዩ ሓሶት ክንዲ መርመራ ዘካይድ፡ እቲ ዝኽሰስ ዘሎ ኣዛዚ መጀር ኣፈወርቂ ሃብተጊዮርጊስ (ኣባቡ) ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝግደሱሉ ሰባት ስለዝነበሩዎ፡ ሰብ ጌርካ ተጠንቀቕ! ኢሎም እቲ ጽሑፋት ብምስጢር ይልእኩሉ። እቲ መጀር ድማ ጸላእቱ እንታዎት ምዃኖም ኣለልዩ ክሓርድ፡ ካራኡ ክስሕል ይጅምር። ብዘይሓሰቦ ነገር ዝሰንበደ መጀር ኣፈወርቂ ህይወቱ ካብ ሓደጋ ንምድሓን፡ ጸላእተይ ዝብሎም ከለልይ ዘኽእሎ ፈተነታት ከካይድ ጀመረ። በዚ ኽኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝነበረ ሰራዊት፡ ናይ ጽሕፈት ኢድ መርመራ ከምዝገብር ገበረ። መወዳእትኡ ከኣ ሞገስ ገብረስላሴን ካልኦት ሸውዓተ ኣባላትናን ይተሓዙ። እቲ ሰራዊት ዋላ ሓንቲ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። በዓል ሞገስ ግን ኣብ ምቑሖም ኣተው። ድሕሪ’ዚ ሞገስ 8ይ ርእሱ ንተሃድሶ ተባሂሉ ናብ ዓዲ-ጋውል ይውሰዱ። ንሞገስ ግን ዝጽበዮ ዕድል ጽቡቕ ክኽውን ከምዘይክእል ኩሉ እቲ ሰራዊት ገመተ። ከመይ ማለት እቶም ኣዘዝቲ ኩሉ ጊዜ እዮም ብጽልኢ ዝጥምቱዎ። እቶም ነዚ ተንብቡ ዘለኹም ብማእሰርቲ ሞገስን እቶም ካልኦት መንእሰያትን ከምእትጉህዩ ፍሉጥ እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ኣይኰነን። ዘሕዝንን ዘብክንሲ እቲ ንጹህ መንእሰይ ሞገስ ገብረስላሴ፡ መጀር ኣፈወርቂ ብዘጻወደሉ መጻወድያ ተረሺኑ ከምዝቕተል ምግባሩ እዩ። በቃ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ንዝደለዩዎ ይምሕሩ ንዘይደለይዎ ዝቐትሉ ሸፋቱ እዮም። ኤርትራ ብዙሓት ከም ሞገስ ንጹሃት ደቃ በብዕለቱ ተጥፍእ’ያ ዘላ። እቲ ዓመጽን ግፍዕን ድማ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ይቕጽል እዩ ዘሎ። ጽባሕ ከኣ ብጅግንነት ተሰዊኦም ኢሎም ናይ ሓሶት ታሪኽ ከንንብቡሎም እዮም። እዚ ዂሉ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ዝግለጸሉ መዓልቲ ድማ ክመጽእ እዩ። በዓል መጀር ኣፈወርቂን እቲ ንዕኦም ከም መጋበርያ ተጠቒሙ ህዝቢ ዘጥፍእ ዘሎ መንግስትን ግን፡ ክድቅሱ ኣይክእሉን እዮም። ብደም ንጹሃት ተሓተቲ ስለዝኾኑ። |