|
To print: Click here or Select File and then Print from your browser's menu. Click here to return to the home page. |
Tigrigna
ወርሒ መስከረም ቅልቅል ክትብል እንከላ። ኣብ ውሽጠይ ዝተፈላለየ ነገራት እዮም ኣብ ኣእሙረይ ዝፈራረቁኒ። ካብ ዝፈራረቁኑ ነገራት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእቲ ኣይፋል ኢሉ ብረት ኣልዕሉ፡ ነቲ ነውሕን ኣህላክን ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ ቅጅል ይብለኒ እሞ። ደበስ ናጽነትና ድማ መስከረም 18 – 2001 ወሊዳ ኣፍቀርቲ ፍትሕን ቅዎም ኤርትራ ተሓይሮም እንዳረኤና፡ ህዝቢ እንተስ ጃጁዮ፡ እንተስ ተዓዚሙ፡ እንተስ ተዳሂሉ ስቅ ምባሉ ይገርመኒ። ጅጋኑ ጋዜጠኛታትናን ደለይቲ ለውጢ ሓለፊቲ መንግስቲ ካብ ዝቅየዱ እነሆ ዝመጽእ 18-መስከረም 2006 ሓሙሸተ ዓመቶም ኣቑጽሮም።ደሃዮም እንዳተጸበና መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ ፎርም ብዕለት 27-09-2006 ኣብ ኣስማሪኖ ዝተፈነወ ዜና ሞት ካብ ደለይቲ ለውጢ ተረዲእና። እዚ ሕማቅ ዜና ምስ ሰማዕኩ። ኣብ ውሽጠይ ክገልጾ ዘይክእል ዝተፈላለየ ስሚዒታት እዩ ተፈራሪቅኒ። ብርግጽ እቲ ዜና ክኣምኖ ድማ ኣጸገመኒ። እቲ ኾይኑ እዚ ብሓቂ እዞም ደለይቲ ለውጢ ሎሚ ኣይኾኑን ሞይቶም። ገና ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ህግደፍ ምስ ኣተው እዮም ዝሞቱ። ናይ ኩሎም ኣፍልጦን ስእልን ረኺበ እንተዝጽሕፍ ባህ ምበለኒ ኔሩ።ግና ሙሉእ ሓበሬታ የብለይን። ንሎሚ ብቐረባ ዝፈልጦ መታዓቢተይን ዓርከይን ብዛዕባ ኣማኑኤል ኣስራት ነቲ ዓቢ ሞያኡ በዚ ዱሩት ዓቅመይ ክምስክርን ክሕንጥጥ ክፍትን እየ። ብሓቂ ዓቅመይ ኣዝዩ ዱሩት እዩ: ታሪክን ሞያ ኣማኑኤል ክምስክር። ስቅ ኢለ ክሓልፎ ድማ ሕልናይ ምግባር ኣብኒ። ኣማኑኤል ገና ናይ መባእታ ተማሃራይ እንከሎ እቲ ፍሉይ ስነ-ጽሑፍ ክእለቱን ዝንባልኡን ዝጀመሮ። ዓመት መጸ መዕጸዊ ቤት ትምህርቲ ግጥሚ ከየበርከተ ሓሊፉ ኣይፈልጥን ከምዚ ሎሚ በዞም ገበርቲ እከይ የእዳውን ሓንጎልን ኣማኑኤል ኣብ ስነጽሑፍ ጥራይ ዘይኻነ ብልሑ። ኣብ ትምህርቱ እውን ኣዝዩ ብሉጽ ተማሃራይ እዩ ኔሩ። ጎኒ ጎኒ እዚ እውን ሃገራዊ ስምዕቱ ኩቱር እዩ ኔሩ። ከምዚ ሎሚ ድምጺ ሓፍሽ ኣብ ዝባን ኣስመራ ፈርቶ ደይባ መዳከሪት ገፋዕቲ ከይኾነት ከላ። ኣብ ሳሕል ገርግር ኣስመራ ኾይና እዚ ድምጺ ሓፍሽ ኤርትራ እዩ ክትብል እንከላ ኣማኑኤል መዓልታዊ መደባ ኣምልጣቶ ሓሊፋ ማለት ዘበት እዩ ኔሩ። ዝሓለፈና ዜና ድማ ካብ ኣማኑኤል እና ንረክቦ ዝነበርና። ኣማኑኤል ጽልወኡ ኣብ ልዕሊ መዛንኡ ቀሊል ኣይነበረን። ጽልውኡ ቅሊል ስለዘይነበረ ድማ’ዩ፡ ንእሽቶ ሓዉ ገና ትሕቲ ዕድመ 4ይ ክፍሊ እንከሎ ንሜዳ ዝወጸ። ኣማኑኤል ንእሽቶ ሓዉ ቐዲምዎ ብምግዳሉ ስለዘይተዋሕጠሉ ዝያዳ ናይ ምግዳል ድሌቱ ጥርዚ በጺሑ ንሜዳ ክወጽእ ዘይገበሮ ፈተነ ዳርጋ ኣይነበረን። ግን ሽዑ ካብ ኣስመራ ንምውጻእ ዘይከኣል እዩ ኔሩ ዳርጊ ንህዝቢ ኣስመራ ብሓለዋ ኣጺቢቡ እዩ ሕዝዎ ኔሩ። ክምዚ ሕጂ ህግደፋዊያን ናብ ኣስመራ መንእሰይ ከይትኣትዉ እንዳበሉ ኣጽቡቦሞ ዘለው። ኣማኑኤል ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቱ ንምቅጻል ንኢትዩጵያ ባህርዳር ምስከደ ትምኒቱ ጋህዲ ኾይኑ ብኡ ኣቢሉ ኣብ 1990 ንሜዳ ተሰሊፉ። ታዕሊም ድሕሪ ወዲኡ ንክምህር ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ምስ ተመደበ። ንዕኡን ምስኡ ዝተመደቡ ሓደስቲ ኣባላት "ናይ ደርጊ ተማሃሮ" እንዳተባህሉ ዘይተጸበይዎ ባጫን ናይ ስነ-ኣእምሮ ኩናት በቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝጸንሑ ገዳይም ተጋደልቲ ከምዘጋጠሞም ኣማኑኤል እንዳ ኣስተንተነ እዩ ዝገልጾ ዝነበረ። ብደርጊ ዝተበከሉ ምንም ዘይፈልጡ ብማለት ነቶም ዋላሓንቲ ዘይፈልጡ ህጻውንቲ ንክጽልእዎም ንከይቅበልዎም ጸልዮም ተነጹሎታት ኣጋጢምዎም እዩ። ሽዑ ኣማኑኤል ኣብ ምዝንጋዕ መደብ በቲ ውሕሉል ዝኾነት ክእለቱ ኣቢሉ ውቅብቲ ማሃሪት ዝኾነት ግጥሚ ኣቅረበሎም "ተንኩሊ በልክዋ ንነብሰይ" ክብል ብሓፈሻ ተንኮል ወዲ ሰብን ቁኑዕ ልቢ ሰብን እትድህስስ ንሓንቲ ዕላማ ዝተዋፈሩ የሕዋትን ኣሓትን ክሰምሩ እትላቦ መሃሪትን መዓዲትን ዓባይ ግጥሚ ኣቅሪቡ ተማሕጺኖም። ድሕሪ ናጽነት እውን ኣዝዩ ቡዙሕ ዝኾነ ስነጽሑፍ ኣበርኪቱ እዩ። ኣብ ምዕንባብ ስነጥበብ ኤርትራ ድማ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ መንእሰይ እዩ። ብፍላይ በታ ኣዝያ ህብብትን ፍትውቲን ዝነበረት ጋዜጣ ዘመን ብኣዝዩ ዝፈትዋ ንእሽቶ ሓብቱ "ምስጋና" ብዝብል ብርዒ ስም ብምጥቃም ክሳብ ጋዜጣ ተዓጽየን ኤርትራ ናይ ሓበሬታ ጋሃነብ (ጸልማት) እትቅየር።ተከታታሊ ጽሑፋት ንኣንብብቱ ኣርዊና እዩ። ብዙሓት ኣንበብቲ ድማ ንምስጋና ኣድናቆቶም ገሊጾም እዮም። ብተወሳኪ እውን ንድምጻዊያን ዳዊት (ሽላን) ንሳምሳም ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ኣብ ደርሰት ግጥሚ ምትሕግጋዙ ተፈሊዎም ኣይፈልጥን። ንአብነት "ሃገረይ ንመኖም ተፍቅሪ" ትብል ደርፊ ወዲ ትካቦ ብህያብ መልክዕ ኣበርኪትሉ እዩ። ኣብ መብል 10ይ ዓመት ባዓል ናጽነት እውን ፍሊቲ ሕታም ናጽነት እትብሃል ጋዜጣ ካብ ኩለን ጋዜጣታት ተዋጺኦም ብሚ/ሪ ዜና ዝተኣለየት ኣዝያ ዓባይ ጋዜጣ ቃለ መሕተት ምስ ፕረዝደንት ኢሰያስ ዝሓቆፈት ከባቢ ዕስራ ገጽ ዝሓዘት። ብኣማኑኤል ምክትል ዋና ኣሳናዳኢነት ተዳልያ ንኣንብብቲ ጀቦ ኢሉና እዩ። ብሓፍሻ ኩሎም ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ምዕንባብ ኤርትራዊ ስነጥበብ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም። እዚ ሞያ ኣማኑኤል ድማ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እዩ። ምናልባት ብዕለት 07/11/2005 አሰማሪኖ መርበብ ዝተፈነወ ተከታቲልኩም እንተኮንኩም ብገዛኤ ሓጎስ ምክትል ዋና ኣሰናዳኢ ዘመን ዝነበረ።አብ 1999 ብደረጃ ሃገር ዝተዳለወ ናይ ስነጽሑፍ ውድድር ግጥሚ "አበሳ ኩናት" እትብል ዓባይ ግጥሚ ወዲ ኣስራት ቀዳማይቲ ብሙኳን ናይ ገንዝብ ብልጫ ከምዝረከበት ሓቢሩና ኔሩ እዩ። ዕድል መርብብ ኢተርነት ዘይረከብኩም ሳዕቤን ኩናትን ሰዓርን ተሳዓርን ዝከስሩሉ፡ ኩናት አብ መንጎ ክልተ ፍቁራት ሙዃኑ፡ ኩናት ወጊድ ክንብሎ ከምዝሐበረና ተከታቲልና እና። ደደጋጊምኩም ከተስተንትንዎ እነሄልኩም ግጥሚ ወዲ አስራት፡
ኣበሳ ኵናት ሐደ ነገር ጓዚሙ ንሞት ብሞት ዓጺዱ ኣዝመራ ኵናት እቲ ኣበሳነቱ ነገር ኵናት እቲ ክፋኡ... ብርግጽ ካብ’ዛ ዓሙቅ ትሕዝቶ ዘለዎ ግጥም ክንርድኦ እንክእል ሓቂ እንተሃልዩ፡ እዛም ክልተ መንግስታት ብሓደ ተቃሊሶም ኤርትራዊያን አብ ኢትዮጵያ ተሰዊኦም፡ ኢትዮጵያውያን አብ ኤርትራ ተሰዊኦም። አብ ሓደ ቅርዓት ሞትን ሂወትን ሓሊፎም ማሕላ ብወረቀት ዘይኾነ ብደም እዩ ተባሃሂሎም። አብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 1992 መለስ ዜናዊ አብ ቅድሚኡ ናብ ስናኩላትና እዱ እንዳመልከተ "ቁስለኩም ኣይትሕከኩ ግን ድማ ቁስልኩም ኣይትረስዑ" ኢሉ መደረ አስሚዑ ነዚ እዩ ድማ ወዲ ኣስራት ኣብ ሞንጎ እዞም የዕሩክ "ሓደ ነገር ጓዚሙ" ዝበለና፡ "ሓንቲ ፈረ ዘርኢ" ዝበላ ድማ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኣንፈቱ ጠፊእዎ ናብ ዘብሎ ስኢኑ ኣብ ክንዲ መጽሓፍ ብረት ተሓንጊጡ መንእሰይ ፍትሒ ስኢኑ ክብል ገሊጽዎ። እሞ ህዝቢ ልሳንካ ኮይኑ ስቃይካን ሓጎስካን ዘቃልሐ ኣማኑኤል በዞም ስቃይን ቃንዛ ህዝቢ ቅጭጭ ዘይብሎም ህድግ-ለነ ዘይብሎም ህግደፋዊያን ኣብ ኣንጭዋ ዘይትረክቦ ጎዳጉድ ሰፊሩ፡ ልሳኑ-ተለኺቱ ኣሎ። ብሓቂ አማኑኤልን ብጻቱን ንክክሰት ዝክእል ዘይሓዊ ሓደገኛ ሳዕቤን ኩናት ኣምሪሮም ተማሕጺኖም ፍትሕን ቅዋምን ዘለዎ ሃገር ክትህለወና ተላብዮም። ነዚ ስለዝበሉ ብዘይሕጊ አብ ቤት ማሕቡስ ሰፊሮም። ንሓው ኣማኑኤል ምስቶም ንኤርትራን ቕዋማ ኣፍቒሮም፡ ንሕዝባ ዲሞክራሲ ዘርሓዉሉ ሰብ-ቕያ ጀጋኑ ብሕታውያን ጋዜጠኛታትን። ንኩሎም ደለይቲ ለውጢ ፈጣሪ ባዕሉ ይሓልዎም አሜን። |
|
© Copyright 2002 by Awate.com |