ሓርነት፤ ድሕንነትን፡ መስዋእትነትን
By ርእሰ ዓንቀጽ - ዓዋተ. ኮም
Dec 10, 2004, 23:40 PST

ሓርነትን ድሕንነትን

ኣብ ሞንጎ፡ ክልተ ተጻገምቲ ጉዳያት፡ ዝህሉ ጋግ ዘበለ፤ ንኽልቲኡ ከይ ሃሴኻ፡ ንኸተቃስን ዝግበር ሓልዮት፤ ማለት - በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣገዳስነት ናይ ሓደ ህዝቢ፡ ሓርነታዊ መሰል ምዕቃብ፡ ክኸውን ከሎ፤ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ፡ ኣድላይነት ዕቃበ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ፤ ከይ ተነኻኽኤ፡ ተደላዲሉን ተዋሲቡን፡ ክሕሎ ምግባር፤ ነተን ዝዓኾዄ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ፡ ዘለወን ሃገራት፡ ንከም በዓል፡ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዝኣመሰላ፡ ከይተረፈ ዉን በዳሂ ጉዳይ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ፡ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ጺጽ ክብል ንዝጸንሔ፡ ክትዓት ቆይቅን፡ ምምንጥጣል ስምን፡ ንዘስተውዓለ ዘበለ ኩሉ፤ እቲ ኣሰሓሓብ፤ እቲ ሓደ ወገን ሕጂ ሕጂ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር፡ ኣብ ትሕቲ፡ ቅዋማዊ ፍትሒ ምቕያድ፡ ንሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ሓደጋ፡ ዘእቱ ምዃኑ እዩ፡ ከብል ከሎ፤ በንጻሩ ድማ እቲ ካልኣይ ወገን፡ ኣብ ትሕቲ ቅዋማዊ ሕጊ ምቕያድ፡ ንምሕያል ሃገራዊ ድሕነት፡ ዘገልግል እዩ፡ ዝብል እምነት ይኸዉን። ኣብ ምክንዋን፡ ናይ እዚ ህልኽ እዚ፤ እቶም ንባዕልና፡ ንዝያዳ ሓርነት፡ እንጠልብ ሰባት፡ ከም ከዳዓት፡ ወይ ውን፡ ከም ተሓባበርቲ ከደዓት፡ ከም ምዃና፡ ክንጥቀን ከሎና፤ እቶም ንመሰል ሓርነት፡ ንድሕሪት ዝጎቱ ሰባት ድማ፡ ከም ገበቲ፡ ወይ ውን፡ ከም ተሓባበርቲ ገበቲ፡ ከም ዝኾኑ፡ ተጠቂኖም እዮም።

እቲ ፍልልያት ድማ፡ ኣብ ኣተኣናግዳ፡ ጭብጥታት እዩ።

እቶም ንባዕልና፡ ህግድፍ ገባቲ ሰልፊ፡ ከም ዝኾነ፡ ንኣምን ዘበልና ሰባት፡ ኣተሓሳስባ ህግድፍ ጨቋኒ ከም ዝኾነ፡ ጭብጪ-ብዝሰዓቦ-ጭብጢ፡ ኣመስኪርና ኢና። ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ እንቶ በዚ፡ እንቶ በቲ፡ ኣብ ጎንጽታት ዝተሓለኻ፡ ክኾና ከለዋ፤ ብሕልፍ ዝበለ ከኣ፡ ኤርትራ ግና፡ እታ እንኮ ሃገር፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብዘይ ናይ ነጻ ኣወጅቲ ዜና፤ ብዘይ ናይ ነጻ ሓጋጊ ኣካል፤ ብዘይ ናይ ነጻ ፍትሓዊ ኣካል፤ ብዘይ ቀይዲን፡ ግዝኣተ ሕግን፡ እትነብር ሃገር እያ፡፡ ከምቲ ልክዑ፡ እንተ ኾይኑ ዉን፤ ህግድፍ፡ ሰልፊ ወይ ዉን ግምባር፡ ከም ዘይኮነን፤ ናይ እቲ፡ ስልጣን ብዘይ ደረት፤ ወኒኑ ዘሎ፡ ናይ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ናይ ብሕቱ፡ ሰረገላ ከም ዝኾነ ኣርኢና ኢና። እተካእ እለቀብ፡ ኣብ ርእሲ፡ እቲ ዘይ ብቕዓቱ፤ ኤርትራ ለማኒት ሃገር ንኽትከውን፡ ደርቁሱ ከም ዘቆንጸባ፡ እዚ ዘይ’ብሃል መረድኢ፡ ኣቕሪብና ኢና።

በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ እቶም ንተቓዋሚ ሓይሊ፡ ብተደጋጋሚ ብኽድዓት ዝኸሱ፡ ካብ ምኽሳስ ሓሊፎም፤ ክሳብ ሕጂ፡ ክንዲ ቅንጣብ ኣድሪ፡ ትኣክል መርትዖ ኣየቕረቡን። ካብቶም ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት፡ እኳ እንተ ዘይተባህለ፡ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝኸሰስዎም፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንይመስለ ዉን፡ ኣብ ቅድሚ ነጻ መጋባእያ፤ ንቤት ፍርዲ ዘተዓሻሹ እንተኾነ ዉን፡ ቀሪቡ ብገበን ኣንጻር ሃገር፡ ዝተረጋገጸ ክሲ የልቦን፡፡ እቶም ወራዙት ሽማገለታት ይኹኑ፤ እቶም ሓሙሻይ መስርዕ ዝብልዎም፤ እቶም ፈነውቲ ወረ ይኹኑ፤ እቶም G15፤ ዋላ ሓደ፡ ብፍትሒ ገበኑ፡ ዝተረጋተጸሉ ክሱስ የልቦን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ፍትሒ ኣልቦ ዝኾነ ፍጻሜ፤ ንባዕልና ከም ንፈልጦ፤ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ህግድፍ፡ ንድሕነት ሃገራዊ ረብሓ ዘይ ኮነስ፤ ንድሕነት ስልጣሎም፡ ከም ዝኾነ እዩ ዝረጋግጸልና ፡፡

ድሕንነት ሃገር ዶስ ድሕንነት ኢሳያስ

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ገሊኣቶም -- "ገሊኣቶም" ማለትና ድማ፡ እቶም ንደገፍ ኢሳያስ ክብሉ ዝዓበዱ ድንጉራት ሰባት ፤ ንዘይ ምእዙዝነት ኢሳያስን፡ ንዘይ ምእዙዝነት ሃገርን ፈላልዮም ከመዛዝኑ ዘይ በቕዑ፡ እዮም። እዚ ኣየደንጹወናነ፡- ሓደ ፍጥረት፡ መላእ ናይ ሓንቲ ሃገር ዕድል፡ ኣብ ኢድ ሓደ ሰብኣይ፡ ተጠቕሊሉ እናርኣየ ከሎ ዝሕጎስ እነተዳኣ ኾይኑ፤ ወቐሳ ወይ ተቓውሞ ንእሳያስ ማለት ወቐሳን ተቓውሞን ንሃገር ገሩ ነኽወስዶ ብቐሊሉ ኣብ ትራፖላ እዩ ዝድቕደቕ ። ንባዕልና፡ ሃገርነት ማለት፡ ኣብ ክንዲ ሃገር፡ ካብ ዝኾነ ይኹን፡ እንኮላይን ብፍላይን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ጠጠው ምባል እዩ፡፡ ብዓይኒ ናይቶም፡ ኣንፈት ዘዕረቡ ዜጋታት፡ ዋላ ነቶም ክልተ ሲሶ ናይ ሂወቶም፡ ምእንቲ ኤርትራ ክብሉ ዝደመዩን፡ ኹሉ እንትንኦም ጸንቂቖም ዝተሰየፉን ሓርበኛታት እንተኾኑ ዉን፤ ብቐሊሉ ምስ ሓደ ሰብኣይ፡ ስለ ዘይተሰማምዑ፡ ከይተኸጅሉ ብኽድዓት ሃገር ብዘይ ንሕስያ ተወንጂሎም ኣለዉ፡፡ ስለዚ፡ ሽሕ እኳ፡ ነቶም ንናይ ሐደ ሰብኣይ፡ ጽዩፍ ተግባራት፡ ንኽውግዱ ንዝሸማሸሙ ዘለዉ ሰባት፡ ንሕስያ ብዘይብሉ፡ ንመሕጎሊ ተባሂሉ ዝገበር፡ ኣወናጃላ ብኽድዓት ሃገር፡ እንተ ወረዶም፡ ዘገርም፡ ወይ ከኣ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘሎ ነገር ኣይ ኮነን።

ንሃገራዊ ድሕንነት ዝምልክት ጉቡእ ስክፍታት

ከም ትሑዝ፤ ዋላ’ኳ ህግደፍ " ሃገራዊ ድሕንነት " ከም መጣልዒ ካርታ ተጠቒሙ ነቲ ንኣንጻር ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ገበናት መመኻነይ ይግበሮ ደኣምበር፡ ስክፍታ ድሕነት ሃገር ዝበሃል ነገር የልቦን ማለት ኣይኮነን። ሓርነት፡ ዘየማትእ እምነት ኣይኮነን። ዝኾነት ሃገር፡ እንተላይ እተን፡ ኣዝየን ዲሞክራስያውያንን፡ ፈተውቲ ሰላም ዝኾና ሃገራት፡ ናይ ጸጥታ ኣገልግሎትን፡ ናይ ስለላ ወኪላትን፡ ክህልወን ምግባር፡ ምኽንያት ኣለዎ። እቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ሕሩራት/ ዝተሓረሩ/ ዝኽኑ ዜጋታት ከይ ተረፉ፡ ገለ ሓበሬታ፡ ተዓቂቡ ክድሕን መታን፡ ንመንግስቶም ብድልየቶም፡ መሰሎም ኣሕሊፎም ንምሃብ፡ ዝገብሮም ምኽንያት ኣለዎም። ምኽንያቱ ድማ፡ ንናይ ግሎም ሓርነት፡ ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ ንዝለዓለ ናይ ማሕበረ-ሰብ ድሕነት፡ ክረጋገጽ ከም ዘለዎም፡ ስለ ዝርድኦም እዮም፡፡ ገሊኦም ይገርሞም ይኾኑ፤ ንሕና ግን " ብደረተ-ኣልቦ ነጻ-ዘረባ" እይንኣምንን ኢና፡፡ ቅድሚ ሎሚ፡ ብዙሓት ሰነዳት ተቐቢልና፡ ከይ ሓተምና እነብኩሮም፤ ንድሕንነት ሃገርና፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዉን፡ ሓድነትና ዘቃውሱን ምዃኖም፡ ስለ ነጽንዖምን ነለልዮምን ኢና።

ግን፡ እቶም ሕሩራት ሃገራት፡ ከም ዝርድእኦ ዘበለ ኩሉ፤ ዝምባሌ ናይ መንግስታት፡ /ኩሎም መንግስታት/ ካብ ልክዕ እንዳ ተመጠጠ፡ ንኹሉ ነገር፡ ሚስጢራዊ ኢሎም ምስ ዝሰርዕዎ፡ መታን ካብ ተሓታትነት ክሕክሉ ምዃኖም ደኣ እምበር፡ መታን ንድሕነት ሃገር ኣይ ከውንን። ኣብ ሕሩራት ሃገራት፤ ዲሞክራስያ - እቲ ኣብ መንጎ፡ ነጻነትን ድሕንነትን ዘሎ ተደላይ ዝምድና፤ ንምውህሃዱን ምድልዳሉን፤ ብቐጻልነት ከኣ፡ ተመሓይሹ ክዕቀብ መታን፤ ናይ ምቁጽጻርን ምድልዳልን ኣገባብ ንኽህልዎ፤ ዘጋድል መስርሕ ኣሎ።

መዝገብ ስውኣት

ሽሕ እኳ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ፡ ሓድሕድ ኤርትራውያን፡ ዝግበር ዘሎ፡ ኣጉሃይን ካብ ልክዕ ዝበዝሔ፡ ምክሳስ እንተሎ፤ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ምእዙዛት፡ ምዃኖም እዮም፡ ብዝብል መንጸፍ ክንጂምር ንሓሪ፡፡ ሳሕቲ እዋን፡ ኣብ ኣበሃህላና ንፈላለ ንኸዉን፡፡ ኣብ ንናይ ሃገርና ህላዌነት ኩነታት፡ ንምምሕያሽ ንጥቀመሎም ኣገባባት፡ ንፈላለ ንኸውን ዉን ኢና፡፡ ግን፤ ድልየት ኩላትና ሓደ እዩ፡፡ ሃገርና ሰላም ምስ ባዕላ፤ ሰላም ምስ ጎረባብታ፤ ብቅኑዕን ዲሞክራስያን እትግዛእ ሃገርን፤ ናይ ዜጋታታ፡ ናይ መነባብሮ ደረጃ፡ ብቐጻልነት ዝመሓየሸሉ ሃገር ንምግባር እዩ። ገሌና ነዚ ዓንቂጹ ሒዙዎ ዘሎ ህግደፍ ምዃኑ እዩ ክንብል ከሎና፤ ገሊኣቶም ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ እዩ ይብሉ፡፡ ካልኦት ከኣ፡ ክልቲኦም ህግድፍን ኢትዮጵያን፡ ምዃኖም እዮም ይብሉ። ነዚ ዓንቃጺ ዝኾነ፡ ስርዓት ንምልጋስ ውን፡ ማዕረ ክንደይ ዝኣክል ክንከይድ ንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣሎ። ኣብዚ ውን ንፈላለ ኢና።

ኣብ ትሕቲ፡ እዚ ኩነታት እዚ ኢና እምበኣር፡ ንዚ አበ ኢድና ብጺሑ ዘሎ መዝገብ ስውኡት፡ ከነጽንዖ ዝጸናሕና። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓቤሬታ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ እዩ፡፡ እቲ ሕቶ ከኣ፡ ኣየናይ ሓቤሬታ፡ ሰቲርና ዓቂብና፤ ኣየናይ ሓቤሬታ ድማ፡ ንጥቕሚ ህዝቢ፡ መታን ከገልግል፡ ከም ንሓትም? እቲ ከም መዓቀኒ እንጥቀመሉ ስርዓት፡ እንታይ ክኸዉን ይግባእ? እንታይ እዩ፡ እቲ ዝድለ ዘሎ ቁምነገር? ካብዚ ከ እንታይ ክንረክብ፡ እዩ ተስፋና? ዝኣመሰሉ እቶታት ኣለዉ።

እቲ እንጥቀመሉ ኣገባብ፡ ሰለስተ ደረጃታት ዘጠቓለለ ፈተና፡ ክሓልፍ ይግባእ፡፡ ንሱ ከኣ፡ ሃገራዊ ድሕንነት፤ ናይ ሰብ ክብረትን፤ ተሓታትነትን እዮም። ንሕና ብዕምቆት፡ ንሃገርና እነፍቅር፡ ንሃገርና እንምእዘዝን ሰባት ኢና፡፡ ከምኡ ድማ፡ ሃገርና ብህግደፍ፡ ኣዓርያ ኣብ ሒማቕ ኢድ ወዲቓ፡ ትግልገል ከም ዘላ፡ እምነትና እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንጥቀመሉ ኣገባብ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብነት፡ ክኸዉን እዩ።

    • ስውእ፡ ኣበይን ብኸመይ መልክዕን፡ ከም እተሰውኤን፡ ኣይ ከነቃልዕን ኢና። ከምኡ ዝኣመሰለ ሓቤሬታ፡ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ድሕንነት፡ ስለ ዘጃምል፡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ኣብ ቅድሚ ጸላእታ፡ ኣበይን እንታይ ዓይነት መሳርያ ተጠቒሞም ንኸየጥቅዑ፡ ኣቃሊዕካ ንዘይ ምንዛው እዩ። ብተወሳኺ፡ ንናይ ሰብ ክብረት ፈተና፡ ኣይ ሓልፍን ስለ ዝኾነ እዩ። ኣደ ስውእ፡ ብመስዋእትነት ውላዳ እትሕበን፤ ናይ ወዳ ወይ ጓላ፡ ልክዕ ዓይነት መስዋቲ፡ ነብሰ ቅትለት ምዃኑ፡ ክትፈልጦ ኣድላይ ኣይከውንን።

       

    • ናይ ስውእ ኣሃዱ፡ ኣይ ከነቃልዕን ኢና። ነዚ ሓቤሬታ እዚ ስቱር ገቢርና ምዕቃብ፡ ናይ ኤርትራ ተጸጣሕነት ምክልኻል ይኸውን። ገለ ሓይልታት፡ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ኣተዓጣጥቓ፡ ምስ ካልኦት ሓይልታት ብጾቶም፡ ማዕረ ምስ ዘይከዉን፡ ብዝሒ ማህሰይቲ፡ ምስ መጠን ዕጥቂ ስለ ዝዛመድ፤ እዚ ሓቤሬታ እዚ ብፍላይ፡ ንምእንቲ ድሕንነት ሃገር፡ ነቶም ዝምልከቶም ሰብ መዚ፡ ጥራይ ክኸውን ንገድፎ (እቶመ ሰብ መዚ ምሩጻት ክኾኑ መፈተና)፡፡

       

    • ናይ ስውእ፡ ልክዕ መዓልቲ መስዋእቲ፡ ብሕልፊ ድማ፡ ናይ 1998 ዓ.ም. ኣይ ከነቃልዕን ኢና። ነዚ ሓቤሬታ እዚ ሰቲርካ ምዕቃብ፡ ነቲ ተንጠልጢሉ ዘሎ፡ ናይ መን ጀማሪ ኩናት፡ ዝብል ሕቶ፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ፡ ንኸይ ኣባላሽወላ፡ ብምጥንቃቕ ኢና።

እዞም ኣብ ላዕሊ፡ ዘለዉ ነጥብታት፡ ንምሳሌ ዝኣክል ጥራይ እዮም ተጠቒሶም፡፡ ካልእ ውን፡ ናይ ሃገራዊ ድሕነትን ክብረትን ፈተና፡ ክሓልፉ ዘሎዎም ኣለው። ንምዃኑ፡ ስለ ምንታይ ኢና፡ ነዞም ኣብነታት እዚኣቶም ንዝርዝር ዘሎና? ነቶመ ከምዚ ዓይነት መዝገብ ዝሓዙን፡ ክሕዙ ዝኽእሉን፡ በከምዚ አገባብ ክሓስቡሉ ክንሕብሮም ስለ ዝደለና እዩ።

እቲ ሕቶ ድማ፡ እንታይን ስለ ምንታይን፡ ነዚ ጭቡጥ እዚ ክንሓትሞ ዘድለየና? ኣይናይ ዕላማ ንምውቃዕ እዩ?

ጸብጻብ/ ምዕጻው

ህግድፍ ናይ 19 ሽሕ ስውኣት፡ ምስ ኣፍለጠ፡ ንስድራ ቤታት ስውኣት፡ ኣብ ዘዝርከብዎ ዞባታት፡ ጎጃጂሉ ብምእካብ ኣርዲእዎም፡፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ህዝቢ መጠን ግን፡ ናይ ኩሎም ስውኣት ደቁ፡ ኣይተረድኤን፡፡ እቲ ጉዳይ፡ ክሳብ ሕጂ፡ መደምደምታ ከይ ረኸበ፡ ጸኒሑ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ፡ በቲ ህግድፍ፡ ዘቕረቦ ቁጽሪ፡ ብዘይ ዕግበት፡ ይቕጽል ስለ ዘሎ፡ ነዚ ሕቶ ክንምልከቶ ኢና።

ተሓታትነት

ካብ ሓያሎይ ሰባት፡ ቃለ መጠይቕ ገቢርና፡ ከም ዝረኸብናዮ፡ ንሓደ ዘይ ጠቅም ጉድለት፡ ተመጣጣኒ ዝጎደሎ፡ ጠገለ ዘይብሉ ጨካን መቕጻዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰረዊት ምክልኻል፡ ይወርድ ከም ዝነበረ እዩ።

ሓደ ኣብ ውሽጢ እቲ፡ ናይ መዝገብ ስውኣት፡ ተመልኪቶ ዘሎ፡ ኮድ 500 ዝብል ይርከቦ፡፡ ኮድ 500 ከኣ፡ መለለይ ናይ’ቶም፡ ስጉምቲ ዝተ ወስደሎም ስውኣት፡ ምዃኑ ይሕብር።

ምኽንያት መስዋእቶም፡ ዘይ ተመልከተ ውን፡ ብዙሓት ኣለው። ናይ እዚ ኣቶም፡ ስውኣት እዚ ኣቶም ኣስማት፡ ንስለ ተነካኢ፡ ወይ ተኣፋፊ ስምዒታትን፤ ንምሕላው ክብረት ናይ ሓደ ህያው ሰብን፡ ኣይ ከነቃልዖን ኢና።እንተ ኾነ፡ ስታቲስቲካዊ ጽማቕ፡ ናይ እዞም ስውኣት እዚ ኣቶም፡ ኣብ ሓደ ጠሚርና ከነቕርቦ ኢና፡፡ እቲ ምንታይ? ንዝብል እቶ ድማ፡ ናይ እዞም፡ ጀጋኑ እዚ ኣቶም መቕዘፍቲ፡ ገለ ህያው ነብሲ ፡ ብሓላፍነት ክሕተተሉ ስለ ዝግባእ ይኸውን።

ካብ ኣድማስ ናይ ወስለትለት፡ ዝተላዕለ፤ ህያው ህይወታት ፍጡራት፡ ብኢደ-ወነን፡ ወሲድካ እንከተብቅዕ፤ ብድርብ ዓረ እምኒ መንደቕ ነዲቕካ፡ ሓቂ ንኸይወጽእ ዓሽግካ፡ ኣብ ዑቕባ ሃገራዊ ድሕንነት፡ ዝብል ምስምስ ተሓቢእካ ምንባር፡ ኣጓጉል ምኽንያት ይኸውን።

ኣብ ኣድላይ ዝኾነሉ እዋን፡ እዚ ሓቤሬታ እዚ፡ ንገለ ሊቃውንትን፡ ንተሓለቕቲ መሰላት ናይ ደቂ ሰባትን፡ ዘበሉ ኩሎም፡ ነዚ ጭቡጥ እዚ፡ መሰረት ብምግባር፡ ካብ መንግስቲ፡ ተሓታትነት ንኽጠልቡ ዘኽእሎም ሙያ ከም ዝኾነ ዘይ ሰሓት እዩ። ንግዚኡ ከኣ፡ ምኽኑይን ኣድላይነት ዘለዎ ምስ ዝኸውን፡ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና፡ ሓቤሬታ ንገለ ትካላት ክነካፍሎም ኢና።

ሰላም ንምንጋስ

ኣብ ዝኾነ ይኹን፡ ወገን ናይ ማሕበረሰብ፡ እቶም ኩሎም፡ ምኩራት ናይ ኵናት ዝኾኑ ገዳይም ሓርበኛታት፡ ኣፍቀርቲ ናይ ሰላም ከም ዝኾኑ፡ ኣዝዩ ዝግመት ምዃኑ ንፈልጥ። እቲ ምንታይ እንተ ተባህለ ድማ፡ ብቐንዶም ካብ ህያው ኵናት፡ ተዘቑቖም ዝተረፉ ስለ ዝኾኑ፡ ኣብ ኵናት ዝሃልቕ ነብሳትን፡ ዝዓኑ ንብረትን፡ ብዓኒ ምስክር ስለ ዝፈልጥዎ እዩ፡፡ ከምቲ ንሕና ንኣምኖ፡ እቶም ቃታ ኩናት ንምብራዕ፡ መቐጸልታ ናይ ዲፕሎማሲ፡ ምዃኑ እዩ፤ ኢሎም ባህ ዝብሎም ጉዳማት፡ ዕምቆት ሃስያ ኵናት፡ ምስ ተገንዘቡ፡ ከም ዝጠዓሱ ምዃኖም እዮም። ብሕልፊ እኳ ደኣ፡ ኣብ ዕድመ ናይቶም፡ ዝተቐዝፉ መንእሰያት ምስ ዝዕዘቡ ይኸውን። በዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንኹሎም ናይ እትዮጵያ፡ ኣቕረብቲ ዜናን፡ ብሕልፊ ከኣ፡ እቶም ኣብ ናይ ነጻ ጋዜጣነት ሞያ ተዋፊሮም ዘለዉ ክኢላታት፡ መንግስቶም ሙሉእ ኣስማት፡ ናይ’ቶም ኩሎም፡ ኣብዚ "ትርምጉም ዘይነበሮ"፡ ኵናት ዝሃለቑ መንእሰያት፡ መታን ከግህዶ፡ ከዋጥርዎም ንዕድም።

እምነት ናትና፡ ኩሉ ፍጥረት ሰብ ዘበሉ፡ ኣብ ሓርነትን ድሕንነትን፡ ዝነገሶ ኩነታት መነባብሮ፡ ክነብሩ ዝደልዩ ምዃኖም እዮም። ናይ መንግስታት ግዴታታት ድማኒ፡ ብዕቱቡነት ድሕንነት ናይ ሃገራቶም፡ ክዕቀብ ምግባር እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ኣጸቢቑ ዝተዓጥቀን፡ ኩሉ ግዜ ከኣ፡ ኣብ ተዳሎ ዝጸንሕ ሰራዊትን፡ ክህልዎ ይግባእ።

ከምኡ ድማ፡ ዜጋታት ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ከምቲ ንመንግስቶም ብዕቱብነት፡ ናይ ሃገር ድሕነት ከዕቁብ ግዴታኡ ምዃኑ ዝጠልብዎ፡ ናታቶም ግዴታ ድማ ክፈልጥዎ ይግባእ፡፡ መንግስቶም ካብ ብዝወስዶ፡ ናይ ኵናት ስጉምቲ፤ ዝሃልቕ ነብስታት፤ ዝዓኑ ንብረትን፤ ዝቃወስ ቅሳነትን፡ ከመይን ስለ ምንታይን፤ ከም ዝነበረ ብምጥላብ፡ ሙሉእ ጸብጻብ ክረክብ፡ ካብ መንግስቲ ክጠልብ ይግባእ።

እቲ ኵናት፡ ክውገድዶ ምተኻእለ ነይሩ ዶስ ወይስ ኣይምተኻእለን? ዝብል ሕቶታት ክምለሰሎም፡ ክገብሩ ይግባእ። ሃገርና ግን፡ ብሓላፍነት ዝሕተት ስርዓት፡ ክህልዋ ዕድል ስለ ዘይረኸበት፤ እታ ዝነኣሰት ሙያ፡ ንስውኣትና ክንገብረሎም ንኽእል ኢልና ንሓስባ፡ ከምዛ ንገብራ ዘሎና ፡ ማለት - ንመስዋእትነቶም ብዝምልከት ጥራይ፡ ንምክልኻል ሃገርናን ህዝብናን፡ ትእዛዝ ኣኽቢሮም፡ ኣብ ስርሒት ጉቡኦም ስለ ዝተበጀዉ፡ ከም ህዝቢ መጠን ከኣ፡ ብሓደ ሓቢርና፡ ከነኽብሮምን ክንዝክሮምን፡ ስለ ዝግበኣና፡ ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ኣድላይ ጉዳይ፡ ምዃኑ ስለ ዝኾነ እዩ።

ከም እምነትና፡ እዚ መዝገብ ስውኣት እዚ፡ ንመንግስት ጥራይ፡ ኣይኮነን ዝግባእ። ነቶም ብቐጥታ፡ ደቀም ዝተሰውእዎም፡ ዝግባእ ጥራይ ውን ኣይኮነን። ንምእንታን ድሕነት፡ ህዝብን ሃገርን፤ ተኣዚዞም ስለ ዝሓለፉን ዝተበጀዉን፡ ዝና መስዋእትነቶምን፡ ታሪኾምን፡ ንህዝቢ እዩ ዝግባእ። ይኹን ደኣምበር፡ ናይ ረዘንቲ ሰባት፡ ብቑዕ ስክፍታታት ስለ ዘሎ፡ ብኸምዚ ዝስዕብ፡ ክንከናኸኖ ምዃና ንመባጻዕ።

  1. ስዋኣትን ቤተ ሰቦምን፡ ዝበለጸ ሓልዮትን፡ ዝለዓለ ኣኽብሮትን፡ ዝግብኦም ከም ምዃኑ መጠን፡ ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ካብ ምምዝማዙን ምክምሽማሹን፡ ክንከላኸል ኢና። ኣቀራርባና፡ ብኽብረትን ብመዓርግን፡ ክኸውን እዩ።

     

  2. ሃገረ ኤርትራ፤ ኣብዚ እዋን እዚ፡ መን ይመርሓ ኣሎ ብዘየገድስ፤ ንዘለኣለም ነባሪት፡ ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ዝኮነ ይኹን እዋን፡ ድሕንነታ ብማንም ዓይነት፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ የብሉን። ከምኡ ስለ ዝኾነት ድማ፡ ብሓላፍነትን ጥንቃቐን፡ ሓቤሬታ ከነቕርብ፡ ሕልናና ዘኽብሮ፡ እምነት እዩ። ይኹን ደኣምበር፡ ምስ ኩሎም እቶም፡ ንሓልዮት ሃገርነት ኣምሲሎም፡ ኣብ ሳእኒ ዲክታተርነት፡ ዝሰግዱ ምእዙዛት፡ ብማንም ዓይነት፡ ክነመሓዞ ኣይ ንደልን ኢና።

ነዚ ኣጸቢቑ፡ ተነካኢ ዝኾነ መዝገብ፡ ዘጋታት ደቂ ሃገር፡ ካብ መንግስቲ፡ ተሓታትነትን መዕጸውን፡ ክረኽብሉ እዩ ዝግባእ ዝነበረ። ብወገና፡ ነዚ ናብ ህዝቢ ከነቕርቦ ዝተበገስናሉ፡ ሓደ ካብቲ ክንገብሮ ዝግበኣና፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ ኢልና፡ ስለ ንኣምን፡ እጃምና ካብ ምብርካት፤ ሕጂ ይኩን ንድሕሪ ሕጂ፡ ኣይ ክንቁጠብን ኢና፡፡


 

This page contains the names of Eritrean martyrs who died between 1998 and 2003, as a consequence of the 1998-2000 border war that broke out between Eritrea and Ethiopia. This page is designed as a tribute. If you think seeing the names would cause you stress and/or anxiety, please don't continue any further.