|
To print: Click here or Select File and then Print from your browser's menu. Click here to return to the home page. |
Documents/Interviews
መእተዊ፦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ዘካየደ ሓርነቱን ክብሩን ብምርግጋጽ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ንቕድሚት ብምምራሽ ብልጽግና ናይ ምርግጋጽ ባህጊ ስለ ዝነበሮ እዩ፡፡ ነዞም ሽቶታት እዚኣቶም ንምርግጋጽ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ባዕዳዊ ጎበጣ ካብ ሃገሩ ከም ዝለቅቕ ገይሩ፡ ሃገራዊ ነጻነት ብምዕቃብ ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ፡፡ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓድሽ መድረኽ ኣሰጋገሮ፡፡ ንሱ ድማ ነጻ ሃገርን ሓራ ዜጋን ምህናጽን ዘጠቓለለ ነበረ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሰላምን ደሞክራስን ፍትሕን ሓርነትን ማሕበራዊ ርግኣትን ዝሰረቱ ኣብ ጅግንነታዊ ሃገራዊ ተጋድሉኡ ንዘደልደሎ ሃገራዊ ሓድነቱ ተሞኵሱ፡ ኣብ ናይ ህንጸት ግጥሚያ ንክኣቱ ድሉው ምጽንሑ ርጉጽ እዩ፡፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞን ዓብይ መስዋእትን ልዑል ድሌታትን ህዝብና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምትካል ተዀልፈ፡፡ እዚ ኸኣ ተቓላሳይ ህዝብና ዘይተጸበዮ ዓቢ መስደመም ተረኽቦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ምስቲ ሓርነታዊ ባህግታቱን ክብሩን ተራጸመ፡፡ እቲ እተመስረተ ስርዓት ህዝብና ኣብ ናጻ ሃገሩ ንክኽበረሉ ዝግብኦ መሰላት ብሱሩ ተመንዘንዖ፡፡ ኣብ መቕድም ናይቶም በቲ ስርዓት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ድማ ህዝብና ኣብ ክሊ ውሽጣዊ ሰላም ናይ ሎምን መጻእን ዕድሉ ንኽውስን ዘለዎ ፖለቲካዊ መሰል ምእጋድ እዩ፡፡ ከምኡ እውን ኤርትራ ኣብዚ እዋንን መጻእን ነብሳ ንምህናጽ ብደረጃ ዞባን ዓለም-ለኸን ብሰላም ንኽትነብር ዘሎ ተደላይነት ዓቢ ምዃኑ ክንሱ ህዝብና ተቐዪዱ ይርከብ፡፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ሃገራዊ ቃልሲ ዘዕቆቦም መኽሰባት ንምግባት ገዛኢ ስርዓት ህግደፍ መሬት ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ግጥምያ ታሪኻዊ እጃም ዝነበሮም ፖለቲካዊ ሓይልታት ክእግድ ጀመረ፡፡ ናይ መላእ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላት ብምጭፍላቕ ኣብ ምልኪ ሓደ ሰብ ዝተጠቓለለ ፍጹም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ተኸለ፡፡ ብውሽጥን ብደገን ብዝተኸተሎም መዕነውቲ ፖሊሲታት ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ምስ ኣሳጠሐ ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ሰልፊ ንዝተኸስቱ ናይ ምእራምን ለውጥን ሕቶታት ከይተረፈ ብዓመጽ እዩ ዝመለሰ፡፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ድሕሪ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ምርኢት ኤርትራ ምስ እንዕዘብ ነዞም ዝስዕቡ ኣቐንዘውቲ ሓቅታት ጎሊሆም ይረኣዩ፡፡ ንሳቶም ድማ ምድኻም ሃገራዊ ሓድነት፤ቅዋማዊ ትካላት፡ ግዝኣተ-ሕግን ስለዝቦኸሩ ግህሰት መሰላት ወዲ-ሰብ ብኣዝዩ ክብ ዝበለ ደረጃ ይፍጸም ምህላው፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ሃገር ስርዓቱ ንዝከላኸሉ ና ይ ጭቆና ትካላት ንምህናጽ ይባኽን ምህላው፤ ንዞባዊ ርግኣትን ጸጥታን ንሓደጋ ዘሳጥሑ ውግኣት ምጽሕታሩ ቀጻሊ ምዃኑ፤ ህዝቢ ኤርትራ ደሙ ዘፍሰሰሉን ዝተሰውኣሉን መሬቱ ራሕሪሑ ንስደት ተሳጢሑ ምህላው፤ ከምኡ'ውን ከም ውጽኢት ናይዚ መላኺ ስርዓት ዝፍጽሞ ግፍዕታትን ዝዘርግሖ ብልሽውናን ጥዑይ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ውርሻታት ፈሪሶም፡ ብልሽውና ንስነ-ስርዓትን ማሕበራዊ ባህልን ክትክኡ ምርኣይ ንባህሪ ናይዚ ስርዓት'ዚ ንምግንዛብ እኹላት ኣብነታት እዮም፡፡ህዝብና፡ ሓርነቱን ክብሩን ንምርግጋጽን ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምትእትታውን ዘለዎ ባህጊ ንምትግባር ወትሩ ክቃለስ ድሉው ምዃኑ ሩዱእ እዩ፡፡ ነዚ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ኩነታት ንምቕያር፡ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝቃወሙ ዘለው ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣብ ሰፊሕ ጠርናፊ ሃገራዊ ግንባር ክሰምሩ ግድን እዩ፡፡ ከምዚ ዝኣምሰለ ናይ መላእ ተቓወምቲ ሓይልታት ሰፊሕ ግንባር ስምረት ከኣ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ዙርያኡ ክዓስልን ክቃለስን ብምግባር መዋእል ጸረ- ህዝቢ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ክሓጽር ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝተሰረተ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካልን ምቹእ ባይታ ይፈጥረሉ፡፡ በዚ መልክዕ ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ምስ እትምስረት ምስ ከባቢኣን ዓለምን ብሓፈሻ ዝህልዋ ዝምድናታት ዱልዱል ኰይኑ፡ ዞባዊ ርግኣትን ጸጥታን ንምርግጋጽ ሓላፍነታ ክትስከም እትበቕዕ ክትከውን ትኽእል፡ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን፡ ሓባራዊ ጠቕምታት ዘገልገለ ሰረት ዝምድናን ንምንጻፍ ድማ ትበቅዕ፡፡ ምምስራት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ንተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ንምጥርናፍ ዝተወስደ ኣገዳሲ ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ንምውዳብ ዝተኻየደ ጻዕሪ እዩ፡፡ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ክነምጽእን ዕላማታትና ክነረጋግጽን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታትና ዝሕልው ዝምድናታት ብምስራዕ ብብሩህ መልክዑ ንመድረኻዊ መደብ-ዕዮ ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ቻርተር እነሆ፡፡ ቀዳማይ ዓንቀጽመበገሲታትን መቘሚታትን ብስምምዕ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝቖመ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ነዞም ዝስዕቡ መቘሚታትን መበገሲታትን ከም ሰረቱ ይወስድ፡፡
ካልኣይ ዓንቀጽመድረኽ ቃልሲ ጸረ-ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
ሳልሳይ ዓንቀጽ መሰጋገሪ መድረኽ ቀዳማ ይ፦ መሰጋገሪ መድረኽ፡ ካብ ምልጋስ ህልው ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክሳብ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ እተመርጸ መንግስቲ ዝቘመሉ ዘሎ ግዜ ዘመልክት ኢዩ፡፡ካልኣይ፦ ግዝያዊ መሰጋገሪ ስልጣን፡ ሀ. ግዝያዊ መንግስቲ፡ ካብ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ይቐውም፡፡ ለ. ዕድመ ግዝያዊ መንግስቲ ሓደ ዓመት ይኸውን፡፡ ዕማማት ግዝያዊ መንግስቲ፦
ሳልሳይ፦ ዋዕላ ሃገራዊ ስኒት፦ ዋዕላ ሃገራዊ ስኒት፡ ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ንጽፍሕታት ሕብረተ- ሰብን ኤርትራ ዝውክሉ ክፍልታትን ዝጥርንፍ እዩ፡፡ ራብዓይ፦ ዕማም ዋዕላ ሃገራዊ ስኒት፦
ሓሙሻይ፦ ዕማም ሃገራዊ መሰጋገሪ ባይቶ፦
ሻድሻይ፦ ዕማማት መሰጋገሪ መንግስቲ፦ 1. ዋዕላ ሃገራዊ ስኒትን መሰጋገሪ ባይቶን ብዘጽደቖ መደባትን መምርሒትን ንሃገር የመሓድር፡፡ 2. ኮምስ ዮን ቅዋም የቕውም፡፡3. ናጻ ኮምስዮን ጠቕላላ ምርጫታት የቕውም፡፡ 4. ጠቕላላ ናይ ህዝቢ ምቝጻር ዝካያደሉ መደብ ይሰርዕን ይፍጽምን፡፡ 5. ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስን ንምጥያስን ይሰርሕ፡፡ ሻቡዓይ፦ ዕድመ መሰጋገሪ መንግስቲ፦ዕድመ መሰጋገሪ መንግስቲ ክልተ ዓመት ይኸውን፡፡ ዕድሜኡ ምስ ኣብቅዐ፡ ስልጣን ናብቲ ዝተመርጸ መንግስቲ የረክብ፡፡ ራብዓይ ዓንቀጽሓፈሻዊ ጉዳያት
ኣብ ፖለቲካዊ ቻርተር ዝኸተማ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍትትን
መስራቲ ኣኼባ |
|
© Copyright 2002 by Awate.com |