ትግርኛ
ደ ሮ ና Print E-mail
By ሰሎሞን ብርሃነ ሠንጋል (ሕልና) - Mar 03, 2010   

ሓፍ ኢሉ ዕግ ...ግመ መሲሉ ጭፍግግ...ሪሑቑ ዘየማዕዲ ምኻኑ...መሲሉዎ ከምዘይጠፍእ በኒኑ...ደሮና ትኪ ኮይኑ ዓብሊሉዎ...ንዓይኑ ኣዕዊሩ...ንጉሮሮ ዓቢስዎ...ንእዝኑ ለኪቱ ንኣእምሮ ኣደስኪልዎ...ንሓቂ ብኣሉ ተኪኢዎ።...ደሮና ትኪ ኮይኑ...ትማልን ጽባሕን ረሲዒዎ...ኣብ ሎሚ ንኹሉ ኣኪብዎ...ንሓሶት ንጭካነ ደማሚሩ...ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን ኮይኑ...ደቂሰ ወላ ተንስአ ተበራቢረ...ኣሉ ቀጣን እምነተይ በለ።

Read more...
 
ኣድጊ'ዶ ገመል ምዃን? Print E-mail
By ብዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ: ጀርመን - Feb 14, 2010   

ኣደይ ገነት ነብሰን ክኢለን'ሲ ክሳብ ንኣድገኣልቦ ደቂ ዓዲ ማይ ክሸጣ ከኣላ። ኣብቲ እቲ ኣድጊ ዝቈጠበለን ጊዜ ከኣ፡ ክልተ ሰዓት ንመዓልቲ፡  መብልዕ ቍርሲ ክሰፍያ ጀመራ። ዝቘርስ 'ተረረኺቡ ድማ ንዓኣ ሸይጠን ክቈርሳ እየን።.....እሞ ገመል ተጠንቀቕ ኣድጊ ደቂሱ ኣይሓደረን።  .......ድቁሳት ኣእምሮ'ውን ተበራበሩ እቲ እንስሳ ምዃን ኣድጊ ምዃን'ውን ኣሎዎ። እሞ ኣድጊ ኤርትራ!

Read more...
 
ደገፍቲ ህግደፍ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር መን? Print E-mail
By አደሓኖም ፍትዊ - Jan 31, 2010   

ብመሰረቱ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሃገር ወይ መንግስቲ ብሕቡራት ሃገራት  ቁጠባዊ ማዕቀብ ክወርድ እንከሎ “እወ፡ ተጋግየ ይግባኣኒ ኢዩ።” እትብል ሃገር ወይ መንግስቲ የላን። እቲ ግብረ መልሲ” ኣድልዎ ተጌሩለይ፤ዘይሕጋዊ ኢዩ፤ ሕቡራት ሃገራት ብኣሜሪካ ዝዕብለል ኢዩ፤ ወ.ዘ.ተ.” ዝብል ኢዩ። ከምቲ ሓደ ሕማቕ ተምሃራይ ብሕምቀቱ ከይእመን ንመምህሩ ዘሳብብ ኢሳያስ እውን ኩሉ ግዜ ንሕቡራት ሃገራት፤ንኣፈሪቃ ሕብረት፤ ንኢጋድ ኮታ ንኹለን ናይ ዓለም ትካላት ምስ ኣማረረ ኢዩ። ኣብ ሂወቱ ጌግኡ ተኣሚኑ ኣይፈልጥን።

Read more...
 
ኣየናዮም ኣምላኽ ይሕይል? * Print E-mail
By ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ: ጀርመን - Jan 26, 2010   
ቅድሚ ኣርባዓ ዓመታት፡ ሓደ ዳዊት ባረት ዝተባህለ ተመራማሪ ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ናይ ዝርከቡ ሃይማኖታትን ቍጽሪ ሰዓብትን ክምዝግብ ጀመረ። ንዅሉ ኣማን ሃይማኖት ዓለም መዝጊቡ ከኣ ኣብ 238 ሃገራትን ቦታታትን ክሳብ 10,000 ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ምንባሮም ኣረጋገጸ። ካብ'ዞም ኵሎም ሃይማኖታት ግን ንዓለምና ናብ ቅድስትን ንጽህትን ግዝኣተ ኣምላኽ ለዊጦም ንብምልኡ ህዝቢ ዓለም ከጽድቑ ዝጽዕሩን፡ ዝቃለሱን ክሳብ ዝዳመዩን ክርስትናን እስልምናን ጥራሕ'ዮም። ሂንዱነት እታ ክፍለ ዓለሙ ህንዲ ጥራሕ ትኣኽሎ። ቡዲስትነት፡ ንዓለም ከድሕናን ክቈጻጸራን ኢሉ ተመጣጢሩ ኣይፈልጥን ኣብ ኣእምሮኡን መንፈሱን የሎን።
Read more...
 
እቲ ዓቕሙ ዘይፈልጥ ጋውና Print E-mail
By ዳንኤል - Jan 21, 2010   

ንሕና ከም ኤርትራውያን፣ ከም የሕዋቶም፣ ከም ፈተውቲ ናጽነት መጠን፡ “ዘረባ ሓደ ሰሚዕካ ኣይትፍረድ” እዩ’ሞ ዓገብ ኣይበልናን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ መሓውራት ህግደፍ ይዝርግሖኦ ንዝነበራ ሓበሬታ ተመርኲስና “ጽቡቕ ገበርዎም፡ ጸጊቦም እንድዮም፡ ብደም ስዉኣት ዝመጸት ሃገር ዝጻወቱ፡ እዞም ደቅና እዚ ድዩ ኢዶም” ኢልና፡ ስቓዮምን፡ ደሞምን፡ ብኽያት ስድራቤቶምን ዕሽሽ ኢልናዮ። ደሞም ከም ደመ ከልብ ኮይኑ ድማ ተሪፉ። ብየሆዋ መሰኻኽር ዝጀመረ ሃይማኖታዊ ኣደራዕ፡ እንሆ ሎሚ ናይ ጰንጠን ካልኦትን ጊደ ኮይኑ። ብበዓል ቢትወደድ ዝጀመረ ሕልፈት ዘይብሉ ማእሰርቲ እነሆ ሎሚ ዝትንከፉ ዘይመስሉና ብዝነበሩ፡ በዓል ድሩዕን ብጾቱን ቀጺሉ።

Read more...
 
<< Start < Prev 1 2 3 4 5 6 7 8 9 Next > End >>

Results 1 - 9 of 79



Copyright 2000-2010 Awate.com. All rights reserved. This material may not be published, broadcast, rewritten or redistributed without written consent from the Webmaster@awate.com.