|
To print: Click here or Select File and then Print from your browser's menu. Click here to return to the home page. |
Tigrigna
ቅድሚ ሕጂ ኣድላይነት ሃገራዊ ዋዕላ ብዙሕ ኢዩ ተጻሒፉን ተዘሪቡን:: ኣብዚ ሕጂ ምድጋሙ ኣድላይ ኣይመስለንን:: ንኣተገባብራኡ ዝምልከት ግን ብዙሕ ኣገዳስነት ኣለዎ:: ሃገራዊ ዋዕላ ብመን? ንመን? ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላስ ንሃገራዊ ዋዕላ እተዳሉ ሽማግለ ብኸመይ ትቕውም? ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ:: ብመሰረቱ ሓደ ሃገራዊ ዋዕላ ሃገራዊ ዘብሎ ኣብቲ ሃገር ዝርከቡ ክፍልታት ሕብረተሰብ ብምልኦም ስለ ዝምልከት ወይ ዘጠቓልል ኢዩ:: ኩሎም ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን፡ ወከልቲ ሃይማኖታትን፡ ምሁራትን፡ ግዱሳት ሃገራውያን ውልቀሰባትን ዋናታት ሃገራዊ ዋዕላ ኢዮም:: ስለዚ ዋናታት ካብ ኮኑ ኣብታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተኻፋልነት ክህልዎም ናይ ግድን ይኸውን:: ቅድሚ ሕጂ ይዝከረኒ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ “መን ይዕድም? መን’ከ ይዕደም?” ዝብል ሕቶ ተላዒሉ ብዙሕ ዝተኻታዕናሉ ኣርእስቲ ኢዩ ነይሩ:: እሞ ሎሚ’ኸ ኣብዚ ዝዳሎ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ መን’ዩ ዝዕድም? መን’ዩ’ኸ ዝዕደም? ልክዕ ከምቲ ዓቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ ሓደ ሃገራዊ ዋዕላ ብትሕዝቶኡ ህዝባዊ ኢዩ:: ኣብ ምድላው ናይ’ዚ ሃገራዊ ጉዳይ ብሓላፍነት እትሕተት እታ ካብ ኩለን ክፍልታት ሕብረተሰብ ዝተዋጽአት (ዝተወከለት) ኣካል (ሽማግለ) ኢያ:: እተን ኩለን ዝተወከላ ክፍልታት ሕብረተሰብ ድማ ነታ ዝተወከላላ ዳስ (ዋዕላ) ከም ዳሰን ጌረን ይወስዳኣ’ሞ ውጽኢት ናይእቲ ዋዕላ ድማ ዕውት ይኸውን:: ኣብቲ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘንበብክዎ እቲ ምድላው ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ኪዳን ክውሰን ዝግበሮ ሓደ ምኽንያት ሲቪላውያን ማሕበራት ይኹና ካልኦት ዓቕሚ ዘይምህላወን ይገልጽ:: ሓቂ ክንዛረብ እንተ ኾይኑ ኪዳን’ውን ካብተን ትማሊ ዝተፈጥራ ሲቪላውያን ማሕበራት ዝሓይሽ ዓቕሚ የብሉን:: ብዝያዳ እኳ’ድኣ ካብ ኩለን ዝተመዘዘት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ምስ እትቕውም እቲ ዓቕምታት ዝተማልአ ምኾነ ይመስለኒ:: ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብዚ ክበርህ ዘለዎ ሓደ ነገር ኣሎ:: እዚ ክብል ከሎኹ ግን ኣብ ኪዳን ዘሎኒ እምንቶን ደገፍን ጐዲሉ ኣየስምዕን:: ካብ ምቛም ምሕዝነት ጀሚሩ ስጋብ ናይሎሚ ኪዳን ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ደጋፍን ነቓፍን ኢየ:: ሃገራዊ ዋዕላ ግን ብትሕዝትኡ ካብ ኪዳን ንላዕሊ ስለዝኾነ ኣብ ኣተገባብርኡ ኣዝዩ ጥንቃቐ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ:: ኣብ ኪዳን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ጥራይ ዘይኰነ ካብ ኪዳን ወጻኢ ንዘለዋ ዘጠቓልል ኰይኑ ብዓቢዩ ድማ ዓቢ ግደ ከጻወታ ዝግብአን ሲቪላውያን ማሕበራት ዘሳትፍ ከኸውን አለዎ:: ርግጽ ኪዳን ሓደ ዓቢ ፖለቲካዊ ጽላል ስለ ዝዀነ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዓቢ ግደ ክጻወት ከም ዝኽእል ሕቶ ዘድልዮ ኣይኮነን:: ይኹን’ምበር ንሱ ጥራይ ብሃገራዊ ዋዕላ ክሕተት ኣየስምዕን:: የግዳስ ኩሎም ኣብ ምውዳቕ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ምህናጽ ሓደ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ዝዋስኡ ሓይልታት ዘሳትፍ ጉዳይ ኢዩ:: ሓድ ሓደ ግዜ ኣብ ምቛም ሓደ ሃገራዊ ትካል “ትሕዝቶኡ እንታይ ኢዩ?” ኢልካ ኣብ ክንዲ ምሕታት “እንታይ ይመስል?” ወይ ድማ “ብኸመይ ቈይሙ?” ዝብል ሕቶ ኣገዳስነት ኣለዎ:: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነቱን ሕጋውነቱን ወሳኒ ይኸውን:: ስለዚ ብርኢቶይ፡ ሀ) ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ካብ ኪዳንን፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪላውያን ማሕበራትን፡ ናይ ሃይማኖት መራሕትን፡ ምሁራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዘሳተፈት ኰይና ስፍሕ ዝበለት ክትከውን፣ ለ) ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ኪዳን ኰይና ክትሰርሕ እትውሰን ነጻ ኰይና ብወከልታ ኣቢላ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ሕብረተሰብና ዝምንጩ ርእይቶታት እናሰነቐት እትሰርሕ፣ ሐ) ኪዳን ናይ ኣወሃሃድነት (coordination) ግደ ክትጻወት፣ መ) ዝኾነ ተቓዋሚ ኣካል ኢየ ዝብል ብኣፍ ዘይኰነ ብግብሪ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻፋልነትን ተወፋይነትን ከበርክት፣ ዓወት ንሃገራዊ ዋዕላ Comment: fitiwi@planet.nl |
|
© Copyright 2002 by Awate.com |