|
(ቀዳማይ ቅጽልን መወዳእታን) 2. ዝበለየ ውድባዊ ቅርሕንትን ምውጥዋጥ ብረትን:- ብረት ምልዓል ኣብ ልዕሊ መን? ንረብሓ መንከ? እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ኢዩ፣፣ ምንጪ ጸገም ሓድነት እውን ንሱ ኢዩ፣፣ እቲ ኣብቲ ዝበለየ ውድባዊ ቅርሕንቲ ተሓጺሩ ዘሎ ጕጅለ ይኹን ውልቀሰብ ብልቦናን ካብ ቅኑዕ ሓልዮት ህዝብን ተበጊሱ ነፍሰ ዳህሰሳ ብምግባር ካብ ብሉይ ውድባዊ ቅርሕንቲ እንተ ዘይተገላጊሉ፣ ንህዝቡን ሃገሩን ረመጽን እሾኽ መርገምን ኰይኑ ከሕርርን ከድምን ከም ዚነብር ክፈልጥ ኣሎዎ፣፣ ሰብኣዊ ሕልናኡ ዘይቀበረ ዜጋ ነዚ መሪር ንብዓትን ኤህታ ህዝብን ዘስንቕ ውርሻ ኪዕደል ዝመርጽ ኣይመስለንን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ስምብራት መግዛእቲ ስምብራት ኵናት ሓድሕድ ዝያዳ ከም ዝሃሰዮን ዘጕሃዮን ሕሉፍ ታሪኽ ምስክር ኢዩ። ሓይሊ ጸላኢ ከይዓጀቦ ደቁ ከተዓርቕ ብኣሽሓት ካብ ዓድታትን ከተማን ንበረኻ ዝወፍር ደላይ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ እኳ ኢዩ። ናይ ውድባት መራሕቲ ንሓፋሽ ተጋዳላይ እናኣታለሉ ስልጣኖም ንምርግጋጽ ጥራይ ስለ ዚነበረ ዕላማኦም ግን ንህዝቢ ኪሰምዑዎ ኣይመረጹን። ዘኸተሎ ሳዕቤን ከኣ ኣብ ልቢ ህዝብን ዝባን መሬትን ኣሎ። ምስቲ ኩሉ ኣበሳታት እታ ናጽነት ሃገር መጺኣ ኢያ፣፣ ነዛ ሓቂ እዚኣ ምቕባል ምቅማም ናይ ቀዳመይቲ ሃገራዊ ፈውስን ምጽራግ መንገዲ ዝጸንዐ ሃገራዊ ሓድነትን ኢያ፣፣ እቲ ምንታይ ናጽነት ብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. መጺኣ እኳ እንተ ተባህለ፣ እቲ ምሉእ ሓቂ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ካብ ተ.ሓ.ኤ.፣ ካብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ካብ ገባር ዝተሰወአን ዝሰንከለን ሓርበኛ ኢዩ ናጽነት ኣምጺኡዋ፣፣ ውድብ ኣካልን ውላድን ህዝቢ ኢዩ፣ ካብ ሰማያት ዚወረደ ልዕሊ ህዝቢ ኣይኮነን፣፣ ናጽነት ዘምጽአ ምሉእ ተሳትፎን መስዋእትን ህዝቢ ኢዩ፣፣ ካልእ ሓቂ የለን፣፣ ከም ውድብ ዘይኰነ ከም ዜጋ ነፍስ ወከፍ ሰብ እጃሙ ኣበርኪቱ። ስለዚ፣ ህግሓኤ ዘምጽኦ ናጽነት ኣይንፈልጦን ኢና፣ እቲ ቅዋም ናይ ህግሓኤ ስለ ዝዀነ ኣይንቕበሎን ኢና ምባል ፍጹም ጌጋ ኢዩ። ናይ ግዛእ ርእስኻ ታሪኽን እጃምን ናይ ምድምሳስን ናብ ቀጻሊ ሓደገኛ ህጉም ዘእቱን ዓቢ ጌጋ፣፣ እምበኣር ደግሲ ናይቲ ሕማቕ ታሪኽ’ቲ ክትደግሙ ትሸባሸቡን ብረት ተዋጣውጡን ዘሎኹም ሓይልታት ኣብ ግጉይ ዕላማን መንገድን ረጊጽኩም ትጐዓዙ ከም ዘሎኹም ኣሰተውዕሉ። ሎሚ በትሪ እንተ ተዋጣወጠ፣ ኣፈሙዝ በረት እንተ ቀንዐ ኣብ ርእሲ ሓውን/ሓብትን ኣብ ግምባር ሓውን/ሓብትን፣ ኣብ ርእሲ ኣቦታትን ኣዴታትን፣ ኣብ ርእሲ ዕምባባታት ቈልዑ ሃገርን ጥራይ ኢዩ። ደርሆ በምዑት ደቃ ትጻወት ኢዩ፣፣ ድሕሪ ሓድሕድካ ምድማይከ እንታይ ዓይነት ሃገር ኢያ ክትመጽእ? ብረት ምልዓል ውድባዊ ሕነ ካብ ምፍዳይን ንስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብስልጣንካ ካብ ምትካእ ሓሊፉ ካልእ ዕላማ ኪህሉዎ ዚከኣል ኣይኰነን፣፣ ኣይፋልን፣ ሕሰቡሉ፣ ብግልጽን ብህድኣትን ድኣ ንዘትየሉ። ኣብ ሕሉፍ ግዜ ተሓጺርካ ዝበለየ ኣተሓሳስባ ተዓጢቕካ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክትተክልን ራህዋን ሰላምን ከተስፍንን ዚከኣል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ኪነብር እንተ ዀይኑ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ኪገብር ከድልዮ ኢዩ፣ ሕሉፍ ዕንወትን መስዋእትን እናሃለወ። ረብሓ ህሉውን መጻኢን ወሎዶታት ዘገድዶ ሓላፍነት ስለ ዝዀነ፣፣ ልዕሊ’ቲ ምስ ጸላኢ ሰላም ናይ ምግባር ሓልፍነት ዚስራዕ ግን ኣብ ውሽጥና ሰላምን ምውህሃድን ናይ ምግባርና ሓላፍነት ኢዩ፣፣ እዚ ምእንቲ ክንገብር ከኣ ካብ ልቦና ዓበይቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ተለቂሕና ንሕሉፍ ቅርሕንትን ድሑር ኣተሓሳስባን ከም ዚኣረገ ዕፋፈት ተመን ንድሕሬና ክንገድፎን፣ ኣብ ባይታ ግዝኣተ ሕጊ ብምንጋስ ፍትሒ ህያው ዝዀነሉ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንውጹዕ ህዝብና ብራህዋ እንጌራ፣ ብቅሳነት ሰላም፣ ብርውየት መንፈስ፣ ብዕግበት ትምህርትን ሕክምናን ጻማኡ ክንክሕሶን ንሕድሪ ስዉኣት ብድሙቕ ብርሃን ሓርነት ሓውልቲ ክንተኽለሉን ይግባእ። ነዒንቲ ህዝብኹም እሞ ረኣዩ፣ ንትርግታ ልቡ እሞ ጽን በሉዎ፣፣ ካብ ሓዲስ ቍስሊ ወራር ወያኔ ቃንዛን ስቓይን ከይተገላገለ፣ ኣብ ዝኸፍአ ሓዊ ክትነቝቱዎ ምሽብሻብ መዘና ዘይህሉዎ ህየንታን ዘይምሕር መርገምን ዘኸትል ግጉይ መንገዲ ኢዩ’ሞ ናብ መንገዲ ልቦና ኣላግሱ። ንልቢ ህዝቢ ዘረስርስ፣ ንተስፋ ህይወቱ ዘውሕስ መንግዲ ገፊሕ ኢዩ፣፣ ብሓድነት ንጐዓዘሉ። 3. መንእሰያት ህይወቶም ከድሕኑ ናብ መሬት ጸላኢ ይሃድሙ ግርምቢጥ እዋን ኰይኑ መንእሰያት ተመሃሮ ዩኒበርሲቲ ከይተረፉ ናብቲ ትማሊ ሃገርና ከብርስ ህዝብና ከጽንት ከንቱ ፈተነ ዝገበረ ስርዓት ወያኔ ካብ ስርዓት ህግደፍ ከምልጡ ይሃድሙ ኣለዉ። እዚ ግን ዘነጽሮ ነቲ ናይ መጨራሻ ሕልፈታት ስርዓት ህግደፍ እምበር ክድዓት መንእሰያት ንሃገሮም ኣይኰነን፣፣ ንሃገሩ ከዲዑ ንጸላኢ ኢዱ ዝሃበ መንእሰይ የለን። ንሃገር ዝኸድዑን ንህዝቦም ዝጠለሙን ጃንዳ መሪሕነት ህግደፍን ብጸቢብ ግዜያዊ ጥቕሚ ሕልናኦም ዝዓወሩ ሰዓብቶምን ጥራይ ኢዮም። 4. ናብ ኣዲስ ኣበባ ኬድካ ደገ ጽንዓት ንምንታይ ኣድለየ? ውዒሉ ሓዲሩ ህዝቢ ኤርትራ ናብርኡ በታ ዓቕሙ ብሰላም ኪመርሕ ምእንቲ ኪኽእል ምስ ጐራባብቱ፣ ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ክተክል ከድልዮ ኢዩ። ንረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝዀነ ቅኑዓት መራሕቲ ብሓላፍነት ዝጥምትዎ ጉዳይ እውን ኢዩ፣፣ እዚ ኰይኑ እቲ ተድላዪ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ንህዝቢ ኤርትራ ዘምጽኣሉ ጥቕሚ ግን እንታይ ኢዩ? ድልየትን ስምዒትን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ከየእቶኻ ንብሕታዊ ረብሓ ዝግበር ዘሎ ዑደት ዲዩ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ባሪኹዎ ኢዩ? ስርዓት ወያኔ ትማሊ ዘስዓቦ ዕንወትን መስዋእትን ውዑይ ስምብራቱ ከይዘሓለን ብግቡእ ሰላም ከይተደበሰን ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ሃሊዩዎ ኪተሓባበር ከም ዚደሊ ዚሕብሩ እንታይ መርትዖታት ኣሎዉ? እዚ ሕቶታት’ዝን ካልእን በቶም ዝምልከቶም ሰባት ንህዝቢ ኤርትራ ኪምለስ ዝግባእ እመስለኒ። “ ኣብ ሓድሕዳ ዝተመቐለት ግዛ ደው ክትብል ኣይትኽእልን ኢያ” ከም ዝበሎ ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ኣብርሃም ሊንኮልን፣ ተቓወምቲ ሓይልታት ከም ቃንጥሻ እናበቘላ ብዘይ ስሙር ድምጺ ሽግር ህዝብን ሃገርን ብኣድማዕነት ኪፍታሕ ዚኽእል ኣይመስለንን፣፣ ስለዚ ቅድሚ ናይ ሳልሳይ ኣካል መንጎኝነት ሃሰስ ምባል ና ውሽጥና ሓይሊ ተቓውሞ ሓድነት ኪገብር የድሊ። እስከ ነቲ ሓቂ ኣይንጕሰዮ፣ ኪሃስየና ከይነብር፣፣ ምሕዝነታት ተቓውሞ ኣብ ዋሺንግቶን ዝገበሮ ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፍን ክሳብ ዓሰርተ ሓደ ዝበጽሓ ተሳተፍቲ ውድባት ነይረን ይበሃል፣፣ ኩለን እንተ ዘይኰና መብዛሕተን ብታሪኽ ምስ ተ.ሓ.ኤ. ምትእስሳር ዘሎወን ኢየን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክልተ ሓቢረን ይበሃል። ጽቡቕ። ግን እኹል ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ካልእ ኣማራጺ ዘይህብ ኩሉ ሓላፍነት ዚስምዖ ኤርትራዊ ዜጋ ብዕትበት ከለልዮ ዝግብኦ ሓቂ ኣሎ፣፣ እቲ ንተቓውሞታት ዘበገሰ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ብመሪር መስዋእቲ ዘምጽኦ ሓርነቱን ስልጣኑን ስለ ዚተመንዝዐን ብመገዲ ቅዋማዊ ደሞክርሲያዊ ስርዓት ግዝኣተ ሕጊ ብምርግጋጽ ፍትሒ ነጊሱ ስልጣን ህዝቢ ግቡእ ቦትኡ ንምትሓዝን ኢዩ። ነዛ ሓቂ እዚኣ ኩሉ ዝቕበላ እንተ ዀይኑ ከኣ ብሓድነት ንሽግር ሃገርን ህዝብን ምፍታሕ ኪጽግም ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ኣበሃህላዚ ምስቲ ብብዝሓዊ ሰልፍታት ምምስራት ዚግበር ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኪደናገር የብሉን። ካብኡ ተረፈ ንስልጣን ህግደፍ ተኪኡ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኪሓኵርን መንድዓት ኪኽውንን ዚሕልን ሰብ ወይ ጕጅለ እንተ ኣሊዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምግራሁ ብመሪር ተሞኪሩ ስለ ዘሎ ንእከይ ሕልሚ ነቓዕ ከም ዘይገድፍ ኪበርህ ይግባእ።
5. ምሁር ኣካል ንምንታይ ትም መሪጹ? እዚ ሕቶ’ዚ ብኣስተንክሮ ኣስተብሂሎም ኪሓልፉዎ ሕልናኦም ዘይፈቐደሎም ደቂ ሃገር ኣብ ዚተፈላለየ ግዜ ብነቐፌታዊ ኣገባብ ኣልዒሎሞ ኢዮም። ኣነ’ውን ብወገነይ ከምኡ። ንሓበሬታ ( Intellectualizing That Can Insulate Us From Action, August31, 2002, ተመልከት። ምሁር ኣካል ብጻዕሪ ወለድን ሃገርን ናይ ምምርማርን ናይ ምምሃዝን ዓቕሙ ብዕጥቂ ፍልጠት ወግዓዊ ትምህርቲ ክብ ዝበለ ብምዃኑ፣ ናይ ምዕባለ ድንድልን ናይ ፍትሕን መሰልን ህዝቢ ቅድመ ግንባር ኰይኑ ኪጣበቕ ትጽቢት ኪግበረሉ ርትዓዊ ኢዩ። ጨቘቕ ኢሉ ደቁ ዘምሃረ ህዝቢ ኤርትራ ኣሽንኳይ ኣብ እዋን ጸበባኡ ኣብ እዋን ሰላምን ቅሳነትን እውን መርሓ ዘምሃሮም ደቁ ቍሊሕ ክብል ባህሪያዊ ኢዩ። ካብ ማንም ግዜ ዝያዳ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘይተጸበዮ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሽግርን ንምውጻእ ኣብ ጐድኑ ኰይኖም ኣጆኻ ዝብሉዎን ንዓለም ዝጠርዑሉን ምሁራን ደቁ የናዲ ኣሎ። ሕድሪ ዝጠለመ መግስቲ ህግደፍ ንቅዋም ደርቢዩ፣ ንመሰል ናይ ምሕሳብን ሓሳብ ናይ ምግላጽን ሓርነት ገፊፉ፣ ንጋዜጠኛታትን ንተቓወምቲ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ብዘይ ሕግን ፍትሕን ቀፊዱ፣ ብኽብሪ ጽን ኢልካ ኪስምዑ ዝግብኦም ዓበይትን ለባማትን ሃገር ኣሲሩ፣ ህዝቢ ርእዩዎን ተመኲሩዎን ኣብ ዘይፈልጥ ሽግር ወዲቑ ኣብ ገዛእ መሬቱ ናጻ ኢዩ እናተባህለ ኣብ ምልማን ወዲቑ፣ መንእሰያት ሃገር ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኰሊፉ ኣብ ወፍሪ ባርነት ዳጒኑ፣ ብሰሪ’ዚ ኣሽሓት መንእሰያት መውደቒኦም ኣብ ዘይፈልጡሉ ሓደገይና ስደት ይሃድሙ፣ ብመርከብ ሰጊሮም ዑቕባ ሓቲቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ተዳጒኖም(ኣብማልታ.. .ወ.ዘ.ተ.)፣ ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰል ብምጥሓስ ናብቲ ካብ ግፍዕን ሞትን ኪድሕኑ ዚሃደሙሉ ብስገዳድ ኪምለሱ፣ ኤርትራዊ ህጻን ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስደት ኣብ ዚተወለደሉ ግዜ፣ ኣብ መንጽር እዚ ሕልና ዘዕርብ ኣበሳ ሃገር፣ ኤርትራዊ ምሁር ኣካል ንምንታይ ትም መሪጹ? ምሁር ኣካል ኪብሃል ከሎ ኣብ መፈለምታ ዓመታት ናጽነት ከም ሓደ ኣካል ኣሎኹ ኢሉ ዝዋሳእን ዝዋናጨፍን ዝነበረ ማለተይ ኢዩ፣ ነቶም ብዓቕሞም እጃሞም ዘበርክቱ ዘሎዉ ምሁራት ደቂ ሃገር ኣይትንክፍን። ብዘይካ ሓደ ክልተ እቶም ብ G-13 ዝፍለጡ ንመንግስቲ ክምዕዱ ዝተበገሱ ምሁራንከ ኣበይ ኣበሉ? ዓለም ብሓድነትን ቃልስን ተጻያት ዝቖመት ስለ ዝዀነት፣ ጸልማት ለይቲ ብብርሃን መዓልቲ ከም ዚትካእ መጠን፣ ናይ ሎሚ ጸበባን ሕውከትን፣ ግፍዕን ማእሰርትን ጽባሕ ብራህዋን ሰላምን፣ ብፍትሕን ሓርነትን ኪትካእ ግድን ኢዩ። ህዝቢ ሓዘኑ ተደቢሱ ንብዓቱ ምስ ሓሰሰ ኣበይ ኣሎዉ እቶም ጸዊዐዮም ኣቤት ዘይበሉኒ ምሁራት ደቀይ ኢሉ ኣይጸባጸብን ይኸውን። ካብ ፍርዲ ሕልናን ካብ መንፊት ታሪኽን ግን ከምልጥ ዚኽእል ሰብ የለን። ስለዚ ምሁር ኣካል ተባራበር፣ ህዝብኻ ኪግፋዕ ትም ኢልካ ኣይትርኣዮ። ዓው ኢልካ ተጣበቐሉ። ቅሳነት መንፈስ ክትረክብ። |