|
To print: Click here or Select File and then Print from your browser's menu. Click here to return to the home page. |
Tigrigna
አብ ዝሓለፈ ቅንያት እቲ ዝዓበየ ወረታት ቲቪ ኤረን፡ ድምጺ ጠፋሽን፡ መርበብ ሓበሬታት ሕጊ ግደፍን ሰዓብቶምን፡ ጉዳይ ኢትዮጵያዊ ደራፋይ ሰሎሞን ተካልኝን፤ ጉዳይ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝመጸ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ከማል ገለቹን ኮይኑ ቀንዩ። መንዮም እዞም ሰባት እዚኣቶም? ኣብ ዝተፈላለየ ምንጭታት ከምዘንበብኩዎ ሰሎሞን ተካልኝ ሓደ ካብቶም ናጽነት ኤርትራ ዘይወሓጠሎም፤ ቀይሕ ባሕሪ ኢዩ ዶብና፤ ኤርትራ ኣካል ኢትኦጵያ ኢያ፤ ዝብሉ ሓደ ኢዩ። አብቲ ካብ ኣስመራ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ እዉን በጨቕ ከምዝበሎ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ንክደርፍ ተዓዲሙ፤ ማንም ኤርትራዊ መንእሰይ አብዚ ግዜ እዚ እግሩ መሊኡ ዘይዞረላ ከተማ ኣስመራ፤ ብዓቢይ ከበሬታ፡ ዓንዲሩላን ተራኢዩላን ደሪፉላን ከይዱ።ኣየገርምነዶ !! ብድሕሪኡ ጽንሕ ኢሉ ከኣ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ከማል ገለቹ ናብ ኤርትራ ሃዲሙ መጸ፤ ንሱ ከኣ ሓደ ጅግና ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተባሂሉ ዝቶሾመን ዝተፈልጠን ሰብ ኢዩ።ቀንዲ ጅግንነቱ ከኣ ኣብ ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘርኣዮ ተግባራዊ ስርሓት ኣብ ዓውደ ዉግእ ኢዩ፤ናቱ ኣብ ዓውደ ዉግእ ጅግንነት ግን ንኤርትራ ሃገርና ዕንወት ኢዩ ነይሩ። ብሰንኩን ብሰንኪ ሰዓብቱን ብዙሓት ኣሕዋትና ሃገሮም ክካላኸሉ ተሰዊኦምን፡ ሰንኪሎምን ኢዮም፤ ብዙሓት ስድራቤታትን ዘኽቲመን ኢየን፤ ብዙሕ ሕዝቢ እዉን ተመዛቢሉን ብዙሕ ንብረት እውን በሪሱን ኢዩ። እዚ ኩሉ ግፍዕታት ዝፈጸመ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ከማል ገለቹ ግን ሕጊ-ግደፍ፡ ገዳፋት ኢዮም ንጸላእቶም ዝብል ግምት ስለዝገበረ ኢዩ፡ ኣብ ኤርትራ ኢዱ ክህብ ዝወሰነ፤ እምበር ኣብ ሱዳን እዉን ኢዱ ክህብ ምኸኣለ ነይሩ፤ ኣማን ብኣማን ከኣ ሓቁ ! እኒሆ ከኣ ብዘይ ገለ ተሓታትነት፡ ብዓቢይ ክብርን ዓጀባን ከምዝተቐበልዎ፡ ማዕከናት ዜና ሕጊ-ግደፍ ባዕላተን ኣቃሊሖንኦ ኢየን፤ እዚ ከኣ ንኹሉ ልቢን ሕልናን ዘለዎ ኤርትራዊ ዘሕዝን ኢዩ። ዉሑዳት ገርሀኛታት ወይ ዓያሹ ግን ምናልባት ከም ዓቢይ ዓወት ዝሪኢዎ ኣይሳኣኑን ኢዮም። ንጀጋኑ ናይ ቃልሲ ጀነራላት ኣሕዋትና ግን ካብ ብዙሓት ዉሑዳት ከም ኣብነት ንምጥቃስ ንበዓል ጴጥሮስ ሰለሞን፡ ሸሪፎ፡ ብርሃነ፡ ዑቑበ ኣብርሃ፡ ቢትወደድ፡ ወዘተ… ግን ቲቪ ኤረ ትኹን ፡ ድምጺ ጠፋሽ፡ ወይ መርበብ ሓበሬታት ሕጊ ግደፍን ሰዓብቶምን ሓንቲ ደቒቕ እኳ ዕድል ኣይሃብኦምን ዝተፈልየ ፖሊቲካዊ ርእይቶኦም ንኽገለጹ።ብዛዕባ ሃለዋቶም እኳ ተዛሪበን ኣይፈልጣን ኢየን። ከምኡ እዉን ምስ 12 ሸሕ ዝኾኑ ካብ ሕጊ-ግደፍ ኣምሊጦም ንትግራይ ዝኣተዉ መንእሰያት ኤርትራ ክርአ ከሎ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ቆልዑትን ንሱዳን ክዉሕዙ ክትሪኢ ከሎኻ፤ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ምድረ ባዳታት ሰሃራን፤ ማእከላይ ባሕርን ክጠፍኡ ክትዕዘብ ከሎኻ፤ ናይ ጀነራል ከማል ገለቹ ንኤርትራ ምምጻእሲ እንታይ ዓወቱ ኢዩ !!። ንዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ንምፍታሕ ዝግበር ፈተነኸ ከም ማንቲለ ብጥይት ምህዳን እንተዘይኮይኑ፤ ዝተገብረ መጽናዕትን ፍታሕን ክሳብ ሕጂ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። እዚ ግን ብድሕሪ ናጽነት ጥራይ ዝመጸ ሓዲሽ ተርእዮ እውን ኣይኮነን፤ ካብ ግዜ ቃለሲ ኣትሒዙ ዝነበረ ተርእዮ ኢዩ፤ ንኣብነት ንምጥቃስ እቲ ጨካን ናይ ውግእ ነፈርቲ ፓይለት ኢትዮጵያዊ ኮረነል በዛብህ ጴጥሮስ ጌና ካብ ተዘክሮና ኣይተሓከን። ኮረነል በዛብህ ጴጥሮስ ብነፈርቲ ወግእ ኢትዮጵያ ኣብ ግዜ ቃለሲ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ክንደይ ዕነወት ዝገበረ፤ ንኽንደይ ተጋደልትን፡ ሕዝብን፡ እንስሳን ኤርትራ ዝደብደበን ዘባህረረን ኢዩ፤ ምስ ተማረኸ ከኣ ብዘይ ገለ ተሓታትነት ኣብ ሓጺር እዋናት ናጻ ተለቀ፤ ናብ ኢትዮጵያ ሃገሩ እውን ከም ሓደ ጅግና ብዓቢይ ክብርን ዓጀባን ተመለሰ። ብኣብቲ ናይ ናጽነት ቃለስና ዝገበሮ ዕንወት ከይተጣዕሰ ከኣ ኣብ ደባዊ ግጨት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ውግእ ነፈርቲ ፓይለት ኮይኑ እንደገና ብምምጻእ ኣብ ልዕሊ ሕዝብን፡ ከተማታት ኤርትራን ዓቢይ ዕንወት ድሕሪ ምግባር እነደገና ተማረኸ። ሕጂ እውን እንተድኣ ብሂወቱ ሃሊዩ፡ በዚ ሕጊ-ግደፍ ምስ ቅንጅት ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሕኸኽኒ ከሓከካ ወይ ናይ „ንጸላኢየይ ጸላኢኡ ፈታዊየይ ኢዩ" ፖሊቲካ ሕጊ-ግደፍ፤ ብዘየገድስ ኩሉ ሕማቕ ተግባራቱ ኮረነል በዛብህ ጴጥሮስ ንካልኣይ ግዜ ከም ዝፍታሕ ይንበ !! ቀጺለ እውን ኢትዮጵያውያን ናይ ውግእ ምሩኻት ኣብ ግዜ ናይ ናጽነት ቃለሲኸ ከመይ ይትሓዙ ነይሮም ? ኣብ ዝብል ሕቶ እውን ከተኩር፤ ኣብቲ ብሕ.ግ.ሓ.ኤ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ጽሑፋትን ቪድዮታትን ተጻሒፉን ተቐሪጹን ከምዘሎ፤ ብሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይተሓዙ ከም ዝነበሩ ፤ በብግዜኡ ከኣ ናጻ ተለቒቖም ንሃገሮም ይምለሱ ከምዝነበሩ ኢዩ ዝዝከር። ብዓለም ደረጃ እውን ኣድናቖት ይረክብ ከመዝነበረ ከኣ ይሕበር። ኣነ ብወገነይ እውን ንኢትዮጵያውያን እሱራት ይኹኑ ንኤርትራውያን እሱራት ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕለወሎም ደስ ይብለኒ፤ ኣብዚ ተመርኩሰ ከኣ ሰብኣዊ መሰል ናይ ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራትከ ብግዜ ቃልሲ ንናጽነት ይኹን ብድሕሪ ናጽነተ-መሬት ሃገረ ኤርትራኸ ! ከመይ ይመስል ዝብል ሕቶ ኢዩ። ናይ ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ብግዜ ቃልሲ ንናጽነት ንነዊሕ እዋናት ተደፊኑ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ፤ ብዛዕብኡ ምሕታት ወይ ምዝራብ ከም ዓቢይ ገበን ዘሕትት ስለ ዝነበረ፤ ከምቶም ብዘስካሕክሕ ዝተኣስሩ ከይትእሰር ፈሪሕካ ብጩቕ ዘይበሃለሉ ግዝያት ኢዩ ሓሊፉ።ብሓጺር ኣዘራርባ ከምቲ ንጸላእትና ዝተገብረሎም ሰብአዊ ኣተሓሕዛ ንኣሕዋትና ኣብቲ ግዜቲ እውን እነተኾነ ኣይተገብረሎምን፤ ተዘኪሮም እዉን ኣይፈልጡን።ኣበይ ከምዝኣተዉ እውን ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ዘይተገልጸ ጸሊም ታሪኽ ኢዩ። ዕድመ ንምዕባሌ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት (ኢንተርነት)፡ብድሕሪ ናጽነተ-መሬት ሃገረ ኤርትራ ግፍዒ ናይ ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ብግዜ ቃልሲ ንናጽነት፡ እቲ ንነዊሕ እዋናት ተደፊኑ ዝኸይድ ዝነበረ፤ ብዝተፈላለዩ ናይ ዓይኒ ምስክራት ብዙሕ ተጻሒፉን ተገሊጹን ኢዩ፤ ይሕጸር ይንዋሕ ከአ ዝሕባእ ታሪኽ ከምዘየሎ ከኣ ብጭብጢ ተረጋጊጹ። መሰል ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ብድሕሪ ናጽነተ-መሬት ሃገረ ኤርትራኸ ! እንታይ ይመስል ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ንኩሉ ሰብኣዊ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ንምሉእ ሕብረተ ሰብ ዓለም ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። መንዮምከ እቶም ናይ ፖሊቲካ፡ እሱራት ዝበሃሉ፤ ስለምነታይከ ተኣሲሮም ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ? መሰል ኤርትራዊ ዜጋ ይትሓሎ፤ ሃገርና፡ ሃገር ፍትሕን.፤ ሕግን ደሞክራስን፤ ማዕርነትን፡ ሰላምን ይንገስ፤ ኣብ እዋን ቃልሲ ዝተኣትወ መብጽዓ ይተሓሎ፤ ሕዝባዊ መንግሰቲ ይተኸል፤ ናይ እምነት ናጽነት ይተሓሎ፡ ግፍዒ መንእሰያት ጠጠው ይበል ዝበሉ፡ ኩሎም፤ ብሓጺሩ ብዘይካ ፖሊቲካዊ ሕቶን ዝተፈልይ ርእይቶን ካልእ ሓጢኣት ዘይብሎም፡
ብፍላይ እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ13 ጀጋኑ መራሕቲ ሕ.ግ.ሓ.ኤ ነበር፤ ኣስታት 17 ዝኾኑ ተባዓት መንእሰያት ጋዜጠኛታትን ዝቐርብ ናይ ሓሶት ክሲ፤ ሕጊ ግድፍ ጭብጢ ስለ ዘይብሎም ክሳብ ሕጂ 5 ዓመታት ሓሊፉ ናብ ናጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከቕረብዎም ኣይካአሉን። ኣብ ዓለም ተራኢዩ ብዘይ ፍለጥ ኣገባብ ብዘይካ ከሰስቶምን ሓለውቶምን ስዉኣት ዲዮም ህልዋት ምኻኖም ከይተፈልጡ እኒሆ 5 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ከምዚ ኣተሓሕዛ እዚ ንናይ ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ብግዜ ዝሓለፈ መግዛእትታት እዉን እነተኾነ ተራኢዩ ኣይፈልጥን። (ንምምዝዛን ሓቀኛ ታሪኽ ብዛዕባ ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራት ኣብ ዓለም ባቃ ብግዜ ደርጊ፤ ብተሰፉ በራኺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2006 ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታት (ኢነተርነት)፡ ዝተጻሕፈ ተመልከት) ኣብ መደምደመታ ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ፤ ከምቲ ምስላ ኣቦታት ዝብሎ „ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ነይንቖ" ዝተባህለ፤ሕጊ-ግደፍ ንሕጊ አልቦ ዝኾነ ተግባራቶም ናህና ኢሎም ከም ዕላማ ስለዝሓዝዎ፤ ካብቲ ኣትዮሞ ዘለዉ ዓዘቐቲ ክወጹ ዝኽእሉ ኣይመስለንን፤ ብሓደ ርእሲ ስለ ዝምርሑን፡ ብፍርሒ ስለ ዝረዓዱን ከኣ ጸገም ኣለዎም። ሕዝብና እዉን ካብዚ ዊሒጥዎ ዘሎ ፍርሒ ክወጽእ ኣለዎ፤ መሰል ሕዝብና ይኹን፤መሰል ናይ ኤርትራውያን ናይ ፖሊቲካ እሱራት እዉን ዝረጋገጽ ብትብዓት ድኣ እምበር ብፍርሒ ተዋሒጥካ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ፤ እናሰማዕካ ከምዘይሰማዕካ፤ ኣፍካ ተለጉምካ፤ ዝመጽእ መሰል የለን። ከምዞም ተባዓት ኣሕዋት ዝገብርዎ ዘለዉ አሸሓት ኪሎ ሜተራት ጉዕዞ ብእግሪ ምእንቲ ፍትሒ ፤ ንሕና እውን ኣብ ምሉእ ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን ንመሰልናን ንመሰል ሕዝብናን ብንጹሕ ሕልናን ተበግሶን ንስዓቦም፡ ሞራላውን ንዋታውን ሓገዛት ንግበረሎም ዓው ኢልና እዉን ነዘን ዝስዕባ መሰላት ነቃልሐየንን ንቃለሰለንን፡ ናይ ፖሊቲካ እሱራት ይፈትሑ |
|
© Copyright 2002 by Awate.com |