To print: Click here or Select File and then Print from your browser's menu. Click here to return to the home page.

Tigrigna


ውልቃዊ ትዕዝብቲ ኣብ እዋናዊ ምዕብልናታት


By ብዳንኤል ረዘነ
Aug 25, 2006, 08:01 PST

ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኣገደስቲ ሃገራውን ዞናውን ፍጻመታት እተኸስተለን ኣዋርሕ ብምዃነን፡ እዚ ተረኽቦ’ዚ ህድእ ኢለ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ከስፍር ዝዕድም ኮይኑ ረኺበዮ። ብደረጃ ሃገር ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ሰለስተ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ጉባኤታቶም ኣቃኒዖም ኣለዉ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጉባኤኡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣካይዱ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ’ውን፡ ካልኣይ ጉባኤኡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣስሚሩ። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ድማ፡ መስመሪ ጉባኤኡ ለንቅነ ኣብ ኢትየጵያ ኣቃኒዑ። እቶም ክልተ ምዑታት ኣሕዋት (ደቂ ገብረግዮርጊስ) ሎሚ ‘ውን ከም ዓሚ፡ ምስ ካልኦት ኣዕሩኽቶም ዘካይድዎ ዘለዉ "ጉዕዞ ንሓርነት" እተሰምየ መደብ፡ ከይጠቕስካዮ ዘይሕለፍ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻመታት ናይ’ዚ እዋን እዩ።

ብኻልእ መዳይ ድማ፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ፡ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ረዳእ ስኢኖም ናብ ገሃነመ-እሳት ክድርበዩ ኣብ ዝተቐረቡሉ እዋን፡ "ርድኡና" እንዳበሉ ብቓንዛ ዝማጣልዕሉ ዘለዉ ሕሱም እዋን እዩ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሰሚሩ፡ መዋጽኦ ድማ ክፈጥፈሎም ትምኒት ኩልና ስለ ዝኾነ፡ ሰናይ ዕድል እምነየሎም። ብዘይካ’ዚ፡ ዓይጋ ፎረም ዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ብዛዕባ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ኣውጺእዎ ዘሎ ማይ ዘይጠዓመ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ኣዝዩ ዘሻቕልን ዘተሓሳስብን ኮይኑ ረኺበዮ። ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ኣጋ ምውድአይ ስለ ዘንበብክዎ ግን ብዛዕብኡ ብዙሕ ክጽሕፍ ኣይክኣልኩን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ጉዳይ እተጻረየን ርእሱ ዝኽኣለን ፍሉይ ሓተታ ከም ዘድልዮ ‘ውን ኣስተብሂለ ኣለኹ።

ብደረጃ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ለጎግታ ዕንጓል ገዛእ ርእሶም ከይደረዙ፡ ኣብ ሶማልያ ደገል እንዳማቶም ከጽርዩ፡ ኣነ’ባ ኣነ’ባ ዝበሃልሉ ዘለዉ ናይ ወጥሪ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ወትሃደራትን ኣጽዋርን ናይ’ዘን ክልተ ሃገራት፡ ብጋህዲ ናብ ሶማልያ የምርሕ ከም ዘሎ ተዓዘብቲ ሓቢሮም ጥራይ ዘይኮነስ፤ እዘን መዋእለን ብመግዛእቲ፣ ኵናት፣ ድርቅን ምልክን ዝተሓመሳ ክልተ ሃገራት፡ ንሶማልያ ከም "ዓውደ-ውግእ ማዕዶ" (proxy war) ይጠቀማላ ከም ዘለዋ እዩ ዝንገር ዘሎ። ኣብ መወዳእትኡ እንታይ ክወልድ እዩ? ንመንከ ክቐዱ እዩ? ዝብል ሕቶታት ምስ ግዜ ጥራይ’ዩ ክርአ። እንተኾነ ግን፡ ሓቅነቱ ክሳብ ዝጣለል ድኣ ግዜ ይበልዕ ይኸውን እምበር፡ ናይ’ዚ ሰራም ውጥን’ዚ ግዳያት ዝኾኑ ንጹሃት ዜጋታት ውሑዳት ክኾኑ ከም ዘይኮኑ፡ ድሮ ኣመታት ተረኺቡ ኣሎ። ብኻልእ መዳይ ድማ፡ ሓደ ደልዳላ ናይ ኢህወደግ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ናብ መንግስቲ ህግደፍ ኢዱ ሂቡ ኣሎ።

ብሕጽር ዝበለ መልክዕ፡ ዓበይቲ ምዕባለታት ናይ’ዚ እዋን’ዚ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ይመስል። ንቓልሲ ኣንጻር ምልኪ ብዝርኢ፡ እቲ ኣገዳሲ ዝበሃል ፍጻመታት፡ ናይ’ተን ዝተጠቐሳ ሰለስተ ውድባት ጉባኤታት እዩ። እቲ በብኹርንዑ ዝግበር ንእስ ዝበለ ዓመታዊ ኣኼባታትን ንጥፈታትን ከይጸብጸብካ ማለት እዩ። እዚ ናይ ለንቅነ ጉባኤታት ትኩር ጠመተ ዘድልዮ ይመስል። ምሉእ ድኣ ይግበሮ’ምበር፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓድሽ ምዕብልናታት ዝቀላቐል ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ካልእስ ይትረፍ፡ እቶም ቅድሚ ገለ እዋን (ዓሚ፡ ቅድሚ ዓሚ) ብቖየቛ "ዓይንኻ ትንቆር" ሓድሕድ ዝካሰሱን ዝዘላለፉን ዝነበሩ ፖለቲካውያን ክንፍታት፡ ብኣንጻር’ዚ ሓደ ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ሓደ ጉባኤ ከም ተዓዛባይ ድዩ ከም ዕዱም ብምስታፍ፡ ወይ ድማ ደብዳበ ብምልኣኽ፡ ናይ ደገፍ መልእኽታቶም ከቕርቡ ምኽኣሎም፡ ነቲ ተተፋኒኑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከፋኹሶ ከም ዝኽእል ርዱእ ይመስለኒ። ናብ ጉባኤታትን ኣኼባታትን ናይ ደገፍ መልእኽታት ምስዳድ ክልመድ ዝግብኦ ምዕቡል ፖለቲካዊ ባህሊ ስለ ዝኾነ፡ "ኣለና" ዝብሉ ፖለቲካውያንን ዘይፖለቲካውያንን ተዋሳእቲ ከስተብህልሉ ዝግባእ ይመስለኒ።

ካብ’ዚ ናይ ለንቀነ ሰለስተ ጉባኤታት፡ ካብኡ ናብኡ፡ በዚ ዝስዕብ ምኽንያታት 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ከምስጠኒ ክኢሉ። እዚ ክብል እንከለኹ፡ ከም ሰብ ውልቃዊ ርአይቶይ ከስፍር መሰለይ ምዃኑ ብዘይ ምዝንጋዕን፡ ነቲ ናይ ካልኦት ውድባት ጉባኤታት ንምክሽማሽ ከም ዘይኮነን ብምረዳእ እየ። ዝመጽእ ሃናጺ ነቐፌታት ክቕበል ድልዊ ምዃነይ ድማ ክዝከረለይ እደሊ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ገለ፡ ገለ ፖለቲካዊ መርገጽታት፡ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ይኹን ናይ ካልኦት ውድባት፡ ዘለኒ ዕቃበታት ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ምስትብሃል ‘ውን ጽቡቕ እዩ። ዕቃበታት ኣሎ ማለት ግን ክትዕ የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብ’ቲ መሰረታዊ ነገራት፡ ማለት ኣድላይነት ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጥን መስርሕን ሓፈሻዊ መረዳእታ ክዓስል እንተኽኢሉ፡ እቲ ዝተረፈ ፍልልያት ተፈዋሲ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ፍልልያት ብኽትዕን ልዝብን እዩ ዝጸብብ። እቲ ምልውዋጥ ሓሳብ ድማ፡ ዲሞክራስያውን ዘይተነጻጻግን ምስ ዝኸውን ሃናጺ ይኸውን። እዚ ሰረተ-እምነት’ዚ ካብ ክልሰ-ሓሳብ ሓሊፉ ግብራዊ ተፈጻምነት ምስ ዝረክብ፡ ሓደ ካብ ዝዓበዩ ጸገማትና ተቓሊሉ ክብሃል ይክኣል።

ሓደ፡ ኣብ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተዓዘብክዎ መሳጢ ምዕብልና፡ ንኣቀራርባ ጸብጻብ ዝምልከት እዩ። ኣቀራርባ ጸብጻብ፡ ካብ መጀመርታ መዓልቲ ጀሚሩ ዝርዝራውን ስሩዕን ኔሩ። ብስእሊ እተሰነየ ጸብጻብ ምንባሩ ድማ ብሉጽ ይገብሮ። ብዛዕባ ኣብ’ቲ ጉባኤ እተኻየደ ክትዓት ብዙሕ ሓበሬታ ክርከብ ተኻኢሉ። ኣብ ዜናዊ መዳያት ዝግበር ሓያል ኣወዳድባ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይ’ቲ ቐንዲ መደብ ስለ ዝኾነ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዓንተብኡ ኣቃሊብሉ ከም ዝነበረ ክግምት ክኢለ። ከምቲ ሓደ ኣብ’ቲ ጉባኤ እተሳተፈ ተዓዛባይ (ማሕሙድ ዑስማን ኤሎስ ማለተይ እየ) ብዝርዝር ዝገለጾ፡ እቲ ጉባኤ ካብ’ቲ ልሙድ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጉባኤታት ፍልይ ዝበለ ኣወዳድባ፣ ኣቀራርባን ግሉጽነትን ከም ዝነበሮ ክግንዘብ ክኢለ። እዚ እወንታዊ ምዕባለ’ዚ፡ ሓደ ስጕሚ ንቕድሚት ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ጉባኤ፡ ኣብ ምምስራት ሰልፊ፣ ምቕያር ስም ውድብ፣ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ብዝምልከት ሒዝዎ ዝወጸ ውሳነታት ‘ውን እዋናውን ኣዝዩ ዝነኣድን እዩ።

ብመንጽሩ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓዲ ጣልያን እተኻየደ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ ሓጸርቲ ጸብጻባት ይቕርብ እንተነበረ፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ከም’ቲ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ሕይል ዝበለ ኣይነበረን ክብል እደፍር። ንኣብነት፡ ክሳብ ሕጂ ብጽሑፍ መልክዕ ዝቐረበ ዝርዝር ጸብጻብ ናይ’ቲ ካልኣይ ጉባኤ ኣየንበብኩን ዘለዅ - ብዘይካ እቲ ሓጸርቲ ጸብጻባት። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ተጠቂዑ ዘሎ ናይ ቪድዮ ስእሊ ‘ውን፡ እንተ ብሰሪ ጸገም ኮምፒተረይ፡ እንተ ብሰሪ ካልእ ተክኒካዊ ጸገማት ናይ’ቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ክሳብ ሕጂ ክርእዮን ክሰምዖን ኣይክኣልኩን። ንሱ ዝረአን ዝስማዕን እንተኾነ ‘ውን፡ ጽሑፍ ዝመስልዎ ነገር ስለ ዘየለ፡ ብጽሑፍ ዝቐርብ ጸብጻብ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ውሳነታት ጉባኤ ሒዙ ዝወጸ ናይ መወዳእታ ሰነድ፡ ዳግም ክውከሶ ኢለ ሃሰስ’ኳ እንተበልኩ፡ ኣብ’ቲ መርበብ ሓበሬታ ክረኽቦ ኣይክኣልኩን።

መስራቲ ጉባኤ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጉባኤኡ ብዓወት ከም ዝዛመ ኣብ ናይ 23 ነሓሰ ዜና እየ ኣንቢበ። ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ዝወጽእ ዝርዝራዊ ሓበሬታን ጸብጻብን ይህሉ ይኸውን እንዳበልኩን ነዚ ጽሑፍ’ዚ ዛዚመ ብኢመይል ክሰዶ እንዳተቐራረብኩ ከለኹን ድማ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ ኣዳል1.ኮም ከም ዝወጸ ርእየ። ከም’ቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ኣዋጃት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ውሳነታትን እተመርጹ ኣካላት መሪሕነትን ገሊጹ ኣሎ። ኣስማት ናይ ኣባላት ተቖጻጻሪት/ፈጻሚት ሽማግለ ግን ኣይጠቐሰን። እቲ ንስምረት ዝምልከት እወንታዊ መዳዩ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ እዚ ሕጽረት’ዚ ግን ብቐሊሉ ክልለ ዝኽኣለ ነገር እዩ። ኣብ ደምዳሚ ኣዋጅ ጉባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ‘ውን ኣስማት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኣይተገልጸን። ኣብ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራኸ ምርጫ ኣባላት መሪሕነት ተጌሩ ዶ ኣይተገበረን ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣየንበብኩን። ኣብ ሰለስቲኡ ጉባኤታት ከም ገለ ከይተኸታተልክዎ ዝሓለፈኒ ሓበሬታ እንተሎ ጌጋ ይኽኣለይ እብል። እዚ ግን ካብ ዘስተብሃልኩሉ ሕጽረታት ሓደ ከም ዝኾነ ክጠቅስ እደሊ።

ካብ’ቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እተኻየደ ሰለስተ ጉባኤታት፡ እቲ ክልተ ኣብ ኢትዮጵያ ምክያዱ፡ ምናልባት ከም ካልእ ነብሱ ዝኽኣለ ሕጽረት ዝርአ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብዙሕ ትንተናታት ክወሃቦ ዝኽእል ጉዳይ እኳ እንተኾነ፡ በቲ ተራ ሰብ (ሓፋሽ) ዝሓስቦ ኣተሓሳስባ ምግምጋሙ ጽቡቕ ይመስለኒ። ተራ መበልለይ ምኽንያት ድማ ዝኾነት ውድብ ወይ ሰልፊ ድጋፋ ካብ ሓፋሽ ዝመንጨወ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ያ ቅልጡፍ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል’ሞ፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ደንበ ተቓውሞ ዓቲቡ ክስሓበሉ ከም ዝግባእ ንምዝኽኻር እዩ።

ሰብ፡ ንነገራት እንተወሓደ ብኣርባዕተ ኵርናዕ ጠሚቱ፡ ክግምግም ክኽእል ኣለዎ ዝብል እምነት’ኳ እንተለኒ፡ ኩሉ ሰብ ግን ከምኡ ክገብር ዓቕሚ የብሉን። ርክብ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ኢትዩጵያ ድማ ብእተፈላለየ መረጼን እዩ ዝርአ። ብሰንኪ ጻዕቂ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍን ተንጠልጢሉ ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ዶብን፡ ሓፋሽ ንርክብ ተቓወምቲ ውድባት ምስ ኢትዮጵያ ፍኹስ ኢልዎ ክቕበሎ ኣዝዩ እዩ ዝኸብዶ። ካብ’ዚ ርድኢት’ዚ ተበጊሰን እየን ይመስለኒ፡ እተን ክልተ ኣብ ኢትዮጵያ ጉባኤአን ዘቃንዓ ውድባት፡ ኣቐዲመን ጉባኤን ኣብ ሱዳን ክገብርኦ ሓሊነን ዝነበራ። ኣይትትዓደሎ ኮይኑ ግን፡ ባህርያት መንግስቲ ሱዳን ከም ክሊማ ዓሰብ ካብ ንግሆ ንምሸት ዝቀያየር ብምዃኑ፡ ኣብ ኣፋን ዕርበታን ግዳይ ናይ ህጹጽ መደባት ጌርወን። ኣብ’ዚ ዝተራእየ ተዓጻጻፍነት ምኽኑይ ይመስለኒ። እቲ ጉባኤ ናይ ኤርትራውያን ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ’ቲ ንኤርትራ ዝቐረበ ዞና ክግበር ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ብሰሪ ሃንደበት ዝማዕበለ ፖለቲካዊ ተረኽቦታት ግን ነተን ውድባት ናብ ኢትዩጵያ ከቋምታ ከም ዘገደደን ኩሉ ሰብ ዝሕስቶ ኣይመስለንን። እቲ ኣቐዲመን ሓሊነናኦ ዝነበራ መደብ (ጉባኤታተን ኣብ ሱዳን ከካይዳ)፡ ንተሃዋስነት ናይ’ቲ ጉዳይ ሚዛን ሂበንኦ ከም ዝነበራ ዝእምት ኮይኑ ስለ ዝተራእየኒ፡ እዚ ‘ውን ሓደ ካብ እወንታዊ ምዕብልናታት ጌረ እየ ዝርእዮ።

እቲ ሃንደበታዊ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ብዝያዳ ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ጸልይዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ብቐሊሉ ምግንዛብ ይክኣል። ምኽንያቱ፡ ኣዝዩ ውሑድ መዓልታት ምስ ተረፎም እዩ ውሳነ መንግስቲ ሱዳን ብዕሊ እተፈልጠ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ እተገብረ ህጹጽን ወሳንን ምትዕጽጻፍ፡ እቲ መሪሕነት ደሊብዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ኣጕሊሑ ከርእየና ክኢሉ። ድሕሪ መስዋእቲ ኣቦ መንበሮም ‘ውን ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ተመሓላሊፉስ፡ ኣብ ጉባኤ ድማ ብሰላም ክበጽሑ ምኽኣሎም ቀሊል ነገር ኣይኮነን።

ጫሌዳ ነገር ድኣ ከይመስል እምበር፡ ሕርኽርኽ ካብ ዝብለኒ ነዊሕ እዋን ዝገበረ ሓደ ሓሳብ ወስ ኣቢለ ንሎሚ ዝበልክዎ ክዛዝም። እታ ዘይትነጽፍ ብርዒ ሳልሕ ዮኑስ ለንቅነ፡ ብቛንቋ እንግሊዝ ኣብ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣልዒላ ኔራ። እቲ ጉዳይ ንምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ዝምልከት ኮይኑ፡ እዋናውን ኣድላይን ኮይኑ ከም ዝረኸብክዎ ኣብ’ቲ ኣነ ‘ውን ብቛንቋ እንግሊዝ ዝጸሓፍክዎ ርእይቶይ ኣተንቢሀ ኣለኹ። ምዕባለ መበቆላዊ ቋንቋታትና፡ ብፍላይ ክኣ እዚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዘለኹ ቋንቋ፡ ኣሻቓሊ እንዳኾነ ይኸይድ ከም ዘሎ ክስትብሃለሉ ዝግባእ መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክጠቅስ እደሊ። ከምቲ ሳልሕ ዝኣመቶ፡ ቋንቋ ትግርኛ፡ "ርድኡኒ’ያ ርድኡኒ" እያ ትብል ዘላ። ዝስዕብ ጽሑፈይ ቀልጢፉ ክዳሎ እንተኽኢሉ፡ ምስ ካልእ ምዕብልናታት ኣተሓሒዘ፡ ብዛዕባ ትግርኛ ተወሳኺ ዘሻቕለኒ ኣብነታት መሊአ፡ ኣብ’ዚ ነጥቢ ቁሩብ ክዝቲ ክፍትን እየ። ከከም ዝሓሰብናዮ ይግበረልና እንዳበልኩ ንሎሚ ኣብ’ዚ ክዛዝም።

ሰናይ ቅነ

© Copyright 2002 by Awate.com